ሽሻይ ሽመንዲ
ኣርእስቲ መጽሓፍ፥ ፈውሲ ናፍቖት
ገጣሚ ፥ ተስፉ ሓጎስ ኣበራ
እተሓትመትሉ ግዜ፥ ሚያዝያ 2016
ኣብታ “ጥፍኣት” ዚሰመያ ግጥሙ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ገጣሚ ንባዕሉ፥ ኣካል እቲ ዝተበጃረገን ዓብን ስእሊ ኤርትራዊ መንእሰይ እናሃለወ፣ ውኖ ረኺቡ ነዛ መጽሓፍ ከዳሉን ኣብ ከብሒ ኤርትራዊ ስነ-ግጥሚ ዓቕሙ ክውከፍ ዝገበሮ ትብዓት፡ እቲ ፈለማ ዝመጸኣኒ ሓሳብ እዩ። ገጻታ ምግንጻል ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ንሕቶይ ዝኸውን መልሲ ካብ ቃል ደራሲ ኣብ መቕድሙ እንተረኸብኩ ድማ ናብኡ ኣበልኩ። ካብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ናብ መላእ ነበብቲ መጽሓፉ ዚጸሓፎ፡ ንምንጪ ድርኺቱ ከገምት ዘኽእል ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፥
” . . .ወዲ ሰብ ብተፈጥሮኡ ጽምኣት ፍልጠት ሒዙ’ዩ ዝመጽእ። ስለ ዝዀነ እዩ ከኣ ዕምሩ ምሉእ ርውየቱ ንምርካብ ዘየዕርፍ። እቲ ጒዕዞ ትርጉም ጻንሖቱ ንምፍላጥን እንታይነቱ ንምንዳይን እዩ። ደረት ናይቲ መወዳእታ ኣልቦ ድልየታቱን መለሳ ከይዲ ድኻሙን ከኣ ብመገዲ ጥበብ እዩ ዝበጽሖን ዝርድኦን። መዓርፎን ሩፍታን ጒዕዞ ህይወቱ ጥበብ ምዃኑ ድማ ኣየጠራጥርን። . . .” ዝብል ኣምሪሑ፡ ” ግጥሚ ንዓይ መነጸር ስምዒታተይ እዩ።. . .” ድሕሪ ምባል፡ “ስለ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዂን ኩነታት ህላወኡ ኣብ ህላወይ ክህሉ ወትሩ እየ ዝቃለስ። ብልክዕ ቃልሲ እዩ። ከምቲ ትንፋስ ዝሓዘ ንኽሰርር ዝገብሮ ቃልሲ። ንኣብ ስእለ-ኣእምሮ ዘሎ ርእሱ ክኢሉ ባዕሉ ክምስክር ምስ ምሉእ መንፈሱን ትንፋሱን ክትቀድሖ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ብድሆ’ዚ ኣብ ቦትኡ ኰይኑ ኪኖ’ቲ ዓቕልን ትዕግስትን፡ ንፍቕሩ ዝኣክል ክንዲ’ቲ ዘሳልየኒ ከሳልዮ መንኮርኰሩ ኰይነ እንተ ሓቐቕኩሉ ውን ኣየጣዕሰንን። . . . ” ክብል ተጻሒፉ ይርከብ።
ገጠምትን ዓለሞምን፥ ንተፈጥሮ ይዂን ሰብ-ሰርሖ ውሁብ መንገዲ እንወስዶ እተሓላለኸ ናብራ ደቂ ሰባት ከይተኣስሩ ብተኽእሎ ሓሳብ ናብ ዝደለይዎን ከም ዝደለዪዎን ከብርር ዝኽእል ናይ ሕልሚ ህላወኦም ዘረጋግጹሉ ረቂቕ መንፈስ እዩ ግጥሚ። ከምቲ ካናዳዊት ገጣሚት ማርጋሬት ኣትዉድ “ስነ-ግጥሚ፡ ብናጽነት ምንስፋፍ እዩ” ዝበለቶ። ደቂ ሰባት በሃግቲ ናጽነት፡ ፈተውቲ ጽባቐ ክንዲ ዝዀኑ እዮም ድማ ግጥሚ ዘፍቅሩ። ካብዚ ብኸፊል ተቖንጪሉ ዝቐረበ መቕድም ክርደኦ ዝኸኣልኩ ሓሳብ እንተደኣ ሃልዩ ድማ ነዚ ሓቂ እዚ ምስማር እዩ። ሓይሊ ተኽእሎ ግጥሚ፡ ብገዛእ ቃላትካ፡ ኣብ እትደልዮን ከም እትደልዮን ክትህሉ ዝገብር ሓይሊ ምዃኑ።
እምበኣር ኣብዚ ዚስዕብ ምስትምቓረይ፡ ንገለ ውሑዳት ካብ ትሕዝቶታት እታ መጽሓፍ እናቖናጨልኩ፡ ዚተመኰርኲዎ ስምዒታት ከቐምጥ እየ። ብመነጽረይ ንዚረኣየኒ ዘበለ ንስለ ምቕማጥ ጥራሕ ከኣ ዘይኮነ፣ ዚሰምረንን ኣዒንቱ ከለቅሓኒ ዘይግበዝ ካልኦት ኣዒንቲ ዚሓዘ ክንዲ ቁጽሪ ነፍሲ ወከፍና ዚምብዝሑ ምስትምቓራት ክህሉ ከም ዝኽእል ስለ ዝኣምንን ከካብ ኲርናዓትና መበሃሃሊ ዛዕባና ገይርና፡ ከምቲ ገጣሚ ቦኽረ ገብረእየሱስ ኣብ ሓደ ካብ ጽሑፋቱ ዚጠቐሶ፡ ካብ ዚርካብና ዓቕምን ግዜን ብድጋፍ ደገፍቱ ዝሳለ ዘሎ ስነ-ግጥሚ ሃገርና ንምትብባዑ ዝከኣለና ንምግባር ኣብ ዚካየድ ዘሎ ፈተነታት ንምንቕቓሕን ኣካሉ ንምዃን ካብ ዘሎኒ ሰናይ ድልየትን እዩ። እምበኣር ሰናይ ንባብ!
