9ይ ክፋል
ካብ ኣስመራ ክንወጽእ ፈለማ ዝገጠመና ብሎኮ፡ ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ’ዩ። ኣብ ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ ገና ጸሓይ ከይበረቐት ንፈተሻ ደው ምስ በልና እቶም መንቀሳቐስን ካልእን ዝሓቱ ኣባላት ሰራዊት ናብታ ኣውቶቡስ ብምድያብ ሓደ ብሓደ መንቀሳቐሲ ክሓቱ ጀመሩ። ኣነ ኣብ መንበር ቁጽሪ 23 ናብ ፊንስትራ ገጽ’የ ኮፍ ኢለ ኔረ። ብቕድሚት ዝኣተወ ወታሃደር መንቀሳቐሲ ወረቐት ክር ኢ እንከሎ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ከኣ ካልኦት ክልተ ወታሃደራት ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ሓታታይ ምስ ሓንቲ ጓል ነዊሕ ግዜ ወሰደ። እታ ጓል ትሕቲ 20 ዓመት ኮይና ገለ ዘፍርሓ ነገር ከም ዝነበረ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ እንከለና ኣስተብሂለላ ነበርኩ። እዛ ሕጽር ኢላ ፍሩይ ዓይና ከደረይቲ ጓል ገና ኣብ ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ ከላ ዘዕለበጠት ኣብ ገሊኡ ብሎኮ ገለ ሰንካማት እንተረኺቦማ መቸም ከውርድዋ እዮም ይብል ነበርኩ ብውሽጠይ። ወዲ ምስታ ጓል ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲዱ ኮፍ በሊ ብምባል ሂባቶ ዝነበረት ጻዕዳ ወረቐት መሊሱላ ናባና ገጽ ሰገረ። ኣነ ኮሪዐ’የ መንቀሳቐሲ ዝህቦም። ዕለት ወዲቑዶ ገለዶ ዝብል ዘጥራጥር ወረቐት ስለዘይኮነ ስክፍታ ኣይነበረንን። ፈተሻ ተወዲኡ ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ ዋላ ሓደ ሰብ ከይወረደ ሓለፍና።
ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ ሓሊፍና ብሎኮ እምባደርሆ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰድናን። ኣብ እምባደርሆ ዝነበረ ፈተሻ ካብ ዓዲ ኣብየቶ ፍኹስ ዝበለ’ዩ ኔሩ። ሰረጀቓ ዝጎነፈና ፈተሻ’ውን ከም ሻሙ’ዩ። ካብ ብሎኮ ዓዲ ተከሌዛን ክሳብ ከረን ንበጽሕ ደቂሰ’የ ከይደ። እንተርፎ ኣብ ብሎኮታት ንፈተሻ ኢለ ክትንስእ ኣይተበራበርኩን። ክረን ምስ ሓለፍና መጽሓፍ እናንበኩ ከባቢየይ ክዕዘብ ጀመርኩ። እታ መዕለበጢት ጓል ንክተማ ከረን’ውን ከም ዝሓለፈታ ኣስተብሃልኩ።
