ሰላም ወ ሰናይ ንዓኹም ይኹን ፥ ፍቑራት ነበብቲ መርበብ ሓበሬታ ፈይስ ቡክ። እንሆ ምስትምቓር ከም ርድኢትካን ርእየትካን ኢዩ ′ሞ ጠቢብን ድምጻዊን ዮሃንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ) ንዝሓደማ ደርፊ ብርድኢተይ ከስተማቕራ በሃግኩ። ሃንስ ብልክዕ እንታይ በለ ዘይኰነሲ ፥ እንታይ ኪብል ዚደለየ ይመስል ዳህሳስ ገይረ ኣለኹ። ሰዓቡኒ…
ሕደማ = ግዜ
የሓንስ ትኳቦ(ወዲ ትኳቦ)
“ግዜ ዶ ይበሃል ‘ዩ ኪድንዶ ጽናሕን
ባዕሉ እንድዩ ዚመጽእ ‘ዚ ሎምን ጽባሕን
ዛንታ ትማሊ ግን መሪርን ነዊሕን
ኣእላፍ ዚወሰደ ሓጺርን ነዊሕን
ጸሊምን ቀዪሕን
ንመን ምተማዕቶ ታሪኽ ተዝሕንሕን።”
ግዜ መዓልትን ለይትን፣ዓመታትን ኣዋርሕን፣ዕለታትን ሰዓታትን፣ደቓይቕን ካልኢታትን ኢልካ ትምድቦ ንቕድሚኡ ደኣ’ምበር ናብቲ ዚነበሮ ወይስ ንድሕሪት ኪምለስ ተኽእሎ ዘይብሉ ዘየቋርጽ ባህሪ ተፈጥሮ ኢዩ።
ግዜ፥ ሰባት ባዕላቶም ብንውሓትን ሕጽርን መዲቦም፣ ሸንሺኖም፣ ይዕቅኑዎ እምበር፤ ኪዕቅኑዎ ከለዉ ኸኣ ኣብቲ ባህሪኡ ተመርኵሶም ደኣ’ምበር ብናቶም ምዕባሌ ወይስ ኣተሓሳስባ ኪቕይርዎ ዝከኣል ኣይኰነን።
ሰባት ግና ኣብ ትሕቲ ግዜ ዀይኖም ብዝዓየዩዎም ክፉእን ሰናይ ብዝበሃሉ ነገራት ንነብሶም ይምዝኑሉ ኢዮም። ግዜ፥ ካብ ቀደሙ ክሳዕ መጻኢ ዘይተቐያየሪ ጠባያት ኣለዎ። ግዜ ንሰባት ብሎሙን ጽባሑን ኣቢሉ፡ ፍርዲ ርእሶም ወይ በጃ ነብሶም ከቃልዖም ይኽእል ኢዩ።
ግዜ፥ ኪድን ጽናሕን ዝበሃል ባህሪ ተፈጥሮ ኣይኰነን። ሰብ’ዩ ኣብ ትሕቲ ግዜ ኪኸይድን ኪጸንሕን ዝኽእል። ወዲ ሰብ ነቲ ምዕራፍ ዘይብሉ ግዜ ብመደብ ገይሩ፡ ንምሕደራ ህይወቱ ኪጥዕም ሎም፣ጽባሕ፣ ትማል ቢሉ ዝምድቦ ‘ምበር እቲ ግዜ ነቲ ዘይተመላላሳይ ግና ቐጻላይ ዑደቱ ሒዙ ‘ዩ ዝቕጽል።
ኣብቲ ጠቢብ ወዲ ትኳቦ ዛንታ ትማሊ ኢሉ ምረቱን ኣእላፍ ዝሓትት ዝነበረን ግዜ ዘውከኦ ታሪኽ፤ ትማሊ ምእንተ ግሁድ ናጽነት ቃልሲ ዚጠለቦም ኣሽሓት መንእሰያት ግዳይ ሞትን ስንክልናን ዝዀኑ፡ ንራህዋ ሎም ብጸበባ ትማል ዚወሓስ ምንባሩ ኢዩ።
ኣብቲ ትማሊ ነቲ ሰብ ዝፈጠሮ ብሕልፊ ንተቓላሳይ ነቲ ዘይቅቡል ባይታ፡ ንመኸተኡ ዝወፍር ከኣ፥ ሰብ እምበር ግዜ ወይስ እዋን ኣይኰነን። እቲ ጠቢብ ከም ዚብሎ ግና “ትማሊ” ግዜ ወላ ተዀነ ሓያለ መንእሰይ በቲ ኣብቲ ግዜ እተሰርሐ ቅያን ተጋድሎን፡ ብትማሊ ክትዝክሮ ስለ ዝሓጽር ‘ደኣሉ ተጠቒሙሉ እምበር ኣብ ትማሊ ሰብ ተዘይኰይኑ፥ ግዜ ቀያሕትን ጸለምትን ኣይከፈለን።
