ብማይኮ ተኽለ
· ዛራ ገጠምቲ~
ብመጀመርታ ዕላማ መደብ ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ብምርዳእ ፡ ንዘቕረብናልካ ዕድመ ተቐቢልካ ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ገጠምትን ኣስተማቐርትን ናይ ስነጽሑፍ ግዱሳትን ንዝቐርበልካ ሕቶታት ክትምልሰልና ድሉው ምህላውካ ብሽም ዛራ~ገጠምቲ ኣዚና ነመስግነካ ። ብምቕጻል ፡
ወየ ድኣ ክልቲኦም ሓደ እዮም እምበር፡ እስኪ ቅድሚ ዕላል ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ምጅማርና ፡ ብዛዕባ ጥዑምዝጊ አዕልለና ።
*ጥዑምዝጊ~
ጥበብን ጥዑምዝጊን ደኣ፡ ኣበይ ምስ ተራኸቡ ሓደ ክዀኑ? እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሰብ’ኮ፡ ዘይርብርብ ደኣ ኰይኑ እምበር፡ ጥበብ ከናዲ ኣንፈት ከይሓዘ ሃሰስ ኣብ ምባል እዩ ዘሎ! ጥበብ ገዲፍና’ንዶ ግዳ ካልኡ ክንነግረኩም! ከንብብን ክሰምዕን ባህ ዝብሎ’ሞ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስ በጽሐ ቅጭ ዝመጽኦ! ነዊሕ ቁም ነገርን ዕቱብ ዘረባን ክሰምዕ ዘሰልክዮ። ብፍላይ ኣኼባ ዝበሃል ነገር፡ ነብሰ-ስጋኡ ዝቕንጥጦ!. . . ንእግረ መንገዱ ኸኣ፡ እታ ዝዓበየት ምርቓኡ፡ ይምነየልኩም። “ካብ ጠማሪ ሓሳብ ዘይርከቦ ኣኼባ የድሕንኩም!” ኣሜን!!!
ንጥበብ ብግርህና ዘዕልሎ ሰብ ጎፍ እተ ኢሉዎ ሰሚዑ ዘይጸግቦ፡ እንተ ዝዀነሉ “መጸጸጽ. . .” ክብል ካብ ዝሃልኽ “ጥበበኛ’የ” በሃላይ፡ ንሓዋሩ ክርሕቕ ዝትምነ፣ ልዕሊ ኩሉ፡ ኣብ በይኑን ብውሽጡን እንከዕልል ንሂወቱ መለሳ ዝረኽበላ፡ ነቲ ኣብ ውሻጠኡ ተደጒሉ እንሓንሳብ ዝህውጾ፡ እንሓንሳብ ድማ ብፈንጠዝያ ዘሰራስሮ ስእልታት ኣእምሮ፡ ክብሎ ብዘይምኽኣሉ ወይ ብዘይምድፋሩ፡ ኣብ ምቁርን ዘይቅዱውን ቃንዛ ዝነብር፡ ኣብ እኩባት ተዛረብቲ ንመብረ ዝጽሙ. . . ኣብዚሐልኩምዶ? ትምህርቲ’ኳ ትኹብ-ትኹብ እምበር፡ ዓመታት “ተር ከም ዓተር” ኢሎም ክጸንሕዎ ከለዉ፡ ይትረፍዶ ምስጋሮም፡ ምቑጻሮም’ኳ ዘሰልክዮ። ንየው ነጀው እናበለ ብዘይመረጾ ዓውዲ (public administration) ‘ኣድቫንስድ ዲፕሎማ’ ምስ ረኸበ፡ ሎሚ ጽባሕ ናብ ዲግሪዶ ናብ ግዛዕዶ ክቕጽል እናበለ፡ ዓመታት ዝተዓዝሩዎ፡ ኦኦ. . . ይኣክል። ብዛዕማ ዕድመ’ኳ “ሱቕ ብኽዱኑ” ይሓይሽ። በብዓሰርተ እናጠመረ፡ ናብ ትሕቲ ዓራት ምስ ደርበዮም፡ ቁሊሕ ኢሉዎም’ኳ ኣይፈልጥ! ብምርሳዕን ንብረት ብምጥፋእን ላሕ ዝበለ። ይኣክል በቃ!
*****************************************
· ፍሰሃገ/ ሂወት (ፊሽ)~
ሰላም … ኣነ‘ኳ ካብ ኣብ ግጥሚ ኣብ ኣርቲኪል እንተዝሓተካ መጸበቀለይ። መኽኒያቱ፡ ካብ 2011 ኣቢለ ንሽምካ ኣብ ትሕቲ ኣርቲኪላት እምበር ኣብ ትሕቲ ግጥሚ ኣይኮንኩን ተላልየዮ። ኣብ ዝቀጸላ ዓመታት ግን፡ ስሕት ኢልካ ሕጽር ዚበላ ግጥምታት ክትገጥም ኣስተብሂለ ኣለኹ። ከይድንጎኻዉን ናብ ህየሳ ሕደማዊ ግጥሚ ገጽካ ከተብል ጀሚርካ። ጥቅልል ብዚበለ፡ ከም ጽሓፋይ : ከም ሃያሳይዶ: ወይስ ከም ገጣማይ ኢኻ ንነብስኻ ከም ትፈልጥ ክትነግረኒ ምደለኹ። ተወሳኺ፡ ሓጺር ተመኩሮ ናይ ግጥሚከ ናብ ህየሳ ገጹ ይወስድ ዲዩ፧ ርእሰ ታኣማንነትካ ኣብ ሲነ ግጥሚ ዲዩ ወይስ ድፍረት እዩ ናብ ህየሳ ገጹ ዝወሰደካ? ክፈልጥ ምደለኹ። የቀንየለይ።
