• ዛራ ገጠምቲ ~
እስከ ያሬድ: ምስ ስነጥበብ ብዝተሓሓዘ ምስ ነብስኻ ኣላልየና ፡ ያረድ መን’ዩ ፧ ኣጃማምርኡ ኣብ ግጥምን ካልእን
*ያሬድ~ መጀመርታ ን ዛራገጠምቲ ከመስግን ይፈቱ ሰለቲ ኣኽብሮትኩም። ብምቐጻል ስነጥብባዊ ደሕረ-ባይታይ ክገልጽ ተኾይነ፡ መብዛሕቲኡ ኣብ ግጥሚ ምጻሓፍ እየ ዝነጥፍ፡ ካብኡ ሓሊፈ ውን አብ ጋዜጣ ዳዕሮ ቀንዲ አባል ኢየ ። ን ፊልም ስክሪብት ውን ይጽሕፍ’የ። ግጥሚ ምጽሓፍ ገና ወዲ ዓስርትው ክልትው ከሎኹየ ጀሚረዮ፤ ካብኡ ጀሚረ ግጥሚ መንፈሳዊ ድምጺ ከም ዘለዎ ምስ ተረዳኣኒ ኻኣ ኣብ ዕለታት ሂወተይ ከም ዓቢ ቦታ ሂበ ምስኡ ሰለይ ይብል ኣሎኹ። ከም ባህሪ ኣዚየ ላግጺ ዝፈቱ ስብ ኢየ። ደኹም ጎንታት ቡዙሕ ኣሎኒ ግን ካአ ትስፍው ኢየ። ነገራት ኣካቢድካ ምራኣይ ብዙሕ ኣይፈቱን ።
*****************
• ንያተይ ቀዳዊ~
ገጣማይ ካበይ ‘ዩ ዝውለድ ካብ ተውህቦ ዶ ወይስ ካብ ኣስተብህሎ፧ ጽልዋ ሕብረተሰብን ግዜን ከ ኣብ ምዕባለኡ እንታይ ተራ ይጻወት፧
* ያሬድ ~ ተውህቦን ኣስተብህሎን ንዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሕ አጋጣሚታት አካታዒ’ዩ። ገጣማይ ካብ ግጥሚ’ዩ ዝውለድ። ጥር ኢልካ አይትገጥምን ኢኻ። መጀመርታ ግጥሚ ትሰምዕ ወይ ተንብብ፡ ብድሕሪኡ ዕምቆት ናይቲ ግጥሚ ጦብላሕታ ምስ አሕደረልካ ገለ ነገር ክትገብር ትድረኽ። ብኡ መጠን አቲ ትነብሮ አከባቢ ደራኺ’ዩ። ናአብነት ኣብ ገዛኻ ኣርባዕተ ኣሕዋት አለው ንበል፡ ካብ ኣብኦም ጀሚርካ ኩላቶም ኣቕሽሽቲ እንተድኣ ኮይኖም: እቲ ሕንሳስ ልደ ሃለቃ ናይ ሙኻን ተኸእሎ ክህሉ ግድንዩ ። ወይ ውን አብ ባራት ዝበዝሖ ገዛውቲ እንተ ዓቢኻ፡ መስተ ናይ ምፍታው ተኻእሎኻ ይዛይድ ማለትዩ። ሰለዚ ጽልዋ ሕብረተሰብ ኩሉ ግዜ ሰፊሕ’ዩ፡ በቲ ባብ ኢኻ ተጽሪብካ ትወጸእ ። ስለዚ ክልቲኡ ተራ ኣልዎ ክብሃል ይክኣል ።
****************
• ተስፊት የውሃንስ~
ግጥምታትካ ስምዒት ድዮም ርድኢት ፧ ምስ ገዛእ ርእስኻ ንኽትራኸብ ከ ማዕረ ክንደይ ይሕግዙኻ ፧
* ያሬድ ~ ግጥሚ ርዲኢት’ዩ ካብ ስምዒት ክኣዩ ዝውለድ ። ንኣብነት ኣብዚ ዓለም ኩሉ ነገር አሎ፡ መብዛሕቲኡ ሕቡኡን ስውርን’ዩ ነዚ ከተስተብህለሉ እንተድኣ ኮይንካ ግን ክትርደኦ ክትክእል ኣሎካ ። ክትሓስቦ አሎካ አንተ’ኢለ ክጋገ ይክእል ‘የ፡ ከመይ”ሲ መጀመርታ እዛ ዓለም ክትፍጠር ከላ ኩሉ ተሓሲቡ ተቀሚጡልና’ዩ። ነቲ ዝተሓስበ ክትርዶኦ አሎካ ማልትዩ። ግጥሚ ገዛእርስኻ ክተርክባ መገዲ’ዩ ፡ እቲ መገዲ ቲ ንምርካብዩ እምባር ቡዙሓት ስባት አብቲ ጉዕዞ ዝቃለሱ፡ ገለ ይዕወቱ ገለ ካአ ኣብ መገዲ ደኺሞም ይትርፉ፡ ገለ ድማ ክጕዓዙ ይነቡሩ ማለትዩ። ገዛእ ርእስኻ ዝረኽብካላ እዋን ግን ሽዓ ‘ያ ታ’ናይ መወዳእታ ግጥሚ።
