“ዳስ ሓውያስ ዝኣቱ’ምበር ዝወጽእ ነይርአና” ዝብል ብሂል እናሰምዐ ዝዓበየ፥ ኣበይ ዝነበረ ዳስ ሓውያ፧ እንታዋይ’ዩ’ኸ ሓውያ፧ ኢሉ ክሓትትን ክመራመርን ግድን’ዩ። እቲ ነዚ ምስላ ዝወለደ ፍጻሜ ኣማኢት ዓመታት ስለዝገበረ’ሞ፡ ኣብ እዋኑ ድማ ብጽሑፍ ስለ ዘይተሰንደ፡ ዛንታ ሓውያ ያታ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ መስረት’ዚ ታሪኽ’ኳ ዳርጋ ዝሰማምዑ እንተኾኑ፡ ዝተፈላለዩ ተረኽቲ ዝውስኽዎን ዝንክይዎን ፍጻሜታት ኣሎ።
ቅድሚ ዛንታ ሓውያ ምጽዋይና፡ ታሪኻዊ መንጸፍ’ዚ ያታ’ዚ ምድህሳስ ግዲ ይብለና። ንግሰነት ኣኹሱም እናተዳኸመ ምስ ከደ፡ ኣብ ታሽዓይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ በለው ዝብሃል ሓደ ቀቢላ በጃ ንሰሜናዊ ግዝኣት ኣኽሱም ወረሮ፣ ጎይቶት ናይ’ዚ መሬት’ዚ ኰኑ። እቲ ፍሉጥ ዕብለላ በለው ድማ ኣብ ሰምሃር ብናይ ሕርጊጎ ሕጡምሎን ናይባት፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ብናይ ባርካ በለው፡ ኣብ ከበሳ ከኣ ብሰራየ በለው ዝውከል ነበረ። እዚ ሕጂ ንጸውየሉ ንኸበሳ ብፍላይ ክኣ ንሰራየ በለው’ዩ።
ኣብዚ እዋን ወራርን ዕብለላን በለው፡ ኣኽሱም ብደቡባዊ ግዝኣታ ዝመጸ ካልእ ቀታሊ ወራር ሓደጋ ወደቓ። ኣገው ኣብ መበል ዓስራይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ንግስነት ኣኹሱም መንዚዖም፡ ኣብ ላስታ ቤተ-መንግስቶም ብምዱኳን፡ “ዛግዌ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓድሽ ስርወ-ንግስነት መስረቱ። ንምውዳቕ ንግስነት ኣኽሱም ዝሓገዙ ካልኦት ምኽንያታት’ኳ እንተ’ለዉ፡ ወራር በለው ብሰሜን ንምውዳቕ ንግስነት ኣኹሱም ዘቀላጠፈ ክኸውን ‘ከሎ፡ ወራር ኣገው ብደቡብ ብቐንዱ ውድቀት ንግስነት ኣኹሱም ዘምጸአ ተርእዮ’ዩ።
እዞም ክልተ ሓይልታት ነ’ስታት ሰለስተ ዘመን ኣብ ዘዝሓዙዎ ስልጣን ምስ ጸንሑ፡ ሓድሽ ጶሎቲካዊ ሃዋህው ተፈጥረ። ወረስት ንግስነት ኣኹሱም ኢና ብሃልቲ፡ “ሕጋው” ንግስነቶም ከምልሱ፡ ካብ ሸዋ ሕጂ’ወን ካብ ደቡባዊ ወገን ንግስነት ኣገው መጥቃዕቲ ፈነዉ። እዚ ወራር ሽዋ ካብ ኣገው ንግስነት ከሕድግ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፡ ብዙሓት ቀቢላታት (ስድራቤታት)ኣገው ንሰሜን ገጾም ክስደዱ’ወን ገዲዱ’ዩ። እቲ ንሰሜን ብፍላይ ናብ’ዚ ሕጂ ኤርትራ ኰይኑ ዘሎ መሬት ምኽንያት ምምጽኦም ግን፡ እቲ ወራር ጥራይ ጌርካ ክግለጽ (ክውሰድ)ኣይግባእን።
ዝኾነ ኮይኑ ዛንታ ሓውያ ዝመርሓና ቀራና‘ዚ’ዩ። ምርኻብ በለው ከበሳን ካብ ላስታ ተፈናቒሎም ዝመጹ ኣገውን።
