ገጠምትና – ስለዘይተጋገኻ ጽቡቕ ሰሪሕካ ማለት ኣይኮነን
ኣማኑኤል በርሀ
ገጣማይ ከም ሰቡ ክልተ ኣዒንቲ’የን ዘለውኦ። ፍሉይነቱ ግን ኣብ ህዋን ትሕቲ መሬትን ኮይኑ ክጥምት ምኽኣሉ’ዩ። ነቲ ኩልና ኩሉ ግዜ እንርእዮ ነገር፡ ርእይናዮ ብዘይንፈልጥ ማእዝኑ ከርእየና ይኽእል – ናይ ሓቂ ገጣማይ እንተኾይኑ። ነታ ወትሩ ኮፍ እንብለላ ድኳንና ወይሳሎንና፡ ብትሕቲ ኣኣትዩ ኣስተብሂልናሉ ዘይንፈልጥ ምስላ የንጸባርቐልና ጥራይ ዘይኮነ፣ኣብ ልባ ኣእምሮኣ ኣትዩ’ውን፡ ኮፍ ክንብላ ከለና እንታይ ከም ዝስመዓ ከዕልለና’ለዎ። ምናልባት’ውን፡ ኣብሓደ ኩርናዕ ናይ ናሕሲ ወይቦሎፎን ተቐሚጡ፡ ንዓናን ነታኮፍ መበሊትናን ውህደትና ድዩ ፍልልይና ክገልጽ ይኽእል።ነታ ወግሐ ጸብሐ እንርእያ ኣረጊት ሳሎንና፡ “ሎም ስኣሪጋ፡ዕድመ ነዊሕዋ”ኢሉን ተገለጸልና እንታይ ፋይዳ’ለዎ? ምእራጋ ንዓኣ እንታይ ይስመዓ ወይ’ውን ብመንጽር’ቶም ዘአንገደቶም ኣጋይሻ ኣቢሉ ዘሕደረትሉ ዝኽሪ ወይ ጦብላሕታ ንካልእ ፍልይ ዝበለ ዛዕባንዩ ከዋግዓና ዝግባእ። ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኩልና ዘይንኽእሎ ኣበሃህላ ዝኽእል’ዩ ገጣማይ። ናዕታ ኣይኮነን መዐቀኒ ግጥምን ዘይግጥምን።ገጣማይ ንምዃን ቅጥዕታት ግጥሚ ምሽምዳድ ግድን ኣይኮነን።እንታይ ትብልን ብኸመይ ትብሎን ንምትግባር፡ተውህቦን ጻዕርን ከሰጉመካ ይኽእል’ዩ። ኣብርእሲ’ዚ ንቕጥዕታት ግጥሚ ክትፈልጥ እንተኽኢልካ ድማ መሓረ!ቀመማትን ባእታታትን ግጥሚ ግን፡ንኽትጥቀመሎም ደኣ ኢኻ ክትጽዕ ርዘለካ’ማበር፡ ንኸይተፍርሶም ኣይኮንካን ክትጥንቀቕ ዘለካ። ዘፍረስካዮ ናይ ግጥሚ ባእታ ስለዘየለ ብሉጽ ግጥሚ ገጢምካ ማለት ኣይኮነን። ሓንቲ ተራ ዘረባ እትመስል፡ ፍኹስ ዝበለትግጥሚ’ውን እኳ፡ ዋላ ሓንቲ ናይ ግጥሚ ባእታ ከየፍረስካ ክትጽሕፋ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሕቶ ግን፡ ክንደይ ቅጥዕታት ጥሒስካ ዘይኮነ፡ ክንደይ ቀመማት ተጠቒምካ’ዩ። ኣከሻሽና ግጥሚ ብመንጽር ኣከሻሽና ጸብሒ ምስ እንርእዮ፡ጨውን በርበረን ጥራይ ተጠቒምካ ዝሰራሕካያ ጸብሒ ክትበልዓ ትኽእል ኢኻ። ጨው ስለ ዘየብዛሕካላ ወይ በርበረ ስለ ዘይነጋሕካያ ግን ምቅርቲ ጸብሒ’ያ ማለት ኣይኮነን። ብዘለዋ ዓቐን ትሕዝቶ እተን ዝግበኣኣ ጨውን በርበረን ብዝግባእ ስለ ዝዓቀንካየን ብዓይኒ ከሸንቲ ዘንቅፈካ ከይከውን ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ ዘይቲ፡ ሽጉርቲ፡ ኮሚደረ.. . ኣይተጠቐምካን ግን ዘአምን መልሲ ክህልወካ ኣለዎ። ንግጥምታትና በዚ መንጽር ምስ እንጥምተን፡ ካብ’ተን ቀመማት ክጥቀማ ፈቲነን’ሞ ዓቐኑ ዘይፈለጥኦ፡ እተን ፈጺመን ጨና ቀመም ዘይብለን ይበዝሓ። እተን ዓቐኑ ዘይፈለጥኦ ግን ይበልጻ-ጽባሕ ይፈልጥኦ። እቲ ምንታይሲ፡ምስተጠቐምካሉ ኢኻ ካብ ክኢላታት ከሸንቲ ርእይቶ ትረኽበሉ’ምበር፡ብመሰረቱ እንተዘየለ የለን’ዩ።ኣዝየን ብዙሓት ግጥምታትና፡ካብ’ቲ ዕለታዊ እነዘውትሮ ፍልይ ዝበለ ጥበብ ዘለዎ ኣበሃህላታት ይጎድለን’ዩ። ብዙሓት ድማ ብዘይካ ናዕታውያን ምዃነን ግጥሚ ግጥሚ ዝሽትት ቀመማት ኣይትሽትተለንን። ቀመማተን ድማ፡ ማይ ጨው ፈትፊትካ ስለ ዝበላዕካዮ ጥራይ ጸብሒ’ዩ ከም ምባል ይኾነካ። ካልእ ዕብራን ገጠምትና፡ ዝበሃል ከምዝተሳእነ ኣብ ሓደ ዛዕባ ሽንኮለል ምባል’ዩ። ኣብ ክንዲ በብኩርናዕካ ትርኢ፡ ካልኦት ኣብ ከውሕን ቋቚራን ኣትዮም ንዝረኸቡል ካጠመተ፡ ኣብ ለሰ ደቂስካ ቃላት ቀይርካ ጥራይ ምድጋሙ ይርአ’ዩ። ኣበሃህላታት ክትደጋግምሲ ይትረፍ፡ንሓንቲ ነገር’ውን በብናትካ ኩርናዕ ኢኻ ክትርእያ ዝግባእ። እንተዘየለግን፡“ወቓሕ ኢልክኒ” ይብል በረኸት፣ “ወቓሕ ኢልካኒ’ ትደግም ፌቨን፣“ወቓሕ ኢልክኒ” ይስልስ ቈርጫጭ። እሞ ድማ እቲ ኣበሃህላ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሕመረት ሓሳባት’ውን ኣዝዩ ተመሳሳሊ። እንተኽኢልናስ’ባ በብናትና ኩርናዕ ጠሚትና ነናትና ኣበሃህላ ከኣ ከነምጽእ ምተገብአ። ካልእ ኣብ’ዘን ቀረባ ኣዋርሕ ከምፋሽን መሲላ ዘላ ሜላ፡ ናይ ጎደና ቃላት (low diction) ምጥቃም’ዩ። ናይ ጎደና ቃላት ወይ ድማ ኣብ ዕቱብ ጉዳያት ዘይ ነዘውትሮም ቃላት፡ ኣብ ውሱናት ክሊ ዕድመ (ብፍላይ ኣብመንእሰያት)ኣተኲርካ ኣብ ዝጸሓፉ ግጥምታት ክዝውተሩ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣዝዮም ኣድማዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ከም መትከል ኣብኦም ኣተኲሮም ዝሰርሑ ንፉዓት ገጠምቲ’ውን ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ናይ ሂፕ ሆፕ ደርፍታት ከኣ ብብዝሒ ንረኽቦም። ኩልኻ ከም ፋሽን ኣብኡ ጥራይ ገጽካ ምውሓዝ ግን፡ እቲ ኣገባብ ኣመራርጻ መለሳ ስለዝሰኣኖ ኣሰልካዪ ይኸውን’ዩ። “ኩላ ምላ ነብሲ ነገር፣ ሃኒ ዘይትብልኒ፣ ናይ ሕማመይ፣ ትጉሽተተይ፣ ገለ ዓይነትገለ፣ ሸርሻሪቶ” ዝብል መግለጺታት፡ንተሰማዕነት ናይ’ተን ደርፍታት ሓጋዚ ኔሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ገጣማይ፡ብዘለዎ መግለጺ ናይ ምፍጣር ናጽነትን ሓይልን’ውን ከም’ዚኣቶም ዓይነት ቃላት ምጥቃም ኣበሳ የብሉን። ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ቃላት ጸቒጡ ዝሰርሕ ሓደ ገጣማይ እንተ ተቐልቀለ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ ገጠምቲ ከም ፋሽን ናብ ከምዚአን ዓይነት ቃላት ከተኩሩ ግን ተመራጺ ኣይኮነን። ናብ ዕሙቕ ዝበለ ዛዕባ ገጽካ ምጥማት ከኣ ኣገዳሲ’ዩ።ናብ ከምዚ ዓይነት ኣመራርጻ ቃላት ምድሃብ ዝፈጠሮ’ዩ እውን ዝኸውን፡ ኣብ’ዘን ቀረባ ኣዋርሕ ብዙሓት ፍኹስ ዝበለ ትሕዝቶ ዘለወን ደርፍታት ክቀላቐላ ንሰምዕ ዘለና። ዋላ’ኳ ናይ ደርፊ ግጥሚ ፍኹስ እንተበለ ዘይጽላእ እንተኾነ፡ ናብ ቀንጠ መንጢ ዛዕባ ገጹ ከይስዕረካ ምጥንቃቕ ግን ጽቡቕ’ዩ።
ምንጪ ሓዳስ ኤርትራ 13 መስከረም 2012