**************
• ማማይ ምሕረትኣብ~
ኩርናዕክ ጠመተኻ ፉሉይ ብምኻኑ:ከም ገጣሚ መልሶም ኣድማሳዊ ንዝኸኑ ሕቶታት ተቢዕካ እትምልስ:”መልስይ ነቶም ሕቶታት እኹል,ዩ”ዶ ትብል፧ንኽትምልስ’ከ ስነ ሓሳባትካ ካብይ እዩ ዝምንጩ፧ ናትካ ቅዲ ንኽሕዙ’ኸ እንታይ ትኽተል፧
*ያሬድ ~አብ ግጥሚ ደፋር ክትከውን አሎካ። ሰባት ዘይደፍርዎ ግራት ትድህስስ ተኾንካ ስቡሕ መሬት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቡዙሕ ሰብ ኣሎ ንግጥሚ ታኣሲሩ ዝጽሕፍ፡ እዚ ነገር አዚዩ ሃሳዩ ኮይኑ ይስማዓኒ። ንባዕልኻ ተአሲርካ ዳኣ ንመን ኢኻ ክትፈትሕ : ደቂ ሰባት ኣድማስ አታሓሳስባና ስፊሕዩ፡ ካባዛ ዘላናያ መሬት ይገዝፍ፡ ዓለም ካብ ሓደ ሰብ ትንእስ ክንሳ ንቢሎዮናት አህዛብ ኣብ ውሽጣ ተሰኪማ ትኸይድ ። ገዚፍ ባእታ ኣብ ሓደ ጸቢብ ባይታ አእቲያ ተንብሮ። ሰለዚ ንሕናውን አንተደፊርና ሓንቲ ግጥሚ ዓለም ተስኪማ ክትከይድ ትኸእልያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ : እቲ ኣብ አእምሮይ ዝመጽ ክጽሕፎ ይፍትን ክሳብ ሕጂ ግን ነቶም ኣብ ውሽጠይ ዝተለዓሉ ሕቶታት መልሲ ክረኽብሎም አይካአልኩን ስለዚ ዕጉብ አይኮንኩን። ነታ ቕዲ ትብል ሕቶ ግን ኣነ ከም ያሬድ ነቲ “ዘይራኸብ ምርኻብ” ዛዓይነቱ ቅዲ ኣጻሓሕፋ ደስ ይብለኒ።
******************
• ሽሻይ ገብረሃንስ~
ገጣምቲ ንምንታይ እዮም ዝገጥሙ ፧ንኣብነት ንስኻ ያሬድ ፡ ንምንታይ ኢኻ ትገጥም፡ ንስምዒት፡ ንሓሳባት፡ ንሕልሚታት፡ ንራኢ፡ ንፍልስፍና፡ ንዕግበት፡ ንርሑቕ፡ ንቐረባ፡ ንሕሉፍ፡ ንዝመጽእ. . . ንምንታይ ኢኻ ትገጥም፧
* ያሬድ~ እዛ ሕቶ ፡ ሰብ ንምታይዩ ዝውለድ ተስምዕ። ከምቲ አብ ላዕሊ ክግልጾ ዝፈተንኩ፡ አፈጣጥራ ሰብን ግጥምን ዘራኽብ ኣልዎም። ንኽልቲኦም መሎኮታዊ ሓይሊ ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፤ ኣብ መጀመርታ ግን ስሚዒት’ዩ ዝፈጥሮም። ንኣብነት ሰብ ኣብ ማህጸን ንኽድቀን፡ ምጀመርታ ጾታዊ ርክብ (ስሚዒት) ክፍጸም ኣለዎ፡ ብድሕሪኡ ሰብ ሞሎኮታዊ መንፈስ ትዋሂቡ ናብዛ ምድሪ ይመጽእ ። ኮምኡ ውን ግጥሚ መጀመርታ ስምዒት ናይ መንፈስ ናብ ማህጽን አእምሮኻ ይመጸእ በዚ ድሪኺት ካኣ “ርዲኢት” ትወልድ ማለትዩ።
***************
• ገሬ ሃብቶም(ወዲ ኤሪ ሳውዝ)~
ክልመድ ዝግብኦ ግን ክኣ ዘይተለምደ ባህርያት ኣሎ ኣብ ገጠምቲ ሃገርና።ንሱ ድማ እቶም “ሰብ ጸጋ ዕድመ” ዓበይቲ ገጠምቲ ነቶም ንኡሳን ወለዶ “ንጀመርቲ ግጥሚ” ከተባብዕዎም ኣይትሪኦምን ኢኻ።ሕኸኸኒ ክሓከካ እውን ኣብ ገጠምቲ ይርአ ኢዩ’ሞ፡እዚ ባህርያት እዚ ንስነጥበብን ስነጥበባውያንን ማዕረ ክንደይ ሃሳዪ ምዃኑ ገሚትካ፡እቲ ዘይተለምደ ቅዱስ ባህርያት ብኸመይ ክትኣታቶ ኣለዎ ትብል ፧
