“ሰባት ብኣተሓሳስባ ኣብ ክልተ ወገን ኣብ ዝምቀልሉ፡ ግድን ምስ ሓደ ኩን ይብሉኻ። ምስ ክልቲኦም እንተዘይኴንካ ድማ፡ ኣብ ጌጋ ሸነኽ ከም ዘለኻ ይገልጹልካ። ግን’ኮ ብርግጽ ሓደኦም እዩ ግጉይ ዘሎ። ኣብ’ቲ ሓጹር ደው እንተበልካ ድማ ክልቲኦም ይትኩሱልካ። ኣነ ግን ብርግጽ ኣብ’ዚ ሓጹር ደው ኢለ’ለኹ። ከፍርሶ እየ ድማ ነዚ ሓጹር።” – ቦብ ማርሊ, 1976
ጃማይካ ብኲናት ሓድሕድ ኣብ እትሕመሰሉ ዝነበረት ግዜ፡ ቦብ ማርሊ ንጥምረት ዝጽውዑ ኮንሰርትታት የዳሉ ነበረ። ኣብ 1976 ግን፡ ሓደ ዓቢ፡ “smile Jamaica” ዝብል ምርኢት ንምድላው ልምምድ እናገበረ እንከሎ፣ ሓደ ዕጡቕ ናብ ገዛኡ ብምእታው ንሰበይቱን መሳርሕቱን ብኸቢድ ኣቑሰሎም። ቦብ ግን ኣብ ቅልጽሙ ጥራይ እዩ ተወጊኡ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ፡ ምስ ቁስሉ ነቲ ዝመደቦ ምርኢት ኣካየዶ። 80 ሽሕ ተዓዘብቲ ከኣ ብናጻ ተሳተፍዎ። እቲ ምርኢት ንጽኑዕ ፍልስፍናዊ እምነቱ፡ ርህራሀኡን ድንጋጸኡን፡ ትብዓቱን ንሰላም ዝነበሮ ጽምኣትን ዘንጸባርቕ ነበረ። እቲ ዕጡቕ ካበየናይ ወገን ከምዝተላእከ’ኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ቦብ ግን ነቲ ሓደ ወገን እናወንጀልካ ነቲ ካልእ ምውዳሱ ኣገዳስነቱ ይርኣዮ ስለ ዘይነበረ፡ መንነት ናይ’ቲ ዕጡቕ ኣየገደሶን። ንዕኡ ዘገድሶ ዝነበረስ፡ ክልቲኦም ወገናት ሓቢሮም ሰላም ክፈጥሩ ጥራይ እዩ። መንነት ናይ’ቲ ጽቡቕ ጌሩ ገጹ ዝርኣዮ ዕጡቕ ምስ ተሓተተ ድማ። “ኣየገድሰንን እዩ። ኣነ ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ደጋፊ ኣይኮንኩን። ብመሰረቱ እውን ደላዪ ሰላም ደኣ’ምበር፡ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን። ንሰላም ድማ ዓው ኢለ ክዝምረላ እየ – ክትመጽእ ድማ’ያ። ንሱ እዩ ናተይ ዕዮ” ክብል መለሰ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዱ እንከሎ ኣብ ዝዛዘማ “exodus” (ስደት) እትብል ኣልበሙ ከኣ፡ ንሓድነትን ምረት ስደትን ዓው ኢሉ ቃነየሎም። ብ Time Magazine ድማ፡ “እታ ቀንዲ ኣገዳሲት ኣልበም ናይ’ዚ ዘመን” ዝብል ቅጽል ተዋህባ። ሽዑ ክልተ መራሕቲ ናይ ተቓወምቲ ወገናትን