ግጥምን ዓለሙን ኣብ ክሊ ሃገርና ክፍለጠኒ ኣትሒዙ እንተስ ብሕመቐይ እንተስ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ እቶም ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦም ገዲፍና፡ ብዙሓት ካልኦት ኣብ እለሻ ዓለሞም ዝርከቡ መንእሰያት ገጠምቲ እፈልጥ እሞ፣ ንገጣሚ ተስፉ ሓጎስ ግን በታ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስኩዋ “ጥፍኣት” እትብል ግጥሙ እየ ንፈለማ ግዜ ስሙ ዚሓዝኩዎ። ዘይቀለልቲ ገጠምቲ ጥራሕ ዘይኰነስ እንኰላይ ዘይቀለልቲ ሓሰብቲ እውን ከም ዘለዉና፡ እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ መንእሰያዊ መትንታት ካብ ዚዘዋወሩ ዕለታውያን ንጥፈታት ክሳብ ዓሞቕቲ ርእየታት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶታት እንክረኽበላ፡ ውኖ ዘነቓቕሕ ተረኽቦ ከም ዝዀነኒ ድማ ክጠቅስ ደስ እብለኒ – ወላ’ኳ ግጥምን ሓሳብን ዘይነጻጸሉ ምዃኖም ርዱእ እንተዀነ። እታ ግጥሚ፡ ኣብ “ዛራ ገጠምቲ” ዚተባህለ ሓደ ካብ መኣድታት ስነ-ግጥሚ ብመንገዲ ፈይስቡክ ዝዀነ፣ ገጠምትን ኣስተማቐርቲ ግጥምን ዝሳተፉሉ ጒጅለ (Group) ኣብ ዚካየድ ዓመታዊ ውድድር ግጥሚ (ኣብዚ ነዚ ምስትምቓር ዝጽሕፈሉ ዘለኹ እዋን ን4ይ ግዜኡ ይካየድ ኣሎ) ኣብ 2ይ ዓመተ ውድድር ተሳቲፋ ምስ 8 ብሉጻት እተሰርዐት ኮይና፣ ኣብዛ መጽሓፍ ተሓቚፋ ክትጸንሓኒ ተጸብየ ነበርኩ’ሞ፡ ከም ትጽቢተይ እውን ጸኒሓ ብነግሕታታ ክጅምር ደስ እብለኒ።
. . .
ከይደ’የ በሊ
ሃጽ ኢለ!
ከድኩ ዘይብሉ
ከይዲ ዚተጸለለ፡
. . .
ከምቶም ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቶም ዘለዉ ዝበዝሑ ግጥምታቱ፡ ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ እውን፡ ገጣሚ ብልዑል ክእለቱ ዘርኣየሉ ሓይሊ ረምታታቱ (ሽሕ እኳ ብሓደን ልሙድን ኣገባብ ምዃኑ ዕቃበ እንተሃለወኒ) ኣቢሉ ንነበብቲ እንኰላይ ዕምቆት ስምዒታቱ ከብጽሕ ዘኽእል ዜማኣ፡ ብጽፉፍ ዋሕዚ እዩ ኣስፊርዎ። ብልክዕ ኣዘንታዊ መን ምዃኑ ንክትግምት እንተዘይኰይኑ፡ ንጹር መለለዪ ወይ ተጨባጢ ኣካል የብላን። ግን ከኣ፡ ኣፍቂሩ ዚተጠልመ፡ ኣሚኑ ዚተኻሕደ ምዃኑ ንምልላዪ ዘሸግር ኣይኮነን። ሞይቱ ክሳብ ዝቕበር ኪዳን ዚኣተወላ ምዃኑ ኣብ ፈለማ ዝሕብር ኣዘንታዊ፡ ተባዕታያዊ ቃናኡ መዚንካ፡ ዘዘንትወላ ዘሎ ኣካል ብልክዕ ጓለ’ንስተይቲ ድያ ሃገር ግና ጨቢጥካ ክትፈልጥ ኣየኽእልን። ከም ርእይቶይ እንተኾይኑ፡ ነጻነት ሂቡ ብዚሓሰብኩ ክሓስቦ ዘኽእል ተራ ነባቢነተይ እንቋዕ ተኸብረለይ እምበር መን ምዃናስ ኣየጨንቕን። ክውንነት መሪሑዎ ሃጽ ኢሉ ከም ኸደ፡ እቲ ከይዲ ድማ ምስ ከይዲ ዚተጸለለ ምሰመሳሰሎ ግና፡ ግዜ ርእየ ካብ ሰብ ናብ ግኡዝ ነገር ወይ ሓሳባዊ ግዛዕ ከተሓሕዞ ፈቲነ – ሃገር! ንጥፍኣት፥ ካብ ሃገር ምውጻእ ኣተሓዚዘ ዘእምኑኒ ነጥብታት ዘይረኸብኩ ኣይኮንኩን። ኣብታ ዓለሙ ዝዀነት ሃገሩ ክነብር፡ ከዕርፍ እትረፍሲ ናይ ምንባር ትርጒም ክሳብ ዝጠፍኦ ነዛ መራግጾ እኳ ከም ዚሰኣነ፡ ስለዚ ከኣ ንብስቅያት ምንባር ዘጽንሕ ምኽንያት ስኢኑ፡ ዕድሉ ክፍትን ናብ እግሩ ዚመርሖ ዘበለ’ዩ – ግን ከኣ ጥፍኣት ምዃኑ እናተኣመነ።
ኣማራጺ የለን
እንታይ’ሞ ይግበር
ክውንነት ዝሃበካ
ሒዝካ’ዩ ዝንበር፣
