1ይ ክፋል
# ዛራ ገጠምቲ ፤ ብመጀመርታ እንቋዕ ቦኽሪ መጽሓፍካ “ፈውሲ ናፍቖት” ኣብ ከብሒታት መጽሓፍቲ ሃገርና ክትሕውስ ኣብቀዓካ። ብምቕጻል፡ ዕላማ እዚ መደብ ብምርዳእ፡ ዕድመና ብኽፉት ልቢ ምቅባልካ ብስም ኣዳለውቲ’ዛ መደብን ኣባላት ዛራ-ገጠምቲን ነመስግነካ። ሓው ተስፉ፡ ድሕረ-ባይታኻ ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ድማ ኣብ ግጥሚ ኣስፊሕካ ኣዋጋዓና ።
*ተስፉ ሓጎስ
የቐንለይ ዛራ ገጠምቲ!
ተፈጥሮ ዝሃበካ ተልእኾ ክተማልእ ናብዚ ናይ ፈተነ ጽንሖት ምስ ተጸንበርካ፥ ጽምዲ ኣንጻራት ክጻረሩ እዮም ዝጸንሑኻ። ሓቂ ምስ ሓሶት፥ ሕልና ምስ ስስዐ፥ ሰናይ ምስ ግናይ … ወዘተ። ኣብ ሓመድ ዘይብሉ ሓመድ ይሳተዩ። ዝብኣስሉ ‘ምበር ዝዕረቕሉ ሜዳ ዘይብሎም ክቃለሱ ይርኣዩ። እቲ መገዲ ንዓይ ውን ኣይተፈልየን፡ ከምኡዩ ጸኒሑኒ። ስለ ዝዀነ’የ ከኣ በቶም መማእዘንቲ ተሓጊዘ፥ ኪኖቲ መሽሚሹ ዝተርፍ ክፋለይ፡ ጥራሐይ ከም ዝመጻእኩ መጠን፥ ውሽጠይ ከይዓርቕ ንባዶነተይ ክመልእ፥ ዘይጠቕመኒ ከይወርሰኒ፡ ተጎዲአ ከይጎድእ፥ ነቲ ሓደ ክለብሶ ነቲ ካልእ ክትቃለሶ ግዴታ ስለ ዝዀነኒ፥ ኣብዚ ቃልሲ ምንባርን ምትግባርን፡ ተፈጢረ ክብል “ብህይወት ኣለኹ!” ንማለተይ ክትርጉም፥ መንነተይ ከኽብር፥ ጽባቐ ክፈጥር፥ ንፍቕሪ ክነብር … ዝቃለስ ዘለኹ። ምንባር ቃልሲ’ዩ፡ (ኣብ ቃልሲ ከኣ ማዕረ እቲ ትቃለሶ ሃለኽለኽን ዘይምርጋእን ኣሎ)። ክንዲ ዝዀነ ኣብ ናብራ ጽባቐን ሰላምን ንምስራር ጥበብ የድሊ። ጥበብ መለሳ ይፈጥር፤ መገዲ ይሕብር፤ ጥበብ፥ የርግእ፡ የረድእ (የንቅሕ የብርህ የስርሕ … ወዘተ)። በሃግን ሰዓብን ጥበብ ምዃነይ ድማ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ የሐጉሰንን የሐብነንን።
ቅድሚ ሕዱር ዝንባለ ግጥሚ፡ ሃፈጽታ ሓጺር ዛንታ፡ ስእልን ቅብኣን’ዩ ቀዲሙ ጸልዩኒ። ንሱ ብዕድልን ዝተፈላለየ ኣገጣሚታትን ምስ ተዀልፈ፡ መዓስን ብኸመይን ግጥሚ ከም ዝዓብለሎ’ኳ ብንጹር እንተ ዘይዘከርኩዎ፡ እቲ ካብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ዝረኽቦ ዝነበርኩ ውጹእን ዜማ – ዝተሰዂዖን ግጥምታት፥ እናስተማቐርኩ እድነቕ ነይረ። ብኡ መጠን ከኣ ኪኖቲ ተምሳጥ፡ ብፍረ ናይቲ ሓሳብን ውህደት ኣካውናኡን ኣግርሞተይ ይውሕዝን ይዓብን ነበረ’ሞ፥ እናስተንተንኩ ህይወት ብመገዱ ክርእያ ፈተንኩ። ምስጢርን ብልሓትን ግጥሚ ብደቂቕ ክፈልጥ ውን ደለኹ። ብፍላይ ኣብ ጋዜጣታት ናይ ብሕትን “ሓዳስ ኤርትራ”ን ዝረኽቦም ዝነበርኩ ግጥምታት ብዕምቖት አንብቦም ነይረ። ንምጥቃስ ዝኣክል’ኳ እቶም ክረኽቦም ዕድል ዝገበርኩ ናይ መምህር ተኽለ ተኸስተን ብርሃነ ገብርህይወትን ግጥምታት፥ ኣብ ውሽጢ ንኽጥሕል የወናውኑንን ይቅስቅሱንን ብምንባሮም ፍሉይ ጦብላሕታ ኣለኒ። እዚ እቲ ናብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ታተ ዝብለሉ ዝነበርኩ ግዜ ማለተይ ድኣ ‘ምበር፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ስምዒት ስነ-ጽሑፋዊ ጥበብ ብፍላይ ፍቕሪ ስነ-ግጥሚሲ እቲ ጽልዋ ያታዊ ስነ-ግጥምታት፥ ኩሉ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ባህልን ልምድን ዝተጻወቶ መሰረታዊ ተራ ርዱእ እዩ። ከይተረድኣካ ዘስርጸልካ ነገር ስለ ዘሎ፡ ዋላ ኣይትጀምሮ ድማ ምስ ውሽጥኻ ተላልዩን ተዋሃሂዱን እዩ ዝጸንሕ። ሃብታም ኣፋዊ ስነ-ግጥሚ ዝሓዘ ርክባቱ፡ ስምዒታቱ፡ ፍጻመታቱን ብግጥሚ ዝገልጽ ሕብረተ-ሰብ፥ ወግዒ፡ ምስላ፡ ጽውጽዋይ፡ ደርፍን ካልእን ዝሓቖፈ ግጥማዊ ቛንቛ ክህልወና ምኽኣሉ ተጸላዊ ንምዃን ዓቢ ጸጋን ዕድል እዩ። ነዚታት ተገንዚብካን ኣስተማቒርካን ንግጥሚ ብፍቕሪ እንተ ጸዊዕካዮ ከኣ ኣቤት ብሃሊ እዩ። ግዜን ዓቕልን ግን የድሊ ይኸውን። ኣብ መገዲ ጽባቐ ምስ ነብስኻ ብህድኣትን ብምስትውዓልን ብዝተዛረብካሉን ዝተላዘብካሉን ቁጽሪ ከኣ ምስ ግጥሚ ቅርበት ይህልወካ።
ስለዚ እቲ ምስ በዓል ግርማይ መሓሪ፥ እስማዒል መሓመድኑር፥ በሪሁ ክብረኣብ፥ ኣበባ ዘርኡ፥ በላይ ንጉሰ፥ ክፍለ ድራር፥ ምኪኤል ሓጎስን ካልኦትን ኣብ “መኣዲ ስነ-ጥበብ በለውከለው” (ሰንዓፈ) ዝጀመርኩዎን ክሳዕ 2005 ዝከድክዎን፡ ውሽጣዊ ባህግን ድፍኢትን ተወሲኽዎ፡ ዝሓዝኩዎ ጭራ ስነ-ግጥሚ ከም ዘይሰድድ ገይሩኒ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ባዕሉ መገዲ ጥበብን ህይወትን ምስ ተመሳሳሊ ዝንባለ ዝነበሮም ብዙሓት ንገሊኦም ብስራሓውቶም ጥራይ ንካልኦት ድማ ብኣካል ብቕርበት ኣፋሊጡናን ኣራኺቡናን። ገለ ካብኡ፥ ኣብ ሳዋ “መኣዲ ስነ-ጥበብ ሳዋ” መስሪትና፡ ብዙሕ ዘጋላብጥ ግዜ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብተዛማዲ ካብ ሓጺር ሰፊሕ ተመኩሮ ተለዋዊጥና። ቀጺሉ ውን ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ምስ ከም ብዓል ዓሊ ኣሕመድ፥ ክፍለ ሃብተሚካኤል፥ ተስፊት ኣብርሃም (ሕጂ ኣባላት ዛራ ዘለዉ) ብምዃን ኣብታ ዝመስረትናያ “መኣዲ ስነ-ጥበብ ‘ራህያ’ ” – ድሒራ “ኣድማስ” ዝብል ስም ዘትሓዝናያ፡ ሰፊሕን ዘይርሳዕን ግዝያት ብምሕላፍ ኣሚቚን ዘይሃስስን መኽሰብ ጥበብ ኣትሪፍና። ከምኡ ውን እቲ ኣብ ውሽጢ ኣስመራን ካብኡ ወጻእን ዝካየድ ዝነበረ፥ ካልኦት ብዕድመ ዝመጽኡናን ንኸዶም ዝነበርና ኣበየ ቦትኡ ዝካየዱ ዝነበሩ መኣድታት ጥበብን፥ እቲ ምኩራት ገጠምቲ ከም ብዓል መለስ ንጉሰ፥ ግርማይ ኣብርሃም ናብ መኣድና እናመጽኡ ኰነ ኣብ ዘይወድዓዊ ርክብ ፍልጠቶምን ፍቕሮምን ከይበቐቑ ዝደመሩልና ውን ኣይርሳዕን። ካብኡ ሓሊፍና ውን እቲ ምስ ከም ብዓል ግርማይ ምሑር – ጥበብ ኣሻቲቱና ሓመድ ዘቢጥና ዝተራኸብናሉ ሓዊስካ ካልኦት ብውልቅን ዘይስሩዕን መኣድታት ጥበብ ውን በረኸቱ ብምክፋል ሰፊሕን ሃብታምን ተመኩሮ ጥበብ ተለዋዊጥናን ኣስተማቒርናን። ከም ውጽኢቱ ድማ ምስ ብዙሓት ዓበይትን ናእሽቱን መኻፍልቲ ጥበብ ኣተሓቛቚፉና። ከምኡ እንዳ በለ ኣብ ስደት ውን ‘ኣብቲ ሓቂ ብሓቂ’ ሕብሪ ከይፈለየ ምኽንያት ከይፈጠረ፡ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣምታት ኰነ ናይ ርሕቀት ምልውዋጥ ካብ ውልቃውን ዘይስሩዕን ክሳብ ብዝተወደበ ምልውዋጥ ተመኩሮን ምስትምቓር ደቂ ዓለምናን ይቕጽል ኣሎ። ህይወት ብመገዲ ጥበብ ምቅርቲ እያ። መገዲ ጥበብ ሓቂ ሒዝካ እንተ ኬድካዮ፤ ምስ ውሽጥኻ የፋልጠካን የተዓርቐካን፤ የብልሐካ የንቅሓካን፤ ምስ ሰባት የላልየካን የፋቕረካን። ጥበብ ጥዑምዩ። ዕድመ ንኣማቐርትን ኣስተማቐርትን፡ ስነ-ጥበብ ይዓንብብ!
# ኣልኣዛር ኢየሱስ፤ ኣብ ግጥሚ እገዳ ተገይሩልካ ይፈልጥ-ዶ፧ መቸም ገጣማይ ክትከውን ብዙሕ መስገደል እንዲኻ ትሓልፍ፣ ግዚያት’ውን ኣሎ “ከይትገጥም!” ኢሉ ነብስኻ ማዕቀብ (sanction) ዝገብረልካ፤ “ኖ! ኣነስ ክገጥም እየ፡ ወረ ‘ኣይትግጠም’ እንተ ተባሂለ እየ፡ ግጥሚ ዝመጻለይ፤ እትብለሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ-ዶ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ግጥሚ ካብ ውሽጥኻ ክወጽእ እንተ ኣንቂዱ ንኸይወጽእ ዝእግድ ኣይህሉን። ከም ትዕዝብቲ ግን ብዙሕ ግዜ ብተጻራሪ ኣብ ውሽጢ ንዘየሎ ወይ ክወጽእ ግዜኡ ዘይኣኸለ፡ ‘ንዓ ውጻእ’ ማለት ይርአ እዩ። ብውልቃዊ ኣረኣእያይ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንግጥሚ ኣብ ዘይመዓልቱ ምሕራስ እዩ ምበልኩዎ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳባትን ባዕላዊ ስእለ ኣእምሮን ምስ ስነ-ግጥሚ ተወሃሂዱ ምሉእ ጽባቐ ከይፈጠረ ይብርዕን ኣሎ ብሃሊ እየ። ስለዚ እቲ ወኒ (ሙድ) ኣብ ቦትኡ ኰይኑ፡ እቲ እገዳ ካብ ውሽጥኻ ንውሽጥኻ ግን ልክዕ ኣሎ። ሰብ ክትገጥም ኣብ ዝጽበየካ ህሞት ግጥሚ ግን “ዕጭ!” ይብለካ። ወይ ብኣንጻር ናይቲ ሰብ ዝደልዮ ወይ ዝጽበየካ ክመጽኣልካ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣነ ሃንደበታዊ ግጥሚ ኣይመጽኣለይን ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ውን ኣይብርሃንን። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ክእለትካ ኣርኢኻ ስም ንምርካብ፡ ንውድድር ኰነ ካልእ ዕላማ፡ ግጥሚ ይግጠምን ይፍተንን እዩ፡ ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ መኣዲ ስነ-ጥበብ “ሽዑ ንሽዑ” ዝብል ሽዑ-ንሽዑ ገጢምካ ዝቐርብ ውድድር ተሰሪዑስ ብጌናኡ እንከሎ “ስልማት ኣለዎ” ተወዳደር ዝብል ካብ እቶም ኣዳለውትን ፈተውትን ዕድመ ቀሪቡለይ፡፡ ኣብቲ መደብ ተዓዛቢ እንከለኹ ክወዳደር ግን ኣይደለኹን። ካልኦት ግን ሽዑ-ንሽዑ ገጢሞም ክእለቶም ኣርእዮም፡ ብመሰረት እቶም ዝነበሩ ዳያኑ ውን ዕውታት ዝዀኑ ተሰሊሞም። ኣነ ከኣ ብኣንጻሩ ኣብቲ ውድድር ዘይትኣቱ ግን ነቲ መደብ ትግስጽ “ግጥሚ ተወጺዑ” ትብል ግጥሚ ሽዑ-ንሽዑ ጽሒፈ ኣቕሪበያ።
( ….
እቲ ባሕሪ ጥልቀቱ
ነባሪ ሰረቱ
ግዜኡ ዝሕሉ
ታህዋኽ ዘይፈቱ
ካብ ትዕዝብቲ
ናብ ስምዒት
ኣፍልጦ ዘብኲዖ
ካብ ሓሳብ ናብ ቃላት
ልቦና ዘርትዖ…
….
እዛ ግጥሚ ኣብ መጽሓፍ “ፈውሲ ናፍቖት” ተኻቲታ ኣላ ) ብኣጣቓላሊ እቲ ፍሉይነት ኣብ ውልቃዊ ድሌትን ንምንታይ ትገጥምን እዩ ዝውሰን። ስምዒታትካ ብደጋዊ ግዝያውን ኩነታት ድዩ ዝምራሕ? ክእለትካ ኣንጸባሪቕካ ስም ወይ ስልማት ንምርካብ ድዩ ባህ ዝብለካ? ወይስ… እዞም ናይ ደጋውን ግዜያውን ስምዒታት ንውሽጣዊ ድሌታትካን ሓሳብካን ከይሽፍንዎ ብመንፊት ውሽጥኻ ክተሕልፎምን ክተማእዝኖምን ኢኻ ትደሊ? ኣብ ዝብል ነጥብታት እዩ ዝምርኮስ።
# ክፈለ ሃብተሚካኤል፤ ብመጀመርያ፡ ናብ ቦኽሪ ሕትመት መጽሓፍካ፡ መጽሓፍ “ፈውሲ ናፍቖት” ምብቃዕካ ዮሃና ክብለካ ሓጎስ ይስመዓኒ። ብምቕጻል፥ “ግጥሚ ኣነቓቓሒ እዩ። ጸገም ሕብረተ-ሰብ ንምፍዋስ ክሳብ ሰውራታት ናይ ምልዕዓል ዓቕሚ’ውን ኣሎዎ” ይብሃል እዩ። ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ምንቕቓሕ መድረኽ ወይ እዋን፡ ኤርትራዊ ግጥምታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝጻወቶ ዘሎ ተራን ጽልዉኡን ከመይ ትርእዮ፧ ግጥምታትና ኣነቓቕሓትን ኣመእዘንትን እዮም’ዶ ትብል፧
*ተስፉ ሓጎስ
ሓጎስካ ኣይጉደል ክፍለ ሓወይ፡ ናብ ሕቶኻ ክቕጽል፡ ልክዕ’ዩ ግጥሚ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን። “ሓንቲ ግጥሚ ዓለም ትልውጥ” ዝተባህለ ውን ሓይልን ጽልዋን ግጥሚ ንምምስካር እዩ። ግጥሚ ብቅርጡውን ቁጡብን ዝወሃደ ቃላት ቆይሙ ብጥበብ ዝተጨበጠ ንጹር ሓሳብን ስእልን ስለ ዘትሕዝ ጸላውን ኣነቓቓሕን ክኸውን ውን ግድን እዩ። ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ማሕበረ-ሰብ ይጸሉ፡ ሰውራ ኣልዓዒሉ ከይዱ የንህርን የቀላጥፍን። ርሑቕ ከይከድና ኣብቲ ዝሓለፈ “ሰውራ ኤርትራ” ግጥሚ ዝነበሮ ተራ ውን ናይ ቀረባ መወከሲ እዩ። ግጥሚ ንዘይተረኽበ ነገር የረስዕ፡ ንዝጎሃየ ኣእምሮ የሳዕስዕ፡ ክንደይ ሰብ ብግጥሚ እናስተንተነ ብተስፋ ዘይነበረ፡ ብግጥሚ ክንደይ ንቃልሲ ዘይሰመረ፡ ብግጥሚ ክንደይ ናብ ዓወት ዘይሰገረ። በዝን ካልእን መገድታት ድማ’ዩ ዝልውጥን ዘማእዝንን። ኣብዛ ህሉው ታራን ጽልዋን ግጥሚ እትብል ሕቶ፥ ቅድሚ ከምዝን ከምትን ምባልና፡ “ካብ ክንደይ – ክንደይ ዝኣኽሉ ሰዓብቲ ወይ ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ኣለዉ? ክንደይ ዝኣኽሉ ግጥምታት ይንበቡን ይዝከሩን? (ክንደይ ዝኣኽሉ ግጥምታት ክንበቡ ዕድል ረኺቦም?) ታሪኽ ስነ-ግጥሚ ሕብረተ-ሰብና ከመይ እዩ? ህሉው ኩነታቱን ከይዱንከ?” ዝብል ሕቶታትን ካልእን ክልዓል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መልሲ እዚ ሕቶታት’ዚ ብውልቃዊ ግምት እንተመሊስና፡ ገለ ግምታውን ሓፈሻውን ርድኢት ክንወስድ ንኽእል ንኸውን። ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ “ኤርትራዊ ግጥምታትን ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ጽልዋታትን” ኢልና ኣብ ውሱን ወይ ውሁብ ግዜ ብጽጹይ ንምግላጽ ግን ጌና ኣብ ከይዲ ዘሎ ጉዳይ ውን ስለ ዝዀነ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን’ዩ ኣሕፍሽካ ንምግላጽን ንልክዕነቱን ሓጋዚ ክኸውን ዝክእል እብል።
# ዛራ ገጠምቲ፤ “ፈውሲ ናፍቖት”…!፧ (ብዛዕባ ‘ፈውሲ ናፍቖት’ ገለ በለና፣ ማለት፡ ካብ ጥንሳ ክሳብ ሕርሳ ዝነበረ ተመኲሮ፧)
*ተስፉ ሓጎስ
መጽሓፍ “ፈውሲ ናፍቖት” ተመሪጾም ዝተኣከቡ 82 ግጥምታት ዝሓቆፈት እያ። ኣብ 2014 እኳ ተጻፊፋ እንተ ተዳለወት ንሕትመትሲ ኣብዚ ዓመት 2016 እያ በቒዓ። ነፍሲ ወከፍ ተሓቊፉ ዘሎ ግጥሚ ምእንቲ ርእሱ ክብል ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ እናተፈጥረ ዝተዋህለለ እዩ። እቲ ክሳዕ 2009 ዝተወድአ ቅድሚ ስደት ምዃኑ እዩ፡፡ ካብ 2010 ክሳዕ 2014 ዘሎ ከኣ ኣብ ስደት ዝተወልደ ወይ ዝተወድአ።