እቲ ንወለዶታት ከም ዛንታ ኮይኑ ዝተሰጋገረ ሓቀይና ናይ ቃል ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጋውል (ዓዲ ጋውል) ሓደ በቲ እዋን ህዝቢ ዘመሓድሩ “ደግያት ድዕቡል” ተባሂሎም ዝጽውዑ መስፍን ከም ዝነበሩ ይግለጽ። እዞም መስፍን ቅድስቲ ሃና እተባህለት ሓንቲ ውላድ ነበረቶም። “ወዲ ጓልኩም ክወርሰኹም’ዩ….” ተባሂሉ ስለ ዝተማረተሎም፡ ብወዲ ጓሎም ከይውረሱ ንቅድስት ሃና ጓሎም ኣይ ንመርዓ ኣይ ንውላድ ምስ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘይትራኸብ ጌሮም “ወሺቦማ” ይነብሩ ነበሩ ይብሃል።
ደግያት ድዕቡል፡ ሓደ ካብ ላስታ መጹኡ ዝብሃል ኣገው ከም ኣገልጋሊ ኣሕደሩ። ቅድስቲ ሃና ንኣሞተጅር ብማዕዶ ተፍቅሮ፣ ኣገልገልታ ብልዑል ጥንቃቐ ብሳዕሪ ገኒዞም ኣብ መንበሪ ቤታ ከምጹኡላ ድማ ትእዝዞም። ወዮ ዝፈተወቶ ጎበዝ ከም ባህጋ ይመጽኣላ’ሞ፡ ድላያ ትፍጽም። ድሕሪኡ ኣገልገልታ ብኸምታ ዘእተዉዎ ብቕጽበት የውጽእዎ። ኣዲኣ ብዕድል ጓለን ይሓዝና ስለዝነበራ፡ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ክትወስድ ‘ከላ ኣተባቢዐንኣ’የን ይብሃል። ቅድስቲ ሃና ጥንስ ትሕዝ። ዒራ ተወሺባ’ላ ኢሎም ስለዝቐሰኑ፡ ኣቦኣ ጥንሳ ከይፈለጡ ኣብ ሕርስ ትበጽሕ’ሞ ወዲ ትገላገል። እቲ ነገር ስለ ዝተሰትረ ጓሎም ምውላዳ ከይፈለጡ ቆልዓ ይዓቢ። ኣብቲ ከባቢ ፍሉጥ ተጻዋታይ “ጥምቢ፡ ቃርሳ፡ ሻኹ …” ድማ ይኸውን።
ደጊያት ድዕቡል ከም ልምዲ፡ ኵሉ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ (ኣጋምሸት) ምስ ዝኸውን፡ ኣብቲ ቅድሚ ገዛኦም ዝነበረ ጽላል ኮፍ ኢሎም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝጻወቱ ቆልዑ እናረኣዩ ይዛነዩ። ወየ ዘይፈልጥዎ ወዲ ጋሎም’ውን ምስቶም ዝጻወቱ ቆልዑ ሓቢሩ ይጻወት’ሞ፡ በቲ ንሱ ዘርእዮ ንጡፍ ምንቅስቓሳትን ብልሓትን ድማ ይሳሓቡ ነበሩ። ነቶም ኮፍ መባህልቶምን መዛርብቶምን ድማ ይብልዎም፡ “ኣታ እቲ ቆልዓ’ቲስ ክነፍዕ! ትርኢዎ’ዶ’ለኹም፧ ኵሉ ግዜ ኣብዚኣ ኰይነ ንዅሎም ይዕዘቦም’ሞ፡ እቲ ካብ ኵሎም ዝነፍዐን ወላ ሰብነቱ’ውን ካብቶም መዛንኡ ዝመስሉ ዝጎልበተን ዝረአን ቆልዓስ ንሱ ጥራይ’ዩ፣” ብምባል ወድ መን ከም ዝኾነ ክፈልጡ ደጋጊሞም ይሓቱ። መዛርብቶም ድማ እቲ ነገር ስለ ዝፈልጥዎን ዝኸበዶምን ነቲ ሕቶ ከም ዘየቕለብሉ ብምጉሳይ ይሰግርዎ ነበሩ ይበሃል።