ኣብ ጎነይን ብቕድመይን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሓደ ዕብይ ዝበለ ተጋዳላይን ሓደ መንእሰይን ክልቲኦም ኣባላት ሰራዊት ኮይኖም ቦታኦም ከባቢ ተሰነይ’ዩ። እቲ ተጋዳላይ ናይ 6 ወርሒ ማእሰርቲ ወዲኡ’ዩ ናብ ኣሃዱኡ’ዩ ዝኸይድ ኔሩ። እቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ መንእሰይ ወዲ ምስቲ ተጋዳላይ ሌላ ዝነበሮም’ዮም ዝመስሉ ካብ ንብገስ ዕላል ደው ኣየበሉን። ኣነ ምስ ተበራበርኩ ብኸመይ ኣጋጣሚ ናብቲ ዕላሎም ጸንቢሮምኒ ኣይፈልጥን ምስኦም ከዕልል ጀመርኩ። ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ወታሃደራዊ ጎልፎ ኣባል ሰራዊት ስለምሰለኒ ኣብ ዕላሎም ክጽንበሩኒ ኣይተሰከፉን። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን ኣብቲ ዕላል ተራይ ካብ ሰማዒ ዝሓልፍ ኣይነበረን። እቲ ተጋዳላይ ክዛረብ መዓት’ዩ ኣብ ንቡር እዋን ካብ ኡ ንላዕሊ እዛረብ እኸውን’የ፡ ኣብቲ ናይ መዋጥር ግዜ ግን ብዙሕ ዝዛረብ ጭንቐት’ዩ ዘምጻኣለይ ኔሩ። እቲ ተጋዳላይ ዝበዝሐ ዕላሉ ብዛዕባ መስተ ኮይኑ፡ ዝተረፈ ብዛዕባ ሓለፍትን ኣሃዱታትን’ዩ። ካብ ዕላሉ ከም ዝተረዳእኩዎ ክእሰር እንክሎ ኣሃዱኡ ከባቢ ዓሊግድር ከም ዝነበረት ሕጂ ግን ናብ ከባቢ በዓል ተበልዲያ ከም ዝተቐየረት’ዩ። ብልክዕ ኣባል ምክታታል ዶባት ኮይኑ ብዛዕባ ኣብቲ ኣውቶቡስ ተሳፊሩ ዝነበረ ይኹን ካልእ ግዲ ዝነበሮ ግን ኣይመስልን።
ኣውቶቡስ ንብሎኮ ከረን ሓሊፋ፡ ጥንቁላሓስ ሰንጢቓ ብሎኮ ሓጋዝ ተፈቲሽና ኣብ ሓጋዝ ሻሂ ንምስታይ ደው በልና። ኣብ ምሉእ ኤርትራ ከም ናይ ሓጋዝ ሻሂ ኣሎ ዝብለኒ ሰብ እንተሎ ክቕበሎ ክሽገር’የ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ናታ መለለዩ ፍርያት ኣለዋ። ንኣብነት ማይ ምነ ብሕትሞ ስዋ፡ ሰገነይቲ ብበለስ፡ መንደፈራ ብናይ ጀራዲን ዕፉን፡ ከረን ብፉል፡ ዒላ በርዕድ ብማንጉስን ፍርያት ጸባን፡ ደቀምሓረ ብዘለላ ወይኒን። ብዝኾነ ኣብ ሓጋዝ እታ ዝናፍቓ ሻሂ ሰቲና ኣብ በዓል ዓደርደን መንሱራን ተፈቲሽና፡ ኣውቶቡስ ሕጊ ስለዝኾኑ ኣቑርደት ናብ ውሽጢ ከተማ ኣትያ ብምዛር ተመሊሳ መንገዳ ቀጸለት። ባረንቱ ቅድሚ ምብጻሕና ዝተወሰነ ብሎኮታት ሰጊርና ከኣ ኣብ ባረንቱ ንምሳሕ ደው በልና። ኣብቲ ንምሳሕ ደው ዝበልናሉ ቦታ ነቶም ዘዕልሉኒ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ቀዲመዮም ብምውራድ ንበይነይ’የ ኣብ ሓደ ናይ ምሳሕ ጠረጼዛ ኮፍ ዝበልኩ። ኣሳስዩ ምስ መጻኒ ከኣ ፋታ ብርግኦ ኣዚዘ ክበልዕ ጀመርኩ። ሽውሃተይ ግን መግቢ ከአንግድ ቁሩብ ስለዝዘይነበረ ካብ ክልተ ማንካ ንላዕሊ ክበልዕ ኣይከኣልኩን። ከብደይ ብሻቕሎትን ፍርሕን ሓዊ’ዩ ተነዚሑዎ። ከዝሕለኒ ማይ ኣዚዘ ሰትየ ጠላሕ ኣይበለንን። ኣብ ርሱን ሓጺን ከም ዝደፋእካዮ ማይ መሲሉ ከጥልለኒ ኣይከኣለን።
