ዛራ ገጠምቲ፡
ኣቐዲምና ፡ ዕላማ እዛ መደብ ብምርዳእ ብዘቕረብናልካ ዕድመ መሰረት ኣብ ስነ-ጥበብ ዘተኮረ ተመኩሮኻ ከተካፍለና ድሉው ምህላውካ ብሽም ዛራ ገጠምቲ ኣዚና ነመስግነካ ። ብምቕጻል፡ እስከ ዕላልና ምስ ነብስኻ ብምልላይ ባዕልኻ ፈልመልና።
*የውሃንስ፡
ዘላትኒ ንእሽቶ ተመክሮ ከካፍል ስለ ዝዓደምኩምኒ የቐንየለይ። ኣብ ከባቢ 2008 ኢዩ ‘መስለኒ ናብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበራ መራኸቢ ብዙሃን ግጥምታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ሒዘ “ዮሃንስ ኣብርሃም(ጆኒ ኣፍሮ)” ብዝብል ስም ክቀላቐል ጀሚረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክሳብ ከባቢ 2012 ብዙሓት ካብ ግጥምታተይን ሓጸርቲ ዛንታታተይን ኣብ መድያታት ውሽጢ ሃገር ናብ ኣንበብቲን ሰማዕቲን በጺሖም። ኣብ 2013 ካብ ኤርትራ ወጺአ። ፍቕሪ ስነጥበብ ሓንሳብ ምስ ለኸፈካ ዘይገድፍ ብምዃኑ ግን እንሀለ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዙርያኡ የዕነንየኒ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ወሰነ-ወሰን ኢየ ዝብል ዘለኹ። ናብ ማእከሉ ክኣቱ ጌና ድፍረት ኣይረኸብኩን። ጓህሪ ውሽጠይ ብሓመኹስቲ ደጒለ እጎዓዝ ኣለኹ።
– ኤማ ጸጋይ፡
ስነ-ጥበባዊ ዮውሃንስ ኣብርሃም መጀመርታ ክሓተካ ዝደሊ ነዚ ኣብዚ ዘለካዮ ደረጃ(ኣብ ስነ-ጥበብ) ማለተይ’የ፡ ንክትበጽሕ ዘሕለፍካዮ ገድሊ ክትጸውየልና ምደለኩ። ካልኣይ ከኣ ግጥሚ ኣብ ሂወትካ እንታይ ተራ ተጻዊቱን ይጻወትን ኣሎን ገለ እንተትብለና ። የቐንየለይ !
* የውሃንስ፡
ነቲ ስነ-ጥበባዊ ሸነኽ ተመክሮይ ካበይ ጀሚረ ከም ዘላልዮ ሓርቢቱኒ ኣሎ፣ ምኽንያቱ መዓስ’የ ምስ ስነ-ጥበብ ተፋሊጠ ንባዕለይ’ውን ክምልሶ እኸብደኒ ኢዩ። ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ ፍቕሪ ምንባብ ናይ ፈጠራ መጻሕፍቲ ነይሩኒ። ኣብ ብሕተይ ምስ ሕቶ ትርጉም ሂወት ኣብ ቀጻሊ ገድሊ ስለዝነበርኩ ድማ ናይ ሃይማኖትን ፍልስፍናን መጻሕፍቲ ጎድኒ ጎድነይ የሰንዩኒ ነይሮም። እቲ ምጉንናጽ ስምዒታትን ሓሳባትን ናብ ስነጥበብ ገጹ ይወስደኒ ከምዝነበረ ግን ግምት ኣይነበረንን። ክሳዕ መወዳእታ ዓሰርተሓደ ክፍሊ ክጽሕፍ ወይ ክገጥም ፈቲነ ኣይፈልጥን። ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ(2002) ንመጀመርታ ግዜ ስምዒታተይን ሓሳባተይን ኣብ ወረቐት ክምዝግብ ጀሚረ። ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምስ ኣተኹ ገለ ውሑዳት ግጥምታት ድየን ካልእ መንነተን ዘይፈለጥክወን ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝሓናጠጥክወን ትፍኣታት-ስምዒት ነይረን። ብ ዮናታን ሙር ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ናይ ስነጽሑፍ መምህር እትካየድ ናይ ንባብ ክለብ ኣባል ስለ ዝነበርኩ ሓንቲ መዓልቲ ነተን ጽሑፋት ኣርእየዮ። ምስ ግጥሚ ዝምደባ ድየን ኣይኮናን ከረጋግጸለይ ኢየ ደልየ። መጀመርታ ናእዳ ለጊሱ ናብ ላይብረሪ ሒዙኒ ከይዱ። ሕጂ ዘይዝክራ ብዛዕባ ግጥሚ እትገልጽ መጽሓፍ ኣርእዩኒ። ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ’ቲ ናይ ኢንጂነሪንግ ትምህርተይ ግዜ እናሃብኩ ግጥምታት ደገ ከንብብ ጀሚረ። ኣብ መጀመርታ ምስቲ ሕጽረት ቋንቋን ክብደት ግጥሚን ተደሚሩ ንባዕሉ ካልእ ቃልሲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ግጥሚ ግን ልዕሊ ብቓላት ዝግለጽ ካልእ መንፈሳዊ ርቀት ስለዘሎ ቋንቋ ዘይዕንቅጾ ምርድዳእ ኣሎ፣ ከምኡ እናበለ መመሊሱ ናብ ውሽጡ ኣጥሒሉኒ። ብድሕሪዚ ውልቃዊ ስምዒታተይ ዝያዳ ብቋንቋ ትግርኛ ብግጥሚ ከስፍሮ ጀሚረ – ኩሉ እዚ ግን ኣብ በይነይ ኢዩ። ዳሕራይ ድማ ንውሑዳት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ ንገሊኡ ከርእዮም ጀሚረ።
ናብ 2008 ንንጠር። ናብ ዓንኬል ስነጽሑፍ ኤርትራ ምእታው ከምዘድልየኒ ወሲነ። ነዚ ድማ ሓንቲ ሃማማተኤ ዝውድባ ዝነበረ ስልጠና ስነጽሑፍ ብምእታው ጀሚረዮ። ኣዱላይት እትበሃል ክለብ ጽሑፍ ኣቚምና ድማ ክሳብ ሕጂ ብናፍቖት ዝዝክሮ መጋርያ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ክንስሕን ጀሚርና። ተወሳኺ ድማ ኣብታ ዓመት ‘ሓውን ሞትን’ ከምኡ’ውን ‘ጉዐይ ሰይተረፈ’ ዝብላ ግጥምታተይ ካብተን ኣብ ፈስቲቫል ሳዋ ናይ 2008 ካብ ዘባ ማእከል ተወዳዲረን ዝተመርጻ ስለዝነበራ ምስቶም ሽዑ ኣብ ዓንኬል ስነ-ጥበብ ንጡፋት ዝነበሩ ስነጥበባውያን፣ በዓል ግርማይ ኣብርሃም፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ ዘመንፈስ ሃይለ፣ ሄኖክ ተስፋብሩኽ፣ ካልኦትን ተላልየ፣ ምስ ገሊኦም’ውን ምዉቕ ስነ-ጥበባዊ ዕርክነት ክፈጥር ክኢለ። ድሒሩ ግን ካብኣቶም ዳርጋ ፍርቆም በቲ ስርዓት ተኣሲሮም፣ ንኹልና ድማ ክሳራ ኮይኑ። ጽንሕ ኢሉ እቲ ምኽንያቱ ዘይፈለጥናዮ ጭውያ ናብታ ጉጅለና’ውን መጺኡ። ብተደጋጋሚ ማእሰርቲታት ናይ ኣባላታ ሞራላ ተሰይሩ ፋሕፋሕ ክሳብ ትብል ድማ ኣዱላይት ግርም መኣዲ ፍቕሪን ምድርራኽን ኮይናትና ነይራ።
ክሳብ ሕጂ ንስነ-ጥበብ በይኑ ኢለ ጥራሕ ዘሕለፍክዎ ገድሊ ኣሎ ኣይብልን፣ ኩሉ’ቲ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ነብሰይ ክረክብ ዘሕለፍክዎ ገድሊ ገይረ ጥራሕ ኢየ ዝሓስቦ። ንስነ-ጥበብ ኢለ ገድሊ ከሕልፍ እንተኾይነ ብሕጂ ኢዩ።
ግጥሚ ወይ ስነ-ጥበብ ኣብ ሂወተይ እንታይ ተራ ተጻዊቱ ንዝብል፣ ንሂወት ምስ ኩሉ መልክዓታ ክቕበላን ከፍቅራን ገይሩኒ፣ እቲ ስነ-ጥበባዊ ኣመለኻኽታይ ድማ ቅዲ ምንባረይ ኮይኑ ኣብ ኩሉ መንብሮይ ጽባቐ ክፍትሽን ክረክብን የኽእለኒ። ብሓጺሩ፣ ስነ-ጥበብ ምልኣት ሂቡኒ ክብለካ እኽእል፣ ምኽንያቱ ጽባቐ፣ ፍልስፍና፣ ሃይማኖት፣ መንፈሳውነት፣ ነገራውነት….ኩሉ ኣብ ትሕቲ ስነ-ጥበባዊ ዓለም ብህደት ተጸናቢሩ ክረኽቦ ስለዝኸኣልኩ።
– ኣጋፐ በረኸት፡
ሓንቲ ግጥሚ ንኽትጽሕፍ ክትሕልን ከሎኻ፡ መበገሲኻ ካበይ እዩ፧ ካብ መጽሓፍቲ፡ ምስላ፡ ትዕዝብቲ፡ ወይስ ባዕለ-ኣስተንትኖ ፧ ቅድሚ ኣብ ጽሑፍ ምስፋርካ ኸ፡ ኣብ ውሽጥኻ ተኳማስዖም ዶ ፡ትጎስዕ ዶ ኸ ፧ እንተ ዘይዓጊብካሎም ከ፡ ትትፍኦም ዶ ወይስ “ደለ ይዂኑ! ፡ ጥሜት ከሎ ‘ታይ ከይብሎም! ” ቢልካ፥ ብምግዱራት ቃላትን ዘይበሰለ ሓሳብን ተጠቅሊሎም እናሃለዉ፡ ስቅ ኢልካ ትውሕጦም ፧ እስከ ብስነጥበባዊ ኣገባብ ሕቶታተይ ጥርንፍ ኣቢልካ ገለ በለና ።