ኣብዛ ግጥሚ ካብ ዚመሰጠኒ ነጥቢ፡ ኲነተ-ኣእምሮ ኣዘንታዊን ስፍሓት መረዳእታኡን እዩ። ሞይቱ ክሳብ ዝቕበር ቃል ኣትዩ ከብቅዕ፡ እንታይ ኰይኑ ደኣሉ ዝወጽእ፧! ዘየብል ኣይኰነን። ካብ መሪር ዝመረረ ድሕሪ እምነት ዘሎ ክሕደት፡ ድሕሪ ፍቕሪ ዘሎ ጽልኢ ምስ ህዝብን ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ኣተሓሒዝካ ምስ እትርእዮ ዝህበካ ስእሊ፡ ኣብ መንጎ እሾኻ ከምዘይነውነዎ ተመሊሳ ውላዳ ብምኻዱ ዝሰምበደትን ከመይ ኣለኻ ኢላ ደሃዩ ካብ ምሕታት ዘይተዕርፍ ሃገርን ዋላ ብንጹሁ ከም ቀታል ነፍሲ እንተተቖጽረ፡ ሕመቑ ክቕበል ዝተዳለወ ኣዘንታውን ገና ዘሎ ዘይመውት ፍቕራን ተዀሊዑ እዩ ዝርከብ። እዚ ድማ፡ በቲ ዝንድርን ሃለዋቱ ኣበሳጭዪዎ ዝናፍቕን ቃና ገይርካ እትርደኦ ጽባቔ እታ ግጥሚ እዩ። ንምጥቕላል፡ ካብ ኲርናዕ ጠመትኡ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ናይ ተዘንታዊት መንጽረ ኲርናዕ እንኰላይ ተወሃሂዳ ዝወረደት ካብ ሓቂ ናብ ሓቂ ክብን ለጠቕታን ሓፈሻዊ መረዳእታ ኲሉ እተሰደ ዘበለ እትበጽሕ ኰይና ረኺበያ።
እምበር ሸፊተኪ’ወ
‘ነብሲ ከም ዝቐተለ’
ፍለጥዮ በሊ
ከምኡ’ዩ ዝተበደለ፣
ናብታ “ኣመል” ዚሰመያ ካልእ ግጥሙ ምስ እነብል ድማ፡ እቲ ዝዝንተወሉ ኣቃጣሪ ጠባይ፡ ሕጂ እውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣካል እቲ ዓቢ ስእሊ ጐርፊ ስደት ኰይኑ፡ ኣብ ሃገሩ ንህይወት ካብ ዘምርሩ ባእታታት ነይሩ፡ ኣብ ስደቱ እውን ኣመሉ ከምዘይገደፎ እዩ ዝነግረና። ህይወት ብባዕላ ኣይትመርርን እያ። ብዓንደ ርእሱ እውን እንተዀነ ጠባያትን ባህርን ውልቀሰባት ተደሚሩ ዶ ኸ ኣይኮነን ሕብረተሰብ ዝግለጽ፧! ጣዕምን ሕሰምን ህይወት ዝምዘን፧! ኣብ ዓዲ ብረብሓ እተገዝአ (ዓይነቱ ብዘየገድስ) ኣቃጣሪ ኣብ ዓዲ ስደቱ እውን እንተዀነ፡ ንሱ ኣካል ሜላ መንብሮኡ ገይሩ ዝኸይድ እሞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ስደት ጐሊሑ ዝተንጸባረቐን እንምኰሮ ዘሎናን ተርእዮ እንድዩ! ኣሜሪካዊ ገጣሚ ካርል ሳንድበርግ ን ስነ-ግጥሚ ” ስነ-ግጥሚ ብመቓልሑ ገይሩ ጽላሎት ዘሳዕስዕ’ዩ” ክብል እንከሎ፡ ገጠምቲ ንጠባያዊ ባህርያት ደቂ ሰባት ኣብ ምንጽብራቕ ዘለዎም ዓቕሚ ብምርዳእ ከይኰነ ኣይብልን። ቁንጫል ካብታ ግጥሚ፥
እቲ ትማል
ኣብቲ ባይቶ
መሳርሒ ዝነበረ
መኾስ ገባቶ፣
ካዕቦ እንቃዓ
እናወደሰ
ንዘይበልዖ
እናለወሰ
መቃጠሪ ዝነበረ
ሓልከሰ፣
ሎሚ’ውን
ኣብቲ ዝኸዶ
ምስ’ቶም ጎዶቦ
ምስ’ቶም ሓራዶ
ይነብረሉ ኣሎ
እቲ ዝለመዶ።
ትብል። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዛ ዳሕረወይቲ ማይቤት ካብ ተረቢቦም ዘለዉ ነግሕታት፡ እቲ፥
“ምስ’ቶም ጐደቦ
ምስ’ቶም ሓራዶ”
ዚበሎ ግና ከይኰርኰሓኒ ኣይተረፈን። ኣብዘን ነግሕታት እዚአን ዘሎ መንፈስ እስከ ንመልከት። ኣብዚ ን ኣመል ዚምልከት ዛዕባ እዛ ግጥሚ ኣመል ዘይተጋደፎ ኣዘንታዊ ዶ ኣይንርእን ኣሎና፧! ነገረ ኣቃጣሪ ኣብዝን ኣብትን ዘይተመሓየሸ ጠባይ ምዃኑ እንክጠቅስ፡ ወላ’ኳ ንዕምቆትን ዘይምንሕሳይን ባህሪ ኣቃጣሪ ክሳብ ምስ ጸላእቲ እውን እንተዀነ ከድምቕ ዚፈተነ ይዂን ኣዘንታዊ፡ “ጐዶቦ” ከም ቃል፡ ምስ “ሓራዶ” ኣተኣሳሲርካ ከም ውሁብ ዝደጋገም ብህሎታት ክሳብ መዓስ እዩ ከናብረና ዘየብል ኣይኰነን። ገጠምቲ እቲ ቀንዲ ጥረ-ነገር መሳርሒኦም ዚዀነ ቃላት ካብ ቴክኒካዊ ተራኡ ኣትሒዝካ ክሳብ ዚሓዝሎ መንፈስ ቅድመ ምርመራ ክገብሩሉ ዝወሃቦም ርእይቶ ድማ በዚ ምኽንያት እዩ። ኤርትራዊ ግጥሚ ብኤርትራዊ ገጣሚ ኣልዒልና ንዛረብ ክሳብ ዘሎና፡ ገጠምትና ክንድቲ ንነበብቶም ጸለውትን ቀየስትን ዝዀንዎ መጠን፡ ወላ ምስታ ካብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና መንደበልዎ ርሒቓ እትርከብ ሃገረ ኣሜሪካ ጸገም ይሃልወና፡ ፍቕሪ እምበር ዚተፈላለዩ ታሪኻውያን ፖሎቲካውያን ወይ ውን ቁጠባውያን ጸገማት ዚጠንቆም ዘይመሰማምዒና ከም ውሁብ ርዒሞም ኣብ ነግሕታቶም ከስፍርዎም