ታሪኽ ሓንሳእ ዚፍጸም ፍጻሜ ወላ ተዀነ ምስሊ ታሪኽ ግና፡ በቲ ሎም ዝሃቀንካሉ ሸቶ ተዘይተዓቂቡ ታሪኽ ይመክን ኢዩ። ታሪኽ ማለት ሰንሰለታዊ ዕላማ ኢዩ። ትማሊ ንውሕስቲ ሃገር ተቓሊስካ፤ሎሚ ውሕስቲ ሃገር ተዘይወኒንካ ትማሊ እተቓለስካሉ ዕላማ ዳግማይ መስዋእቲ ከም ዚጠልብን፡ ድኻምን ጻዕርን ይሓትትን ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ሰንሰለቱ ይበታተኽ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ኣብ ምስንኻል ዕላማ ትማሊ ፡ሎም ገበን ዚፍጽሙ ዉሑዳት ወይስ ብዙሓት ነቲ ቃልሲ ዝመርሕዎ፡ ብሶላ ቃልሲ መኣዝኑ ከስሔትዎ ይኽእሉ። እቲ ተበዳላይ ‘ተዀነ ብዓይኒ ታሪኽ ካብ ተሓታትነት ዜምልጥ ኣይኰነን።
“እወ ተዝሕንሕን ተዝፈዲ ሕነ
ብርዕን ወረቐትን መዳፍዕ ምዀነ
ቀለም ጥይት ኰይኑ ናብ መን ምቐነነ
ይፈልጥ ዩ ኹሉ ግዜ ዘይዳነ
መን ከም ዚደንደነ መን ከም ዘይደነነ
ቋሕ ዝበለ ዓሳ ስልም ዝዀነነ
ነዛ ሪሙን ርስቱን ፍጹም ዘይዛነ።”
ታሪኽ ንታሪኽ ተወኪሱ ኣብ ልዕሊ ዓማጾ ሕነ ተዝፈዲ ነይሩ፡ ክንደይ ገበነኛ ምተቓልዐ ነይሩ። ታሪኽ ንትማሊ እተኸፍለ ረሃጽ፣ደም፣ንእስነት፣ብዓንደ ርእሱ ኸኣ ህይወት ብዓማጺ ኪጭወ እንከሎ፡ ታሪኽ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ጨዋዪ መብጽዓ እንታይ ኰን ምበየነሉ፧
ብርዕን ወረቐትን ሓቂ ተዝነዝዕ ነይሩ፡ ንገበን እቶም ረሲኣን ገድሊ ዚኸውን ፍርዲ ኣይምተረኽበን። ንገበናቶም ብዓይኒ ገበን ክረኣይ ዒብ ደኣ ምተባህለ።
ዛጊት ነቲ ናታቶም ገበንን ዓገብን ዚምጥን ቃል፡ ኣብ ትግርኛ ከም ዘየልቦ ምስተቆረና ነይሩ። ሰብ ኣብ ልዕሊ ግዜ ደኣ ይነቅሕን የንቅሕን እምበሪ፤ግዜስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኬንቅሕን ኬበራብርን ከቶ ዘይከኣሎ ኢዩ።
“ይፈልጥ ‘ዩ ኵሉ ግዜ ዘይዳነ”
ሰብ ጽባሕ ካልእ ግዜ ምስ ኣብረቐ፡ እቲ ከውሊ ሒዙ ዚጸንሐ ሽዑኡ ይግለጽ ንምባል እተጠቀመሉ ትውክልታዊ ቃል ይመስል። ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዜ ዀይኑ ይኣርግ፣ይቀያየር፣ኣበሩ ይኽሻሕ። ሓቂ ድማ እናተቐለዐ ይመጽእ። ኣብ ትማሊ ዚነበረ ስእሊ ብልክዕ መን እንታይ ገበረ ዘርኢ ስእሊ ምስ ኰነ፤ ሰብ በቲ ሒዙዎ ዚነበረ እሙንቶ ቀደሙስ ኢለንዴ ይብል። ገለ ኸኣ ለካስ ከምዚ ‘ዩ ነይሩ ይብል ወቦዘ…።
ታሪኽ ትኽ ዝበለት መገዲን፡ መኻልፍ ዘይብላ ህያብ ወዲ ሰብ ኢያ። ሓቀኛ ታሪኽ ንግዚኡ ′ተተዓብሰ፡ ገለ ማንቋ ወላ ‘ተስኣነሲ ምናልባሽ ነዊሕ እዋን ይወስድ ይኸውን እምበር ፡ ምቕልዑን ጋህዲ ምዃኑን ዘይተርፍ ኢዩ። ኣብ ዘበነ ዕበጦ ዕበጦ ግና፡ ሓቀኛ ታሪኽ ጽባሓ ክትጽበ እንከላ እቲ ዝተኸለሰ ወይ ዝንጡል ታሪኽ ሒዙ ዝነፍጽ ዘሎ ግና፡ ጽባሕ ጽውጽዋይ ተተርኢሱ ይኸይድ ምንባሩ ኪስወጦ ኢዩ።