ከምዚ እናበለ ነዊሕ ምስ ከደ፡ እታ ስድራቤቶምን ቀረብቶምን ደጊምሲ ከንገሩ ኣለዎም ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዶም ዝጻወቱ ቆልዑ ክርእዩ ይመጹ’ሞ፡ “እዚ ኵሉ ግዜ ክስዕር ዝርእዩ ቆልዓስ ወዲ መን’ዩ በጃኹም፧ ኣየ’ዚ’ስ ወድ ወድኻ፡ ወይ ወዲ ጓልካ እንተ ዝኸውን፣” ኢሎም ተገረሙሉ። ዓጀብቶም ከኣ ብሓደ ቃል፡ “ጎይታይ፡ ዝበልናኩም ክትገብሩ መብጽዓ እተዉልና’ምበር፡ ወድ መን ምዃኑ’ስ ምነገርናኩም፧” በልዎም።
ደግያት ድዕቡል፡ “ሕራይ” በሉ’ሞ፡ ዓጀብቶም ገለ ነገር ከይገብሩ ቃል ኣእትዮም፡ እቲ ቆልዓ ካብ ኣገልጋሊኦም ኣሞተጅር እተወልደ ወድ ቅድስቲ ሃና ጓሎም ምዃኑ ገለጽሎም። ደግያት ነገራቱ ደንጽይዎም፡ ማንም ዓሰባ፡ እሞ ከኣ ዘይዓሌትና፡ ንጓለይ ከእትዋ፣ ኢሎም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓረቑን ጐሃዩን። እቲ ኵሉ ጓሎም ከይትወልድ ዝገበርዎ ጥንቓቐታት ብላሽ ምትራፉ ኣዕበድበዶም።
በዚ ዝኣክል ድማ፡ መብጽዕኦም ጠሊሞም ኣሞተጅር ክቕተል ኣዘዙ። እቲ ኣቀታትላ ብብዙሕ ዓይነት’ዩ ዝዝንቶ፣ ማዕረ ቁመቱ ኣብ ዘኹዓትዎ ጉድጓድ ኣእትዮም ብጠቕጣቕ (ኣራግጽ) ኣፍራስ ከም ዘቕተሉዎ ይግለጽ። እዚ ምስ ኮነ፡ ደግያት ብዝገበርዎ ብዙሕ ተጠዓሱ’ሞ፡ “ኣነ’ስ ጅረይ እንካ’የ ዝቐተልኩ፣” ኢሎም ንወዮ ወድ ጓሎም ዝጽውዓሉ ዝነበረ ስም ኣትሪፎም፡ ‘ጅር ገደላ” ክብሉ ስመዩዎ።
ደግያት ንነዊሕ መገሻ ነቐሉ። ክሳብ ዝምለሱ ንሓደ ዓመት ስልጣኖም “ጅር ገደላ” ከጽንሖ ይሓስቡ’ሞ፡ ነጋሪት ኣዋጅ ኣጸዊዖም “ኣውጅ!” ይብሉዎ። ንሱ ግን፡ ነጋሪት ጋው ጋው ኣቢሉ እተባህሎ ገዲፉ፡ “ዓለም ንዘለዓለም ንጅር ገደላ” ኢሉ ኣወጀ ይብሃል። “ንዓመት” ይብልዎ፣ “ንዘለዓለም’ ይብል፣ መሊሶም “ንዓመት በል” ይብሉዎ፣ “ንዘለዓለም” ኢሉ ይቕጽል …፣ ብኸምዚ ጎቦ ልቦም ይብገሱ፣ ከይተመልሱ ድማ ኣብ መገሻኦም ብሕማም ይሞቱ።
ጅር ገድላ ስልጣን ኣቦሓጎኡ ወሪሱ ገዛኢ ሰራየ ኰነ። ስልጣን ምስ ሓዘ ግን ኣይደቀሰን። ኣብ ልዕሊ ኣቦኡ እተፈጸመ ግፍዐኛ ኣቀታትላ፡ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ዝውርወር መሪር ናይ ልሳን ጭጉራፋትን ንሳ እተርእዮ ምሹቕራቋራት ዓሚቕ ጓህን፡ ኣብ እምርኡ ስፍራ ገይሩን ኣብ ኩርምቱ ነኺስዎን’ዩ ዓብዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ወዲ ጓል ብወዲ ጓሉ ከኣ ብሕጋዊ ኣገባብ ካብ ውሽጥ’ቲ ዓሌትን ማሕበራዊ ቦታን ዘይተወልደ ምዃኑ፡ ንገዛእ ነብሱ ከም ምሉእ ወራሲ’ቲ ስልጣን ጌሩ ክወስዳ ውሕስነት ከልኦ። በለው’ቲ ስልጣኖም “ብማንም ወዲ ጓል” ተታሒዙ ነዊሕ ከምዘይዕገሱ ገምገመ። ካብዚ ብምብጋስ’ውን ኣብ ልዕሊ’ታ ዘዕበየቶ ስድራ-ቤት ዓሚቕ ቂምታ ኣለኸ። ነቲ ዝረከቦ ጸጋታት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ እንዳ ኣባሓጉኡ ዝነበሮ እሉኽ ቂምታን ጽልእን ዝፍውስ፡ ሕማቕ ዊንትኡ ምሉእ ብምሉእ ዘርዊ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን መልሲ ክህብ ወሰነ።
