1;ዛራ ገጠምቲ~
ኣቐዲምና ፡ ዕላማ እዛ መደብ ብምርዳእ ብዘቕረብናልካ ዕድመ መሰረት ኣብ ስነ ጥበብ ዘተኮረ ተመኩሮኻ ከተካፍለና ድሉው ምህላውካ ብሽም ዛራ~ገጠምቲን ኣዳለውቲ እዚ መደብን ኣዚና ነመስግነካ ። ብምቕጻል ፡እስከ’ ዕላልና ምስ ነብስኻ ብምልላይ ባዕልኻ ፈልመልና።
~ማይኮ
መጀመርታ ፡ ኣብ ዘይብለይ ዝርካበይ ሒዘ ከም ዝመስለኒ ክዛረብ ንዝገበርኩምለይ ዕድመ ኣዝየ የመስግን ።ምስ ስነጥበባውያን ብዛዕባ ነብሰይ ከላልዮ ዝኽእል ፍሉይ ተመክሮ ስነ~ጥበብ የብለይን ፡እንትርፎ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ተገዳስነት ኣብ ግጥሚ ከምዝሓደረንን ካብቲ ሽዑ እዋን ኣትሒዘ ግጥምታት ክነብብን ክፈታትን ከምዝጀመርኩ ምዕላል። ብርእሰ ተኣማንነት ከላልየኩም ዝኽእል ግን ምስዛ ነብሰይ እያ ። ምሉእ ስመይ ሚኪኤለ ተኽለ ፡ ማይኮ ከኣ ዝተለምደት ኣሕጽሮተ~ስመይ ፡ ገለ ካብ ዝፈትዎም ነገራት ድማ ብዘይ ዘረባ ምዕላል ማለት ከይተዘራረብካ ምርድዳእ :እቲ ምርድዳእ ግድነት ዘረባ ዘድልዮ እንተኾይኑ ድማ ሕጽር ሕጽር ዝበለ ምብህሃል ምዝውታርን :ካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ነገራትን። ኣብ ኣስመራ’የ ተወሊደ ዓብየ ፡ ቅድሚ 9 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ፡ ስደት ካብ ዝወጽእ እዋን ኣትሒዘ ድማ ኣብ ሃገራት ሱዳን ፡ ደቡብ ሱዳን ፡ኡጋንዳ ፡ ኬንያ ፡ዶቡብ ኣፍሪቃን በብእዋኑ ተቐሚጠ ፡ሕጂ ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ይነብር ኣለኹ ፡ ካብዚ ንንየው እኮ ዝቕጽል ኣይመስለንን ፡ ናበይ’ሞ ክኸይድ ፧! ። ሕክያ ግን ክቕጽል ይኽእል’የ ……..።
2; ኪሮስ የውሃንስ~
ሓውና ማይኮ ንግጥምታትካ ካብ ዝከታተሎ ነዊሕ ግዜ ገይረ ኣለኹ፡፡ ኣብ ግጥምታካ ዝዕዘቦ ነገር እንተሎ “ ነጻ ዋሕዚ ሓሳብ ወይ ስፓንተንዮስ” ንዝብል ቅዲ ኣጸሓሕፋ ዝኽተል ይመስለኒ፡፡ ግጥምታትካ ኣብ “ ዘበናዊ ቅዲ ኣጸሓሓፋ” ዝያዳ ስለ ዝዘዝው መቦቖላዊ ሰረቶም ኣጥፊኦም ጸምበለል ከመይብሉ እንታይ ትገብሮ ጻዕርታት ኣሎ?
~ማይኮ
ኪሮስ፡ ትዕዝብትኻ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን ። ከማኻ ደጊመ እንክዕዘቦም ‘ድኣለይ ዘስተብህለሎም እምበር ኮነ’ይለ ወይ ነቲ ቕዲ ተኸቲለ ይጽሕፎም ማለት ግን ኣይኮነን ። ዓይነት ኣጸሓሕፋ ስፓንተንዮስ ፡ ዘየቃርጽ ማለት ምስ ዝተበገሰ ስምዒት ዝዛዘም ዋሕዚ ሓያል ስምዒት ከም ሙኻኑ መጠን ፡ ካብ ውሽጥኻ ብምብጋስ ተመቺኡካ እተውሕዞ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እዩ ። ኣነ ድማ ኩሉ እዋን፡ብዝተፈላለየ ጽልዋ ካብ ውሽጠይ ብዝፍጠሩ ስምዒታት ነቒለ ይጽሕፍ ከም ሙኻነይ መጠን እየ ተመሳሳልነቶም ዝግንዘብ። ስምዒት ብጽልዋ ኣከባቢ ማለት ካብ እትርእዮም እትሰምዖም እተንብቦምን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ብምምንጫው ኣብ ውሽጥኻ ዝፍጠር ነገር ከም ሙኻኑ መጠን ፡ እቲ ወሓዚ ሓሳባት ካብ ገዛእ ርእስኻ ይወጽእ ኣሎ ማለት’ዩ ። ጎኒ~ጎኑ ድማ ውልቃዊ ወይ ፈጠራዊ ኣባሃህላ ተሰንዩ ከም ዝኸይድ እንተገይርካዮ ፡ እቲ መቦቆላውነት ወይ መሃዝነት ከተንጸባርቕ ትኽእል ። ነቲ ዝወሓዘ ሓሳባት ንኽገልጽ ዝተመርጸ ቃላት ብግቡእ ተጠቒምካሉ ዶ ፧ ዘይተመንወ ኣበሃህላ ፈጢርካ ዶ ፧ ይኽበድ ይፍኮስ ዝመረጽካዮም ቃላት ኩሎም ሰሪሖም ዶ ፧ ፍሉይነት ኣበሃህላ ንምፍጣር ዝተጠቐምካዮ ኣጋላልጻ ንጹርነቱ ሓልዩ ዶ(ምትሕልኻኽ ንዘይምፍጣር በቒዕካ ዶ ፧) ። ብቐንዱ ድማ ንዑምቀት ሓሳባትካ ዝበቕዕ ምጡን ኣገላልጻ ክትጥቀም ክኢልካ’ዶ ፧ ማለት ሓይሊ ቁጡብነትካ ከመይ ተንጸባሪቑ ፧ ። እዚኣቶም ኣብ ግምት አእቲኻ ሓሳባትካ ከተውሕዝ እንተኺኢልካ ፡ ወይ ድማ ነቲ ብናጽነት ካብ ውሽጥኻ ዘውሓዝካዮ ሓሳባት ማለት ዝሓንጠጥካዮ ግጥሚ ደጊምካ ብምርኣይ ነዘኦም ዝተጠቕሱ ባእታታት ከተካትት እንተፈቲንካ ፡ ነቲ መበቆላውነት ዝብሃል ኣምር ከተራጉዶ ወይ ከተውሕሶ ክኢልካ ኣለኻ መልት እዩ ። ስለዚ ዝጸሓፍካዮም ግጥምታት ናብ ዘበናዊ ገጾም ስለ ዝዛዘዉ ጥራይ ፡ መበቆላውነቶም ኣጥፊኦም ጸምበለል ክብሉ ይኽእሉ መላት ኣይመስለንን ። ማለት~ ብዝተፈላለየ ጽልዋ ብዝነቐለ ኣብ ውሽጥኻ ካብ ዝፍጠር ስምኢት ተበጊሱ ዝርከብ ውጽኢት~ ናትካ መበቆል እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ ካብ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ስምዒት ነቒሉ ብዝተግበሮ ተግባር(ሓጢኣት) ቀዳማይ ”ዝተረግመ” ወይ መርገም ዝጠቐበለ ሰይጣን እዩ ። ግን እታ ንሱ ዝተረግማን ዘስዓበቶ ውጽኢትን እያ እታ መበቆላዊት ናቱ ። ብድሕሪኡ ኣዳመ~ሄዋን ውን ብጽልዋ ናይ ሰይጣን ይኹን ናይ ኣከባቢ ኣብ ውሽጦም ብዝተፈጥረ ስምዒት ብዝፈጸምዎ ተግባር(ሓጢኣት)፡ ናታቶም ጌጋ ፈጺሞም ንሳቶም ውን ናቶም መቦቆላዊ ርእሱ ዝኽኣለ መርገም ተቀቢሎም ። ንሕና ደቂ ሰባት ውን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብእንፍጽሞም ግጉይ ተግባራት(ሓጢኣታት) ርእሱ ዝኽኣለ ዝተፈላለየ መርገማት ንቕበል ፡ እምብኣር እቲ ንሕና ብእንፍጽሞ ተግባራት እንፈጥሮ መርገማት መበቆላውነቱ ናይ ሰይጣን ወይ ናይ ኣዳም ክንብል ዝክኣል ኣይኮነን ። ከምኡ እንተትኸውን እቲ ውጽኢት መርገም ዝኾነ ቅጽዓት ኣብ ሰይጣን ተወሲኑ ምተረፈ ። ስለዚ ብናተይ ኣረኣእያ ኩሉ ካብ ውሽጥኻ ተበጊሱ ኣብ ተግባር ዝፍጸም ነገር ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ መበቆሉ ። ኣብ ዝኾነ ነገር ርእየ ሰሚዐ ወይ ውን ኣንቢበ ከምዘለዎ ወይ ኣመሳሲለ እንተደጊመዮ ግን ካብ ደገ ናብ ደገ ድኣ’ምበር ካብ ውሽጠይ ንደገ ይወጽእ ብዘይ ምህላዉ፡ ቅድምን ልዕልን ማንም ካልእ ኣነ ባዕለይ መበቆላውነቱ ናይ ካልእ’ምበር ናተይ ከምዘይ ሙኻኑ ይፈልጥን ይርዳእን ። ስለዚ ይደግም ድኣየ ዘለኹ ‘ምበር ካብ ውሽጠይ ብዝነቐለ ስምዒት ተደፊኡ ንግዳም ዝወጽእ ነገር የብለይን ማለት እዩ ። እምብኣር ጽሑፋተይ መበቆላውነት ከየጥፍኡ ዝገብሮ ጻዕሪ እንተሎ ድማ ከምዚ ዘይምግባር ወይ ዘይምድጋም እዩ ፡ ማለት ካብ ውሽጠይ ተበጊሱ ንግዳም ዝወጽእ ነገር እንተዘይብለይ ከይጸሓፍኩ ስቕ ምባል ። ስለዚ ፡ ሕጽር ብዝበለ ፡ ነጻ ወሓዚ ሓሳብ ኣብ ጽሑፍ ምቕያርን መበቆላውነትን ጎኒ ጎኒ ዝኸዱን ሓድሕድ ዝደላለዩን ዘይነጻጸሉን’ዮም በሃላይ እየ ። የቐንየለይ ኪሮስ !
3;ሮቤል ገብረ~
ማይኮ ፡ፈለማ ምስ ጥበባዊ ስራሕካ ዝተላለኹ፤ ኣብ ጋዜጣ ዳዕሮ ብዝጽሓፍካያ ሓንቲ ንርቀት ጾታዊ ርክብ እትገልጽ መሳጢት ግጥሚ እዩ ።ቀጺለ ነዘን ሕቶታት እትህቦ መልሲ ክንመሃረሉን ክንመያየጠሉ ንኽእል ኢና ብዝብል እምነት እየ ሕቶታተይ ዘቕርብ ዘሎኹ።
ኣብ ሓደ ሸነኸ-ሓሳብ ዝድመሩ ጸሓፍቲ ግጥሚ ፤ ክብድ ዝበሉን ብኸምኡ ዘይቁርጠሙን ቃላት ምጥቃም ይመርጹ።”እንታይ ክትረኽቡ ደቀይ !?” እንተ ተባህሉ ፦ “ኣንባቢ በቒዑን ማዕቢሉን ናብ ደረጃና ክበጽሕ ኣሎዎ’ምበር ንሕና ናብ ታሕቲ ናብ ደረጃኡ ክንውርድ የብልናን።” ይብሉ።
እቶም ኣብቲ ካልእ ቀጽረ-ሓሳብ ዝርከቡ ከኣ ፦ “ጸሓፋይ(ፊት) ጽሑፉ (ፋ) ንኹሉ ዝበጽሑ ን ኩሉ ክርድኦም ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።ቀለልቲን ዝውቱራት ቃላት ምጥቃም ነዚ ፍታሕ እዩ።” ይብሉ። ንስኻ ከም ጸሓፊ ፤ ንነብስኻ ኣበይ ተጸግዓ?ብሓፈሻ ጸሓፍቲ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ኸ ከመይ ትውግኖም ? ኣየናይ ኣካይዳ ኸ መዋጽአ?