ሓይሊ ግዜ ንትማልን ሎምን፡ ኣብ ጽባሕ ከመይ ከም ዝፍትቶ ኣብ ምፍላጥ ‘ዩ። በደልን ሓሶትን ተሓንጊጡ ዝኸይድ ምስሉይ ስኑዕን ታሪኽ፡ ከምቲ ገረብ ብሓሸራ ዝቡኽቡኽን ዝምሽሙሽን፤ኣብ መወዳእታ ‘ውን ዘልዓፍ ቢሉ ዝወድቕ፡ ሎሚ ሱሩ ነዊሕ ዝመሰለ ቁጽያ ታሪኽ ፡ ጽባሕ ሰረት ከም ዘይነበሮ ብኣዋጅ ኪፈሽል ምዃኑ ኢዩ እቲ ጠቢብ ብረዚን ቃላቱ ገይሩ ዜወርቖ።
“ድሕሪት ገጽኩም ‘ሞ ዘመን ተመለሱ
ጽላል ቀዪሕ ባሕሪ ተኸሲሱ
ካብቲ ፍርዲ እቲ ኽሲ ብኢሱ
ትም ዘይበልካ ኢሎሞ ሽላ እናሓምበሱ
ትም ዘይበለሎም እናጠሓሱ
ሕሱም ክሲ ስግንጢር ‘ዩ ፈልሱ።
ናይ እምባኹም ዓሳ ሰብ ነኺሱ
ጓሳ ዓሳ ስላዕ ግዲ ኣንኢሱ
ከምኡ ይኸውን ዓሳ ምስ ደቀሱ
ከምኡ ኢልናዮም ዓሳ ምስ ደቀሱ
ኣንታ ‘ዚ ግዜ።”
ድሕሪት ገጽኩም እስከ ዘመን ተመለሱ ካብ በለናስ ፡ ብታሪኽ እስከ ቀው ንበል። ጽላል ቀዪሕ ባሕሪ ብዓል መን ኢዮም ዚኸስዎ፧ ክሲ ‘ተበልካስ ንኽሲ ዘብቅዕ ገበን ዶ ኣየድልን ኢዩ፧ ቀዪሕ ባሕሪ ደኣ እንታይ ኣበሳ ኣልዩዎ ኢዩ እተኸሰ፧ ቀዪሕ ባሕሪ እቲ ኣዝዩ መሳጢን ሃብታምን ባሕሪ ኣብ ኣፍሪቃ። ሃብቲ ንምዕዳን ድዮም ንቐዪሕ ባሕሪ ዚኸስዎ፧ ቀዪሕ ባሕሪ እሞ ኸኣ እቲ ጽላሉ ‘ተተኸሰስ እንታይ ኢዩ ዚፍረዶ፧ ንቐዪሕ ባሕሪ ዚኸሰሱ ናይ ዘመናት ገባቶ ኵላቶም ንሓላሎም ክገብሩዎ ድዩ ‘ቲ ብይንን ፍርድን፧
“ካብቲ ፍርዲ እቲ ኽሲ ብኢሱ”
እቲ ፍርዲ ቄናን ክነሱ፡ እቲ ኽሲ ካብኡ ዚገደደ ተዀነ ኸ እንታይ ሰዓብ ኣለዎ፧ እቲ ናይ ቀደም ናይ ዓመጻን ጐበጣን ክሲ ካብ ኰነ እቲ ናይ ሎሚ ኽሲ ኸኒ ክንዮው ፍርዲ ዝኸበደሉ ውሽጠ ውሻጦኡ እንታይ ኢዩ፧ ‘ቲ ኽሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተሃቂኑ ዘሎ፡ ከም ዘመን ኖህ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ ኢዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣረገውትን፡ ብዓንደ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ኣእምሮኡ ዘይደልደለ ህጻን ዚካየድ ዘሎ ጽንታ፣ ዝምታ፣ ስንክልና ርእሲን ‘ዩ።
“ትም ዘይበልካ ኢሎሞ ሽላ እናሐምበሱ”
