ጉዕዞ መሬት ኣኽቲመ!
ምፍልላይ መንፈሰ-ስጋይ
ምስተሰምዐ!…
ንገለስ. . .ከንብዕየ!
ሽዑ እቶም ገጠምቲ
ገለ ይብሉ ይኾኑ ግዲ
እንተግጥሚ ግን ብጊድኡ
ቃል እዩ እዩ
ከምዚ ኢሉ ክገጥም ምስ ሞትኩ!
< መርሓባ
መርሓባ!
መጺኺ’ዶ ሳባ ልዋ
እታ እኳ ንዑመር ከሊኦም
ንዑመር ዝሃብዋ!!
ሳባ እታ እኳ
ፍቕሪ ዘሕምቓ
ንብዓት ዝቕድማ!
. . . ሳባ
ትለኣኺ እሞ
ትሕንግዲ
ትዘሊ’ሞ
ትዕገቲ
ልዕሊሊ’ሞ
ትልከቲ!
ሳባ
ንነገራት ከም ኣፍ ዑንቒ
እንክትስእንሎም መሰኩዒ
ምሳኺ እኮ’የ ኔረ ጥቓኺ
ሕሹኽ ዘይትብልኒ’ቲ
መተሓሓዝኩኺ!
ምሒር ትጭነቒ በቲ ሓላፊ
ትሕቆኒ በቲ ተራፊ
ሓያሎ እዋናት ውን
‘ሳባ!
ሳባ !
ሳባ. . .’ ኣድህየ
ሕርናኬኺ እንዳቐጸለ
ሓሪቐ ተመሊሰ
ግን መዓስ እሞ
ሩሐይ ጠቕሊለ
ኣብ ውዕሎኺ ክውዕል
መዓስ ተሓሊለ!!
. . . ብዝኾነ!
እ. . ባ
ክይረዕኹልኪ
እ. . . ኣይትሓዝለይ ግን
ትፈርሒ ድማ ኔርኪ
ስለምንታይ ትፈትሒ
ከይትሞቲ ትፈርሒ!?!?!?
ፈሪሕኪ ኣይፈሪሕኪ
እነሀኪንዶ ሕጆስ ሞትኪ
ናብዚ ተወሊድኪ
ኣጆኺ
ሕጂ ቀጽሊ ጉዕዞኺ
ቑሊሕ ኣይተብዝሒ
ንመሬት ገጽኪ!
ብራቮ . . .!
ኣጆኺ!
ሳባ ኪዳነ
ቺነማ ኣዝመራ
ኣብ ከባቢ 1999 ወይ 2000