መኮነን ተስፋይ
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ሓደ ኤርትራዊ ምስ 24 ናይጀርያውያን ዘጋጠሞም ሽግር ርኢና ኔርና። ንሎሚ’ውን ካብዚ ቦታ ከይወጻእና ኣስታት 350 ሰባት ሒዛ ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮፓ ኣብ ዝተበገሰት መርከብ ዘጋጠማ ሽግርን ዘነበረ ወጥርን ክንርኢ ኢና። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገለጽኩዎ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዛዕባ ዘደንቕ ፍጻሜታት ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብፍላይ ኣብ ኤራትራውያን ዘጋጥም ካብ ዘዕለለኒ እዛ ስዒባ ትቐርብ ጽሕፍቲ’ያ። ይኹን እምበር ዕላል ብቐጥታ ካብቶም ኣብቲ ውዕሎ ዝተሳተፉ ክትረኽቦን ብሳልሳይ ኣካል ተመሓላሊፉ ክመጻካን ስለዝፈላለ ኣብዛ መርከብ ካብ ዝነበሩ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ንሓደ ሰብ ደልየ ክረክብ ኣለኒ ብምባል ብሰበ ሰብ ከጣይቕ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መወዳእታ ናይ ሓደ ሰብ ቁጽሪ ቴሌፎን ረኸብኩ። እዚ ሕጂ ካብ ሊብያ ወጽዩ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ዝርከብ መንእሰይ ኤልያስ። ደዊለ ምስ ረኸብኩዎ ንዕላል ፍቓደኛ ከም ዝኾነን እቲ ዝነበረ ኩነታት ኩሉ ግዜ ክጻሓፍ ይደልዮ ከም ዝነበረ፡ ይኹን እምበር መን ክጽሕፎ ከም ዝኽእል ሓሲቡሉ ከም ዘይልፈልጥ ንኸዘንትወለይ ብሓጎስ ተቐበለኒ። ዕላል ኤልያስ እምበኣር እዚ ዝስዕብ’ዩ።
ኣብ 2008 .ም. ካብ ሱዳን በቢመዓልቱ ኣብ ሊብያ ክተማ ትሪቡሊ (ጥራብሎስ) ዝተኣከቡ ኤርትራውያን ብመንገዲ እቶም ሰባት ዘሳግሩ ደላሎ ናብ ኣውሮፓ ክበገሱ፡ ፈለማ ኣብቲ መጸበዩ ቦታ ናይ ሊብያውያን መንበሪ ዘለዎ ብመዝርዓ ወይ ድማ ምሕዳር ወይ’ውን ደንበ ንበሎ ዝፍለጥ ቦታ ኣብኡ ክእከቡ ኣለዎም። ካብ ትሪቡሊ ካብ ፖሊስን ጸጥታን ሊብያ እናተሓብኡ በመካይን ናብቲ ገምገም ባሕሪ ኣብ ዝቐረበ ቦታ ምስ ተኣከቡ መርከብ ወይ ጃልባ ኣብ ዝተረኽበትሉ ተጓዓዝቲ ጉብእ ናይ መስገሪ ገንዘብ ኣብ ዝኸፈልሉ እዋን’ዩ እቲ ጉዕዞ ዝጅመር። እዞም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብቲ መዝርዓ (ደንበ) ንሓደ ወርሒ ድሒሪ ምጽባይ እቲ ከስግሮም ዝጽበይዎ ዝነበረ ሰብ መርከብ ተዳልያ ከም ዘላ ስለዝሓበሮም ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ልክዕ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ናብ መርከብ ክስቀሉ ምድላዋት ምስ ጀመሩ። ከምቲ መብዛሕትኡ ዝግበር ማለት ኣስገርቲ ገንዘቦም ጥራሕ ሒዞም ክኸዱ “ፖሊስ መጽዮም! ፖሊስ መጽዮም!” ዝብል ኣሰንባዲ ዘረባ በተኑ። በዓል ኤልያስ ዝርከቡዎም ብዕድመን ተሞክሮ ጉዕዞን ብስል ዝበሉ ሰባት ግን “ሓደ ሰብ ከይንቀሳቐስ ክንብተን ደልዮምና እዮም ኣብ ዘለናዮ ደው ንበል” ብምባል ፋሕ ከይብሉ ተማሕጽነዎም። ኣብ ከምዚ ናይ ውረድ ደይብ ግዜ ከኣ ምድሪ ክወግሕ ቀረበ። ተቐሪባትሎም ዝነበረት ጃልባ ንእሽቶ ሞቶስካፍ ወይ ፈጣን ናብታ ዓባይ መስገሪት ስለዝኾነት ኣብ ሓደ ጉዕዞ ኣስታት 20 ሰብ ሒዛ’ያ ናብታ ዓባይ መርከብ ከተስቅሎም። ጃልባ ተቐሪባ እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ኤርትራውያን ቀልጢፎም መልእዋ። ጉዕዞ ክጅምሩ ሞተረ ከተንስኡ እንተፈትኑ ግን እታ መስሓቢት ገመድ ተብጢሳ ሞተር ከይተንስአ ደው በለ። 1ይ መኻልፍ ኣብዚ ይፍልም። ተጓዝቲ ድሮ ናብ ባሕሪ ኣንፈቶም ጉዕዞ ጀሚሮም ብምንባሮም ግልብጥ ኢሎም ካብታ ጃልባ እናዘለሉ ወረዱ። ኣብ መንጎ እዚ ሓደ ሰብ ክዘልል ከሎ ኣብቲ ባሕሪ እምኒ ስለዝረኸቦ ኣብ እግሩ ብሕልፊ ድማ ኣብ ርእሱ ከቢድ ማህረምቲ ኣጋጢምዎ ኣብ ሃለፍታ ኣተወ። ዝበዝሑ ሰባት ገዲፎሞ ክኸዱ እንከሎው ኤልያስ ዝርከቦም መንእስያት ነዚ ወዲ ርእሱ ጀኒኖም ተሰኪሞም ናብ መሬት ኣውጽእዎ።
መርከብ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኮይና ትጽበዮም ስለዝነበረት እዞም ሰባት ዝገበሩ ጌሮም ናብኣ ክሰግሩ ኔሩዎም። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሚእቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናኣሽቱ ቆልዑ ምስ ኣዴታቶም ከም ዝነበራ ምዝካር ኣድላ’ዩ። ብዝኾነ መሬት ወጊሑ። ሒዛቶም ትኸይድ መርከብ ብዓይኖም ክርእይዋ በቕዑ። እቲ ምስጋር ቀትሪ ምድሪ ስለዝነበረ ፖሊስ ከይመጽዎም ኣመና ሰግኡ። ሓንቲ ክገበሩዋ ዘለዎም ናይ ጎማ ጃልባ ኣምጺኦም ናብታ መርከብ ምስጋር’ዩ። ናይ ጎማ ጃልባ ተጓይዮም ረኺቦም ኣንፊሖም ንጉዕዞ ድልውቲ ገበሩዋ። ቀዳማይ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ምስ ቆልዑተንን መንእሰያት ኣወዳትን ኣብታ ናይ ጎማ ጃልባ ተሳፊሮም ናብታ ዓባይ ናይ ጣውላ መርከብ በጽሑ። ኣብኡ’ውን ተደጋጊፍካ’ዩ ክውጻእ። ቀዳማይ እግሪ፡ ካልኣይ እግሪ እናበሉ። ካብቶም ክሰገሩ ተቐሪቦም ዝነበሩ 200 ኤርትራውያን ናብታ መርከብ ደየቡ። እታ መርከብ ግን ፈለማ ዝበጽሑዋ ኤርትራውያን በዘይሰብ ኣይኮነትን