7ይ ክፋል
ካብ ሲራክ ምስ ተፈለኹ ብቐጥታ ናብ ሓደ እንዳ መሸጣ መጻሕፍቲ’የ ከይደ። ካብኡ ፕላስተር፡ ንእሽቶ መቐስ፡ ሓንቲ ሕብራዊት መጠረዝን ኣርእስታ ረሲዔያ ኣለኹ ግን ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤልን ኢሳቕ ኣብርሃምን ብሓባር ዘዳለውዋ ናይ ዋዛ መጽሓፍን ገዚኤ ናብቲ ኣዕሪፈሉ ዝነበርኩ ገዛ እንዳ ቤተሰብ’የ ኣምሪሐ። ገዛ ኣትየ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢለ ንማለቱ ዓይነይ ናብታ ተወሊዓ ዝነበረት ተለዥን እናሰደድኩ። ፓስፓርተይ ኣውጺኤ ኣብ ዝባን ናይ በዓል ኢሳቆ መጽሓፍ ኣንቢረ መቐስ እናተጠቐምኩ ነታ ፓስፓርት ኣብ ውሽጢ እታ መጽሓፍ ሸጉጠ ጠረዝክዋ። እታ መጽሓፍ ካብታ ፓስፓርት ብቑሩብ’ያ ትዓቢ። ስለዚ ኣብ ዝባን እታ መጽሓፍ ፓስፓርት ዘላ ክሳብ ዘይተመስል ኣመሳሲለ ጠረዝኩዋ። ነታ መጽሓፍ ክጥርዝ ዝተዓዘበትኒ ቤተሰብ “እንታይ ደኣ እዛ መጽሓፍ ትኾሓሕላ ኣለኻ” ብምባል ሓተትኒ “ኤእ መጽሓፍ ደኣ ክጥረዝ ኣለዎ እምበር” መለስኩላ። በየን ይወጽእ፡ መኣስ ይወጽእ ደኣላ ዘይተፈልጥ እምበር ብዛዕባ መገሻይ መባእታዊ ኣፍልጦ ኔሩዋ። ካብቲ ናይ ምጥራዝ ተግባር’ውን ገለ ነገር ክትግምት ትፍትን ዝነበረት ትመስል። ኩሉ ግዜ ኮለል ክብል ውዒለ ክመጾም እንከለኹ ካብ ገጸይ ናይ ተስፋ ምርካብን ወይ ምቑራጽን ምክልት ክትርኢ ሃሰስ’ያ ትብል። ኣነ ከኣ ኩሉ ንምሕባእ ቀልጢፈ ናብ ዓራተይ ክኣቱ ይመርጽ ነበረኩ።
ንጽባሒቱ ኣንጊሀ ተንሲኤ ናብ ከረን ንምኻድ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣውቶቡስ ተረኸብኩ። ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ክጥምት ከም ዘይብለይ ንነብሰይ ካብ ዘእምና ኣዋርሕ’የ ጌረ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዘስከፍኒ ዝነበረ ኩነታት ናይ እቶም ሕማቕ ዘልመድኩዎም ክልተ ደቀይ ነበረ። ቦኽሪ ወደይ 5 ዓመት ማእከላይ ከኣ 3 ዓመት’ዮም ጌሮም ኔሮም። እቲ 3ይ ሕጻን መቐረት ኣቦ ከይፈለጦ ‘ከሎ’የ ዝፍለዮ ኔረ። እቶም ክልተ ግን ብፍላይ እቲ ማእከላይ ድቃስ ክሳብ ዝወስዶ ኢደይ ክጭብጥ ኔሩዎ። ነዚ ዝተዓዘበት በዓልቲ ቤተይ ከኣ “ዝሕሰበካ ዘሎስ ካልእ’ዩ” ትብሎ ነበረት። ንሱ ግን ዋላ ድቃስ ይውሰዶ ከም ገለ እንተተበራርቢሩ “ባባ ሓጀኒ” እናበለ ክሳዕ ዝሕዞ ይጣራዕ ነበረ። ኣብ ሰገነይቲ ንኽልቲኦም ደቀይ ሒዘ ኬክ ወይ ኮካ ክገዝኣሎም ናብ ፒያሳ ክኸድይ እነከለኹ ዝረኽቡኒ ዝነበሩ ኣቦታት “መምህር ግደፍ ነዞም ቆልዑ ሕማቕ ኣይተልምዶም ሰብኣይ ዝረኽቦ ኣይፍልጥን’ዩ” ይብሉኒ ነበሩ። ብፍላይ ኣቶ ያቆብ ኣውቲስታ ኣምቡላንስ ሆስፒታል ሰገነይቲ ገዝኦም ንገዛውትና ሓሊፍካ ስለዝነበረ ወትሩ በቲ መንገዲ ክሓልፉ እንከለው ቆልዑ ሒዘ ክጻወት ይርእዩኒ ነበሩ። በዚ ከኣ “መምህር ግደፍ፡ ግደፍ ሰብኣይ ዘጋጥሞ ኣይፍለጥን’ዩ፡ ሕማቕ ኣይተልምዶም ነዞም ቆልዑ” ይብሉኒ ነበሩ። ኣነ ከኣ ብልበይ እቶም ሰባት ብዛዕባ ኩናት ጥራሕ ዝሓስቡ ስለዝመስለኒ ዝነበረ ብሕጂስ ናብ ኩናት እባ ኣይንኣቱን ንኸውን እብል ነበርኩ። ለካ በኸምዚ ወዲ ኸምዚ’ውን ምፍላላይ ኣሎ።
ካብ ናብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ናብ ከረንን ባጽዕን ዝገሻ ኣውቶቡሳት ብዝሒ ኔሩወን። እንዳ ኣውቶቡስ ከይደ ብዙሕ ከይተጸበኹ’የ ናብ ከረን ትኸይድ ኣውቶቡስ ዝረኸብኩ። ናብ ከረን ጉዕዞ ሓደ ካብ ዝፍተወኒ መንገዲታት’ዩ። በዘይካ እቲ ‘ብልቢ ትግራይ’ ዝፍለጥ ጥውይዋይ መንገዲ ካልእ ብዙሕ ኣንጎሎታት የብሉን። ከም ርሕቀት’ውን 91 ኪሜ ስለዝኾነ ንፈተሻ ደው ትበለሉ ግዜ ከይወሰኽካ ናይ 2 ሰዓትን ፈረቓን ወይ 3 ሰዓት ጉዕዞ ጥራሕ’ዩ። ናብቲ ጉዕዞ ኣብ ኢደይ ሓንቲ መጽሓፍ ሒዘ፡ ፍኹስ ዝበለ ዘየጠምተኒ ማእከላይ ክዳን ተኸዲነ፡ ሓደ ክልተ ሽሕ ናቕፋ ዝኸውን ናናይ 100 ምስ ሞባይል ሒዘ’የ ከረን ዝወርድ ኔረ።
ምናልባት ብኣስመራ ኤርፓርት እንተሰለጠኒ ኢለ ኣዳልየያ ዝነበርኩ ባልጃ ኣብቲ እንዳ ቤተሰብ ገዲፈያ’የ ዝኸይድ ኔረ። ኣብታ ባልጃ ኣሜሪካ ምስ ኣተኹ ንግዚኡ መሐወሲ ክኾናኒ ዝኽእላ ሓደ ክልተ ቅያር ክዳን፡ ካብ 2001 ኣትሒዘ ካብ ጋዜጣታት እናቖረጽኩ ዝስንዶ ዝነበርኩ ምቁር ግጥምታት፡ ክሳብ 80 ዝኸውን ዘይተሓጽበ ነጋቲቭ ፊልምታት፡ ስእልታት ዝመልአ ሰልሰተ ዝኸውን ኣልቡም፡ ደብዳቤ ምቕዳድ ስለዘይፈቱ ካብ 1995 ኣቢሉ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ሰባት ዝጽሓፈለይ ዝነበረ ደብዳቤታት፡ ሓደ ክልተ ከይጠፍኣኒ ኢለ ዝከናኸነን ምሩጻት መጻሕፍቲ፡ ብዘይካ’ዚ ሓደ ኣርባዕተ ዝኸውን ዓበይቲ ጥራውዝቲ ማለት ሓጸርቲ ዛንታታት ዝጽሕፈሉ፡ ማሰን መልቀስ ዘስፍረሉ፡ ግጥምታተይ ዝጽሕፈሉ ኣብ’ታ ባልጃ ተጠርኒፉ ነበረ። ስለዚ ንኣስመራ ሕቖይ ሂበያ ክብገስ እንከለኹ ብጀካ በዓልቲ ቤተይ፡ ደቀይን ካልእን እዚ ዝመስል ሃብቲ’ውን ኣብ ባልጃ ራሕሪሐ’የ ናብ ከረን ዘንቆልቁል ኔረ።
