ፈታዊ ድኳ
ግዜን ቁልዕነትን ንምስክር
እታ ስድነቱ ካብታ ቁልዕነቱ
ድኳ ይምንጥሎም ንዓበይቲ’ሕዋቱ።
ካብዚ ሓሊፉ’ውን……
ምስቶም መዋዕልቱ ደቂ ገዛውቱ
ኣጉዶ ኣጉዶ ነዛ ንኽጻወት
ዓይኖም ድፍን በቲ ሓመድ።
ገለን’ዳበኸዩ ገለን’ዳኾረዩ
………..ንገዝኦም ይጎዩ።
ኣዴታቶም ካኣ ቆየቛ ዘድከመን
በሰር የውጽኣሎም ከም ቀደመን።
እታ’ዲኡ’ውን ኣይትሃርሞ
……ኣይትረግሞ…….
ተረገም ወሊዳ ንኣዳም ገረሞ።
ኣመል ምስመግነዝ ’ታዘይትተርፍ
ዝሓለፈሉስ ትንፋስ ሰብ የሕልፍ።
ኮተቴ ካብታ ምኹታቱ
ዕድሉ ጸቢቓ ንምሸቱ
ውፈር እቶ ኣብቲ ግዜ ሰውራ
ተቖጺሩ ከም ካልኣይ ጓሳ
መንካዕን ጨጋዕን ሕድሕድ ክናኸሱ
ስልጣን መንጢልዎም ነቶምመገድልቱ።
ጥበብ ሰይጣን ብምስልጣን
ሽዑ…ተዓጢቑ በቲ እዋን
ሓለዋ ሰ..ው..ራ..
..ከም መጋርያ…
…ሽሕ ፈልጺ ናብሓዊ
ጠጠሚርካ ብ ል ሕ ጺ ።
ፈታዊ ድኳ ህልኸኛ ግኒ…
….ሰብ እከሎ ዘይእመን
ፈታዊ ደም ተቐይሩ…
ከም ተኹላን ጭርናዕን።
እኳ ዳኣ.. ጸባ..ጸባ
ደም ሰብ ጥዒሙዎ መዓር ጸባ።
……እዚ ግዳ.!!
ኪዳነማርያም ጎይቶኦም (ዘፌ) 2013
2 Comments
😳 በዓል ኣመል ድኣ ኣመሉ ነይገድፍ!!
💡 ኣዝያ ጽብቕቲ ግጥሚ ኪዳነማርያም፡ ቀጺሎ ይብለካ!! 💡