ብመለስ ንጉሰ
ሓንቲ ካብ 12 ሓጸርቲ ዛንታት ዕውታት ፈስቲቫል 2005
ኣቶ ዓብለሎም ክቕንዘ’ዮም ሓዲሮም። በዓልቲ ቤቶም ንበይነን ዝርዝንሕ እናነብዓ ክከናኸን ኦም ሓዲረን። ፍስሃ ረፋድ’ዩ ንገዛኡ ኣትዩ።
“ኣበይ ሓዲርካ’ታ᎒” በታ ዛጊት ዘይሰነፈት ልሳኖም ሓተትዎ። ኣይመለሰን።
“ካን ከምዚኣ ኮይንካ ተሪፍካ᎒” ንብዓት ብኽልተ መታልሖም ይወርድ ነበረ። ፍሳሃ ተዓኒዱ ደው በለ። ኣቶ ዓብለሎም የዕለብጡ። ኣብ ገጽ በዓልቲ ቤቶም ከኣ ሻቕሎት ይንበብ።
“ሕርቃን’ያ ሕማሞም፡” ኢየን ዝብላ በዓልቲ ቤቶም። “ተቐለቱ” ኢሉዎም ግና ዓቕሊን ህድኣትን ኣሎወን። ኣቶ ዓብለሎም ብውሽጦም ዝቐሉዎም እሳት ስለ ዘሎ ኩሉ ግዜ ምስ ነደሩ’ዮም። ፍሳሃ ምስ ረኣዩ ድማ ዝያዳ ነደዱ። ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝብኣሰ ስለ ዝነደሩ ሃለዋቶም ሰሓቱ።
ፍሳሃ ኩነታት ወላዲኡ ተዓዚቡ ኣንቡላንስ ጸዊዑ ንኣቶ ዓብለሎም ሆስፒታል ኣእተዎም። ፍሳሃ ብሕልናኡ ንኣቶ ዓብለሎም ክድህስሶም ጀመረ።
“ድሌት ደቂ ሰብ መወዳእታ’ኳ እንተ ዘይብሉ፡ ዝወጠንካዮ ውጥን ንምትግባር ግን ውሳነ የድሊ። ኣብ ምውሳንን ምጅማርን እንተ ዘይነፊዕካ ዕንክሽክሽ ክትብል ዓለም ተርክበካ ወይ ዝሓዝካዮ ይወድቀካ። ኣብ ዘይምቹእ ግዜን ቦታን ግን ውሳነ ቦታኣ ርሑቕ’ዩ፡” ዝመጥመሪኡ ሓሳብ ኣቶ ዓብለሎም ቅጅል በሎ።
ኣቶ ዓብለሎም ናይ ስራሕ መዋእሎም ከም ጠበቓን ናይ ሕጊ ኣማኻሪን ኮይኖም’ዮም ኣሕሊፎሞ። ብዙሓት ፍትሒ ዝሰኣኑ በደላት ተዓዚቦም’ዮም። ሓደ መዓልቲ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ክጽሕፉ ምዃኖም ንነብሶም ኣእሚኖም ይጒዓዙ ነበሩ። እንተኾነ ግና ውጥኖም ኣብ ኣእምሮኦም ሰሪጹ ካብ ዝረግእ መዋእል ገይሩ። ድሌቶም ንህይወት ብኸመይ መሪሕካ ናብራኻ ተምውቕ ዝብል ኣይኮነን። ካበይን ብኸመይን ገንዘብ ተኻዕብት ዝብል’ውን ሕልሞም ኣይነበረን። “ናብራ ሕምስምስ” ኢሎም ንዝጽውዑዎ መዋእል’ዮም ክትንትንዎ ድሌቶም ነይሩ። ኣብ መንጎ እንዶ’ሞ ምስ ዕድመ ተኣሳሲሩ፡ ኣእዳዎም ምእዛዝ ኣብየን። ኣእዳዎም ምንፍጥፋጥ ካብ ዝጅምራን ድኻም ልቢ’ውን ዓራት ካብ እተትሕዞምን እቲ ሓሳቦም ናብ ህዝቢ ናብ ምብጻሕ ህቀናኦም ኣይሰመረሎምን። ካብ ስራሕ ብጡሮታ ካብ ዝግለሉ 10 ዓመታት ኣቑጺሮም። ብሱል ተመኩሮኦም ግን ኣብቲ ዝጽሕፎ ዝሰኣነ ኣእምሮኦም ኣሎ። ጠመተ ዓይኖምን ቀልቦምን ናብ ሓደ’ዩ ወዲቑ ናብ ፍሳሃ። ተረፍ ገድሊን መስዋእትን ንሱ’ዩ ሓደ ወዶም።
ፍሳሃ ዓብለሎም ገለ መንቋሕቋሕታ ስነ-ጽሑፍ ኣሎዎ። እንታይ ክጽሕፍ ከም ዘሎዎ ግን ቀጻሊ’ዩ ዘጨንቖ። እዚ ግን ኣብ ኣተሓሳስባ ኣቶ ዓብለሎም ካልኣዊ’ዩ። ንሱን ንሶምን በብይኑ’ዩ ጸሎቶም። ዋላ’ኳ ፍሳሃ ካብ ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን ኣቡኡ ነቒሉ ስነ-ጽሑፍ ኣንተኣፍቀረ፡ ኣብ ውሽጢ ሽክና ኣቦኡ ኣትዩ ክጉርጉር ግን ኣይከኣለን። ፍወሳ ሕብረተሰብ፡ “ ድሕሪ ብተግባራዊ ተሳትፎ ዝመጽእ ለውጢ ዝኽሰት’ዩ” ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ መጽሓፍ ምጽሓፍ ድሕሪ’ዩ ዝሰርዖ። ስለ ዝኾነ ድማ “እንታይ ክጽሕፍ᎒” እናበለ ክሓስብ ጸሓይ ክትዓርቦ ደልያ።
