Tesfit Abraham
ፍቕረይን ጸጋይን ዝጸሓፍዎ ምስ ነበብኩ ……………….
ድንግል ግጥሚ ቀደም ኔሩ
ቅድሚ ምግሳሱ ቅድሚ ምጉርማሱ!
መንቀሊ እዚ ጽሑፍ፥ ‘ግጥሚ ትግርኛ፣ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጽሓፊ፥’ ዝብል ናይ ፍቕረ የማነን ከምኡ እውን፥ ‘ውህሉል ትዕዝብተይን ኣስተንትኖይን…’ ዝብል ናይ ጸጋይ መሓርን እዩ። ሰናይ ንባብ!
ኢራናዊት ገጣሚት ዚባ ካርባሲ፤ ነቶም ገበትን እምባገነን ዝኾኑ መርሓቲ ዝብልዎ፥ ‘ገጠምቲ ኣባራዕቲ፥ ኣናዓዓብቲ፥ ናፈቕቲ ደምን ህልቂትን እዮም።’ ቢልካ ኣመኽኒኻ ንዝእሰሩን ዝግረፉን ገጠምቲ፥ ብኸምዚ ዝስዕብ ትሕለቐሎም፥ “እስኪ በጃኹም ንገሩኒ፥ አረ ኣሪኡኒ፥ መን ገጣሚ እዩ ኲናት ዝፈቱ፥ ደም ዝናፍቕ ወይ ሞት ዝምነ፥” ትብል እሞ፤ ቀጺላ እውን ንነብሳ ከም ገጣሚት ከይረስዐት፥ “ቃልስና ምስ ብርዒ ጥራይ እዩ። ቃላትና ድማ መገዲ ብርሃን እዩ።” ትብል። እዚ ነቶም ኣብ ግብትና ዝርከቡ፥ ‘ኣይትተንክፉና፥ ኣይትሻቑጡና፥’ ኢሎም እናወጨጩ ንዝነቕሑ – ከንጥሩን ክኣስሩን ሃተምተም ክብሉን ንዝተመልከተቶ፥ ኣብ “Mint Press News” ዘስፈረቶ ጽሑፍ እዩ።
እዛ ገጣሚት ናብ ሃገራን ከባቢ ሃገራን ብምትኳር እውን ከምዚ ትብል፥ “ገጠምቲ ብዝኮነ ስርዓት ተሃደንቲ እዮም። ብፍላይ እኳ ደኣ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት ወትሩ ንብርዒ ገጠምቲ ከንቁሩ፥ክሰብሩ ምስ ደለዩ እዮም።” እዚ እውን ኣብ “Mint Press News” ከም ዝበለቶ ተጠቂሱ ይርከብ። እዛ ገጣሚት እዚ መበሊኣ ብዙሓት ገጠምቲ ደቂ ዓዳን፥ ደቂ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ማሓዩር እምባገነናት ክኣትዉ ስለ ዝተዓዘበት እያ።
ናይ ካርባሲ ጹሑፋት ግጥሚታታ ኣብ ሃገረ ኢራን ክሽየጡን ክዝርጉሑን ፍቁዳት ኣይኮኑን። በቲ ክፍሊ ሴንሱር ናይቲ ሃገር ዘይፍቁዳትን ክልኩላትን እዮም። ስነ ጽሑፍ ግጥምታታ ግን ብብዙሓት ቋንቋታት ናይ ኤውሮጳ ተተርጒሞም ክንበቡን ተፈላጥነት ክረኽቡን ኪኢሎም እዮም።
እዛ ሰብ ንጭቆናን ጨቆንትን ንምስባር ኣብ ስደት ኮይና ዝጸለወቶ ቀሊል ኣይኮነን። ናይዚ ውጽኢት እዩ እምበኣር ኣብ ኢራን ግጥምታታ ከይምስዑን ከይዝርጒሑ ዝተኸልከሉ።
