1፡ዛራ ገጠምቲ…
ሰላም መም መኮነን ዕድመና ኣኽቢርካ : ኣብ ኣመሰራረታ ዛራን ህሉው ኩነታታን ክተካፍለና ነዚ ቃል መሕተት ፍቃደኛ ብምዃንካ ብስም ኣዳለውቲ’ዚ መደብን ኣባላት ዛራን ምስጋናና ተቐበል። ብምቕጻል ዛራ ገጠመቲ ክትምስርታ ምስ ኣንቀድካ እንታይ ራኢ ነይሩካ ፧ “ሓመድ ድበ ግጥሚ ኣብ ፈስቡክ ” ትብል ዓንቐጽካ ካብ ትጽሕፋ ድሮ ሰልስተ ዓመታት ኣቊሩ ኣሎ ። ሎሚ ድሕሪ ናይ ሰላስተ ዓመታት ጉዕዞ ትንሳኤ ግጥምታት ፈስቡክ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ክንብል መዓልቱ ዝኣኸለዶ መስለካ፧
መም መኮነን ተስፋይ
የቐንየለይ ዛራ፡ እዚ ደኣ ኦቶ ምእሳር ዘይብሉ ኮይኑ’ምበር ቃለ መሕትት ዘይኮነ ቃለ መርመራ’ዩ። ብዝኾነ ነዚ ሕቶታት ብዓቕመይ ክምልሶ ክፍትን’የ፡ ገሊኡ ብርድኢት ዝምልሶ’ዩ፡ ገሊኡ ብዝመስለኒ ዝምልሶ’ዩ። ብጥቕልሉ እዚ ቃለ መርመራ ዕላምኡ ንዝያዳ ናህርን ንጹር ኣካይዳ ሒዝና ክንጓዓዝን ክጠቕመና ነቲ 99% ኣብ ኢንባክስ ጥራሕ ዝምሕመ በለካ ለኽዓካ ፍሹል ዝኾነ ጠቐነ ምዃኑ ነቲ ሰጋእ ዝብል ሰብ ዝያዳ ንኽንጽረሉ እንተዘይኮኑ ንዝኾነ ሰብ ንምዝንጣል ወይ ድማ ንምንሻው ዝዓለመ ከም ዘይኮነ ክሕብር እፈቱ፡ ኣብዚ ቃለ መሕትት ምናልባት ተገዲደ እንተዘይኮነ ኣብ መብዛሕትኡ ስም ሰብ ካም ምጥቃስ ክቑጠብ መሪጸ ኣለኹ። እቲ ዛዕባ፡ ዛዕባ ዛራ እምበር ዛዕባ ውልቀ ሰባት ኣይኮነን። ናብ ሕቶኹም ክምለስ ዛራውያን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ጠቒሰዮ ክኸውን እኽል’የ ነቲ ዝፈልጦ ድግማ’ዩ ግን እንታይ ከይብሎ፡ ነቲ ሓድሽ ድማ ጽቡቕ ስእሊ ክህቦ ይኽእል’ዩ። ዛራ ገጠምቲ ቅድሚ ምምስራታ ዝነበረ ሓደ ዓመት ይኸውን ብዓቕመይ ኣብ ሓያሎ ገጠምቲ ኣብ ግጥሞም ርእይቶን መኣረምታን ክህብ ፈቲነ ኔረ። እንተኾነ መብዛሕቶኦም እቶም ግጥምታት ዝጽሕፉ ዘነበሩ ነቲ ኣነ ይኹን በዓል ታደሰ ተስፋይ ዝህብዎም ዝነበሩ ነቐፌታ ፈጺሞም ዝቕበሉ ኣይነበሩን። ሓደ እዋን ሓደ ገጣማይ ኣብ ግጥሚ ዶሮት ዝብል ቃል ስለዝተጠቕመ “ደረትዶ ዶሮት” ክብል ሕቶ ምስ ኣቕረብኩሉ ዶሮት ንኣፍ ልቢ ደረት ከኣ ንናይ ግራት ዶብ ኢና ንጥቀመሉ ክብል ፈጺምካ ነቲ ጉድለት ንዘይብቕባል ዝመስል መልሲ መለሰለይ። ኣነ ድማ ክብድሆ ፈቲነ። “ነብሲ ሻሂ ኣይሰተኻን ‘መስለኒ፡ ሻሂ ሰቲኻ ኣንብባ እዛ ግጥሚ” ክብል መለሰለይ። ኣብቲ ሽዑ ከምዚ ናተይ ርእይቶ ልሙድ ኣይነበረን “ስማርት፡ ኣታ ጅግና፡ ንበረልና፡ ውሃ ዘበለ ስራሕ” ዝብሉ ናእዳታት ጥራሕ ኢኻ ክትቀም ዘለካ። እቶም ገጠምቲ እዝኖም ነዚ’ዩ ለሚዱ ጸኒሑ፡ ካብዚን ወዲ ኸምዚን ትዕዝብቲ’የ “ሓመድ ድበ ግጥምታት ትግርኛ ኣብ ገጻት ፈይስቡክ” ዘርእስቱ 14 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ጽሒፈ። ሽዑ እታ ጽሕፍቲ ብዙሕ ኣዛሪባ ኔራ። ሓቂ መራር’ያ ነታ ሓቂ ቶግ ዘብላ ሰብ’ዩ ዝሰኣን እምበር ቶግ እንተኢላ ብዙሕ’ያ ተዛርብ። እታ ጽሕፍቲ ንብዙሓት ግዱሳት ሰባት ነብሶም ከም ዝሓቱ ጌራያ። ዳርጋ ናይ ተበራበር ደወል’ያ ኔራ ክትበሃል ትኽእል። ክሳብ ሽዑ ዝጽሕፍ ወይ ዝነቅፍ ዝነበረ ሰብ ኣደራዕ ኮይኑ’ዎምበር ብልቢ ይሰርሓሉ ኔሩ ምባል ቁሩብ የሸግር’ዩ። ብዝኾነ ብዙሕ ሰብ ተገዲሱላ ገለ ተቐቢሉዋ፡ ገለ እንታይ እሞ ዘይተገብረ ኢሉ ገለ ድማ ካልእ ኢሎም።
ድሕሪ’ዚ እየ ሕራይ ከምዝስ ኢለ ጽሒፈ ነዚ ዘሎ ከፋት ንምዕባስ እቲ ተቖሪጹ ዘሎ ድንድል ንምልጋብ ከእንታይ ክገብር እኽል ካብ ዝብል ሓሳብ፡ ቅድሚኡ’ውን ሓያሎ ሰባት ገለ ክገብር ከም ዘለኒ ይዛረቡኒ ኔሮም። 14 ለካቲት ወጋሕታ እዛ ዛራ ገጠምቲ ምምስራት ትብል ሓሳብ መጽያትኒ። ለካቲት ብስም ሬድዮ ባና ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላ ወርሒ ስለዝኾነት ንኽብሮም’ያ ተወፊያ። ንሰሙን መመላእታ ድማ ክሳብ 4ይ ዓመት ዝኽሪ ምእሳሮም ትበጽሕ ብዛዕብኦምን ብዛዕባ ግጥምታቶምን ተዛሪብና ናይ ዕድል ነገር ከኣ ኣብ ወርሓ ወጽዮም። ብድሕሪኡ ሰብ ናብ ዛራ ዛሪዩ ክበሃል ይከኣል መዓልታዊ 100 ዝኸውን ሰብ ናብቲ ግሩፕ ክጽንበር እናሓተተ ነታ ገዛ ኣዕለቕሊቑዋ። ሕቶኻ “ሎሚ ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ዓመት ጉዕዞ ትንሳኤ ግጥምታት ፈይስ ቡክ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ክንብል መዓልቱ ዝ ኣኸለዶ ይመስለካ?” እንድዩ ? እንድዒ ወደይ በጺሕናዶ ትብል ኢኻ? ብዙሕ ነገር ተሰሪሑ’ሎ፡ ኣብ ትንሳኤ በጺሕና ዲና ንዝብል መልሲ እወ ንምባል ግን ቁሩብ ከሸግር’ዩ። ናብኡ ገጽና ኢና ግን፡ ክንበጽሖ ኢና፡ መኣስ ዝብል ሕቶ ግን ባዕሉ ግዜ ክምልሶ’ዩ። ሓደ ዓቢ ሰረት ግን ተነቢሩ’ሎ። ሎሚ ናይ ደርፊ ግጥሚ ዝደለየ ድምጻዊ ናብ መን ይኸይድ፡ ግጥሙ ክንበበሉ ዝደሊ ሰብ ናበይ ይኸይድ፡ ደረጃ ግጥሚ ትግርኛ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ኢሉ ንዝሓትት ሰብ መልሲ ክረክብ ናበይ ይኸይድ ፈሊጡ’ሎ። እዚ እቲ ዝዓበየ ነገር’ዩ። ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ጽቡቕ ግጥምን ሕማቕ ግጥምን ፈልዮም ክፈልጡ ክኢሎም ኣለው። ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለው ገጠምቲ ትግርኛ ንሓድሕዶም ተፋሊጦም መን ዓቕሚ ኣለዎ መን የብሉን ናይ መን ግጥሚ ጽቡቕ ናይ መን ከ ድኽም ዝበለ ከለልዩ ኪኢሎም ኣለው። እዚ ዛራ ዝጨበጠቶ ዓወት ምበልኩ። ብሓጺሩ ኣብ 2000 ዓም ተጀሚሩ ጸኒሑ ትኽስ ዝብል ዝነበረ ጉዕዞ ስነግጥሚ ድሕሪ 2013 ናብ ደሓን ዝኾነ ኣንፈት ዝሕዘሉ መንገዲ ረጊጹ ኣሎ። ስለዚ ትንሳኤ ስነግጥሚ ንጽንብለሉ ዓመት የቐርበልና ጥራሕ ሓቢርና ክንሕጎስ።
2፡ኪዳነ ንጉሰ (በዓል ሓቂ ጋሽ)…
ዛራ ካብትምስረት ክሳብ ሒጂ ዘበርከተቶ ኣስተዋጽኦ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ፣ ምናልባት ብውልቂ ዘይጠዓሞም ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ከምዚ ከማይ ግን ብሓፈሻዊ ንቡዙሓት ኣብ ጥቕሚን ኣብ ኣገልግሎትን እንተደኣ ኣላ፣ ብውልቂ ምዝራብ ካብ ዘሕፍር ክሲ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ መምህር ሞኮነን ኮነ ዛራን ግን ኩነታት ተሳትፍቶም ኣብ ግምት ዘየተወ ኣካይዳ ይኸዱ ስለምንታይ፧ ሓደ ብጽቡቕ ክሳተፍ ዝንበረ ሰብ ፣ኩሉ ኣባል ዛራን ኣድሚናትን ክሳብ ዝፈልጥዎን ዝነበረ ሰብ ምስዝጠፍእ ስለምንታይ ደሃይ ዘይግበረሉ፣ምስናይ ንገለ ሰባት ናይ ዕለተ ልደቶም ዮሃና ክበሃላሎም እናተራኣየ፣ኣባሃላይ ሲሒብካ ምምጣጡ ኣገዳሲ እዩ።
መም መኮነን ተስፋይ
በዓል ሓቂ ጋሽ ዛራ ድሕሪ ምምስራታ ካብ ዝፈልጥክዎም ሰባት ሓደ ኢኻሞ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣንቋዕ ሃለኻ። ነቲ ዝሃብካኒ ሞሳ ድማ ክብረት ይሃበለይ እብል። እዛ ሕቶኻ ቁሩብ ክትንጽረለይ ምደለኹ። ነነፍሲ ወከፍ ኣብ ዛራ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ካብ ዛራ ምስ ጠፈአ ስለምንታይ ደሃዩ ዘይሕተት ዝብል ንዓይ ብዙሕ ኣይተረዳኣንን። ተሓቲቱ እንተኾይኑኸ ብዛዕባ መን ኢና ንዛረብ ዘለና። እዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ደሞዝ ተኽፊሉካ መዓልታዊ ትካፈሎ ስራሕ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ብዝፈላለየ ምኽንያት ተሳትፎኡ ክዝሕል ወይ ከሐይል ይኽእል። ናይ ገጠምቲ ጉዳይ ናይ ሙድ ነገር’ውን ክመጽእ ይኽእል። እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣነ ብውልቀይ ንዝፈልጦም ሰባት ደሃዮም ይሓትት’የ። ኣብዚ ናይ ገሊኦም ናይ ዕለተ ልደቶም ከይተረፈ ዝበልካዮ፡ ኔሩ ይኸውን’ዩ ዝዝክሮ ግን የብለይን፡ ብሓፈሻ ግን ደቂ ሰባት ኢና። ግድን ከም ስኒ ኣድጊ ማዕረ ጌርና ክንርኢ ኣለና ዝብል ቁሩብ ካብ ክውንነት ከይንወጽእ። ሓደ ኣብ ዛራ ብጽቡቕ ግጥምታቱ ዝፍለጥ ወይ ብነቐፌትኡ ዝፍለጥ ኣብ ግዜ ሓጎሱ እንቋዕ ሓጎሰካ እንተተባህለ ኣብ ግዜ ሓዘኑ ድማ ጽንዓት ይሃብ እንተተባህለ ሕማቕ’ዩ ኣይብልን ኣነ። ናይቶም ካልኦትከ ዝብል ዘረባ ግን ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ምዕሩይ መታን ክኸውን ኣብቲ ዝመጽእ ግዜ ኣብ ሕጊ ክሰፍር ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ሓደ ጽቡቕ ዝሳተፍ ዝነበረ ሰብ ብንዕኡ ዝመስሎ ምኽንያት ኮርዩ ካብ ዛራ ክርሕቕ ይኽእል’ዩ። እዚ ሰብ ስለምንታይ ካብ ዛራ ርሒቑ ኣብ ምሓታት ከይበጻሕካ ንዕኡ ዝመስሉ ኣድሚናት መዚዙ ድሮ ግሩፕ ከፊቱ ትርእዩ። ግሩፕ ክኸፍት መሰሉ’ዩ። ንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ሒዙ ከምዚ ናይ ዛራ ክገብር እንተኢሉ ዓቕሚ ይሃቦ ጽቡቕ። እዚ’ውን ፍርያት ዛራ’ዩ፡ ኣተኣላልያ ይኹን ካልእ ካብ ዛራ ተለቂሕካ’ዩ ዝኽፈት ዘሎ እቲ ግሩፕ። ከም መመኽነይታ መሐከሊ ግን ንዛራ ወይ ንኣድሚናት ግዳይ ክትገብሮም ዘይምፍታን። ስለዚ በዓል ሓቂ ጋሽ ኣነ ብወገነይ ብዘይንጹር ምኽንያት ኮርዩ ይኹን ብኻልእ ካብ ዛራ ወጽዩ ኣብ ካልእ ክነጥፍ ንዝረኣኻዮ ሰብ ደሃዩ ክሕተት ኣለዎ ዝብል እምንቶ የበለይን። ዛራ ኣብ ህዝቢ እምበር ኣብ ውልቀ ሰባት ኣይትርምኮስን’ያ። መሰረት ሓደ ገዛ እንተዘይዓንዩ ሓደ ክልተ እምኒ ካብቲ ገዛ ተኣልይ ወይ ነጢቡ ገዛ ኣይፈርስን’ዩ ስለዚ በዛዕባዞም ሰባት ብዙሕ ዘይምጭናቕ።
3፡ዓሻ ድየ በራኺ…
