ጥዕሙዝጊ ተስፋይ
ግጥሚ ንኽትጽሕፍ፡ ብሃንቀውታ ብርዕን ወረቐትን ኣዋዲድካ ከተብቅዕ፡ ሓሳባትን ቃላትን ኪንዮ ንቁሕ ኣእምሮኻ ሽርብ እንክብሉ – ኣቤት ክሓስም! ኣዒንቲ ምስ ጻልጣ ወረቐት ፈጠጥ፡ ብርዒ ቁልቁል ተነቚታ ኣስቅጥ፡ ካልኢታት ንደቓይቕ፡ ደቓይቕ ሰዓት እናሰርሑ ብርዒ ወይከ ቂዕ – በቃ ኣእምሮኻ ድፍን! ኣብ’ዛ ፍልይቲ ህሞት፡ ግጥሚ ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብጻዕረ ሞት ክገጥም’የ እንተ በልካ ግን ወይልኻ!
“ብፍቕርኺ ማሲነ
ድቃስ ለይቲ ስኢነ
ሸውሓተይ ተረጊጡ
ኣዒንተይ ሓቢጡ”
ክትብል ትኽእል ኢኻ። ግጥምኻ ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ከየንብቡዎ ግን ተጠንቀቕ። ዓባይካ ኩሉ ጊዜ “ሸውሓተይ ተረጊጡ” ክትብል ሰሚዕካያ ኢኻ። ሕሙማት “ሸውሃተይ ተረጊጡ” እናበሉ ከማርሩ ብተደጋጋሚ ጎፍ ኢሎሙኻ ኣለዉ። “ሸውሃተይ ተረጊጡ” ክሳብ ሓድሽ ኩርናዕ ዘይመረጸ፡ ናብ ሓኪም ዝቐርብ ጥርዓን እምበር፡ ናይ ግጥሚ ሓረግ ምዃን ኣቋሪጹ’ዩ። “ኣዒንተይ ሓቢጡ” እውን ከምኡ። “ድቃስ ለይቲ ስኢነ” ካብ ትብልከ፡ ቁሩብ መለሳ እንተ ዀነካ “ወርሒ ኣብ ቀላይ ኣዒንተይ ሓዲራ” እንተ በልካ እንታይ ኣለዎ! ግናስ፡ ዝተባህለ (predetermined) እናገፈጥካ ምኹናይ እንተ ለሚድካ፡ ገጣማይ ምዃን ኣቋሪጽካ ከም ዘለኻ መን ይንገርካ! “ዓደ’የ ብሌን ዓይነየ” ክበሃል ክንደይ ግዜ ዀን ሰሚዕካ ንኸውን! “ጽብቕተይ ብሌን ዓይነይ” እሞ፡ ከም ዕለታዊ መግቢ ኣብ ዕለት-ዕለት ክትረኽቦ ዘጸግም ኣይኰነን። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላ፡ ካብ ስእሊ ኣእምሮኡ ነቒሉ፡ ዘይተሰምዐ መተካእታ ዝገብረሉ’ዩ እምበኣር ገጣማይ ዝበሃል። እዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰብከ፡ መኣስ’ዩ ብርቂ ኣበሃህላ ምስ ሃዋሃዋኡ “ጆባ” ክብለና ዝኽእል?
እወ! በቲ ሓያል ጋሻ ውሕጅ፡ እልቢ ብዘይብሉ ብህሎ ምስ ኣዕለቕለቖ እምበር!! “ግጥሚ ጋሻ ውሕጅ’ዩ” – ብርግጽ መኣስ ከም ዝመጽእን ዘቋርጽን ኣይፍለጥን’ዩ። ንነገራትን ንፍጻመታትን ብምስሊ ናይ ምንጋር ተውህቦ ዘለዎ ትሕተ-ንቑሕ ኣእምሮኻ ጋሻ ውሕጅ’ዩ። ንሱ’ዩ ድማ እቲ ግጥሚ።
ኣብ ወደብ ባጽዕ፡ ኣብ እዋን ጸልማት፡ ብመብራህቲ ዝደመቐት ዓባይ መርከብ፡ መልሕቓ ነቊታ ተንሰላሉ። ጽላሎታ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እናንጸባረቐ ብድምቀት ይረአ። ኣብ መዓሙቕ ናይ’ቲ ባሕሪ፡ ከዋኽብትን ወርሕን ከከም ርሕቀቶም ደሚቖምን ሃሲሶምን ይረኣዩ። ንስኻ – ብምሒር ተምሳጥ፡ ብዛዕባ’ቲ ትርኢት ወይ ህሞት ገለ ክትብል ደሊኻ። ብናይ ቃል መግለጺ ከይተሸገርካ ክትብል ትኽእል ኢኻ።
እዛ መርከብ ብብርሃን ደሚቓ
ኣብ ጽላሎታ ኣብረቕሪቓ
ከዋኽብቲ ምስ ወርሒ
የንጸባርቑ ኣብ ባሕሪ. . .
