ጸሊኤካ ኣዳም
እቲ ልብኻ ክፋእ ምስ ጸወረ
እቲ መንፈስካ ጊሓት ምስ ወፈረ
እቲ ፍቕርኻ ተጸንቒቑ ምስ ጸረረ
እቲ እምነት ፍልሖ ምስ ተበልዐ
ድርዒ ተስፋይ ብክሕደት ምስ ተበስዐ
ብትጽቢትካ ዓይነይ ምስ ቆለዐ
ሽዑ . . . . .
የዒንተይ ሓሊበየን ንብዓት
ተኾነለይ ድሕሪ ንብዓት ትብዓት
ብሰንክኻ ጸሊኤዮ ኣዳም
ተኸዊለ ካብ ቅርዓት ካብ ግዳም
ምረገምኩ ኤእ ኢለ ኣሕሊፈ
ቃላት ከየወጻእኩ እንደሞ ተኾሊፈ
እቲ ምንታይ ወደይ ተሰኪፈ።
ሩማና ብርሃኑ
22-05-2012