እሞ ኣብ ስደት ዘለና ጽሓፍቲከ ከም ካርባሲ፥ ነቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ ሕብረተ ሰብና ጸሊናዮዶ? ጽሑፋትና ክኽልከሉን ክፍቃዱን ይኽእሉ እዮም ኣይክእሉን እዮም ኢልና ኸ መርሚርናዶ? ብጽሑፋትና ፈለኽ ዝበለ ካብ ክፋል ሕብረተሰብና ኸ ተዓዚብናዶ? እቲ መልሲ ንኣንባባይ ጥበበኛ ጽሓፊ እየ ዝብል ክግደፍ ይቐልል።
ኣፍሪቃውያን ጽሓፍቲ እውን ካብዚ ሕማም እዚ ሓራ ኣይኮኑን። ንጭቆና ዝቐድድ ንእምባገነንነት ዘሰንብድ ድርሰት እንተተቐላቂሉ፥ ብዘይ ኩርማጅ ሓለንጊ ዕቡያት ከይተጀለጥካ ንስደት እንተወጺኻ እውን ዕድለኛ ኢኻ።
ንጉጊ ዋ ቲያንጎ ኣብ 1977 ዘሕተማ፥ “Petals of Blood” እትብል መጽሓፉ ነቲ ኣብቲ ናይ ናጻነት መድረኽ ንዝሰንከሉ ዜጋታቱ ሞሳኦም፥ ብላሽን ኮንቱነትን ከም ዝነበረ፥ ኣብቲ ድሕሪ ናጻነት ንዝርኣዮ ርኡይ ኩነት፥ ብሓደ ዓብዱላ ዝተብሃለ ጠባይ ኣንጻባሪቕዎ ይርአይ።
ዓብዱላ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እግሩ ብምቁራጹ፥ ሓጋዚ ብምስኣን ንእሽቶ ድኳን ብምኽፋት ክናበር ዝፍትን ጅግና እዩ። ኣብታ መጽሓፍ ብዘንጻባርቖ ገጸ ባህሪ ከኣ፥ ንምስሊ ቃንዛን ጓህን ናይቶም ኣብቲ ኩናት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ዓስቢ ስንክልንኦም ብዘይ ምርካቦም ስለ ዘርኣየን ዘዘኻኸረን፤ ነቲ ዝነበረ ስርዓት መንጸሮር ከም ዝኾኖ እዩ ዝንገር፤ እዛ መጽሓፍ ንንጉጊ፤ ኣብ ኣፈፌት መኣሰርቲ ኣብጺሓቶ እያ። ኣይጸንሐን እውን ምስ ሓደ መኹሱ ዝጽሓፋ፤ “ኣብ ዝደለኽዎ እየ ዝምርዖ” ናይ መድረኽ ድራማ ንንጉጊ ዋ ቲያንጎ ቀዳዊቱ ኣይነበረትን። ኣብ ኣፈፌት ዘብጻሓቶ “ናይ ደም ዕንባባ”: “ኣብ ዝደለኽዎ እየ ዝምርዖ” ናብ መሓዩር ከም ዝኣቱ ኮይኑ እዩ። እዚ ከኣ እምባገነንነት መራሕቲ ኣፍሪቃ፤ ‘ኣይትተንክዩና፤ኣይተዘክሩና፤ ኣይትሕመዩና፤ ንህዝቢ ኣይተንቁሑልና፤’ ዝመንቀሊኡ ምኳኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሰበ ስልጣን ሃገሩ ዘሕጉስን ዘመጉስን ብዘይ ምንባሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ምፍጣሩ ዘጽልእ ከም ዝተደሰቐ፤ ባዕሉ እውን ብኸምዚ እዩ ዝገልጾ፤ “ንምፍጣርካ ዘጽልእ ረሳሕ ተመኩሮ፥” ክብል እዩ ኣሕጺሩ ዝዝክሮ።
እስኪ ናብ ደረስትና ኸ ንመለስ፥ ኣየናይ ንሕብረተሰብ ኣንቂሒ ካቴድራል ክሳብ ዝነቃነቕ ህዝቢ ጨዲሩ እዩ። ብድርሰት ዝተኣስረ? ኣብ ፕረስ ሓንጢጥኩም፥ ንሕና ዘይንፈትዎ ጌርኩም፥ ኣብ ክለባት ተሓቢእኹም ገጢምኩም ብምባልዶ ኣይኮኑን፥ ሞሳኦም እዚ ኩልና እንፈልጦ ዝኾነ። እሞ ድሕሪ እዚ ክዕምብብስ ይትረፍ ክጭብጭብ ከ ንጽበዮዶ? እስከ ካብተን ድሕሪ ሓመድ ድበ ናጻ ፕረስ ካብ ዝፈረያ፤ ብድሓን ደረጃ እውን ካብ እትልለ መጽሓፍ ሓንቲ ክንጠቅስ።
ኣብ 2014 ዝተደርሰት ብማሕመድ ኢብራሂም “ተደጎል” ትብል ልቢ-ወለዳዊት ታሪኽ መጽሓፍ፤ ብቴድሮስ ኣብርሃም ብዕለት 28 ሓምለ 2015 ኣብ ትሕቲ፤ “ብድሆታት ምግላጽ ኣብ ክውንነት ‘ተደጎል'” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝጽሓፎ፥ እታ መጽሓፍ ብሰንኪ ክፍሊ ሴንሱር ኣብ ንባቡ ዝፈጠረሉ ሃጓፍ ብከምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፤
” ንልዕሊ ሓሙሽተ-ስድሲት ክፋል እቲ ዛንታ ብተመስጦን ነቲ ምስ ቀንዲ ጠባይ’ዛ መጽሓፍ ሓደ ስም ዝነበሮ ኣባል ቀዳማይ ዙር ዝነበረ ዓላሚየይ ሓፊዝ እናዘከርኩን ኣንቢበዮ። ዛንታ ንምዝዛም ክቃረብ እንከሎ ግን፡ እቲ ዝድነቕ ስእለ-ኣእምሮ ዝፈጥር ኣጸሓሓፋ ሓሓሊፎም ናብ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ዝቐርቡ ዝርዝራት ክዝርጉዎ ተዓዚበ። መዛዘሚ’ውን ብርዒ ጸሓፊ ብምጕዳማ ከይጐሃኹ ኣይተረፍኩን። ብሓጐስ ዛዚማ ርሽታት ክትኰስ ወይ ፍቑራት ብመርዓ ዕሰለ ክብሉ ብዘይ ምንባበይ ኣይኰነን እቲ ጓሂ። እቲ ጓሂ፡ ግርማይ ነጋሽ ኣብቲ ቅድሚ 22 ዓመታት “ናይ ደርስቲ ናጽነት” ዝብል ዘቕረቦ መደረ ዘጠንቀቖ ሰማዒ ከይረኸብ ብምትራፉ እዩ።” ብምባል እዩ፥ ብርእሰ ሴንሱር ከም ዝተጸልወት እዩ ትንታኔኡ ዘቕርብ። (ንምሉእ ንባብ ኣብ Pene Eritrea ተወከስ)።
እዚ ነቲ ዳሕረዋይ መድረኽ ዘድከሞ ጠንቂ ንምግላጽ ዘምጻኹዎ ምኳነይ፥ ማንም ጸሓፊ ዝስሕቶ ኣሎ ቢለ ኣይኣምንን። ኣብቲ ቅድሚ ነገር ምሕንካሩ፥ መሬት ምጥንካሩን ንዝተካዕበተ ጥበብ፥ እለሻ ጥበባውያንን ቀሊል ከም ዘይ ነበረ ፍቕረ ካብ ናይ በየነ ሃይለ መጽሓፍ፥ “ትጽቢት ባህጉ” (ካብ ገጽ 90-91) ብምጥቃስ ስለ ዘብርሆ ምድጋሙን ምዝኽኻሩን ዘድልዮ ኣይኮነን።
እዞም ኣብ ስደት ዝድረሱ ኤርትራዊ ስነ ጽሑፋዊ ድርሰታት ሓርነቶም ዝኣወጁ ልቢ-ወለዳዊ ታሪኽ፥ እኩብ ግጥምታት፥ ንማሰን መልቀስን ቀዳሞት ብምእካብ ዝተጻሕፈ፥ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ካልእን ዝተደርሱ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት፥ ክንደይ ሚኢታዊት ኢና ፍቕሪ መጽሓፍ ዓዚዙና ካብ መርበብ ኣማዞን ልኢኽና ክንገዝእ ዝኽኣልና? ይፈርዩስ ኣለዉ፤ ‘ኣነ ናይ እገለ ኣንቢበያ…፥ ከምዚ ትሕዝቶ ኣለዋ፥ ኣንብብዋ….!’ ዝብል ሰብ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ግሩፕ ፈይስ-ቡክ ኣየንበብኩን። ምስተን ብዓይኒ መርፍእ ዝሓለፋ መጽሓፍቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሓለፋ ኸ ፍልልየንን ብልጨአንን ኣለሊና ዶ? እዚ እውን ንኹልና ዝምልከት ሕቶ እዩ።
ግጥሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽን ኣሎዶ የለን? ንዝብል ዓንቃጺ ሕቶ፥ ኣሎ የለን ዘብል መወከሲ ዝኸውን መጽናዕታዊ ጽሑፍ ክሳብ ዘየለ፥ ትዕዝብተይ ጥራይ እየ ከንብር።
“ብድብድቡ፥ ‘ግጥሚ ሎሚ የለን፥ ቀደም ኔሩ ግጥሚ’ ክብሉ ግን ከምዘየምሕረሎም ኣነ እውን ከዘኻኽሮም እደሊ።” ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ ዝጽሓፋ እያ። ኣነስ የምሕረሎም’ባ ምበልኩ፥ ምኽንያት መበልየይ ከኣ፥ ኣብ ዓደይ፣ ዓደ’ቦይ፣ዓደ’ደይ፥ ሃገረይ – ናይ ድርሰት ናጻነት ስለ ዝሰኣንኩዶ ኣይኮንኩን ተሰዲደ? ስለ ዝሰኣንካዶ ኣይኮንካን ሃጽ ልኢካ ወጺኻ? ስለ ዝሰኣኑዶ ኣይኮኑን ተሰዲዶም? ካብ ምዕጻው ፕረስ ንድሓር ደኣ፥ ‘ግጥሚ የለን፥’ ዘይኮነስ ሞይቱ ከማን አረ ተደብዩ! ሓመድ ድበ።’ምባል እኳ ይቀልል። ኣብቲ ናይ ዘመነ ግርህና ዝነበረ እሞ፥ ተመሊስና ንበርብሮ፥ ዓንቢቡ ጓጒሙ እዩ እኮ ነይሩ። ኣብ ፍረ ደኣ ኣይበጽሓን እምበር። በየነ ሃይለ እውን እኮ ብትጃር ኣቢሉ ዝገልጾ፥ ነቲ ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ዝተጎምደ ዕምባባ ጥበብ ሃገርና እዩ። ነቲ ዘሕዝን ብምጭፍላቕ ዝጠፍአ፥ ብጽቡቕ መንፈስ ብዝመስል ተዝካር ኣስተንትኖ፤ ኣብታ መጽሓፍ “ትጽቢት ባህጉ” ኣስማት እተን ዝነበራ ጥበባት ምዝርዛሩ ባዶ ኣመት ኣይኮነን። ደጋጊምካ ምንባብን ምስትንታንን እንተተኻኢሉ፤ “እወ ሓቅኻ!” ኢሉ ነባቢ፥ ካባ ሓዘን ለቢሱ ተዝካር ንዝሞታ መወከሲ ክለባቱ ካብ ምግባር ኣይመዕረፈን።