ስለዚ ከኣ መደባቱ ንምፍጻም ዝቐለለን ኣድማዕን መገዲ ከናዲ ጀመረ። ዝሓሸ ድማ ብሓደ ግዜ ስሚ ኣስትዩ ክውድኦም መረጸ ። በዚ መሰረት ነቲ ዓድን ከባብን ዘተኣናግድ ሓደ ዓቢ ውራይ ክገብር ወጠነ፣ ንጎዶቦታት ብምልኡ ዓደመ። እቲ ውራይ ክልተ መዓልታት ዝወስድ ኰይኑ፡ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ንእንዳ ኣባሓጉኡን ኵሉ ቤተሰቦምን ዝዕደሙላ ጥራይ ክትከውን ወሰነ። ካብኦም ዝውለድ ሓደ ከይተርፍ ብምባል ድማ ብምሉኦም ኣብታ መዓልቲ ከም ዝርከቡ ገበረ።
ኣቀማምጣ ዓዲ ጋውል፡ እቲ ካብ መንደፈራ ንዓረዛ ዝወስድ ጽርግያ ብጎኒ’ታ ዓዲ’ዩ ዝሓልፍ። ብተወሳኺ እቲ ምብራቓዊ ሸነኻታ ንጎላጉል ዓዲ ቑንጽብ ዓዲ ኢታይ ከም’ውን ዓቢይ ዓዲ ዘርኢ ክኸውን ‘ከሎ፡ ምዕራባዊ ጎና ግና ደንደስ ሩባ ማይ መንጉዳ ህልም ዝበለ ኣጻድፍ’ዩ።
እቲ ንዳስ እተመርጸሉ ቦታ፡ ካብ ዓድ ጋውል ንምዕራብ ርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ መሬት ዓዲ ጉረቶ ነበረ። ካብ መንደፈራ ንዓረዛ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ኪሎ ሜተር፡ ካብ ጽርግያ ኣስታት 400 ሜትሮ ንጸጋም ርሒቑ ዝርከብ ቦታ’ዩ። እቲ ዳስ ጥቓ ምድንባር ሩባ ማይ ጎሮንጓሕን ሩባ ማይ መንጉዳን ተተኽሉ ነበረ። ብምብራቕ ብዓዲ ጋውል መጽእካ ክትርእዮ ‘ከሎኻ ጎልጎል’ዩ። መእተዊኡ ድማ ብኡ ነበረ። ምዕራባዊ ወገኑ ግን ደንደስ ሩባ ማይ መንጉዳ ህልም ዝበለ ገደል’ዩ። እቲ ካልኣይ ኣፍደገ’ቲ ዳስ ድማ ኣብዚ ልክዕ ኣብቲ ገምገም ገደል ነበረ። እቲ ስግር ደንደስ ሩባ መንጉዳ ብብራኸ ማዕረ’ቲ ዳስ ዝተሰርሓሉ ገምገም ስለ ዝኾነ፡ ብወገን ምብራቕ ክትርእዮ ‘ከሎኻ፡ ክልቲኡ እተላገብ ጎልጎል‘ምበር፡ ብማእከሉ ሩባ ሰንጢቑዎ ዝሓልፍ ኣይመስልን። ምርጫ’ቲ ቦታ ኣዝዩ ዘደንቕ ነበረ።
ብርግጽ’ተን ኣብ ጎቦ ዝቖማ ዓድታት ብጽበት መሬት’ቲ ገማግም ዝጥቀማሉ’ኳ እንተኾነ፡ ነዚ መደብ ብዓል ውራይ’ዚ ግን፡ ንዝነበሮ ጥጁእ ውጥን ኣብ ምዕዋት ዓቢ ዕድል ነበረ። እታ ዳስ ብፍሉይን ውቁብን ኣገባብ እተሰርሐት ኰይና፡ ኣብቲ ገምገም ጸድፊ ዘብል ሸነኻ ድማ ብጽቡቕ ጨርቂ እተነጽፈ ዓራውቲ ተሰርዐ። ብድሕሪ’ቲ ዓራት መከላኸሊ ዘይብሉ ባዶ ክንሱ፡ ነቲ ዳስ ብዘማዕርግ ብቐንዱ ድማ ነቶም ቀንድን ክቡራትን እንዳ ኣባሕጎታቱ ተጸጊዖሞ ኮፍ ክብሉ ባህ ዘብል ዝመስል መጋረጃ ተጋረደ።