እቲ መራሒ መንግስትን፡ ሰለስቲኦም ብሓባር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ፡ ንቦብ ናብ ዓዱ ክምለስ ተማሕጸንዎ። ናብ ጃማይካ ተመሊሱ ከኣ ሓደ ዓቢ ኮንሰርት ኣዳለወ’ሞ፣ እቶም መራሕቲ ድማ ኣብ’ቲ ምርኢት ተሳተፉ። ናብ መድረኽ ጸዊዑ ከኣ፡ “ነዚ ህዝቢ ከምእተፍቅርዎ ንገርዎ። ፍቕርኹም ብሓድነት ከተርእይዎ ድማ ቃል እተውሉ” ብምባል፡ ሰላም ከምዝበሃሃሉ ገበረ። በዛ ምርኢት እዚኣን ሕሉፍ ስርሓቱን ከኣ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ መዳልያ ሰላም ናይ ሳልሳይ ዓለም ተዋህበ። እዛ ምርኢት’ዚኣ ድማ፡ መኸተምታ ኲናት ሓድሓድ ጃማይካ ምዃና ይእመነላ።
ብድሕሪ’ዚ ቦብ ማርሊ ኣብ ቀጽሪ Harvard University ንሕብረት ኣፍሪቃውያንን ተቓውሞኡ ንኣፐርታይድን ዝጽውዕ ኮንሰርት ኣዳለወ። እታ ምሸት ድማ ብብዙሓት “magical” (እጹብ ተመስጦ ዝምጡ) ዝብል መግለጺ ተዋህባ።
እዚ ኩሉ ዝበለ ቦብ ኣብ ኣኼባታት፡ ቃለ መጠይቓት ወይ ኣብ መደረታት ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ዝፈጸመ ቦብ ብግጥምታቱን ትንግርታዊት ጊታሩን ጥራይ እዩ። ቦብ ብዛዕባ ቃልሲ ክገጥም ከሎ፡ ቀርድዶ ሕረዶ፡ ኣርክቦ ጉመዶ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ንሱስ ንመሰልካ ተቓለስ ክብል ከሎ፡ ተኩስ ማለቱ ኣይነበረን። ምስ’ዚ ወይ ምስ’ቲ ኣይከውንን እየ ክብል ከሎ ድማ፡ ምስ ዝውስኖ ጠፊእዎ ወይ’ውን ላንጋላንጋ ኮይኑ ምውሳን ፈሪሑ ዘይኮነስ፡ ንክልቲኦም ወገናት ዘለዎ ተቓውሞ እዩ ዝገልጽ ዝነበረ። ኣብ’ቲ ንኽልቲኦም ዝፈሊ ሓጹር ደው ብምባል ከኣ፡ ነቲ ሓጹር ዘፍርስ ግጥምታት ኣፍረየ።
ዝበዝሕ ግጥምታቱ ነቲ ህሉው ቃንዛ እናገለጸ እዩ ንብሩህ መጻኢ ዝጽውዕ። ኣብ’ታ “NO, woman, no cry (ኣይትንብዒ) እትብል ግጥሙ ንኣብነት፡ “ብዙሓት ከፊልና ኢና፣ ኣብ’ቲ ብሩህ ጽባሕ ኴንና’ውን ኣይክንርስዖምን ኢና። ኩሉ ነገር ክማዕራረ እዩ’ሞ ኣይትንብዒ” ብምባል’ዩ፡ ንህልዉን ጽባሕን ዘጣምር። “WAR” ኣብ እትብል ሕደማኡ ከኣ፡ “ንሓደ ክብ ኣቢሉ ንሓደ ዝደቁስ፡ ንሰባት ዝፈላሊ ፍልስፍና ክሳብ ዝሃለወ፡ ኲናት ኣሎ። ማዕረ ፍትሒ ክሳብ ዘይሃለወ ከኣ፡ እዚ ንባዕሉ ኲናት