ሓቂ፦
“ ጥበብ ማለት ኣነ
ኣነ ድማ ኣነ፤
ንቐይሕ ‘ቀይሕ’ በሎ
ንጻዕዳ ‘ጸሊም’ ኣይትበሎ
ጥበብ ኣቐዲምካ
ንንጹር መንገደይ ኣይትሓናዅሎ።”
ጥበብ፦
“ሓቂ ማለት ሓቂ
ኣነ ግን ፍቕሪ’የ፤
ሓሶት ዘይምዃኑ ኵሉ ኣንጻር ሓቂ
ሓቂ ዘይምዃኑ ዘዝተዘርበ ሓቂ
እቲ ምስሕሓብ
እቲ ምቅርራብ
ይሕሰሞ ንዳኛ – ግደፎ ንሕጊ፤
“መታን ንሕልና ምስ ፍትሒ ክትዓርቆ
ንብልሂ ጐሲኻ ንድኹም ኣድንቆ
ርሻን ናይ ጽባቐይ ብፍቕሪ ንደቆ
ሓቂ ክትፍሕር ግን ስመይ ኣይትስረቆ፤
“ብናፍቖት ሓቂ ዓዊሮም ንዝጸድፉ
‘ከሃድያን’ ከይበልኩ
ብርሃን ክዘርኣሎም ፈኸም እናበልኩ፤
ብጭንጓዕ ሓቅታት ኣብ ዝዓቍር ቀለም
ጨብረቕረቕ ንዝብሉ
ኣእዳውካ ኣንጺህካ ገስጾም
’ተዘይተኻኢሉ ሓግሒ’ካ ቍረጾም
ንፈላለ ሽዑ
ንከባበር ድማ ንዘልኣለም-ኣለም።”
ቦኽረ ገብረየሱስ