ኣብባረንቱ ድሕሪ ናይ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ዕረፍቲ ምውሳድና ኣውቶቡስ ተሳፈርቲ ክበገሱ ናይ ጡርምባ ምልክት ገበረት። ተሳፈርቲ ኩልና ከካብ ዝነበርናዮ ቦታ ተንሲእና በበዝነበርናዮ ኣንፈት ናብታ ኣውቶቡስ ኣምራሕና። ኣነ ናብታ ኣውቶቡስ እናምራሕኩ ኣብ ጎነይ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓደ ሰብ ብድድ ኢሉ ናባይ ገጹ መጸ። ምስ ቀረበኒ’የ ዘለልዮ ዘለኹ። ኣባል ሰራዊት ኮይኑ ኣብ ሰገነይቲ ጎረቤተይ’ዩ። ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥና “መምህራ ደኣ ናበይ ደሊኹም᎒ ብደሓን ዲኹም᎒” በለኒ። ደቁ ተማሃሮይ’ዮም።
“ደሓን’የ ተኽለ፡ ኣብዚ ሃይኮታ ዝብጻሕ ሰብ ኣለኒ” በልኩዎ። ተሰነይ ፈሊጠ’የ ዘይጠቐስኩዋ። ስግረ ዶብ ይኸይድ ከም ዘየለኹ ንኸደናግር’የ ሃይኮታ ጠቒሰ። ተሰነይ ቅድሚ ምብጻሕካ ፈለማ ሃይኮታ ደሓር ኣለቡ ክትሓልፍ ኣለካ። ካብ ባረንቱ ክሳብ ተሰነይ ዘሎ ቦታ ጽቡቕ ጌረየ’የ ዝፈልጦ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ሃይኮታን ኣለቡን ዝነበራ ዓድታት ኤሊት፡ ኣግራራ፡ ዓዲ ብስልማይ፡ ዓዲ ጻዕዳን ዋላ ምስ ነበርተን ጽቡቕ ሌላ’ዩ ኔሩኒ። ኣብ 1996 ምስ ትካል ጀርመን ጂ. ቲ. ዜድ. ከም ሱፐርቫይዘር ኮይነ ንኣስታት ሓደ ዓመት ሰሪሐ’የ ኣብቲ ቦታ። ብዝኾነ ተኽለ “በሉ ብድሓን ተመለሱ መምህር” ብምባል ተፈናወኒ።
ኣውቶቡስ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ በዓል ዓዲ ቐሽን እንገርነን ገጽ ተሓምበበት። ግዜ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ’ዩ ኔሩ። ኣብ እንግርነ ምስ በጻሕና ሓያል ዝኾነ ፈተሻ ኣጋጠመና። ይኹን እምበር እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሎኮ ደው ክንብል እንከለና ማዕጾ ኣውቶቡስ ክኸፈት እንከሎ ሓፍ ትብል ዝነበረት ጓል ነዚ ከቢድ ፈተሻ እንገርነ’ውን ሓለፈቶ። እንተኾነ ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ደቂ 13 ዓመት ኣቢሎም ዝኾኑ ቆልዑ ካብታ ኣውቶቡስ ኣውሪዶምልና ኢዮም። ሓንቲ ሰበይቲ ወደይ’ዩ ኢላ ምስ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ቆልዑ ተሪፋ ነበረት። እዛ ፍጻሜ እዚኣ ከኣ ነታ ናይ ከረን ዝወስደኩዋ ውሳኔይ ቅኑዕ ምንባሩ ተረጋግጽ ነበረት። ክፍሎም ሒዘዮ መጽዮ እንተዝነብር ብርግጽ ኣብዚ ቦታ ደው መበሉኒ ኔሮም’ዮም። እቶም ሰለስተ ቆልዑ ተማሃሮ ኢና እኳ እንተበሉ ኣብ ኢዶም ሒዞሞ ዝነበሩ ናይ ትምህርቲ ሰርቲፊኬት ይኹን ናይ ተማሃራይ መንነት ኣይነበሮምን። ናብ ዝኾነ ከተማታት ዝንቀሳቐሱ ልዕሊ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዋላ ምስ ወለዶም ይኹኑ ናይ ቤት ትምህርቶም ሰርቲፊኬት ክሕዙ ይግደዱ ነበሩ።