መጽሓፍ ንምድላው ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘይተረጋጋእካሉ ኩነታትን ቦታን ኰንካ ክብድ ይብል እዩ። ዋላ እቲ ንመጽሓፍ ዝዳሎ ትሕዝቶን ባጀት ወጻኢታቱን ረኺብካ፡ ነቲ ስራሕ ከምቲ ዝድለ ብውሕሉል መገዲ ንምጽፋፍ ብድሆ እዩ። ንኣብነት፥ ገበርን ውሽጣውን ዲዛይ ንምግባር እሞ ድማ ከምቲ ትደልዮ፡ እቶም ትደልዮም (ሞያውያንን ዕቱባትን ንምስታፍ) ሰባት ብቐረባ ዘይምርካብ፡ ምስ ኣሕተምቲ ከምቲ ዝደለኻዮን ኣብ ግዜኡን ዘይምውዳእን ካልእን ዝኣመሰሉ ብድሄታት ነይሮም። ዋላ ግዜ በሊዖም ድማ ከም ዘይሕለፍ የለን ተሓሊፎም ጥራይ ዘይኮነ ተበዲሆም እውን። ሕጂ ውን ዛጊት ናይ ምክፍፋል ወይ ምዝርጋሕ ብድሆ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎምነዛ መጽሓፍ ንምክዋን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ዝጎደለንን እናመልኡ ዘድለየኒ እናወፈዩ ሓገዝን ምትሕብባርን ዝገበሩለይ፡ ኩሎም ብሞራል ውን ዘይተፈልዩኒ ከመስግኖም እፈቱ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምስጋና መጽሓፈይ ዘይጠቐስኩዎም ሕጂ ግን ኣስማቶም ከይረቛዕሕኩ ክሓልፍ ዘይደሊ ፈተውቲ፣ ገበርቲ ጽቡቕን ናይ ሞያ መቕርብን (ገጠምቲ፣ ደረስቲ፣ ጋዜጠኛታት)፣ ወሓዚት ኣብርሃም፣ ኣስመሮም በርሀ፣ ሰላም ሓይሎም፣ በላይ ንጉሰ፣ ጸጋዘኣብ ኪሮስን መኰነን ተስፋይን ልባዊ ምስጋናይ ይብጻሕኩም ክብሎም ፍቕርን ኩርዓትን እስምዓኒ።
# ፍረዝጊ ኣብረሃ፤ መጀመርያ ሰላም መራሕቲ መደባትን ኣባላትን ኣስተማቐርትን መኣዲ ዛራ! ቀጺለ ሕቶታት ከቕርብ። መን’ዩ እቲ ገጣሚ፧ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ወኑ ዘነቓቕሑ ኩነታት (ክስተታት) ይጽበዮም ድዩ ወይስ ይኸዶም፧ ገጣሚ፡ ብዘይካ ‘ገጣሚ’ እትብል ንሞይኡ ትገልጽ መጸዊዒ፥ ጽሓፊ፡ ደራሲ ዝብሉ-ኸ ንዕኡ ይምልከትዎ ድዮም፧ ክቡር
ተስፉ ሓጎስ
ኣብ ፋንታዝያ-ዶ ኣብ ትራጀዲ ክትገጥም ደስ ይብለካ፧ (እዛ መደብሲ ምስ ኣድሚናት ብምትሕብባር ካብ “ደርዘን ሕቶ” ናብ “ደርዘናት/ደራዝን …” እንተትልወጥዶ ምሓሸ! … ክክክክ)
እቲ ገጣሚ፥ ብዝርካቡ ንቕሓትን ውህሉል ትዕዝብትን ኣስንዩ ምስ ውሽጡ ዝዛረብ እዩ። ነቲ መዛራረቢኡን ዝዛረበሉን ድማ ንዕኡ ኣኺሉ ዝተርፍ ጽባቐን ትርጉምን ክረኽበሉ ሓዀት ዝብል። ቀጺላ ዝሰዓበት ሕቶ “ብዘይካ ’ገጣሚ’ ትብል ንሞያኡ ትውክል ቅጽል ከ እንብዓል ‘ጸሓፊ፡ ደራሲ’ ዝብሉ ናይ ሞያ መጸውዒታት ይምልከትዎ ዶ? ድዩ ዘሎ እቲ ሕቶ? …”እንድዒ! … “እንድዒ እንተ ዘይንብልሲ ኣይምሓጠናን” ድዮም ዝብሉ እቶም ብተፈጥሮኦም ወይ ብተሞኩሮ ዝለበሙ…
