ጭዕንዶግ ጭዕንዶግ ጭዕንዶግ በረኻ
ጻዕደኻዶ ወይስ ከምኣለኻ?
ከመዓልካ ጭዕንዶግ በረኻ?
ፋሕሻው ገጽካ ተመሓየሸዶ
ናትካ ወሲድና በረኻ ክንከዶ
ንስኻኸ ናትና ወሰድካዶ?
ተወራረስ፡ ወሪስካዶ?
ጭዕንዶግ በረኻ ሓዊ ታህሰስ መቒዕ
ወዲ ወዱ ንሰራወ ኣውሊዕ
ገጽናስ ወሰድካዮ ብዘይዋሕስ
ዘይጥዓስ ከኣ ዘይኽሕስ
ንባዕሉ በሊዑ ዘየብልዕ
ዓርኪ ኣምዐ ዘየናሕሲ ባልዕ!
ከመዓልካ ጭዕንዶግ በረኻ
ጭዓኸ ኣሎዶ ኣብ ጎንኻ?
ጎኑ ትሰበር ወጋጋኢ
ወጊኡ ከይኣኽሎስ መዕቆብ ዝብኢ!
ጭዕንዶግ በረኻ
ጮግራፍካ ኣሎዶ ጭርኡ
ወጅህኻ ደራሪቡ ወጮ
ጨናኻ ጨራሩ ኣጨኒቑ
ጩራኻ ጭንቅና ወሊዱ
ጮማኻ ጨጎራና ኣሕሊቑ
ንመልክዕና ኣብ በለቅ ኣጥሊቑ
ኣብሊዩና ሓሙኽሽቲ ኣስኒቑ!
ጭዕንዶግ በረኻ
ትሰምዕዶ ለኻ
ግርማና ኣቤሎ
ጓህሪ ጠጢቕካና ባሕሪ እንከሎ
ጓሂ ጐኒኽካልና ሰብ ዘይክእሎ
ትሰምዖዶለኻ እዚ ያለኻ
ስምዒ ትንጠባ ሓብተቦኻ
ሓብተቦኻወ እታ ጓል በረኻ
መልክዕና ወሲድካ መልክዕኻ ምስሃብካ
ግደፍ ዘይበለት መበለት
ለካ ብመልክዕና ደልያ ሓልየት
ንእስነትና ብኾፋ ዘብለየት!
ኣጽርያትና ባዕላ ዘይጸረየት!
ሓብተቦኻወ እዛ ግለት!
ኣንታ ሕጅስ ናበይ ኣበለት
ምስኣረግካስ እንታይ በለት?
ናይ መን መልክዕ ሒዝካ ደኣሞ ክትንየት
ዓለም ከኣ ንመን ዘየብከየት
ረቒቕና ኢና ደጊም የለን ግዝፈት
ጭዕንዶግ በረኻ ተጸጊዕና ሕልፈት!
ተዘይተረድኣካ እዚ ናተይ ቅኔት
ካብ ትወርሶ ተላበሶ ውስጠት
ተነቆቶ ዑምቀት
ብዘይ ርእሲ ከመይ ኢልካ ክትንየት!?
ያለኻ ያለኻ!
በቲ ጐቦ ሸው የብላኻ
ዛ ምራን ቀጠነት ቀጠነት
ዛ ኸብድኻ ወሓጠት ወሓጠት
ንመረቕና ጨለጠት ጨለጠት
ገደል ኣእትያትካ ኣጽቀጠት!
(መስጣ ዓዃይ መስጣ ምሁር እናበለት!)
ወዲ ኣቢብ