ተሰነይ ድሕሪ 10 ዓመት ኣቢለ’የ ዝምለሳ ዘለኹ። ኣብ 1997 ምስ ጀርመን ጂቲዜድ ዝነበረኒ ስራሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነተን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብኣልማማ ምስ ሰጎጎን ስለዝተቛረጸ ናብ ከበሳ’የ ደይበ። ኣብቲ እዋን ኣስመራ ተሰነይ ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ኣድካሚ ጉዕዞ’ዩ ኔሩ። 350 ኪ.ሜ. ጥራሕ ዝንወሓቱ መንገዲ ብኽልተ መዓልቲ ክትከዶ ኣዚዩ ኣሰልቻዊ ነበረ። ሎሚ ግን እቲ መንገዲ ስለዝተዓረየ ዋላ’ውን ኣስታት 20 ዝኸውን ብሎኮታት ንፈተሻ ደው ንበል ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ብሎኮ ተሰነይ በጻሕና።
ብሎኮ ዓዲ ኣብየቶ ሚሐ እንተኢልናያ; ብሎኮ ተሰነይ ግን ኣዚያ ጸባብ መንፊት’ያ። ካብታ ምልእቲ ኣውቶቡስ ኣስታት 10 ዝኾኑ ሰባት ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ወረቓቕተን ክጻረ ናብታ ኣብቲ ብሎኮ ዝነበረት ቤት ጽሕፈት ተወስዳ። ሓንቲ ካብተን ዝተወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ እታ ከደረይቲ መንእሰይ ነበረት። ንሳ ገና ካብታ ኣውቶቡስ ውረዲ ምስ ተባህለt’ያ መሬት ብ ኣውያት ዝነቕነቐቶ። በቲ ኣውያት ዝተደናገጹ ተሳፈርቲ ብፍላይ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ 6 ወርሒ ተኣሲሩ ናብ ኣሃዱኡ ዝመለስ ዝነበረ ተጋዳላይ ምስ ሓደ ክልተ ሰባት ኮይኖም ኣብ ክንዲ እታ ጓል ክዛረቡ ናብቶም ፈተሽቲ ከዱ። ፈተሽቲ ምስቶም ሰባት ክዘራረቡ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ደው በሉ። እቶም ናብታ መኪና ክፍትሹ ዝደየቡ ኣባላት ሰራዊት ነቲ ዘጠራጠሮም ወረቓቕቲ ናብቲ ልዕሊኦም ዝነበረ ሓላፊ’ዮም ኣሕሊፎሞ። እዛ ገና ካብ ብሎኮ ኣስመራ ጀሚራ ከተዕለብጥ ዝተዓዝብኩዋ ቆልዓ ተሰነይ ከም ዘይትሰግር ርግጸኛ ነበርኩ። ካብ ፈለማ ኩነታታ ኣዚዩ ፍርሒ ዝዓብለሎ’ዩ ኔሩ። ጓል፡ ተማሃሪት 2ይ ደረጃ ተሰነይ ከም ዝኾነትን መምህር ተኽሎም ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ’ዩ መስለኒ ድማ እቲ መንቀሳቐሲ ከም ዝጸሓፈላን ኣስመራ ወጽያ ከም ዝጸንሐትን ኣዲኣ ኣብ ተሰነይ ከም ዘላን’ያ ዝርዝንሕ እናነብዐት ትዛረቦም ኔራ። እቲ ወረቐታ ሓቅነት እንተኔሩዎ ስለምንታይ ኣብ ተሰነይ ደው ምስ ኣበሉዋ ክሳብ ክንድኡ በኽያ ብዙሕ ንጹር ኣይኮነለይ። ብዝኾነ ዕድል ኣይገበረትን ምስተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ንድሕሬና ገዲፍናያ ናብ ከተማ ገጽና ገስገስና። ኣውቶቡስ ሓያሎ ተሳፈርቲ ጎዲሎማ ገረውረው እናበለት ኣብ ሹቕ ደው ኣበለትና።