ኣብቲ ዓሳ ዘለሉ ባሕሪ ሽላ እንታይ ይባቑጥ ኣሎ፧ ሽላ ኸኒ ይሕምብስ ድዩ፧ ንሕቶታት ሕቶኣዊ መልሲ እናነጸሮ ኢዩ ዚኸይድ። ሽላ ኣብቲ ኣብ ባሕሪ ጥራይ ኪነብር ተፈጥሮ ዝሃበቶ እንኮ ዕድልተጠቂሙ ከይነብር፡ ሽላታት ስለምንታይ ቀይዲ ከንብሩሉ በሃጉ፧ ንዓሳ ካብ ባሕሪ ወጻእ ናይ ዘይምንባር እምበር ናይ ምንባር መሰል ስለ ዘይብሉ ነዛ ብሕታዊት መሰሉ ‘ተዓምጸጽካያን ‘ተጓዕጸጽካያን፡ ንምንባሩ ዝደላኻዮስ ኣይትመስልን።
ነቲ ምንባር ዚግበኦ ምንባር ከልኪልካ፡ እቲ ምንባር ዘይከኣለካ ክትነብር ወይስ ክትእዝዝ ‘ተደለኻስ ገለ ነገር ኣሎ። ጠቢብ ወዲ ትካቦ ሽላ ኣብ ባሕሪ ወሪዱ ንዓሳ ትም በል ክብሎ ገይሩ ዘርእየና ዘሎስ፡ ኣይትንበሩ፣ ኣይትወሳወሱ ኢልካ ኣምላኽን ተፈጥሮኻን ዝሃቡኻ መሰል ምንፋግ ዚኣክል ዓቕሊ ጽበታዊ ስጉምቲ ይወሰድ ከም ዘሎ ከነጽር ዚደለየ ይመስል። እዚ ግን ናተይ ርእየት ኢዩ። ሕልሚ ከም ፈታሒኡ ተባሂሉ ኢለ፣ ጋህዳዊ ሓሳብ ናይቲ ጠቢብ ብድላየይ ኣንፈት እፈትሕ ከይህሉስ ኣይተጠራጠርኩን።
“ናይ እምባኹም ዓሳ ሰብ ነኺሱ
ጓሳ ዓሳ ስላዕ ግዲ ኣንኢሱ
ከምኡ ይኸውን ዓሳ ምስ ደቀሱ”
ዓሳ ከም ፍጡር ናይ ምዝካር ተኽእሎኡ ዚወረደ ኢዩ። ዓሳ ዘይለባም ወይስ ሃላው ካብ ዚበሃሉ ፍጡራት ሓደ ኢዩ። ኣብዚ ደኣ መን ኢዩ ዓሳ፧ ንባህሪ ዓሳ እተሓንጠጠ ‘ተኾይኑ ዓሳ ህግደፍ ኢዩ ክኸውን ዚኽእል። ኣብ ገድሊ 30 ዓመታት ደም ከፊሉ ዘምጽኦ ናጽነት ምዝካሩ ተሳኢኑዎ፡ ብኻ ከትርፎ እንከሎ ርእሲ ዓሳ ይዋሰብ። ብቑርን ጸልማትን ከይተጸዓዱን ከይተሰኰኑን ፡ ኣብ ክንዲ ጥዑም ጨና፡ ጨና ባሩድ ንርብዒ ዘመን ኣሽቶተም፣ ኣብ ክንዲ ማይ ጻምእ ምዒጐም፣ ኣብ ክንዲ እንጌራ ሓደራን ባና ናጽነትን ተመጊቦም ዘምጽኡዎ ናጽነት ኣብ ሮራ ምስ ወጹ ልዕሊ ‘ቲ እተቓለስዎ ጸላኢ፡ ጸላኢ ካብ ኰኖም ርእሲ ዓሳ ‘ተተባህለ ምገለጾ።
ዓሳ ናብ እምባ ከመይ ኢሉ ወጸ፧ እቲ እምባ ስልጣን ‘ተዝኸውን ‘ሞ፡ እቲ ዘይርድኦ ዓሳ ተዝኸውን ከኣ ግርም ነበረ። ወዲ ትኳቦ ኣናዊጹኒ። ጓሳ ዓሳ ስላዕ ኣንኢሱ ‘ተበለ ኸኣ፡ እቲ ዓሳ እቲ ስርዓት እቲ ጓሳ ኸኣ እቲ መንእሰይ ገይረ ሾምኩዎ። እቲ ዓሳ ካብ ባሕሪ ወጽዩ ምንባር ካብ ጀመረ ዳርጋ ዘየልቦ ኢዩ።መንእሰይ ግና ስላዕ ግዳ ኣንኢሱ። ኢሉ ዚቑንጥብ ዘሎ ኸኣ መሰለኒ። ደሓር ከኣ፥ ነቲ ዝተጋነነ ክሶም መሰረት ዘይብሉ ቤላ ቤለው ክሲ፡ ንህዝቦም ከም ዝኸሰሱ ዶ ደኣ ክገልጽ ደልዩ፧ ይፍተሓላ። ሕጅስ ኣስተንትኖይ ዕውንውን ኣቢሉኒ።
“ኣጽዲቖሞ ሰማዒ ብዘይብሉ
ተፈሪድና ጠበቓ ብዘይብሉ
ተፈሪድና እምባና ክንሕሉ
ተፈሪድና ባሕርና ክንሕሉ
ተገዲድና ደምና ክንክዕወሉ
እተሰርቀ ሓመዱ ክንመልሰሉ
ግዜ ደኣ ይድገም ከይህሉ።”
ኣብ ልዕሊ’ቲ ናጽነቱ ብምናቱ ዘምጽኤ ህዝቢ ንድሌታቱን ሕልምታቱን ፍጹም ተጻባኢ ብዝዀነ ብይንን ፍርድን ፍትሒ ከም ዝሰኣነ ንምግላጽ ዝበሎ ‘ዩ ዝመስል ወዲ ትካቦ።