***
ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዝተረመሰ ስነ ጽሑፍ ግጥሚ ገዲፍና፥ ኣብ ስደት ኣብ ከብሕታት ፈይስቡክ ዝተኣናገድ ግጥምታት ከመይ ኣሎ ኢልና እንተገምጊምና ወይ ድማ ኣመት እንተጌርና እውን፣ ከምተን ሓወልቲ ዝኽሪ ልብታትና ጥራይ ኮይነን ተሪፈን ዘለዋ፥ ከምቲ ናተን ዝነበረ ናይ ምብህሃል መንፈስ ስለ ዘየለ፥ ዕምቆትን ጽባቐን ሓቅን ዘውዎ ግጥሚ ኣሎ ክብል ኣይክእልን። እቲ ጠንቂ፥ እቲ ዕንወት፥ እቲ ዘይምዕባዩን ዘይምባንብቡን ከምዚ እዩ ብትዕዝብተይ፥ ‘እሕሕ!…’ ንዝበለ ኣስተማቃሪ ወይ ከምዚ እንተዝውሰኸላ ንዝበለ ግሩህ ልቢ፥ ዱላ ምስ ኮራኹሩ ሒዙ ንዝመጻካ፥ ‘ገጣሚ እየ’ ባሃሊ፥ ገጣሚ ክትብሎ እውን ዘሰክፍ እዩ። እዚ እዩ ዘሎ ወግዒ ኣብ ከብሕታት ፈይስቡክ።
ሓላፍነት ጥበብ፥ ከም ጸወታ ቮሊቮል ኣብ ኢድካ ከይትሞተካ ናብ ዝመጸቶ ብቐጥታ ምምላስ ኣይኮነን። ኣብ መጋርያ ጥበብ ክትጥበስ፥ ክትልብለብ ምኳንካ ኣሚንካ፥ ብተግሳጽ ክትጽረብ ደኣ እምበር፥ ብሑንቁቕ ውኖ ኣይትተንክፉኒ እናበልካ ጥሩምባ ምህራም ክሳብ ዘይገደፍካ፥ ከመይ ቢልካ ጥበብ ውሽጥካን ብጻትካን ብውህደት ምብህሃል ክትእልሽ ትሓስብ? እዚ ኣብዚ ውሽጢ ዓመት ብዕቱብ ካብ ዝተዓዘብክዎ እዩ። በዚ መዳይ እዚ እንክርአ፥ ነቲ ኣሎ ዝመስል ምጉት ጸጋይ ኣይፋልካን እዚ ሃጓፋትና ከ ኣበይ ክንቐብሮ ክብሎ እደሊ።
እዘን ዝዛረበለን ዘለኩ ነተን ጽቡቕ ጽልዋ ዘለወን፥ ዛራ ገጠምቲ፥ ልዝብ ገጠምቲ ከምኡ Eritrea Literature Cafe ጥራይ እየ። እዘን ሰለስተ ግሩፓት ደኣ እሞ ነተን ኣብቲ ዘበነ ግርህና ብዘይ ሴንሱር ዝነበራ፥ ክለባት በየን ኣቢለን እየን፥ ክውክልአን ወይ እውን ክወዳደርአን ወይ ድማ ክፍውስአን? እዘን ግሩፖት ኣብ ሰሙንስ ይትረፍ፥ ኣብ ወርሒ ሓንቲ መዓልቲ እውን ብውሕዱ ተዘካሪ ናይ ምብህሃል ግዜ የብለንን። ድሓን እስከ Eritrea literature Cafe ገዲፍና ነተን ክልተ ንድሕሪት ተመሊስና ንዘክረን ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ እንታይ ዝዝከር ምስትምቃርን ምብህሃልን መንፈስ ኣሕሊፈን? ዘሕዝን ግን ብዙሕ፤ አረ ኣእላፍ! ኣብ ክንዲ ምስ ጥበብ ብጥበብ ምምልላስ፥ ‘ንምንታይ ተንከፍካ ናይ ሓወይ፥ ናይ ዓርከይ ግጥሚ፥’ቢልካ ነታ ግሩፕ እንዳ ኤምዳድ ብዝመስል ሓዊ ዱድ! ከተብል ምምሳይ፥ ንዝተኣለሸ ጥበብ ክንገንሕን ከነስተኻኽል ኣምሲናዶ ይብሃል? ንውሽጥና ንሕተት። ግጥሚ ነፍሪ እንተሊና እውን ነስተንትን ምስ ሕልና ጥበብና።