እቶም ምሳይ እናዕለሉ ዝመጹ ክልተ ኣባላት ሰራዊት ክሳብ ሹቕ ኣይተፈልዩንን። ኣብ ሹቕ ደው ምስ በልና፡ ቀልጢፈ ካብ ኦም ክስወር ከም ዝነበረኒ’የ ንነብሰይ ነጊረያ። ብፍላይ እቲ ን6 ወርሒ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ዘይግዱስ እኳ ዝመስል እንተነበረ ትኽያስ ድሙስ መዘንግዒት ኣንጭዋ ክኸውን ስለዝኽእል ካብ ፈለማ ኣይኣመንኩዎን ኔረ። ምናልባት ምስ ወረድኩ ክከታተለኒ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ስለዝነበረኒ ከኣ እታ ኣውቶቡስ ደው ኢላ ዝበዝሐ ሰብ ጽዕነት ስለዝነበሮ ነቲ ላዓሉ ከማሓድር ገልጠምጠም ክጅምር እንከሎ ኣነ ውርድ ኢለ ናብ ድሕሪት ገጽ ናይታ ኣውቶቡስ ተጠውየ በታ ውቶቡስ ክውል ኢለ ዕዝርየ ዝበልኩ። እቲ ዝወረድኩሉ ቦታ ቁሩብ ኣደናጊሩኒ’ኳ እንተነበረ ኣብ ተሰነይ ጠፊኤ ክጠፍእ ኣይክእልን’የ ብምባል እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ቦታ ሱቕ ኢለ’የ ከይደ።
ተሰነይ ፈጺማ ተደማሲሳ’ያ ጸኒሓትኒ። ምስቲ ኣብ 2000 ዓም ብርቱዕ ኩናት ዝተኻየደላን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተቖጻጺሮማ ምንባሮምን ከምኡ ድማ ሓደ እዋን ብውሕጅ ኣዕለቕሊቓ ስለዝነበረት። እዛ ከተማ እታ ኣብ 1997 ዝፈልጣ ተሰነይ ኮይና ኣይጸንሓትንን። “ምርኣይ ምግጋይ” ድዮም ዝብሉ ኣቦታት ሰብ ተባልሽዩ እንተጸንሒዎም። ተሰነይ’ውን ምርኣይ ምግጋይ ኮይና’ያ ጸኒሓትኒ።
ቆጸራይ ምስ ሲራክ ሰዓት 7፡00 እዩ። ስለዚ ብውሑድ ኣርባዕተ ሰዓት ምሉእ ክጽበዮ ኔሩኒ። ኣዘን ኣርባዕተ ሰዓት ካብ ሰለይቲ ከተማ ተሰነይ፡ ካብ ሓለዋ ምክታትል ዶባትን ካልእ ተጸናተውትን ተኸዊለ ከመይ ጌረ ከም ዘሕልፈን ክሓስብ ኔሩኒ። ናብ በዓል ሱግ ኣሻዓብ ኬድካ ሻሂ ምስታይ ወይ ፉል ምብላዕ ኣይተራእየንን። ሱግ ኣሻዓብ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣይመረጽኩውን። ስለዚ ፈለማ እታ ቀዳመይቲ ሰዓት ብሎኮ ኣለቡ ገጽ ዝወስድ መንገዲ ሒዘ ከይደ ኣብ ሓደ ጽሙእ ዝበለለይ ቦታ ተናፊሰ ክምለስወሰንኩ። በዚ ከኣ ናብቲ ቦታ ከይደ ተናፊሰ ተመለስኩ። ኣብቲ ቦታ በጺሐ ክሳዕ ዝምለስ ሰዓት ዝገበርኩ ዝመሰለኒ ግን ኩሉ ሙሉ ካብ ፍርቂ ሰዓት ዝሓልፍ ኣይነበረን።
ኣብቲ በረኻ ተናፊሰ ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ቅድመይ ጎፍ ናብ ዝበለትኒ ቤት መግብን ባርን ድርግም ኢለ ብምእታው ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ መበሊ ሒዘ ንዘይበልዖ ጥብሲ ኣዘዝኩ። ኣብታ ቤት መግቢ ብዘይካይ ጥር ዝበል ሰብ ኣይነበረን። ብውሽጢ ግን ብሸነኽ ካንቸሎ ናይቲ ቤት መግቢ ሓደ ሓላፊ ዝመስል ኣባል ሰራዊት ምስ ዋና ቤት መግቢን ኣሳሳይትን ዕሙር ዕላል ሒዙ ነበረ። ጥብሲ ተሰሪሓ መጽያ ቢራ ኣዚዘ ምስ መግቢ እናካፈኹ ግዜ ክቐትል ቀስ እናበልኩ ክበልዕ ጀመርኩ። መግቢ ተላዒሉ ኣብ ካሻ ዝዘሓለት