* የውሃንስ፡
እቲ ኣብ ፈለማ ግጥሚ ምጽሓፍ ክጅምር እንከለኹ ዝያዳ ካብ ውልቀ-ስምዒታተይን ውልቀ-ኣመለኻኽታይን ተበጊሰ ኢየ ዝጽሕፍ ነይረ። ምኽንያቱ ንሱ ይቐርበኒን ይቐለኒን ስለዝነበረ። ምስ ግዜ ግን እቲ ግጥሚ ናይ ምንዳቕን ቅርጺ ምትሓዝን ስራሕ ኣእምሮኻ እናተለማመዶ ስለዝኸይድ ካብ ትዕዝብቲ ከባቢኻ ይኹን ተመክሮ ካልኦት ክትጽሕፍ ዝቐለለ ይኸውን። ትኹረትን ዕምቆትን ስነ-ጥበባዊ ኣዒንትኻ ኢዩ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኸውን። በዚ መሰረት፣ ኣብ ኩሉ ነገራት ተሞርኪሰ ኢየ ዝጽሕፍ፣ ዝኾነ ይኹን ግን መጀመርታ ናብ ውሽጠይ ኣእትየ ስለዘኾምስዖ ናተይ ኣመለኻኽታ ወይ ኣስተንትኖ ሒዙ ምውጻኡ ኣይተርፎን።
ግጥሚ ቅድሚ ኣብ ወረቐት ምስፋሩ’ውን መልክዑ ኣብ ስእለ ኣእምሮኻ ትፈልጦ ኢኻ። ነቲ ስምዒትን ሓሳብን ብትኽክል ዝስከሙለይ ቃላት ወይ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ወይ ዜማ እንተዘይረኺበ ግን እታ ግጥሚ ፈጺማ መቐረት ኣይትህበንን። ፈለማ ንውልቃዊ ዕግበተይ ኢለ ስለዝጽሕፎ ድማ ተጸሚመ ዘይዓገብኩሉ ቃላት ዝውሕጠሉ ግዴታ የብለይን። ዝተፈላለዩ ገጠምቲ ከከም ዓቕሞም ዝፈላለ ድምቀት ጽባቐ ዘለዎ ስራሕ ከምዘቕርቡ ርዱእ ኢዩ – ኩሉ ደደረጃኡን ገግዜኡን ኣለዎ፣ ግና’ኸ ንባዕልኻ ዘይዓገብካሉ ክነስኻ ንሰብ እንታይ ከይብሎም ኢልካ ምቕራብ ክብሪ ስነጥበብን ክብሪ ነብስኻን ዘጉድል ጥራሕ ኢዩ።
– ዛራ ገጠምቲ$
ብዙሓት ገጠምቲ ከከም ዝማእምኦም ስርዓተ ነጥቢ ክጥቀሙ ይርኣዩ። እስከ ብፍሉይ ኣብ ስርዓተ ነጥቢ ብምቱካር ፡ ቅርጡው ሕጊ ስርዓተ ነጥቢ ኣብ ስነ-ግጥሚ ከመይ እዩ ፡ ምስ ኣገዳስነቱ ኣተሓሒዝካ ብሰፊሑ ርእይቶኻ ሃበና ።
* የውሃንስ፡
ብናተይ ውልቃዊ ርድኢትን ድሌትን፤ ግጥሚ ዝያዳ ካልእ ኣካላት ስነ-ጽሑፍ ናይ ስርዓተ ነጥቢ ሕጋጋት ክሰብር መሰል ኣለዎ። ብመጀመርታ፣ ብባህሪኡ ቅርጡው ስለዝኾነ ናይ ስርዓተ-ነጥቢ ሕጋጋት ሓሊኻ ኣይሓሊኻ ከም ኣብ ስዲ ጽሑፍ ክስዕብ ዝኽእል ምድንጋር ኣብ ግጥሚ ኣይፍጠርን ኢዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ውሽጢ ግጥምኻ ናይ ባዕልኻ ስርዓተ-ነጥቢ ክትምህዝ እንተኽኢልካ’ውን ጌጋ ኣይኮነን – ግን ምስ ህርመት ግጥምኻ ዝሳነ ምዃኑ ከተመስክር ኣሎካ። ብዉሑዱ ግን ረምታ፣ ሓሳባት ዘዕርፉሉ ቦታ፣ ሓሳባት ዝዓጽዉሉ ቦታ፣ ክጽቀጡን ክፈኹሱን ዝድለዩ ቃላት፣ መሰጋገሪ ስቕታ… ኣብታ ግጥሚ ክምልከቱ እንከለዉ ዝበለጸ ውጽኢት ይህቡ።
– ወልደኣብ ኣብራሃ፡
ብዙሕ ዘንብብ ብመጠኑ ብዙሕ ዕብየት የርእይ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ጆን ኣብዚ እንታይ ረይቶ አለካ ፧እንተድኣ ከምናተይ እምነት ኣለካ’ሞ ኣብ ግብሪ ትጥቀመሉ እንተድኣ ኾይንካ ፡ ኣብ ምንታይ ዘቶኮሩ ዓይነት ጽሑፋት ምንባብ ተዘውትር ፧ ኣብ ስነ-ግጥሚ እትጥቀመሎም ውልቃዊ ታክቲካት እንተድኣ ሃልዮሙኻ ውን ገለ በለና ፡ ምስኡ ኣተሓሒዝካ ብዛዕባ መጻኢ መደባትካ ገለ እንተተዋገዐና ውን ግርም ነይሩ ። የቐንየለይ !