እዚ ህዝቢ 30 ዓመታት ዝተቓለሰ ጠበቓ ኣብ ዘይብሉ ኪፍረድ፣ገበነኛ ተባሂሉ ኣብ ግጉይ መጋባእያ ኪግተር ኣይነበረን።
ዚሕልወሉ ዚዕቅበሉን እንደኣሉ ስኢኑ እምበር ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ቅኑዕ ባይቶ ሕጊ እንዳባ ደኣ ነይርዎ እንድዩ። ነቲ ብሕጊ ኣቦታቱ ዚዳነዮ ዚነበረ ከመሓይሽን ከሰልጥኖን ቢሉ ኣብ ክንዲ እተቓለሰ ነቲ ዝነበሮ ‘ውን ስኢኑዎ። ስለምንታይ ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ሰማዩ፣ባሕሩን ምድሩን ኪሕሉ እተፈርደሉ፧
ትማል ቅድሚ ትማል ካብ ባዕዳዊ ጐበጥቱ፡ ርስቲ ዓደቦኡ ብዋልትኡን ኵናቱን ድርዒ ዀይኑ እንተመከተ የምሕረሉ። ሎሚ ግና መሬቱ ካብ ጸላእቱ ኪከላኸል ዝፍረዶ ዘሎ፡ ንቅኑዕ መኸተ ኣይኰነን። ጸላኢኡ ኣብ ቱሽቱሹ እንከሎ ብግዳም ጸላኢ ኣሎኒ እናበለ፡ ኣዒንቱ ድቃስ ገዚቱ ክነብር ‘ሞ፡ ኣብ ሕቑፉ ዘሎ ኣባዩ ብዝግባእ ንኸየስተውዕል እተማህዞ ተዋስኦ ኢዩ።
ዕንዱ ኤርትራ፥ ጡብ ኣዲኡ ኣሕዲግካ ትንሓጉ ስኒ ከየብቆለ ጻውቲ ንእስነቱ ከይመነወ ፡ ትርጒም ዓቀይታይነት ክትምህሮ ዘድለየስ ኣብ ምንት ምንታይ ኢዩ።
“ግዜ ደኣ ይድገም ከይህሉ”
ግዜ መን ይደግሞ ኣሎ። ሰብ ኢዩ ዚደግሞ ዘሎ። ግዜ ከይድገም ህየቱ ንዘይህላወ፡ ኣዕጽምቱ ንጐቦታት ዓዱ መባእ ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ግዜኡ እንተደገምካሉ፡ ከም ዘመነ ሎጥ ብዝነበረ ሓዊ ኣብ ሰማይ ክተፍእ መቕጻዕቲ ብምንታይ ይንእስ።
መቕጻዕቲ፧ መቕጻዕቲ ‘ከ ንዝገበርካዮ ኣበሳ ስዒቡ ዚመጽእ ዓስቢ ግብርኻ እንድዩ። እናተቐጽዐ ዚመጸ ህዝቢ፡ መቕጻዕቲ ደው ኬብል ወይስ መቕጻዕቲ ብፍትሕን ርትዕን ኪኸውን ተቓሊሱ ኬብቅዕ ተመሊስካ ‘ተቐጻዕካዮስ፡ ንጻድቕ ጽድቂ ከም ምንፋግ ኢዩ ዚቑጸር።
“ስናዕ ቆብዕ ሰፍዮም ባዕሎም ዝምረቑ
ቅኑዕ ፍትሒ ጐስዮም ፍርዲ ዚናፍቑ
ኪድ ኣይንብሎን ጽናሕ ኪመጽእ ‘ዩ ግዜ
እዝንና ክትሰምዕ ናይ ታሪኽ ኑዛዜ
ጽኑዕ ምስ ሰዓረ እዋን ፍለፍለ
መን ጸምበለል ኢሉ መን ከም ዚጠሓለ
ቀሲኑ ኣይፈልጥን ቅኑዕ ዚበደለ።”
ብዘይ ኢድ ህዝቢ ወይስ ህዝቢ ባሪኹ ዘይሃበካ መኣዲ ስልጣን ህውቱት መኣዲ ኢዩ።እቲ ካብ ባዕሉ ናብ ባዕሉ ካባ ኽብሪ መሲሉዎ ንባዕሉ ዘግዘመ ሓይሊ ግን ብዘይፍቓድ ህዝቢ ‘ዩ እሞ ካባ ሕፍረት ንነብሱ ከም ዘልበሳ ኢዩ።