ግጥሚ ተገጢሙ ዲና ክንብል ወይስ ዘረባ ተዘሪቡ? እዚ ኣበሃህላ ዕላል’ዩ። ነቲ ህሞት ዝተዓዘበ ኩሉ ክብሎ ዝኽእል። ከም’ዚ ዝበለ ግጥሚ እንተ ጽሒፍካ ምስ ሕመረት ውሽጥኻ ኣይተራኸብካን። ውሽጥኻ፡ ነቲ ህሞት፡ በየናይ ኩርናዕ ከም ዝጥምቶን ከመይ ዝበለ ምስሊ ከም ዘትረፈን ኣይሓተትካዮን። ብሓጺሩ ደሃይካ ኣይሰማዕካዮን። ትሕተ ንቑሕ ኣእምሮኻ፡ ብጽሓዮ ደኣ’ምበር፡ መጎታዊ ወይ’ውን ዘይመጎታዊ (Logical or Illogical) ግን ከኣ ዝእመንን ዝምስጥን ሓሳባት ከውሕዘልካ’ዩ። ንቑሕ ሓንጎልና (sign mind) ነቲ ዝተቐበሎ ምስሊ ብቓላት ክገልጽ ደኣ’ምበር፡ ንኽገጥም ዓቕሚ የብሉን። እሞ፡ እዛ ፍልይቲ ፍጻመ ንዓይኒ ውሽጥኻ ከመይ ትረኣዮ ትኸውን? ኣብ መዓሙቅካ ጥሒልካ ክትጽሕፍ ብዘንቀድካ ኣእላፍ ምስልታትዶ ናብ ርእስኻ ውሒዞም። እንታይ ኣትረፍካ ደኣ? ጽላሎት ናይ’ታ መርከብ፡ ዝጠሓለት ከተማ ኮይና ዶ ትስመዓካ ወይስ መንበሪ ናይ’ቶም ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝነብሩ ናይ ጽውጽዋይ ፍጥረታት? ጽላሎት ከዋኽብቲኸ እንታይ ኰይኑ ተራእዩካ? ጀሊ ፊሽ? ዑንቊ ባሕሪ? ኣልማዝ ባሕሪ? ዕምበባ ባሕሪ? እያድ ስዉራት ፍጥረታት?. . . ውሽጥኻ እንተ ኢሉካ፡ ነቲ ህሞትከ ከም ልደት ፍጥረታት ባሕሪዶ ምመሰልካዮ? ኣእማኒ ስእሊ-ኣእምሮ ክትፈጥር ክሳብ ዝኸኣልካ ብርግጽ እምበር!
ብዘይ መሰረት ብዘይ ሑጻ
ጸርጊ ወርዊሩ ብርሃን ዝሃነጻ
ፍጡራት ሓርያ ዝጠሓለት ከተማ
ትእምርቲ ልደት ናይ ባሕሪ ግርማ
ወርሒ ከዋኽብቲ ምንጻፋ ክዳና. . .