ኣብ ዝኾነ ዓይነት ዓውዲ ኣተኩሩ ዝምስረት ጉጅለ ፡ ነቲ ዘበገሶ ዕላማ ብዘገድሶም ውልቀሰባት ይኹን ኣካላት ብዝፍጠር ምትእኽኻብ እዩ ዝጅምር ፡፡ ቀጺሉ ናቱ ቅርጺ እናሓዘ ይኸይድ ፡፡
ነፍሲ ወከፍ ኣባል ድማ እቲ ዕላማ ናይቲ ጉጅለ ስለ ዘገድሶ ህላውነቱ ኣብቲ ጉጅለ ብማንም ሰብ ከይተገደደን ከይተሓገዘን የውሕስ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ንሱ ዘይሰማምዓሉ ኣሰራርሓ እንተሃልዩ ድማ ንምስትኽኻሉ ዓቅሚ ኣእማንነቱ የዕብዩ ለውጢ ክፈጥር ይጽዕር ፡፡ ኣብዚ ጉጅለ ከም ዝትዓዘብኩዎ ግን ፡ ካብዚ ዝተገልጸ ሓቂ ብዝረሓቀ ፡ ዝኾነ ባህ ዘይብሎ ነገር እንተርእዩ ፡ ነቲ ጉጅለ ራሕሪሑ ፡ ‘ተኽኢሉ ናቱ ጉጅለ ይምስርት ፡ እንተዘይ ክኢሉ ድማ እግሩንኢዱን ኣኪቡ ተዓዛባይ ይኸውን ፡፡ ካብቲ ዘገርም ግን እቲ ዕላማ ስለ ዘገድሶ ከይኮነ ኣይተርፍን ፡ ሽም ወይ ሓድሽ ኣካውንት ሰሪሑ ብሕቡእ ተሳታፍነቱ ይቅጽል ፡፡ ገና ድማ መረዳእታ ኣቅሪብካ ከተእምን ብምኽኣል ብኸምኡ ኣገባብ እቲ እትደልዮ ለውጢ ከተተግብር ናይ ምኽኣል ዓቅሚ ስለ ዘይበጽሖ ፡ በቲ ባዕሉ ዝተጠመቆ ሓድሽ ሽሙ(ኣካውንቱ)ገይሩ ፡ ነቲ ናይ ቀደም ሽሙ ከም ኣብነት እናጠቀሰ ፡ ኣበይ ኣለዉ ብዓል እገለ ይብል ፡ ንምንታይ ከ መኽነያት መጥፍኢኹም እንታይ እዩ ኢልካ ዘይጥየቁ ? ይደግም ፡፡ እዚ ኣብዙሓት ኣባልት እዛ ደምበ ዝተዓዘብኩዎ ባህሪ እዩ ፡ ብናተይ ኣረዳድኣ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰብ ‘ኣቴንሽን ሲከር’ድኣ እምበር፡ ነቲ ብዝኣምነሉ ዕላማ ዝተጸንበሮ ጉጅለ ንምዕባይን ፡ ንዘስተብሃሎ ድኽመታትን ጉድለታትን እቲ ጉጅለ ንምጽጋንን ንምውጋድን ክሰርሕ ዝተበገሰ ኣይኮነን ፡፡ እዚ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ኮይኑ ፡ ኣብዚ ኣመልኪተ ድማ እየ ሕቶይ ከቅርብ ፡ ቅድሚ ሕጂ ነዛ ጉጅለ ዝኸሱ ድኣ እምበር ‘ እዛ ጉጅለ ትኽሶም ኣባላት ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ፡ ንስኻ ከም መስራቲ እዛ ጉጅለ መጠን ፡ ኣብዚ 3 ዓመታት ዝተሓልፈ መሰናኽል ብግልጺ ከተብርሃልና ምደለኹ ፡ ካልእ ዝኾነ ኣባል ናይዛ ደንበ ንኸይጠፍእን ክትሕልዎ ዝግብኣን ፡ወይ ውን እንተጠፍአ ፡ እዛ ጉጅለ ድያ ደሃዩ ከተጣይቅ ዝግብኣ ወይስ ንሱ እዩ ነታ ጉጅለ ትጠፍእና ኣለኺ ኢሉ ጉድለታታ እናዘርዘረ ክእርማን ካብቲ ዘበገሰቶ ዕላማ ከይትሃድም ክሕልዋን ዝግብኦ ፡፡
ብሓጺሩ ውልቀ ሰብ ድዩ ንጉጅለ ክሕልውን ከበርክትን ዝግብኦ ወይ ሲ ጉጅለ እያ ን ኣባላታ ክትሕልዎምን ከተበርክትን ዝግብኣ ፡ ኣብዚ ከመይ ነይሩ ኣሰራርሓ እዛ ጉጅለ ፡ ብሕጂ ኸ ከመይ እዩ ክኸውን ፡ ኣብዚኣ ውን ሰፊሕ መብርሂ ምደለኹ ፡፡
መም መኮነን ተስፋይ
የቐንየለይ ዓሻ ድየ በራኺ ስምካን ሕቶኻን ግን ኣይተመሳሰለን። ዓሻ ድየ እናበልካ ዳሕዲሕካዮ። ኣነ ኸኣ በል ኣንተ ዓሻ ክበሃል ወይ ለባም እቲ ዝወረደ ክወርድ ክድሕድሖ። ኣብቲ ዝበዝሐ ዝበልካዮ ዳርጋ ርእይቶኻ ስለዝኾነ ኣብኡ ዝብሎ የበለይን። ግን ጽቡቕ ዝተዓዘብካ ትመስል። ዛራ ኣብዚ 3 ዓመት ዝሓለፈቶ መሰናኽል ዘርዚረ ከብርህ እንተኾይኑ ነቲ ደርዘን ሕቶ ካልእ ደርዘናት ገጽ ክዳልወሉ’ዩ ማለት’ዩ። ብሕጽር ዝበለ ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ከብርሃልካ። ፈለማ ዛራ ክትጅምር እንከላ ከም መበገሲ ከስርሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ዘተኣታተወቶ ነጥብታት ሓደ ስእሊን ግጥምን ብሓደ ከይጥቃዕ ዝብል’ዩ በዚ መሰረት ናብ ዛራ ዝመጸ ግጥሚ ብኸም ኡ ንፈልዮ ኔርና። ኣብዚ ምስ ገጠምቲ ቀጻሊ ዘየሰማምዓናን ግዜ ዘጥፍ ኣልና ዝነበረን ኩሉ ሰብ ግጥሙ ናብ ኣንበብቲ ክቐርበሉ ይደሊ ምንባሩ’ዩ። ንሕና ከኣ ነቲ ገዛ ፍኑው ክንገድፎ ኣይደለናን። ከምኡ እንተኾይኑ ብዙሕ ጽቡቕ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘይክእል ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ ኣብዚ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኔሩ። ሓደ ስእልን ግጥምን ብሓደ ጌሩ ይሰዳ። ንስኻ ድማ ኣፕሩቭ ኣይትብላን። ገጣማይ ከኣ ግጥመይ ካብ ትሰደድ ሰሙን ጌራ ግን ኣይተጠቐዐትን ይብለካ። ሃስስ ኢልካ ረኺብካ ከምዚ’ዩ ብምባል ትገልጸሉ። ነዚ ገሊኦም ይቕበሉዎ ገሊዮም ግን ከም ቀይዲ ወይ ብናጽነት ዘይምጽሓፍ ርእዮም የንጸርጽሩ። ንሕና ብዛዕባ ጽባቐ እምበር ብዛዕባ ክጸሓፍ ኣለዎ የበሉን ዝብል ኣርእስቲ ኣይተዛረብናን። ብዝኾነ ገሊኦም እዚኦምስ ከኣ ጉዳማት ኢሎም’ዮም ዝኸዱ ይመስለኒ ደሃዮም ኣይትሰምዕን። ገሊኦም ግን ተረዲኦም ነቲ ስእሊ ኣልዮም ይሰዱልካ። እዛ ናይ ኣፕሮቭ ምብላ ክሳብ ሕጂ ምስ ገጠምቲ ተዋጥጥን ንብዙሓት