ተመራጺ ኣይብሎን። እዚ ድማ፡ እቲ ገጠምቲ ናይ ፍቕርን ሰላምን ነብያት ሕብረተሰቦም ምዃኖም ዚሰማማዓሉ ርድኢት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ህይወት ኣብ ምቅላል ተራ ክህልዎም እውን እንጽበዮም ምስ ምዃኑ እዩ። ብሓፈሻ እውን ከምቲ “ገጠምቲ እቶም ዘይተፈልጡ ሓገግቲ ህይወት ናይዛ ዓለም እዩ” ስለ ዚበሃል። ካልእ ኪንዮ እቲ ቅቡል ሓፈሻዊ ዛዕባ እዛ ግጥሚ፣ ግጥሚ፥ ንባህርያት ደቂ ሰባት መልዓሊ ነጥቢ ገይሩ ኢሉ ጥራሕ ዚተርፍ እንተኾይኑ እንታይ እዩ ጥቕሙ፧ ኣበይ ከ ኣሎ እቲ ንነበብቲ ፈትሊ ሓሳብ ኣትሒዙ ከዕዝር ዝኽእል ተኽእሎኡ፧ መወዳእታኡ ኸ ባህርያት ኣቃጠርቲ ኣንጸባሪቑ ጥራሕ ድዩ ክተርፍ፧ እቲ ብብጽሓት ዝርዘራ ኣስተንትኖቱ ከርእየና ዝኽእል ፍታሕ (ግዴታ ኣይኰነን ) ወይ ውን ናይ መወዳእታ መልእኽቲ በይኑ (ቴማኡ) ኣበይ ኣሎ? ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ፡ እዚ ተኽእሎ እዚ ኣይተረኽበለይን።
ካብ ባህርያት ደቂ ሰባት ከይወጻእና፡ ሰብ ኣይኮነን እንስሳታትን ኣታኽልትን እውን ከይተረፉ፡ ኣብ ዝኾነ ሓድሽ ነገር፡ ቦታ፡ ህሞት. . .ወዘተ. ምስ ከባቢኦም ክወሃሃዱሉ ዘኽእል ተፈጥሮኣዊ ቅጽበታዊ ትዕድልቲ ኣለዎም። ደቂ ሰባት ግና፡ ሕልፍ ብዝበለ ካብ ትማል ዝሓሸ ህይወት እናኣናደዩ ኣብ ትማል፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ክነብሩ ዘኽእሎም ብቕዓታት ይውንኑ። ብፍላይ ድማ ንመጻኢ ዚሓይሽ እትስፈዉን እፍትኑን። ስለዚ ከኣ፡ ጌጋታቶም ኣይደግሙን፡ ዝኸሰርዎ ዕድላት ጐፍ እንክብሎም ድማ ክሳብ ናይ መጨረሽታ ዓቕሞም ክጥቀሙሉ ይፍትኑ። እዚ ዝኸውን ግና ለውጢ ኣብ ነፍስኻ ክገሃድ ምስ እተፍቅድ እዩ። ነቶም ኣቐዲመ ዚሓተትኩዎም ሕቶታት መልሲ ክዀኑ ዚኽእሉ ሓሳባት ኣብ ካልእ ግጥሚ እንተረኸብኩ ክቕጽል ኣብ ዚበልኩሉ፣ ዕድመ ንበሎ ሕሉፍ ተመክሮታት፡ ዓቕሚ ቅድመ – ርእየት ክህልወካ ዚገብር ዕቑር ስንቂ ንለውጢ ብምዃኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብታ “እወ ንለውጢ” እትብል ግጥሙ ተናኺፍዎ ይርከብ። ኣብ ሓንቲ ካብ ማይቤታታ ከምዚ ትብል፥
“ንሕምቶዶ ሕቶዩ”
ነገሩ ክንፈልጥ
“ንስኺ ንስኻ”
እናበልና ኣይነወጣውጥ
ቅድሚ ንኻልኦት
ርእስና ንለውጥ።
ወላ’ኳ ኣዝዩ ፎኲስን ተራን ኣበሃህላ እንተዀነ፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረዳእታ ዛዕባ ኲሉ መዳያዊ ህይወትና፡ ንለውጢ ባህሪ፡ ምምሕያሽ ሰብኣውነት፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ባዕለ-ሰብኣዊ ኣመለኻኽታና ዝያዳ ትዂረት ክወሃቦ ዚሓሸ ኰይኑ ኢለ ዝግምቶ ነብሰ-ወከፋዊ ዝድለ ለውጢ ሒዛ ስለ ዝረኸብኩዋ ኣይጸላእኩዋን – ወላ’ኳ ንሕቶታተይ ክትምልስ ምሉእ ብቕዓት ኣይሃልዋ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዝኽእል፡ ኣብታ “ባህ ኣይበሎ” እትብል ግጥሚ ዘሎ ሓይሊ ስምዒት ቂምታ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕሉፉን ብዝሓለፈ ዝተበደሎን ከይደቀሰ ዝነብር ጎዳኢ ነፍሱ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ቂም በቐል ክትነብርን ወትሩ ድምጺ ቑዛም ከተስምዕን ዝገብር ሰልሚ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ተበዲለ በሃላይ ንበዳሊኡ ዓጸፋ ክመልስ ክብል እንከሎ፡ ካብቲ በዳሊኡ ዝበደሎ ንላዕሊ ባዕሉ በዳል ነፍሱ ክኸውን ከም ምምራጽ ምዃኑ ዘይርደኦ ምዃኑ እዩ። መንፈስና ክቖስልን ክደምን ኲሉ ካብ ኢድና ምዃኑስ ነዚ ሓቂ ከመይ ዘይንቕበሎ፧!