~ማይኮ
ሮበል :ኣነ ብወገነይ ከበድቲ ቃላት ምጥቃም ከም መርኣርኣያ ጽባቐ ናይ ሓንቲ ግጥሚ ኣይኮነን ብሃላይ እየ ። ብመሰረቱ ውን ክብድ ዝበለ ቃላት ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ምጥቃም ብዘይ ኣድላይነት ክኾኑ ኣይግባእን ፡ ማለት ሓንቲ ከባድ ቃል እንተተጠቒምካ ንምንታይ እታ ቃል መሪጽካ ዝብል ሕቶ ንስኻ ዘይኮንካ እታ ግጥሚ ክትምልሶ ክትክእል ኣለዋ ። ማለት እታ ዝተጠቐምካላ ከባድ ቃል ንዕምቆት ትርጉም ናይቲ ሓሳብ ንምግላጽ: ምስተን ካልኦት ኣብታ ግጥሚ ዘለዋ መሳልፍታ(ቃላት) ፡ ውህደት ፈጢራ :ብብቕዓት ዝተዋህበቶ ስራሕ ሰሪሓ ክትርአ ኣለዋ ። ብኸምዚ ኣገባብ እናተጠቐሙ ከበድቲ ቃላት ብምዝውታር ብሉጽ ግጥምታት ዝሰርሑ ኣለዉ ። ኣብ ምዝውታር ፍኹስ ዝበሉ ቃላት እንተመጺና ውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠቐምናሉ ቃላት መኽንያታውያን ክኾኑ ይግባእ ፡ ትኽበድ ትፍኮስ ነፍሲ ወከፍ ዝተመረጸት ቃል ኣብታ ግጥሚ ግቡእ ኣበርክቶ ክህልዋ ይግባእ ። በዚ መረዳእታ’ዚ ድማ ቃላት ከከም ኣበርክቶኦም ድኣ እምበር ፡ ከበድቲ ወይ ፈኮስቲ ስለ ዝኾኑ ጥራሕ ከም መርኣያ ጽባቐ ናይ ሓንቲ ግጥሚ ክንጥቀመሎምን ቀዳምነት(ተመራጽነት) ክንህቦምን ዘይንኽእል ። ስለዚ ቃላት ስለዘኽበድካ ኣስተማቀርቲ ብቐሊሉ ክሕዙኻ(ክርድኡኻ) ኣይክእሉን ወይ ውን ፍኹስ ዝበሉ ቃላት ስለ ዝተጠቐምካ ኣንበብቲ ወይ ኣስተማቐርቲ ብቐሊሉ ግጥምኻ ክርድኡ ይኽእሉ ማለት ኣይኮነን እቲ ሓቂ ፡ ኣብዚ ውን ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ፡ዝተጠቐምካሎም ቃላት ይኽበዱ ይፍኮሱ ብዘየገድስ ፡ ኣጣቓቕሞኦምን መረጸኦምን ኣብ ግቡእ ምዓላ እንተድኣ ውዒሉ ፡ እታ ዝተጻሕፈት ግጥሚ ግድነት ነስተማቓሪኣ ሓደ ንጹር ምስሊ ክትፈጥረሉ ክትክእል’ያ ። በዚ ኣገባብ ሓፈሻዊ ጽባቐ ግጥሚ እንተፈጢርካ ፡ ኣንበብቲ ወይ ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣሰርካ ኣለዉ ። ከቢድ ቃላት ስለ ዘዘውትር ከይደ ነፊጸ ዘርክበኒ ስኢነ ፡ ንድሕሪት ገጸይ ግልጽ ዘብል የብለይን ንሳቶም የርክቡኒ ትብል እንተኾይንካ ግን ፡ ስነጥበባውያን ይኹኑ ኣፍቀርቲ ስነጥበብ ዘይፈልጥዎ ምኣዝን ሒዝካ ንበይንኻ ተሰዊርካ ኣለኻ ማለት’ዩ ። ብኡ’ቢልካ ናይ ምጥፋእ ተኽእሎኻ ድማ ይዛይድ ።
ብዛዕባይ ክዛረብ እንተኾይነ ፡ ድሒረ ግጥምታተይ ክዕዘቦም እንከለኹ : ዳርጋ ዝበዝሕ እዋን ፍኹስ ዝበሉ ቃላት ኣካቲቶም ይረኽቦም ። ኣነ ዘይኮንኩ ግን እተን ግጥምታት ከከም ኣድላይነቶም ከም ዝመረጸኦም እየ ዝርዳእ ።
ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጸሓፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ክዛረብ ግን ዓቕመይ ዘፍቕዶ ኣይኮነን ። እንተ’እቲ ኣየናይ ኣገባብ የዋጽእ ዝበልካዮ ግን ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልኩኻ እዩ ፡ መረጻ ቓለት ኣብ ሓንቲ ግጥሚ፡ ከከም ኣድላይነቶም ፡ነቲ ኣብታ ግጥሚ ከተንጸባርቆ ተበጊስካ ዘለኻ ትሕዝቶ(ዑምቀት ሓሳባት)ን ቅርጽን ብግቡእ ከርእዩ ዝኽእሉን ብውህደት ሕድሕዶም ብሉጽነት ናይታ ግጥሚ ዘውሕሱን ክኾኑ እንከለዉ እዩ እቲ ዝምረጽ እብል ብወገነይ ። የቐንየለይ ሮቤል !
4;ዛራ ገጠምቲ~
ገጠምቲ ሓያሎ እዋን ብግጥሚ ውልቃዊ ተሃኖም ከውጽኡ ንዕዘብ ኢና። ማለተይ ምስ ሓደ እንተተጎራፊጦም ነቲ ምጉሩፋጥ ዝምልት ግጥሚ ተንብብ ኢኻ። ገለ’ውን ብግጥሚ ይመላለሱ’ዮም። ነዚ ከመይ ትርእዮ? ዝፍቀድ እንተኾይኑ ድማ ኣቦይን ኣቦኻን ትብል ግጥሚ ንሞት ወላዲኻን ንሞት ኣቦ ገጣሚ መለስ ንጉሰን ትምልከት ግጥሚ ከም ዝጸሓፍካ ሰሚዕና ኔርና ‘ናሞ መኣስ ኢኻ ናብ ኣንበብቲ ተብላ።
~ማይኮ
ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ብግጥሚ ናይ ምምልላስ ኣጋጣሚታት ክህሉ እትጽበዮ ነገር’ዩ። እትምንታይ ግጥሚ ንባዕሉ ኣፍልጦኻ ትዕዝብትኻ ርድኢትካ ስምዒታትካን ካልእን እተውሕዘሉ ዓይነት ጥበብ ከም ሙኻኑ መጠን ። ስለዚ ስምዒት ዘንቀሎ ፡ ምስ መተሃላልኽትኻ ብግጥሚ ናይ ምምልላስ ኣጋጣሚታት ክኽሰት ንቡር ኮይኑ ይስምዓኒ ፡ ጥቕሚ ክህልዎን ዘይክህልዎን ይኽእል ጉድኣት ውን ከምኡ ። ሓፈሻዊ ግን ግጥሚ ከም ሙኻኑ መጠን ከየዛነየካ ኣይተርፍን’ዩ ። ኣብ መንገዲ እናሓለፍካ ከም ገለ ኣብ ዘጋጥም ቆይቂ ክልተ ኣንስቲ ውን እኮ ገለ ፍሉይ ኣባሃህላታትን ጸርፍታትን አአንጊዱ የዛንየካ እዩ ። ስለዚ’ስ ብዙሕ ጉድኣት ዘኸትል ኣይመስለንን። ብሞራላዊ መዳዩ ግን ስነ~ጥበብ ብሓፈሻ ን ኣወታ ከተውዕሎ’ዩ ዝዕድመካ ።
ግጥሚ ኣቦይን ኣቦኻን ፡ ገጣሚ መለስ ንጉሰ ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወላዲኡ ከም ዝዓረፉ ምስ ሰማዕኩ ፡ ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብቲ እዋን: ኣነ ውን ኣብ ስደት እንከለኹ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ምስ ገጠመኒን ፡ እቲ ክብደት ናይቲ በብዝተፈላለኻዮ ምፍልላይ ስለ
ዝተሰመዐንን እየ ንኽልተ ነገራት ኣጣሚረ ጽሒፈያ ። ንምስትምቓር ናባኹም ከብላ ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን :ኣብ ቀረባ እዋን ። የቐንየለይ ።