* የውሃንስ፡
ዓይነት ንባብ ይፈላለ ኢዩ’ምበር ኣንቢቡ ዘይፈልጥ ጸሓፊ ወይ ገጣሚ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ዋላ’ዞም ፊደል ዘየንብቡ ዝነበሩ ማሰኛታትና እኮ ናይ ካልኦት ቅድሚኦም ዝነበሩ ይኹኑ ኣብ ካልእ ቦታ ዝነብሩ ማሰኛታት ማሰ ይደግሙ – እንተዘይደገሙ ድማ ብስርዓት ይከታተሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ስነጽሑፍ ዕብየት ከርኢ ዝደሊ ሰብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ክበልዕ ኣለዎ። ግን ከኣ ናይ ዝበላዕኻ ጥራሕ ኣይኮነን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሕ ዋላ በሊዖም ንነብሲ ዘይገብረሎም ኣለዉ – እዚኣቶም ኣብቲ ስርዓተ ምሕቃቕ ፍልጠት ጸገም ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መኣዛ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ምብላዕ’ውን ኣየህጥርን። ክንፈልጦ ዘሎና ግን ዋላ እቲ ኣየንብብን’የ ዝብል ካብ ንባብ ነጻ ኣይኮነን፣ እቲ ሕቶ መብዛሕትኡ ግዜ ንመን ኢኻ ተንብብ ዝብል ኢዩ። ኣብ ደረጃኻ ወይ ትሕቴኻ ዘሎ ስራሕ ጥራሕ ተንብብ እንተኾይንካ ክትምጠጥን ክትዓብን ኣይትኽእልን። ልዕሊ ናይ ምስትምቓር ዓቕምኻ ዝኾነ ጽሑፍ’ውን ኣንቢብካዮ ውጽኢት ክህብ ኣይክእልን። ስለዚ ዓቕምኻ መዚንካ ከመጣጥሩኻ ዝኽእሉ ጽሑፋትን ጸሓፍትን ምምራጽ ናይቲ ውልቀሰብ ዕማም ክኸውን ኣለዎ።
ምናልባት ግን፡ ንሓደ ኣብ ድርኩኺት ስነ-ጥበብ ንዘሎ መንእሰይ Rainer Maria Rilke ዝበሃል ገጣሚ ንሓደ ብዛዕባ ግጥሚታቱ ምኽሪ ክህቦ ዝሓቶ ዝነበረ ጀማሪ መንእሰይ ዝጸሓፈሉ “Letters To A Young Poet” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጠርነፋ ዓሰርተ ደብዳቤታት ከንብብ መመልከትኩሉ።
ናይ መጻኢ መደባተይ ዝምልከት ዋላ’ኳ ዝርዝራዊ መልሲ ክህብ ቅሩብ እንተዘይኮንኩ ብሓፈሻ ግን ካብ ወሰነ-ወሰን ምባል ናብ ማእከል ንምእታው ኢዩ።
– ራስ ቐሳር፡
ንዝተዋህበኒ ዕድል ነዳለውቲ ናይዚ መደብ የመስግን። ብምቕጻል፡ንሓንቲ ግጥሚ ዑምቆት ኣለዋ ዘብላ ቀንዲ ባእታ እንታዩ ፧ መረጻ ኣርእስቲ ኣብ ግጥሚ’ኸ እንታይ ጽልዋ‘ለዎ ትብል፧ የቐንየለይ።
* የውሃንስ፡
እዚ ዓይነት ሕቶታት ሓንቲ ሓቀኛ መልሲ ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ ዓበይቲ ኣርእስታት ሓቂ፣ ፍቕሪ፣ ሞት፣ ሂወት… ከቢድ ቋንቋን ውስጠዘን ተጠቒምካ ዕምቆት ዘለዎ ግጥሚ ክጸሓፍ ይከኣል፣ ብኣንጻሩ ድማ ብቋንቋ ሹቕ ጥራሕ ጌርካ ብዛዕባ ምሕያኽ ማስቲካ ዓሚዩቕ ግጥሚ ክትደርስ ዘይከኣል ኣይኮነን። ማዕረ ክንደይ ኢዩ ናብ መንፈስ ኣንባቢ ዝንቆት ኣብ ውጽኢት ናይ ዝተፈላለዩ ባእታታት ኢዩ ዝምርኮስ። ኩሉ ክትጭብጦ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ብሓፈሻ ግን ቅርጺ፣ ዜማ፣ ህርመት …መበቆላውነት ከምኡ’ውን እቲ ዛዕባ ምስ ሂወት ዘለዎ ቅርበት ከይተረፈ ተደማሚሩ ኢዩ ንኣንባቢ ናብ ሓድሽ ጥልቀት ነብሱ ዝወስዶ። ኣነ ብወገነይ ዕምቆት ዘለዋ ግጥሚ ረኺበ ዝብል ኣንቢበ ምስወዳእክዋ ካብቲ ዝጸናሕክዎ ክውነተ ስምዒት ኣብ ኣኽናፋ ጸይራ ናብ በሪኽ ከተዕርገኒ ወይ ድማ ናብ መዓሙቕ ከተጽድፈኒ እንከላ ኢዩ፣ ኣብ ዝነበርክዎ እንተገዲፋትኒ ግና ሓደና ዕምቆት ስኢኑ ኣሎ። ዕምቆት ስለዘይብላ ‘ጽብቕቲ’ ኣይኮነትን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም ኣፍወርቂ ኣሎ፣ ቆርጫጭ ኣሎ።