ባህ ኣይበሎ’ዩ ዝብል
ባህ ስለ ዘይበሎ
ሕሉፉ ዘኪሩ
ውሽጡ እናቃጸሎ፡
ክርስዖ ይቃለስ’ሞ
ንቕድሚት ኪስጒም
ቊስሊ መንፈሱ ምስ ኣዐንቀፎ
ከምዚ እናበለ ይደጋግም፣
“ነቲ ዘርሓቐኒ
ናይ ጥፍኣተይ ግኒ
ሩፍታይ ተቓጺጹ
ቦታይ ዝኸልኣኒ
ዋላ’ኳ ከም ኢዱ
ኢደይ እንተ ዘይገብሮ
ዝቐሓረ ልበይ ግን
ክንደየናይ ከይምሕሮ
ከስምዖ’የ ድማ
ሕሳር እቲ ዘሕሰረኒ
ህይወት መን ዘሪጉ ድኣ
ቀሲኑ ክቕኒ”።
ብናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ውልቃዊ ተበግሶታት ብዛዕባ ዚምልከት ሓበሬታታት ሓሓሊፉ ዝጸሓፈላ ማመት፡ ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ትነብር ከም ዝነበረት እዩ ዝግመት። ካብ ዝተፈላለዩ ኣፋዊ ታሪኻት ኣትሒዝካ ብማሰኛታት እተመሓላለፈ ታሪኻ፡ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ከም ገጣሚ መለስ ንጉሰ እውን ክጥቀስ ተራእዩ እዩ። ኣብዛ ግጥሚ ውን እቲ ዚተለምደ ኣድናቖት ማመት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ዚመሰጠኒ ክፋላ ጠቒሰዮ ክሓልፍ ደስ እብለኒ።
“ማመተይ”
. . .
ውርይትን ክብርትን
ብዘይ ሓወልቲ
ግዜ ዘይኮልፈኪ
ዘይትወድቂ ንግስቲ፣
. . .
እዩ ዝብል። ማመት ጓለ’ቦይ ጸባኡ፡ ኣብቲ ንተራ ጓለንስተይቲ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝምልከት ዛዕባ፡ ብዘይካ’ቲ ብመንጽር ባህሊ እትነብረሉ ዚነበረት ዘመን “ብፋንታዝያዊ” ኣገባብ ትነብሮ ከምዝነበረት ዝሕበር ባህሪኣ፡ እታ ቀዳመይትን እንኮ ታሪኻ ካብ ሕደማታታ ብኣፈ-ታሪኽ እተሰጋገረላ ዝጠንተወት ጓለንስተይቲ ገጣሚት እያ። ዝበዝሐ ኣብ ክሊ ዓንኬል ስነ-ግጥሚ ሃገርና ዘሎ ድማ ነዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብልን። እሞ ሓቁ እዩ፡ ብዘይሓወልቲ ሓወልቲ እተሰርሓላ ዘስምዕ ነዚ መሪሑ ዝቐረበ ማይቤት ዝበለ። ንሩስያዊ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዜግነት ካብ ምሃብ ንኤርትራዊት ማመት ዚምልከት ሓንቲ መጽሓፍ እንተዝዳሎ ምበልና እሞ. . .
“ስቕ ጥዑም”
ዘይስማዕ ክተስምዕ
ምጽማም፡
ዘይሓዊ ክተሕዊ
ምሕማም፡
. . .
ምድረ-ሰማይ ጸልሚቱ
ዝነጎደ እንዶ ይንጎድ
መዓት ኣበሳኡ
ኣይሂታት ውን ይውረድ
ክጽሒ እንድዩ
ኣበይ ከይተርፎ
ግዜ ኸሎ ባዕሉ
ንዂሉ ዘሕልፎ።
ድማ ይውስኽ። ዶባዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ወራራት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፣ እቲ ቀዳማይ ብደም፡ እቲ ካልኣይ ብስርዓተ-ቑጠባ ምምሕያሽ፡ እቲ ዳሕረዋይ ድማ፡ ንባህልን ጸጋታቱን ብኣብ ማሕበራዊ ህይወት ሕብረተ-ሰቡ ዘበርክቶ ነጸብራቓት ብምምዕባል ክምከት ዘይከኣል ኣይኰነን። እቲ ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ከጓንፎ ዚኽእል ሓደገኛ ወራር ግና፡ ወራር ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ እዩ። ከምዚ ህዝብና ዚምኰሮ ዘሎ ‘ምዕባስ’ ድማ እቲ ህያው ኣብነት። ካብ ዝጸናሕናዮ ምዕባስ ናብ ስቕታ ከተዕቁብ መለሳ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ፣ ከምቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ህዝበ ክርስትያን ዘሎ ዛንታ ቋንቋኦም ምስተሓናፈጾም ምርድዳእ ዚሰኣኑ ንከንቱ ከይድከምሲ፡ እቲ ብተዛማዲ ናጽነቱ ዝረኸበ እተሰደ ህዝቢ፡ ኲሉ “ተረኽበ ናጽነት” ብምባል ኣፉ ዚሃቦ ኣብ ዚዛረበሉ እዋን፡ ኲሉ ግዜ ዳናዪ ዚጽበ ነፍስታት ኣብ መላእ ዓለም እተዘርወ ኤርትራዊ በብዓቕሙ ስቕታ እንተዝኽእል እሞ ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ ኣስተንትኖኣዊ ተግባራት እንተዝጽመድ ዘብል፡ ስቕታ እቲ ዚሓሸ መዕቖቢ ኰይኑ ንብዙሓት ካብ ዘይእዱብ ጫውጫውታ ሰቲሩ እርከብ። ንዕኡ ዶ ይኸውን እዛ ግጥሚ እትጠቕሶ ዘላ ኸ፧! . . .
