መበል 14 ክፋል
ሲራክ ቀቅድሜና ኣነን ክፍሎምን ከኣ ደድሕሪኡ እናኸድና ሓያሎ ኣንጎሎታት ተጠዋዊና ኢና ኣብቲ ነዕርፈሉ ገዛ በጺሕና። ኣብ ከምቲ ዓይነት ናይ ሓጎስ እዋን ኣብ ፉሕ ፉሕ ዝብል ገዛ ማለት ኣብ ትፈልጦን ዝጽበዩኻን ዝነበሩ ገዛ ክትኣቱ እንከለኻ እቲ ሓጎስ ዝያዳ ምደመቐ። ሕጂ ግን ዝኣተናሉ ገዛ ከምዚ ካብ እንዳጎረቤት ዝመጻና ኣቀባብላ’ዩ ኔሩ። ተሌቭዥን ኣብ ዝተወለዓቶ ጽብብ ዝበለ ክፍሊ ኢና ኣቲና። ዝተቐበለትና ሰሚራ ዝስማ ሰበይቲ ዘመድ ክፍሎም’ያ። ናይ ክፍሎም ምምጻእ ኣዚዩ ኣሐጉሱዋ ነበረ። ግዜ ናብ ምጽልማት ገጹ ይኸይድ ስለዝነበረ መብራህቲ ተወሊዑ ኔሩ’ዩ። እታ በዓልቲ ገዛ ናይ መቐበሊ ኣጋይሽ ጥዕምቲ ቡን ኣፍላሓትልና። ሲራክ ናይ ብስራት ክንድውል ካርድ ገዚኡ መጸ። ፈለማ ናብ ካናዳ’የ ደዊለ። ናብ ቦኽሪ ሓወይን ካብ ፈለማ ነቲ ጉዕዞይ ዝከታተሎ ዝነበረን። ሓወይ ሓጎሱ መግለጺ ሰኣነሉ። እቲ ፍጻሜ ሕልሚ ኮይኑ ተሰምዖ። ዕላማ እቲ ምድዋል ብሰላም ምእታውና ንምሕባር ስለዝኾነ ምስ ሓወይ ብዙሕ ኣየዕለልኩን። ቀጺልና ናብ ዑቕባይ ደወልና። ዑቕባይ’ውን ብወገኑ ብሰላምዶ ይኣትዉ ይኾኑ ክብል ብፍርሒ ከብዱ’ዩ ሓቑፉ ቀንዩ። ምስ ዑቕባይ’ውን ብዙሕ ኣየዕለልናን። ናይ ልማኖ ተሌፎንን ናይ ጋሻን ኮይኑኒ ብዙሕ ኣይዛረብን’የ ኔረ።
ድሕሪ ቡን ምስታይና ኣነ ናይ 9 ወርሒ ስእነት ድቃስ ከውጽእ ቀልጢፈ ክድቅስ ከም ዝደለኹ ሓበርኩዎም። ነፍሳ ይምሓራ ሰሚራ ሕጂ ብህይወት የላን። ፈለማ ነብሰይ ክሕጸብ ማይ ኣብ ሳንኬሎ ጌራ ኣምጺኣትለይ። ኣብ ሓንቲ ጽብብ ዝበለት ንሽቓቕን መሕጸቢ ነብስን ተገልግል ባኞ ኣትየ ካብ ኣስመራ ክሳብ ከሰላ ተሰኪመዮ ዝመጻኹ ደሮና ኣራገፍኩ። ብድሕሪ’ዚ ናብ መደቀስየይ ሒዛትኒ ከደት። ገፊሕ ክፍሊ’ዩ። ክልተ ዓራትን ኣርማድዮን ናይ ጎማ መናብርን ጥራሕ ዝነበሮ ሃገርገር ዝብል ክፍሊ። ሲራክን ሰሚራን ብሩኽ ለይቲ ብምባል ተፋነዩሙኒ ከዱ። ካብ ድሕሪ 3ይ ወራር ብእዋኑ ክድቅስ ሽዑ ንፈለማ ግዜየይ ነበረ። ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ዓራተይ ሓዝኩ። ካብ ምንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን ብእዋኑ ዝድቅስ ሰብ ከደንግጸኒ መዓት’ዩ። ዝጽምዎ ፡ ጥዕና ዘይብሉ ወይ ከኣ ዋላ ሓንቲ ዝስራሕ ዘይብሉ ሰብ’ዩ ብእዋኑ ዝድቅስ ዝመስለኒ ኔሩ።
