መዓሙቕ ሳይበርያ ትሕተ-ትሕተ ምድሪ
ትነብር ዘለኻ ኣብ መቑሕ ኣብ ቀይዲ
ጸኒዕካ ደው በል ብኹርዓት ብኽብሪ
ጨው ርሃጽካ ኣይኮነን ንባዶ
ብርሃን ሓሳባትካ መን እስከ የህስሶ፧
ኣብ’ቲ ድቕድቕ ጸላም መልኣከ ሞት ከንጸላልወካ
ተስፋ፡ ንጓሂ ኣዳህሊላ መብረ ክትፈጥረልካ
ኣዒንትኻ ክፈት ጽልምት ኣይበልካ
ጽባሕ’ዛ ጽባሕና ምስ ሓድሽ ተስፋኣ
ቅጭጭ ኣይበልካ ክትወግሕ እንድያ።
ተሓሪምካ ዘለኻ ካብ ሰሓቕ ካብ ፍቕሪ
ኣብ መሬት ኣባይ ኣብ መዓሙቕ ምድሪ
መስኮት ሸላታትካ ሰሊኹ
መዝሙር ናጽነተይ ክጋዋሕ’ዩ።
ማዕጾታት ስበሮ፡ ደርብዮ ሰንሰለት
ንእሱሩን ኣሳርን ዝሓቁፍ ብማዕረ
ሓርነት የድሂ’ሎ ደው ኢሉ ኣብ ኣፍደገ።
ኩቡራት ኣሕዋተይ ተነፍገ ክብርኹም
ሻምላ ሴፍ ዳግም ክትዓትሩ ኢኹም።
ገጣሚ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን
ተርጓሚ በየነ ሃይለማርያም