* ያሬድ~ እዛ ሕቶ ብኽልተ ነገር እንተፈለናያ ይሓይሽ መስለኒ ፡
ሓደ ኣካላዊ ዕብየት ክህሉ ናይ ግድን’ዩ በዚ ምክንያት ገሊኡ ቅድመኻ ናይ ሳላሳ ዓመት ናይ ምጽሓፍ ተሞክሮ ይህልዎ ፡ ብኡ መጠን ድማ ኣብ ጉዕዞ ስነጽሑፍ ዝሓለፎ መገዲ ከካፍለካ ጽቡቅዩ ። ንሱ ጽፉፍ ኣንፈት’ዩ ቢሉ ዝኣመነሉ መንገዲ ከትሕዘካ ግን ክትጽበይ የብልካን ። ከመይሲ እቲ ጉዕዞ በይንኻ ሰለ ትኸዶን ክትሃርሞ እትደሊ ሸቶ ውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ስለ ዝኾነ ።
እቲ ካልእን ኣገዳስን ዝብሎ ኣነ ግን ፡ ኣብ ግጥሚ መንፈሳዊ ዕብየት ኣሎ፡ እዚ መንፍሳዊ ዕብየት መጠን ዕብየቱ ብዕድመ አይውስንንዩ፡ ብምንታይ ዳአ፡ ንዝብል ሕቶ ግን ብስፋሓትን ዕምቆትን እዩ ዝተዓባበ። ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝተጻሕፈት ግጥሚ፡ ትማሊ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ብዕድመ ክትዓብያ ትኽእልያ። ስለዚ ዓቢን ነእሽቶን ዝብሃል ልምዳዊ ኣዘራርባ እምበር ኣብ ግብሪ ትርጉም የብሉን ።
መድረኽ ንምርካብ ተኾይኑ ድማ፡ ሳላ ተክኖሎጂ ሎሚ ኩሉ ኣብ እድካ’ዩ። ኣብ ፈይስ-ቡክ ኮንካ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምድሪ ዘሎ ንፍሲ ወከፍ ገዛ ክትኣቱ ትከእል ኪኻ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ሓድሕድ ከተባባዕ ጽቡቕ እኮ’ንተኾነ ግን ካአ ወሳኒ ኣይኮነን። ኣብ ጉያ ቲፎዞ ዘልዎ ዘይኮነስ እቲ ጉያ ዝኽእልዩ’ዩ ዝዕወት ። ሓፈሻዊ ኣጠቓሊለ ክርእዮ እንከለኹ ውን ፡ እቶም ብዕድመ(ተመኩሮ) ይኹን ብብቕዓት ካባና ይበልጹ እዮም ኢልና እንኣምነሎም ስነጥበባውያን ፡ ተመኩሮታቶም ካብ ምክፋል ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን እዮም ፡ ምዓስ እንተድኣ ኢልና ክጽሕፉ እንከለዉ ። ንሕና ጥራሕ ተቐበልቲ(ኣንበብቲ) ክንከውን ክንክእል ኣሎና ።
*************
• ክብሮም ደሞዝ~
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ገጠምቲ ብ ጽሑፍን ብ ኣውድዮን(audio) ግጥምታት ኣብ ዝተፈላልየ መራኸቢታት ይበጽሕ ኣሎ። ብዛዕባ ‘ቲ ብእውድዮ ተቐሪጹ ዝቐርብ ዘሎ ድማ ምስቲ ናይ ዝበዝሑ መንእሰያትና ናይ ምንባብ ሸውሃት ዘይምህላው፡ተወሳኺ መዳኸሚ ባእታ ኮይኑ ይስመዓኒ።(እዚ ማለተይ ግን ኣውድዮ ግጥምታት ኣይሃሉ ንምባል ኣይስምዕን) ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ሓቀኛ ምስትምቓር ናይ ሰነጽሑፍ ግጥሚ ብምንባብ ድዩ ወይስ ብምስማዕ ፧ የቐንየለይ!