* ጥዑምዝጊ~
ተውሳኺትለይ!!! “ምጽሓፍ ዘየቋረጸ ኣማተር” ኢልካ ደኣ ሕለፈኒ። ንሓንቲ ካብ ሕቶታትካ ድማ፡ ብሕቶ ክጭልግማ ይምእምኣኒ ኣሎ። “ነዊሕ ተመኩሮ ናይ ግጥሚኸ ግድን ናብ ህየሳ ገጹ ይወስድ ድዩ?” – ኣብ 2012 እዩ መስለኒ፡ ከም’ዚ ዝበለ ሕቶ ጎፍ ምስ በለኒ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ “ዘይከሸነ ኣየስተማቕር” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ነቐፍተይ ተታዂሰ ነይረ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ከሻኒት ኣብ ዘቕረበቶ መግቢ “ጥዑም” ወይ “ግናይ” ክብል ዝኽልክሎ እንተ ዘየለ፡ ኣብ ግጥሚ ደኣ “ሰናይ”ን “ግናይ”ን እንተ በለ እንታይ ኣበሳ ኣለዎ? ኣስተምህሮ ደኣ ከይመስል እምበር፡ ሃየስቲ፡ ብግጥሚ ክሓልፉ ናይ ግድን ኣይኰነን። ብርግጽ፡ ህየሳ ኩለንትና ባእታ (ቅዲ፡ ኣበሃህላ፡ ኣገላልጻ፡ ስእላዊ ቋንቋ . . .) ናይ ግጥሚ ክትፈልጥን ብኡ ኣቢሉ ዝሓድረካ ናይ ምስትምቓር ዓቕሚ ክህልወካን ዝጠልብ ዕዮ እዩ። “ግጥሚ እንተ ዘይጽሒፍካ ክትህይስ የብልካን!” ዝዓይነቱ ኣረዳድኣ ግን የለን። እንተ’ታ “ድፍረት” ዝበልካያ ቃል፡ ትርጉማ ግዲ በዚሑኒስ፡ ኣብ ቦታኻ ኰይነ፡ ነየነይተን ድፍረት ከም ዝመረጽካ ሃሰስ ኣብ ምባል እየ ዘለኹ። እቲ ቀደም ብቘልዑና ከለናስ (ሎሚ እውን ኣይሰኣንን) ንዓበይቲ እንተ ተፈታቲንናዮም “ደፋር” ኢሎም ይጸርፉና ነይሮም። እንሓንሳብ ድማ ድፍረት ንትብዓት ክገልጽ ይረአ ነበረ። ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ዓውዲ ንዝተነቑተ ሰብ እውን ከም ድፍረት ይቑጸረሉ እዩ። ዝዓቕመይ ሰኒቐ ወስ ስለ ዝብል ግን “ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን” ትብል ምስላ ካብ ጥቓይ ኣሳጒጎያ እየ። “ሓፋሽ እውን ይህይስ’ዩ” እኳ ዝተባህለ። “ግጥሚ አንብብ፡ አንብብ፡ ጥበብ አንብብ፡ ዛዕባ ጥበብ ዝሓቘፉ ጽሑፋት ገፋፊጠ አንብብ፡ አስተማቕር ከኣ። የማነይ ጸጋመይ ጠሚተ፡ እንተስ ዋና ምስ ሰኣንኩ፡ እንተስ ዝኸኣልኩዎ መሲሉኒ፡ ብርዒ ወስ ምባል እውን ኣይሓምቕን። ክብረት ይሃበለይ!
**********************************
· ኣዛርያ ማሓሪ~
ዝኸበርካ ጥዑም’ዝጊ ኣብ ህየሳ ግጥሚ ማዕረ ክንደይ ተባዕ ኢኻ፧ ብዙሓት ሰባት በፍላይ ኣብ ነቐፈታ ዘይጻወሩ ጸሓፍቲ ኣለው። ንግጥሚ ሞራላዊ ዝኾነ ሰምዒት ዘይጎድእ ርእይቶ ንምሃብከ እንታይ ዓይነት ጥበብ ትጥቀም፧
* ጥዑምዝጊ~
ሓቅኻ! ኣንታ ገሊኣቶም’ኮ፡ ብቓል ደኣ ኣይተባህለን እምበር፡ ድሎ ብድሎ ‘ወይ ንኣደኒ ወይ ድማ ጥርቅም በል!’ ዝዓይነቱ መጠንቀቕታ ኣብ ገጾም ለጢፎም እዮም ዝመጽኡኻ። ዝዋጣወጥ በትሪ እናቋመትካ ከሎ “እዚ ጎዲሉካ” ምባል ክሓስም!! ወይ ስረ ዓጢቕካ ምድርጋም፡ ወይ ድማ ኣጋውል ኣስተብሂልካ ጥርቅም ምባል እዩ እምበር!