ኮቦርታ ገንጺለ ምስ ኣተኹ እንታይ እዋኑ ድቃስ ወሲዱኒ ኣይተረዳኣንን። ኣዚዩ ከቢድ ድቃስ ወሰደኒ። ክፍሎም ምስ ቦኽሪ ወዳ ንሰሚራ ኣትዮም ኣብቲ ሓደ ዓራት ክድቅሱ ፈጺመ ኣይሰማዕኩዎምን። ንግሆ ምስ ኮነ’ውን ንሶም ቀልጢፎም’ዮም ተንሲኦም መስለኒ። ክትንስኡ እንከለው’ውን ኣይሰማዕኩዎምን። ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ሓሊፉ ካብ መደቀስየይ ኣይተንሳእኩን። ከም ዝወግሐ’ውን ኣይተረዳኣንን። ክፍሎም መጽዩ’ዩ “ሰሚራ ቁርሲ ንጽበየካ ኣለና” ኢላትካ ኢሉ ኣተንሲኡኒ። ተንሲኤ ክሳዕ ዝተሓጻጻብ ፋዱስ ኮነ። ካብ ዝጉብዝ ከይተበራበርኩ 15 ሰዓት ክድቅስ ዳርጋ ንፈለማ ግዜ’ዩ ኔሩ። ክትንስእ እንከለኹ ብሕጉስ መንፈስ፡ ብብሩህ ገጽ’የ ተንሲኤ። ቁርሲ ፉል’ዩ ካብ ዕዳጋ መጽዩ ተቐሪቡልና። ጸፊሕ ኣብ ተሰነይ ዝተላለኹዎ ኣብ ዘይቲ ስምስም ተኣሊኹ ዝተሰንከተ ባኒ ጌርና ኢና ክንበልዖ። ኣነ፡ ክፍሎም፡ ክልተ ደቃ ንሰሚራን ሓዋን ኢና ተቐሪብና። ሰሚራ ምስ ሓንቲ ሙባራካ ትበሃል ጸላም ሱዳንዊት ኮይና ድሮ ኣቑሑት ቡን ትቐራርብ ኔራ። ሙባራካ ክዳውንቲ ብገንዘብ ምሕጻብ’ዩ ስራሓ። ሲራክ ኣብቲ ቁርሲ ምሳና ኣይነበረን። ጸኒሐ ከም ዝፈለጥኩዎ ንዓይ ናብ መደቀስየይ ምስ ኣእተወኒ ናብ ኣዕሩኽቱ’ዩ ከይዱ። ክሳብ ኣነ ዝትስእ ከኣ ኣይተመልሰን ነበረ።
ፉል ኣብ ኣስመራን ተሰነይን’ኳ በሊዐ እንተነበርኩ ኣይከም ናይ ከሰላን ግን። በብዓይነቱ ቀመማት ዝኣተዎ ምቁር ፉል’የ ቆሪሰ። ካብ ሸቐልቀልን ፍርሕን ካብ ጭንቀትን ዓቕሊ ምጽባብን ተገላጊለ እፎይ ዝበልኩላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ’ያ ኔራ። ቀዳም ምሽት ናብ ተሰነይ ዘወርድ ቲኬት ገዚኤ፡ ሰንበት ተሰነይ ወሪደ። ኣብ ተሰነይ ሓዲረ ሰኑይ ምሸት ካብ ተሰነይ ወጺና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽኩዎ ኣብ በረኻ ሓዲርና ሰሉስ ምሸት ኢና ከሰላ ኣቲና። ስለዚ እታ መዓልቲ ረቡዕ’ያ ትኸውን ዘላ። ድሕሪ ቁርሲ ምስ ሰሚራን ሙባራካን ጅንጅብል ዝ ኣተዋ ቡን ሰትየ መላለዩ ዝኸውን ሓደ ሓደ ዕላላት’ውን ኣዕለልና። ሰሚራ በዓል ሓዳር ከም ዝኾንኩን ሰለስተ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ገዲፈ ከም ዝመጻኹን ምስ ፈለጠት ኣዚያ ደንገጸት። ካብታ ሰዓት እቲኣ ከኣ ፍሉይ ኣኽብሮትን ሓልዮትን ከተርእየኒ ጀመረት። ድሕሪ ቡን ምስታይ ኣብቲ ካንቸሎ ምስቶም ቆልዑ ቁሩብ ምስ ተጻወትኩ ካብ ኩሎም ዝጎበዘ ሓዋ ንሰሚራ ሰለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ እንዳ እንተርነት እንተሊዩ ክጥቀም ዝኽእል እንተኾይነ ሓቲተዮ ክወስደኒ ከም ዝኽእል ነገረኒ። ኣብ ጁባይ ንሕማቕ ግዜ ክኾናኒ’የን ኢለ ዝሓባእኩወን 300 ናቕፋ ነበራኒ። እተን 2000 ንሲራክ ኣረኪበየን’የ ኔረ።