ጸኒሓቶም። ኣቐዲሞም ዝተሳፈሩ ኣስታት 150 ናይጀርያውያንን ሓሙሽተ ሶማላውያንን ኣብታ መርከብ ኮፍ ኢሎም ጽንሑዎም። መርከብ ካብጻት ናብ ጻት፡ ላዕልን ታሕትን (ስቲቫ) ድማ ብሰብ ቅጽጽ በለት። ካብታ መርከብ ዝተረፉ ኣስታት 90 ሰባት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብታ ናይ ጎማ ጃልባ ተሳፊሮም ቱኑዚያዊ ካፕቴን ነታ ጃልባ እናዘወረ ተሓዚ ጂፒኤስ ከኣ ኤርትራዊ እናሓበሮ ቀቅድሚ ብጾቶም ንበይኖም ጉዕዞ ጀመሩ። ዓባይ መርከብ መሊኣ ክሳብ ትብገስ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣኺሉ ነበረ። መርከብ ካፕቴን ተመሪሓ ጉዕዞ ማእክላይ ባሕሪ ፈለመቶ። ማዕበል ብዙሕ ስለዘይነበረ ከኣ ኩሉ ሰብ ቀላጢፉ ገምገም ባሕሪ ጣልያን ክበጽሕ ምሉእ ተስፋ ኣሕደረ።
ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጉዕዞ ኣቢሉ ይኸውን ሞተረ ናይ’ታ መርከብ ራን ራን ኢሉ ቀም ስለዝበለ መርከብ ኣብ ዝነበረቶ ደው በለት። 2ይ መኻልፍ ። መርከበኛ ምስቶም ክእለት ኣለዎም ዝበሃሉ ሰባት ኮይኑ ሞቶር ከተንስእ ደጋጊሙ ፈቲኑ ተሓለሎ። እሞ ሓገዝ ክንሓትት ብምባል ንዝኾነ ሽግር እንተኣጋጠሞም መሓበሪት ክትኮኖም ሒዞማ ዝመጹ ሓንቲ ሞባይል ስለዝነበረት በታ ሞባይል ተጠቒሞም ናብ ዝፈልጥዎም ክድውሉ እንተፈተኑ ሞባይል ባትሪ ሞይቱ ምስራሕ ኣበየት። ተጓዓዝቲ ናብ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ ክኸዱ ከለዉ ዝያዳ ባትሪ ቻርጅ ጌሮም ሒዞም ስለዝብገሱ ምስ ካፕቴን ዝነበረት ቅያር ባትሪ ነቲ ክድውል ኢሉ ኣብ ኢዱ ሒዙዋ ዝነበረ ኤራትዊ ከቐብሎ ክብል ባትሪ ካብ ኢዱ ሞሊቓ ናብ ባሕሪ ኣተወት። 3ይ መኻልፍ። መኻልፍ ዝብልኹም ከምዚ’ዩ። ህይወት 350 ሰባት ከተድሕን ትጽቢት ዝተገብረላ እንኮ ባትሪ ብዘይ ጥቕሚ ናብ ባሕሪ ኣተወት። ኣብ ውሽጢ ስቲቫ ዝነበሩ ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ስምባደ ወረሮም። መርከብ ካብ ዘላቶ ከይተንቀሳቐሰት ጸሓይ ዓረበት። ማዕበል’ውን ጊዲኡ ክገብር ጀመረ። ኣስታት 350 ትንፋስ ዝሓዘት መርከብ ካብ ገምገም ባሕሪ ብዙሕ ከይረሓቐት። ኣብቲ ብእንዳነዳዲ ዝፍለጥ ኣብ ማእከል ባሕሪ ቦታ’ውን ከይበጽሐት ደው ብምባላ ተሳፈርቲ ምስ ዕድሎም ከማርሩ ጀመሩ። ገለ ዝጭነቕ፡ ገለ ዘንጸርጽር፡ ገለ ከኣ ዘጸናንዑን ተስፋ ዝህቡን ዝሓዘት መርከብ በቲ ማዕበል ነነው ክትብል ብዘይ ሓደ ረዳኢ ዓርቢ ዝተበገሰት ብጸሓይን ንፋስ እናተሃርሙ ሳልስቲ ገበረት። ቀትሪ በቲ ከባቢ ዝሓልፋ መራክብ ይኹና ጀላቡ እንተረድእኦም ብምባል ጻዕዳ ነጸላ ገቲሮም ተጠሊዖም “ኡይ!” ይብሉ። ለይቲ ከኣ ዘዝተረኽበ ኣንሶላ እናንደዱ ብሓዊ ምልክት ይገብሩ። ረዳኢ ግን ወይ ከ።