5;እዮብ~
ማይኮ ዓርከይ: ኣነ ሓደ ካብ‘ቶም ንፍርያት ጥበብካ ብቐረባ ዝክከታተልን ዝድንቆምን እየ። ብውልቐይ ክርእዮ ከለኹ ትሕዝቶ ግጥምታት ፍልይ ዝበለ ፈጠራዊን ፍልስፍናዊን ። እዚ ባህሪ ግጥምታትካ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ? ካልእ ከኣ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ትሕዝቶኦም ግጥምታትካ ምስ ነብስኻ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ይስማዓኒ: ጌጋ ርድኢት ድዩ ወይስ ሒዘካ እየ? የቐነለይ …
~ማይኮ
እዮባ ~ ባህሊ ልምዲ እምነት ኣከባቢ…ወዘተ .ብዝፈጥርዎ ጽልዋ ኢና ደቂ ሰባት ሓሳባት ነፈልፍል ፡ ኣብ ርእስና ዝተፈጥሩ ሓሳባት ድማ ስምዒት ብምፍጣር ንግዳም ዝወጽሉ መገድታት ኣለዎም ፡ ብምንቅስቓስ ብምዝራብ ብምጽሓፍ ኮታስ ብዙሕ መገድታት ። ከም ሰብ ንኹሉ ኣገባብ ምውጻእ ስምዒት ንግዳም የዘውትር ፡ ሓደ ኻብዚ ምጽሓፍ ። ስለዚ እዮባ ዓርከይ ፡ ካብ ብዝተፈላለዩ ጽልዋታት ነቒሎም ኣብ ውሽጠይ ንዝተፈጥሩ ስምዒታት ፡ብመንገዲ ግጥሚ ንግዳም ይወጹ ካብ ሃለዉ ፡ ብርግጽ ሒዝካኒ ኣለኻ ።
እቲ ፡ ፍልይ ዝበለ ፈጠራውን ፍልስፍናውን ዝበልካዮ እንተኾነ ውን ፡ ርዱእ’ዩ ። ኩሉ ሰብ ትዕበይ ትንኣስ ኣብ ምዓልታዊ ንጥፈታቱ ሓሳባት የውርድን የደይብን ፡ ስለዚ ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ሰብ በበደረጅኡ ዓቕሚ ነብሱ ይፈላሰፍ ። ኣነ ድማ ከም ሰበይ ፡ ይሓስብ ኣብ ዝሓስቦም ነገራት ዘለኒ ርድኢት ንነብሰይ ይገልጸላ የእምና ኣብ ነገራት ዘለኒ ኣጠማምታ ይመዝን’ሞ ብድሕሪኡ ነገራት ክገልጽ ይፍትን ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣበሃህላ ተጠቒመ ከረድእ ይፍትን ። ሓድሽ ነገር ሃልይዎ ዘይኮነስ ካብዚ ተበጊሱ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣብ ዝጽሕፎም ግጥምታት ፍሉይነት ዝተራእየካ ። የቐንየለይ እዮባ !
6;ዛራ ገጠምቲ ~
ኣብ ሞንጎ ገጣሚን ነቓፊ ዘሎ ርክብ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል? ከም ገጣሚ ብብቕዓት ክገጥም ኣለዎ ንብል: እቲ ነቃፊ ከ ብብቕዓት ክነቕፍ ኣለዎዶ ትብል? ማለት ንግጣሚ ኣዳቒቕካ ምእራም ምስ ናጽነት ናይ ገጣሚ ኣይጻረርን? ኣብነት ንሓቲ ኣቕሓ “ቡዙሕ ገንዘብ ኣፍሲሰላ ” ዝብል ልሙድ ኣባሃላ ኣሎ : ገንዘብ ኣይፈስስ ዝብል ምጉት ሒዞም ክንነቃቀፍ የምሕረሎምዶ ነቐፍቲ?
~ማይኮ
ብርግጽ ሓደ ነቓፊ ወይ ሃያሲ ብቑዕ ስራሕ ኣይሰራሕካን ኢሉ ንሓደ ገጣሚ ከረድእ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ መንጎ ብቕዓትን ዘይብቕዓትን ዘሎ ሚዛናዊ ፍልልይ ክርእይ ክበቕዕ ኣለዎ ፡ ብቕት እንተዘይብሉ ሞ እታ ክነቕፋ ዝተበገሰ ግጥሚ ብቕዓታ ማዓረ ክንደይ ሙኻኑ ከመይ ኣቢሉ ክግንዘብ ፧ ስለዚ ብቀዳምነት ብቕዓቱ ከረጋግጽ ክኽእል ግድነት’ዩ ። ሓደ ነቓፊ ምስ ገጣሚ ዘይኮነ ርክቡ ብቐጥታ ምስ ግጥሚ ወይ ፍርያት እቲ ገጣሚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ። በዚ መገዲ እዚ ድማ ብደቒቕ ናይ ምስትብሃል ተኽእሉኡ ተጠቒሙ ፡ እቲ ገጣሚ ዘየስተብሃለሎም ነገራት ብብቕዓት ጉድለታቱ ከርእዮ ክኽእል ኣለዎ ። ግጥሚ ናጽነት እንተኾይኑ ፡ ሓንቲ ግጥሚ እንተተጻሒፋ ንገጣማያ ጥራሕ ዘይኮነ ንሓፋሽ እያ ። ስለዚ እቲ ናጽነት ድማ ንገጣማይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝምልከት ፡ ነስተማቐርትን ሃየስትን ውን ብግቡእ ከስተማቕርዋን ክህይስዋን ምሉእ ናጽነት ትህቦም’ያ ። ግጥሚ ናጽነት ስለዝኾነ ንሓደ ገጣማይ ብርግጽ ናጽነት ይህብ’ዩ ፡ ንሓደ ሃያሲ ውን ከምኡ ንሓንቲ ግጥሚ ብደቒቕ ናይ ምርኣይ ምሉእ ናጽነት ኣለዎ ።ሓደ ሃያሲ ፡ ነዚ ናጽነት እዚ ተጠቒሙ ንሓንቲ ግጥሚ ብብቕዓት ኣዳቒቑ ክርእያ ከምዝኾነ ፡ማንም ገጣማይ ክጽበዮን ክቕበሎ ዘለዎ ነገር እዩ ። ዝኾነ ገጣማይ ዝጸሓፋ ግጥሚ ኣብ እትንቀፈሉ እዋን ፡ ነቲ ነታ ግጥሙ ዝተዋህባ ነቐፈታ እናንበበ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ግጥሙ ወይ ናይ መጻኢ ስርሓቱ’ዩ ከሰላስል ወይ ክሓስብ ዘለዎ ። ሓደ ገጣማይ ዝተዋህቦ ነቐፈታ ምሉእ ብምሉእ ይኣምነሉን ይቕበሎን ማለት ግን ኣይኮነን ፡ ብርዱእ መኽንያት ። ካብቲ ዝቐረበሉ ነቐፈታ ዝኸስቦ መኽሰብ ግን ብዙሕ’ዩ ። እዚ ኽኣ ኣብ ዝስዕብ ስርሓቱ ከንጸባርቖ ይኽእል ። ስለዚ ኣራምን ቅቡልን ነቐፈታ ወይ ህየሳ ፡ ልዕሊ’ታ እትንቀፍ ዘላ ግጥሚ ፡ነቲ ዝስዕብ ስራሓት ዋና እታ ዝተነቕፈት ግጥሚ ዘደልድልን ዘዕብይን ኣካል ጥበብ እዩ ብሃላይ እየ ። ስለዚ ፡ ኣብ መንጎ ሃያስን ገጣምን ምጉት ክልዓል ኣድላይነት ዘለዎ ኣይመስለንን፡ እንተተኸሲቱ ድማ ጥቕሙ ኣይርኣየንን’ዩ ብወገነይ ።
7;ሄለን ኣብርሃም~
ስነ ጽሑፍ ኣብ ፍልስፍናን ጥበብን ኣብ ጽላለን ብሕትውናን ምንባር እንድዩ ኣብ ውልቃዊ ሂወት ጽልዋ የሕድር ዩ ዶ ትብል?ብዙሓት ኣንበብቲ ንምፍራይ ሓጸርቲ ግጥምታት ግደ ኣለዎም ዶ? እዞም ክዳውንቲ ተኸዲኖም ካብቲ ጥበብ ኣቀዲሙ ቲ ስእሊ ዝገልጾም ከ ከመይ ትርእዮም? ምሰናይ ኣኽብሮት የቀንየለይ።
~ማይኮ
ሄሉ: ከምዝበልክዮ ስነ~ጽሑፍ ኣብ ፍልስፍናን ጥበብን ምንባር እንተኾይኑ ፡ ብርግጽ ፡ ብተዛዋዋርን ብቐጥታን ኣብ ውልቃዊ ሂወት ደቂ ሰባት ጽልዋ የሕዲሩስ ለውጢ ውን ይፈጥር’ዩ ።ርሑቕ ከይከድና ብቐሊሉ እንተተገንዚብናዮ እኳ ፡ poetry ናይ ተጠቀምቱ(ኣንበብትን ጽሓፍትን) ን common sense ሓፍ ናይ ምባል ዓቕሚ ኣለዎ ። ፍልስፍና ንደቂ ሰባት እኳ እንተዘይ ሰረሐ፡ ደቂ ሰባት ብምፍልሳፎም ግን እናሻዕ ግብራዊ ለውጢን ምዕባለን ኣብ ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን የርእዩ ። ጥበብ ድማ ከምኡ ፡ኣብዛ ሓድሽ ነገር ዘይርከባ ዓለምና ፡ ደቂ ሰባት ብዝተጣበብዎ መጠን ፡ ካብ ሓደ ነገር ካልእ ሓድሽ ነገር ይጥበብ ወይ ይምስራሕ ። ስለዚ ስነ~ጽሑፍ ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ፡ ኣብ ሂወት ደቂ ሰብ ጽልዋ የሕዲሩ መለሳ ውን ይፈጥር’ዩ ።
ጉዳይ ሓጸርቲ ግጥምታት ኣብ ምፍራይ ሰዓብቲ ግጥሚ ወይ ምፍራይ ብዝሒ ኣንበብቲ ዝበልክዮ ፡ ኪኖ ኣስተብህሎ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ ። ብንእሽቶ ትዕዝብቲ ግን ዝርኣየካ ነገር ኣሎ ። ኣብ ግጥሚ ክንዛረብ እንተኾይንና ፡ ብኣስተማቐርቲ ይኹን ብገጠምቲ ካብ ነዋሕቲ ግጥምታት ሓጸርቲ ግጥምታት ዝያዳ ይንበቡ ። ኣብ ትሕዝቶን ጽባቐን ዝተመርኮሰ ግን ኣይመስለንን ። ናይ ምንባብ ዓቕሊ ካብ ምውሓድ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ ። ኩልና ሞ ንነብስና ኣብዛ ጉዳይ የእቲና ንርኣያ ፡ እቲ ናይ ነፍስወከፍና መልሲ እዩ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ። እዋኑ….. ካብ ሰፊሕ ጽሑፍ ሐጺር ጽሑፍ ፡ ካብ ሓጺር ጽሑፍ ዝስማዕ ነገር ፡ካብ ዝስማዕ ዝርኣይ ፡ ሎም ሎም ድማ እቲ ብኾፍካ ምዕዛብ ውን ሃልኩ ስለ ዝበዝሓ ፡ ዝኾነ ነገር ብቐጥታ ናብ ሓንጎልና ዝጽዓነሉ(upload) ዝኾነሉ መንገዲ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ሰሚዓ ኣለኹ(ሓቂ ከይከውን ተስፋ ገብር) ። ብዝኾነ፡ ነገራት እናተራቐቑ ኣብ ዝኸድሉ ዘለዉ እዋን፡ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት እናዛሕተለ ይመጽእ ምስ ብምህላዉ፡ ኣብ ምስትምቓር ግጥሚ ውን ዓቢ ጽልዋ ከም ዝፈጥር ዘይምዝጋዕ ። እምበር ከም ሓቂ፡ ቁመት ዘይኮነ ዑምቀት ግጥምታት እዩ ብዝሒ ኣንበብቲ ኣብ ምስሳን ግደ ክህልዎ ዝግባእ ነይሩ ። በዚ ውልቃዊ ትዕዝብቲ’ዚ ድማ ሓጸርቲ ግጥምታት ውን ብዝሒ ኣንበብቲ የሰስን ኣሎ ዘይኮነስ ካብ ነወሕቲ ግጥምታት ንዝሃደሙ ኣንበብቲ ግጥሚ፡ግዝያዊ ዑቕባ ዝህብ ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ።
እዞም ክዳውንቲ ተኸዲኖም ካብቲ ጥበብ ኣቀዲሙ እቲ ስእሊ ዝገልጾም ዝበልክዮ፡እንተዘይ ተጋግየ ፡ ነቶም ኣሳእል ኣሰንዮም ዝጽሓፉ ዘለዉ ግጥምታት እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብዚ ዘለኒ ውልቃዊ ርእይቶ~
ምስ ግዜ ኣብ ዝፍጠር ምቅይያራት ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስነጥበብ ውን ግድን’ዩ ክርአይ ።በዚ መሰረት እዚ፡ ከም ኣብ ደርፊ ክሊፕን ኣብ ካልኦት ዓውዲ ውን ካልእን ፡ ኣብ ግጥሚ ውን እንተኾነ ፡ ስእሊ ጥራሕ ዘይኮነ ፡ምስቲ ግጥሚ ተሳንዩ ስሓብነት ንኽፈጥር ተባሂሉ ዝዳሎ ተንቀሳቃሲ ስእሊ(video)፡ ነቲ ዜማ ናይቲ ግጥሚ ስምዒት ብዝውስኽ ኣገባብ ብመልክዕ ድምጺ ኣንቢቡ ዘቕርብ(audio)ን ካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ነገራት ምስ ግጥሚ ክሳነዩ ምግባር ጉድኣት ከኸትል’ዩ ዝብል ፍርሒ የብለይን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተንከፍናዮ ጉዳይ ምስሳንን ምጽናትን ኣንበብቲ ከመዓራርይ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት እዩ ዘለኒ ። እቲ ጥንቃቐ የድልዮ እዩ ዝብሎ ኣነ ፡ ነቲ ግጥሚ ምስቲ ትውስኸሉ ዘለኻ ነገር፡ ነቲ ግጥምን ትሕዝትኡን ብዘየበላሹ መንገዲ ብኸመይ ተሳንዮ ፡ ከምኡ ውን : ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ነገራት ክግበረሎም ዘድልዮምን ዘየድልዮምን ዓይነት ግጥምታት ፈላሊኻ ብምልላይ ምስ ብቕዓቶምን ዕምቆቶምን ፡ ኣብ ባቡር ግዜ ተወጢሖም ብሓዲድ ጥበብ ከም ዝውንጨፉ ምግባር’ዩ ።
8 ዛራ ገጠምቲ~
መብዛሕትኡ ግዜ ገጠምቲን ኣስተማቐርቲን ከምኡ ውን ሃየስቲ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግጥምታት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣለዎም። እስከ፡ ሓንቲ ሓጻር ግጥምን ሓንቲ ካልእ ነዊሕ ግጥምን ኣየነአን ትበልጽ ከነወዳድር እንተድኣ ደሊና ፡ በነናይ ኣገባብ ኢና ክንመዝነን ዘለና ፧ ኣብነት ሩሑቕ ከይከድና ንኣባላት ዛራ ንጹር ስእሊ ክኾነሎም መታን ። ናይ ኣባላትና ማለት ገጣሚ ያሬድን ከምኡ ውን ናይ ገጣሚ ቦኽረን ንወሰድ እሞ። ንሰኻ ከም ማይኮ ከመይ ኮን ይኸውን ውልቃዊ ርእይቶኻን: ኣብ ልዕሊ ግጥምታቶምን ዝኽተሉዎ ቐድን ?
