ኣብ ጉዕዞ ህይወት ንወዲ ሰብ ዘየጋጥሞ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ኣሎ ኢልካ ንምግማት ኣዚዩ’ዩ ዘሸግር። ኣብ ሓያሎ እዋን ጥፍኢ ዘይበላ ነብሲ ብተኣምር ካብ ሞትን ከበድቲ ሓደጋታትን ተምልጥ’ያ። እንተ ናይ ጽሕፍቶ ወይ ዕድል ጉዳይ እንተ ናይ ካልእ ግን ብትኽክል ምርጋግጽ የጸግም’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ሳሃራን ምስጋር ባሕሪ ሜዲተራንያን ዘጋጥሙ ሽግራትን መቕዘፍትን ማእለያ የብሎምን። ብኡ መጠን ከኣ ማእለያ ዘይበሉ ዝተፈላለዩ ዛንታታት ኣለው። እቲ ዛንታ ሓደ ኢሉ ዝጅምር ገና ዶብ ኤትራን ሱዳንን ወይ ዶብ ኤትራን ኢትዮጵያን ወይ’ውን ጂቡቲን ጉዕዞ ቀይሕ ባሕርን ምቑራጽ ምስ ዝጅመር’ዩ። ካብቶም ኣረሜናት ሓለዋ ምክትታል ዶባት ወይ ስለያ ንስረ ዘምለጠት ነብሲ ኣብቲ ጎረቤት ሃገር’ውን ሰቲ ተነስኒሱ ኣይኮነን ዝጸንሓ። ነዚ’ውን ብዝተፈላልየ ሜላታት ዝሰገረት ነብሲ ካልእ መሰናኽል’ዩ ዝጽበያ። እዚ ቀጺለ ዘዕልለኩም ዛንታ ነቶም ህቦብላ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም፡ ሽግርን መከራን: ጥልመትን ምቕጥቃጥን መኪቶም ኣብ ኣውሮጳ ንዝ ኣተው ሰባት ምዝንታው ማለት ንቐባሪ መርድእ ምርዳእ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ርግጸኛ’የ ነፍሲ ወከፍ ናቱ ኣዚዩ ዘገርም ዛንታ ጉዕዞ ባሕርን ሰሃራን ክህልዎ። ብዝኾነ ናብቲ ዕላል ከብለኩም።
ምስ ሓደ ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ስደተኛ ዝነበር ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ስለዝተራኸብና ርግእ ኢለ ከዕልሎን ከም መርማሪ ብዛዕባ ጉዕዞ ሰሃራ፡ ናብራ ሊብያን መሰናኽል ማእከላይ ባሕርን ሓያሎ ሕቶታት ክሓቶን ዕድል ረኺበ ኔረ። ኣብቲ ብድምር ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ናይ መኪና ጉዕዞ ማለት ካብ ከተማ ግራንድ ራፒዲስ ናብ ዲትሮይት በጺሕካ ምምላስ እቲ መንእሰይ ነተን ኣብ ሊብያ ዝጸንሓለን ዓመታት ካብኡ ናብ ማልታ ምስ ከደ ዘሕለፎ ህይወት ብዙሕ’ዩ ከዕልለልኒ ክኢሉ። ንገለ ካብቲ ዘዕለለኒ ኣዚዩ ዘደንጹ ዛንታ ስለዝነበረ ምስ ተፈለለና ገዛ ብምኻድ መዘኻኸሪ ክኾነኒ ሕንጥጥ ሕንጥጥ ኣበልኩዎ:: እዚ ኣብ 2012 እዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ዛንታ ዘይእመን ይመስል እምበር ክውን ነገር’ዩ። እዚ ዘዕልለኒ ዘሎ ሰብ ከኣ ንዝኾነ ምኽንያት ዘይተፈጥረ ተፈጢሩ ኢሉ ከዕልለኒ ዝኽእል ሰብ ኣይኮነን። ምስ ዕድሚኡን ልቦንኡን ኣገናዚበ ማለት’ዩ። ንገለ ካብቲ ዘዕለለኒ’ውን ካብ ዓዲ ጣልያን ናብ መክሲኮ ካብ ኡ ናብ ኣሜርካ ዝኣተዉ መንእሰያት ኣዕሊሎምኒ’ዮም። ብዛዕባ’ቲ ንሳቶም ዝተሳተፍዎ ዘደንጹ ዛንታ ኣብ ካልእ እዋን ብጽሑፍ ከቕርቦ ክፍትን’የ። ብዝኾነ ምእማንን ዘይምእማንን ናብ ኣንበብቲ ዝግደፍ ኮይኑ ኣብዚ ግን እቲ ጽሑፍ ሰሓቢ ክኸውን ተባሂሉ ዝተወሰኸሉ ልበ ወለድ መሳሊ ዛንታ ከም ዘየለ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።