ሓደ ሓደ እዋን፡ ባህሊ ንኸጽንዕ፡ ያታዊ ትሕዝቶ ንኽፍትሽን ይገይሽ’ሞ ህልም ኢሉ ቀንዩ ይምለስ። ኣቶ ዓብለሎም ሽዑ “ናበይ ኣበለ᎒” እናበሉ ተወሳኺ ሓሳብ የሰላስሉ። ኩሉ’ዩ ዘጭንቖም። ብፍላይ ተግባራት ፍሳሃ የቖጥዖም’ዩ። ፍሳሃ ኣብ ዝቐነየ ቀንዩ፡ ካብ መገሻ ምስ ተመልሰ’ዩ ንኣቶ ዓብለሎም ዝነግሮም። ንኣቶ ዓብለሎም ግን ዘረባ ፍሳሃ ጠላሕ ኣይብሎን’ዩ።
“ፍሳሃ ንምንታይ ዘይትሰምዓኒ!” ፍሩያት ኣዒንቶም ናብ ፍሳሃ ተኺሎም ይዛረብዎ። “ስምዓኒባ በጃኻ!” ከብዲኻ ብዝበልዕ ቃና።
“ኣቦ እሰምዓካ’ሎኹ ክጽሕፍ እንተኾይነ ከጽንዕ ኣሎኒ። ኣብዚ ገይሸዮ ዝቐነኹ ቦታታት ባህሊ፡ ያታ፡ ኣገባብ መርዓ፡ መልቀስ፡ መነባብሮ ዓዃይ ከጽንዕ . . .”
“ስምዓኒ! ስምዓኒ ፍሳሃ ህይወት ሓፋሽ ህዝቢ ጸሓፎ!” ኣዒንቶም ክነጥራ ደለያ። ካልእ ኣካልቶም ግን ረሸሽ ኢሊዎም’ዩ። ኣዒንቶምን ልሳኖምን ግን ጌና ምስ ሓይለን ኣለዋ። እቲ ዓንተር ጉብዝናኦም ከም መገሻ ፍሳሃ ኣዘንጊዑ ምስ ገሸ ዛጊት ኣይተመልሰን። ሓጻር ስረ ወድዮም፡ ጸባ ጸገብ እንከለዉ፡ ግዜ ንእስነቶም ዘዘኻኽር ስእሎም ድማ ኣብ ፊቶም ዘሎ መንደቕ ተሰቒሉ’ሎ። ነቲ ዝሓለፉዎ ዕድመ “ክስራነ መዋእል” ኢዮም ዝብሉዎ። ፍሳሃ ወዶም “ድልድል ናይ ክልተ ጫፋት ኢዩ” ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ሕሉፍን ህሉውን ከዛምድ’ዩ ድልየቶም።
“ሰብ ኣብ ደም ይጥልቂ’ሎ። ንዘሎኻዮ ህይወት ጽሓፎ። ስድሪ መሬት ኣሽሓት ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ኣጓብዝ ትውሕጥ ኣላ። ዕድመኻ ብኸምዚ ይሓልፍ ኣሎ። ኣነ ብዛዕባ ተባህለ ተገብረ፡ ናይ ናብራ ተኣንጎት ተሸብሸብ፡ ኣልቀስቲን ኣላቐስትን፡ ጎደቦ መደቦ፡ ይኹን ብዛዕባ መርዓ -ደርዓ ክትጽሕፍ ኣይደልየካን’የ” ኣንጸርጺሮም ተዛረቡ። ኣዝዮም እንተነዲሮም ሕማም ልቦም ስለ እትለዓሎም ከዝሕሎም ኣሎዎ። ካብዚ ንላዕሊ ንኽንድሩ ዕድል ኣይህቦምን’ዩ። ብውሽጡ ሕማቕ ተሰምዖ።
ሰባት ውሽጦም ከየሕወዩ ሕማም ሓፋሽ ንኸሕውዩ ምሕማሞም ኣዝዩ’ዩ ዝድንጽዎ። ኣቶ ዓብለሎም ድማ ኣፍሪቃ ክትሓዊ ኣለዋ ዝብል’ዩ ሕማሞም።
“ተረዲአካ’ሎኹ ኣቦ ደሓን። ኣነስ ባህሊ ክሃስስ፡ ያታ ክጠፍእ ርእየ’የ እምበር መዓስ ካልእ ኮይኑ፡” ምስ በሎም ኣንደገና ተተንኪፎም።
“ባህሊ፡ ያታ እናበልካ ድሕሪት ክትጉተት የብልካን። ናትካ ፍጠር! ባህሊን ያታን ናቱ ኣጽናዕቲ ኣሎዎ። ግደፈሎም ነቶም ፈቐድኡ ኣራርዮም፡ መኻዕበቲ ጁባ ዝገብሩዎ ዘሎዉ ግደፈሎም! ‘ግራዝማች በለ፡ ባሻይ ደገመ’ እናበልካ መዋእል መስፍንነት እናኮማሳዕካ ክትነብር የብልካ። ሰብ ምስ ሞተ ብወየ እንተ ተሰነየ ፋይዳ የብሉን። ከባቢኻ ጠልቅዩ’ዩ ዘሎ፡ መራገፊ ሓጻውን ካልእ ግዕዘይን ኮንካ’ሎኻ ፍሳሃ! ሕሰብ ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ወለዶ፡ ሕሰብ ብዛዕባታ ክውንቲ ኣፍሪቃ ። ሕሰብ ብዛዕባ ኣህዛብ። ጸሓይካ ከይዓረበት እንከላ ጽሓፍ! ጽሓፍ! ጽሓፍ . . . .” ከስቆርቁሩ ስለ ዝጀመሩ ፍሳሃ ትም መረጸ። “ እንታይ ኢለ’የ’ሞ ክጽሕፍ᎒” ዝብል ሕቶ ግን ገና ኣብ ሕልንናኡ ነበረ። ኣቶ ዓብለሎም ስምዒት ዝዓብለሎም ኣናኾኑ’ዮም ዝኸዱ ዘለው። ዓይኖም ደም ሰሪቡ፡ ንብዓት ብኽልተ መታልሖም ጸረር ይብል ነበረ። ፍሳሃ እንተድኣ ርሒቑዎም ዘዕልሎም የለን። በዓልቲ ኣንድኦም መናበሪኦም ክምእርራ ወፊረን’የን ዝውዕላ። ባህታ ሓዎም ናብራኡ ዓዚዙዎ በጺሑዎም ኣይፈልጥን። ኩሉ ምሉ ኣናተራእዮም ከንጸርጽሩ’ውን ሓቆም’ዮም።
“ባህታ ከኣ ጠሉሙኒ ፡ ለካ እንተ ተሰኒፍካስ ሰብ ትኸውን ኣይመስሎምን’ዩ፡” ብውሽጦም ዝብሉዎ’ዩ። ባህታ ሓዎም ፍርቂ ደረዘን ቆልዑ ኣሎዎ። ናብዚን ናብቲን ኢሉ ድማ’ዩ ሰሪሑ ዘዕብዮም። ናብራ ወጢጡዎ ንኹሉ ሸለል ኢሉ’ዩ ዝሓልፎ ። “ናብራ’ዩ ዘመድ!” ይብል። ናብራ እንተ ጥዕዩ ዘመድ ይጥዒ፡ ናብራ እንተ ዘይጥዕዩ ዘመድ ይርሕቕ። ኣቶ ዓብለሎም ግን ነቲ ናቶም ጸገም እናኣኮማስዑ የስተማስሉ። “ፍሳሃ ኣብ ገዛኡ ዘሎ መጽሓፍ እንተዝግንጽሎ እኹል መበገሲ ምረኸበ” ኢሎም’ዮም ዝሓስቡ። ንሱ ግን ናብ ክልተ ቦታታት እናገሸ የጸምዎም። ናብ ርሑቕ ገጠራትን ናብታ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዘላ ትብለጽን። “ባህሊን ያታን ዓደቦኡ ፈሊጡን ብእኡ ተማእዚዙን ዝኸደ ፍጡር፡ ዕርቃነ መንነት ኣየጥቅዖን’ዩ፡” በሃሊ’ዩ ፍሳሃ።
ኣቶ ዓብለሎም ዝኣከቡዎ ሓሳብ ብፍሳሃ ክጸሓፈሎም ይደልዩ፡ ንሱ ግን ዝበዝሐ ግዜኡ ባህሊን ያታን፡ ከምኡ’ውን ማዕረ ማዕሪኡ ዝርእዮ ናብራ ትብለጽን መሰልታን ከጽንዕ ግዜኡ በኒኑ። ምስኣ ህልም’ዩ ዝብል። ኩነታት ኣመንዝራታት ከጽንዕ ፍሉይ ምሕዝነት ምስ ትብለጽ ገይሩ። ከጽንዕ ዝሓሰቦ ብፍሉይ ስሕበት ኣብ ውሽጢ ሕቕፎኣ በጥ ኣበለቶ። ትብለጽ፡ ስራሕ ኣመንዝራ ካብ ትጅምር ዓመታት ኣቑጺራ’ያ። ግሩም ቁመናን መልክዕን ስለ ዘለዋ ጠመተ ፍሳሃ ናብኣ’ዩ ዛዝዩ። ገለ ፍሉይነት ኣለዋ። ዕላላ መሳጢ’ዩ። ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሰብ ስለ ትራኸብ ንባዕላ እኩብ ሓሳባት’ያ። ቅርጺ ኣካላታ’ውን ሓደ ካብቲ ናብ ስራሕ ኣመንዝራ ካብ ዝደፋፍ ኣ’ዩ። ስለዚ ፍሳሃ ብኹሉምሉ’ዩ ተመሲጡ።
ናብራን ህይወትን ካልኦት ኣመንዝራታት ቀጻሊ’ያ ተዕልሎ። ንኽትከታተሎ ዝድርኽ ታሪኽ ኣለዋ። ናታ ግን ትሽፍኖ’ያ። ትብለጽ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ስሕተታ’ያ ንኣመንዝራነት ተቓሊዓ። ሓጺር ስለ ዝሓሰበት ዕድላ ብጸሓይ ረፍዲ ከም ዝበንን ዛዕዛዕታ ቀውዒ ኮይኑ ተሰሚዑዋስ ናብ ምንዝርና ወዲቓ። ምስ ወደቐት ትጽብቕ ኮይኑ ድማ’ዩ ዝስምዓ። ምስ ወደቐት ኣብ ልዕሊኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍልባ ተሰቒሎም “ጽብቕቲ ኢኺ” እንተ በሉዋ ሓቂ መሲሉዋ። ፍሳሃ ግን “ብዛዕባ ውሽጢኺ ኣፍልጦ ኣሎኪዶ᎒” ኢሉ’ዩ ቀሪቡዋ። ፍሳሃ ኣብ ገሃነብ-እሳት ዘሎ ህይወት ከጽንዕ፡ ናብ ግሃነብ-እሳት ከይኣቱ ተጠንቂቑ’ዩ ዝለግባ። ኣብ ገሃነብ-እሳት ኣቲኻ ክትወጽእ ዘይከኣል ምዃኑ ንዕኡ ብሩህ’ዩ። ዕላምኡ ግን ኣብ ገሃነብ-እሳት ዝኣተዉ ሰባት ኣቲኻ ምውጻእ’ዩ።