~ማይኮ
ሓጸርትን ነዋሕትን ግጥምታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ጽባቐ ሒዞም ክቖሙ ይኽእሉ ፡ ብግቡእ እንተድኣ ተሃኒጾም ማለተይ’የ ። ሓድሕዶም ከነወዳድር እንተድኣ ፈቲንና ግን ሕጽሮም ወይ ንውሓቶም ከም መምዘኒ ክውሰድ ዝክኣል ኣይኮነን ። ነፍሲ ወከፎም ከም ዓይነታት ኣጸሓሕፋ ከምዝኖም ዝኽእል ፡ ኣቀራርባ ትሕዝቶ ፡ ኣጠቓቕማ ረምታ ናዕታ ፡ ቀርጸ~ኣቀራርባ ፡ ትሕዝቶ ፡ ኣጠቓቕማ ውክልና ፡ ኣበሃህላታትን ካልእ ዝተረፈ ኩሉ መምዘኒታት ብማዕረ ክኸውን ይግባእ ። በዚ መምዘኒ’ዚ ነብሶም ዝኽኣሉ ቅድታት ኣጸሓሕፋ ሙኻኖም ክንግንዘብ ንኽእል’ሞ ፡ ብዘዝተኸተልዎ ዓይነት ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ፡ ጥበባዊ ትሕዝቶታቶም ክንፍትሾም ንኽእል፡ በዚ መንገዲ እዚ ፡ ሓንቲ ግጥሚ ቅድሚ ምስ ካልእ ግጥሚ ምውድዳርና ፡ቅድም ምስ ገዛእ ርእሳ ከነወዳድራ ኣለና ፡ ማለት እታ ግጥምን ኩሉ መዳያዊ ብቕዓታን ክንፍትሽ ይግባእ ።
ካልእ ፡ ካብቲ ቀንዲ ኣብ ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ብቐረባ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ዓይነታት ግጥሚ ዝፍጠር ምድንጋር ሓደ ጉዳይ ቁጡብነት ክጥቀስ ይክኣል ፡ ቁጡብነት ንኽልቲኦም ብማዕረ’ዩ ዝብጽሖም ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ግጥሚ ቑጡብነት ከንጸባርቕ ክኽእል ኣለዎ፡ ንኣብነት ኣስታት 3 ገጻት ዝኸደ ነዊሕ ግጥሚ ኣብ ቁጡብነት ሓያል ብቕዓት ከንጸባርቕ ይኽእል ፡3 መስመር ዝንውሓቱ ኣዝዩ ሓጺር ግጥሚ ውን ከምኡ ብቑዕ ናይ ቁጡብነት ክእለት ከርእይ ይኽእል ። በንጻሩ ድማ ከምቲ ኣብ ነዊሕ ግጥሚ ድኽመት ቁጡብነት ክንጸባረቕ ዝኽእል ኣብ ሓጺር ግጥሚ ውን እንተኾነ ከምኡ ድኽመት ቑጡብነት ክርአ ይኽእል ። ስለዚ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይቲ ዋሕዚ ዘይኮነ ፡ መረጻን ኣጣቓቕማን ቃላት በቲ ተሃኒጹ ዘሎ ቅርጺ ነቲ ዝነቐለ ሓሳብ ብግቡእ ምንጽብራቕ እዩ ።
ስለዚ ነዞም ከም ኣብነት ዝተጠቕሱ ክልተ ገጠምቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እንተርኢና ፡ ቦኽረ~ ናቶም ቅርጺ ዘለዎምን ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዛናትዋ ዝኽተሉን ንውሕ ዝበሉ ጽቡቓት ግጥምታት ብብዝሒ ክጽሕፍ ኣስተብሂለ ኣለኹ ፡ ያረድ ውን ከምኡ~ሕጽር ሕጽር ዝበሉ ፡ ተመሳሳሊ ዓቕን ንውሓት ቃላት ዘዘውትሩ ፡ፍልስፍናዊ ነገራት እናካተቱ ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣባሃህላታት ዘንጸባርቑ ጽቡቓት ግጥምታት ከፍርይ ርእየዮ ኣለኹ ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ፡ ሓጸርትን ነወሕትን ግጥምታት ፡ ተወዳዳርነቶም በብ ዝተኸተልዎ ቅዲ ኣብ ትሕዝቶኣዊ ብቕዓታቶም ድኣ’ምበር ኣብ ቁመቶም ኣይኮነን ። ካብዚ ወጻኢ ግን ፡ ብናተይ ትዕዝብቲ ፡ ሓጸርቲ ግጥምታት ፡ ገደብ ሕጽረቶም ጥሒሶም ነቲ ዘበገስዎ ገዚፍ ሓሳብ ብግቡእ ክገልጹ ስለ ዝግብኦም ፡ ዝያዳ ጥንቓቐን ጻዕርን ዝሓቱ ኮይኑ ይርድኣኒ ።
9;ውቕያኖስ ጉዑሽ~
ሸሊ ዝብሃል ኢንግሊዛዊ ገጣምን ሃያስን ሌጣ (PROSE) ጽሕፉን ስነ- ግጥምን ኣብ ምሕራይ ኣመልኪቱ “ሌጣ ጽሑፍ ቃላት ኣብ ብሉጽ መስርዕ እንክሕዝ : ሰነ ግጥሚ ግን ሕሩያት ቃላተ ኣብ በሉጽ መስርዕ ይሕዝ” ይብል ። ዝተደርበዩ ቃላት ብምትሐተዊ ሓይሊ ገጣሚ ረዚን ግጥሚ ክስረሐሎም ኣይካኣልን ድዩ? ኣስዒበ ከኣ: ገለ ሃየስቲ “ግጥሚ ኣብ ምትርጓም ትሃስስ እያ “ይብልዋ። ኣብዚ እንታይ ትብለና?
