ንስኹም ደኣ
ሞት ርኢኹምስ
ኣብ ትንሳኤ ‘ለኹም
ወይልና ንሕና
ትንሳኤ ክንጽበ
ክልተ ሞት ርኢና!
ደቂ ዓሚ
ህጁም በዚሑና
ህጉም ክን ኣቱ‘ልና
ንዓኹም ክንሓሚ
ኣንቱም ደቂ ዓሚ!
ቃቒርኩምና:
ኣብ መንጎ ውሉድ ኣቦ
ኣብ መንጎ ሰዶ ሃቦ
ቤት ጽሕፈት ‘ንተኸድና ንስኹም ትጸንሑ
ቤት ትምህርቲ ‘ንተኸድና ንስኹም ትጸንሑ
ገዛና ‘ንተኸድና ንስኹም ትጸንሑ
ከም ሕምባሻ
ናብ ዝገማዕኩምና ንግማዕ
ናብ ዝመናዕኩምና ንምናዕ
እንተተዛረብና ንማሕዩር
ስቕ እንተበልና ናብ መቓብር
ነዛ ሂወትና ስኢናላ ፈውሳ
ተሳቒና’ኮ ቆልዑ ሱሳ
በጃኹም ፍለጡ መለሳ!
ፈረሚናጦስ ናይዝጊ
ጋዜጣ መቓልሕ 2001