ኣብ’ቲ ጸልማት ከውሊ ድነ
ዒግታ ትኪ ላዕሊ ‘ዳተነነ
ዝተኣጉደ ሓዊ መቍሎ ምስ’ርሰነ
ቀላዊ በዓል ማእዶ ዳዳወሰ ኣጋደዶ
ጣዕ . . . ጠራዕ . . . .
በዓል ጥረ ምረ
ኣብ’ቲ ውሽጢ ኴና
ረስኒ ምስበርተዐ
ዓቕሊ ምሰ’ጽበብና
ንደገ ንወጽእ ነነጢርና
መሬት ዝዓለብና
ተንፈስ ከየበልና
መሊስና ንእከብ ተኾስቲርና
ካብ’ቶም ተቆልዮም ዝሓረሩ
ትንፋሶም ሓሊፋ ዝተቐብሩ
ንሕናዶ ንሓይሽ፧ ጎሓፍ ተነጺፍና
ድኹዒ ተባሂልና ግራት ምስበጻሕና
መሊስና ክንበቁል ተስፋ’ዳገበርና::
ሙሴ ብርሃነ