እኽለ-ማይ ብምልኡ ተሻሽዩ፡ ኣብቲ ነቲ መዓልቲ ክስተ ዝተመደበ ኣጋንእ ስዋ፡ ሓሞት ሓርማዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስሚ’ቲ እዋን ብምእታው ተዳለወ።
ግዜ ምምጻእ ዕዱማት በጺሑ፡ እንዳኖ ካብ ርሑቕን ቀረባን ክመጹ ጀመሩ። ቀንዲ እሙናት ኣዕሩኽ ብዓል ጉዳይ ተዓጣቖ ኮይኖም፡ ገለ ካብኣቶም ኣጋይሽ በብዝመጹዎ ተቐቢሎም ኮፍ ብምባል፡ ካብቲ ብስሚ ዝተቓመመ ኣጋንእ ስዋ ከከፊሎም እናቐድሑ ዝዕድሉ ክኾኑ ‘ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ድማ፡ ኣጋይሽ ስዋ ምስ ሰተዩ፡ ኣብ ገጾም ዘርእዩዎ ምልክት እናተዓዘቡ፡ “ንዑ ድኣ ኣብዚኣ ምዕራፍ ትሕሸኩም፣” እናበሉ ሰሰሒቦም ናብቲ ዓራት፡ ካብ ዓራት ድማ ናብቲ ጸድፊ ክፋነዉ ተዋዕለ። እታ ኣፍደገ ዳስ ድማ ክትኣትወላ’ምበር፡ ክትወጸላ ዘይተፍቅድ ኰይና ወዓለት ተባሂሉ ይዝንቶ።
ኣብ ስግር ምድንባር ኣከለጉዛይን ሰራየን ዘሎ ዓድታት ዝነብሩ ሓደ ገብረሂወት እተባህሉ ዓይነስዉር ተወላዲ ካብቶም ብዘርኦም ክጠፍኡ ዝተወሰነሎም መሳፍንቲ ዓድጋውል ነበሩ። እቶም ዓይነስውር ኣቦ ለተገርግስ ዝስማ ሓንቲ ጓል ዝነበረቶም ኰይኖም፡ ብብልሕን ምስትውዓልን ኣዝዮም ፍሉጥ ከም ዝነበሩ ይትረኽ። እዞም ዓይነስዉር ኣቦ፡ ብዕዉር ዝብል ሳጋ ይጽውዑ ከምዝነበሩ ይንገር። ንሶም’ውን ኣብቲ ጉዳይ ክመጽኡ ስለ ዝነበሮም ጓሎም መሪሓቶም ብበቕሊ ካብ ዓዶም ንዓድጋውል ኣምርሑ።
ጅር ገድላ ነዞም ብዕዉር ዝጽውዑ ተወላዲ ብብልሖምን ምስትውዓሎምን ይሰግእ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ንሶም ዝመጹሉ መገዲ ዝመጹ ቤተሰብ፡ “ኣንታ እቲ ዕዉርሲ ይመጽእ ደሎ፧ ኣበይ’ኸ ረኺብኩሞ፧” እናበለ ኣብ ዘዝበጽሕዎ ክከታተል ከም ዝወዓለ ይሕበር። እዞም ተወላዲ ድማ ኣብታ ጥቓ ዓዲ ምቕልቃል ዳስ ምስ በጽሑ፡ ንጓሎም፡ “በሊ ንዓይ ኣብዚኣ ኣውርድኒ’ሞ፡ ኣነ ክሳዕ ዝሸይን ንስኺ ኣብቲ ዳስ እናማዕደኺ ዝኣትዉን ዝወጹን ተኸታተሊ፣” በሉዋ። ድሕሪ ምሻኖም፡ “እሞ ክንከይድ በሊ፣ እቲ ዳስ’ከ እንዳ ውራይ’ዶ ይመስል፧ ሰብ ክኣቱ ክወጽእ’ዶ ትርኢ ኣሎኺ፧” ኢሎም ሓተቱዋ። “ኣቦይ ዝኣቱ’ሞ፡ ይሪኢ ኣለኹ፣ ዝወጽእ ግን ኣይረኣኹን፣” በለቶም። “እዋእ! እስከ በሊ ቁሩብ ንጸበ፣ ጽቡቕ ጌርኪ ድማ ርኣዪ፣” ብምባል ተጸበዩ። “ሕጂ’ውን ዝኣቱ’ንበር፡ ዝወጽእ ኣይረኣኹን፣” በለቶም። “ወላ ክሸኑ ውጽእ ኢሎም ዝምለሱ’ውን ኣይረአኽን፧” “ኣቦይ ብዘይካ ዝኣቱ ዝወጽእ ኣይረኣኹን፣” በለቶም። ኣትዩ ዝወጽኣ ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጹ፡ “ኣሕ! ኣጥፊኡና’ዶ’ዚ ድቓላ! ንኺድ በሊ ሓፍተላይ!” ኢሎማ ካብቲ መቕዘፍቲ ክሃድሙ ተበገሱ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ እታ ቦታ ሓፍተላይ ትብሃል ኣላ።
