ኣዪዪይ… ሕጂ ድማ ኾነ
ካልእ መጻብቦ ናይ ግንቦተ ሰነ!
ኣብ ስቅቕታ ወሪሕዎ
ከይደቀሰ ወጊሕዎ ።
ካብ ዓንቀር ‘ታ ራድዮ – ና.ጽ.ነ.ት
ካብቲ ስሉም ዳሳት – ና.ጽ.ነ.ት
ኣብ ተራ ዘረባ፣ ኣብ ውቁብ መደረ – ና.ጽ.ነ.ት
ኣብቲ ዋዕታ፣ ኣብቲ ባዕታ – ና.ጽ.ነ.ት
ኣብ ኣፍ’ቶም ነጋድያን – ና.ጽ.ነ.ት
ኣብ ኣፍ’ቶም ህጻናት – ና.ጽ.ነ.ት
ኣብቲ ስየ ከም መቐነት ተዓጢቓ
ኣብ ልዕሊ ጽርግያ ተገቲራ ተወሪቓ
– ና.ጽ.ነ.ት
ነይሩ… ነይሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ስም ናጽነት
ብዘይካ ናጽነት!
ነይሩ… ነይሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልሳን ስም ናጽነት
ብዘይካ ናጽነት!
ስም ናጽነት ነይሩ ኣብቲ ጓይላ፣ ኣብቲ ሂራ
ይጋዋሕ ብድፍረት፣ ይስበኽ ብጃህራ
ነይሩ… ነይሩ ስም ናጽነት ኣብቲ ተኹሲ ርችት
ቦግ-ተሮግሮግ ይብል፣ ምልሕ-ምሽት!
ነይሩ ስም ናጽነት
ብዘይካ ናጽነት!
ብዘይካ ኣብ ስቕታ
ብዘይካ ኣብ ሕሹኽታ።
ኦ..ኦ..ኦ..ኦ…እዝግዮታ!
ኣብታ ዝባን ጨርሒ፣ ጭራሕ ገዛኡ
ከይዝራዕ፣ ከይድራዕ ተሓቢኡ
ክሳብ ትሓልፈሉ ‘ታ ወርሒ ና.ጽ.ነ.ት
ክሳብ ዝዝሕለሉ መሸንቦባ ግንቦት
ልቡ እናሰንበደት ኣዒንቱ እናቑጸርጸራ
ብፈቓቕ ናይ ማዕጾ ብእሽቶ ጩራ
ሰላም ኢልዋ ነስመራ – ወደስመራ…
ኣየ’ወ ‘ስመራ…እዛ ኣስመራ!
ኣብ ግንባራ ባንዴራ ኣሲራ
ኣብ ሕምብርታ ንወዳ ኣሲራ
ከም ዝርፍቲ መርዓት ተዳሂላ
ግንከ ተፈሺላ፣ ተዃሒላ
ብብጫን ቀዪሕን ከም ሕብእብእ ኢላ
ንብዓት ከይሰዓራ – ከይበለለት ኩሕላ
ጽምም፣ ጥርቅም ኢላስ ፍሽኽ ኢላ!
Yohanes Abraham
16-05-2016