ካብዘን ክለባት ከይወጻኹ፥ ብፍላይ’ኳ ንዛራ ገጠምቲ ትምልከት፥ “ደርዘን ሕቶታት ንገጣሚ” ኣብዚ ውሽጢ ዓመት ዝተገንዘብክዎ፥ ንገጣሚ ዝቀረበሉ ሕቶታት ኣዝዩ መባእታዊ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ንሓድሕዱ እውን እቲ ሕቶታት ምትእስሳር ስለ ዘየብሉ፥ገጣሚ ንሂሉ ንውሽጡ ብምጥሓል ተመኩሮ ጥበቡ ክንርኢ ኣየኽኣለናን። አረ ኣነስ ንስለ ንባብ እየ ዘንብቦ እምበር ዋላ ሓንቲ ከይሓዝኩ ካብ ገጣሚ እየ ዝኸይድ፥ ናይ እገለ ጽቡቕ ኔሩ ዝብሎ ኣብ ዝኽረይ እውን የብለይን። ነቲ ሕቶታት ክሪኦ እንከለኹ ግን ናይ ነገር ሞያዊ ጋዜጠኝነት ግዲ ኮይኑስ ብሕፍረትን ጓህን እዩ መስለኒ፥ ኣብ ሓመድ ተለሎ፥ ኣንገርግር እመጸኒ።
ናብ ናይ ጸጋይ ሓሳብ ጽሑፉ ተመሊሰ ክርኢ። (ብቐጥታ ብደረጃ ሪስፖንሲብሊቲ ናይቲ ጉሩፕ፥ ንዕኡ ስለ ዝምልከት እየ፥) ጸጋይ ኣብ ጽሑፉ ነቲ “ደርዘን ሕቶታት ንገጠሚ” ንኣድሚናት ከምዘይ ምልከት ብምሕሳብ፥ ከምኡ እውን ቅኑዕን ኣዕጋንብ እዩ ብዘስምዕ፥ “‘እዚ እዩ ዓለመይ፥ ግጥሚ ዘስተንፍስ ዓለመ-ግጥመይ:’ ኢሉ እምባሕ ከብለናን ስንባደ ሓጎስ ከሰንብደናን ይኽእል እዩ።” ይብል። ብኣመወድኣታ ትብሎ እንተለካ ብምባልስ ትሃን ውሽጡ ከውጽእ ኢልና ንሓስብ ኣይመስለንን። ደረስትና ዓቃባውያን ምኳኖም ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ እዩ። ኣሽንኳይዶ ዘይትሓተትዎ ሕልሞምን ዓለሞምን ብድፍረት ልሳኖም ገቲሮም ብርዖም ተኺሎም ከላልዩና፥ ንዝተሓተትዎ እውን ብትብዓት ዘይኮነ፤ ንልኡምነት መልሲ ክደልዩ ዝደኽሙ ዶ ኣይኮኑን? እዚ ምናልባት ባህልን ልምድን ሕብረተሰብ ገጣሚ ብዝጸለዎ፥ ባህገይ፥ ሕልመይ፥ ዓለመይ ከምዚ እዩ ዘይምባል ዘንቀሎ ምኳኑ ግን፥ ኩልና ወይ ብኸፊል እንሰማማዕሉ እዩ። ንኣብነት ናብ ናይ ጸጋይ ቃለ መሕትት ምስ እንኸይድ ብኸምቲ ዝገለጾ፥ ‘እዚ እዩ ዓለመይ፥ ግጥሚ ዘስተንፍስ ግጥመ-ዓለመይ…’ ብምባል ንርኽበት ጥበቡ ተመኩሮ ባህግታት ልቡ ተገሊጹልና እዩ ቢለ ኣይኣምንን።
ሓሳባተይ ንምጥቕላል፥
ኣብዚ ሓንጢጥካ ዘይውዳእ ከብሕታት ፈይስቡክ፥ ግሩፖት ይብዛሓ ሻሕ ይበላ፥ ቤት ጥበባት ኣእላፍ እውን እንተኮና፥ ኣይጽላእን እዩ። መን ይፈልጥ እንተውሓደ እንተውሓደ ሓሓንቲ “ማስተር ፒስ” ዝኮነ ተዘካሪ ጥበብ እንተፍረያ ጽባሕ! መን ይፈልጥ ወግዒ ጥበብ እንተተኸስተለን ሎሚ ለይቲ! መን ይፈልጥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ውሽጦም ዘሎ ጎጥጒጦም እንተውጽእዎ? ብንጹህ ልቢ ብናፍቆጥ ጥብበ ንገሸለን ቤት ጥራይ ይኹና።
ደሓር ከኣ፥ ንበሃለሉ መዓልቲ፥ ንገሳሰጸሉ ለይቲ ቀሪቡ ደኣ ይኸውን እምበር፤ ክሳብ ሕጅስ ንሃያሲ ዝምልሕ፥ ንኣንባቢ ዘነቃቕሕ ጥበብ ይፈሪ ኣሎ ቢልናስ ሓደራ እኳ ኣይንሕሰብ።
***