ኣብዚ እዋን እዚ ልሙድ መዝሙር ኰይኑ ዘሎ ብዘልማድ “ሰብ ሓሲሙ” እንብሎ ብህሎ ፈንጺጋ፡ ከነድንቖን ክንሕብሕቦን ዚግበኣና ዚነበረ ግን ከኣ ገጽና ዘይመለስናሉ ወይ ዕሽሽ ዚበልናዮ ሰባዊ ጽባቔ ከነቕልበሉ እትድርኽ ኰይና ዚረኸብኩዋ ካልእ ግጥሚ እውን “ሰብ ተረኺቡ” ዚኣርእስታ እያ። ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ከም ዚበሃል፣ ሰብ ንሓድሕዱ ተጨኻኺኑ ሰብ ከምዘየለ ኣብ ዚእመነሉ እዋን ሰብ ተረኺቡ ክብል እደሀ። ብቤተሰቡ እተጠልመ፡ ብዓርኩ እተኻሕደ፡ ብሓላፊኡ እተዓመጸ፡ ብመሳድድቱ እተሸገረ. . .ጥራሕ ዲና’ባ እንርእይ፧ ብብጻዩ እተጠወረ፡ ብጐረቤቱ እተሓገዘ፡ ብመተኣስርቱ እተነቓቕሐ፡ . . .ወዘተ. ኸ የብልናን፧! ኣብ ዙርያና ሕማቕ ስለዝደጋገም ጥራሕ ዓይንና ሕማቕ ምርኣይ እተሰበሎ፡ ወላ’ኳ ንጽቡቕና ኣብ እተሓስበሉ ብቅድመ ፍርዲ እንነጽግ፡ ጽንጽያ ዓይንና ክኣሊ ንዚሓለየልና “ከንቁረኒ’ኳ’ዩ ሓሲቡ!” እንብል ብህራርያ. . . ወዘተ. ብምዃንና እምበር ክንበቡ ዚግበኦም ሞሳ ክምለሰሎም ዘብህጉ፡ ከም ሎጥ ኣብ ምድረ-ርጒማት ዶ የብልናን እዩ፧! ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ድዩ ኣብ እንብለሉ መጺጽ እዋን ወላ ደኣ ንሃሉ እምበር ወላ ዕሽሪት ይዂኑ የብልናን ድዩ፧! ዘየብል ኣይኰነን። እቲ እንረኽቦስ እቲ ንሃዋህዉ እንሰዶ ጸርጊ መንፈስና ዶ ኣይኰነንሲ፧! ዚብል ሰራሕቲ ህላዌና ባዕልና ምዃንና ዝግተር ሓቂ ንግዜኡ ኣጽኒሕና። ካብ ትሕዝቶኣ፥
“. . . ውሽጥና ነንጽህ
ኒሕና ኣይነዕብር
ልቦና ነስፍሕ
ሰብኣውነት ዘኽብር
ባህልና ንዓቅብ
ክብርታት ዝጥብር”
እናበለ – ከይተሓለለ. . .
“ንሰብ ጽምዋ” ኣብ እትብል ግጥሚ ከኣ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ዚኸደ ሓሳባት ንወዲ ሰብ ክሳብ ብጭንቀት ኣዕበድቢዱ ኣብ ዘይትወጽኦ ታኼላ ከእቱ ዚኽእል ክብደት እዩ ይብለና። ሃገራት እስካንዲናቭያ ዘይከምቲ ብዚበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምረጾ ከባቢ ምዃኑ፡ ነቶም ስካንዲናቭያውያን ባዕላቶም እውን ከቢድ ምዃኑ እዩ ብዕላል ዝንገር። መጽናዕትታት ዝሕብሮ ንክትነብረለን ካብ ዘብህጋ ንወዲ ሰብ ዝዀና ሃገራት ተባሂለን ዓመታዊ ኣብ ዚወጽእ ተርታ 1 ወይ 2 ሃገራት ዚርቆሓሉ ሃገራት እስካንዲናቭያ፡ ብኤርትራውያን ገዳይም ስደተኛታትን ክግለጻ እንከለዋ፡ ብብዝሒ ናይ ስደተኛታት ነብሰ-ቅትለታዊ ተርእዮታት ካብ ዝረኣየለን መዕቆብቲ ሃገራት እየን። ብመጽናዕቲ እተደገፈ ወላ ደኣ ኣይዂን እምበር፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣአን፡ ማሕበራዊ ብሕትውና ዝዛይዶ ባህልን ልምድን፡ ታሪኽ ዝፈጠሮ ኲነተ-ስምዒት ህዝበን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት፡ ብዓቢኡ ድማ ክሊማዊ ጠባያት እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ነበርተን ከይተረፈ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ርኢኻ ክግመት ዘይከኣል ኣይኰነን። ብዓንተቦኡ እውን ካብ ከም ሃገርና ዚኣመሰላ ድኹምን ዘይማዕበለ ጽላታት ትምህርቲ፡ ቁጠባ፡. . .ወዘተ. ንዚመጽኡ ስደተኛታት፡ ስደትን ተጽዕኖኡን፣ ብባህላዊ ግርጭት፡ ጽምዋ፡ እተዋቕዐ ስእሊ ስደት . . .ወዘተ. “ጋን!” ዘየስርሕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ኣብዛ ግጥሚ፡ ንጽምዋኻ ናብ ረብሓኻ ከተውዕሎ፡ ብሰናይ መርሓባ ክትቅበሎ ዚሓሸ ምዃኑ እያ ተመልክት። እዋናዊ ዛዕባ ን መንእሰያትና ብዓቢኡ ድማ ምትእስሳር ብሕትውናን ፍልስፍናን እተርኢ ምዃና ከኣ ክኽሰብ ዚግበኦ ጽቡቕ ነገራ። ክልተ በበይኖም ገጻት ብሕትውና ንምስኣል ከምዚ ዚስዕብ ሰፊሩ ይርከብ፥