ኣብ ሊብያ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ዝተቐመጠ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስቶም መማጽእቱ ደቂ ሃገሩ ብዝኾነ ምኽንያት ተቐያይሙ ግዲ ኔሩ ኮይኑ ካብ ደቂ ሃገሩ ፈጺሙ ብምርሓቕ ምስ ክልተ ናይጀርውያን ይነብር ነበረ። እዚ ኤርትራዊ ነቶም ናይጀርያውያን ኣዚዩ ኣመኖም፡ ንሶም’ን ኣዚዮም ይፈትዎው ነበሩ። ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝብገሱ ኤርትራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብተዛማዲ ምስቲ ደቂ ናይጀርያ ወይ ሶማልን ካ ል ኦትን ዝወስድዎ ሓግደኛ ጉዕዞ ክወዳደር እንከሎ ዝሓሸ’ዩ ዝበሃል። ኤትራውያን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ኮይኖም ዓባይ ጃልባ ክወስዱ እንከለው መብዛሕትኦም ናይጀርያውያን ግን ውሑዳት ሰባት ዝሕዛ ናይ ካላማደርያ ወይ ጎማ ጀላቡ’ዮም ዝወስዱ። ሓደ መዓልቲ ኣብ 2008 ዓም ኣቢሉ ማለት ቅድሚ ምውዳቕ ቃዛፊ እዞም ኣዕሩኽ ኤርትራዊ ዝኾኑ ክልተ ናይጀርያውያን ናብ ኣውሮፓ ዝበገስሉ እዋን ግዲ ኣኺሉ ነዚ ኤትራዊ መንእሰይ “ንብገስ ኣለና ምሳና ትበግስ እንተኾይንካ ተበገስ” ምስ በለዎ “ከመይ ዘይብገስ ካባኹም ኣይተርፍን’የ” በሎም። በዚ ድማ እቲ ዝኽፈል ከፊሎም ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጎማ ጃልባ ሒዞም ምስ ካልኦት ሓያሎ ናይጀርውያን ማእከላይ ባሕሪ በታ ኣዚዩ ውሕስነት ዝጎደላ ጃልባ ጉዕዞ ጀመርዎ። እዞም ኣስታት 24 ናይጀርያውያንን እንኮ ከም ሓሙስ ኤርትራዊን ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝተበገሰት ጃልባ ነዊሕ ምስ ተጓዕዙ በዚ መጽዩ ዘይብልዎ ሓያል ማዕበል ከሰራስሮም ጀመረ። ከብዲ ተሓቑነት። ኣውሮፓ ኣትዮም ሰላም ክረኽቡን ናብርኦም ክልውጡን ዝተመነዩ ናይጀርያውያን ነዛ ህይወቶም ብሰላም ክወጹ ድዮም ኣይወጹን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣተዉ። ማዕበል ነዛ ጃልባ ከሰራስራ ምስ ጀመረ። ሓደ ዕብይ ዝበለ ሰብኣይ ናይ ማሪታዊ እምነት ተኸታሊ ጠንቋላይ “እዚ ማዕበል ክሃድእ እንተኾይኑ ካብዞም ተጻዒኖም ዘለው ሰባት ሓደ ናብ ባሕሪ ክትድርብዩ ኣለኩም ንዓ ንስኻን ንስኻን ሓደ ሰብ ኣእትዉ” ብምባል ንክልተ ገዘፍቲ ናይጀርያውያን ከም ፖሊስ ወይ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብምምራጽ ነቲ መስርሕ ምጥላቕ ከካይድዎ ኣዘዞም። እቶም ናይጀርያውያን ኣብቲ ሰብኣይ እኹል ዝኾነ እምነት ሒዞም’ዮም ተበጊሶም። ካብ ፈለማ’ውን ክጥንቁለሎምን መንገዲ ክቐደሎምን’ዮም ሒዞሞ መጽዮም። ሓደ ካብቶም ክልተ ኣጓብዝ ናይጀርያውያን እቲ መዳቕስትን ናይ ቀረባ ዓርኪ ኤርትራውን’ዩ ኔሩ። ብዝኾነ ምጥላቕ ጀሚሮም ሓደ ናይጀርያዊ ናብ ባሕሪ ደርበዩ። ባሕሪ ንቑርብ ግዜ ጸጥ ዝበለ እኳ እንተመሰለ ብዙሕ ከይጸንሐ ክናዓብ ጀመረ። ጠንቋላይ ሕጂ’ውን ሰብ ከእትው ሓበሮም። እቶም ቅልጽም እምበር ርእሲ ዘየድልዮም ዝነበረ መንእሰያት ከኣ ሓፍ ኣቢሎም ንሓደ መንእሰይ ሰንደውዎ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ናብ ባሕሪ ክድረበ እንከሎ ዝፍጠር ኣውያትን ወጭጭታን ዘሰንብድ ከም ዝኸውን ርዱእ’ዩ። ሰብ ጠሊቑ ባሕሪ ዝግ ክብል ዝብል እምንቶ ዝነበሮም ናይጀርያውያን በብሓደ ተጓዓዝቲ እናደርበዩ 12 ሰባት ኣብ ባሕሪ ደርበዩ። ባሕሪ ግን ጸጥ ኣይበለን። ኣብ መንጎ እዚ መስርሕ ናይ ኣረሜንነት እቶም ዝተረፉ ናይጀርያውን ብሓባር ኮይኖም “እዚ ወዲ ስለምንታይ’ዩ ዘይጠልቕ ናይጀርያውያን ጥራሕ ዝጠልቁ ዘለው?” ክብሉ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ናይጀርያውያን ዝተረኽበ ኤርትራዊ ሓተቱ። መስኪናይ ኤርትራዊ ኣብ ልዕሊ ምድቃቑ ፍርሒ’ውን ኣድቂቕዎ’ዩ ኔሩ “እምባር ተራይ በጺሓ ትብዒ ነብሲ ገርግሽ” በለ ንበይኑ። ሕቶ ናይጀርያውያን ተጓዓዝቲ በቲ ጠንቋላይ ተቐባልነት ረኺቡ እቲ ጠንቋላይ “በቃ ኣእትውዎ ነዚ ወዲ” በሎም። እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኤርትራዊ ንዓርኩ ከእቱ ነብሱ እኳ እንተዘይገብረሉ ትእዛዝ ስለዝኾኖ ምስ መሳርሕቱ ብምዃን ነዚ ኤርትራዊ ሓፍ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ከእትዎ ክብልን መንእሰይ መሪር ኣውያት ክድሕድሖን ሓደ ኾነ። እቲ ኤርትራዊ ኣመና ቀጢን’ዩ ኔሩ። እናእወየ ናብ ባሕሪ ክድርብይዎ ከለው ወዲ ኣይሓመቐን ኣብ ጥቓ ክሳድ ዓርኩ ማለት ናይ ሓደ ካብቶም ናይጀርያውያን ኣጥለቕቲ ከረው ኣቢሉ ክዳኑ ሒዙ ናብ ባሕሪ ጠልጠል በለ። እቲ ናይጀርያዊ “ፈንወኒ” ክብል እቲ ኤርትራዊ እናበኸየ ገጹ ብንብዓት እናተሓጸበ “መሓረኒ” ክብል ክርክር ኮነ። ወዲ ነታ ክዳን ሒዛ ዝነበረት ኢዱ እንተሰደዳ ብምባል ከም ምሒር ሃረሞን ቀጥቀጦን። ናብ ሞት ትኸድይ ዝነበረት ነብሲ’ሞ ከመይ ጌራ ሒዛቶ ዘላ ክዳን ክትሰድድ። ኣብ መንጎ እዚ ናይጀርያዊ ዓርኪ ኤርትራዊ ድንጋጸ ኣሕዲሩ ነዚ ወዲ ናብታ ጃልባ መለሶ። ጠንቋላይ
“ደጊምካ ኣእትዎ ኢለካ ኣለኹ” በሎ።
“እሞ ዘይተትእዎ እንተኾይንካ ንስኻ ክትኣቱ ኢኻ፡ ሃየ ያላ ኣእትውዎ” ብምባል ጠንቋላይ ኣዘዘ።
መንእሰይ ናይጀርያዊ “ወይለይ ኣበይ ዲኺ ዘለኺ ሕጂስ ኣብኡ ዲና ተባጺሕና” ብምባል ብነድሪ ነቲ ኣብ ቅድሚት ኣብ ጫፍ ናይታ ጃልባ ኮፍ ኢሉ ንዝእዝዝ ዝነበረ ጠንቋላይ ብእግሩ ስሒቡ፡ ገልቢጡ ናብ ባሕሪ ደረገሞ። ወይ ገባርን ሓዳን ኮይኑ ኣጥልቑዎ ክብል ዝወዓለ ሰብ ኣይ ህይወቱ ኣብ ኢድ እቶም ተኣዘዝቱ ወደቐት ከውጽኦ ዝፈተነ ሰብ ግን ኣይነበረን። ማዕበል ክሃድእ ደቓይቕ ኣይወሰደሉን። ጸጥ በለ። ጃልባ ብህይወት ዝተረፉ ሓደ ደርዘን ናይጀርያውያንን ሓደ ውጻእ መዓት ኤርትራውን ሒዛ ከኣ ገምገም ባሕሪ ጣልያን ብሰላም በጽሐት። ብሰላም ሳላ ዝበጽሐት ከኣ እቲ ውጻእ መዓት ናብቶም ከይፈተወ ዝተመለሶም ኤርትራውያን ደቂ ሃገሩ ብምኻድ ዘጋጠሞ ኣዘንተወሎም። ጉዳይ ናይቶም ደቂ ዓዶም እናጥለቑ ዝመጹ ሰባት ግን ናብ ሕጊ ኣምሪሑዶ ኣየምርሐን ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ተኽእሎ ግን ጸቢብ ኮይኑ ይስምዓካ። ምኽንያቱ እቶም ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ጣልያን ምስ በጽሑ ብኡ ንብኡ ፋሕ’ዮም ዝብሉ።