ብሓቂ ውሑዳት ዘይኰኑ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ነቐፌታ ዝሓትቱ ጥበበኛታት ጎፍ ኢሎሙኒ ኣለዉ። ምስ ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምግጣም፡ ምትባዕን ዘይምትባዕን ዝመዝን ኣይኰነን። ግዜይ ምጥፍኡን ምዕቃቡን እዩ ዘተሓሳስበኒ። ሓንቲ ምስ ተኮስኩ፡ ኣድራጋ እንተ ፈንዮሙለይ፡ “ኣብ ዕጨ-እምኒ ኣውዕሎ” ኢለ ግልል ምባል ተላሚደ እየ። ብጥበባዊ መንገዲ ህንካን ሃባን ክትበሃሃል፡ ኣበይ ይርከብ እምበር፡ ውዒለ ምሓደርኩሉ። ብጓል መንገዲ ዕፍር እንተ ወዓልካ ግን፡ ጽምኢ ማይን ሕርቃንን ተሓንጊጥካ “ዘይተርፈኒ ዝነበረ” ምባል እዩ ትርፉ። ምህያስ ግጥሚ፡ ብርግጽ ኣብ ፍልጠት ተመርኲስካ ሰናይን ግናይን ክትፈላሊ ዝጠልብ ዕማም እዩ። ሎሚ፡ ምህያስ ማለት ብገለ ሰባት፡ ንንገር ከም ምቱኽታኽ ክሕሰብ ይረአ እዩ።
ሞራል ጥበበኛ ንኸይጎድእ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ስምዒተይን ኣስተብህሎይን ትኽ-ብትኽ ምግላጽ እዩ። ኣብ መንጎ ሞራል ጸሓፋይን ጥበባዊ ሓሳባትን፡ ናይ ፊት-ንፊት ውግእ ክህሉ ግድን እዩ። ሃያሲ፡ ብጉድለት ኣበሃህላኡን ልክዕነቱን፡ ሞራል ጸሓፋይ ንኸይጎድእ ክጥንቀቕ እምበር፡ ሞራል ጸሓፋይ ክሕሉ ሓላፍነት የብሉን። ሒዝካኒ ኣለኻ መስለኒ? ጸሓፊ፡ ናብ ቤት ግጥሚ እንክኣቱ፡ ብሞራል ክጥርነቕ ናቱ ግደ እዩ። ዝሰምዕ እንተ ተረኺቡ ኸኣ ‘ሃያሲ ሞራል ክሕሉ ዝተቘጽረ ዋርድያ ኣይኰነን’ በለለይ። ፍራንክ ክላርክ ከም ዝበሎ “ነቐፌታ፡ ከም ቅዱው ዝናብ ሰራውር ከየዕነወ፡ ኣብ ዕብየት ጸሓፋይ ክውዕል ኣለዎ”። እዚ ድማ ንሓቀኛ ኣስተብህሎኻ ምግላጽ ማለት ጥራይ እዩ። ሰራውር እናመሽመሹ፡ “ተኽሊ ኣጉላዕሊዑ” እናበልካ ምሕሳው! ከኣ እቲ ካልእ ኣማራጺ እዩ። ሃየስትን ተሃየስትን ቅኑዕ ኣረዳድኣ ከሕድሩ ይግባእ። በዚ መንገዲ እንተ ተጠማሚቶም፡ ክልቲኦም ወገናት ንሰናይ ክሓስቡ እዮም። ከም’ቲ ኣብርሃም ሊንከልን ዝበሎ “እቲ ክነቅፍ መሰል ዝህልዎ፡ እቲ ልባዊ ደገፍ ክገብር ዝነቐለ እዩ”። ክኸውን እዩ። ከም ኣበሃህላ ደል ካርኒገ ድማ “ከምቲ ኩላቶም ዓያሹ ዝገብርዎ፡ ዝዀነ ዓሻ ዜጋ ክነቅፍ፡ ከማርር፡ ክኹንን ይኽእል እዩ። ነዚ ምጽዋር፡ ንገዛእ ነብስኻ ብምቁጽጻር መረዳእታ ምሕዳር የድሊ”። ሃያሲ፡ ሓቂ ክቐልዕ – ጥበበኛ ድማ ናይ ምጽዋርን ሓሳባት ሰባት ናይ ምምዝማዝን ክእለት ከጥሪ እንተ ኽኢሉ፡ ሰናይ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ገጽ ሰብ እናጠመትካ ምጥቓዕ፡ ንህየሳ – ናብ ወደሳ ምቕያር፡ መንሽሮ ግጥሚ እዩ። ዝኸበርካ ኣዛርያ፡ ብዙሕ ኣዛሪብካኒ’ሞ፡ ካብ ‘ቶን’ ናይ ጽሑፈይ፡ ክብሎ ዝደለኹ ከም ዝተረደኣካ እምነት ስለ ዘለኒስ “ክብረት ይሃበለይ” ኢለ ክውድእ።
**************************************
· ዛራ ገጠምቲ~
ግጥምን ስነ-ግጥምን ከመይ’ዩ ትውልዶም፧ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ይወልዶ ድዩ ወይስ ርሕቕ ዝበለ’ዩ ዝምድናኦም፧
* ጥዑምዝጊ~
ስነ-ጥበባዊ ትዕድልቲ ወዲ ሰብ፡ ካብ መፈጠሩ ዝነበሩ እዮም’ኮ። ስነ-ግጥሚ ድማ፡ ቋንቋ ደቂ-ሰብ ዝድርኾ ጥበባዊ ሃብቲ እዩ። ሰባት ከይተማህሩ ከለዉ ኣትሒዙ፡ ስነ-ግጥሚ ነይሩ። ኣብ ውቅያኖስ ቋንቋ፡ ቅኔኣዊ ኣበሃህላታት፡ ስግንጢርነት፡ ኣጋንኖ፡ ጥበባዊ ምድግጋም. . . ዝኣመሰሉ፡ ሕጂ ከም ቀመም ግጥሚ ገይርና እንወስዶም ጽባቐታት ኣለዉ። ስነ-ግጥሚ፡ ብኣማራጺ ወይ መለሳ ናይ ኣበሃህላን ቃላትን ዝሃብተመ ዓውዲ እዩ። ከም’ዚ ሕጂ ብዝተራቐቐ መንገዲ ክስነዱን ክበሃሉን ከይበቕዑ ከለዉ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል እናተሰጋገሩ ጸኒሖም እዮም። እዞም ካብ ቋንቋ ዝፈልቁ ጥበባት፡ ተሰሪዖም፡ ተቐሪጾም፡ ትርጉም ለቢሶምን ሙዚቃዊ ቃና ፈጢሮምን ምስ ወጽኡ፡ ግጥሚ ይዀኑ። ካብ’ቲ ቀላይ ዝዀነ ስነ-ግጥሚ፡ ብቑጡብ ወይ ብልክዕ ቃላት ዝፍጠር እዩ ግጥሚ። ምኽንያቱ፡ ግጥሚ ብውሑዳት ቃላት፡ ብዙሕ እትብለሉ ሜላ ጽሑፍ ስለ ዝዀነ። ግጥሚ፡ ወዲ ሰብ ሓሳቡ ዝገልጸሉ ጭላፍ ጽሑፍ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግጥሚ እነስፍሮም ኩላቶም ጥበባዊ ኣበሃህላታት ድማ፡ ካብ’ቲ ሰፊሕ ስነ-ግጥሚ ተጸሚቘም ዝመጽኡ እዮም። ስነ-ግጥሚ፡ ስምዒታትናን ሓሳባትናን እንገልጸሎ ቋንቋ ወይ ቃላት ዝቕርረብ መኣዲ ክኸውን ከሎ፡ ግጥሚ ድማ ነዞም ቃላት፡ መስርዕ ብምትሓዝ ገለ እንብለሉ ሜላ እዩ። ስነ-ግጥሚ ፈጠራ እዩ። ብፈጠራኡ ንግጥሚ ይምግብ። ግጥሚ ውጽኢት ስነ-ግጥሚ እዩ። ስለ ዝዀነ፡ ግጥሚ ንእሽቶይ ነጸብራቕ ናይ ስነ-ግጥሚ እዩ ክንብል ንኽእል ይመስለኒ።
**************************************
· ቴድሮስ ማሪቆስ~
ኣድናቒ ጽሑፋትካ እየ። ‘ሃያሲ’ ብርዒ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ኣምሳያ ምእራም፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ንዚቀላቐል ስራሓት፡ ሓመቐ ጸበቐ፡ ንምኽርታም ዚሰሓል ክልኩል ሕዛእቲ ዀይኑ ይስማዓኒ። ብሳይንሳዊ መገዲ እንተኣራረመሉ /እንተሃያየሰሉ ሰዓት ዝኣኸለዶ ይመስለካ? ጥበባዊ ደሃይ ደቀንስትዮ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ኼንቈልቝል ምጽናሑ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ። መለሳ እንረኽበሉ ኣነስታዊ ቅኒት ዚስስነሉ ሓሳባትዶ መካፈልካና?