ኣቶ ዓብለሎም ግን ኣይተቐለትኩን በሃሊ’ዩም። ኣብ ግዜ እርጋኖም ነቲ ብኾንቱ ሓሊፉ ዝብሉዎ ዕድመ ክዝክሩ ከሎዉ ውሽጦም ይህወኽ። ብእግሮምን ብኢዶምን ተታሒዞም እምበር ብሕልንኦምሲ እቲ ዝዓበየ መጽሓፍ ህይወት ምጽሓፉ። ከም ፍሳሃ ዘዝጸሓፍዎ ክኽዝንዎ ጥራይ ኣይምመረጹን። ግዜ ግን ከይተፈለጦም ሃዲሙ። ዘረባኦም ዉህሉል ተመኩሮኦም’ዩ። ተመኩሮ “ምስ በራሕካ እትረኽቦ መመሸጥ” ምዃኑ በሪሁሎም’ዩ ካብታ ንእሽቶ ዓራቶም ኣይወርዱን’ዮም ፤ ሓልዪትን ሓብሓቢትን በዓልቲ ቤት ስለ
ዘላትኒ ተቐሊተ’ምበር ካብ ፍሳሃስ ተሪፈ’የ” በሃሊ’ዮም። ምቕባጽ ስለዝሰኣኑ ግን ይዛረቡ። ንሶም ነቲ ናቶም ህይወት፡ ንሱ ከኣ ብህይወቱ ስለዝግደስ ምቕዳሙ ስኢኖም። ወላድን ዉሉድን ብሓደ መስመር ንኸይጉዓዙ ኣረኣእያኦም ተፈላልዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ጸኒሑን መጺኡን “እንታይ ክጽሕፍ᎒” እናበለ ክሓቶም ከሎ ተወሳኺ ሓሳብን ሕማምን ይኾኖም። ዝያዳ ዘቖጥዖምን ደሞም ዘፍልሓሎምን ከኣ እዚ ዘረባ እዚ’ዩ። “ኣንታ ወዲ ይስቆረካ ድዩ᎒ ኣብዛ ዓለም ሕጊን በደልን፡ ርትዕን ኣድልዎን፡ ንሓድሕዶም እናተፋለሱ፤ ውሉድን ወላዲን እናተናቖሩ፤ ሰብኣይን ሰበይትን ውላዶም ሰንድዮም እናመንዘሩ፤ ዓቕሚ ኣዳም ዘዝበጽሐ ካብ ቅርዓት ዓደቦኡ ንላዕሊ ጊልያነት እናናፈቐ፤ ሰባት ከም ቆጽሊ እናረገፉ፤ ሬሳኦም ቀባሪ ስኢኑ እናሸተተ፤ ብጹኣን ኢና በሃልቲ ንሰባት ናብ ዓዘቕቲ ድኽመተ-ሕልና እናሸመምዎ፤ ሰብኣውነት ካብ ሰባት እናሃደመት፤ ስስዕቲ ኣብ ዝነግሰሉ መዋእል እናሃለኻ ዝጸሓፍ ስኢንካ᎒ ግደፍ ኣይትጻወት፡ ሰብኩን ፍሳሃ፡ መዋእልካ ጽሓፈሉ፡” ክታረኹ ጀመሩ።
“ስማዕ ኣቦ እዚ ትዛረቦ ዘለኻ ፖለቲካ ይመስል” ሽዑ ፍሳሃ ዓቕሊ ኣይገበረን። ክታረኾም ይጅምር።
“ድልየትካ ኣምስሎ፡ ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ግን ሎሚ፡ ኣብዚ መዋእልካ ወዲ ሰብ ዝብላዕ’ዶ ምሓርበቶ᎒ ሰላምዶ ምሓርበቶ እንታይ ኢኻ ከተዛርበና ደሊኻ፡ ሰብ ኣጽቂጡ ሓጺንዶ ምተዛረበ᎒ ኪድ ስምዓዮም ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘሎዉ ኣፍሪቃውያን እንታይ ይብሉ’ለዉ᎒ መልክዕ ኣፍሪቃ እንታይ ኮይኑ’ሎ ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ ህጻን፡ ካብ ጡብ ኣዲኡ ንብዓት ይመጺ፡ ንብዓት ከኣ ይውሕጥ ኣሎ። ሰረት ኣሎዎ በደል! ንብዓት ተመጊቡ ዝዓበየ ህጻን ጽባሕ እንታይ ከልዕል ትጽበዮ᎒ ብርሁው ተስፋ ኣፍሪቃዶ ይርኣየካ ኣሎ’ዩ᎒ ኣስርሓዮ ርእስኻ፡ ብንእሽቶኻ ጽሓፍ፡ ጌና ዕድመኻ ኣብ ሰላሳታት’ዩ ዘሎ። ጽባሕ ምስ ኣረግካ ኣይክትጽሕፍን ኢኻ። ዕድመ እናወሰኽካ እንተኼድካ እናፈራሕካ ከም እትኸይድ ትፈልጥ’ዶ᎒ ዝጸነታ ቤተሰባት ሃሰስ በለን!”