ብሎኮታት ካብ ኣስመራ ውጽእ ከይበልና ኣብ ዓዲ ኣብየቶ’ዩ ፈለማ ከመይ ሓዲርኩም ኢሉና። ካብኡ ብሎኮ እምባደርሆ፡ ብሎኮ ሰረጀቓ፡ ብሎኮ ዓዲተከሌዛን፡ ብሎኮ ዓዲ በርበረ፡ ብሎኮ ዒላበርዕድ እናበልና ሓሸላ ሓሊፍና ኣብ ብሎኮ ከረን ጽኑዕ ዝኾነ ፍተሻ ተኻይዱልና ከባቢ 11፡00 ቅ.ሚ. ቀትሪ ከረን ኣተኹ። ናይ መንቀሳቐሲ ጸገም ስለዘይነበረኒ ኣብ ብሎኮታት ስክፍታ ኣይነበረንን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ እቶም ኣብ ግዜ ኩናት ኢትዮኤርትራ ዝኸተተና ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስራሕና ምስ ተመለስና ሽዑ ንሽዑ፡ እቶም ናብ ታዕሊም ከይዶም ዝነበሩ ከኣ ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ምስ ዛዘሙ ናይ መጣየሲ ካርድ ስለዝተዋሃብና እታ መጣየሲት ካርድ ናብ ዝኾነ ቦታ ናይ ኤርትራ ከተንቀሳቕሰኒ ትኽእል ነበረት። ከረን ምስ ኣተኹ ትኽ ኢለ ናብ ከባቢ ጅራ ፍዮሪ ዝበሃል መናፈሲ ብምኻድ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ትካል ከይደ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ትካል ህይወት ትበሃል ክጽውዑለይ ነቶም ኣብቲ ኣፍደገ ዝረኽብኩዎም ዋርድያ ናይቲ ትካል ሓተትኩዎም። ህይወት ኣይደንጎየትን ተጸዊዓ መጸት። ኣነ ይመጽእ ከም ዝነበርኩ ተነጊሩዋ ኔሩ’ዩ።ስመይ ከይጸውዐት ብፍሕሹው ገጽ ሰላምታ ለጊሳ ሻሂ ክንሰቲ ሒዛትኒ ናብቲ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታትን በጻሕትን ሻሂ ዝሰትዩሉ ቦታ ሒዛትኒ ከደት።
ኣብቲ እንዳ ሻሂ ቁሩብ ምስ ኣዕለልና ንሓላፊኣ ነጊራ ክትመጻኒ ከም ዝኾነት ሓቢራትኒ ከደት። ኣይደንጎየትን ቀልጢፋ ተመልሰትኒ። ብድሕሪ’ዚ ተተሓሒዝና ናብ ገዛኣ ኢና ክንጉዓዝ። እንዳ ኩናማ ዝበሃል ገዛውቲ ንከረን ጽቡቕ ጌሩ ዝፈልጣ ሰብ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ዝውቱር ስም ኣይመስለንን። ገዛ ህይወት ኣብ እንዳ ኩናማ’ዩ። ናብ ከረን ካብ 1996 ኣቲሒዘ ሓያሎ ግዜ ተመላሊሰ’የ። ኣብ ከረን ገዛ ባንዳ፡ሽፍሽፊት፡ ገዛ ወረቐት፡ ዝበሃሉ ገዛውቲ ከም ዘለው ጽቡቕ ጌረ’የ ዝፈልጥ። እንዳ ኩናማ ግን ካብ ህይወት ይስምዓ ነበርኩ። ህይወት እስኳቢሉ ኮይና በዓል ቤታ ስዉእ’ዩ። ካብ ስውእ ሰብኣያ ዘትረፈቶ ድቂ ወዲ ምስ ተወልደ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኣሞታቱ ክንወስዶ ኢና ብምባል ስለዘእመናኣ ናብ ኣውሮፓ’የን ወሲደነኦ። ኣብቲ እዋን ወዲ ክንደይ ዓመት ኔሩ እንድዒ ሓንሳብ ሓንሳብ ብተሌፎን ከም ትዛረቦ ኣዕሊላትኒ ነበረት። ህይወት ጋሻ ከምጻኪ’ዩ ተባሂላ ካብ ሽወደን ስለዝተሓበረት። ብድሮ ጸብሒ ሰሪሓ ገዛ ኣጸራርያ ተዳልያ’ያ ጸኒሓትኒ። ካብ ሽወደን ዝደወሉ ሰባት እንታይ ከም ዝበልዋ ድሒረ’የ ክፈልጥ። ብዝኾነ ስጋን ድንሽን ተሓዋዊሱ ዝተሰርሐ ምቁር ጸብሒ፡ ምስኡ ድማ ኣብ ካልእ ድስቲ መለዛናይ ዝኣተዎ ጸብሒ። ብሓባር ኣብ ምሳሕ ተቐሪቡ ካብ ክልቲኡ ጸቢሓ ጋበዘትኒ። መለዛናይ ዝኣተዎ ጸብሒ ስጋ ኣመና ካብ ዝፈትዎ ጸብሒ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ሸቕልቀልን ፍርሕን ገዲፉኒ ግዲ ኔሩ ጽቡቕ ጌረ ተመሳሕኩ። ብድሕሪ ምሳሕ ቡን ምስታይ ኮይኑ ኣብ ሳሎን ጎቦ ኮይነ ክሳብ በረካ ኮፍ ኢለ ኣጻረርኩዋ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዩ እምበኣር ኩሉ ምስጢራት እቲ ጉዕዞ ክብርብር ዝኸኣልኩ።
ካብ ሽወደን ዝደወለት ዓባይ ሓፍታ ንህይወት “ ንክፍሎም ሓውቡኡ መጺኡ ናብ ተሰነይ ናብ እንዳቦታቱ ኣብጺሑዎ ክመጽእ ስለዝኾነ ሃብዮ ኢኺ” ዝብል ትእዛዝ’ያ ኣማሓላሊፋትላ። ክፍሎም እዚ ኩሉ ምስ ህይወት ከነዕልልን ምሳሕ ክንበልዕን ኣብ ደገ ይጻወት ጸኒሑ ማይ ክሰቲ ስለዝደለየ’ዩ ማዕጾ ደፊኡ ድርግም ኢሉና። ህይወት ፥ሰላም በሎ ክፍሊተይ ሓውቦኻ’ዩ እዚ፡ ምስዚ ኢኻ ናብ ዓሊግድር ክትከይድ” ድማ በለቶ። ሒዘዮ ዝኸይድ ቆልዓ ንሱ ምዃኑ ሽዑ ኣጸቢቑ በርሃለይ። “ኣሃ” በልኩ ብውሽጠይ ወዲ 8 ዓመት ዝተባህለ ቆልዓ ወዲ 13 ዓመት ድልዱል ትሕቲ ዕድመ ኮይኑ ጸንሓኒ። ክፍሎም ድሕሪ ቁሩብ ናይ ዕላል ግዜ ገዲፉና ናብ ጸወት ኡ ተመልሰ። ሓውቡኡ ተባሂለ ናብቲ ገዛ ስለዝመጻእኩ ምሉእ ብምሉእ መንነት ኣቡኡ ኣግሂደ እኳ እንተዘይሓተትኩ ቀስ ብቐስ ግን ብሜላ ጌረ የለፋልፋ ነበርኩ። ኣቦ ክፍሎም ኣብ ኣስመራ ከም ዘሎ፡ ኣባል ሓይልታታት ምክልኻል