* ያሬድ~ ብናይ ዓድና ክዛረብ ተኾይነ ናይ ምንባብ ባህጊ አይኮንን ዶ ኣብ ኣንበብቲ ግጥሚስ፡ ኣብ ጽሓፍቲ ውን እንተኾነ ዳርጋ ውሑድ ኢዩ። ካብ ተኸታተልቲ ግጥሚ ብዝዛየደ ፡ ገጠምቲ ከንብቡ እየ ዝምዕድ ። ናብቲ ጽሑፍን ብ ኣውድዮን(audio) ኣየናይ ይምረጽ ንዝብል ግን፡ ቡዙሕ ሪኢቶ የብለይን። ገለ ስብ ከንፈሩ ካብ ምንቅስቃስ እዝኑ ከንቀሳቅስ ዝቐሎ አሎ፡ ስለዚ ክሳብ አቲ ግጥሚ ዝተረዶኦ ዘጸግም ኮይኑ አይስማዓንን። እቲ ቀንዲ ምስትምቓር ኣብታ ግጥሚ’ዩ ።
******************
• ጳውሎስ ባህልቢ~
ዝኸበርካ ያሬድ ግጥሚ ኣብ ክንደይ ደረጃ ይኽፈል? እንታይን እንታይን ተባሂሎም ከ ይስመዩ፧ ገለ ጸሓፍቲ ግጥሚ ሕጊ ኣሎዎ ይብሉ፡ ገለ ድማ ግጥሚ ሕጊ ዝበሃል የብሉን ይብሉ። ካብ ስዲ ንባብ ዝተፈልየ ኣገባብ ኣጻሓሕፋ ምሓዙን ናዕታን፡ ረምታን፡ ዝብሉ ባእታት ኣጣሚሩ ብምህላዉ ሕጊ ከይሃለዎ ኣይተርፈን ዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ። እዚ ግን ናይ ባዕለይ ሪኢቶይ ክኸውን ኮሎ፡ ኣብዚ ሕቶ ዚ ዘለካ ሓሳባት ኣስፊሕካ ክትገልጽ ብትሕትና ይሓትት።
* ያሬድ~ ክሳብ’ቲ ኣነ ብዓቕመይ ዝፍልጦ ጥራሕ ግጥሚ ካብ ሱሳ ንላዕሊ አሎ፡ አብ ዝተፈላለየ ሃገር ዝተፈላለየ ቅዲታት አሎ። ኩሉ ብዝርዝር ክገልጽልካ ከቢድ ኮይኑ ይስማዓኒ። ገለ ካቡ ንምጥቃስ ግን ማሰ ኣውሎ፡ Ballade,free verse, lyric, Sentry, Shape poem, Tanka Ottava rima ወዘተ… ። ኣብቲ ግጥሚ ሕጊ ኣልዎ ዶ ንዘብል ሕቶ ግን ፡ ኣነ ፍልይ ዝበለ ሪኢቶ አሎኒ። ግጥሚ ብሓሳባት ተደፊኡ ስምዒት ዝወልዶ ርዲኢትዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ከምይ ጌርካ ክም ትሓስብ ክነግረካ አይከእልን ‘ዩ። ንኣብነት’ሲ ኣብ ሕልሚ ንራኽብ ተባሃሂልካ ክትቛጸር ኣይትኽ እልን ኢኻ።
ካብ መጀምርቱኡ ምስ እንሪኢ፡ ግጥሚ ምስ መጸ ሕጊ ኣጻሓሕፋ ተወሊዱ ማለት’ዩ። እምበር ሕጊ ኣውጺኦም አይኮነን ግጥሚ ክጽሕፉ ጀሚሮም። ግጥሚ ናጽነት ክሳብ ዝኾነ መጠን ኣብ ሕጊ ተኣሲርካ ትጽሕፎ ግጥሚ ብዙሕ ሓይሉ ኣይራኣየንን ። እዚ ማለትይ ግን ገለ ገለ ባእታታት ከምዝመሰለና ክንጥሕሶ ኣለና ወይ ውን ሰባቢርካ ደርብዮ ማልት ኣይኮነን።
****************
• ሙኒር ሰዲግ~
ግጥምታትካ ብቀረባ ካብ ዝከታተልዎን ዘድንቑዎን ሓደ እየ። ኣብ ሓሳብን ቅዱን ፍሉይነት ኣለዎም ። ሓደ ገጣሚ ናቱ ቅዲ ሕዙ ንክቦቕል ውን ይምህረካ ። ናብዚ ንሰኻ ትኽተሎ ዘለኻ ቅዲ ንክትርዕም ዝጸለወካ እንየታይ‘ዩ? ወይ ብፉሉይ ትገልጾ ውልቀ ጸሓፊ ኣሎዶ፧