ብኸምዚ ተመሳሲሉ ናይ ሹቕረራ ህይወት ኣርባዕተ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ስንቅን ማይን እናተወደአ ከደ። ሒዞሞ ዝነበሩ መግቢ ዝበዝሐ ጥሕንያ ዝበሃል’ዩ ኔሩ። ኣብዛ ናይ ጥሕንያ ኤልያስ ሓንቲ ዝዝክራ ናይ ጥምየት ኣጋጣሚ ኔራ። ነቲ ጥሕንያ ክልስልሰሎም ብምባል ማይ ባሕሪ ሓወሱሉ። ጥሕንያ እንተጠዓሙዎ ግን ብሰንኪ ብዝሒ ጨው ዝልከፍ ኣይነበረን። ኤልያስ ንሓደ ካብ’ቶም ተጓዓዝቲ ኮልጌት እንተሊዩዎ ምስ ሓተቶ ኣቲ ወዲ ኮልጌት ጸኒሕዎ ሃቦ። ነቲ ኮልጌት ናብቲ ጥሕንያ ሓዊሶም ምስ ኣብዓጥዎ ነቲ ጨው ኣጥፋኣሎም። በዚ ከኣ ክብላዓሎም ክኢሉ። በቲ ዝተፈጥረ ጸገም ገለ ሰባት ኣእምሮኦም ክስሕቱ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ ማለት ኣብ ስቲቫ ምስ ቆልዑ ዝነበራ ኣዴታት ቆልዑ ክሞቱወን ጀመሩ። ዝሞቱ ቆልዑ ሓያሎ’ኳ እንተኾኑ ኤልያስ ብርግጽ ዝዝክሮም ኣብ ዝተፈላልየ መዓልታትን ሰዓታትን ህይወቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣርባዕተ ቆልዑ’ዮም። ሓደ ምስቶም ኤርትራውያን ተሓዊሱ ዝጓዓዝ ዝነበረ ትሕቲ ዕድመ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ’ውን “ሓዊ ይረኣኒ ኣሎ፡ ሓዊ ይረኣኒ’ሎ!” እናበለ ፈንጺጉዎም ናብ ባሕሪ ኣተወ። ሓምቢሱ ዘይክእል ግዲ ኔሩ ከኣ ብኡ ንብኡ ጠለቐ። ተስፋ ዝሰኣኑ ተጓዓዝቲ “እሞ ሞባይል ካብ ዘይሰርሐት፡ መራኽብ ርእየናና ካብ ዘይመጻ ሰባት ናብ ገምገም ባሕሪ ክንሰድድ ኣለና” ብምባል በቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ጥርሑ ጀሪካናት ጌሮም ሓንቲ ንእሽቶ ተንሳፋፊት ነገር ሰሪሖም ሰብ ጌሮም ክሰዱ ተሰማማዑ። ነተን 8 ጀሪካናት ኣብ ክልተ ጎኒ ኣሲሮም ጣውላ ብላዕሊ ጌሮም ከም ድልውቲ ጃልባ ናብ ባሕሪ ምስ ኣእተውዋ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝደርበዩዋ ቦታ ጸምበለል ኢላ ደው ትብል ብቐጥታ ናብ ትሕቲ እታ መርከብ ብምእታው ተሸጎጠት። 4ይ መኻልፍ። ነታ ተንሳፋፊት ግዚያዊት ጃልባ ከውጻኣ ዝኽእል ሰብ ስለዘይነበረ ከኣ ዝገብርዎ ጠፍኦም። ጎኒ ጎኒ ግን እቲ መኻልፍ ምብዝሑ ካብ ምንታይ ከም ዝኾነ ክርድእዎ ህርድግ በሉ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ብፍላይ ቤተሰብ ተጓዓዝቲ ናይ ኣውሮፓ ዝተበገሰት መርከብ ኣበይ ከምዝ ኣተወት ሓበሬታ ሰኣኑ። ካብ ሊብያ ዘፋነውዎም ሰባት’ውን፡ ብጾቶም እንታይ ከም ዝረኸቦም ምፍላጡ ጨነቖም።