ሓደ ግዜ ንደራሲ በየነ ሃይለ ተመኩሮኡ ከካፍለና ዓዲምናዮስ ኣብቲ ወግዓዊ ብዝነበረ ጅምላዊ መጅቡሙዕ ሕቶታትና፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍና ተሃን ስለ ዘይወጽአ፣ ኣብ ዘገምታዊ ዕላል ውን ራስ ብራስ ክንትሓሓዞ ጀመርና። ሓደ መንእሰይ ግን ሃንደበት ፍልይ ዝበለት ሕቶ ዱብ ኣበለ …”ንደራሲ በየነ ሃይለ ሲ ‘ፍላስፋ’ ክንብሎ ንኽእልዶ? እንተ ዘይክኢልናኸ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ” ክብል ሓተቶ። መልሲ ናይ በየነ ከኣ ከምዚ ይብል ነይሩ፣ “እዚ ምስቲ ኣነ ዝሰርሖ ስራሕ ብምዝማድ ንበሃልቲ እዩ ዝግደፍ። ክትብሉ እንተ ኽኢልኩም እንተ ዀይነ እዩ። እንተ ዘይክኢልኩም ከኣ ከም ዝዀንኩ ከእምነኩም ወይ ክኸውን ኣለኒ።” ሕጂ ድማ ከም ሓቂ እዘን ሕቶታት ብቐጥታ ንዓይ ኣይምልከታን ኢየን። ብተዘዋዋሪ ግን ዝመለስኩወን ይመስለኒ።
ናብተን ዝተረፋ ድኣ ነብል … ወነይ ዘነቓቕሑ ኩነታት ወይ ክስተታት፥ ከምዚ ኣዋድቓ ኣድጊ እኳ እንተ ዘይበልኩ ሓዲኦም ዝጸቕጡ ሓዲም ዝጽቀጡስ ኣይኮኑን። መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሎም ይኽሰቱ (ክሳብ ዝኽሰቱ እጽበዮም) ሳሕቲ ከኣ ባዕለይ ይኸስቶም (ዓቕለይ ከወድኡኒ ኸለው)። “ኣብ ፋንታዝያ-ዶ ኣብ ትራጀዲ ክትገጥም ደስ ይብለካ፧” ንእትብል ከኣ “ኣብ ከምዚ ክገጥም እየ” ኢለ ኣይምድብን ወይ መዲበ ኣይፈልጥን። ኣብቲ ዝተሰርሐ ክርእዮ ከለኹ ግን እቲ ዝበዝሐ ኣብ ትራጀዲ እዩ። ስለዚ ዝያዳ ናብ ትራጀዲ የብለኒ ማለት’ዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ውን እቲ ሕልና ግጥሚ ብተፈጥሮኡ ኣብ ክንዲ’ቶም ሓቆም፡ ፍትሖም፡ ዕድሎም፡ ባህጎም ኰነ ናጽነቶም ዝተጐድአ ወይ ዝተነፍገ ኣካላት ደው ኢሉ ስለ ዝጣበቕ ይመስለኒ።
# ወዲ ኑሩ ፤ መጀመርታ ሰላም ንዓኻ ይኹን! ብምቕጻል ናይ ደርፊ ግጥምታትናስ ብዜማ፡ ሙዚቃን ብቕዓት ደርፍን ክጽብቁ’ዮም ተባሂሎም ድዮም ዝዕየዩ ወይስ ርእሶም ክኢሎም እዮም ዝፍጠሩ፧
*ተስፉ ሓጎስ
ሰላም ንኹልና ክቡር ሓው፥ ደርፊ ክበሃል እንተ ዀይኑ እቲ ዜማ ግጥምን ክዋሓሓጥ፡ ከምኡ ውን ምስቲ ሙዚቃ ክውሃሃድ ኣለዎ። እቲ ግጥሚ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ንዕኡ ተባሂሉ ምስ ዝስራሕ ድማ ዝቐለለን ዝበለጸን ይኸውን። እዚ ማለት ግን ርእሱ ክኢሉ ዝተሰርሐ ግጥሚ ንሕደማ ኣይከውንን ማለት ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብ ዜማዊ ግጥሚ፡ ዋላ ኰነ ኢልካ ንደርፊ ዘይተሰርሐ ግጥሚ ኣይኹን፡ ኣብቲ ንሕደማ ዘገድስ ከም መሰጋገሪ (bridge) ብምእሳር፡ ንቕለጻ ዝሕዙ ቃላት ብምልኣም፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ውን ተወሳኺ ተጨባጢ ስእሊ ዝህብ ሓረጋት ብምልቃብ ንደርፊ ክትገብሮ ዘጸግም ኣይመስለንን።