ብዲያቆን ዳኒኤል ክብረት
ትርጉም መኮነን ተስፋይ
ሓደ ፈታውየይ ኣብ ዝተፈላለየ ሰኪዔት ሓበሬታታትን ዝርርባትን “ፈለማ ኦሮሞ’የ፡ ፈለማ ትግርኛ’የ፡ ፈለማ ኣምሓራይ’የ” ዝብል ክትዕ ረኣየሞ “ንስኻ ፈለማ እንታይ ኢኻ᎒” ክብል ሓተተኒ።
ኣነ ፈለማ ሰብ’የ። ሰብ ኮይነ’የ ተፈጢረ። እግዚኣብሄር ንሰብ’ዩ ፈጢሩ። ጉጅለ፡ብሄር፡ቀቢላ፡ እንዳ ዝበሃሉ ነገራት ፈጢሩ ዝብል ትምህርቲ ወይ መጽሓፍ ኣይረኸብኩን። ክብሪ፡ስልጣን፡ ጥበብ፡ ንፈጣሪ ምምሳል ንወዲ ሰብ’ዩ ተዋሂቡ። መላእኽቲ ክፍጠሩ እንከለው ብማሕበር’ዮም ተፈጢሮም። ኣብ ሓደ ኢዮም ተረኺቦም። ወዲ ሰብ ግን ክፍጠር እንከሎ በቢተራ እዩ። ፈለማ ኣዳም ካብኡ ሄዋን ብድሕሪኡ ቃኤል ካብኡ ኣቤል እናበሉ በቢተራ ተፈጢሮም። ጉጅለታት ወዲ ሰብ ባዕሉ ፈጠሮም ደኣምበር ሓቢሮሞ ኣይተፈጥሩን። ፈለማ ሰብነተይ ኢዩ ኔሩ። ደሓር ጉጅለይ መጽዩ። ድሒሩ ዝመጸ ጉጅለ ነቲ ቀዲሙ ዝመጸ ሰብነተይ ካብዚ ኣይትሕለፍ ካብዚ ኣይትውጻእ፡ካብዚ ኣይትዝለል ካብዚ’ውን ኣይትሳገር ኢሉዎ። እቲ ጉጅለ ብኣይ ክጽዋዕ ዝነበሮ። ንገዛእ ርእሱ ህልውና ክብል ንዓይ በጃ ጌሩኒ። ንሱ ከይመጸ ከሎ ግን ኣነ እቲ ሰብ’የ ኔረ። ፈለማ ሰብ ስለዝነበርኩ ፈለማ ሰብ’ዩ ክኽበር ዘለዎ። ፈለሚ ሰብነተይ እዩ መሰል ዘድልዩ። ሰብነተይ ኣሲርካ፡ቀጥቂጥካ፡ቀቲልካ፡ ጨዊኻ እንድሕሪ ኣጥፊእካኒ ጉጅለይ ኣበይ ትረኽቦ᎒ ንዓይ ገዲፍካ ከመይ ጌርካ ነቲ ኣነ ዝፈጠርኩዎ ጉጅለ ክብሪ ትህብ። እዚሞ ሓሶት’ዩ። ዋህዮታት ቀቲልካ ሰብ ከተንብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ገጻት ቀዲድካ ኸ መጽሓፍ ከመይ ጌሩ ክነብር። ነተን ከብቲ ሓሪድካ ብዛዕባ ጉጅለአን ምጭናቕ እንታይ ማለት’ዩ።
ሃገር ይቕየር’ዩ፥ ቋንቋ ይልወጥ’ዩ፡ ባህሊ ይልወጥ’ዩ፡ እምነት ይቕየር’ዩ፡ እንዳ ይቕየር’ዩ፡ ሰብነት ግን ኣነ’የ። ነዚኦም ኩሎም ምቕያር ዝኸኣልኩ ሰብ ስለዝኾንኩ እዩ። ሰብ ኮይነ ስለዝተፈጠርኩ ምስ ሰባት እነበር። ንበይነይ ዘይክእሎም ነገራት ብሓባር ንኸሳልጦ። ሽዑ ናይ ሓባር መረዳድኢ የድልየኒ። ቋንቋ፡ ባህሊ፡ልምዲ፡ወግዒ፡ስርዓት ከኣ ይመጹ። እዚኦም ኩሎም ሰባት ብሓባር ንምንባር፡ ክነበሩ ከለው ከኣ ናይ ሓባር ዝኾነ ረብሓ ክህልዎም ንምግባር ብኣይ ብሰብ ዝተፈጥሩ’ዮም። ክገድፉኒ ኣይክእሉን’ዮም። ክገድፎም ግን እኽል’የ። ብዘይ ብኦም ክነበር ይኽእል’የ። ብዘይ ብኣይ ግን ክነበሩ ኣይክእሉን’ዮም። ኣነ እየ ዋንኦም።
ስለዚ እየ ፈለማ ሰብ’የ ዝበልኩ። ሰብ ስለዝኾንኩ ናይ ደቂ ሰባት ኩሉ ነገር ይምልከተኒ’ዩ። ናይ ሰብ ነገር ኩሉ የሕስበኒ’ዩ። እቲ ሰብ ዝኾነ ይኹን፡ ዝኾነ ዓይነት ቋንቋ ይሃልዎ፡ ዝኾነ ዓይነት ባህሊ ይከተል፡ ንሱ ንዓይን ንዕኡን ኣየራኸበናን። ዘራኸበና ሰብ ስለዝኾና’ዩ። ናይ እሱር ጉዳይ ይምልከተኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝተኣስረ፡ናይ መዋቲ ጉዳይ የሕዝነኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝሞተ፡ ናይ ግፉዕ መልቀስ ይስማዓኒ’ዪ፡ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ስለዝተገፍዐ፡ ናይ ዝተጨውየ ንብዓት ይስማዓኒ’ዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስለዝተጨውየ።