ብተስፋ ምቑራጽ፡ ብዕግርግርን ተምልሳን ዝጸምለው ተጓዓዝቲ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ዝተበገሱ፡ ብዘይ ሓደ ሓገዝ ክሳብ ሰሉስ ምስ ጸንሑ ሓንቲ ካብ’ቶም ናይጀርያውያን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ትርከብ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ከም ዘዛረባ “እዛ መርከብ ኣነ’የ ደው ኣቢለያ ዘለኹ፡ ኩሉኹም ድማ ኣብ’ዛ ባሕሪ ክትጠፍኡ ኢኹም፡ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 6000 ዝኾኑ ሰባት ኣጥፊኤ’የ ገና ከኣ ክቕጽል’የ በለቶም” ሰባት ብዘረባ እታ ናይጀርያዊት ሰንበዱ። እቲ ዘጋጠሞም መኻልፋት ከኣ ገለ ናይ ሰይጣናዊ እምነት ስራሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ ብምባል “እሞ ተተንሲያ ዲኺ ኣይተተንስእያን᎒” ብምባል ከፈራርሕዋ ጀመሩ። እታ ናይጀርያዊት ግን በቲ ናቶም ታህዲድ ትሰናበድ ኣይመሰለትን። ዋላ ሓደ ለውጢ ክመጽእ ኣይከኣለን። ከም ቀደሞም ቀትሪ ጨርቂ ዘርጊሕካ ኣውያት፡ ለይቲ ከኣ ኣንሶላታት ሓዊ እናቃጸልካ ረዲኤት ምጽባይ ኮነ። ብጀካ’ዚ ካብታ ደው ዝበለትላ ዕለት ብዘይ ምቁራጽ ለይትን ቀትርን ማይ ብሳንኬሎ ጌርካ ናይ ምጭንጓዕ ስራሕ’ውን ብቐሊሉ ዝስገር ኣይነበረን። ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይታ ጃልባ ማይ ስለዝመልእ እናጭንጉዑ ናብ ሓደ ቅዳድ ፊስቶ ይመልስእዎ’ሞ ኣብ ላዕሊ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እናገለሉ ናብ ባሕሪ ይመልስዎ። ኣብቲ ስራሕ ምጭንጓዕ ዝተሳተፉ ግን ውሑዳት ግዱሳት’ዮም ኔሮም። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ዘይሓልፍ መዓልታዊ ሓያሎ መራኽብ ብጥቕኦም ይሓልፋ ምንባረንን ገለ መራኽብ’ውን ብቐጥታ ናብኦም መጽየን ተጓዕዝቲ ሓጎሶም ብጣቕዒትን ሆይሆይታን ክሳብ ዝገልጹ በጺሖም ተጠውየን ከም ዝኸዳ’ዩ። ተጓዓዝቲ ኩሉ ናይ ምድሓን ንጥፈታቶም እናካየዱ እንከለው ዓይኖም ግን ካብ’ታ ናይጀርያዊት ኣይኣለዩን። ገለ ካብ’ቶም ፍታሕ ኣብ ኢድ’ታ ናይጀርያዊት ጥራሕ ከም ዝነበረ ኣመኑ። ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ዝፈልጡ ሰባት’ውን ኔሮም’ዮም ካብ’ቶም ተሳፈርቲ። ሕጂ ካብ ዓዲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሰ ዝንገረሉ ኣብ ኢዱ ናይ 666 ምልክት ውቃጦ ዝነበሮ መንእሰይ ኣቐዲሙ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ምስ ዘጋጠሞም ካልኦት ሓያሎ ኤትራውያን ኔሩ ክነሱ፡ ኩሎም ተሳፈርቲ ክሞቱ እንከለው ንሱ ንበይኑ ብዘይ ገለ ጸገም ባሕሪ ጨዲዱ ዓዲ ጣልያን ዝኣተወ ኔሩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን ሓንቲ ጠንቋሊት ኢትዮጵያዊት ኣብ መዝርዓ ወይ ደንበ ተኣኪቦም እንከለው ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ “ስለምንታይ ንሰብኣየይ ትጥምትዮ” ብምባል ብሕማቕ ስለዝሃረመታ ኣብቲ መዝርዓ ዝነበሩ ኤርትራውያን “ስለምንታይ ትሃርምያ᎒” ብምባል ኣብ ክንዲ እታ ጓል ተሓሊቖም ምስ ተዛረብዋ “ክትርእዩኒ ኢኹም ኣብታ ባሕሪ ብምሉእኩም እንተዘየትሪፈኩም ኣይኣነን እየ” ክትብል ምስ ፈከረትሎም “ኣንታ እንታይ ንገብር ኣለና እንታይ ኢና ሒዝና ንጓዓዝ ዘለና ነዚኣ ሒዝና ባሕሪ ኣይንሰግርን ኢና” ብምባል እቶም መንእሰያት ነታ ሰበይቲ ሃሪሞም ቀተልዋ። ቀተልቲ ሰለስተ መንእሰያት ኤርትራውያን ብኡ ንብኡ ብሊብያውያን ፖሊስ ተታሒዞም ናብ ቤት ማእስርቲ ከዱ። እዞም ብቕትለት እዛ ኢትዮጵያዊት ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ምውዳቕ ቃዛፊ ናበይ ኣቢሎም ክሳብ ሕጂ ድዮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ስድርኦም ከ ይፈልጡ ድዮም ዝፍለጥ የለን።
ስለዚ እዚን ወዲ ከምዚን ትርእዮታት ኣብቲ ባሕሪ ልሙድ ነገር ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ተጓዓዝቲ እቲ ቀንዲ ፍታሕ ዝበልዎ ንሶም ነታ ናይጀርያዊት ብሓይሊ ኣገዲድካ ገለ ለውጢ ክርከብ ምግባር ዝብል ኮነ። በዚ ከኣ ክሃርሙዋ ጀመሩ። መህረምቲ ዘበዝሑላ ኤርትራውያን መንእሰያት ስለዝነበሩ እቶም ደቂ ናይጀርያ ከኣ ኣብ ክንደኣ ክከላኸሉ ፈተኑ። ይኹን እምበር እቶም ኤትራውያን ሓደ ብዝሒ ኔሩዎም ካልኣይ ከኣ ብሓደ ስለዝሰመሩ ሓንቲ ክገብርዎም ኣይከኣሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለዉ እታ ናይጀርያዊት ንሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ “ስማዕ ንስኻ ካብዚ ባሕሪ ክትወጽእ ኢኻ፡ ደቀይ ከኣ ኣብ ትሩቡሊ ኣለው እዘን 2000 ዲናር ኣብጽሓለይ” ብምባል ሃበቶ። ነቲ ገንዘብ ክትህቦ ዝረኣያ ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ “ምለሶ እቲ ገንዘብ ሃባ” ብምባል ዕግርግር ገበራ። ኣብቲ ባእሲ ከኣ ሓንቲ ናይጀርያዊት ንሓደ ኤርትራዊ ነኺሳ ካብ ነብሱ ስጋ መንጪታ ወሰደትሉ። እቲ ዕርግርን ድሕሪ ናይ ሓያሎ ጎንጺ ደው ምስ በለ። እቶም በቲ ኩነታት ሻቕሎቶም ዝዛየደ ኤርትራውያን “እዛ ሰበይቲ፡ ገለ ዘለዋ’ያ ናይዚ ኩሉ ሽግር ጠንቂ ንሳ እያ” ብምባል መሊሶም ክሃርምዋን ነታ መርከብ ከተተሳኣ ከገድድዋን ፈተኑ። ብገመድ ኣሲሮም ከኣ ናብ ታሕተዋይ ክፍሊ(ስቲቫ) ናይታ መርከብ ወሰድዋ።