* ያሬድ~ ስለቲ ናእዳኻ ብልቢ የመስግን ኣብዚሕካልይ ድማ ። ካብ ቀደመይ እንታይ፡ ሰለምንታይ፡ ኢልካ ምሕታት ክፈቱ ማዓትየ። ንሓንቲ ነገር ካኣ ብኹሉ ማኣዝን ምድህሳሳ ባህ ይብለኒ። ንኣብነት ብዛዕባ ድርሆ ምሕሳብ ተጀሚረ ፡ ለይትን ማዓልትን ብዛዕባኣ ስቅ ኢልካ ምሕሳብ ደስ ይብለኒ፡ ሽዑ ገለ ነገር ኣብ መንጎ ይረክብ ማለትዩ። ሓንቲ ግጥምን ሓንቲ መጽሓፍን ማዕረ ኢየን ኢለ እየ ዝሓስብ፡ ሰለዚ ኣብ “ሓንቲ ገጽ” መጽሓፍ ሙሉእ ሓሳብት ክትገልጽ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ሙኻኑ ንኩላትና ርዱኡ እዩ። ይፍትንየ እምበር ገና አይበጻሕኩዎን። ብሓፈሺኡ ኩሉ ስነጥበብ ይምስጠኒ እንዲዩ ብፍሉይ ግን ግጥሚታት ምያ ኣንጅላን ፈልስፍናታት ኦሾን ኣዚዮም ይምስጡኒ’ዮም።
********************
• ዛራ ገጠምቲ ~
ንሓደ ገጣሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍጡር ፡ ”ገጣሚ” ዝብል ስም ዘላብሶ ወይ ዘጠምቖ ኣካል መን’ዩ ትብል ፡ ባዕሉ፧ ብቕዓት ጽሑፋቱ፧ ወይስ ኣንበብቲ ጽሑፋቱ፧
* ያሬድ~ እታ ዝጻሓፍካያ ግጥሚ ኢያ መጀመርታ ገጣማይ ኢላ ትጽውዓካ። እታ ቀንዲ ነገር ካኣ ኣብዚኣ’ያ ዘላ። ብድሕሪኡ ዘሎ ካልእ ወሳኒ ኣይኮነን፨ ሰብ ገጣማይ ክብልካ ይኸእልዩ፡ እታ ዝጻሓፍካያ ግጥሚ ግን ገጣማይ ኣይኮንካን ትብልካ ተኾይና : ካብዚ ዝዓቢ ሕፍረት የለን። ምስክር ኣምጺካ ኸማን ኣይትረትዓን ኢኻ።
*****************
• ወዲ ዓብለል~
ዝኸበርካ ሓዉ ያሬድ ደጀን፡ መጀመርያ ዑዙዝ ሰላምታይ ተቀበል! ቀጺለ፥ ሓደ ገጣማይ ንግጥምታቱ ግጥሚ ዘብሎ ነጥብታት እንታይ’ዩ ፧
* ያሬድ~ ስላምታኻ ይጥዓም ሓወይ ናተይ። ገለ ካብቲ ነጥብታት፡ ፍሉይነት ሓሳባትን ሜላ ኣገላልጻ እተን ሕመረት ኮይነን ይስማዓኒ። ክልእ ከም ባዓል ምልከት ቓንቓ፡ ቃላት፡ ሰዋስው ከም ካልኣዊ ክንርእዮ ንኽእል ። ከመይሲ ወላ ክትዛረብ ከሎኻ ወይ ውን ደብዳቤ ክትጽሕፍ ከሎኻ ስዋስው ክትጋገ ጽቡቕ ስለ ዘየድምዕ።
እቲ ቀንድን መሰረታውን ግን ፡ግጥሚ ከበዲቲ ሓሳባት እምበር ከበድቲ ቃላት ዝሓዘ ክኸውን የብሉን ባሃላይ ኢየ።
*******************
• ዛራ ገጠምቲ~
ስለቲ ልዙብ መልስታትካ ኣዚና እና’መስገንና፡ ምስ ካልእ ክትብሎ እትደሊ ኣጣቓሊልካ ርኢቶኻ ክትህበና እንደልያ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኣላትና፡ ግጥሚ ብዝተኻእለ መጠን ብቑዕን ነባርን ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል ፧ ምስኣ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ጉጅለ ዛራ ገጠምቲ ዘሎካ ርእይቶ ከተካፍለና !