ሓዋ ንሰሚራ ሒዙና ናብ ሓደ እንዳ ኢንተርነት ኣተወ። ኣብቲ እንዳ ኢንተርነት 10 ዝኾና ኮምፒተር ተር ኢለን ተሰሪዐን ነበራ። ሪጋይ ተጸበየ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ንዝነበረት ኮምፑተር ተረኪበ ሓዋ ንሰሚራ’ውን ክጥቀም ከም ዝደሊ ሓቢሩኒ ክልቴና ነናትና ኮምፑተራት ሓዝና። ኣብቲ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ግኑን ዝኾነ መራኸቢ ያሆ መሰንጀር’ዩ ኔሩ። ያሆ መሰነጀር ሕጂ ክዝክሮ እንከለኹ ብዙሕ ዘገላብጥ መራኸቢ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ንኸምዚ ከማይ ክንደይ ሽጉራትስ ሓጊዙና እዩ። ናይ ሱዳን ናይ ኢንተርነት ፍጥነት ኣዚዩ ዘገርም’ዩ ኔሩ። ኣብ ኣስመራ እንዳ ኢንተርነት ኣቲኻ ኮምፑተር ምስ ሓዝካ ካብቲ ሓደ ሰዓት ትጥቀመሉ እቲ 20 ደቒቅ ኔት ዎርክ ስለዝዝሕለካ ኣብ ትጽቢት ኢኻ ግዜኻ ተቓጽሎ። ናይ ሱዳን ግን ኮምፑተር ክትከፍትን ኢንተርነት ኣቲኻ ገለ ክትጽሕፍን ሻዓ ንሻዓ’ዩ ዝኽፈተልካ። ሱዳን ምስ ኣተኻ እምበር ፈለማ ጦብላሕታ ዘሕደረለይ ነገር እንተነበረ ኣብ ፍጥነት ኢንተርነት ምስ ሱዳን ዝነበረና ፍልልይ’ዩ።
ተወሊዓ ዝጽንሐትኒ ኮምፑዩተር ሒዘ ኢመይለይ እእትየ ያሁ መሰንጀር ምስ ከፈትኩ ሓደ ሓደ መልእኽታት ጸንሓኒ። ካብ ኣስመራ ክብገስ እንከለኹ ሓደ ከይጠቐስኩዎ ዝሓለፍኩ ፍጻሜ ነበረ። ንሱ ከኣ ካብ ማይ ጭሆት ናብ ዕዳጋ ሓሙስ ኽኸይድ እንከለኹ ሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይ ረኺቡኒ ነበረ። ምስኡ እናዕለልና ክሳብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ኢና ኬድና። ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ክንፈላለ እንከለና ንዝመጽእ ረቡዕ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ቆጺረዮ ደሓን ሕደር ተባሃሂልና ተፈላለና። ሽዑ እቲ ዓርከይ ንዓናይ ምሳይ ሕደር ኢሉ ወጠጥ ክብለኒ ኣይክእልን’ዩ ኔሩ ንሱ’ውን ከማይ ናብ ኣስመራ ገይሹ’ዩ ዝመጽእ። እዚ ዓርከይ እዚ’ዩ እምበኣር ረቡዕ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ስለዘይመጻኹ ናብ ሞባይለይ ደዊሉ ሞባይለይ ከኣ ተዓጽያ ነበረት። ቀጺሉ ኣብቲ ጥቓ ዝተቛጸርናሉ ሓንቲ እንዳ ኢንተርነት ስለዝነበረት ናባኣ ከይዱ ኣብ ያሁ መንሰጀር እዚ ስዕብ መልእኽቲ ጸሓፈለይ