ሕጂ’ውን ፍታሕ ኣይተረኽበን። ድሮ ሻሙናይ መዓልቶም ከኣ ሓዙ። ዝመጹ ረዳእቲ የለውን። በቲ ጭንቀት ኣእሙሮኦም ዝስሕቱ ሰባት እናበዝሑ ከዱ። ጥምየት ዘሰንፎም ሰባት ከኣ ወላእልእ በሉ። መርከብ ብድሕሪት ሸንኽ ክትስበር ጀመረት። ማዕበል ከም ሕሱም ምስርሳራ ቀጸለ። እቶም ፍታሕ ከናድዩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብታ ዝኣሰሩዋ ናይጀርያዊት ብምውራድ “ነዛ ሸሪሕኪያ ዘለኺ መርከብ ኣተንስያ” ብምባል እኳ እንተሃረሙዋ ድምብርጽ ኣይበላን። ኣብ መንጎዚ መህረምቲ ግን ኣብ ሰብ ብልምዲ ዘይረኣይ ሰራውር ደማ ተገታቲሩ ዝተፈላልየ ሕብሪ ክህብ ተዓዘቡ። “እዛ ሰበይቲ ካብዛ መርከብ እንተ ዘይ ኣውጺናያ ኩልና ክንጠፍእ ኢና።” ብዝብል ውሳኔ ብምውሳድ ከኣ ተኣሲራትሉ ዝነበረት ገመድ ፈቲሖም ብምሉኦም እቶም ኤርትራውያን “ሆ!” ኢሎም ሓፍ ኣቢሎም ናብ ባሕሪ ደርበዩዋ። ናብ ባሕሪ ደርበዩዋ ኣይጠለቐት፡ ኣይሓምበሰት ሱቕ ኢላ ጸምበለል እናበለት ከደት። እቶም ኤትራውያን “እዚኣ ኣይትጠልቕን’ያ ክትወጽእ እያ ክትርዩ ኢኹም” ብምባል ኣብታ ሰበይቲ ዝረኣዩዎ ትርኢት እናተገረሙ ተዛረቡ።
ነታ ናይጀርያዊት ሰበይቲ ካብታ መርካብ ምስ ኣውጽዋ ካልእ ብሾመንተ ጀሪካን ዝተሰርሐት ተንሳፋፊት ስለዝነበረት ናብ ባሕሪ ኣውረዱዋ። ኣብኣ ከኣ ሰለስተ ኤርትራውያን ሓደ ካብኦም ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበረ ጽቡቕ ናይ ምሕምባስ ተመኩሮ ዝነበሮ ናብታ ተንሳፋፊት ጣውላ ደይቦም ረዳእቲ ክጽውዑ ተበገሱ። እዞም ዝተበገሱ መንእሰያት ነዊሕ ከይከዱ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ነታ መርከብ ርእዮም ተጓይዮም ብምምጻእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ኣረጋጊጾም ገመድ ናብታ መርከብ ደርብዮም ጎቲቶም ናብ ገምገም ባሕሪ ኣጸግዑዎም። ብናይ ሸሞንተ መዓልቲ ስቓይ ንመልኣከ ሞት ከማዓልካ ኢሎሞ ዝነበሩ ኣማኢት ሰባት ኣይሙውታት ኣይስሩራት ኮይኖም ኣብታ መርከብ ተጨባቢጦም ስለዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ እናተሰከሙ ናብ መሬት ደርበዩዎም። ኣብኡ ናይ መግብን ማይን ረዲኤት ተጌሩሎም ከኣ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣምርሑ። እቶም ኣብ 