ምኽንያቱ ጽምዋ፣
እንተ ጠንኪርካ
ልቦናን ፍልስፍናን’ዩ ዘርእየካ
እንተ ደኺምካ ግን
ጭንቀትን ጽላለን’ዩ ዘምጽኣልካ።
ኣብታ “ዓዲ ጥዕናኻ” እተሰምየት ግጥሚ እውን እንተዀነ፡ ስደተኛ ብስደት ዝነብረሉ ሃገር ዓዲ ጥዕናኡ ክገብረሉ ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝግበኦ ራኢኡ ምዃኑ እናሓበረ፡ ምስ ሓዳስ ሃገርካ ተወሃሂድካ ክትኰኖን ክትበጽሖን እትደልዮ ራኢኻ ኣብ ዚጸንዓሉ ሰልሚ ትዝታ ከምዘየስጥመካ ይምጒት። ዝበዝሑ ካብ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ ዝረኸብኩዎ ትሕዝቶታት ንባህርያት ሰባት ጠቀስ ኰይኖም፡ ነቲ ገጠምቲ ምስ ዓውደ ስነ-ልቦና ዘለዎም ምትሕሓዝ ዝምስክር ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ መረዳእታ ዝሳነ እዩ። ካብ ርእየተ-ኣዒንቲ ገጠምቲ ዝወጽእ ኲርናዕ ብመጠን ተኽእሎ ደራሲቱ/ኡ ዝገፍሕን ዝጸብብን እኳ እንተዀነ፡ ዘይከሓድ ሓቂ ክንብሎ ዘኽእለና ሓባራዊ ሮቛሒ ገጠምቲ ግና ኣሎ – ትዕዝብቲ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዛ ግጥሚ ንስደት ብጻልጣ መረዳእታ “ስደት ሕሱም” ኢልካ ወሲድካ ተመንጊግካ ምምዓጒ ጥራሕ ዘይኰነስ ጥዕና ራኢኻ ኣብ ዝኸሰብካሉ ዓዲ ስደትካ ዓዲ ጥዕናኻ ዘይኰነሉ ምኽንያት ከምዘየለ እያ እተብርህ። ኣብዚ እዋን፡ ዚዓበየ ሕጽረት ኰይኑ ዚስመዓኒ “ጌጋ ነብሰ-ርድኢት” ካብ ዘጋደዱ ተርእዮታት ኣልዒላ ረኺበያ ዝብላ “ኣይተጸልምቱሉ” እትብል ካልእ ግጥሚ እውን፡ ነቲ ኣብ ዝኸውንን ዘይከውንን ብምዕሳል መጠኑ ብዚሓለፎ መጐስ ሰብ እንታይነቱ ከይፈልጥ ዚገብር ሆይሆይታ እናተቓወመት፡ ኣብ ሕድሕድ ንጥፈታት ወይ ርክባት ደቂ ሰባት ንጹህ ነቐፌታዊ ኣተኣራርማ ክንዲ ምምዕባል፡ ንባዕሉ እቲ ብገዛእ ጣቕዒትካ ክትጸምም ጠንቂ ኰይኑ ዘሎ ነጥቢ ጽቡቕ ገይራ እተጒልሕ እያ። ንጌጋ ጌጋ ክንዲ ምባል፡ ንእምነትካን ርድኢትካን ዕሽሽ ኢልካ ኣብ እተጋውሐ ዘበለ ዓቕምኻ ድምጺ ምሕዋስ ካብ ዘለኻዮ ነጥቢ ምንቕ ከምዘየብለካ፡ ዝቡቕቡቕ ዓዘቕቲ ነብሰ-ጥፍኣት(ተደማሚሩ ድማ ብሃገር ደረጃ ዘይቀሊል ስምብራት ዘትርፍ) ድማ ነትን ከስክር ንዓኻን ሃልኪ እንተዘይኰይኑ ፋይዳ ከምዘይፍዪድ ዘረድእ እዩ። ሕብረ-ሓሳባት ከየጒላዕልዑ፡ ፈትሊ ኣተሓሳስባታት ከይስስኑ ዝዕንቅጽ፡ ሰብ ንኣስተንትኖት ህይወት ክምኰር ዘዪዕድሙ ብዓቢኡ ድማ ድምጺ ውሑዳት ግን ከኣ ርእዮተ-ዓለሞም ክሳብ ብደረጃ ሃገር እውን እንተዀነ ሕውየት ክዀኑ ዚኽእሉ “ህጣምያ” ከም እንኸስር ዚገብር እውን ምስ ምዃኑ፣ ኣንጻር እቲ መሊሱ ከይጽልምቶ ዚሕለየሉ ዘሎ ፈታው ጣቕዒት ዝዀነ ኣካል እቲ ሓጊዘ ኢሉ ዘጥፍእ ዘሎ ዝያዳ ዝህሰ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ቁንጫል ካብዚኣ እውን እነሆ፥
“ኣይተጸልምቱሉ”
ዘይትነቕፍዎ ደኣ ክሳዕ ዝስወጦ
ንምንእኣስ ዘይኮነስ ጒድለቱ ክፈልጦ፣
ሓሶትዶ’ኸ ኣይኮነን
ንዘይጸበቐ ‘ጽቡቕ’
እንተ ዘየብራህካሉስ
ጸላም መኣስ ይቡቚቡቚ።