ሓላል ፍድያ፥ ካብ ተፈዳዪ ጽቡቕ እምበር፡ ካብ ገባሪ ሰናይ ኣይምስከርን ኢዩ። ካብ ልሳኑ ዚምስክር ነቲ ገይረልካ ዝብሎ ሓይሊ፡ ግብሩ ኣብ ልቢ ህዝቢ ከስርጽ እምበር ስለዝገበረስ ኣይኰነን። እቲ ቅኑዕ ሚዛን ንዝሃቦ ህዝቢ ቄናን ፍርዲ ዝህብ ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ኸኣ፡ ብግዜኡ ማለት ብኸይድታቱ ኪዓኑ ስለ ዝዀነስ ንግዜ ኪድን ጽናሕን ዘድሊ ኣይከውንን። ሓቅታት ኣብ ንስሃ ይኹሉዑ። ንስሃታት ከኣ ኣብ ጻዕሪ ሞት ኢዮም በርሃው ዝብሉ። ኣብ ጻዕረ ሞት ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ፡ግብሩን ታሪኹን ጸረ መልሓሱ ደው ዝብሉሉ ግዜ ቀሪቡ ስለ ዘሎ፤ እቲ ጽንዓትን ሓቅን ዳኛኡ ገይሩ ምስ ልቡ ዝጸነሐን፡ እቲ ኣፈ-ምልኪ ዘዝብሎ ፈጺሙ ናጽነት ህዝቢ ዚጨወየን ከኣ መንፊት ዓደቦ ኪትፈልዮም ኢያ።
‘ጽንዓት’ ዚብል ረዚን ቃል ንህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ኣብ መዝገበ ቃላት ዝርከብ ታራ ቓል ኣይኰነን። ህዝቢ ኤርትራ ንጽንዓት ጸኒዑ፣ኣጽኒዑ፣ተጸናኒዑ ምስ ግስታቱ ብግብሪ ዝተርጐሞ ስለ ዝዀነ ኢዩ። የግዳስ ካብቲ “በላዒ ብልዒ ወጸ ካብ ሓያል ፈራህ ወጸ” ዀይኑ ካብቲ ልበ ጽንዓት ህዝቢ፡ ልበ ኽድዓት ወጺኡ ነቲ ምስሊ ደዊኑዎ። ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ ደበሳ ኢዮብ ክድበስ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ እቲ ዓማጺ ኣብ መዝገብ ሕስረትን ብለምጺ ኢዮብ ከኣ ኪሳቐ ምዃኑስ ርዱእ ኢዩ።
“ናቶም ንብዓት ሓርገጽ ናትና ንብዓት ዓሳ
ምድረ ባሕሪ ‘ለዎ ጽኑዕ ጓሳ
እወ! ንብዓት ዓሳ ኪፈጥር ኢዩ ማዕበል
ደም ሓርነት እተነጽጎ ጸበል
ክጥሕሮ ‘ዩ ‘ዚ ዘበነ ገበል
ሰላም ኢልና ዘበነ ዘላገጹ
እንተ ንህውከት ግን ኪዕንቅጹ
ጽባሕ ተንቘጽሮም ሎሚ ይመጹ።”
ናቶምን ናትናን፣ንሶምን ንሕናን፣ መንን መንን በልካ፧ ህዝቢ ኤርትራን ጃንዳ ህግደፍን ኢዮም።
ንብዓት ሓርገጽ፥ ዘይልባዊ ንብዓት ኢዩ። ሰብ እናቐተልካዮ በጃ ኣዴኻ! ኢልካ ምስቁንቋን ማለት ኢዩ። ኰታስ ኣንብዓይ ክነስኻ ነቲ ዘንባዕካዮ ‘ተነባዕኻሉ ‘ዩ ንብዓት ሓርገጽ ዝበሃል። ንብዓት ሓርገጽ = ንብዓት ጃንዳ ህግደፍ።
ንብዓት ዓሳኸ፧ ረኣዪን ሰማዒን ዚሰኣነ ንብዓት። ንብዓቱን ማይን ተሓዋዊሱ ንብዓቱ ብንጹር ኪረኣየሉ ዘይከኣለ ንጹህ ህዝቢ። ንብዓትን ማይን ብሓንሳእ ወላ ተተሓውሰ፡ ጨዋም ንብዓት ተዋህሊሉ ማዕበል ምፍጣሩ ዘይተርፍ ኢዩ። እወ! ንብዓት ዓሳ፡ ንብዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ንብዓት ሓርገጽ ማዕበል ፈጢሩን ጌና ‘ውን ጎስዒ ማዕበል ከናውጾ ኢዩ። እስመከ ሓያል!