ኣርእስቲ ‘ኣናውንሰር’ ናይታ ግጥሚ ኢዩ። ቀንዲ ስርሑ ንኣንባቢ ኣብ ኣፍደገ ተቐቢልካ ናብ ዳስ ምእታው ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣንባቢ ስምዒቱ ክቓኒ ስለዝሕግዞ ካብ ምዕዳም ሓሊፉ ኣብ ምርዳእ እታ ግጥሚ’ውን ከበርክት ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብ ተዘካርነት’ውን ነቲ ሕመረት እታ ግጥሚ ዝጥርንፍ ሓጺርን ፍሉይን ኣርእስቲ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ካብዚ ደገኣዊ ኣገልግሎታት ሓሊፉ’ግን ኣብ ውሽጢ እታ ግጥሚ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ ኣይብልን።
– እስቲፋኖስ ተመልሶ፡
ክትገጥም ከለኻ ዝያዳ ሓሳባት ወይ ግጥሚ ዝምንጭወልካ ኣብ ግዜ ጓሂ ወይ ሓዘን ድዩ ወይ ኣብ ግዜ ሓጐስ፧ ብግጥሚ ንፍቕሪ ክትገልጾዶ ይቐልል ንጽልኢ ፧ ብድሆ ከጋጥመካ ከሎ ናይ ምግጣም ሓይልኻ ይብርትዕዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ’ሞ ንስኻ ከመይ ትርእዮ ፧
* የውሃንስ፡
መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገለ ብራኸ ስምዒት ግጥሚ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ገለ ጥዑም ቁዘማ ወይ መንፈሳዊ ትካዘ የሰንየኒ። ብጽምኣት ሓቂ፣ ብዘይፍጹምነት ሂወት፣ ብባዶነት ፍጥረት ሰብ፣ ብፍቕሪ ሃገረይ፣ ብስቓይ ሃገረይ፣ ብዘይበጻሕክዎ ብራኸ፣ ብዘይኣግሃድክዎ ሕልሚ ከስተንትን እንከለኹ ኢዩ እቲ ግጥማዊ ሰበይ ዝያዳ ሂወት ዝለብስ። ንዓይ ስነጥበብ ብሓፈሻ ግጥሚ ድማ ብፍላይ፣ ንዝጎደለ ምምላእ፣ ንዘይተበጽሐ ምምጥጣር፣ ፍጹም ናጽነት ምድላይ፣ ጽምኢ ፍልጠት ከተርዊ ምህላኽ፣ ብናፍቖት ሓቂ ምቕንዛው፣ ኮታስ ድቀተይ ኣይቅበልን ኢለ ምስ ኣድማስ ህልኽ ምግጣም ስለዝኾነ ግጥምታተይ ኣብ ውሽጢ ሓጎስ ኢዮም ዝውለዱ ክብለካ ኣይክእልን ኢየ። ብዛዕባ ኣድማሳዊ ዝኾነ ነብሲ ሰብ እትጸምኦ ምልኣትን እትስእኖ ሓጎስን ኢየ ዝዛረብ ዘለኹ – ብዛዕባ ናይ መነባብሮ ሓጎስ ኣይኮንኩን፣ ምኽንያቱ ኣብ መንብሮኣዊ ሂወተይ ኣዝየ ድሱት ኢየ። ንፍቕሪ’ዶ ንጽልኢ ክትገጥም ይቐልል ንዝብል ሕቶ ግና ነዓይ ፍቕሪ ኢዩ ዝገፍሓኒ – ንፈጠራ ዝኸውን እኹል ባይታ ዝህበኒ፣ ጽልኢ ግን ኣዝዩ ኢዩ ዝጸበኒ። እታ ናይ መወዳእታ ሕቶኻ ግና ምስታ ናይ መጀመርታ ገይረ መሊሰያ ኣለኹ እብል።
– ዛራ ገጠምቲ፡
ካብ ጽሑፋትካ ተበጊሶም ፡ ሃየስቲ ኣሰናቢዶሙኻ ይፈልጡ’ዶ ፧ ብዘይካ’ቲ ብዙሓት ን’ቓል~ዓለም ዝህብዎ ግብረ መልሲ ፡ ንስኻ ኣብ ህየሳን ሃየስትን ከመይ’ዩ ሓቀኛ ግብረ መልስኻ ፧
* የውሃንስ፡
ኣብ ውሽጢ ሃገር ከለኹ ምስቶም ናይ ስነጥበብ ኣዕሩኽተይ ናይ ምንቕቓፍ መደባት ነይሩና። እቲ ብተናጸል ካብ ብዙሓት ሰባት ብዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝመጽእ ርእይቶታት ደማሚርካ ዳርጋ ሓደ ሙሉእ ህየሳ ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ኣብ ደገ ምስወጻእኹ ግን እቲ ባይታ ዲጂታላ’ዊ ኢዩ ኮይኑ፤ ንኣብነት፣ ኣብ ‘ኢሪትሪያን ሊትረቸር’ ትብሃል ናይ ፌስ-ቡክ ጉጅለ ስነጽሑፋዊ ፍርያትና ነቕርብን ንነቓቐፍን ኔርና። ግዜን ኣእምሮን ተወፍይዎ እትብሎ ሂስ ስሕት ኢሉ ካብ ቴድሮስ ኣብርሃምን ኣማን ተኸስተን ይመጽእ ኔሩ። ከምኡ ክትርኢ እንከለኻ ደስ ዘብል’ዩ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብርሃም ተስፋልኡል ኣብ ናተይ ይኹን ኣብ ናይ ካልኦት ስርሓት ዝገብሮ ዝነበረ ስምዒታዊ ጭደራታት እንተዘየሰንበደኒ የሕዝነኒ ነይሩ። ኣብ ጭደራ ብዘይካ ኣሉታውነት፣ ጥበብ ይኹን ምስትውዓል የለን። ኣሉታዊ መንፈስ ኩሉሳዕ በታታኒ ስለዝኾነ ድማ እቲ ኣብታ ጉጅለ ዝነበረ ውዕውዕ ስነ-ጥበባዊ ዘተታት ቀስ ብቐስ እናቐሃመ ከይዱ። ተቐላቒሎም ዝነበሩ ንፉዓት ጸሓፍቲ’ውን ክእለቶም ሒዞም ነናብ ውልቆም ኣዝሊቖም።