ጅር ገድላ ድማ ነቶም ኣብ መገዲ ሰላም ኢሎምዎም ዝሓልፉ ዝነበሩ ኣጋይሽ እናሓተተ፡ ኣበይ ከም ዝበጽሑ ክከታተል ስለ ዝወዓለ፡ ካብቲ ኣብ ዳስ ክበጽሕዎ ዝግበኦም ግዜ ስለ ዝደንጎዩ ክጥርጥር ጀመረ። “እዚ ዕዉርሲ ምናልባት ደኾን ጠርጢሩ ንድሕሪት ተመሊሱ’ዩ፣” ብምባል ሰብ ኣፍራስ ብጉያ ኣርኪቦም ሒዞም ዘምጽእዎም ኣዕሩኽቱ ለኣኸ። ነዊሕ ምስ ሰጎሙ፡ ለተገርግስ መገዶም ተኸቲሎም ዝጎዩ ሰብ ኣፍራስ ብድሕሪት ብርሑቕ ትሪኦም ከም ዘላ ነ’ቦኣ ሓበረቶም። ካብ መንገዲ ኣላጊሶም ኣብ ሓደ ስንጭሮ “ውሓጥና መሬት” ኢሎም ይሕብኡ ። በዚ ምኽንያት’ዚ እታ ስንጭሮ “ማይ መሓጥ” ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። እቶም ኣቦን ጓልን ነቶም ሰብ ኣፍራስ እናጋለቡ ክሓልፉ ‘ከለዉ፡ ንነፍስወከፍ ጋላብ ፈረስ ጸጸር እና’ቐመጡ ቆጸርዎም። ኣርብዓ ኔሮም ድማ ይብሃል። ነዊሕ ከይዶም ስኢኖሞም ምስ ተገምጠሉ ከኣ፡ ብፍቕዲ’ተን ጸጸር ኵሎም ከም እተመልሱ ኣረጋገጹ። ድሕሪ’ዚ ገብርሂወትን ጓሎምን፡ ካብ ግዝኣት ጅር ገደላ ወጺኦም፡ ኣብቲ ዝነብርሉ ዓዲ ንምርካብ ብእግረይ ኣውጽእኒ ገስገሱ። ኣብ ተራእምኒ ክበጽሑ ‘ከለዉ፡ መስይዎም እተደረሩላ ቦታ “ደሪረ” ዝብል ስም ሒዛ ተሪፋ’ላ። ማዕረባ’ውን ምድሪ ዓሪብዎም ምስ ሓደሩ ዝወጸ ስም’ዩ ይብሃል። ኣብ መወዳእታ ሰገነይቲ በጽሑ’ሞ፡ ኣብዚ ሕጂ “ዓሰርወ” ዝብሃል ዘሎ በሪኽ ቦታ ሰፊሮም ከማዕድዉ ‘ከለዉ፡ ለተገርግስ ነቦኣ ዝባን ስራየ ይርኣየኒ ኣሎ በለቶም። እዚ “ዓሰርወ” እንጽውዖ ዘለና በረኻ ከኣ፡ ካብታ ዝባን ስራየ ትብል ዘረባ ዝወጸ’ዩ፣ ይብሉ።
ዓበይቲ ገዛ ሓውያ
ኣብሓጎና ገብርህየት፡ ካብ ጅር ገደላ ዝኣኽለና ርሒቕና ኢና ኢሎም ኣብ ዓሰርወ ምስ ኣዕረፉ፡ ኣንበሳ ምስ ጓሎም ክውሕጦም ይደሊ። ካብ መዓት ጅር ገደላ ወጺእና እንተበሉ’ስ መዓት ኣንበሳ ከኣ ጸኒሑዎም። ብዝኾነ ሓንካሾኦም ሰዲዶም እንተ ገደፉ፡ ብዕድል ኣምላኽ ኣብ ጎሮሮኡ ሸኺሎምሉ ኣንበሳ ጋሕ ይብል ኣሎ። ፋረኡ ከኣ ቅልጥ ቅልጥ ኣቢሎም ይሕዙዎ። ሽዑ ሰገነይቲ ከም ዓዲ ኣይተጣየስን ዝነበረ። ዓሰርው ከኣ ምድር ድግራ’ዩ (ደግራ ልብአ) ዝነበረ። ጓሶት ደግራ ንወዮ ኣቦሓጎና ገብርህየት ዝቐተልዎ ኣንበሳ ምስ ረኸቡ፡ ይርኣየሎም፡ ቆርበቱ ቀሊጦም “ኣንበሳ ቀቲልና” ኢሎም ንደግራ ጓይላን ጨፈራን ይገብርዋ። ንሶም ከኣ ነዚ ምስ ሰምዑ ማንም ተመሲሎም ንደግራ ይኸዱ። “እንታይ ዝገበሩ’ዮም እዞም ሆ! እናበሉ ጓይላ ዝጻወቱ ዘለዉ”ኢሎም ይሓቱ’ሞ፡ “ኣንበሳ ዝቐተሉ’ዮም” ዝብል ምላሽ ይወሃቦም።”ፋረኡ’ስኪ ኣርእዩና፧” በሉዎም ኣቦሓጎይ ገብርህየት። ፋረ እንተ በልካ ፋረ ትመስክር። ከምዛ‘ቲ ኣንበሳ ፋረ ዘይነበሮ ዕንይንይ ዕንይንይ ኰነ።