~ማይኮ
ውቅያኖስ: እቲ ንሱ ዝበሎ ቅኑዕ እዩ ። ሕሩያት ቃላት ክብል እንከሎ እኮ ፡ነብሲ ወከፍ ዝተመርጸ ቃል ኣብ ሕድሕዱ ውህደትን ምትእስሳርን ብምፍጣር ፡በቲ ክተትሕዞ ደሊኻ ዘለኻ ቕርጸ~ግጥሚ ተማእዚኑ: ነቲ ዘበገስካዮ ሓሳብ ብግቡእ ከንጸባርቕ እንተበቒዑ’ዩ ሕሩይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ።ብመንጽር’ዚ ድማ ነቲ ክብሃል ዝተደልየ ነገርን መሪጽካዮ ዘለኻ ኣባሃህላን ብግቡእ ክገልጽን ንጹር ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ብቑዕ ኮይኑ ክርከብን፡ ከምቲ መረጻ ፡ ኣብ ኣሰኻኹዓ ውን ብሉጽነት ብምፍጣር ጽቡቕ ግጥሚ ክፈጥር ይኽእል ። ዝኾነ ሓሳብ ከይተበገሰ ንቓላት ሕሩያትን ዘይሕሩያትን ኢልና ክንፈላልዮም ዝክኣል ኣይመስለንን ። ሓደ ሓሳብ ብምብጋስ ክንጽሕፍ ኣብ እንጅምራሉ እዋን ኢና ነቲ ሓሳብ እቲ ብብቕዓትን ጽባቐን ከንጸባርቕ ዝኽእል ቃላት ሕሩይን ዘይሕሩይን ኢልና ፈላሊና ክንመርጾ እንኽእል። ስለዚ ሓሳብ ኣበጊስና ድኣ’ይና ቃላት ንመርጽ እምበር ፡ ብተናጸል ቃላት መሪጽና ኣይኮንናን ሓሳብ ነበግስ ፡ ካብ ፍሉይ ኣባሃህላ ዝውንን ሓረግ ተበጊስካ ሓደ ግጥሚ ምስራሕ ግን ዝክኣል መስለኒ ፡ ኣብዚ ውን ኣቐዲምካ ቃላት ኣይትእክብን ኢኻ ። ስለዚ ድማ ፡ዝብሃል ዘይብልና ወይ ዝኾነ ኣበሃህላ ከየበገስና ፡ ብሓፈሽኡ ንቓላት~ ምሩጻትን ዘይምሩጻትን(ዝተደርበዩን) ኢልና ክንጎጃጅሎም ዝክኣል ኣይመስለንን፡ ካብ ዝተበገሰ ሓሳብ ወይ ኣበሃህላ ነቂልና ፡ ብመንጽር እታ እንጽሕፋ ዘለና ግጥሚ ድኣ’ምበር ። ስለዚ እቶም ዝተደርበዩ ዝበልካዮም ቃላት ኣየኖት ምኻኖም ዝፈልጦ ነገር እኮ እንተዘይ ሃለወኒ ፡ ንዓይነት ሓሳብካን ክትብሎ ዝደለኻ ነገርን ዕላምኡ ብግቡእ ብዘንጸባርቕን ጽባቐ ጥበብ ብዘርእይን ኣገባብ ብቕዓት መረጻ ቓላት(word selection) ብምጥቓም ፡ ምትሃታዊ ሓይልኻ ኣብ ምጽሓፍ ረዚን ግጥሚ ከተርእይ ዝክኣል ኮይኑ ይስምዓኒ።
ኣይትሓዘለይ ድኣ’ምበር ፡ ሃየስቲ~ ”ግጥሚ ኣብ ምትርጋም ትሃስስ’ያ” ይብልዋ ዝበልካያ፡ ብ~ ”ሓንቲ ግጥሚ ኣብ ምትርጋም እንተድኣ ሃሲሳ ድኽምቲ’ያ” ይብልዋ ። ኣስተኻኺለ ክምልሳ ክፍትን’የ ። እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ብቐጥታ ንሓደ ካብ ኣገደስቲ ባእታታት ማለት: ጉዳይ ኣድማሳውነት (universality) ትምልከት እያ ። ርእሰ ነገር ናይ ሓንቲ ግጥሚ ፡ ንገጣሚኣ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹነታት ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ዝትንክፍ ክኸውን እንተኺኢሉ ፡ እታ ግጥሚ ናብ ካልእ ቋንቋ ምስ እትትርጎም ውን ትሕዝቶኣ ንኣንበብታ ከምዘለዎ ክንጸባረቐለሎም ወይ ክርድኦም ይኽእል’ሞ ከምዘላቶ ጽባቐኣ ከይሃሰሰ ደው ኢላ ክትቀውም ትበቕዕ ። ስለዚ ድማ’ዩ ጉዳይ ኣድማሳውነት ኣብ ግጥሚ ከም ኣገዳሲ መምዘኒ ዝውሰድ። ካብዚ ወጻኢ ግን ፡ ሓንቲ ግጥሚ ጉዳይ ኣድማሳውነት ኣብ ግምት ከየእተወት እንተተሃኒጻ ፡ ናብ ካልእ ቃንቃ ኣብ እትትርጎመሉ እዋን ፡ ግድነት’ያ ክትሃስስ ። ካልእ ሓንቲ ግጥሚ ምስ ምሉእ ኣድማሳዊ ትሕዝቶኣ ናብ ካልእ ቋንቋ ክትትርጎም ኣብ ዝፍተነሉ እዋን ፡ ብ ድኽመት ቶርጓሚኣ እንተድኣ ጉድኣት ስዒብዋ ግን : ናይታ ግጥሚ ድኽመት ስለዘይኮነ~ካልእ ኣርእስቲ እዩ ። የቐንየለይ ውቅያኖስ !
10;ፍረወይኒ ሺሻይ~
ስነ—ጥበብ በፍላይ ግጥሚ ንማይኮ እንታ እዩ? ብኸመይ ከ ምገለጾ ። የቐነለይ …
~ማይኮ
ፍረወይኒ :ከምቲ ጠቢብ ሰለሞን ዝበሎ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን ። ጥበብ ድማ : ነቲ ዘይሓድሽ ነገራት ካልእ መልክዕ እናትሓዝካ ሓድሽ ነገር እትፈጥረሉ ኣገባብ እዩ ። ኣብ ልዕሊ ህሉዋት ነገራት ምጥባብ፡ ነቶም ነገራት ካልእ ምስሊ ኣትሒዝካ ሓድሽ ነገር ምፍጣር ስለ ዝኾነ ፡ ንዝተሰርሓ ነገር ካልእ ቕርጺ ፈጢርካ ምምስራሕ ፡ ንዝተባህለ ነገር ድማ ኸምኡ ካልእ ኣበሃህላ ተጠቒምካ ፍሉይነት ምልባስ ።ስለዚ ስነ~ጥበብ ፡ ሓደ ካብቶም ሓድሽ ነገራት እትፈጥረሎም ዓይነታት ጥበብ እዩ ንዓይ ። ግጥሚ ድማ ሓደ ካብ ዓይነታት ስነ~ጥበብ ። መጠን ዓቕመይ ነቲ ሰፊሕ ዓውዲ ስነ~ጥበብ ብኸምዚ ጥራሕ እየ ክገልጾ ዝኽእል ። ንግጥሚ ግን ፍልይ ኣቢለ ከምዝመስለኒ ክገልጾ እንተድኣ ኾይነ ፡” እናመለኽካዮ ብዝኸድካ መጠን ፡ እናፈራሕካዮ እትመጽእ ክፋል ጥበብ’ዩ ። ” ማለት ኩሎም ካልኦት ዓይነት ብትምህርቲ ይኹን ብተሞክሮ ዝተጠርዩ ሞያታት ፡ እናመለኽካዮም ኣብ እትኸደሉ እዋን ብመንጽሩ ድማ ዝያዳ እናደፈርካዮም ኢኻ እትመጽእ ። ግጥሚ ግን በንጻሩ ኮይኑ ይስምዓኒ ንዓይ ፡ ስለዚ ድማ’የ ፡” እናመለኽካዮ ብዝኸድካ መጠን ፡ እናፈራሕካዮ እትመጽእ ክፈል ጥበብ’ዩ ። ” ኢለ ክገልጾ ዝደፈርኩ ። የቐንየለይ ፍረወይኒ !