ኮይኑ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ናይ ሚንስትሪ ምክልኻል ዝሰርሕ ናይ ኮለኔል መዓርግ ከም ዘለዎ። እንዳቡኡ ዓዶም ዓሊግድር ከም ዝኾነ ኮታ መመሊሱ ዘሰንብድ ሓበሬታታት ኣስነቐትኒ። ጉዕዞም ተወዲኡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ተሰነይ ክወርድ’የ ዝብሎ ዝነበርኩ። ሕጂ’ውን ብኽስገር ዘይክእል ዝምስል ኣሰንባዲ ሓበሬታ ከይሰናኸል ፈራሕኩ።
ኣብ እንዳ ህይወት ምስ ኣተኹ ተሰሚዑኒ ዝነበረ ሩፍታን ቅሳነትን ንእለቱ በነነ። ክፍሎም ተማሃራይ 6 ክፍሊ’ዩ። ብዘይጥርጥር ድማ 13 ዓመት መሊኡ ነበረ። “ወይ ሽግር” በልኩ ብውሽጠይ። ምስ ሲራክ ቆጸራና ሰዓት 7፡00 ኔሩ። ካብቲ ገዛ ሰዓት 6፡00 ወጽየ ቁሩብ ኮለል ኢለ ናብቲ ዝተቛጸርኩዎ እንዳኢንተርነት’የ ክኸይድ። ክሳብ ሰዓት 6 ኣቢሉ ዝኸውን ግን ኣብ እንዳ ህይወት ክጸንሕ ኔሩኒ። ህይወት ስኳቢሊ ምስ ምዃና ትጽቢታ ኪኖ ምውሳድ ቴድሮስ ዝኸደ ይመስል ነበረ። ብውሽጠይ ክሳብ ክንደይ ተሓሚሰ ከም ዘለኹ ትፈልጦ ስለዘይነበራ ሓንሳብ ክዳን ትቕይር፡ ሓንሳብ ኣልቡም ኣምጺኣ ተርእየኒ። ሓንሳብ ብዛዕባ ስዉእ ሰብኣያ ኣ ሓንሳብ ብዛዕባ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ወዳ ተዕልለኒ ነበረት። ኣነ ግን እዝነይ ካብ ምስማዕ ደው ኣቢለ ነበርኩ። ኣካላይ እምበር መንፈሰይ ኣብቲ ገዛ ኣይነበረን። ኣብ ሳሎን ቀም እናበልኩ ድየ፡ ዕላል ህይወት ምስ ኮካ እናቋሰኹ ሰዓት 6፡00 ዝገበርኩ ጌረ ኣእከልኩዋ።
ሰዓት 6፡00 ኣኺሉ ገዛውቲ እንዳ ኩናም ንድሕሪት ገዲፈ ሚኒባስ ተሰቒለ ናብ ከተማ ከድኩ። ቅድሚ ሰዓት 7፡00 ምእካሉ ኢንተርነት ኣበይ ክጥቀም ከም ዝኽእል ንሰባት ሓቲተ ኣብ ክለብ መንእሰያት ዝሓሸ ከም ዝኾነ ተሓቢረ ናብኡ ገጸይ ኣምራሕኩ። እግረ መንገደይ ከኣ ምስ ሰብ ተሰነይ ከመሳስለኒ ዝኽእል ሰንደል ጫማ ገዚኤ ኣብ ጋዜጣ ጠቕሊለ ሓዝኩዎ። እታ እንዳ ኢንተርነት ክርኽባ ብዙሕ ኣይተጸገምኩን። ኣብቲ ቀጽሪ ኣትየ ናብቲ ኮረድዮ ምስ ኣበልኩ ዝነበራ ኩለን ኮምፑዩተራት ብተጠቀምቲ መንእሰያት ተታሒዘን ጸንሓኒ። ነቲ ስራሕ እተካይድ ጓል ናይ ሪጋ መሐለዊ ንእሽቶ ወረቐት ሂባትኒ ርጋይ ክሳዕ ዝኣክል ነታ ዓባይ ሚስጢር ሒዛ ዝነበረት ካብ ኢደይ ዘይተፈልየት መጽሓፍ ዋዛ ምስ ቁምነገር ገናጺለ ገለ ፍሽኽ ዘብለኒ ዋዛታት ሃሰስ ናብ ምባል ኣተኹ።