“በሉ፡ ኣንበሳስ ባዕለይ’የ ቀቲለዮ፣ እነሆ ከኣ ፋረኡ፣” ኢሎም ካብ ለቖታኦም መሰስ ኣቢሎም ነቲ ፋረ ኣርኣዩዎም ንደግራ። ደግራ “ነቲ ኣንበሳ ዝቐተልኩም፡ በሉ ጓልን መሬትን ተቀበሉ” ኢሎም እዚ ክሳዕ ሎሚ “ዓዲ ሓውያ” ዝጽዋዕ ዘሎ መሬት ሰገነይቲ፡ ሽዑ ነቦሓጎይ ገብርህየት ከም እተዋህቦም’ዩ ዝዝንቶ። እታ ጓል ግን፡ “ዕውር ኮይኖምኒ፣ ኢላ ኣብያ፣” ይብሃል።
ኣቦሓጎይ ገብርህየት፡ ካብ ምሉእ ዓሌቶም ንሶምን ጓሎምን ጥራይ ምትራፎም ድቓስ ከልኦም። ትውልዶም ከይጸንት ፈርሁ። ድሕሪ ብዙሕ ሓሳብ ከኣ፡ “ጓለይ መዓረይ፡ ጅርና ጸኒቱ ከይተርፍሲ ንዋሰብ፧” በሉዋ። ኣዝያ ሰንበደት፡ “ኣቦን ጓልን’ዶ ይዋሰቡ፧ ሰብ’ኸ እንታይ ይብለና፧” ከኣ በለቶም። … ቆርበት ዝብኢ ተኸዲና ዕዳጋ ከም እትውዕል ገበሩ’ሞ፡ “እሂ እንታይ በለ ሰብ፧” በሉዋ። ቆርበት ዝብኢ ምኽዳና ኣገሪምዎም ምሉእ ዕዳጋ ዋኒኑ ገዲፉ ንዕኣ ክርእን ብዕኣ ክዛረብን ከም ዝወዓለ ገለጸትሎም። ካልኣይ መዓልቲ ዕዳጋ ከኣ ሰደድዋ። ዝበዝሕ ሰብ “ወያ ብኣምሆይ ዝመጸት እንዲያ ደኣ’ዚኣ” ኢሉ ሸለል ከም ዝበላ፡ ዝግደሱላ ከም ዝወሓዱ ነገረቶም። ሳልሳይ መዓልቲ ከኣ ከምኡ ዕዳጋ ኣውረዱዋ። “ሎምስ ኣቦየ ዘቃልበለይ’ኳ ኣይረኸብኩን፣ ሰብ ውራይ ስርሑ ክገብር ውዒሉ፣” ከኣ በለቶም። “በሊ፡ ካባይ ምስ ወለድኪ’ውን ከምኣ’ያ፣ መጀመርታ፡ “ካብ ኣቦኣ ወሊዳ ካብ ኣቦኣ ወሊዳ” ይብሃል፣ ደሓር ግን ሰብ ምስ ለመዶ ዝዛረበሉ’ኳ ኣይርከብን፣” ቢሎም ኣረድእዋ ኣቦሓጎይ ገብርህየት። ረደየት’ሞ ሸቡዓተ ወዲ ከኣ ወለዱ። ገለ ካብኣቶም ንሰራየ ተመሊሶም ኣብ ጥሻ ኣቦሓጎታቶም ሰፈሩ። እዞም ሸቡዓተ ደቂ ገብርህየት ዝፈረዩዎም፥ ኣብ ሰራየ፡ ኣኮለጉዛይ፡ ሓማሴን፡ መታሕትን ትግራይን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። … እዞም ዘይሓውያ “ካብ ጓልኩም እንደ ኣልኩም ትውለዱ፣” ኢሎም ይዋዘዩልና’ሞ፡ “ዋላ ካብ ኣደና ንወለድ ኣታ ሳላ ከምኣ ዝገበረና’ስ’ባ ከማኹም ንረግጻ ኣለና’ዛ መሬት፣’ ኢልና ስቕ ነብሎም፣ ይብሉ ዓበይቲ ደቂ ሓውያ፡ ኣቦሓጎኦም ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ኩርዓት እናተሰምዖም። ገሊኦም ሓውየቶት ከኣ፡ ነዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዝንቶ፡ ደቂ ሎጥ ካብ ኣቦአን ወሊደን ዘርአን ካብ ምጽናት ዘድሓንኦ ኣመሳሲሎም ምኽኑይን ቅዱስን ይገብርዎ።