ፍሳሃ ዘረባ ኣቦኡ ስለ ዘሕመሞ ካልእ ከቐጽሎም ዝኽእል ዘረባ ከይወሰኸ “ሕራይ” ኢሉ’ዩ ወጺኡ። ጠንቂ ነድሪ ወላዲኡ ንሱ ብምዃኑ ኣዚዩ ይስቀቕ። ካብ ገዛ እንተወጺኡ ናብ ትብለጽ’ዩ ዝጎዪ። ክልተ ህይወት’ዩ ዘስተማቕር። ኣብ ቤቱ ዘሎ ናብራ ሕሰምን ኣብ ትብለጽ ዘሎ ባህታ ዝምጡ ግርማ ሰብነትን። ጻዕሩ ድማ እቲ ምልኩዕን ግሩምን ግዳማዊ ተርእዮ ትብለጽ ኣብ ውሽጣ ንምስራጽ’ዩ። ደጊኣን ውሽጣን ብስነ-ሓሳብ ሓደ ንምግባሩ። ናብቲ ትሰርሓሉ ህሩግ በለ።
“ዘይሓፍር ሰብ ኣይ፡ ብ100 ቕርሽስ ክልተ ግዜ ክሓድር ደልዩ᎒ ንዓይ ድማ በላይነሽ’ያ ተዋርደኒ ዘላ፡ ‘ዓማዊለይ’ዶ ገለዶ’ እናበለት በዚኣቶም ርእሰይ ክብጽበጽ ኣይኮንኩን’ እናበለት ትብለጽ ከተዕገርግር’ያ ጸኒሓቶ። ንብዓት ደኣ ኣይነበሮን እምበር፡ እቶም ጉልሕምሕም እተብሎም ፍሩያት ኣዒንታስ ንኣቶ ዓብለሎም’ዮም ዘዘኻኽሩዎ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እንተ ሓሪቓ ነታ ዋና ሆቴልን ባርን፡ በላይነሽን’ያ እተላግበላ። ንበይና ከኣ ተንጸርጽር። በላይነሽ ባር ተኻርያ ካብ ትነግድ ነዊሕ’ኳ እንተ ገበረት፡ ሎሚ ትብለጽ ከም ሰራሕተኛኣ ምስ ተቖጽረት ኣታዊኣ በርኪቱ። ንትብለጽ ክርእዩ ዝመጹ ብዙሓት ኢዮም። ልክዕ ከምታ ብምዑዝ ሽታ ሃነን እትብል ዕንባባ፡ ንኻልኦት ብእትህቦም ባህታ ሕጉስቲ ኣይኮነትን። ፍሳሃ እንተ ርእያ ግን ትረግእ’ያ፡ ንሱ’ውን ሩፍታ’ዩ ዝስምዖ። ኣምስዩ ምስኣ ዝሓደረሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ’ዩ። እንተ ተጨኒቑ ናብኣዩ ዝጎዪ።
ፍሳሃ ንእስነቱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መንቀርቀር ቃቒሩ ይነድድን ይዝሕልን። ዘፍርሖ ነገራት ብዙሕ’ዩ። “ መንእሰይ ወሪዱዎ ዘሎ ኣድራዕ ኣባና በጺሑ ጨናፍራት ወሲኹ። ሎሚ መንእሰይ ብኹናት፡ ብሕማም፡ ብናብራ . . . . ተወሪሩ። መጻኢኡ ብሩህ ንምግባር ኣብ ቅድሚኡ ዝተገተረ ‘እምባ-ብድሆ፡ ጎኖቕን ኳዄቶን በዚሑዎ፡” እናበለ የስቆርቁር። መብዛሕትኡ እዋን ፍሳሃ ምስ ነብሱ ኣኼባ ይገብር’ዩ። ሕሳባቱ ኣብ ውሽጡ ይትንትኖም። ምስ ነብሱ ሱባኤ ይኣቱ።
“ . . . ኣብ ዓለም ብዙሕ ፍልልያት’ዩ ዘሎ። ፍልልያት ስለ ዘሎ ድማ’ዩ ዓለም ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዋ። ብሓንሳብ ዓመታት ዝገብሩ ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶምን ውሽጦምን ፍልልይ ኣሎ። መዘናዊ ፍልልይ ግን ብመዘናዊ ኣተሓሳስባ ይለዝብ’ዩ። እቲ ዝኸበደ ፍልልይ ድርኺት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ዘለዎስ ኣብ መንጎ ዉሉድን ወላዲን ዘሎ ፍልል’ዩ። ወለዲ ነቲ ዝሓለፍዎ ዕድመ ንእስነት ስለ ዝርስዕዎ ድዮም ዋላስ ስለ ዘይሓለፍዎ ንመገዲ ኣርብዓ ጎስዮም ብመገዲ ጻጸ ሕለፍ ይብሉኻ። እዚ ተኾብኪብካ ኪድ ዝበል ኣተሓሳስባ ይትረፍ ኣብ ሰብ ኣብ ኣድገ በቕሊ’ኳ ኣይሰርሕን’ዩ። ኩሉ ግዜ ብድሕሪኡ ኮይንካ እትኹብኩቦ ፈረስ ሓደ መዓልትስ ሸንዲሑ ክዓብሰካ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ብቕድሚኡ ሓሊፍካ እናወጠጥካ ምስ እተምርሖ ግን ኣርኪቡ ክበልዓካ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ኢዩ። ፈረስ ንሰብ ሸንዲሑ እምበር ነኺሱ በሊዑዎ ሰሚዐ ኣይፈልጥን፡” ንበይኑ ተዛሪቡ ንበይኑ ይስሕቕ። ኣኼባ ምስ ነብሱ ምስ ወድአ ንትብለጽ ከዪዱ የዕልላ፡ ንሳ ድማ ትምሰጥ። ቅድሚ ሕጂ ምስኣ ዘዕለሉ፡ ነቲ ቆማት ተኽሊ ሰብነታ፡ ካብ ጽፍራ ክሳብ ጸጉሪ ርእሳ እናጠምቱን እናዳህሰሱን፡ ናይ ገለ ደቓይቕ ሓጎስ ንኽረኽቡ ከንቱ ውዳሴ የስምዕዋ። ዘረባ ፍሳሃ ግን ንዓኣ ካልእ መዝሙር’ዩ። ውሽጣ ከፈሳሃ ዝኽእል መዝሙር።
“ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣጻብዕትኺ ፈትየዮ፡ ዓይንኺ ፈትየዮም . . . ዝብሉ’ምበር፡ ‘መልክዕ ረጋፊ’ዩ ውሽጥኺ ክጸሪ ኣሎዎ፡ ግዳምኪ ኣደናጊሩ ንውሽጥኺ ከጥፍኦ የብሉን’፡ ዝብሉ ሰባት ኣጓኒፎምኒ ኣይፈልጡን። ናትካ ግን ይገርመኒ’ዩ፡” ትብሎ ንፍስሃ። ቀስ እናበለ ልባ ረኺቡዋ ግዲ ኮይኑ ንዕላሉ ትናፍቕ። ሎሚ ግን ገጻ ተቐይሩ፡ ሓራስ ነብሪ መሲላ’ያ ጸኒሓቶ። ፈጺማ ኣይዘሓለትን።
ሰባት ክቐትሉኻ እንተ ዝደናደኑ እንታይ ምገበርካ᎒” ሃንደበት ትብለጽ ነቲ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ ናብዚን ናብቲን ጸግ እናበለት ሓተተቶ።
“ንዓይ’ሞ እንታይ ክቐትሉለይ᎒ ህይወት ቀላል ኣይኮነትን፡ ህይወት ኣጥፊእካ ዋግኣ ዝኣክል መኽሰብ ዝርከብ እንተኾይኑ፡ ቀተልቲ ነዚ ይመርጹ። ንዓይ ቀቲሎም ዘይረብሑ ምዃኖም እናፈለጡ ክቐትሉኒ ዝደናደኑ እንተለዉ ዓያሹ ቀተልቲ ኢዮም ምበልኩ፡” ኢሉ ኣብ ናቱ ፍልስፍና ኣትዩ መለሰላ።
“ሰባት ክንቀትሎ ኢና’ እናበሉ ሞኽ የብሉኒ’ሎዉ፡” በለት ትብለጽ
“ንመን᎒”
“ንዓኻ።”
“ስለምንታይ᎒”
“ቅንኢ።”
“ንመን ክቐንእሉ᎒ ነዚ ገስረጥ ናብራይ ቀኒኦምሉ᎒ ሰባት ካብ ከምዚ ሓሸውየ ከይወጹ ዓለም ነጺሃ ማለት ዘበት’ዩ።
ትብለጽ ፍሽኽ በለት፡ “ንዓኻ ቀቲሎም ንዓይ ክወስዱኒ ደልዮም” ክትብሎ ግን ኣይከኣለትን። ትብለጽ ንፍሳሃ ከም እትፈትዎን ብኣተሓሳስባኡ ከም እተድንቖን ኩሉ ግዜ’ያ ትነግሮ። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ካልኦት ትሰምዖ ዝነበረት ሃተውተው መለሳ ስለዝረኸበትሉን ኣብ ህይወታ ዝተጻወቶ ተራ’ውን ዕዙዝ ብምንባሩ፡ ፍቕሪ ሓሳባቱ ሒዝዋ። ወትሩ መጺኡ ከዘናጋዕ ትመርጽ። ፍሳሃ ናታ ክኸውን’ሞ ስራሕ ኣመንዝራነት ጠቕሊላ ክትሓድጎ ወሰነት። ሃጠውቀጠውን ህውተታን ናይእቶም ዓማዊላ ዝነበሩ ኣሻቒሉዋ’ዩ። ብፍላይ ንፍሳሃ ክንቀትሎ ኢና እናበሉ ምፍካሮም ምሒር ኣስጊኡዎ። ቅንኢ ሓያል ሕማም ምዃኑ ገሩሙዎ’ዩ። ካብቲ ጨብረቕረቕ ናብራ ከውጽኣ ስለ ዝሓለነ ምቕንኦም ንትብለጽ የሕርቓ። መስዩ፡ ባር ተዓጽዩ። ሒዛቶ ናብታ ጋዕ-ገልጠም ዝበዝሓ ጸባብ ገዛኣ ከደት። ፍሳሃ ናብታ ቀትሪ ብጽምዋ፡ ለይቲ ድማ ብሕሹኽታን ደርጓዕጓዕታን እትቕንዞ ገዛ ኣዒንቱ ተኺሉ ንኻልኢት ምስ ተዓዘበ፡ ናብ ትብለጽ ገጹ ብዓይኒ ድንጋጸ ጠመተ።