“ሰላማት ሞኬ ቆጸራ ናይ ምጥላም ኣመል ስለዘይፈልጠልካ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ዘይምምጻእኩ ቁሩብ ኣሻቒሉኒ። ናብ ሞባይልካ’ውን ደዊለ ሞባይልካ እዚ ኤሪቴል’ዩ ኢላትኒ፡ ብዝኾነ ኣብዚ ከባቢ እንተሊኻ ኣብ ያሁ መስንጀር ጸሓፈለይ እሞ ደጊምና ክንራኽበ” ክብል ጸሓፈለይ። እቲ ዓርከይ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት ክንራኸብ እንከለና እዛ ሒዝካያ ዘለኻ ፕሮጀክት እንታይ ዓይነት’ያ ክብል ሓቲቱኒ ኔሩ። ኣብ ምንታይ’የ ተቐይረዮ ኣይፈለጥኩን ኣብ ምንቅስቓሰይ ግን ቁሩብ ተፈልየዮ ኔረ መስለኒ። ብዝኾነ መልሲ ክጽሕፈሉ ኢለ ጅምር ምስ ኣበልኩ ንሱ’ውን ኣብ መስመር ጸኒሑ ዕላል ጀመርና። ድሕሪ ቁሩብ ናይ ዕላል ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዘለኹ እሞ ንእሽቶ ስራሕ ከም ዝሓዝኩ ምስ ወዳእኩ ግን ሰዓት 6፡00 ኣብ ጥቓ ኣምባሳደር ኣብ ሓንቲ ክልቴና ንኣትወላ ላተርያ ክንራኽብ ቆጸራ ገበርኩሉ። ንሱ’ውን ብደሓን ምህላወይ ግዲ ኣሐጉሱዎ ኔሩ ብዙሕ ዘዋጥር ሕቶታት ከይሓተተ
“በቃ በል ሰዓት 6፡00 ምስ ተራኸብና ጽቡቕ ጌርና ነዕልል” ኢሉኒ ካብ መስመር ወጸ።
ናብ እንዳ ኢንተርነት መኸዲየይ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ዳሃየይ ናብ በዓልቲ ቤተይ ንምስዳድ’ዩ። ነቲ መልእኽቲ ከተብጽሓለይ ትኽእል ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ ወሓዚት ዝስማ እምንቲ መሓዛ ስለዝነበረትኒ ምናልባት ኣብ መስመር እንተሃለወት ኢለ መልኽእቲ ጸሓፍኩላ። እታ መሓዛይ ኣብ ቤት ጽሕፈታ ኮይና’ያ ኢንተርነት ትጥቀም ኔራ። እቲ መስመር ደኣ ዝሑል’ዩ እምበር ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኢንተርነት ኔሩዎም።
“ሰላማት ዋሓዚት ደሓንዶ᎒” ምስ በልኩዋ ካብ ኣስመራ መጥፍየይ ምኽንያት ናብ ቦኽሪ ሃገራዊ ጉባኤ መምህራን ኤርትራ ክሳተፍ ዝኸድኩ መሲሉዋ ስለዝነበረ እቲ ጉባኤ ከኣ ተወዲኡ ስለዝነበረ ካብ ባጽዕ ኣስመራ መጽየ ዘለኹ መሰላ።
“ ባጽዕ ከመይ ኔሩ᎒”
“ጽቡቕ!” መለስኩላ