ናይ ዋዛን ቁምነገርን መጽሓፍ እናምበብኩ ሓንቲ ጽልም ዝበለት ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ፡ ሕጽር ኢላ ምጭውቲ ጓል ኮምፑዩተር ተጠቒማ ግዲ ወዲኣ ካብ ዝነበረቶ ቦታ ሓፍ ኢላ ናብ ደገ ገጻ ክትከይድ እንከላ ሓደ መንእሰይ ብፊንትራ ትቐልቂሉ ብስማ ተዳህያ። ስማ ክጽዋዕ ሰሚዓ ደው ዝበለት ጓል እቲ ወዲ መጽዩ ከዘረራባ ተጸበየት። ወዲ ኣርኪቡዋ ሓጻር ዘረባ ተዛሪቡዋ ግልብጥ ምስ በለ። ስማ ክጽዋዕ እንከሎ ኣብ ውሽጠይ ገለ ነገር ስለዝተሰማዓኒ እሞ ድማ እዛ ትጽዋዕ ዘላ ጓል ኣብ ከረን ስለትእቕመጥ ከይተማታእኩ ብድድ ኢለ ኩስቶ ብምባል ብስማ ጸዋዕኩዋ። ጓል ደው ምስ በለት “ይቕሬታ ግበርለይ ኩስቶ ዲኻ᎒ ኣነ መኮነን እየ” ብምባል ምስ ሓበርኩዋ ንሳ ምዃና ንምርግጋጽ “እውይ ሞኬ” ከመይ ጌርካ ገሚትካ ኣነ ከም ዝኾንኩ ብምባል ተሳዓመትኒ። ሓንሳብ ደው ኢልና ምስ ኣዕለልና ኣብ ከረን እንተቐንየ ገዝኦም ክመጽእ ከም ዝኾንኩ ቃል ኣትየላ ቁጽሪ ስልካ ተቐቢለ ተፈላለና። እታ ጓል ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ወጻኢ ንዝነበረ ዓርከይ ኣፍቃሪቱ ኮይኑ ብስምን ብቴሌፎንን ኢና ንፋለጥ። ሓደ መዓልቲ ብኣካል ክንራኽበ ካብ ንበሃሃል ክልተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ብዝኾነ ኣብ ናይ መወዳእታ ናይ ምውጸይ እዋን ብኣካል እሞ ድማ ብወዝቢ ክንራኽብ በቓዕና።
ሪጋይ በጺሑ ንፈልማ ግዜየይ ኣብ ከረን እንዳኢንተርነት ኣትየ ያሁ መሰንጀር ከፊተ ንምምጻእ ሲራክ ተጸበኹ። ሲራክ ኣይደንጎየን ኣብ ከሰላ ድዩ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ሰላም ሞኬ በለኒ። ብተግባራት ሲራክ ኣመና’የ ሓሪቐ ኔረ። ብቐጥታ ድማ
“ስለምንታይ ክፍሎም ወዲ 8 ዓመት ዘይኮነ ወዲ 8 ዓመት ኢልካኒ᎒” ክብል ሓተትኩዎ
“ካብ 8 ክሳብ 10 ዓመት’ዩ ዝኸውን ዕድሚኡ” መለሰለይ
“ኣነ ኣቐዲመ ነጊረካ ኔረ’የ ነዚ ጉዕዞ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእትየ’የ ዝኸዶ ዘለኹ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ከኣ ዕንቅፋት ዝኾነኒ ተግባር ክወስድ ኣይደልን’የ። ኣነ እታ ትገጥመኒ መሳናኽል ኣብታ ዶብ ደኣምበር ኣብ ብሎኮ ክኸውን ምርጫይ ኣይኮነን” ሓሳባተይ ከብርሃሉ ፈተንኩ። ሲራክ ከእምነኒ ህርድግ በለ። ኣነ ግን ፍጹም ኣይተበርሃንን። ድሕሪ ነዊሕ ምምልላስ ንኽፍሎም ወይ ሓትኑ ወይ ካልኦት ሰባት ናብ ተሰነይ ከውርዱዎ ከም ዝኾነ ኣነ ግን ክሳብ ደዊሉ ናብ ተሰነይ ውረድ ዝብለኒ ናብ ኣስመራ ከይወጽእ ኣብ ከረን ኣብ እንዳ ህይወት ክጸንሕ፡ ዝቕጽል መዓልቲ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ያሆ መሰንጀር ኣብ መስመር ክንራኸብ ሓቢሩኒ ተፈላለና።
እቲ ጉዕዞ ፈጺሙ ባህ ኣይበለንን፡ ካብ ኩሉ ከኣ ክፍሎም ካብ ኣቡኡ ሓቢኦም’ዮም ሱዳን ከስግርዎ። ኣቡኡ ከኣ ከምቲ ዝበልኩዎ ተጋዳላይ ኮይኑ ናይ ኮሌኔል መዓርግ ዘለዎ’ዩ። ብዘይካዚ ኣሓዋቱን ካልኦት ኣዝማዱን ኣብ ተሰነይን ከባቢኡን ፍሉጣት ሰባት’ዮም። ስለዚ ካብዚ ጉዳይ ከዝልቕ ከም ዘለኒ ሕልናይ ነገረኒ። ኣብ እንዳ ህይወት ዝገደፍኩዎ ዝኾነ ይኹን ንብረት ኣይነበረንን። ንብረተይ እታ እንኮ ፓስፖርት ዝሓዘት መጽሓፍን ምስ ሰብ ተሰነይ ከመሳስላኒ ኣብ ከረን ዝገዛእኩወን ሰንደል ጫማን’የን ኔረን። ንሰን ከኣ ኣብ ኢደይ ነበራ። ስለዚ ናብ እንዳ ህይወት ዘምልስ ዝኾነ ዘገድደኒ ጉዳይ ኣይነበረን። ኣበይ ክሓድር ኣለኒ ዝብል ዘይተመልሰ ሕቶ ሒዘ ናብ እንዳ ወዲ ኣሊፍ ሆቴል ብምኻድ ድራረይ በሊዐ መደቀስየይ ሃሰስ ናብ ምባል ኣተኹ። ኣብ ከባቢ ጅራ ፍዮሪ ዝነበራ መዕረፊ ኣጋይሽ ብዙሕ ተመረጽቲ ኮይነን ኣይረኸብኩወንን። ንዐአን ገዲፈ ናብ ኣስመራ ገጽ ዝወስድ ጽርግያ ሒዘ ዓቢ ቢንቶ ብምስጋር ኣብ ሓንቲ ሕስር ዝበለት መዕረፊ ኣጋይሽ ዓራት ሓቲተ መንቀሳቐሲ ወረቐተይን መንነት ወረቐተይን ኣመዝጊበ ገና ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ምዃኑ ኣብታ ናይ ሓንቲ ለይቲ ዓራተይ ኣትየ ደቀስኩ።
ዝቐጸለ መዓልቲ ካብ እንዳ ኣውቶቡስ መእተዊ ገዛ ዝኸውን ፉል ሒዘ ናብ ኣስመራ’የ ተመሊሰ። ምስ ሲራክ ተዓዛዚብና ስለዝነበርና ትእዛዙ ዘኽብረሉ ኣብነት ኣይነበረንን። ኣስመራ ወጽየ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ዝሓሰብኩሉ ነገር እኳ እንተዘይነበረ፡ ብውሑድ ንዑቕባይን እቲ ፈለማ ምስ ዑቕባይ ዘራኽበኒ ዓርከይን ብዛዕባ ምስ ሲራክ ዘጋጠመኒ ኩነታት ክዘራረቦም’የ። ምስ ሲራክ እሞ ድማ ወዲ ሓላፊ ሰሪቕካ ናብ ተሰነይ ዝግበር ጉዕዞ ተሰሪዙ’ዩ። ዝቕጽል እንታይ’ዩ ዝግበሮ ግዜ ዝፈትሖ ጉዳይ’ዩ።
ይቕጽል . . . . . .
8ይ ክፋል ቀዳም 7 ለካቲት