ንብዓት ውሽጥኻን ግዳምካን ክቕንዞ እንከሎ ዝፍጠር ውዑይ ስምዒት ኢዩ። ንብዓት ሓጐስ’ውን ከኣ ኣሎ። ንብዓት ጓሂ ግና ሕነ ዝፈዲ ንብዓት ኢዩ። ንብዓት ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ንብዓት ጓሂ ‘ዩ ‘ሞ፡ ሕኔኡ ኪፈዲ ኢዩ።
“እንተ ንህውከት ግን ኪዕንቅጹ
ጽባሕ ቘጺርናዮም ሎሚ ይመጹ።”
ኣብዛ ምድሪ ልዕሊ ተልእኾ ሰላም ፡ ተልእኾ ጥፍኣትን ዓመጽን ተሎ ይፍጸሙ። ካብ ሕንጻጻት ብልጽግናን ዕብየትን፡ ሕንጻጻት ውግእን ወረ ውግእን ኣዝዮም ስሉጣት ኢዮም። እቲ ምንታይ ንኽፍኣት ርእሲ ተንኰል፡ ንዕብየት ከኣ ርእሲ ብልሒ ስለ ዘድልዮ። ብልሒ ኣብ ሰናይ ጻዕሪን ንባብን ዚዕምብብ ኰይኑ፡ ጥፍኣት ግና ቅሙጥ ዕብዳን እምበር ብልሒን ግዜን ዚሓትት ኣይኰነን። ኣብ ቅድመ ቘጸራ ደበኽ ዝብሉኸ ፤ ንክፍኣት ‘ምበር ንምዕባሌ ዘይሰርሑ ኣኼስ መጋብራቶም ኢዩ። ዘበነ ገበል ክጥሓር ኢዩ። እወ ክስጐግ።
“ዘይርአ ንብዓት ንብዓት ዓሳ
ምስቲ ማዕበል ተሓዊሱ
ዚፈጠሮ ማዕበል፡ ማዕበል ሓቂ
ኵሉ ጸገም ጠሓሒሱ
ከምቲ ቀደም ንኵሉ ዚሰገሮ
ኪስዕር ኢዩ እቲ ሰዓሪ
ምድራን ገማግማን ኪዕቅባ
ቋሕ ኢሉ’ሎ ወዲ ባሕሪ
ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኹ በል
ኪስገር ‘ዩ ‘ዚ ዘበነ ገበል።”
ዘይርአ ንብዓት ኪብል ከሎ ንመን’ዩ ዜይረኣዮ፧ ነቲ ብሌን ልቡ ዝተመንሸረ ወይስ ነቲ ሪኡን ኣስተውዒሉን ‘ውን ተዀነ፡ ዓቕሚን ኩነትን ዚደረቶ ብግልጺ ይረኣይ ኢዩ። ንብዓት መንእሰይ ንብዓት ሃገር ኢዩ። መንእሰይ ‘ተነቢዑ ዓዲ ብሓዘን ርእሳ ኣድኒና ዝርንዛሕ ትንፍቕፈቕ ከም ዘላ ኢዩ ዝቑጸር። ንብዓት መንእሰይ ማዕበል ‘ተፈጢሩ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኣየጽንሕካ ኢዩ ዘብል።
መንእሰይ ብልሓት ኣለዎ። መንእሰይ ንኸይበልሕ ክንድቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሰርሓሉ ዕዮ ገዛ፡ ዓማጺ ንኽበልሕ ግዜ የድልዮ ኢዩ። መንእሰይ ሓንሳእ ‘ተበሊሑ ድማ፡ ፈጺሙ ኣይጐድምን ኢዩ። ‘ቲ ጽባሕ ዝስዕር ከኣ ንሱ ኢዩ። ወዲ ባሕሪ ሎሚ ወስታን ቀስታን ተዀኒኑ ወላ እንተሎ ጽባሕ ግና መትኒ ሃገር ኰይኑ ኣብ ዕቀባ ዓዱ ኸኣ ሱታፌ ኣለዎ። ትማሊ እተወነነ ድሒሩ እተመንዘዐ ናጽነት ‘ውን ተዀነ መንእሰይ ዘምጽኦ ኢዩ። መንእሰይ ግና ኣብ ልዕሊኡ ዚፍጸም ዘሎ ኣሽካዕላልን ብደዐን ተረዲኡ ከም እያድ ሓዊ ሓንሳእ ተተንቲጉ፤ ከም ሽግ ሳምሶን ዘራእቲ ምልኪ ቅድሚ ቅሚጦን ኩልሳስን ዓውዲ ምብጽሑ ኣብ ግራት ከሎ ፍረ ከየፍረየ ኣደዳ ኪገብሮ ስልጣን ኣለዎ።