ናብ ምውዓይ ገጻ ትኸይድ ዝነበረት ቢራ ከይወዳእኩ ካላይቲ ደገምኩ። ዓይነይ ጸጸኒሐ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ምንቕስቓስ ምርኣይ ግን ኣይገደፍኩን። ከም ዝተዓዝብኩዎም ናተይ ምህላው’ውን ዝዘከሩ ኣይመስሉን ነበሩ። ዕላል ኣዚዩ መቂሩዎም ይስሕቁ ይደጋደጉ’ዮም ኔሮም። ኣብዛ ገዛ ብኽንደይ ሓይሊ ክሳብ ከባቢ ሰዓት 5 ጸናሕኩ። ድሕሪ’ዚ ካብኡ ንላዕሊ ምጽናሕ ጽቡቕ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ ናብ ቢራን ጥብስ ሕሳብ ከፊለ ካብቲ ገዛ ወጻኹ። ካብቲ ገዛ ውጽእ ምስ በልኩ ገለ ዝከታተለኒ ሰብ ከይህሉ ቀስ ጌረ ናብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት ከባቢየይ ፈተሽኩ። እንተኾነ ዝረኣኹዎ ዘይንቡር ምንቕስቓስ ኣይነበረን።
ተሪፈናኒ ዝነበራ ክልተ ሰዓት ማለት 120 ደቓይቕ ወይ ከኣ 7200 ካልኢታት ኣበይ የቃጽለን ሓርበተኒ። ሕጂ’ውን ጎቦ ጎቦ ምባል’ዩ። ኣብ ድሕሪ’ቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ማለት ከባቢ መኽዘን እንዳ ከበዶም ሓደ 10 ዝኾና እንዳሻሂታትን ድኳናትን ኔረን። ሕጂ ረሲዔዮ ኣለኹ እምበር ዞባ ሰውራ ወይ ዞባ መስከረም እመስለኒ። ብዝኾነ ቅድሚ 10 ዓመት ናብዘን ድኳናትን እንዳሻሂታትን ብቐጻሊ’የ ዝመላለስ ኔረ። ሎሚ’ውን ድሕሪ 10 ዓመት’ውን ዝኽረይ እንዳሐደስኩ 7200 ካሊታት ዘቃጽለለን ቦታ ክኾና’የን። ናብ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ኣብቲ ናይ በረንዳ ጽላል ኮፍ ድሕሪ ምባል ሻሂ ኣዚዘ ቀስ ኢለ ክሰቲ ጀመርኩ። ጸሓይ ብዙሕ መራር ስለዘይነበረት ካብ ኮፍ ዝብል ዝንቀሳቐስ ሰብ ይበዝሕ ነበረ። ሰብ ካሮ፡ ገለ ማይ ሒዞም ገለን ኣትክልትን ኣስቤዛን ጽዒኖም በቲ ከባቢ ብጻዕቂ’ዮም ዝመላለሱ። ተሰነይ እታ ዘይትጽሙ ከተማ ከም ዝኾነት ሽዑ መዓልቲ ዝያዳ ተረዳኣኒ። በዓል ሰገነይቲ፡ ኣቑርደትን ሓጋዝን ምስ ተሰይነይ ከተዋዳድረን እንከለኻ ዝተወረራ ከተማ’የን ዝመስላኻ። ጽዑቕ ናይ ሰባትን ተሽከርከትን ምንቅስቓስ ነበረ። ኣብቲ ጽላል ናይ እንዳ ሻሂ ሓንቲ ሰዓት ማለት 3600 ካል ኢት ብኽንደይ እዝግዮ ቀቲለ ሕሳበይ ከፊለ ካብቲ ቦታ ተኣለኹ።
ሕጂ’ውን ገና ሓንቲ ሰዓት ኣለኒ። እታ ፍርቂ ሰዓት ኣብ ኮለል ኣሕሊፈ ዝተርፈት ፍርቂ ሰዓት ኣብቲ ሲራክ ተጸበየኒ ዝበለኒ ቤተ ክርስትያን ኣትየ ከሕልፋ መደብኩ። ግዜ ናብ ምጽልማቱ ገጽ ይኸይድ ስለዝነበረ ብእግረይ ኮለል ምባል ብዙሕ ዘስከፍ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ፍርቂ ሰዓት ኣብ ኮለል ኣሕሊፈ ሰዓት 6፡30 ምስ ኮነ ናብቲ ናይ ቆጸራና ቦታ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ኣምራሕኩ። ኣብቲ ቤተ ክርትስያን