ካብተን ሓውየቶት ዘለውወን ዓድታት፥ ዓዲ ጋውል ሰገነይቲ፡ ዓዲ ሓውያ፡ ዓዲ ቀ ተኹላ፡ ዓዲ ሕረት፡ እንዳ ኣማኑኤል፡ ኩዶ ፈላሲ፡ መፋልሶን ወቀርትን ምዃነን ብምዝርዛር፡ እቲ ብጅር ገደላ ከጠፍእ እተፈርደ ዘርኢ፡ ብኣቦሓጎና ገብርህየት ዕውር ስለ ዝሓወየ’ዩ፣ ዓሌትና ሎሚ “ሓውያ” ዝብሃል ዘሎ፡ ክብሉ ዓበይቲ ተወለድቲ ሓውያ ብኩርዓት ይገልጹ።
እዚ ሎሚ “ዳስ ሓውያ”ዝብሃል ዘሎ ኣሰማምያ’ምብኣር፡ ኣብ እዋን’ቲ ፍጻሜ ኣይነበረን። እቲ ዓሌት ኣቦን ጓልን ብዝገብሩዎ መውስቦ ስለ ዝተሰአ፡ ወይ ስለዝሓወ’ዩ፣ ካብቲ “ሓውያ” ዝብል ድሓር እተዋህቦም ስም ዝመጸ’ዩ። ኣብዚ፡ ዳስ ሓውያ፡ “ምቕጥቓጥ ደቂ ኣፎርታይ” ተባሂሉ’ውን ከም ዝጽዋዕ ይዕለል። “ኣፎርታይ” ንሓውየቶት ዝወለደ፡ ሓደ ካብቶም ሸቡዓተ ደቂ ንጉስ ምጭ ምዃኑ፡ ንሱ ንደግያት ዓንደሃይማኖት፡ ደግያት ሓለንጋይን ደግያት ድዕቡልን ከም ዝወለደ ድማ ይዝንቶ።
ጅር ገደላ ኣብ ልዕሊ ጐይትነት በለው ዘውረዶ ሱር በተኽ መጥቃዕቲ ስልጣን፡ ኣብ ኣገው ክመሓላለፍ ኣኽኢሉ። ኣድኸመ-ምልጋእ ዝብሃሉ ኣብ ሰራየ ዝዓብለሉ ኣገው ድማ፡ ወረስቲ’ቲ ስልጣን ኰኑ።
ኣብ ዕለታዊ ናብራና ተቀልቂሉ ሽርብ ንዝብል፡ ወይ ሓንሳእ ተራእዩ ድሓር ህጣሙ ንዝጠፍእ ነገር ብዳስ ሓውያ ንምስሎ። እዚ’ቲ ምስላ ሓድጊ ናይ’ዚ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ። ካብዚ ንእግሬ መንገድና ንመሃሮ ‘ምበኣር ፡ ዝኾነ ኣብ ያታና እንረኽቦ ምስላ ወይ ብሂል ታሪኻውን ማሕበራውን ሰራውር ከም ዘለዎ’ዩ። እቲ ሰራውር ተመርሚሩ ቁምነገሩ ምስ ተፈልጠ’ዩ ድማ ያታ ትርጉሙ ዝጎናጸፍ፡ ዘኹርዕ፡ ዘነይት፡ ዛንታ ያታ ኣሎና ዘብል።
“ዳስ ሓውያ” ዘውኽኦ ዛንታ መስረት ዝኾነ ቦታ “ሃርፈ ጉረቶ” ኣብዚ ግዜ‘ዚ፡ መደበር ጥዕና ተሰሪሕዎ ይርኸብ፣ እቲ ክንደይ ህዝቢ ንሞት ዝተፈርደሉ ቦታ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ማእከል ጥዕና ኪከውን ምምራጹ ዘደንጹ ኣጋጣሚ’ዩ።
ተፈጸመ
ጸሓፍቲ ከም ምንጪ ዝጠቐሱዎም መወከሲታት እዞም ስዒቦም ዘለዉ’ዮም፥
1. መስረት ዓሌት ህዝቢ መረብ ምላሽ
2. ዛንታ ኤርትራ”
3. ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ
ምንጪ ጸሓፍቲ፥
1. ዳስ ሓውያስ ዝኣቱ’ምበር፡ ዝወጽእ ነይርኣና፣ ዮሃንስ ዘውደ፣ <http://nimahar.jimdo.com/…/%E1%8B%B3%E1%88%B5-%E1%88%93%E1…/>
2. ዳስ ሓውያ ብሓንቲ ዘፈር ጠጢዓ፣ ኑራ ሑሴን፣ <http://assenna.com/%E1%8B%B3%E1%88%B5-%E1%88%93%E1%8B%8D%E…/>
source Berhane Mesqel Araya
FB group Quanqua Tigrnea
1 Comment
Great story