ብሓፈሻ ክዛረብ እንተኾይነ ግን ነቲ ሞያ ብዕቱብ ዝሓዝዎ “ሃየስቲ” ክብሎም ዝደፍር ኤርትራውያን ክጠቅስ ኣይክእልን’የ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ፣ በዓል ኣማኑኤልን ጫረን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝገብርዎ ዝነበሩ’ውን ኔሩ(ኣሎ?)፤ ይኹን እምበር ሂስ ነቲ ጸሓፊ፣ ከባቢ፣ ኮታስ ንድሕረባይታ ናይታ ስራሕ ኣብ ግምት ከየኣተኻ ሙሉእ ክኸውን ኣይክእልን፤ ሂስ ፍርሒ እናንጸላለወካ ክግበር፣ ተተገይሩ ድማ ክጽብቕ ኣይክእልን። ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቦጅባጅ መሪሕነት እዚ ዝከኣል ኣይኮነን። ብተናጸል ኣብነታውያን ክብለን ዝኽእል ሂሳት ግን ኣለዋ። ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ንመጻሕፍቲ በየነ ሃይለ ዝገበረለን ሰፊሕ ዳህሳስ ንኤርትራውያን ኣንበብቲ ንጽባቐ እተን ድርሰታት ቀልጢፎም ከለልይዎን ከስተማቕርዎን ደሪኹ ምበልኩ። እታ ዳሕረይቲ “A Great Novel in a “Small” Language: Representations of theAfrican Intellectual in the Eritrean Novel Tebereh’s Shop” ዘርእስታ ጽሕፍቱ ን ሙሉእነት ግምገማ መጽሓፍ ኣብነታዊት እብላ። በየነ ሃይለ ዓርኪ ኹሉ ኣፍቃሪ ጥበብ ስለ ዝነበረ ስሕት ኢሉ ኣብ ንራኸበሉ ዝነበርና ግዜ “ኣንቢብካያዶ? ኣብ ኢንተርነት ረኺብካያዶ?” እናበለ ቀጻሊ ይሓተኒ ኔሩ። ምሉእነት ዘለዎ ግምገማ ምርካብ ዋላ ንዓቢ ደራሲ ምንጪ ዕጋበት ምዃኑ ብጋህዲ ኣብኡ ርእየ።
ካልኣይቲ ከም ሂስ ዘድንቓ ሓያል ኤርትራዊት ጽሕፍቲ ኣብ ማእከል እምባጋሮ ፖለቲካ ዝተሰርሐት ናይ ዮሴፍ ገብርሂወት “Dejen’s Syndrome: the Contradictions of the Eritrean Mind” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኢያ። ገለ ሰባት ነቲ ብኣፍ ዝተዘንተወ ሓቀኛ ታሪኽ – ድማ ፖለቲካዊ፣ ከመይ ኣብዚ ከምዝምድቦ ይገርሞም ይኸውን። ብኣዒንተይ ክምልከቶ እንከለኹ ደጀንን እቲ ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛን ሓንቲ ርእሳ ዝኸኣለት ጽሕፍቲ ኢዮም ሰሪሖም። ብዝኾነ፣ እታ ናይ ዮሴፍ ገብርሂወት ሂስ ብዕምቆትን ስፍሓትን ጠመተኣ ካብተን ኣብ መጻኢ ‘ማስተርፒስ’ ኮይነን ክቕጽላ ዝኽእላ ዝብለን ጽሑፋት ኢያ።
– ነጋሽ መሓመድ፡
ኣብ መንጎ ቅኔን ግጥምን ፍልልይ ኣሎ ዶ ፧ ከም’ቲ ቅኔ ስምን ወርቅን ሓልዩ ዝኸይድ ፡ግጥሚ’ከ ከምኡ ድዩ ሕጉ፧ ከም’ቲ ቅኔ ደረጃታት ዘለውዎ ጉባኤ ቃና፡ዘኣምላኪየ፡ ሚበዝሁ፡ ዋዜማ እንዳበለ ብደረጃ ዝከይድ ግጥሚ’ከ ደረጃ ኣለዎ’ዶ፧ የቐንየለይ !
* የውሃንስ፡
ይቕረታ ነጋሽ፣ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክህነት ቅኔ ኣፍልጦ የብለይን። ኣገዳሲ ጸጋ ስነ-ግጥሚና ክኸውን ስለዝኽእል ግን ብሕጂ ከጽንዖ ድልየት ኣለኒ።
– ሉዋም ሃብተ፡
ግጥሚ እንታዩ ንዓካ፧ ክትጽሕፍ እንከለካ’ኸ ኣብ ዘለኻዮ ህሞትን ኩነታትን ትምርኮስ ዶ፧
ዕግበት’ከ ትረክበሉ ዶ፧ የቐንየለይ !