ተኾርይን’ያ። ኣድሚናት ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ነናይ ውልቆም ናብ ርኦም ዝምርሕሉ ስራሕ ኣለዎም። ነዚ ኣብ ግምት ምእታው ጽቡቕ’ዩ። ካልእ ሓደ ዘርከበ ኣድሚን ምጽእ ኢሉ ነተን ናብ ዛራ ይበቕዓ’የን ዝበለን ክጥቃዓ የፍቅደለን። ገለ ሰብ ሽዑ ግጥመይ ቅድሚዘን ኣፕሮቭ ዝተባህላ ግጥምታት’የ ሰዲደያ እንታይ ኮይና ኣይወጸትን ብምባል ሕቶ የልዕል። እታ ግጥሚ ነቲ ኣድሚን ኣዚያ ፈኹሳ ወይ ድማ ብዛዕባ ውልቀ ሰባት ይኹን ካልእ ትዛረብ ኮይና ተሰሚዓቶ ክጎስያ ይኽእል ይኸውን። ወይ ውን እቲ ገጣሚ ግጥሙ ብተደጋጋሚ ስለዝወጸሉ ንኻልእ ቦታ ንምሃብ ኣጽኒሑዋ ይኸውን። ብዝኾነ ኣድሚናት ውን ከም ሰባት ነናቶም ኣረኣእያ ክህልዎም ስለዝኽእል እቶም ግጥሞም ዝሰዱ ሰባት ነቲ ናቶም ድልየት ጥራሕ ብምርኣይ ግጥሞም ስለዘይተጠቀዐት ናብ ካልእ ኩራን ምቅያያምን ይኸዱ።
4፡ኣብርሃም የማነ…
ኩልና ከም ንምስክሮ ዛራ ገጠምቲ ካብተን ውሑዳት ተመስሪተን ዋሕዘን ዘየቛረጻ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኢያ። ይኹን እምበር ክመሓየሹ ዘሎዎም ነገራት የብላን ግን ኣይብልን፡ ነኣብነት ኣገባብ ህየሳ። ከም ርእይቶይ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህየሳ ኣገባብ መሃሪ ወይ ንዕብየት ደራኺ ኣይኮነን ዘሎ። ከም ርዲኢተይ ሓደ ናይ ህየሳ ቦርድ ማዕረ ናይ ምሕደራ admin እንተዝፍጠር ምበልኩ። ስርሑ ድማ ንሓደ ዓመት ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንዝቐርባ ግጥምታት ብዓይኒ ባእታታት ግጥሚ እናዘርዘረ ነዚ ንጥቀመሉ ዘሎና እስታይል ንምቕያር ዝሰርሕ ማለት ኢዩ። ነዚ ክውን ክገብሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ናይ ምህያስ ጽቡቕ ዓቕሚ ዘሎዎም ሰባት ኣሎዉና ነኣብነት ኣማኑኤልቱ በርሀ፡ ግን ንጥቀመሎም የሎናን። ስለዚ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሃጓፍ ዘላ ኮይኑ ይረኣየኒ ኣሎ እሞ ብወግውንካ እንታይ ትብል።
መም/ መኮነን ተስፋይ
ኣብርሃም የማነ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ትጽሕፎም ርእዮታትን ኣስተብሂለሎም ኣለኹ። ርእዮታትካ ብሱላትን ካብ ቅንዕና ዝተበገሱ ሰናይ ድልየት ዝሓዘሉን’ዮም እሞ ሓሳብካ ምፋሳስ ቀጽሎ እብለካ። ኣብዚ ናይ ህየሳ ትብሎ ዘለኻ ጉዳይ ይሰማማዓሉ’ዩ። ሽሕ’ኳ ህየሳ በይኑ ኣብ ምዕባለ ስነግጥሚ ተራ ኣለዎ ክብል እንተዘይደፈርኩ ምስ ካልእ ንጥፈታት ተወሲኹ ድርኺት ይፈጥር’ዩ። እዛ ናይ ህየሳ ጉዳይ ዛራ ካብ ትጅመር ኩሉ ግዜ ምስ ተዘርበላ’ዩ። ብቦርድ ደረጃ ክትሕዞ ይከኣል ዲዩ ኣይከኣልን ፈለማ ኣብዚ ገዛ ኣድሚናት ሓደ መዓልቲ እንተዘካትዑና እሞ ኩሉ ሓሳብ ምስ ፈሰሰ ሓንቲ ናይ ህየሳ ጉጅለ ኣቑምና ኣብ ወርሒ ንዝተወሰና ግጥምታት ከም ዝህየሳ ክግበር ይከኣል ይመስለኒ።
5፡ገዛኢ ነጋሲ (መንኮስየን)…
ንስነ ጥበብ ንምዕባይ ልክዓዊ ነቕፌታን ሻርነትን ዘይምግባርን ማዕረ ክንደይ ሃናጺ ኢዩ ትብል?
ዘይውርዙዩን ንዕቀትን ምንእኣስን ወይ ዘለፋ ዝሓንገሩ ሓሳባት ንስነ ጥበባዊ ጎዳእቲ ወይ ዓንቀፍቲ ኢዮም ዶ ትብል ኣብ ዛራ ብፍላይ ብመንጽር ዛራ?
ኣብ ምስትምቓር ግጥሚ ማለት ከም ኣጋጣሚ ሓደ ኪኢላ ኣስተማቒሩ ናብዛ ዓምዲ ምስ ዝልእኽ ማለተይ እየ ካብ ልክዕነት እታ ግጥሚ ሰጊሩ ንስነ ጥበባዊ ብቕዓታ ኣብ ክንዲ ምንቃፍን ምትብባዕን ናብ ፖለቲካ ተምዚዝካ መጋበርያ ምህባር ወይ መጎስ ጎሲ ምጥቃም ኣብ ግጥሚ ወይ ስነ ግጥሚ እታይ ፋይዳ የምጽእ? ኣብዛ ዓምዲ ቀያድን ጽገናውን ሕግታት ተዝንደፉ ኣርባሕቲ ዶ መኾኑ? እንተ ኾይኖም ክንደፉ መደብ ኣሎ ዶ? ወይስ ተሰሪቶም ኣለዉ ኢዮም? እንተ ሃልዮም እቲ ልክዕ ዕላምኦም ዶ እሃርሙ ኣለዉ? እወ ተኾይኑ ትመልሲ ኣብዚ ዓምዲ ይውረዱ ኩሉ ሰብ ከኣእፍለጦም ብኦም ከኣ ይቀየድ ። የቐን የለይ ካብ ህራፍን ዝተበገሰ ብዙሕ ተዛሪበ ። ሰናይ ንዓኻ ክቡር መምህር መኮነን ተስፋይ።
መም መኮነን ተስፋይ
ኣንታ ገዛኢ ደርዘን ሕቶ ደኣ ናትካ ጥራሕ እንድያ ሒዛ ክትወጽእ ኔሩዋ። በል ሓዝ። 1ይቲ ሕቶኻ ንሕምቶ ዶ ሕቶ ዝብል መልሲ ምሃብኩዋ። ኣብ ስነግጥሚ ይኹን ብሓፈሻ ኣብ ስነጥበብ ልክዓዊ ነቐፌታ ኣዚዩ ኣገዳሲ’ዩ። ነቓፊ ሻራይ ሻራኻ እንተሊዩዎ ሕልኑ ሸይጡ’ሎ ማለት’ዩ። ካብ ሕልና ዝሸጠ ድማ ጎባጥ ገምጋም እምበር ቅኑዕ ገምጋም ክትጽበ ኣይትኽእልን። ስለዚ ነቐፌታ ልክዕ ክኸውን ኣለዎ ሻራ ድማ ክህሉ ኣይግባእን። ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምስ ዘለና ኩነታት ናይ ሃገርና እቲ ሻራ ጎሊሑ ይረአ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ደርፊን ደረፍትን። ንዓይ ዘገድሰኒ ትሕዝቶ ግጥሚ እታ ደርፍን ዜማን ምውህሃድን እምበር መን ደሪፉዋ ዝብል ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግን መን ደሪፉዋ እምበር እንታይ ደሪፉ ዝብል ኣይኮነን።