ጽቡቕ ግጥሚ ተጻኺፉ ኣይንበል ደኣ’ምበር፡ መለሳ ከም ዝዀነናስ ርጉጽ’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ኣበሃህላ ድማ፡ ኣብ’ቲ ብርቱዕ ውሕጅ’ዩ ዘሎ። ክትጽሕፍ ኣብ እትብገሰሉ እዋን፡ ውሽጥኻ ተጸናጸኖ። እንታይ ከም ዝብለካ ኣስተብህል። ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ ሓንጎልካ ዝጸንሕ ድሉው ኣዘራርባ ብፍጹም ረስዓዮ። ከም በዓል “ዓይኒ ፍንጃለይ፡ መዓንጣ ሽቦ፡ ግርማ ክረምቲ፡ ማዕበል ሓሳባት፡ ምብላዕ ምስታይ ስኢነ፡ ዛውያ ጸጉሪ ርእሳ፡ ጸሓይ ኣብ መንበስብስተይ ዓሊባ. . .” ኣብ ቀረባ ክጸንሑኻ’ዮም። እወ! እቶም ዘይናትካ ኣገላልጻታት ቀደም ስለ ዝሰማዕካዮም፡ ውትፍ ውትፍ ከም ዝብሉኻ ኣይትረስዕ። “ገጣሚ’የ” ትብል እንተ ሃሊኻ ግን፡ ውሽጡኻ ኣርእየና። ህሩግ ክሳብ ዝብለካ ዓቅል። ንነብስኻ – ንስኻ ክሳብ እትኸውን ዕድል ሃባ። ንስኻ፡ ከም ብርቱዕ ውሑጅ መዓት ጾር ተሰኪሙ ድንብር ምስ በለካ ግን፡ ምስ ዋሕዚ እናተቐዳደምካ ዝዓቕምኻ ኣብ ወረቐት ኣስፍር። “ሽዑ ከዕርፍ’የ” ዝበሃል ነገር የለን። “ክእርም’የ” ኢልካ’ውን ካብ’ቲ ሩባ ከይትእለ! ምእራምን ምጽብባቕን ዋሕዚ ምስ ነጸፈ ከተርክበሉ ኢኻ። ሓንሳብ እንተ ኣምሊጡ፡ ኣብ መሽጎራጉሩ ሽርብ ክብለካ’ዩ። ከም’ቲ ሓረስታይ ካብ ብርቱዕ ውሕጅ ብመእለዪ እናሰለበ ተኽሊ ዘስቲ፡ ንስኻ’ውን፡ ካብ ዋሕዚ ሓሳባት ውሽጥኻ እናሰለብካ፡ ኣብ ወረቐትካ ኣትርፎም። ዝዓቕምኻ ክትሰልብ እምበር፡ ውሽጥኻ ዝበለካ ኩሉ ከተስፍር ዓቕሚ የብልካን። ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሓያል ውሕጅ እንተ ነቒሉ ግዜ የብልካን። ብዶብ ኣልቦ ምስልታት ክድብድበካ’ዩ።
ስሙ ዝዘንጋዕኩዎ ፍሉጥ ናይ ደርፊ ግጥሚ ጸሓፊ (Lyricist) ነታ ኣርባዕተ “Grammy award” ዝተዓወተላ ናይ ሓንቲ ደርፊ ግጥሚ ክደርስ፡ ኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝወሰደሉ ገሊጹ። (one grami per minute) “ሓንቲ ደቒቕ ንሓንቲ ግራሚ” እናተባህለ ይዝረበሉ ኣሎ። እዚ ዛንታ፡ ግጥሚ ክትጽሕፍ ስለ ዝደለኻ ጥራይ ከም ዘይጸሓፍ’ዩ ዘርእየና። ንውሽጥኻ እንተ ረኺብካዮ፡ ወላ’ውን ኣብ ካልኢታት ውሃ ዘበለ ግጥሚ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ምስ ውሽጥኻ እንተ ተራኺብካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብርቂ ኣበሃህላ ክትፈጥር ኢኻ፡ ንፍጻመታትን ነገራትን በቲ ካልእ ሰብ ዘይርእዮም ኩርናዕ ክትብሎም ኢኻ። ውሽጥኻ፡ “ቃንዛ ምቁር’ዩ” እንተ በለካ ስምዓዮ። “ሞት ሂወት’ዩ” እንተ በለካ ድማ ኣይኰነን ኣይትበሎ። ንጸሊም “ጻዕዳ’ዩ” እንተ በሎ’ውን ኣይትድሃሎ። “ኣእምነኒ” ጥራይ ኢኻ ክትብሎ ዘለካ። ምኽንያቱ “ናትክስ ንበይኑ’ዩ ነቕነቕ ዘብል ደብሪ” ምስ ተባህለ፡ ደብሪ ተነቓንቕ ጓል ሰብ ከም ዘየላ እናፈለጥካ ኣሚንካ ኢኻ!!