* የውሃንስ፡
ብዙሕ ኣብ ዘለኹሉ/ዝነበርኩሉ ህሞትን ኩነታትን ተሞርኪሰ ዝጸሓፍክዎ ግጥምታት ኣሎ። ካብ ናተይ ክውንነት ወጻኢ ብዓይነ-ሕልናይ ኣብ ውሽጢ ናይ ካልኦት ሰባት ህሞት ኣትየ ዝጽሕፎ’ውን ኣሎ፣ ኣብ ዘየለኹሉ ግን ብመንፈሰይ ኣብ ዝነብሮ ወይ ብሕልመይ ኣብ ዝብህጎ ክውንነት ተሞርኪሰ ዝጽሕፎ’ውን ኣሎ። ሓቀኛ ስምዒተይ ይኹን ፈጠራዊ ብዘየገድስ ግን ግጥሚ ቅድሚ ምጽሓፈይ ብመጀመርታ ኣብታ ‘ህሞት’ ኢየ ክጠልቕ ዘሎኒ – ንደቓይቕ ይኹን ንሰዓታት። ዝኾነ ስራሕ ስነ-ጥበብ ብዘይ መወዳእታ መመሊሱ ክጽረብ፣ ክኮሓል፣ ክቀናጆ ስለዝኽእል ውዱእ ኢዩ ካብ ዝብል ዕግበት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ይኣኽሎ ኢለ ኣቐሚጠዮ ካብቲ ናይ ፈጠራ ገድሊ ምስ ኣዕረፍኩ ግን ንሒደት ደቓይቕ ብመፈጸምታኣ ሩፍታዊ ዕጋበት እስምዓኒ።
ብሓፈሻኡ ግን ኣብ ኣእምሮኻ ተጸፋፊፎም ዝተቐመጡን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቁጽሮም ዝውስኽን ኣብ ወረቐት ክትወልዶም ዘሎካ ሓሳባት፣ ስምዒታት፣ ትምኒታት ስለዘለዉ ኩሉ ሳዕ ምስ ቀጻሊ ዘይዕጋበት ምምሕዛውካ ናይ ግድን ኢዩ።
ግጥሚ ንዓኻ እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶኺ ብዙሕ መልስታት ኣለኒ። ብሓጺሩ ግን ግጥሚ ብፍላይ ስነ-ጥበብ ድማ ብሓፈሻ(ኣብ ካልእ ዓውድታት ስነጥበብ ተመሳሳሊ ፍቕሪ ስለዘሎኒ) ንዓይ ኣዒንቲ ኢዩ። ዝዓሞቐን ዝገዘፈን ትርጉም ሂወት ዝርእየሉ የዒንቲ። እንተነፊዐ ነቲ ኣመለኻኽታይ ኣብ ወረቐት ኣስፊረ ካልኦት’ውን ክርእይዎን ክካፈልዎን እቕርቦ። እንተሓሚቐ ድማ ንዝዛወረሉ ጎደና፣ ንዝኣትዎ ቤቲ ሻሂ፣ ንዝረኽቦ ሰብ፣ ንዘጋጥመኒ ደስታ፣ ንዝጸንሓኒ ጸገም፣ ኣብዚ ስነ-ግጥማዊ መቓን እናእተኹ ጽባቐኦም አስተማቕሮን እነብሮምን። ስለዚ፣ ግጥሚ ክፋል ባህረይ ዝኾነ ማንም ክህበንን ክወስዶን ዘይክእል፣ ኣብ ወረቐት ብምስፋርን ዘይምስፋርን ዘይጽሎ ክፋል መንነተይ ኢዩ።
– ተስፉ መሓሪ፡
ኪኖ ስምዒትካ ምባል፡ ግጥሚ ኣብ ምሕጻርን ምንዋሕን ዝድርቶ ኣካይዳ ኣለዎ ድዩ ፧ የቐንየለይ !
* የውሃንስ፡
ብዛዕባ ምንዋሕን ምሕጻርን ግጥሚ ዲቕ ዝበለ ክትዕ ክኽፈት እንከሎ፣ ማዕረ ክንደይ ካብ ስነ-ግጥሚ ካልኦት ሕብረተሰባት ንጹላት ምህላውና ኢዩ ዘርኢ። ቅርጡው ድዩ ሃውታቲ ኢልካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ፣ ሓጺርን ነዊሕን ግን ብመሰረቱ ከም መምዘኒ ግጥሚ ፈጺሙ ክውሰድ የብሉን። ስለዚ ዝድርቶ የብሉን፣ ዝድርቶ ዘሎ እቲ ኣብ ካልእ መዳያትና’ውን ዝድርተና ዘሎ ድሩትነት ፍልጠትን ፈጠራን ጥራሕ ኢዩ።
ናይ ጃፓናውያን ‘ሃይኩ’ ዝበሃል ዓይነት ግጥሚ መብዛሕትኡ ግዜ እንተነውሐ ሰለስተ ሓጸርቲ መስመራት ጥራሕ ኢዩ። ‘Epic’ ግጥምታት ድማ ኣሽሓት ክበጽሕ መስመራት ከጠቓልል ይኽእል። ንኣብነት Inferno ናይ ዳንተ፣ Paradize lost ናይ ጆን ሚልተን ዓሰርተታት ኣሽሓት መስመር ይኸዳ፣ እታ ሓንቲ ካብ ብሉጻት ስርሓት 20 ክፍለዘመን ኮይና ትጥቀስ ናይ ቲ.ኤስ. አልየት The Wasteland እውን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ መስመራት ኣለዋ። ናይ ሎሚ ምዕራባውያን ጸሓፍቲ እንተርኢና’ውን መጽሓፍ ከሕትሙ እንከለዉ ሓያሎ ካብ ግጥምታቶም ክልተ-ሰለስተ ገጻት ክኸይድ ልሙድ ኢዩ።