2ይቲ ሕቶኻ ዘይውርዙዩን ንዕቀትን ምንእኣስን ወይ ዘለፋ ዝሓንገሩ ሓሳባት ንስነ ጥበባዊ ጎዳእቲ ወይ ዓንቀፍቲ ኢዮምዶ ትብል ኣብ ዛራ ብፍላይ ብመንጽር ዛራ? ትብል’ያ። ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ተኸባቢርካ እምበር ተመናጪትካ ወይ ተነዓዒቕካ ኣይሰልጥን’ዩ። ወዲ ሰብ ዓቢ ስርሕ ይስራሕ ንእሽቶ ክብረቱ ክትንከፍ የብሉን። ክብረት ማዕረ ህይወት ዝኽፈለሉ ኣጋጣሚ ክሳብ ዘሎ ንወዲ ሰብ ክብሩ ክትንክፎ ኣይግባእን። ዘዛርብ ዘሎ ስራሕ እንድዩ ነቲ ስነጥበባዊ ፍርያት ወይ ዕዩ ድላይካ በሎ። ዝመስለካ ሓሳባት ኣፍስስ። ምስትንዓቕን ምንሻውን ግን ከተወግዶ ይግባእ። ኣብ ዛራ ሓደ ካብቲ ከነተኣታትዎ ዝወሰናሉን ዘተዓወትናሉን ዝብሎ ተኽባቢርካ ምምልላስ ዝብል’ዩ። ንሕና ከም ደቂ ዛግራ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና ሰባት ኢና። ተራኽበና እዛ ኮምፑተር’ያ። ኣብዛ ዝተራኸብናላ ቦታ ተሰማሚዕና ኢሂን ምሂን ተበሃሂልና ክንከድይ ከለና ድዩ ጽቡቕ ዋላስ “እንድዕላ ኣዴኻ እንድዕላ ኣዴኻ” ተበሃሂልና ክንፈላለ ከለና። ኣነ ቅድሚ ዛራ ምምስራተይ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚ ቀጨውውጨው ዝብለኒ ዝነበረ ነገር እንተሎ ኣብ ክንዲ ተኸባቢርካ ምንቕቓፍ ናብ ጸርፍን ካልእ ዘየድሊ ኣሽሙርን ምኻድ’ዩ። ነዚ ኣብ ዛራ ከነወግዶ ኣለና ዝብል ሓሳብ ሒዝና ኣቲና። ኣብቲ ሕጊ’ውን ኣሎ ካብ ስነምግባር ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ጸርፊ ምስትንዓቕን ካልእን ኣይፍቀድን’ዩ። ኣብ ምዕባለ ስነግጥሚ’ውን ሓጋዚ ኣይኮነን። ገለ ገለ ሰባት ኣድሚን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ “ስለምንታይ ኢኻ ትፈርሖ ድላዩ ዘይበሃሃል እዚ ሰብ” ይብሉኒ ኔሮም። ዋእ ኣነ ዘፍርሓኒ ነገር የለን። እንድሕሪ ኣብ ምጽራርፍን ዘየድሊ ምምላስ ኣቲኻ ኣይትቕጽልን ኢኻ። እንድሕሪ ተኸባቢርካ ኢኻ ክትቅጽል ትኽእል። ዛራ ከም ኡ እንተዘይትኸውን ድማ 3ይ ዓመታ ኣይኮነን 2ይ ዓመታ’ውን ኣይምጸንበለትን ኔራ። ልክዕ ከምተን ካልኦት ተበታቲና ነበረ ምኾነት ኔራ።
3ይቲ ሕቶኻ ኣብ ምስትምቓር ግጥሚ ማለት ከም ኣጋጣሚ ሓደ ኪኢላ ኣስተማቒሩ ናብዛ ዓምዲ ምስ ዝልእኽ ማለተይ እየ ካብ ልክዕነት እታ ግጥሚ ሰጊሩ ንስነ ጥበባዊ ብቕዓታ ኣብ ክንዲ ምንቃፍን ምትብባዕን ናብ ፖለቲካ ጠምዚዝካ መጋበርያ ምግባር ወይ መጎስጎሲ ምጥቃም ኣብ ግጥሚ ወይ ስነ ግጥሚ እታይ ፋይዳ የምጽእ?
ዝኸበርካ ገዛኢ ምስትምቓር ግጥሚ ካብ ህየሳ ቁሩብ ፍኹስ ዝበለን ውልቃዊ ትዕዝብትን ይኹን እምበር ሓላፍነት ወይ ተሓታትነት ዘለዎ ሰብ ክሰርሖ እንከሎ ዝያዳ ኣድማዒ ይኸውን። ኣብ ምስትምቓር ግጥሚ ብጀካቲ ኣብቲ ትዛረበሉ ዘለኻ ቋንቋ ኣፍልጦ ምህላው ቅንዕና ክህልወካ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። እንድሕሪ ንሓንቲ ግጥሚ ብዓይኒ ፓለቲካ፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ወገን ር ኢኻ ትግምግማ ኣሊኻ ፋይዳ የብሉን። ማለት እታ ግጥሚ ባዶ ክነሳ ነቲ ትኣምነሉ ዕላማ ስለጀንጀነትልካ ብስም ምስትምቓር ሰማይ ክትሰቕላ ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ድማ ከመይ ዝበለት ግጥሚ እናሃለወት ነቲ ንስኻ ትደልዩ ዕላማ ስለዘይደገፈት ጥራሕ ብስም ምስትምቓር ግጥሚ መሬት ከተዝብጣ ኣይግባእን ፋይዳ’ውን የብሉን። ግጥሚ ዝተንከፈ ኣርእስቲ ይተንክፍ ብስነጥበባዊ ብቖዓቱ ክምዘን ኣለዎ። እታ ግጥሚ ነቲ መምዘኒታት ወይ መዓቐኒታት ኣማሊኣ ዲያ ኣየማለአትን ፈጠራዊ ብቕዓታ ክሳብ ንደይ ኢዩ፡ ዜማ፡ ኣመራርጻ ቃላትን ካልእን ደኣ ክረአ ኣለዎ እምበር ንሱ ንጎኒ ገዲፍካ ንግጥሚ ናብ ፓለቲካ ወይ ካልእ ጠምዚዝካ መጋብርያ ክግበር ኣለዎ ኣይብልን። ህየሳ ይኹን ምስትቓር ግጥሚ መተዓራረኺ ክትገብሮ ወይ ድማ ናይ ጽልኢ ተሃንካ ከተውጻኣሉ ክትጓየ የብልካን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብስም ምስትምቓር ግጥሚ ሓያሎ ግጥምታት ክጸሓፈለን ንርኢ ኣለና እዚ ምስትምቓር ኣብ ርድኢት ዝተመርኮሰን ኣወንታዊን ኣሉታውን ጎኒ እታ ግጥምን ዘርኢ ክኸውን ይግባእ። ሓንሳብ ሓንሳብ ብመሰለኒ ዝግበር ትንታነ ኣብቲ ስነጥበባዊ ሃስያ የምጽእ’ዩ ነቲ ሰብ ዘይንሱ ከተምስሎ ተኽእሎ ኣሎ።
6፡ሃብቶም ግርማይ…
