ጻሓፊ ኣማኒኤል በርሀ
ንመበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመን ብዓወት ዝዓንደረለን ጂብራን ኸሊል፡ በታ “the prophet” እትብል መጽሓፉ እዩ ዝያዳ ዝዝከር። እዛ መጽሓፍ፡ ንባዕሉ’ውን፡ “እቲ ነቢ” ዝብል ሳጓ ስለ ዘጥበቐትሉ ደኣ’ምበር፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሽርጣጦኡ ኣሰር ዝገደፈ’ዩ። ኣብ ሊባኖስ ተወሊዱ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ኣብ ፓሪስን በይሩትን ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጥበብ ዝተማህረን ጂብራን፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ብማዕረ’ዩ ዘንጎድጉዶ ኔሩ።
ጂብራን ኸሊል ጂብራን፡ ብ1883 ዓ.ም እዩ ኣብ ጎቦታት ሊባኖስ ተወሊዱ። ኣደኡ Kamila Rahmeh ካብ ሳልሳይ በዓል ቤታ እያ ንጂብራን ወሊዳቶ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ዝወለደቶ ብሽዱሽተ ዓመት ዝዓብዮ ወዳ ከኣ፡ ድሕሪ ጂብራን’ውን ክልተ ኣዋልድ ወለደት። ኣቦኡ ኸሊል ጂብራን፡ ብዛዕባ እታ ስድራ ፋዕራ ዘይነበሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ጂብራን ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮነ’ውን ኩሉ ንብረቱ ስለ ዝተሓረጀ፡ እታ ስድራ ኣብ ሕሱም ድኽነት’ያ ኣትያ። ከይደንጎየት ድማ ናብ ከተማ ቦስተን ተሰዲዳ ናብርኣ ክትመርሕ ጀመረት።
ብሰንኪ ድኽነት ስሩዕ ትምህርቲ ክረክብ ዘይክኣለ ጂብራን፡ ብዘይካ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ኣይክኣለን። ደሓር ግን፡ ትኩር ብምንባሩ ኣቓልቦ’ቲ መምህሩ ሰሓበ’ሞ፡ ምስ ፊደላት ክላለ ከኣለ። ጸኒሑ ድማ ናብ ኒዮርክ ብምግዓዝ፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ’ቲ ስደተኛታት ጥራይ ዝምሃሩሉ ዝነበሩ ብዙሕ ኣተኩሮ ዘይወሃቦ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ጀመረ። ስሙ ብጌጋ ብምምዝጋቡ ከኣ፡ ጂብራን እትብል ስሙ ተረሲዓ፡ መዋእሉ “ኸሊል ጂብራን” እናተባህለ ብስም ኣቦኡ ይጽዋዕ ነበረ – ጂብራን ኸሊል ጂብራን። ኣደኡ ከኣ ኣብ’ቲ ጠፋሽ ጎደናታት ቦስተን ቤላ ሮባ ትሸይጥ ነበረት።
ጂብራን፡ ብዝስእሎም ስእልታትን ሕንጻጻትን ወትሩ ንመምሃራኑ ይምስጥ ነበረ። ነቲ ብቈልዓኡ ከሎ ዝጀመሮ ተውህቦ ድማ፡ ዝያዳ ክሰርሓሉ ጀመረ። ናብ’ቲ ዳሕራይ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበሉ ዓውዲ ስነ ጽሑፍ ምእታዉ’ምበኣር፡ ብቅብኣታቱ እዩ ዝፍለጥ ዝነበረ። ገና ወዲ 20 ዓመት ምስ መልአ ከኣ፡ ኣብ ቦስተን ናይ ቅብኣ ኤግዚቢሽን ኣቕረበ’ሞ ብዙሕ ኣድናቖት ረኸበ – ብ1904 ዓ.ም። ብድሕሪ’ዚ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ፓሪስ ብዓውዲ ቅብኣ ድሕሪ ምስልጣኑ፡ ኣብ 1912 ዓ.ም ናብ ኒዮርክ ተመሊሱ ኩሉ ህይወቱ ንቕብኣን ስነ ጽሑፍን ወፈዮ።