“እሞ ናፊቕናካ ኣለና ወይ ከተምሳሓና ወይ ከነምሳሓካ ንራኸብ” በለትኒ። ኣነ’ውን መንገዲ ካብ ረኸብኩ ብምባል ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ዝነበረት እንዳ ፋታ ቆጸርኩዋ። ሽዑ እዋን እንዳ ቤትመግብታት ገረውረው ክብላ ጀሚረናሉ ዝነበራ ግዜ’ዩ ኔሩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ከም በዓል ያስሚን፡ ኑርን ሸኻ ስምለተን ዝኣመሰላ ኣብያተ ቁርሲ’ዩ ተኸቲቱ ኔሩ። ኣነ’ውን ኣብ ሓንቲ እንዳ ቤት ቁርሲ ቆጸርኩዋ። በዚ ከኣ ስራሕ ስለዝነበራ
“ዳሓር ንራኸብ” ኢላ ተፋንያትኒ ከደት
እቲ ናይ ቆጸራ ሰዓት ብዙሕ ነዊሕ ስለዘይነበረ ኣብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ በጺሓ ስኢናትኒ ተመልሰት። ንሳ’ውን ናብ ሞባይለይ ደዊላ ሞባይል ከኣ ተዓጽያ ስለዝነበረት ዝምልሰላ ኣይረኸበትን። ከም ካላኣይ ምርጫ ዝወሰደቶ ናብ ጠረጴዛኣ ተመሊሳ ደሃየይ ምግባር ነበረ።
“ኣታ እንታይ ደኣ ወሪዱካ᎒ ዘይኣመልካ᎒” ጸሓፈትለይ
“ኬድኪ ስኢንኪ ምሽ᎒ ኣብ ኣስመራ ዘየለኹ” መለስኩላ
እታ መሓዛይ ብባህሪኣ ነባዒት’ያ። ናብ ስደት ናይ ዝኸደ ሰብ ደሃይ እንተሰሚዓ ከኣ እሞ ንብዓታ መኸልከሊ የብሉን።
“እዞም ኣረሜን ጽልኢ ብኢንፉጅን ናብ ደምና የስርጹልና ኣለው” እናበለት’ያ ትነብዕ። ብፍላይ ሓደ ኣዚና ንፈትዎ ሰብ ብሕጋዊ መንገዲ ብተሰነይ ጌሩ ብኣውቶቡስ ናብ ሱዳን ምስ ከደ ዝበለትኒ ኣርስዖን’የ። እዚ ወዲ ክኸይድ እንከሎ ኣብ ኣስመራ ናይ መፈናዊ ሻሂ ሰተዮም ኔሮም። ኣነ ምስ ኣፋነወቶ’የ ናብ ኣስመራ ከይደ። ሽዑ ምስ ረኸብኩዋ
“ኩስቶ ደኣ ከይዱ ምፍናው እሞ ከመይ ኔሩ᎒” ሓተትኩዋ። መልሳ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኣይነበረን። ንብዓት ካብ ኣዒንታ ክፈስስ እናጀመረ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ምሉእ ሓሳባት’ያ ተዛሪባትኒ።
“እስኪ ሱቕ ኢልካ ኣይትጻወት ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ምጻእ ወይ ኣብ ገለ ንራኸብ” ብውሽጣ እቲ ኣስመራ ዘየለኹ ዝብል ኣብ ካልእ ቦታ ከይህሉ እናፈርሐት ከም ዝኾነት ነብሰይ ይነግረኒ ነበረ።
“እሞ ይብለኪ ኣለኹ ኣነ ኣብ ኣስመራ የለንኹን ኣብ ከሰላ እየ ዘለኹ” እቲ ሓቂ ነገርኩዋ
“ኣታ ኣይትጻወት እንዶ ኣነ ኸማን ኣዲስ ኣበባ እየ ዘለኹ” መለሰት
“ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢና ተራኺብና ብሓደ ህጹጽ ነገር ደልየኪ ኣለኹ። ናብ ናጻ መልእኽቲ ከተብጽሕለይ ኢኺ። ሓንቲ ሞባይል ውን ክህበኪ እየ ናብ ሓደ ሰብ ደዊልኪ መልእኽቲ ከተብጽሕለይ ኢኺ” ትርር ዝብለ መልእኽቲ ጸሓፍኩላ