ተደጋጋሚ ዝኽሰት ተርእዮ ርእይቶታት ምድምሳስ ፡ ብሰንኪ እዚ ባህሪ ዛራ ብዙሓት ኣባላት ባህሪሮም ኪኸዱ ንዕዘብ ኣለና። ቀንዲ ግዳያት ናይዚ ድማ ‘ተንውሒደን ኢልና ንሓምየን ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና እየን።ብመሰሩቱ ግን ካብ ውሽጢ ዝወጸ ሓሳብ ንምንታይ’ዩ ኣብ ግዳም ዝዕጾ ዘሎ’ዩ ሕቶይ፡፡
ዝኸበርካ ሃብቶም ግርማይ ንተገዳስነትካ ኣዚየ አመስግን፡ ኣብዚ ምድምሳስ ናይ ርእይቶ ትብሎ ዘለኻ ሎሚ ዓመት ቁሩብ ብዝሕ ዝበለ ኮይኑ ይስመዓኒ። እዚ ከኣ ኣድሚናት ንወሃብቲ ርእይቶ ደው ከብሉ ምስ ዝምሕጸንዎም እሞ ምስ ዝቕጽሉ ዘጋጥም ይመስለኒ። ኣነ ኣድሚን ኣብ ዝነበርኩሉ ዝተደምሰሰ ርእይቶ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ኢዩ ዝኸውን ንሱ ከኣ ኣብ ውልቃዊ ጸርፊ ዘተኮረ ምስቲ ገዛ ዘይከይድ ስለዝነበረን እቲ ዝጽሕፍ ዝነበረ ደው ኣብል ተባሂሉ ምስ ኣበየ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብቲ ፈለማ ቁሩብ ምድፍፋር ኔሩ’ዩ። እዚ ዘስዓቦ ድማ ምድምሳስን ኩራን ይረአ ኔሩ። ኣብዚ ናይ ኣዋልድ ትብሎ ዘለኻ ሕጊ ሓጺር ኣይሰትኮ፡ ነዊሕ ኣይዘሎ። ሕጊ እንተኾይኑ ሕጊ’ዩ ንጓል የበሉ ንወዲ። ምስኣ ክውስኸልካ ብስም ኣዋልድ ናይ ብርዒ ስም ዝጠቀሙ ኣወዳት ከም ዘለዉን’ን ኣብ ግምት ምእታው ዘድሊ ይመስለኒ። ኣብቲ ብውሽጢ ዝወጸ ሓሳብ ንምንታይ’ዩ ኣብ ግዳም ዝዕጾ ዘሎ ዝበልካዮ ንርእይቶ እንተኾይኑ ኣብ ዛራ ንክብሪ እቲ ገጣሚ ይኹን ካልእ ውልቀ ሰብ ክሳብ ዘይተንከፍካ ነታ ግጥሚ ጨርቂ ክትገብራ ትኽእል ወርቂ ርእይቶኻ ኢዩ። ኣብዚ ግን ንስካ ጨርቂ ንዝገብርካያ ካልእ ወርቂ ኮይና ዝተሰመዓቶ ክብድህ ምስ ዝፍትን ብቑልጡፍ ናብ ካልእ መደምደምታ ምኻድ ይረአ ኢዩ። ኣብዚ ተጻዋርነት ክጥረን ሓሳብ ብሓሳብ ክብዳህን ኣለዎ እብል። ካልእ ኣብዚ ዝበልካዮ ጉዳይ ብናይ ውልቀይ ርእይቶ ክዕጾ ኣለዎ ኣይብልን ዝተዓጽወ እንተልዩ’ውን ኣብ ዝቕጽል ከተነጽሮ ትኽእል ኢኻ።
መም/ መኮነን ተስፋይ
7፡ወዲ ዓብለል……
ሰላም ኣቶ መኮነን ተስፋይ! ዛራ ገጠምቲ፡ ካብ ትምስረት ኣትሒዛ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብቁልጡፍ ናህሪ ዓበይቲ ናይ ዝተፋላለዩ ዓውዲ ስለ-ጥበብ ጸሓፍቲ ሓቂፋ ከም ዝነበረት ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ኽብል ኮለኹ ግን ነይራ ድኣ እምበር ኣብ’ዚ ሰዓት እዚ ብፉጹም ኣላ ክብል ኣይክእልን‘የ ። ጠንቂ ናይ እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዛራ ጉጅላዊ ንሕንሕ ከም ዘሎ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ፉሉይ ኣገጣሚታት፡ ከም ነቐፈታ መሳሌ ዝላዓለሉ ገለ ናይ ጸሓፊ ደጋፊ ክኾኑ ከለዉ፡ ገለ ውን ናይ ነቓፊ ኮይኖም ዝፈጥርዎ ፍሕፍሕ፡ ከም ኣብነት ክጠቕሶ ይደሊ። እንተኾነ ግን፡ ዛራ ነጻን ዘይሻራውነትን፡ መርገጺ ሒዛ ንጀማርን ንበዓል ተመክሮን እተዋራርስ መኣዲ ስነ-ጥበብ ዶ ኣይኮነትን?ኣብዚ ነጥቢ‘ዚ ዘለካ ሪኢቶ ከመይ ይመስል? ኣስፊሕካ ክትገልጸልና እሓትት!?
ኣድሚናት ምስ መስረቲ ዛራ ገጠምቲ ኣቶ መኮነን ተስፋይ(ማለት ምሳኻ) ነቲ ናይ ዛራ መትከል ነጻን ዘይሻራውነትን ዝብል ብተደጋጋሚ ክጥሕሱ ይረኣዩ። ንኣብነት ኣነ ብውልቐይ ሓደ እዋን ኣብ ዛራ ንዝወረደ ጽሑፍ ከም ነቐፈታ ኣልዒለ ኣብ ዝማላለሰሉ ዝነበርኩ እዋን (ብኣኻ) ካብ ናይ ውልቒ time line ናትካን ካብ ዛራ ገጠምትን፡ ቡሎክ ተባሂለ። ኣብ‘ቲ ናይ ውልቕኻ ታይም ላይን ዝወሰድካዮ ስጉምቲ ብዙሕ ውን ዘዛርብ የብሉን መስልካ ስለ ዝኾነ። ካብ ዛራ ገጠምቲ ግን ኣድሚን ዘይምንባርካ ክንሱ ሓደ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደለኹ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ኣድሚን ዝነበረ ናብ ኣድሚን ኣእትዩካ። ቐጥታ ድማ ብሎክ ገርካኒ። ድሕሪ ናይ 24 ሰዓታት መቕጻዕቲ ከም ዝምለስ ተገይሩ። ብዛዕባ እዚ ዘለካ ንጹር መብርሂ ክትሃበኒ ውን ምደለኹ። ኣድሚን ዘይከንሰኻ ብውልቕኻ ኣብ ልዕለይ ከምዚ ስጉምቲ ክትወስድ ርትዓዊ ድዩ?
ከም ተውውሳኺ ከየራገግጽክዎ ከሓልፍ ዘይደሊ፡ ገለ ኣባላትን፡ ኣድሚናትን፡ መስራቲ ዛራ ገጠምትን ኣብቲ ናይ ነቐፈታ ጹሑፋታይ፡ ዘንብርዎ ዝነበሩ ጭሮሖታት ሓደ ዓይነት ነይሩ። ንኣብነት ብገለ ወገን ኣድሚናት ነቲ ንስኻ ዝጨራሕካዮ ጭሮሖ (ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ምጭባጥ) ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግብረመልሳዊ ጽሕፋቶም ከም ጭሮሖ ይደግምዎ ነይሮም። እዚ ሓደ ወገናዊ ወይ ከኣ ጉጅላዊ ተልእኾ ኣየመልክትን ዶ? ንሓሳብ ብሓሳብ ምስዓብ ዶ ኣይመሓሸን ካብ ብዘራይን ደገፍትን? የቀንየለይ!
መም መኮነን ተስፋይ
ሰላም ወዲ ዓብለል ስለቲ ተገዲስካ ክበርሃልካ ዝደለኻዮ ሕቶ ምሕታትካ አመስግነካ፡ ነዚ ምስጋና’ውን ብለመጭነት እንተዘይሪኢኻዮ ማለተይ’የ። ፈለማ ዛራ ከምቲ ናይ ፈለማ ኔራዶ የላን ዝብል እቶም ክጠቕሶም ትኽእል ሰባት ዋላ እንተዘይሃለው እቲ ስራሕ ግን ኣሎ። ስለዚ ዛራ ኔራ ዝብል ኣይሰማማዕሉን። እንተ ዘይትነብር 3ይ ውድድር ዛራ ገጠምቲ ካብ 2ይ ወድድር ብብዝሕን ብዓይነትን ኣይምበለጸን። ደርዘን ሕቶ ንገጠማይ፡ ምትኽኻእ ኣድሚናት፡ ምጽንባር ኣዚዮም ብዙሓት ሓደስቲ ገጠምቲ ወዘተ ወሲኽካ ዛራ ኣላ። ብዛዕባ ጉጅለ እንተመጺኻ’ውን ኣብ ዛራ ጉጅለ ዝበሃል የለን። ኣድሚናት ከም ጉጅለ ትሓስቦም እንተሊኻ እንድዒ፡ ካብ ዛራ ኮርዮም ዝወጹ ሰባት ጉጅለታት መስሪቶም ክትብለኒ እንተደሊኻ ምምስራት ጉጅለ ይኹን ካልእ መሰሎም’ዩ። ኣብ ሓደ ዝለዓል ኣርእስቲ ናይ ነቓፊ ደጋፊ ክህሉን ዝቃወም ክህሉን ንቡር’ዩ እዚ ብኣሉታዊ ኣጠማምታ እንተር ኢናዮ ናብ ድላይና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ንዓይ ግን ንቡር ነገር’ዩ። ሓንቲ ጽባቐ እታ ግጥሚ ዘይተራእየቶ ሰብ ግድን ከማይ ጽባቐኣ ክረኣየካ ኣለዎ ክትብሎ ዝከኣል ኣይመስለንን። ዕላማ ዛራ ንኹሉ ብዘይ ሻራዊ መንገዲ ንጀማርን ንሓድሽ ከተአንግድ’ዩ ኣብዚ ዘካትዕ የበልናን። ኣነ ኣብ ዛራ ሻራ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ከምዚ ዝብለካ ኣድሚናት ብሓደ ክሰርሑን ነቲ መትከላት ናይቲ ገዛ ከተግብሩን’ዮም ተመሪጾም። ኣብዚ ብሓደ ኮይኖም ክመላለሰኡ ተዓዚብካ ሻራን ካልእን ትብል እንተሊኻ ኣይተረዳኣንን። ሻራ እንተሊዩ ንቐፎም ተዛረብ። ክትዛረብ እንከለኻ ግን ብይምስለኒ ዘይኮነ ብጭብጢ። ብመጠን ትዛረቦ’ውን ንዝመጸካ መልሲ ተጻዋርነት ክህልወካ ኣለዎ።
ኣድሚናት ምስ መስራቲ ዛራ ጥበባት መኮነን ተስፋይ ኮይኖም ነቲ ዛራ ናጻን ዘይሻራዊትን ዝብል መትከል ክጥሕሱ ይረኣዪ ኢልካ። ኣብ ከመይ ኩነታት እንተተብርሆ ጽቡቕ ምኾነ። ኣነ ብውልቀይ ብዘይፍላጥ ዝጠሓስኩዎ እንተልዩ ይቕሬታ እሓትት። ኣነ ካብ ኣድሚን ምስ ወጻኹ ሓደ ሓደ የገድስ’ዩ ዝበልኩዎ ጽሑፋት ናብ ዛራ ይሰድድ’የ። ነዚ ድማ ኣድሚናት ንገሊኡ ኣፕሮቭ ይብልዎ ንገሊኡ ድማ ኣይብሉዎን። ካብኡ ሓሊፉ ዝጠሓስኩዎ ኣሎ ኣይብልን። ኣብዚ ናይ ዛራ ሓደ ኣድሚን መሊሱካ ደሓር ንዓይ ብሎክ ጌርካኒ ዝበልካዮ። ልክዕ’ዩ ኣብቲ ናይ ውልቀይ ብሎክ ጌረካ’የ ንሱ’ውን ካብ ቂም ወይ ቅርሕንቲ ተበጊሰ ዘይኮንኩ ኣብቲ ሽዑ ረስኒ ስለዝነበረካ እቲ ንስኻ ትብሎ ጥራሕ ቁኑዕ እምበር ካልእ ሰብ ዝብለካ ቅኑዕ ዘሎ ይመስለካ ስለዘይነበረ ካብ ሕማቕ ምዝራብን ኣብ ዘየድሊ ምምልላስ ንዘይምእታውን’የ ብሎክ ጌረካ። ኣብ ናይ ውልቀይ ብሎክ ዝገብሮም ካልኦት ሰባት’ውን ምስ ዘለኒ ጽበት ግዜ ግዜየይ ብግቡእ ንምጥቃም ካብ ዝብልን ኣብ ዘየድሊ ምምልላስ ንዘይምእታውን’የ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዛራ ኣነ ብሎክ ኣይገብረኩኻን። ናብ ዛራ ንሓደ ክልተ ሰሙን ይኸውን ዝተመለስኩሉ’ውን ናይ ምስግጋር ግዜ ስለዝነበረ ኣድሚናት ንኣተሓሕዛን ኣታኣላልያን እቲ ገዛ ተሸጊሮም ስለዝነበሩ መስመሩ ንምትሓዝ ክሕግዞም’የ ተመሊሰ። እዚ’ውን ብጠለብ ናይ’ቶም ኣድሚናት’ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣነ ብሎክ ዝገበርኩዎ ሰብ ኣይነበረን። ብሎክ ጌረካ እንተኔረ’ውን ኣብ 24 ሰዓት ክትምለስ ትኽእል ኢኻ ኣይብልን። ካልእ ኣብቲ ናይ ጭርሖን ገለን ትብሎ ዘለኻ። ደሓን ንሶምስ ነታ ኣነ ዝተጠቐምኩላ ጥቕሲ ተጠቒሞምላ ንበል። ምሉእ ብምሉእ ናይ ሰብ ቃላት ኣብ ምድጋም እናወዓሉ ንነብሶም ፈጺሞም ዘጥፍእዋ ሰባት ደኣ እንታይ ክትብሎም ኢኻ? ኣብዚ ናይ ጭርሖ ጉዳይ ድማ ብዛዕባ ኣየናይ ጉዳይ ትዛረብ ኣለኻ ሒዘካ ኣለኹ። ኣብቲ እዋን እቲ ብወገንካ ንዝገብርካዮ ጉድለት ይቕሬታ’ውን ኣይሓተተካን። ሽዑ ካባይ ጀሚርካ ንሰባት ዘሊፍካ ኢኻ። ፋኑስ ፋኑስ ንኣለና ኸኣ ንብል ግጥሚ ብርሃነ ገብረሂወት ካብ ስነጥበብ ዋጻኢ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ብዘለዎ ዘምስል ነታ ግጥሚ ነቒፊዋ። ታደሰ ተስፋይ’ዩ ‘መስለኒ ነታ ጽሕፍቲ ናብ ዛራ ኣምጺኡዋ። ኣብ ኡ ድማ ኩሉ ሰብ ርእይቱኡ ኣስፊሩ። ኣብዚ ግዜ ንስኻ ኣነ ነቲ ናይ ፋኑስ ሓሳባት ስለዝነቐፍኩዎ “ዓይኒ እንተተሃርመት ኣፍንጫ ትነብዕ” ብምባል ናይ ብርሃነ ነቐፌታ ንዓይ ከም ዘሐመኒ ብዙሕ ኢልካ። ኣነ ድማ ብርሃነ ዘራይ ወይ ዳጌፋ ዝደሊ ሰብ ኣይኮነን ንነብሱ ንምክልኻል ኣኺሉ ዝተርፍ ዓቕሚ ኣለዎ ወዘተ ኢልካ። እዚ ንዓኻ ደስ ኣይበለካን። ግደ ሓቂ ዝተበሃሃልና ተበሃሂልና ኣብታ ሰዓት ክትተርፍ ዝግብኣ ዝነበረ ንስኻ ኪኖኡ ኬድካ። ኮሪኻ ፋኑስ ኣብ ዝመስረታ ላዛ ትግርኛ ኣብ ዝብል ግሩፕ ኣድሚን ኮይንካ ብኢድ ዋንጭፍ ንዛራ ክትጻረፍ ጀሚርካ። ትጽሕፎም ዝነበርካ ኩሎም ኣይኹኑ እምበር ይከታተሎም ኔረ’የ ዛራ ድላይካ ዘይትዛረበላ ግሩፕ ከም ዝኾነት ኢኻ ትጥቀስ ኔርካ። ድላይካ ኣብ ዘይትዛረበላ ግሩፕ ደጊምካ ድላይካ ክትሓትት ምምጻእካ’ውን ካብቲ ዘገረመኒ’ዩ። ብዝኾነ ብወገነይ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ ብምባል ካብ ሎሚ ንኹሉ ነገር ገዲፈዮ ኣለኹ። ብወገንካ ዝተቐየምካለይ ነገር እንተሊዩ’ውን ይቕሬታ እብለካ።
8፡ኣማን ተኸስተ…
ንዝመጽእ ውድድር ግጥሚ ኣብ ዛራ ንምስፉሑን ምምዕባሉን እንታይ ሓሳባት ከተካፍል ትደሊ? ከምኡ’ውን ጉጅለ ዛራ ገጠምቲ ንምዕባይ ትልግሶ ሓሳብ እንተልዩ?