ከም ሰብ ብዝፈጠሮ ዝጠፍእ፡ ብዝሰርሖ መከራ ዝርኢ፡ ብዘመጸኦ ነገር ዝኸይድ፡ ብዝረኸቦ ምኽንያት ዝእሰር ፍጡር ርእየ ኣይፈልጥን። ባዕሉ ዘምጸኦም እንዳታት፡ ነገዳት፡ጉጅለታት ንባዕሉ ከይርእን መፈጠሩ ከም ዝርስዕን ጌሮሞ’ዮም። ሰብ ኮይኑ ተፈጢሩ ሰብ ምዃኑ ከም ዝርስዕ። እክለ ከምዚ ኮይኑ” ክብልዎ እንከለው “ወዲ ኣይነይቲ ሃገር፡ ናይ ኣየናይ ወገን’ዩ፡ ሰብና ድዩ” ዓሌቱ፡ እንዳ ኡ ወይ ቀቢሉኡ እናበለ እናጽበበ ይሓትት።
ናይቲ ሰብ መንነት ካብ ናቱ ጉጅለ እናረሓቐ ብዝኸደ ቁጽሪ ጭንቀቱ ይጎድል። ሓደ ሓድ ግዜ’ውን ከም ዓወት ይቖጽሮ። ናቱ ወገን ዝተጠቕዐ ኮይኑ ክስምዖ እንከሎ ግን ከም ሓራስ ነብሪ ኮይኑ እዩ ዝለዓል። ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሓጹር ነብሱ ሓጺሩ። መራኸቢኡ ሰብነት ረሲዑዎ’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ሰብ እኮ ሰብ’ዩ። ፈለማ ሰብ’ዩ። ሰብ ስለዝኾነ እዩ ከምኡ ኮይኑ። ሃይማኖት ክህልዎ ዝኸኣለ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ባህሊ ክህልዎ ዝኸኣለ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ብቋንቋኡ ዝተዛረበ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዝሓዘ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ፈለማ ሰብ’ዩ።
እቲ ባህሊ፡እቲ እምነት፡እቲ ቋንቋ፡ እቲ ኣተሓሳስባ፡ እቲ ልምዲ፡ ከም ዝኽበር፡ መሰሉ ከይግፈፍ፡ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ከይተርፍ ዝፈርሕ’ውን ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ኣብኡ ሰብ ስለዘሎ’ዩ። ናይቲ ሰልፊ፡ ናይቲ ማሕበር፡ ናይቲ ጉጅለ መሰልን ክብርን ክሕሎ ዝጣበቐሉ ስለዝ ኣምነሉ፡ ስለዝቕበሎ፡ ስለዝሳማማዓኒ ኣይኮነን። ሰብ ስለዘለዎ’ዩ። ናይ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ። ብዝተፈለየ መልክዕ ዝተወደበ፡ ብዝተፈልየ መንገዲ ዝሓሰበ፡ ብዝተፈልየ ኣገባብ ዝኸደ፡ ብዝተፈልየ መንገዲ ዝኣመነ ፡ ብዝተፈለየ ኣገባብ ዝተፈላሰፈ ሰብ ስለዝኾነ’ዩ።
እቲ ፍልልይ ዝፈጠረ’ውን ሰብ እኳ’ዩ። እቶም ካልኦት ፍጡራት እቲ ፍልልይ ተፈጢሩዎም እምበር ባዕሎም ኣይፈጠሩዎን። ወዲ ሰብ ግን ባህሊ፡ ቋንቋ፡ልምዲ፡ስርዓት፡ ሃገር፡ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባ፡ ዝብሃሉ ነገራት ኣምጺኡ ናይ ባዕሉ ፍልልይ ባዕሉ ዝፈጠረ ፍጡር’ዩ። ስለምንታይ᎒ እንተ ኢልና ሰብ ስለዝኾነ። እዚኦም ኩሎም ዝኽበሩ፡ ሰብ ክኽበር እንከሎ’ዩ። እዚኦም ኩሎም ዝህልው ሰብ ክህሉ እንክሎ’ዩ። ኣምሓራይ ይኹን፡ ኦሮሞ፡ ሶማላዊ ይኹን ህንድን ቻይናን ኮይኑ እንግሊዝን ጣልያንን ኮይኑ ዝተወለደ የለን። ኩሉ ሰብ ኮይኑ’ዩ ተወሊዱ። ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ኣከዳድና፡ ሃገር፡ ለምዲዎ እምበር ጥራሕ ነብሱ ፡ቋንቋ ከይፈለጠ፡ ወገን ከይሃለዎ እዩ ተወሊዱ።
ሕጂ ኣለውኒ ዝብሎም ፍልልያት እንተዝጥቀሱ ኣብ ትሕቲ እቶም ፍልልያት ኣነ ደው ኢለ ኣለኹ። ሰብ’የ። ፈለማ ሰብ’የ። መወዳእታ’ውን ሰብ’የ።