ክሳብ 1918፡ ጂብራን ብቋንቋ ዓረብ እዩ ዝጽሕፍ ኔሩ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ዳምዓ ወ እብቲሳማ፡ (smile and tear)፡ኣል ኣርዋሕ ኣል ሙታመሪዳ፡ ኣል ኣጅኒሓ ኣል ሙታከሲር (the broken wings) ዝብላ ዓበይቲ መጽሓፍቲ ኣሕቲሙ’ዩ። ድሕሪ 1918 ዓ.ም ግን፡ ዝበዝሑ ጽሑፋቱ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እዮም ኔሮም። እታ ብ1923 ዓ.ም ዘሕተማ “the prophet” እትብል መጽሓፉ ድማ፡ ብልዕሊ 20 ቋንቋታት ተተርጒማ ጥርዚ ዝና ኣብጽሓቶ። ብፍልስፍናዊ ጽሑፋቱ፡ ብርቂ ልብ ወለዳቱ፡ ምስጢራውያን ዝስመዩ ግጥምታቱም ቅብኣታቱን ዝልለ ጂብራን ከሊል ጂብራን፡ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እተሸጡ ቅድሓት መጽሓፍቱ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።
ድሕሪ’ዛ ንስሙ ጥርዚ ዝሰቐለት መጽሓፉ፡ SAND AND FOAM, JESUS, THE SON OF MAN, THE EARTH GODS, 1931 ዝብላ መጽሓፍቲ ከሐትም ከሎ፡ ካልኦት ሓሙሽተ መጽሓፍቱ ድማ ብ1931 ዓ.ም ኣብ ኒዮርክ ድሕሪ ምዕራፉ ዝተሓትማ እየን።
ጂብራን ኣዝዩ እዩ ተፈጥሮ ዘድንቕ ዝነበረ። ብፍላይ ቅርጺ መሬትን ሽውሽውታ ንፋሳትን ኣዝዩ ይምስጦ ነበረ። ወዶ 10 ዓመት እንከሎ፡ ምስ ቅርጺ መሬት ከዋግዕ ንበረኻታት ኒዮርክ እናተዛወረ፡ ብሓደ ጸድፊ ብምንክርራዉን ከቢድ ሃስያ ስለ ዝወረዶን፡ ኣካላቱ ድኹም እዩ ዝነበረ።
ምስ ኣግራብ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ጂብራን ኸሊል፡ ““ኣግራብ፡ መሬት ኣብ ልዕሊኣ ዝጽሓፈቶም ግጥምታት’ዮም። ንሕና ድማ ቈቈሪጽና ናብ ወረቐት እናቐየርና፡ ባዶነትና ንጽሕፈሎም” ይብል ነበረ። ኣብ ዝበዝሑ ግጥምታቱ ድማ ንጸሓይን ንፋስን ይጠቕሶም ነበረ። ምስ ሰባት ልዑል ፍቕሪ ከምዝነበሮን ምግርጫው ዝፍንፍንን ዝነበረ ጂብራን፡ ኣብ ብዙሓት ግጥምታቱ ንፍቕሪ ይጽውዕ ነበረ። “ምስጢራትካ ንንፋስ እንተገሊጽካሉ፡ ንሱ ከኣ ንገረብ እንተነገረልካ፡ ኣይትቀየመሉ” እትብል ጥቕሱ ከኣ፡ ባዕልና ብዝፈጠርናዮም ሽግራት ንኻልኦት ክንወቅስ ከምዘይብልና ትምዕድ።
ብፍልስፍናዊ ጥቕስታቱ እውን ዝልለ ጂብራን ኸሊል፡ ዝበዝሑ ጥቕስታቱ ካብ ግጥምታቱ እተቘንጨሉ እዮም። ንሰባት ፍቕሩ ክገልጸሎም ድማ ይብርሆ ነበረ። “ሓደ መዓልቲ ህይወተይዶ ይበልጽ ህይወትኩም ክትሓቱኒ ኢኹም። ህይወተይ ከምዝበልጽ ክነግረኩም እየ። ንስኻትኩም ግን፡ ህይወተይ ምዃንኩም ስለዘይትፈልጡ ክትቅየሙለይ ኢኹም።” ብምባል ከኣ፡ ንካላኦት’ውን ማዕረ ህይወቱ ከምዘፍቅሮም ደጋጊሙ ይገልጽ ነበረ። ናይ’ዚ ኣብ ሰባት ዘለዎ ክብርን ፍቕርን ድማ፡ እቲ ኣብ ቁልዕነቱ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ይንገረሉ።