ኣብዚ ከነስተብሀለሉ ዘሎና ግን መጽሄታት፣ ጋዜጣታት፣ ወይ’ውን ካልእ ናይ ኢንተርነት መድረኻት ብመሰረት ኣኻእሎኦምን ስፍሓቶምን ሓጸርቲ ግጥምታት ዘተባብዑ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መብዛሕትኡ ንግጥሚ ከም መሰጋገሪ ሙዚቃ ስምዕ ኣቢሉ ናብ ካልኡ ክሓልፍ ዝደሊ ተራ ኣንባቢ’ውን ውሑዳት መስመራት ክሓሪ ንቡር ኢዩ። እዚ ግን ንፈጠራ ገጣሚ ክድርቶ ኣይግባእን።
– ዛራ ገጠምቲ፡
ኣብ ስነ-ግጥሚ ሃገርና ዛጊት ርእሶም ዝኽኣሉ ቅድታት ግጥሚ ኣለዉና’ዶ ትብል ፧ ምስኡ ብዝተሓሓዘ ፡ ንግጥምታት ብመልክዕ ቅዲ ፈላሊና ክንርእዮም ዘኽእለና ኣገባባት እንታይ’ዩ ፧ ቅዲ ክንብል ከለና’ኸ ካብቲ ገጣማይ ወይ ግጥሚ ድዩ ዝነቕል ወይስ ሃየስቲ ወይ ኣስተማቐርቲ’ዮም ዝለልይዎ ፧
* የውሃንስ፡
ሓደ ውልቀሰብ ብዘይካ’ቲ ትዕድልታዊ ፍሉይነቱ፣ ካብ ዝነብረሉ ባህሊን ኣነባብራን ኢዩ ዝስራሕ። ሓንቲ ግጥሚ ድማ መጀመርታ ኣብ ልቢን ኣእምሮን ውልቀሰብ ኢያ ትስራሕ። ስምዒታቱ፣ ሓሳባቱ፣ ኣፈቓቕራኡ፣ ኣቀናዝዋኡ ….ኮታስ ሕብርታት ሂወቱ ሒዛ ስለትወጽእ ድማ ግድን ኢዩ ኣብ ስነ-ግጥሚ ሃገርና ርእሱ ዝኸኣለ ቅዲን መንነትን ክርከብ – ምኽንያቱ ዝኾነ ህዝቢ ናይ ባዕሉ መንነትን ታሪኽን ስለዘለዎ። ኣቐዲሙ ክፍለጥ ዘለዎ ግን ኣሕፊሽካ ‘ግጥምታት ሃገርና’ ምባል ንባዕሉ ኣሳሪ ኢዩ። ሓደ ግጥሚ ኤርትራዊ ስለዝገጠሞ ጥራሕ ኣይኮነን ‘ኤርትራዊ’ ዝኸውን። መበቆላዊ ዝኾነ ቅርጺ፣ ቋንቋ፣ ትሕዝቶ…ኣለዎ ድዩ የብሉን ክጽናዕ የድሊ። ኣነ ንኣፋዊ ስነግ-ጥሚና ከም ሓደ ቅዲ ስነ-ግጥሚ ኢየ ክርእዮ ዝመርጽ። እኹል መጽናዕቲ ምስ ዝግበር ዝተፈላለዩ ብሄራትና ነናቶም ሃብቲ ስነ-ግጥሚ ሒዞም ከምዝጸንሑ ግምት ኣለኒ። ማሰታት ትግርኛ ህያው ኣብነት ኢዩ። ብርጉጽነት ድሙቕ ፍሉይነት ዘለዎ ኤርትራዊ ቅዲ ኢለ ክዛረበሉ ዝኽእል ሓደ ኣብነት ድማ ንሱ ኢዩ። ካብዚ ዝተረፈ ግን ብመንጽር ቅርጺ፣ መረጻ ቃላት(ዲክሽን)፣ ከምኡ’ውን ቴማ እናርኣኻ ቅድታት ግጥሚ ክትፈሊ ሓደ ኣገባብ ኢዩ። ከምኡ ምስ እንገብር እዞም ናይዚ እዋን ግጥምታትና ናብ ደረጃ ሃገራዊ ቅዲ ክዳረግ ዝኽእል ፍሉይነት የብሎምን፣ እንተለዎም ድማ ድሙቕ ኣይኮነን እብል። እኹል ባህላዊ መንነት የብሎምን፣ ወይ’ውን ብኣንጻሩ ንኣዑ ፈንጺጎም በብዝጠዓሞም ውልቀ-ቅዲ ብናጽነትን ፈተነኣዊ ፈንጠዝያን ኣብ ደንበ ዘመናዊ ስርዓተ ግጥሚ ምድባል ኣይጀመሩን – ጌና ናዕታ ረምታን ከመይ ኣሎ፣ ሃሪሙዶ ኣይሃረመን… ኣብ ምባል ኢና ዘሎና – ገጠምቲ ይኹኑ ኣንበብቲ። እዚ ኣብ ምዕራባውያን ንኣብነት ዘመኑ ሓሊፍዎ ኢዩ፣ ኣባና ድማ ገና ዘመኑ ኣሎ። ዘዘመንካ ኣለካ።
ኣብ ውልቀ-ግጥሚ ምስ እንዛረብ ግና ካብቶም ኣብ ሕትመት ዝበጽሑ ገጠምቲ ሃገርና፣ ናይ መለስ ንጉሰ “ዘሎ’ዩ ዝህሉ”፣ ግጥምታት ዶክተር ርእሶም ሃይለ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሃይለ ቢዘን “ድሕሪ ማዕጾ” ብደረጃ ሃገር ክንዛረብ ከለና ካብተን ዝለለ ነናይ ባዕላተን ቅዲ ሒዘን ዝወጻ ሕትመታት ነይረን ክብለን እደፍር።
ቅዲ ዋላ’ኳ እቲ ሰራሒኡ(ገጣሚ) እንተስ ኮነ ኢሉ እንተስ ባህርያዊ ድምጹ ኮይንዎ ዝፈጥሮ እንተኾነ ሃየስትን ኣንበብትን እንተ ዘይተጸንቢሮሞ ግን ኣብ ከውሒ ከም ምዝራእ ኢዩ። ንፉዓት ሃየስቲ ንፉዓት ኣንበብቲ ይፈጥሩ፣ እቶም ንፉዓት ኣንበብቲ ድማ ንፉዓት ገጠምቲ የፍርዩ … እቲ ስሉስ ኩርናዕ ኢዩ ሓያል ሃገራዊ ስነ-ጥበብ ዘቕውም።
ነመስግነካ ስነ-ጥበባዊ የውሃንስ ኣብርሃም
ዛራ ገጠምቲ
12/2015