እዩ” ይብል። “WAKE UP AND LIVE” ኣብ እትብል ደርፉ’ውን፡ “ተስእ ተበራበር፡ ብህይወት ድማ ንበር። ህይወት ምልክታት ዝበዝሖ ጽርግያ እያ’ሞ፡ ክትጓዓዛ ከለኻ ሕንፍሽፍሽ ኣይበልካ። ካብ ቅንእን ጽልእን ርሒቕካ፡ ሓሳባትካ ከይቀበርካ፡ ሕልምታትካ ናብ ክውንነት ኣምርሓዮም” ይብል። “ተበራበር ኣንታ ኩሉ ዝክኣለካ ሓፋሽ፡ ዕዮ ይጽበየና ኣሎ፡ ሃየ በብቑሩብ ንስርሓዮ” ብምባል ከኣ፡ “ብሓባር” እትብል ቃል እናደጋገመ፡ በበይኖም ከይብገሱ ይምሕጸን። ዝበዝሑ ግጥምታቱ ከኣ፡ በበይንኻ ኴንካ ዝወሓስ ሰላም ከም ዘየለ’ዮም ዝገልጹ።
ቦብ ማርሊ፡ ንጸላእቱ ክመኽሮም’ምበር ክውንጅሎም ኣይፍትንን እዩ። “እንተጸሪፈዮም፡ መመሊሶም ጸላእተይ ክኾኑ እዮም። ካብ’ታ ዘላትኒ ልቦና እየ ከካፍሎም ዝፍትን” ዝበለላ ቃለ መጠይቕ እውን ኔራ። ኣብ’ታ “GUILTINESS” እትብል ደርፉ’ውን እንተኾነ፡ ነቲ ህዝቢ ንምልባም ደኣ ንዓመጽቲ ይራገም’ምበር፡ ኢዱ ኣወጣዊጡ ዝዘለፎ ኣካል የለን።
“መዓት የውርደሎም ንጨቆንቲ
ጽባሕ ክበልዕዎ’ዮም ናይ ሓዘን ሕብስቲ
እብለኩም ኣለኹ
ንስለ ረብሓኦም ጥራይ’ዮም ዝሓስቡ” እናበለ ግን፡ ነቶም ናይ ሽዑ ገዛእቲ ስርዓታት እናረገመ፡ ነቲ ህዝቢ ከለብሞ ይፍትን።
“Get up, stand up” ኣብ እትብል ውርይቲ ደርፉ ከኣ፡ “ኣንታ ሰባኺ፡ ገነት ትሕቲ መሬት እያ ኣይትበለኒ። ዋጋ ህይወት ኣይትፈልጦን ኢኻ። ደው ጥራይ በል ንመሰልካ” እናበለ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝኣምነሉ ቦታ ገነት ብምንቃፍ፡ “ገነት ኣብ መሬት ድለይዋ፡ ተስኡ ግዳ ንመሰልኩም ሓልውዋ” ይብል።
ኔስታ ሮበርት ማርሊ፡ ዋላ’ኳ ብናይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ቃልስን ደርፍታቱ ዝፍለጥ እንተኾነ፣ ንጾታዊ ፍቕሪ እውን ሕርሕራይ ጌሩ ገሊጽዎ እዩ።
እዚ ማእለያ ዘይብሎም ሽልማታት ዝዓተረን ብኣፈ-ጨለነት ዘይኮነስ ብልቢ ንሓድነት ዝዝመረን መዛምሩ ሓድነት ክዉን ዝገበሩን ሙዚቀኛ፡ ድምጻዊ፡ ዘያምን ገጣምን ቦብ ማርሊ፡ ነዚ ኩሉ ጥበባዊ ቅያ ክገብር ካብ’ታ እተወልደላ ዕለት ጀሚርካ ናይ 36 ዓመት ዕድመ ጥራይ እየን ኔረንኦ – 06 ለካቲት 1945 – 11 ግንቦት 1981 ዓ.ም። ቦብ ማርሊ፡ እቲ በዓል ተባዕን ርህርህትን ብርዒ!
ኣማኑኤል በርሀ
9ሓምለ2016