11; ዮውሃንስ ኣብራሃም~
ሰላም ማይኮ፤ ተድንቖም ኤርትራውያን ገጠምቲ ወይ ብንጽል ተድንቐን ግጥምታት እንተትነግረና? ኣስዒብካ ስለምንታይ ከ?
ማይኮ~
ጆን ፡ ብዙሓት ዘድንቖም ናይ ትግርኛ ግጥምታት እዮም ዘለዉ ። ነቲ ዘደንቐኒ ግጥምታት ዝጸሓፉ ኣዝዮም ንፉዓት~ ንኣሽቱን ዓበይትን ፡ ገዳይምን ሓደሽትን ገጠምቲ ድማ ብመንጽሩ ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ፡ ነቶም ገጠምቲ ብኸመይ የድንቖም ፡ ነቲ ኣነ ዘድንቖ ግጥምታቶም ውን ስለምንታይ የድንቖ እዩ። ኣድንቖት ካብ ተምሳጥ ወይ ሰሓብነት ዝምንጩ ከም ሙኻኑ መጠን ፡ ብመንጽር ዘሕድሩለይ ተምሳጥ የድንቖም ። ካብ ባህሪ ክኸውን ይኽእል መብዛሕትኡ እዋን ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦም ወይ ገጢሞምኒ ዘይፈልጡ ነገራት እንክገጥሙኒ ይምስጡኒ’ሞ ይድነቕ ። ኣብ ግጥሚ እንተመጺና ድማ ፡ ዳርጋ ኩሉ እዋን ፍልይ ዝበለ ሓሳባትን ኣባሃህላን ሒዞም ዝመጹ ግጥምታት ይምስጡኒ ፡የድንቖም ድማ ። ስለዚ ድማ’የ ነቶም ፍሉይ ሓሳባት ኣበጊሶም ፡ ፍልይ ዝበለ ኣበሃህላ እናተጠቕሙ ንዓይ ዝምስጥ ግጥሚ ዝፈጥሩ ገጠምቲ ዘድንቖም ። የቐንየለይ ጆን !
12ዛራ ገጠምቲ~
“ግጥሚ ከም ዘራእቲ ወቕቲ “ኣለዎ ይባሃል ። መለት ሓንሰብ ሓንሰብ ናይ ምጽሓፍ ዎንኻ ጨሪሹ ይቕህም እሞ ክሳዕ ” ንሙዃኑ ገጣሚ ድየ “ኢልካ ምስ ነብስኻ ትሟጎተሉ እዋን ኣሎ። እዚ ግዜያት እንታይ ኢልካ ምገለጽካዮ? ናብ ንቡር ንምምላስ ትጠቐመሉ ሜላ ኸ እንታይ ኣሎ ?
ካልእ ፡ ኣብ ጉዳይ ውስጠዘን ኣጠቓቕምኡን ኣመልኪትካ ፡ ኣብ ገጠምቲ ትግርኛ ዘሎካ ዓቕሚ~ነብሳዊ ትዕዝብቲ ኣካፍለና ።
ማይኮ~
ከም ዝማእማኣኒ እንተኾይኑስ፡ ሓጋይ ዶ ኽብሎ!፧ ድርቂ ክኣ ከም ሳጓ ክውስኸሉ !(ላግጺ’ዩ)።
ኣነ ከም ዝርድኣኒ ዝጽሓፍ ይኹን ዝዝረብ ኮታስ ካብ ውሽጢ ንግዳም ዝወጸእ ነገር እንተድኣ ተሳኢኑ ፡ ዝተጻሕፉ ምንባብ ፡ ምስማዕ ፡ ምዕዛብን ካልኦት ንዐኦም ዝኣመሰለኡ ካብ ግዳም ንውሽጢ ዝኣትዉ ነገራት ሃሰው ምባል ሓሳባት ኣፈልፊሉ ናይ ምጽሓፍ ወኒ ከምጽእ ብዙሕ ተኽእሎ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ። ስለዚ ከም ሜላ’ኳ ዘይኮነ ፡ ከም ልሙድ መዓልታዊ ንጥፈታት ምዝውታሮም ሓጋዚ እመስለኒ።
ውስጠ~ዘ ፡ ዘልዐልካዮ ወይ ክትብሎ ዝደለኻ ሓሳብ ኣብ ሓደ ካልእ ነገር ሶኺዕካ ወይ ኣምሲልካ ዓሚቕ መልእኽቲ እተመሓላልፈሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እዩ ። ብውልቀይ ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍተዉኒ ዓይነት ኣቀራርባ ግጥሚ እዩ ። ከም መሕብኢ ብህሎኻ ጥራሕ ዘይኮነ ውን ፡ ምስናይ ዕምቆት ትሕዝቶኡ ፡ ሓደ ግጥሚ ግቡእን ስሩዕን ውሽጣዊ ቅርጺ ንኽሕዝ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ባእታ ከም ሙኻኑ መጠን ፡ ኣነ ውን ብዓቕመይ ክጥቐመሉ እፍትን’የ ። ብንእሽቶ ትዕዝብቲ ኣጠቓቕምኡ ኣብ ገጠምቲ ቋንቋ ትግርኛ ክርእዮ እንከለኹ ፡መብዛሕትና ድኽመታት ዘሎና ኮይኑ ይርኣየኒ፡ ገለ ካብቲ ርኡይ ድኽመታትና ድማ ፡ ነቲ ክትሃንጾ እትደሊ ዘለኻ ውስጣዊ መልእኽቲ ምስ ዋሕዚ ሓረጋት ብስሩዕ ዘይምውህሃድ(ዘይምስናይ) ፡ ምብትታኽ ኣባሃህላታት ብመንጽር ሓሪኻዮ ዘሎኻ ብህሎ ፡ መስርሕ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን ተመሪጹ ዘሎ ምምስሳል ምስ ትሕዝቶ ናይታ ግጥሚ(ጀሚራ ስጋብ ትውድእ) ዘይምስናይ፡ ጉድኣት እዞም ኩሎም ጉድለታት ተደማሚሩ ድማ ፡ መልእኽቲ ናይታ ተሃኒጻ ዘላ ግጥሚ ኣብ ውሽጣ ኣጥፊኡ ዘይንጹርነት ትሕዝቶ የኸትል ።
ብዝያዳን ስፍሕ ብዝበለን ኣብ ቀጻሊ ፡ ነዚ ዝምልከት: ብኽኢላታት ናይዚ ዓውዲ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ሃሰስ ኢለ ናብዚ ገዛ ከብሎ ተስፋ ‘ገብር ። የቐንየለይ !
ንሕና ውን ኣዚና ነመስግን ገጣማይ ማይኮ ተኽለ
ዛራ~ገጠምቲ
04~2016