ከይደ ናብቲ ቀጽሪ ድሕሪ ምእታው ኣስካላ ኣስካላ ደይበ ኣብ ቅድመይ ተገቲሩ ንዝነበረ ዓቢ ማዕጾ ተሳሊመ ሓንሳብ ደው በልኩ። እቲ ቤተ ክርስትያን ጽምዋ’ኳ እንተነበሮ ሓደ ክልተ ምእመናን ግን እቱው ውጽእ ይብሉ ነበሩ። ነታ ቤተክርስትያን ከም መጽበዩን መዕረጊ ጸሎተይን’የ ክጥቀመላ። ኣብቲ ኣፍደገ ደው ኢለ እናሃለኹ ሰዓት ከኣ ስርሓ ትሰርሕ ነበረት። ሰዓት 7፡00 ክትከውን 10 ደቒቕ ተረፋ። በቲ ሓደ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ደው ከይበዝሓኒ ቤተ ካልእ ከኣ ሲራክ ቅድሚ ኢሉ እንተመጸ ኣይፍለጥን ብምባል ደገ ወጽየ ኣብ ናይ ሓጺን ማዕጽ ናይቲ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ደው በልኩ። ኣብ ቅደመይ ርሕቕ ኢሎም ካብ 10 ዘይበዝሑ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ዝመስሉ ዓበይቲ ኣቦታት ካብ መካይን ኣቑሑት የራግፉ ነበሩ። ብሸነኽ ጸጋመይ ናይ ሓመድ ጽርግያ ስለዝነበረ መብዛሕተአን ቶዮታ ሄሉክስ ዝዓይነተን መካይና በቲ መንገዲ ይሓልፋ ነበራ።
ሰዓት 7፡00 ኣኸለት።ሲራክ ከይጋግየኒ ምእንቲ ተኸዲነያ ዝነበርኩ ወታሃደራዊት ጎልፎ ኣውጺኤ እታ ቀያሕ ማልያይ ጥራሕ ለቢሰ’የ ደው ኢለ ኔረ። ሲራክ ዝተሰቕላ መኪና ከቋምት ብምጥማት ረብረብኩ። ገለ መካይን ሓሊፈን ዳግማይ ዝምለሳ ይመስለኒ ስለዝነበረ ኣብ መኪና ኮይኑ ይስልለኒ’ዩ ዝህሉ ዝብል ተስፋ ከኣ ኣንበርኩ። ከም ሰራቒ የማነ ጸጋም’የ ዝጥምት። ወዮ “ካብ ሰዓት 7፡00 ዋላ ሓንቲ ደቒቕ እንተኣሕሊፍካ ኣይክንራኸብን ኢና” ዝበለኒ ሲራክ ካብ ዝድንጒ 15 ደቒቕ ኣሕለፈ። መሬት ዳርጋ ጸልሚቱ ነበረ። ይኹን እምበር እቶም ኣብ ቅድመይ ዝነበሩ ሰራዊት ክርእዮም ጸገም ኣይነበረንን። ደቓይቕ ክውንጨፉ ምስ ጀመሩ ንዑቕባይን ነቲ ዓርከይን ክርግሞም ጀመርኩ። ቀዳማይ ናይ ከረን፡ ሕጂ ከኣ እዚ ኩሉ ትእዛዛት ኣብዚሑ ከብቅዕ ኣብ ሰዓቱ ኣይተረኸበን። ሞባይለይ ኣብ ኣስመራ’ያ ተሪፋ። ዝኾነ መራኸቢ ነገር ኣይነበረናን። ሲራክ እንታይ ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥኩን። ሰዓት 7፡30 ምስ ኮነ ካብኡ ንላዕሊ ምጽባይ ነብስኻ ንሓደጋ ምቅላዕ’ዩ። ነታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ ቦታ ገዲፈያ ክኸይድ ወሰንኩ። ከምቲ ዝገለጽኩዎ ብሸነኽ ጸጋመይ ጽዑቕ ዝኾነ ናይ መካይን ምንቅስቓስ ስለዝነበረ ናብ ሸነኽ የማነይ ዝነበረ ሓውሲ ቁልቁል መንገዲ ወሰድኩ። ኣብ ኢደይ ጠቕሊለ ሒዘየን ዝነበርኩ ወታሃደራዊት ጎልፎን ጥራሕዝን ሒዘ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ መንገዲ ክቕጽል ነቲ ቦታ ሕቖይ ሂበ ብህዱእ ስጉምቲ ጉዕዞይ ፈለምኩ።
ይቕጽል . . . . .
10ይ ክፋል ዝመጽእ ቀዳም 14 ለካቲት