* ጥዑምዝጊ~
ብሓቂ፡ ገለ ካብ ሕልምታተይ ምሳኻ ዘሎ ይመስለኒ። ሰብ ኣብ ሕልመይ ድንብር እንክብለኒ ከኣ ኣመና’ዩ ባህ ዝብለኒ። ግዜኡ ኣኺሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዝሓለፈ ግዜ ክንክሕስ ይጠልበና ኣሎ። ኣብ መንጎ ሃየስትን ተሃየስትን ዝጀመረ ዳርባ፡ ናብ መደራጋሕ ክሳብ ዝዓቢ ምጽባይ ኣይግባእን። ስነ-ጥበብ፡ ረታዒን ተረታዒን ዝከራፈሱሉ ዓውዲ ክኸውን ብልቢ ኣይደልዮን። ውሽጥኻ እናተወግአ፡ ጥርዓናት ጥበብ ተጎልጒሎም ክወጽኡኻ እናበሉ፡ ጥርቅም ዝምረጸሉ ኩነት እውን ኣሎ። ኣመት ጥበብ ከይሓዘ፡ ንዓለም ብጥበቡ ከም ዝለቕለቓ ዝእውጅ ከኣ መሊኡ። እቲ “ምኽርታም” ኢልካዮ ዘለኻ፡ ናይ ሃየስቲን ጸሓፍቲን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰማዕቲ እውን “ምኽርታም” ክሰምዑ ከለዉ፡ ባህ ከም ዝብሎም ኰይኖም ምልማዶም ገደደ! ጽቡቕን ግናይን ናይ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ፡ ብልዙብን ሚዛናዊን መንገዲ እንተ ፈተሽካ “ፈራህ ኢኻ” ዝብሉ እንክበዝሑ፡ ህየሳ ናብ ዓውደ ኲናት ዝተቐየረ ኰይኑ ይስመዓካ። እቲ ንኹሉ ዝቐትል “ጥርቅም” ከኣ ብወገኑ ኣሎ።
ምስ “ምኽርታም” እንተ ዘይጸብጸብኩዎ’ኳ፡ እንሓንሳብ፡ ካብ ውሽጥኻ ዝነቐለ ናይ ዘይምዕጋብ ሕርቃን በጨቕ ይብለካ እዩ። ብሓቂ፡ ካብ ውሽጥኻ ምስ ስምዒታት ግጥሚ ትቃለስ እንተ ሃሊኻ፡ ኣብ ክንዲ ግጥሚ – ገጣማይ ብኣካሉ ቅጅል ይብለካ’ሞ፡ ተሳሃሎ ይመጽኣካ። ከም’ዚ ዝበለ ስምዒት ኣብ ምቁጽጻር፡ ሓይሊ ክህልወካ ትዕድልቲ እዩ። ኣባና፡ ዶብ ዝሰገረ እንተ መሰለ’ኳ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ተጻዋርነት ዝውሕዶም ሃየስቲ (ኣስተማቐርቲ) ከምኡ’ውን ጥበበኛታት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ቃላት ተኹሲ ከም ዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ማርክ ትወይን “. . .Pride and Prejudice ከንብብ ከለኹ፡ ንጀይን ኣውስቲን፡ ካብ መቓብራ ኣውጺአ፡ ብዓጽሚ በራቒቶኣ ገይረ ሽክናኣ ምጠርሰምኩዋ ነይረ!” ኢሉ ነይሩ ብሕርቃን። “ወረቐትካ ኣርሕቐልና እምበር፡ ባህ እናበለና እንዳ ጓሓፍ ክንሕብረካ ንኽእል ኢና” እናተባህሉ ብዓቕሊ ገስጊሶም “ወሰደ” ዘበለ ዛንታ ዘቕረቡ ንፈልጥ ኢና። ፊደላት ጥራይ ኣብ ወረቐት ጠቕሊሎም “ኣላቕመና’ሞ ንኣደና” እንክብሉኻ ድማ፡ ከም ማርክ ትወይን ሕርቃንካ ኣብ ዓንቀርካ ይበጽሕ’ሞ፡ ተጻዋርነትካ ሽዑ ይፍተን። ብሓፈሻ ግን ጥዕና ተጣበብቲን ሃየስትን ናብ ንቡር ምምላስ የድሊ ኣሎ።
ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹን ካብ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ግጥሚ ብንጽህና ክበርር ክርእዮ ከለኹ ባህ ይብለኒ። ኣብ ሃገርና፡ ብዝያዳ ብግጥሚ እንፈልጦም ደቂ-ተባዕትዮ እዮም። ጥበባዊ ደሃይ ደቂ-ኣንስትዮ ነይሩስ፡ ሕጂ ኣንቈልቊሉ እንተ ዀይኑ፡ ብሓፈሻ ‘ግጥሚ ኣንቈልቊሉ ኣሎ’ ምባል ዝሓይሽ ይመስለኒ። ወይ ድማ ኣብ ውሽጠታት ወነንቱ ተቐቢሩ ኣሎ። ግጥሚ እንተ ዓምቢቡ፡ ካብ ኣንስታይ ይኹን ካብ ተባዕታይ መለሳ ከም ዝርከብ ኣይጠራጠርን። ጥበብ፡ ካብ ውሽጢ ክፈልቕን ባዕሉ ክትኮስን ኣለዎ። ንግጥሚ፡ ብኣዋጅ ናጽነት ዝህቦ የለን። ግጥሚ፡ ብገዛእ ርእሱ ናጽነት ስለ ዝዀነ። ንግጥሚ ምስ ናጽነቱ ካብ ውሽጢ እንተ ዘይፈኒኻዮ፡ ዝጉርጉረካ ሓይሊ ስለ ዘየለ፡ ኣብ መቓብር ከም ዘንበርካዮ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ እንተ መጺእና፡ እቲ ኣብ ገለ ዓውድታት ዝሽነን ኮታ፡ ኣብ ጥበብ ቦታ የብሉን። እንተ ዀነ ግን፡ ነገራዊ ሕጽረታቱ ንኸማልእ ኣብ ሃልኪ ዝመልኦ ቁርቁስ ዝነብር ሰብ፡ ናብ መንፈሳዊ ዕጋበቱ ቁሊሕ ዝብለሉ ግዜን ተገዳስነትን የብሉን። እቲ ዝዓበየ ሕጽረት እነማልኣሉ ኣኻእሎ ይሃበና። ክብረት ይሃበለይ ቴዲ።