“እዛ ገዛ ቅድስቲ’ያ፡ ንእሽቶን ፍቕሪ ዝመልኣን ነብሲኺ ካብቲ መጋህለል ዋጭዋጭ ዝዓብለሎ፡ ኣበሳ ዘይውርዙያት ዘዕለቕለቖ ኣዳራሽ ወጺእኪ ኣብዛ ጸባብ ገዛኺ፡ ጨው ደፍዲፍኪ ዘይትበልዒ᎒ ውሽጥኺኮ ቅዱስ’ዩ። ንምንታይ ዘይቁዱሳት ክኣትዉዎ ተፍቅዲ᎒ ንምንታይ ጭራኺ ዘይትልኩቲ᎒ ትብለጽ ብልጽቲ እንዲኺ ዋጋኺ ክብረት ይኹን!” በላ ኣብታ ኩሉ እትሰትር ዓራታ ኮፍ ኢሉ። ትብለጽ ንብዓት ሰዓራ። ንብዓታ ነቲ ሕሰማ፡ ነቲ ኩሉ ገፈጥመፈጥ ጸራሪጉ ክጉሕፎ ተፈለጣ። ኣብ ክሳዱ ተጠምጢማ ፊቕ በለት። ህይወታ ተመሊሳ ክትርእያ ጀሚራ። ሰዓት ኣኺሉ። ደቂሶም፡ ተሲኦም። ኣብዛ ረፍዲ እዚኣ ድማ’ዮም ኣቶ ዓብለሎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተው። ዓቐን ሙቐት ነብሶም ካብ ንቡር ንላዕሊ ዘንድድ ኮነ። ምስቲ ናይ ነብሶም ሙቐት ዝተኣሳሰረ ይኸውን፡ ሃተፍተፍ ክብሉ ጀመሩ። በዓልቲ ቤቶም ኣዚየን ሰንበዳ። ናይ ፍሳሃ ሻቑሎት’ውን ገደደ። ምስኦም ዘይምሕዳሩ እናጸንሐ ሓቐዮ። ኣቶ ዓብለሎም ልክዕ ከም ሓደ ናይ እእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ ኣብ ኣፎም ዝመጾም ሃለፍለፍ ቀጸሉ። እቲ ብርቱዕ ቃል ካብቲ ጸማልያ ነብሶም ይወጽእ ምህላዉ ይገርም’ዩ።
“ፍሳሃ ኣብዛ በድኒ ዓለም ኣለኻ᎒ በል ኣነስ ነቒለ’ሎኹ። ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ ሞት! ሞት ጥዑም’ዩ . . . . ትጽሕፍዶ’ሎኻ ኣብቲ ሳንዱቕ ኣሎካ ናተይ ወረቓቕቲ ገንጽሎ። ፈትሾ ጽሓፎ . . . . እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ተጠቐመሉ።” ኣለይቲ ሕሙማት ንበዓልቲ ቤቶምን ንወዶምን ካብቲ ቦታ ከም ዝእለዩ ገበሩ። ፍሳሃ ንኣቶ ዓብለሎም ዝኸውን ደም ክልግስ ምስ ተሓተተ። ከምቲ ዝድለ ከኣ ደም ለገሰ።
“ምስ ሓሳባት ተኻታዕ፡ ምስ ሓሳባት ውዓል ሕደር . . . ኔው በሎም ሰባት ርኳንዮም! ተረፍ ሕጽብጻብ ዓለም ከኣ ናቶም ጋብላ’ያ ። ውሽጣ ረኣዮ’ሞ ኣጽርያ፡ ኢድካ ሓውስ ኣብ ምጽራያ ፍሳሃ! . . . . ሰባት ክርሕቁኻ’ዮም ርክብካ ግን ምስ ሰባት ኣይኹን፡ ምስ ሓሳባት ይኹን። . . . ባህታ ሓወይ ከኣ ሙማተይ ሰሚዑዶ᎒ ይበኪ ይህሉ፡ ‘ሓወየ ሓወየ’ እናበለ ዓለም እምበኣር ከምዚ’ያ! ተደኒሰ እንከለኹ ዘየዕለለንስ ሎሚ ምስ ሞትኩ መጺኡ፡ ‘ኣይሞተን! በልዎ። እዚ ደኣ ሞት መኣስ ኮይኑ! ሰላም ዝነገሶ ጫውጫውታ ዘይብሉ፡ ከም ድላይካ ትዛረበሉ ከም ድላይካ ትኾነሉ፡ ህውከት የብሉ ስቓይ! . . . ሰባት ኩሎም ኣብዚ ከዕርፉ ድዮም? መሰልትን ከወንቲን ብሓደ ኣይመስለንን፡ እቶም መሰልቲ ኣብዚ ክመስሉ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ክኾኑ’ውን ስለዝብርትዖም፡ ኣብዚ’ውን ካልኣይ ክሞቱ’ዮም! ነቲ ሽዑ ዝመቱዎ ሕጂ የልቅስሉ። ብዛዕባይ ግን ሓደኳ ከይበኪ፡ ነደኻ’ውን ንገራ፡ ኣይትብከዩ! ፍሳሃ ጸሓፍ እስከ!”