እዚ እጹብ ድንቂ ስርሓት ዘቕረበ ጥበበኛ፡ ሰባት ንሓድነትን ፍቕርን ብጌጋ ከይርድእወን እዩ ዝምሕጸን። ሰባት ብፍቕሪ ዓቢዶም፡ ልቦም ንኻልኦት ኣረኪቦም፡ ብዘይ ልቢ ከይተርፉ ይምዕድ። እዚ ማለቱ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ጥራይ ክንክን ዝግበረሉ ፍቕሪ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ከምዘይክእል ንምዝኽኻር እዩ። ፍቕሪ ብህያባት ክግለጽ ከምዘይግባእ እውን ጸቂጡ ይዛረበሉ ነበረ። “እቲ ዘለና ንዋት እንተሃብና፡ ከመይ ኣቢሉ ህያብ ፍቕሪ ይኸውን። እቲ ሓቀኛ ንፍቕሪ ዝገልጽ ህያብ፡ ኩለንትናኻ ክትህብ ምኽኣል እዩ።” ድማ ይብል። “ሓድነት፡ ሓደ ምዃን ማለት እዩ። ሓደ ኣብ ምዃን ግን፡ ንመንነት ናይ’ቲ ካልእ እናቐተልካ ኣይኮነን” ብምባል ከኣ፡ ሓደ ኣብ ምዃን፡ ኩልኻ ክትህሉ ኣለካ ይብል። ኣብ ሓድነት፡ ዓብላልነት ወይ ወጽዓ ናይ ሓደ ወገን ከይፍጠር ድማ ይጽዕር። ነዚ ንምግላጽ ካብ ዝጽሓፈን ግጥምታት ሓንቲ፡ እዛ እትስዕብ ኣያ።
“ኣብ ሞንጎ ሓደነትኩም፡ ስፍራ ይሃሉ
ነቲ ሞንጎኹም ንፋሳት ገነት ይሳዕስዑሉ
ተፋቐሩ፡ ብዘይ ውዕል ፍቕሪ
ኣብ ደንደስ መንፈስኩም ከምዝዘልል ባሕሪ፣
ምልእዎ’ሞ ብርጭቆ ክልቴኹም
ተኻፈዩ ግን ክትሰትዩ ከለኹም
ሓቢርኩም ሳዕስዑ ብሓባር ተሓጎሱ
ግን ከኣ ነነፍስኹም ኩኑ፡
ኣውታራት መሰንቆ’ውን ነዛ ሓንቲ ቅኒት
በበይነን’የን ዝኾና ኣብ’ቲ ስጡም ህርመት።” ብምባል፡ ጸጽባቐና ዓቂብና ክንሰምር ከምዝግባእ እናዘኻኸረ፡ እቲ ሓደ ኣውታር ነቲ ካልእ ክዕብልሎ ከምዘይግባእ ይገልጽ።
ጂብራን ኸሊል ጂብራን፡ ብዛዕባ ጽባቐ’ውን ብዙሕ እዩ ጽሒፉ። “ጽባቐ ነብሳ ኣብ መስትያት ቀው ኢላ እትርኢ ዘልኣለማዊት ሓቂ እያ። እቲ ሓቅን መስትያትን ድማ ንስኻትኩም ኢኹም” ዝብል ትሕዝቶ ኣብ ዘለዋ ግጥሙ፣ ንዓለምለኻዊ ፍቕርን ምጽውዋርን ጸቒጡ ይገልጾ። ጽባቐ ኣብ ልቢ ዘሎ ብርሃን ምዃኑ ዝኣምን ጂብራን፡ ናይ ከተማ ቦስተን ጋለሪታት፡ ኦፔራታትን ትያትራትን ጽልዋ ከም ዘሕደራሉ እዩ ዝምስክር።
እዚ ብርቂ ገጣማይ፡ ቀባኣይን ደራሲ ልብ ወለድን ዋላ’ቶም ዝጎድኡና ዝመስሉና ሰባት’ውን ከምዝጠቕሙና ወይ ከምዘድልዩና እዩ ዝዛረብ። “ካብ’ቶም ለፍለፍቲ ስቕታ ተማሂረ፣ ልግሲ ድማ ካብ’ቶም ቁጥምታት፣ ካብ’ቶም መጭበርበርቲ ከኣ ዓቕሊ ቀሲመ። እቲ ዝገርም ግን፡ ኣመስጊነዮም ዘይፈልጥ ምዃነይ እዩ” ብምባል፡ ነፍሱ ዝነቅፍ ዘሎ ኣምሲሉ፡ ልቦናዊ ነግሕታት ኣንጎድጒዱዎ እዩ።
ኸሊል ጂብራን፡ ዋላ’ኳ በቶም ምስጢራውያን ግጥምታቱ እንተኾነ ዝያዳ ዝልለ፡ ቅብኣታቱ’ውን ኣዝዮም መለኮታውያን ምንባሮም እዩ ዝምስከረሎም። ልዕሊ 440 ኦሪጂናል ቅብኣታቱ ድማ ተዓቂቦም ምህላዎም ይርከቡ። ገለ ሃየስቲ ድማ፡ “ገዛእ ግጥምታቱ እዮም ንቕብኣታቱ ከም’ቲ ኣድለ ቈላሕታ ንኸይረኽቡ ጸቒጦሞም’ምበር፣ ኣብ ቅብኣ’ውን ሕሉፍ ምልከትን ፍልስፍናዊ ምስጢራትን ዘለዎ ኣርቲስት እዩ” ብምባል ይምስክሩሉ። እቲ ቀንዲ ብቕብኣ ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይፍለጥ ዝገበሮ ግን፡ እቶም ልዕሊ 700 ዝኾኑ ቅብኣታቱ ድሕሪ ሞቱ ናብ ሊባኖስ ተመሊሶም፡ ኣብኡ ተዓጽዮም ምትራፎም ምዃኑ ይገልጹ። እምበር ብፍላይ ንቃንዛታትን ቅርጺ መሬትን ብዝግባእ ከምዘዕልሎም እዩ ዝምስከረሉ – ጂብራን ኸሊል ጂብራን!