….የላን! ኢለ ከይካታዐ
እንከይጀመርኩ’ዶ ክርታዐ
ህላወ ጥራይ ዘይኮነስ ኣለዋ ብርታዐ
ህቦብላዊ ሓይሊ ባህሪ ዝቐላልዐ!
ከመይ ዘይትህሉ ኣላ’ምበር
ኣድራሻ ኣልቦ ህዋ ትሰፍር
ቀዝሒ ኹናት ሰራውራ
ንፍጡራት ገቲራ
ብሑኽ ኣሰንኪራ
ኣላ እምበር ከመይ ዘይትህሉ
የላን ማለት ድዩ ሚስጥራ ፈላዪ እንተዘይብሉ?
ቀይዲ ሓጹር ዘሊላ መለለዪ
ቅንዕና ዝተሰኩዓ ዑንቂ መታለሊ
ከም ገለ ንዝበለ መዳህለሊ
ገለ ደኾን ኣይርከባን ከውሊ
መሕብኢ ክደሊ….
እንክሰሉኽ ከም ገለ ኢለ
ኣካለ ልበይ ኣብኣ እንከየጽለለ
ከይሓኾርኩ ናታ መሳልለ
ንጣር እንከይተቐባእኩ እንክልለ
ብጥዕይተይ ከይስበሮ
ዘይደንቆሮ ምስ ምሉእ የእምሮ
ከይተጨፍለቕኩ ከይተሓማሸሽኩ
ከይመከኽኩ ከይተሓዋወስኩ
ኣሰር ኢዳ ከይለገቦ
ጠመተኣ አይዓለቦ
ከይወነነቶ ችግታይ
ከየዋኸበትኒ የምልጥ ዶ ኣነይ?
ብዘማትእ ጠመተ
ገለ ከይማጎተ
ከየባጨወለይ ጸሓያ ብግዲኡ
ተንበርኪከ ከይሰግድ ናብኡ
ኣካለይ ክፈልጥ: ባዕልለይ ክኸውነ
ነዛ ንኻልኢት ነብሰይ ክውንነ
ጎስየኪ እምበር ክሓልፍ
ዕቑረይ ከይሃፍፍ
ኣይተዋኽብኒ!
ምብሓት ይመርጽ ካባኺ
ኣትየ ስለዘይወጾ ፍቕሪ ፍቕራ ፍቕርኺ!
ሳባ ኪዳነ ኣስመራ 1995