“ኣታ እንታይ ኢኻ ትጻወት፡ ናዓ እንዶ ግዳ ሱቕ ኢልካ ቅጭ መምጺኢ ኣይትኹን” ክሳብ ሽዑ ኣይኣመነትን፡ ኣነ ግን ዓቕለይ ክጽንቕቕ ደለኹ።
“እሞ ከምዛ ዝብለኪ’ያ ባጽዕ ኣይወረድኩን ተሰነይ’የ ወሪደ ሕጂ ከኣ ከሰላ ኣለኹ” ደጊመ ገለጽኩላ
“ኣታ ናይ ብሓቅኻ ዲኻ᎒” ናይ ብሓቀይ’የ ይብለኪ’ንዶ ኣለኹ
“እውይ ክትስድድ፡ ናጻኸ᎒ እዉይ ንስኻስ ምስዞም ሰለስተ ቖልዑ ገዲፍካያ᎒ እንታይ ክትገብሮም’ያ ውዑያት ቆልዑ እውይ ንስኻስ” ኣብራኻ ወለል ከም ዝበላ ርግጸኛ ነበርኩ፡ ንብዓት’ውን ተፈርሺሑ ከም ዝኸውን ዘጥራጥር ኣይኮነን “ይትረፍዶ ቆላ ወሪድክስ ብቐደሙ ፎርቕሮቓ” ይብላ ኔረን ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ጎረቤትና። መሓዛይ ከኣ ይትረፍዶ እዚ ረኺባ ብቐደማ ነባዒት’ያ።
ናብ ከሰላ ምውጽአይ ንጽቡቕ ነገር ከም ዝኾነ ጥራሕ ጠቒሰ ናይ ዲቪ ጉዳይ ከየልዓልኩ ምውጸአይ ብምስጢር ክትሕዞ ከም ዘለዋ ሓቢረ ናብ በዓልቲ ቤተይ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከተብጻሓለይ ሓበርኩዋ።
“ሞባይለይ ተዓጽያ’ያ ዘላ፡ ኣብ ማይጭሆት ገዲፈያ ኣለኹ በልያ፡ ትፈልጦ’ያ ኣበይ ከም ዝነበርኩ፡ ካልእ በዓል መኪና ክመጻኪ’ዩ ንብረትኪ ጽዒንኪ ኣስመራ ህደሚ በልያ” እዚ ናብ በዓልቲ ቤተይ ዝኸይድ መልእኽቲ’ዩ ሞባይለይ ተዓጽያ ስለዝነበረት ናብ ኣብ ጎረቤትና ዝነበረት ዱካን ኣጸዊዓ’ያ ክትሕብራ።
ዝቕጽል ናይ ሓደ ዓርከይ ሞባይል ሂበያ ናብኡ ከም ትድውል ሓበርኩዋ። ንሱ ናይ ጽዕነት መኪና ስለዝነበረቶ ንበዓልቲ ቤተይ ምስ ንብረታ ናብ ኣስመራ ከእትዋ ከም ዘለዎ እዛ መሓዛይ ደዊላ ክትሕብሮ ከም ዘለዋ ገበርኩ። ድሕሪ ሱዳን ምስጋረይ ክትግበረን ካብ ዝነበረኒ ዝዓበየት ዕማም ሓንቲ ስድራ ናብ ኣስመራ ምህዳም’ያ ኔራ። ኣቐዲመ ቅድሚ ምውጸአይ ኣብ ኣስመራ ብፍላይ ኣብ በዓል ቁሸትን ካልእን ገዛ ክራይ ክደሊ ብዙሕ ከርተት ኢለ ከይሰለጠኒ’የ ወጽየ። ኣብታ ዝወጻኹላ ሰሙን ግን ኣብ ጸሎት መብራህትን ማይን ዘይነበሮ ገዛ ክራይ ብሰበሰብ ረኺበ ስለዝነበርኩ መጻንሒ ክትኮና ትኽእል’ያ ዝብል መደብ ሒዘ ነበርኩ። መሓዛይ ነዘን ክልተ መልእኽታት ብግቡእ ከተብጽሓለይ ተሰማሚዕና ከሰላ ምህላዋይ ዳርጋ ምእማን እናሰኣነት ተፋንየያ ናተይን ናይቲ ምሳይ ዝመጸ ወዲን ሕሳብ ናይ ኢንተርነት ዝተቐምናሉ ከፊለ ናብቲ ዘዕረፍኩሉ ገዛ ኣምራሕኩ።
ይቕጽል . . . . . .
መበል 15 ክፋል ዝመጽእ ሰሉስ 3 መጋቢት