************************************
· ቦኽረ ገ/የሱስ~
ትጽሕፎም ግጥምታት ከም ኡውን ኣብ ስነ-ግጥሚ ኣመልኪትካ ተዳልዎም ጽሑፋት ኣብቲ ሞያ ንዘለካ ዝሓሸ ግንዛበ እኹላት መሰኻኽርእ’ዮም። በዚ ድማ ኣዝየ አድንቐካ ጥዑምዝጊ። ቀጺለ፡
ኣብ ሞንጎ ግጥምን ባእታታት/ሕግታት ስነ-ግጥምን መን እዩ መራሒ መንከ ተመራሒ፧ ማለት ቅድሚ ግጥሚ ዲና ድሕሪ ግጥሚ ኢና ብዛዕባ ሕጋጋትን ባእታታትን ናይ’ቲ ግጥሚ ንዛርብ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ግጥሚ ድዩ ካብ’ቶም ሕግታት ዝውለድ ወይ እቶም ሕግታት እዮም ካብ ግጥሚ ዝውለዱ፧ ወይስ መዋስብቲ ኣይኰኑን፧
* ጥዑምዝጊ~
የቐንየለይ ቦኽረ! ሓያሎ ሰባት “ቅድም ዝተፈጥረ ግጥሚ እዩ! ግጥሚ ከይተፈጥረ ደኣ ሕግታት ካበይ በቚሎም?” ክብሉ ይከራኸሩ እዮም። “ግጥሚ ሕግታት ጸይሩ እንተ ዘይክሰት ደኣ፡ ካበይ ዝበቘሉ ሕግታት ተዘሪኦሞ!” ዝብሉ እውን በቲ ሓደ ወገን። ግጥምን ባእታታት ግጥምን ከም መፋጥርቲ ስለ ዝርዮም፡ እዚ ሕቶ ብእምነተይ ክርእዮ ከለኹ፡ ደርሆዶ እንቋቘሖ፡ ቅድሚ ዝኣገረ – መን ተፈጥረ፡ ዝዓይነቱ ኰይኑ ይስመዓኒ። መባእታ ሕግታት ግጥሚ እንተ ዘይፍጠሩ ነይሮም “እዚ ግጥሚ እዩ” ኣይምበልናዮን። እቲ ግጥሚ እንተ ዘይፍጠር ድማ ሕግታት ግጥሚ ኣይመለለናን። ሓደ ግን ከኣ፡ ኣብ ሓንቲ ዕንክሊል ዝሰዓዓቡ 2 ነገራት ገይረ እርእዮም። ንኽልቲኣቶም ኣብ ሓደ ዕንክሊል ፊት ንፊት ኣጠማሚትና እንተንኣስሮም’ሞ፡ ነቲ ዕንክሊል እንተነሽከርክሮ፡ መን ‘ሰዓቢ’ መንከ ‘መራሒ’ ክንብል ምኸኣልና? መባእታ ሕግታት ግጥሚ፡ ኣብ’ቲ ናይ መባእታ ግጥሚ ነይሮም። ብኣንጻሩ ድማ ከምኡ። ባእታታት ወይ ሕግታት ግጥሚ፡ ኣብ’ቲ ግጥሚ ምስ ጸንሑና “ግጥሚ እምበኣር፡ ሕግታቱ እዚ እዩ” ኢልና ካብ ግጥሚ ለቒምናዮም። ክብረት ይሃበለይ! በኹረ ገ/የሱስ።
************************************
· ማይኮ ተኽለ~
ባእታታት ቃንቓ ብግቡእ ኣጽኒዕካ፡ ኣለዉ ዝብሃሉ ምሩጻት ቃላት በቦትኦም እና’ትሓዝካ፡ ረምታን ናዕታን እናሓለኻ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ምንቅስቓስ ፈጢሩ ስምዒት ዝህብ (ጽቡቕ) ግጥሚ ክትጽሕፍ በቲ ሓደ፡
ገለ ውሑዳት ቃላት ከም ዝመጹልካ ኣኻኺብካ፡ ፍሉይን ዘይልሙድን ስግንጢራውያን ኣባሃህላታት ብምህናጽ፡ ተቐባልነቱ ብዘየገድስ ተዘካርነቱ ብቐሊሉ ዘይሃስስ (ሓያል) ስራሕ ክትሰርሕ ድማ በቲ ኻልእ፡ ዝብሉ ተወዳደርቲ ሓሳባት፡ ሃንደበት ውሽጥኻ እንተ ዝወሩኻ፡ንመኖም ኢድካ ምሃብካ፧
ምስ ስነ-ግጥሚ ብዝተሓሓዘ’ኸ፡ ን(ጽባቐ)ን (ሓይሊ)ን ከመይ ትገልጾምን ተወዳድሮምን፧
* ጥዑምዝጊ~