ፍስሃ ዘረባኦም ኣይሰምዖን፡ ዘረባ ኣቋሪጾም ሱቕ ምስ በሉ’ዩ መጺኡ። ምስ ወላዲኡ ክራኸብ ኢሉ ነቶም ኣለይቲ ሕሙማት ሓተተ። ኣቶ ዓብለሎም ግን ግዒዞም ነበሩ። ናብ ካልእ ቦታ፡ ናብ ናይ ብሓቂ ሞት! ካብ ፍሳሃ ዝተለገሰ ደም ንኣቶ ዓብለሎም ከድሕኖም ኣይከኣለን። ጎረባብቲ፡ ንበዓልቲ ቤት ኣቶ ዓብለሎም፡ ኣሰንየን ኣብቲ ኣፍ ደገ ዋጭዋጭ ይብላ ነበራ። ፍሳሃ ገጹ ብንብዓት እናተሓጽበ ተዓኒዱ ደው በለ። ደው ኣብ ዘሎዋ – ልክዕ ከም ኣፍሪቃ! ኣእምሮኡ ግን ሓሳብ የሰላስል ነበረ።
“ምስኪናይ ኣቦይ፡ ጽሓፍ እናበለ፡ ዝጸሓፍኩዎ ከይረኣየ ሞት ኣርኪባቶ። ድሕሪ ምጽሓፍ ዝመጽእ ለውጢ ኣወንታ ጥራይ ጌሩ ምሕሳቡ ለውሃቱ ዘርኢ ኢዩ። ኣብ መንጎ ሓቂን ምስጢርን ዘሎ ፍልልይ ኣይተረድኦን። ህይወት ኣፍሪቃውያን ከይተጻሕፈ እንከሎ ፍሉጥ’ዩ። ነዚ ኩሉ ዝፈልጦ ታሪኽ ኣፍሪቃ ምጽሓፍ ንምንታይ የድሊ᎒ ዝተጻሕፈ ምድጋም ዕላማይ ኣይኮነን።
“ሰባት ሓራ ንኽወጹ፡ ውልቀ ሰብ ንነብሱ ሓራ ገይሩ፡ ነብሲ ብጻዩ ሓራ ንኽትከውን ክጽዕር ኣሎዎ። ሽዑ ድማ’ዩ ኩሉ ሰብ ዝነጽህ። እንሆ’ኳ ናብራ ትብለጽ ተቐይሩ። ትብለጽ ንኹሉ ረሳሕ መሳሕ ገዲፋ ንጹህ ህይወት ክትመርሕ ክኢላ’ላ። ጽባሕ ንሳውን ንኻልኦት ከምኣ ዝበላ፡ እቲ ዝተፈወሰትሉ መድሃኒት ከተካፍለን’ያ። ከምኡ እናበለት’ያ ዓለም ትጸሪ። እምበር መጽሓፍ ስለዝጸሓፍካ ጥራይ ዓለም ኣይትጸርን’ያ። ንበዓል ትብለጽ ብመልክዐን ዝታለላ ፍጡራት መጽሓፍ ኣይንታየንን’ዩ! ሰብ’ዩ ንሰብ ፈውሱ። እዚ ግን ኣቦይ ኣይተረድኦን፡ ‘ጽሓፍ! ጽሓፍ!’ ጥራይ ይብለካ። ነዚ ኩሉ ከተረድኦ ድማ ዕድመ ኣየፍቀደን። ንዓበይቲ’ውን ከተረድኦም እንተፈተንካ ዝደፈርካዮም’ዩ ዝመስሎም። ዘዝበሉዎ ከይትሰምዖም ድማ ናትካ ኣረኣእያ ይዓግተካ። ዓበይቲ ግን እቲ ዝገርም ባህርያቶም ዘይልውጡ ምዃኖም’ዩ። ናይ ምእማን እዋኖም ስለ ዝሓልፍ ድዩ᎒ ክሳብ ዝሓልፉ ብዓቕሊ ክትጽበዮም ጥራሕ’ዩ እቲ ዝቐለለ” ኢሉ ደምደመ ብውሽጡ።
ንኣቶ ዓብለሎም ብድሕሪኦም ሽሞም ከጽውዕ ዝኽእል ፍሳሃ ወዶም ጥራይ’ዩ። ንፍሳሃ ሃንደበት ዝመጸ ሓሳባት ዓቕሉ ኣጽበበሉ። ምስ ሕልናኡ ምጉት ገጠመ። ሓረግ ወለዶ ኣቶ ዓብለሎም ኣብ ፍሳሃ’ዩ ደዉ ኢሉ ዘሎ። ብዙሓት ነገራት ኣብ ኣእምሮኡ ደወሎም ኣስምዑ። ምቕጻል ወለዶ ኣቶ ዓብለሎም ናብኡ ከም ዝተመርኮሰ ንመጀመርያ መዓልቲ ኣተሓሳሰቦ። ግና ዓቕሚ ኣቶ ዓብለሎም ዝቐስን፡ ፍሳህ ወዶም ምስ ዝጽሕፍ ወይስ ምስ ዝወልድ᎒ ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ጠሓለ። ሃንደበት እታ “ጸሓፍ” እትብል ቃል ኣቦኡ ልዕሊ ዝኾነ ረዚን መልእኽትን ወቐሳን ከም ዘለዋ ተሰወጦ። ነቲ ኣቐዲሙ ከም ዕላማ ዝሓዞ “ሕውየት ብተግባራዊ ተሳትፎ ዝመጽእ ለውጢ’ዩ” ዝብል ፍልስፍናኡ፡ “ ሰባት ናይ ውሽጦም ሳሓ ኣንተ ሓኸኽካሎም’ውን ይፍወሱ’ዮም” ዝብል ሓሳብ ወሲኹ። “ ምጽሓፍን ናይ ምትግባር ሕቶን ክስገሩ ዘይብሎም ቃልስታት’ዮም” ኢሉ ደምደመ። “ጽሓፍ” ዝብል ቃል ኣቦኡ ከም መቓልሕ ኣብ ሕልናኡ ደወል ኣስመዐ። ካብቲ ተዓኒዱሉ ዝነበረ ቦታ ክኣ ብቐስታ ተንቀሳቐሰ።