* ያሬድ~ ነባሪ ግጥሚ ክትጽሕፍ ኣብ ነባሪ ነገር ክትዛረብ አሎካ፡ ስለዚ ነባሪ ሰለኾነ ዘፍርሶ ሓይሊ የለን ክፈርስ ተዝኸእል አይምነበርን። ነዊሕ ክነብረልካ ጽሑፋትካ ነዊሕ ተጓዒዝኻ ክተምጾኦም ኣሎካ። ካብ ሃልኪ ዝፈልሱ ጽሑፋት ነዊሕ ዕድመ ስለ ዝህልዎም ። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገሩ ይኽእሉን ይበቕዑን ።
አብ ዛራ ገጠምቲ ዘሎኒ ሪኢቶ ክዛረብ ተኾይነ፡ ብሓፈሻ ክትሪኦ ከሎኻ ብጣሚ ዝድነቅ ተበግሶ’ዩ ክቕጽል ወን አሎዎ። ንኹሉ ገጣምይ ኣብ ምጥርናፍ ዓቢ ግደ ይጻወት አሎ።ገለ ገለ ጸገማት ዝራየኒ ግን ኣብ ብዙሕ ግዜ ሕጊታት ዝበዝሖ ኮይኑ ይስማዓኒ፡ እዚ ኻአ ምስ ባህርያት ግጥሚ ዝጻረር መሲሉ ይርኣየኒ ። ከምይሲ ርእሰ ከተማ ግጥሚ “ ናጽነት” ሰለዝኮነት ንሳ ብብዝሒ ቅጥዕታት ክትድፈር የብላን ባሃላይየ። ካልእ ፡ ንዝተወሰኑ ገጠምትን ግጥምታቶምን ከም መርሖ ገይርና ክንርእዮምን መኽፈቲ ኣፍና ክንገብሮምን የብልናን ፡ ብዙሓት ገና ክንፈልጦም ዘይክኣልና ሓያላት ጽሓፍቲ ኣለዉ ፡ ኣብ ክንዲ ብሽም ናይ ገጣማይ ማለት ብታሕቲ ንጅምር ፡ ን ሓንቲ ጽሕፍቲ ብ ላዓዕሊ ብ ኣርእስታ ጀሚርና ፡ ብዕምቆት ናይ ምንባብን ምርዳእን ክእለት ከነማዕብል ይግብኣና ፡ ብዙሕ ፍሉያትን ሰሓብትን መሃርትን ነገራት ድማ ክንረክብ ንኽእል ። ብሓፈሽኡ ጉጅለ ዛራገጠምቲ ኣብ ስነጥበብ ሃገርና ንእሽቶ ኣበርክቶ ኣይኮነን ዘለዋ፡ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ከም ዝትዓዘብኩዎ እንተኾይኑ ውን ድሮ ምንጪ ብዙሓት ዌብሳይታትን ፡ መራኸቢ ብዙሃንን ኮይና ትርከብ ። ዝያዳ ዕብየትን ምዕባለን ድማ ይምነ ። ምስ ብዙሕ ምስጋና ፡ የቐንየለይ ።
ንሕና ውን ኣዚና ነመስግን
ዛራ~ገጠምቲ
06~2015
1 Comment
ባህ ዘብል ንባብ፣ ምስጋናይ ንሃው ያረድን ኣዳለውቲ መደብን፣ ግጥምታት ያረድ ብከመይ ክረክቦም ይክእል?