ሓይሊ፡ ንጽባቐ ካብ ዝሃንጹ ባእታታት ሓደ ገይረ እየ ዝወስዶ። ሓይሊ ግጥሚ፡ ኣብ መንፈስካ ናይ ምስራጽ ኩነት ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ንዓይ፡ ሓይሊ ይኹን ካልኦት ሸነኻት ግጥሚ፡ ጽባቐ ከድምቑ ዝላፈኑ ሕብርታት እዮም። ሕቶኻ ብግቡእ ተገንዚበዮ እንተ ሃልየ፡ ኩሉ ባእታታት፡ ቀመማት ንበሎ ሓሳባት ግጥሚ፡ ጽባቐ ንምፍጣር እዩ ዝቃመም። ብዓቢኡ ግጥሚ ናይ ስምዒትን ስእላዊ ቋንቋን ብምዃኑ፡ ንረምታ ድዩ ናዕታ፡ ከም ዜማታት ግጥሚ እወስዶም። ጽባቕ ግጥሚ ኣብ ኣበሃህላ (ግርምቢጥነት፡ ስእላዊ ቋንቋ፡ ኣጋንኖ. . .”፡ እንተ ሃልይዎ ድማ ኣብ መልእኽቲ፡ ኣብ ልክዕነት ቃላት፡ ኣብ ኣእምሮን መንፈስን ናይ ምስራጽ ሓይሊ. . . እየ ዘናድዮ።
ብሓቂ፡ ስግንጢራውነት ኣብ ግጥሚ፡ ኣመና’ዩ ዝፍተወኒ። ቅኔኣዊ ትርጉም ዘለዎም ኣመና ሓጸርቲ ግጥምታት እባ ኸኣ ይብርሁኒ። ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ግጥምታት፡ ዝበዝሕ እዋን መልእኽቲ ከቐድሙ ኣስተብሂለ ኣለኹ። ብኽልተ ወይ ሰለስተ ነግሒ፡ ክንዲ ጎቦ ኣባሓኒ ዝኸውን መልእኽቲ ወይ ሓሳባት ሰዂዖሙልካ ኩድም ዝብሉ። “. . .እንተ ዝወርሩኻ፡ ንመኖም ኢድካ ምሃብካ?” ኢልካኒ እምበር፡ “እንተ” ከይወሰኽካ እንተ ትሓትተኒስ ‘ምስ መኖም ከም ዝውግን ብዘይምፍላጠይ፡ ናብ’ቲን ናብ’ዚን እናቋመትኩ አዕነኒ እየ ዘለኹ’ ምበልኩኻ። ግና፡ እንተ ዝወርሩኒ እውን፡ ካብኡ ኣይምሓለፍኩን ግዲ!! ከም ቀደመይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ደው ኢለ መቋሰልኩዎም እምበር!!! እንድዒ በጃኻ! እንታይ ከም ዝብለካ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ! የቐንየለይ ማይኮ!
***********************************
· ዛራ ገጠምቲ…~
ንሓደ ገጣማይ፡ “ናቱ ቅዲ ኣለዎ” ክንብሎ እንተ ዄይንና እንታይ ምስ ዘማልእ’ዩ፧ ንምዃኑ ቅዲ ብምንታይ’ዩ ዝዕቀን፧ ብሓፈሽኡን ብዓቢኡን’ከ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ርእሶም ዝኸኣሉ ቅድታት ኣለዉዶ?
* ጥዑምዝጊ~
ዛራ ገጠምቲ,እንታይ ዝበለ መደራጋሕ እዩ’ዚ! ደርዘን ሕቶ እናበልካ 12 ደርዘን (144) ሕቶ ምድርባይስ ኣይግድን!
ቅዲ፡ ኣመና ሰፊሕ ሕቶ እዩ። ግጥምኻ ኣንበብቲ ንኽርደኦም ወይ ስምዒት ኣንበብቲ ንኸተበራብር፡ ናይ ውልቅኻ ሜላታት ሃሰው ምባል ኣይተርፍን። ካብ ናይ ካልኦት ጉዕምጭ ከየበልካ፡ ሓድሽ ነገር እንተ ኣቕሪብካ፡ ድሮ ወናኒ ቅዲ ዄንካ ኣለኻ። ቅዲ ግጥሚ፡ ደረት ንዘይብሎም ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላ ዝምልከት እዩ። ኣመራርጻ ቃላት፡ ቶን ናይ ቃላት፡ ኣበሃህላ፡ ከም ናዕታን ረምታን ዝኣመሰሉ ሙዚቃዊ ሸነኻት፡ ምድግጋም ቀንዲ ሱር ግጥሚ፡ ኣሰራርዓ ቃላት ኣብ ሓደ ነግሒ፡ ትርጉም ቃላት፡ ከም ቅኔ ዝኣመሰሉ ስእላዊ ቋንቋታት፡ ሜተር ኣብ ግጥሚ፡ ውክልና . . . ካብ’ቶም ንቕዲ ሓደ ጸሓፋይ ዝውስኑ ውሑዳት ባእታታት እዮም። ኣተረጓጉማ ኣንበብቲ ኣብ ሓደ ጽሑፍ እውን፡ ቅዲ ናይ ሓደ ጸሓፋይ ክውስን ይኽእል። ተቐባልነት ጥራይ ርኸብ እምበር፡ ክልተ ሕንጻጽ ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ኣንቢርካ ‘ግጥሚ ጽሒፈ’ እንተ በልካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቅዲ ሰሪሕካ ኣለኻ። መዋእልካ ብልሳን “ሮበት” ክትገጥም እንተ ነቢርካ “ቅዲ ሮበት” ክበሃለልካ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፡ ዝውቱር ትሕዝቶ ገጣማይ’ውን ከም ቅዲ ክውሰድ ስለ ዝኽእል። ኣብ ዘዘበኖም ዝነበሩን ዘለዉን ቅቡላት ኣጸሓሕፋታት እውን ከም ቅድታት ናይ ዘበኖም ይሕሰቡ።