ኣብተን ኣብ ገጽ 58ንን 62ንን ዘለዋ ንክልተ ደርብታት ሃገር (ሓፋሽ ህዝብን ዚመርሖ መንግስትን) ጠቒሰን ዘልዕላ ግጥምታት “ገባራይ” ን “ሓለፍትና” ን ብተኸታታሊ፣ ከምቲ ብ ፍቕራዊ ግጥምታቱ ዚፍለጥ እንግሊዛዊ ገጣሚ ቪስተን ሁግ ኣውደን ” ገጣሚ፡ ቅድሚ ዝዀነ ነገር ምስ ቋንቋ ስምዒታዊ ፍቕሪ ዘለዎ እዩ” ዝበሎ፡ ካብ ገዛእ ርእሰ-ቃላት እተን ግጥምታት ዝገብሮ ጸወታ ደስ ዘብል እዩ። ብሓፈሻ ንቋንቋ ኣልዒልና፡ ኣብዛ ኣብ 126 ገጻት 82 ግጥምታት ኣካቲታ ዘላ መጽሓፍ፡ ወላ’ኳ “ይበል!” ኣየብል፡ ኣብ ከይዲ ኣዘራርባና እናወደቑ ዝሽረቡ ዘለዉ ቃላት ተላዒሎም ኣብ ወሳኒ ቦታኦም ተሸኲዖም ዝርከቡ ምዃኖም ንእግረመንገደይ እናኣድነቕኩ፡ መራሕቲ፥ ኣብ እንግዳዓ ህዝቢ ምስቃሎም ጸገም ዘይምዃኑ፡ እንታይ ደኣ. .ብጥበራ ቃላት ንግሁድ ሓቂ ጸቒጥካ ምሽክዕላል ዚመረሮ ህዝቢ፡ መራሕቱ ካብ ጾር ምዃን ክእለዩሉ ጥራሕ እዩ ዚጠልብ። ተመራሪሐን ከምዚ ይብላ፥
“ገባራይ”
እቶም ዝልዕሉኻ
ካባኻ ዘይነውሑ
ኢዶም ኣቐሚጦም
ብኢድካ ዝሰርሑ፣
ይብል እሞ፡ ኣብታ “ሓለፍትና” ዘርእስታ ከኣ ነዚ የስዕብ፥
ክትብርኹ – ክተርክቡ
መርገጺኹምዶ ኣይኮንናን. . .
“ክሓልፈልኩም’ዩ” ኣይትበሉና
ሽግርና ብንጹፉ
ከይሓለፍኩም ኣይሓልፈልናን
በጃኹም ሕለፉ።
“ግጥሚ ተወጺዑ” እትብል ንምሉእ ኣሰራርሓ ግጥሚ ኣብ ኲነተ ሓሳብ ገጣሚ ኣነጺራ እተርኢ፡ “ጎርቢ ሕድገት” እተሰምየት ን ሕማም ዘይምሕዳግን ዋሕዲ ተኽእሎ ዓቕሚ ንሕፈት እትወቅስ፡ “ተዓሪቐ” እተሰምየት ካልእ ምስ ብዙሕ ኣንጻር ነብስና እንገብሮ ንጥፈታት ጠቒሳ ምስ ነብስኻ ተዓሪቕካ እትረኽቦ ሰላማዊ ቅሳነት እተልዕል ግጥሚ፡ ኣብታ መጽሓፍ ተኻቲተን ካብ ዘለዋ ዚመሰጣኒ ካብ ብዙሕ ካልእ ክጠቕሰን ዚፈተኹ ውሑዳት እየን። ምስ ክልተ ካብ ማይቤታት “ተዓሪቐ” ከራኽበኩም። ነብሰ-ዕርቂ ወሃቢ ሰላም እዩ’ሞ!
“ተዓሪቐ”
ዘይከም’ቲ ዝሃወጸኒ
ጸዋዒ ጽላለ
ዕርድታተይ እናፈንቀለ
ክጠፍእ ዘንቀለ፣
መስገኖኡ ሎምስ
ህድኣተይ ሰፊኑ
ጸገማተይ በልዩ
መሽሚሹ በኒኑ
ብጽንዓት ብጻዕሪ
ጽባቐይ ነዲቐ
ሕጉስ’የ ዘለኹ
ምስ ነብሰይ ተዓሪቐ።
ኣብ መዛዘሚ ጽሑፈይ ከይበልኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ደራሲ፡ ዝተወሰነ ካብ ግጥምታቱ ኣኪቡ ክስንዶ እኳ እንተኽኣሎ፡ ንትጽቢትን ዓቕምን ደረጃን ዚተፈላለዩ ነበብቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ፍዂስ ዝበሉ ኣብ ኣሃዱ ጒዕዞኡ ዝጸሓፎም ዚመስሉ ትሕዝቶታት ዘለዎም ግጥምታት ክሕውሰሉ ኣይተዋሕጠለይን። ጦብላሕታ ገጣሚ ወይ ዛዕባኡ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብ ‘ኣስተቲካዊ’ ሮቛሒታት ጽባቐኡ ይኹን መልእኽታዊ ትሕዝቶኡ ዘይመዓራረ ወይ ዘይተዛነቐ ስራሓት ኣብ ሓደ ተጠሚሩ ክመጽእ ኣይፈተኹሉን። ምስትምቓረይ እምበኣር፡ ኣብ ዛዕባ እዛ መጽሓፍ ንእተራእዩኒ ላህመታውያን ነጥብታት ዚበልኩዎም ዝጠቐሱ ኰይኖም፣ ከም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ክሓስቦ ዝገብረኒ ብዝሒ ርእየተ ኲርናዕ ኣስተማቐርቲ ዚተፈላለየ ምዃኑ ስለዚኣምን፣ እዛ ገና ካብ እትሕተምን ናብ ነበብቲ ካብ እትዝርጋሕን ዓመታ ዘይመለአት መጽሓፍ፡ ነዞም ዚስዕቡ ኣድራሻታት ብምውካስ ክትረኽብዋን ርእይቶታትኩም ይኹን ምስትምቓርኩም ከተስፍሩ ከም ዚከኣል ክሕብረኩም ደስ እብለኒ። አቐንየለይ!!
ጥሪ 2017
ምንጪ ፌስቡክ ዓለመ ግጥሚ
መጽሓፍ ንምግዛእ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ብምጥዋቕ ምእዛዝ ይከኣል
http://www.soyra.net/product-page/13610b21-d383-b759-586e-45b58a1a8659