2011 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ 400 ኤርትራውያን’ውን ክሳብ ሕጂ ሙማቶም እምበር እዚኣ ረኺባቶም ዘይበሃለሉ ፍጻሜ ከምዚ ናይዞም 350 ሽግር ጎኒፍዎም ብዘይ መላሲ ወረ ጠፊኦም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ብዛዕባ እዛ መርከብ ገለ ኔቶ ሃሪሞማ፡ ገለ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ሃሪሞማ ዝብል ዘረባ ክህሉ እንከሎ ብርግጽ ግን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም ብግምት ጥራሕ’ዩ ክዝረብ ዝከኣል እምበር ዝፈልጥስ ሓደ ኣምላኽ’ዩ።
እቶም በታ ናይ ጀሪካን ጃልባ ረዲኤት ክሓቱ ዝተበገሱ ሰለስተ መንእሰያት ኤርትራውያን እቶም ክልተ ማለት ደሳለ ዝበሃል ወዲ ኣቑርደት ከምኡ’ውን ዳዊት ዝበሃል ወዲ ዓዲ ወገራ (ከባቢ ዓዲቐይሕ) ኣብ ጉዕዞ ክሞቱ እንከለው እቲ ባሕረኛ ዝነበረ ወዲ ካብታ ስባር ጃልባ ወዲቑ ክሕምብስ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ረኺቦም ኣድሓንዎ። ሒዞም ከኣ ናብ ብጾቱ ኣምጽእዎ። ኣማውታ ናይ’ቶም ክልተ ብጾቱ’ውን ኣዘንተወሎም። እቶም ክልተ ዝሞቱ መንእሰያት ገና ብግስ ከይበሉ ብሰንኪ እቲ ማዕበል ሚዛን ምሕላው ስለዝሰኣኑ ናብ ባሕሪ ከም ዝጠለቑን እቲ ወዲ ከኣ ከድሕኖም ክብል ንባዕሉ’ውን ክጠፍእ ስለዝኽእል እታ ዝነበረቶ ሓንቲ ምርጫ ተማዊትካ ናብ ገምገም ባሕሪ በጺሕካ ነቶም 350 ሰባት ምድሓን ዝብል ነበረ። ኣብትን ኣብትን ከይበጽሐ ግን እታ ተሰቒሉዋ ዝነበረት ተንሳፋፊት ተበታቲና ንሱ’ውን ናብ ባሕሪ ተደርገመ። ሳላ ኣብ ድሓን ግዜ ዝተማህሮ ምሕምባስ ከኣ ከይጠሓለ ክቃለስ ጸኒሑ ክድሕን ከኣለ።
እታ 90 ሰባት ሒዛ ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ ሽሕ እኳ እቲ ካፕቴን ናይታ ዓባይ ጃልባ ብጾትኩም ሽዑ ንሽዑ ሮማ ኣትዮም ኢሉዎም እንተነበረ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት መንገዲ ጠፊኡዎም ዕንክሊል ኢሎም ናብ ሊብያ ተመሊሶም’ዮም ጸኒሖሞሞ። በዚ ከኣ ኣስታት 500 ሰባት ዝኸፈልዎ ገንዘብ ተበሊዖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዮም ፋሕ ብትን ኣተዎም። ገሊኦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም መንገዲ ዝፈተኑ ኔሮም’ዮም። እቲ ብጥርኑፍ ጉዕዞ ተሪፉ በብዝመስለካ ምኻድ ከም ካልኣይ ምርጫ ወሲዶም በቢ ጉጅለ እንደገና ባሕሪ ምስጋር ፈቲኖም ገለ ሰሊጡዎም ገለ’ውን ዘይሰለጦም ክህልው ግድን ኮነ።