ጠቢብ ወዲ ትኳቦ ብሓቂ ነዛ ረቂቕ ቃላትን መሰታ ብዘይብሉ ኣነዳድቓ ሓሳባትን ዋሕዝን ገይሩ ዝኸሸና ወሓለ ሕደማ ኢያ። ሕድሕድ ሓረግ ናይ ገዛእ ርእሳ ዛንታ ተሰኪማ፡ ነቲ ዝስዕብ ሓሳብ ብግሩም ጥበብ እናሃነጸት ኣብ ስነ ጥበብ ተበሃጊ ግምቢ ይሰርሓ። እቲ ጠቢብ ካባይ ካብ ተልመዴን ዘይኰነስ፡ ካብ ውቃበ ስነ ጥበብ ግዝሚ ከም ዘለዎ ኤሰላስል። ግዜ፥ ብሰብ ግዜ እንተተጸየቐ፡ ጽባሕ ግና ንሰብ ግዜ ምስተረከበ ከም ከም ዝኹላዕ ግድን ኢዩ።
ግዜ ዶ ይበሃል ‘ዩ ፡ ኪድንዶን ጽናሕን
ባዕሉ እንድዩ ዚመጽእ ፡ ‘ዚ ሎምን ጽባሕን
ዛንታ ትማሊ ግን ፡ መሪርን ነዊሕን
ኣእላፍ ዚወሰደ ፡ ሓጺርን ነዊሕን
ጸሊምን ቀዪሕን
ንመን ምተማዕቶ ፡ ታሪኽ ተዝሕንሕን።
እወ ተዝሕንሕን ፡ ተዝፈዲ ሕነ
ብርዕን ወረቐትን ፡ መዳፍዕ ምዀነ
ቀለም ጥይት ኰይኑ ፡ ናብ መን ምቐነነ
ይፈልጥ ዩ ኹሉ ፡ ግዜ ዘይዳነ
መን ከም ዚደንደነ ፡ መን ከም ዘይደነነ
ቋሕ ዝበለ ዓሳ ፡ ስልም ዝዀነነ
ነዛ ሪሙን ርስቱን ፡ ፍጹም ዘይዛነ።
ድሕሪት ገጽኩም ‘ሞ ፡ ዘመን ተመለሱ
ጽላል ቀዪሕ ባሕሪ ተኸሲሱ
ካብቲ ፍርዲ እቲ ኽሲ ብኢሱ
ትም ዘይበልካ ኢሎሞ ሽላ እናሓምበሱ
ትም ዘይበለሎም እናጠሓሱ
ሕሱም ክሲ ስግንጢር ‘ዩ ፈልሱ።
ናይ እምባኹም ዓሳ ሰብ ነኺሱ
ጓሳ ዓሳ ስላዕ ግዲ ኣንኢሱ
ከምኡ ይኸውን ዓሳ ምስ ደቀሱ
ከምኡ ኢልናዮም ዓሳ ምስ ደቀሱ
ኣንታ ‘ዚ ግዜ።
ኣጽዲቖሞ ሰማዒ ብዘይብሉ
ተፈሪድና ጠበቓ ብዘይብሉ
ተፈሪድና እምባና ክንሕሉ
ተፈሪድና ባሕርና ክንሕሉ
ተገዲድና ደምና ክንክዕወሉ
እተሰርቀ ሓመዱ ክንመልሰሉ
ግዜ ደኣ ይድገም ከይህሉ።
ስናዕ ቆብዕ ሰፍዮም ባዕሎም ዝምረቑ
ቅኑዕ ፍትሒ ጐስዮም ፍርዲ ዚናፍቑ
ኪድ ኣይንብሎን ጽናሕ ኪመጽእ ‘ዩ ግዜ
እዝንና ክትሰምዕ ናይ ታሪኽ ኑዛዜ
ጽኑዕ ምስ ሰዓረ እዋን ፍለፍለ
መን ጸምበለል ኢሉ መን ከም ዚጠሓለ
ቀሲኑ ኣይፈልጥን ቅኑዕ ዚበደለ።
ናቶም ንብዓት ሓርገጽ ናትና ንብዓት ዓሳ
ምድረ ባሕሪ ‘ለዎ ጽኑዕ ጓሳ
እወ! ንብዓት ዓሳ ኪፈጥር ኢዩ ማዕበል
ደም ሓርነት እተነጽጎ ጸበል
ክጥሕሮ ‘ዩ ‘ዚ ዘበነ ገበል
ሰላም ኢልና ዘበነ ዘላገጹ
እንተ ንህውከት ግን ኪዕንቅጹ
ጽባሕ ተንቘጽሮም ሎሚ ይመጹ።
ዘይርአ ንብዓት ንብዓት ዓሳ
ምስቲ ማዕበል ተሓዊሱ
ዚፈጠሮ ማዕበል፡ ማዕበል ሓቂ
ኵሉ ጸገም ጠሓሒሱ
ከምቲ ቀደም ንኵሉ ዚሰገሮ
ኪስዕር ኢዩ እቲ ሰዓሪ
ምድራን ገማግማን ኪዕቅባ
ቋሕ ኢሉ’ሎ ወዲ ባሕሪ
ኣስተውዕል መንእሰይ ኣለኹ በል
ኪስገር ‘ዩ ‘ዚ ዘበነ ገበል።
ምንጪ ጽሑፍ ፥ መጽሔት መለይ 3ይ ሕታም 24 ጉንበት 2016
ተጻሒፉ = Azmarino Hope (ተስፋላሰ)