ብርግጽ! መጽናዕቲ እንተ ዝግበር ግጥምታት ሃገርና ብቕዲ ምተለለዩ ነይሮም። ጽውጽዋይ፡ ማሰ፡ ምስላ፡ እንካ ‘ዝግነኒ. . . ካብ ቅዲ ግጥምታትና እዮም። ኣበየናይ ቅዲ ይኣትዉ ወይ ድማ ከመይ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዲ ይህልዎም ግን ግዱሳት ፈተሽቲ የድልዩዎ።
************************************
· ቢቢ ዮውሃንስ~
ሰላም ጥዑምዝጊ ተስፋይ! ምሉእ ዕድመን ጥዕናን እንዳተመነኹ፡ ናብ ሕቶይ ከብል፡
”ግሲ፡ሰዓብ ግሲ፡ቅጽል…. ኮታስ ኩሎም ባእታታት ቋንቋ፡ ኣብ ስነ-ግጥሚ ዘለዎም ተራ ማዕረ ክንደይ’ዩ፧ ግጥሚ ካብ ስምዒትን ርድኢትን ሓሊፉ ክሳብ ክንደይ አዩ ብምኢታዊት መስመር ሕጊ ጽሑፍ ተሎጒሙ ክኸይድ ዘለዎ፧ ቐላሲ ግጥሚ ናብ ዓውዱ ዘእትዎ’ኸ ከመይ ኢሉ እዩ ብሓዲድ ስነ-ጽሑፍ ገደብ ዝግበረሉ፡ ካብ ግንዛበኻ ዝውሃብ መረዳእታ ክሰምዕ ምደለኹ’ሞ እስኪ ገለ በለና።
* ጥዑምዝጊ~ ~
ነቲ ዓቢ ምርቓኻ ኣቐዲመ “ኣሜን” እብል። እቲ እንሓንሳብ ንዓይ እውን ቅጭ ዘምጽኣለይ፡ ‘ቤት ማእሰርቲ ስዋስው’ ኣዘኻኺርካኒ። ብሓቂ፡ ንተራ ቋንቋ ኣብ ግጥሚ፡ ዝዀነ ይኹን መባድልቲ ዘለዎ ኣይኰነን። ባቡር ግጥሚ ቋንቋ እዩ። መስትያት ስምዒት ቋንቋ እዩ። ስእሊን ምስሊን ብቋንቋ እዩ ዝግለጽ። ግና “ሰብ ብሰዋስው ተቐይዱ፡ ተንከስ ምባል ክሳብ ዝስእን ድዩ ክኸውን ዘለዎ? ዝብል ሓሳብ ይመጽኣኒ’ሞ፡ መደዓዓሲ ድማ እረኽበሉ። ብፍላይ ድማ ኣብ ግጥሚ። ገጣሚ፡ ንምስሊ ውሽጡ፡ እንተስ ብቕብኣ፡ እንተስ ብግጥሚ፡ እንተ ብተዋስኦ. . . ከም ዝረአ፡ ዝስማዕ፡ ዝድህሰስ፡ ዝሽተትን ዝስተማቐርን ክገብሮ እንተ ኽኢሉ፡ ብዛዕባ ስርዓተ-ነጥቢ ዝግደስ ኣንባቢ እንተ ተረኺቡ፡ ስዋስው ክለቅም ጥራይ ኢሉ ዘንብብ ክኸውን ኣለዎ። ህርፋን ጥበብ ዘለዎ፡ ካብ ስርዓተ ነጥቢ ክኣሪ፡ ብጥበብ ክፍሳህ እዩ ዝሰልጦ። ብርግጽ፡ ግጥሚ ካብ ባእታታት ቋንቋ ተገሊሉ ክጸሓፍ ዝከኣል ኣይኰነን። ሓደ ገጣማይ፡ ነቲ ክብሎ ዝደለየ ብልክዕ እንተ ኢሉዎ ግን፡ ኣርባዕተ ነጥቢ’ባ፡ ሸሞንተ ነጥቢ ደኣ – ተሰሓቢ’ባ ተደፋኢ’ባ፡ ዝብሉ ጽልዋ ዘይብሎም ናይ ፖሊስ ዝመስሉ መርመራታት ኣይቀድዉንን። መረዳእታ ዘበላሽዉ፡ ትርጉም ዝቕይሩ፡ ንጹርነት ገጸ-ባህርያት ዘህስሱ. . . ስዋስዋዊ ጉድለት ብምህላዎም ግን፡ ፍርቂ ኣድህቦይ ናብኣ’ቶም ክገብር እግደድ።
***************************************
· ወይኒ ሱለማን~
ሓያል መልእኽቲ ኣልዒሎም ክነሶም ቃላት ብምቕያር ኣብ ዝደጋገም ሓሳባት ነዊሕ ዝኸዱ ግጥምታት ኣለዉ። ብኹሉ መለክዒ ብሉጽ ግጥሚ እቲ ብቁጡብ ቃላት ዝህነጽ ጥራይ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ፧
* ጥዑምዝጊ~
ከመይ ደኣ!! ብቑጡብ ቃላት ዝህነጽ ግጥሚ’ወ ብሉጽ!!! – ግና፡ ቁጡብ ቃላት ማለት፡ ውሑድ ቃላት ወይ ሓጺር ግጥሚ ማለት ኣይኰነን። ግጥሚ፡ ብኽልተ ነግሒ ይሰራሕ፡ ሓደ ገጽ ይእከል፡ ዓሰርተ ገጽ ይብጻሕ “እቶም ዘድልይዎ ቃላት ጥራይ ድዩ ተጠቒሙ?” ዝብል ሕቶ እዩ ዝውስኖ። ተራ ዘይብሎም ቃላት፡ ስራሕ ዘይብሎም ሓረጋት፡ ቦታ ንኸጻብቡ ጥራይ ዝኣተዉ ምሉኣት ሓሳባት. . . ኣብ ግጥሚ፡ ወላ’ኳ ዘየቕጽዑ እንተ ዀኑ፡ የኽስሱ እዮም። ብዛዕባ ምድግጋም ሓሳባት ዘንቀልክዮ ሕቶ፡ “ከመይ ዝበለ ምድግጋም?” ዝብል ሕቶ ዘንቅል እዩ። ምድግጋም ቃላት፡ ወይ ሓረጋት ሓደ ካብ ሜላ ኣጸሓሕፋ ግጥሚ እዩ። ምስማር፡ ብሓንቲ ህራም ናይ መዶሻ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጣውላ እንተ ዘይጥሒላ፡ ደጋጊምካ ክትድግድጋ ትግደድ። ቀንዲ መልእኽቲ ግጥሚ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ንኽስኳዕ፡ ጥበባዊ ምድግጋም ዝረኣየሉ ቅዲ ግጥሚ ኣሎ። ብልክዕ እንተ ሰሪሑ፡ እቲ ምድግጋም ናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ስለ ዘለዎ፡ ‘ዘየድልዩ ቃላት በዚሖም፡ ወይ ድማ ሓሳባት ተደጋጊሙ’ ዘብል ኣይኰነን። ብሃውሪ ዝኣተዉን፡ ኣገዳሲ ስራሕ ዘይብሎምን እንተ ዀይኖም ግን ዓገብ ምባል የድሊ። ግጥሚ ሓያል ናይ መበሃሃሊ መንገዲ እዩ። ንቛንቋ ዝለዓለ ናይ ምግላጽ ስልጣን ዝህብ ጥበብ፡ ብቐዳምነት ግጥሚ እዩ። ስለ’ዚ፡ ቃላት ግጥሚ ብልክዕ ዝተሓርዩ ክዀኑ ይግባእ።
**********************************
· መርሃዊ መራ~
ሰላም ብቐዳምነት ንኣደለውቲ መደብ ደ.ሕ. ንገጣሚ ንዘሃቡኒ ዕድል እናመስገንኩ ናብ ሕቶይ ከብል። ኣብ ሞንጎ ሕደማን ዜማን ድምጺን ዘሎ ፊልልይ ከመይ ትርእዮ፡ ኣብ ሓንቲ ንጽል ደርፊ ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት እቲ ዝላዓለ ደረጃ ዘለዎኸ ኣይናዩ፧
* ጥዑምዝጊ~
ግናይ ሕቶ! ብምንታይ ምስ ተዛመዱ እየ’ሞ ፍልልዮም ክነግር? ኣንታ መራ – እንታይ ደኣ ብሃንደበት ኣብ ዕሙር ጓይላ ሰንዲኻኒ!!! ሕደማ፡ ካብ ኣብ ቃላት፡ ዝያዳ ኣብ ስምዒት ዘድሃበ ቋንቋ ወይ ግጥሚ እዩ። ዜማ፡ ንመውረዲ ሕደማ ዝስተ መረቕ እዩ። ነቲ ኣብ ወረቐት ክትርእዮ ወይ ድማ ብቓል ክትብሎ ከለኻ ቀንጠ-መንጢ ዝመስል ሕደማ፡ ብመረቕ ከም ዝወሓጥ ትገብሮ። ሕደማ ገሪሙ እንተ ጸንሐ ከኣ፡ ምስ ምኡዝ ዜማ ተሓዊሱ፡ ከበሮ እዝንኻ ክሳብ እትቑርጥም ይገብረካ። ድምጺ፡ ቶን ናይ ድምጻዊ ኣብ ሕደማ፡ ላዛ ጎሮሮን ምልከት ሜሎዲን የጠቓልል። ዋእ! “ሰለስቲኦም ደቂ-ማሕበር እዮም” ክንብሎም ብሓጺሩ።
ኩላቶም ማዕረ ዝዀነ ደረጃ ከም ዘለዎም ዝእመን እንተ ዀነ’ኳ፡ ከከም ናይ ምስትምቓር ዓቕሚን ተገዳስነትን፡ ሰባት ዝተፈላለየ ደረጃ ክህቡዎም ይኽእሉ እዮም። ንዓይ’ኳ፡ ተገዳስነተይ ግዲ ናብኡ ይደፍኣኒ ዀይኑስ፡ ሕደማ እዩ ዝዓጥጠኒ። እንተ ቘዘመ፡ ‘ለለ’ እንተ በለ፡ እንተ ተላሃየ. . . ኣብ መወዳእታ ‘እንታይ በለ” ክፈልጥ እጸናጸን። ኣብ ደርፊ ናይ ኩላቶም ተራ ማዕረ ስለ ዝዀነ ግን፡ ብሓባር እንተ ቐንጀዉ ግርም እዩ። በቃ!! ክብረት ይሃበለይ ከኣ!
************************************
· ዛራ ገጠምቲ~
ኣብ መወዳእታ፡ ስነ~ጥበብ ሃገርና ብሓፈሻ ዘለዎ ደረጃ ከመይ ትግምግሞ፧
ብፍላይ ድማ ኣብ ስነ~ግጥሚ ብምትካር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርከቦ ደረጃ ገምጋምካ ኣካፍለና።
*ጥዑምዝጊ~
ኣብ ውሻጠታት ተዓብዒቡ ዘሎ ግናይን ሰናይን ምስሊ፡ ምሳኻትኩም ማዕረ ክርእዮ ምደለኹ። ‘ኣብ ስነ-ጥበብ ዘለኻዮ ደረጃ’ ኢልኩም እንተ ትሓቱኒ’ውን፡ ካብ ውሽጠይ ቅልቅል እንክብል፡ ዝዘራርጎ ህቦብላ ክረኣየኩም ጥራይ ምተመነኹ። “ካሪክለም ግጥሚ” ክዕንብብን ሓያሎ ሰባት በዚ ሕጉሳት ክዀኑን ክርኢ ኣይደልን። ኣብ መንጎ ግጥሚን ካሪክለም ግጥሚን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ጽልግልግ ስለ ዝኣተወ ክጭበጥ ኣይተኻእለን። ደረጃ ስነ-ጥበብ ሃገርና ግን ንመጽናዕቲ ዝግደፍ እዩ።የቐንየለይ!
****************************
ኣዚና ነመስግን ስነ~ጥበባዊ ጥዑምዝጊ ተስፋይ
ዛራ~ገጠምቲ
01~2016