መም መኮነን ተስፋይ
ኣማን ፈለማ የቐንየለይ። ኣብ ዝመጽእ ውድድር ዝሓስቦ ወይ ከስርሕ ዝኽእል እንተኾይኑ ክግበር ኣለዎ ዝብሎ። እዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት እናርኣየና ዝኸደ ነገራት ኣሎ። ንሱ ድማ ነዚ ዝመጽእ ውድድራት ብዝያዳ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ ጽቡቕ መሐበሪ ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ ውድድር እንታይ ምበልኩ ኣነ ክልተ ምድብ እንተዝህሉ ምድብ ሀንለን ወይ ድማ ካልእ ስም ክወሃቦ ይኽእል። ብዝኾነ ክልተ ደረጃታት ይህልዎ። እቲ 1ይ ደረጃ ምኩራትን ዓበይትን ዝበሃሉ ገጠምቲ ዝወዳደሩሉ እቲ 2ይ ድማ ማእከሎትን ጀመርትን ዝወዳደሩሉ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ዘሸግር ከመይ ጌርካ ነቶም ገጠምቲ “ንስኻ ኣብ ከምዚ ደረጃ ኢኻ ትወዳደር” ትብሎም ዝብል’ዩ። ኣብዚ ባዕሎም’ዮም እቶም ተወዳደርቲ ግጥመይ ኣብ ከምዚ ደረጃ ትወዳደረለይ ኢሎም ዝሰዱ። ብጀካ ውሑዳት ዝበዝሑ ገጠምቲ ዓቕሞም ይፈልጡዋ’ዮም። መን ይበልጾም ንመን ይበልጽዎ ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡ’ዮም። ልክዕ’ዩ ብሓንቲ ግጥሚ’ዮም ክወዳደሩ ይኹን እምበር ባዕሎም’ዮም ነቲ ደረጀኦም ዝውስንዎ። እንድሕሪ ኩሉ ሰብ ኣብ 1ይ ደረጃ ኢሉ ጽቡቕ ብድሕሪኡ ዝመጽእ “ከመይ ጌሮም በዓል ኩስቶ ምስ በዓል ኩስቶ ይወዳደሩ ተስፋ ከቑርጹ ኢዮም” ወዘተ ዝብል መረረ ይተርፍ። እዚ ክልተ ደረጃ እንታይ ኢዩ ጥቕሙ። እቶም ኣለው ዝበሃሉ ገጠምቲ ኣብ ዳንነት ተሓጺሮም ከይተርፉ ወይ ደረጃና ኣይኮነን ብምባል ካብ ምውድዳር ከይቦኽሩ ወይ’ውን ስክፍታ ዘስዓቦ ጸገም ካብ ምውድዳር ከይዕንቀፉ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ። ካልእ ናይ ገንዘብ ወይ ሽልማት ሕቶ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብመጠን ኣበርክቶ ናይ ገንዘብ እንተርኢና ውሱናት ሰባት ኢዮም ዓመት ዓመት ዝህቡ። ኣነ ዝፈልጦ ስሙ ክጥቀሰሉ ዘይደሊ ኣብ እስራኤል ዝነብር ግዱስ ሰብ ኣብ 2ይን 3ይ ውድድር ጥራሕ ብድምር 300 ሂቡ’ሎ። ካልእ ሓደ ሰብ ውድድር ካብ ዝጅመር ክሳዕ ሕጂ 100 ዶላር ወይ 50 ዶላር ዝህበና ድምጻዊ’ሎ። ካልኦት’ውን ኣለው። እዚ ንሽልማት ዝዋጻእ ገንዘብ ኣቐዲሙ ብሓንቲ ኮሚቴ እንተታሒዙ ንክልቲኡ ደረጃታት ዝኸውን ገንዘብ ብቐሊሉ ክትእክብ ትኽእል’ያ። ኣብ ስደት 30 ደረስቲ እንተሊዮምና’ሞ ረኺብና ነፍሲ ወከፎም 50 ዶላር ከም ዝህቡ እንተጌርናዮም 1500 ዶላር ኢዩ ዝኸውን። ስለዚ ምስራሕ የድሊ። ገንዘብ ይእከብ’ዩ።
ካልእ ነቲ ውድድር ተካይድ ቦርድ ክትህሉ ጽቡቕ’ዩ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ዝመጽእ ውድድር ብዝተኻእለ መጠን እቶም ንጡፋት ዘለው ገጠምቲ ክወዳደሩ እምበር ክዳኒ’ዩ የብሎምን እብል። ሎሚ ዓመት ክወዳደሩ ካብ ዝግብኦም 3 ገጠምቲ ብጀካኻ ኣማን ኣብ ዳንነት ዝነበሩ ገጠምቲ’ዮም። ማይኮ ተኽለ፡ የውሃንስ ኣብርሃም፡ ግርማይ የውሃንስ ሰለስቲኦም ንጡፋት ገጠምቲ ኢዮም።
ኣብቲ ጉጅለ ዛራ ገጠምቲ ንምዕባይ እንታይ ትልግሶ ሓሳብ ኣሎ ዝብል። ድሮ ቦርድ ክቐውም ጽቡቕ ኮይኑ ይስመዓኒ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ ኣለኹ። እዚ ቦርድ ምቛም ኣብ ኣድሚናት ንዘጋጥም ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ይኹን ኣብ መንጎ ኣድሚናትን ኣባላትን ዘጋጥም ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ክትሕግዝ’ያ። ካልእ ከም ገለ ኣብቲ ገዛ ንምብታን ዝሰርሑ ሰባት ተቐልቂሎም’ሞ ናብ ባእስን ካልእ ምጉጅጃልን ዘምርሕ ኩነታት እተተፈጢሩ እታ ቦርድ ነቲ ናይ ኣድሚን ስራሕ ተረኪባ ነቲ ዕማም ከተሰላስሎ ትኽእል። ሓደሽቲ ሓሳባት ተፈልፍል። ዕማም ውድድር ትስከም ወዘተ። ንሱ ህዝቢ ብዝተሰማምዓሉ ብዝንደፍ መምርሒ ስራሕ ክኽየድ ይከኣል’ዩ። ካልእ ዛራ ጥበባት ዝብል ሰኪዔት ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ሰኪዔት ሓበሬታ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ንዝግበሩ ንጥፈታት ናብ ህዝቢ ከሕልፍ’ዩ ዝጽዕር። ነዚ’ውን ኣብ ቀጻሊ እታ ቦርድ ይኹን ኣድሚናት ከም ዝጥቀምሉ ምግባር ይከኣል’ዩ። ኣይፍለጥን’ውን ሓደ መዓልቲ ፈይስቡክ እንተተዓጽዩ ከም መተካእታ እታ ሰኪዔት ሓበሬታ ክትህልወና’ያ። ካልእ ብዙሕ ዝብሎ የብልይን ውዒልና ሓዲርና ግን ምምስራት ዓለም ለኻዊ ማሕበር ገጠምቲ ትግርኛ ንምቅልጣፍ ዛራ ሓደ ዕማም ክትወስድ ምድላዋት ክንገብር ኣለና እብል። ኣብ ነዊሕ መጻኢ’ውን ዛራ ናይ ባዕላ ሬድዮ ክትከፍት ዝኸብድ ኣይኮነን እብል።
9፡ኣዱሊስ ፎሮ ኤርትራ….
ዝኸበርካ መኮነን፡ እዚ ሕጂ ዝፈሪ ዘሎ ግጥምታት ምስቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝፈረየ ግጥምታት ወይ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣረኣኢኻ፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ትብል? ንቅድሚት ሰጊሙዶ ወይስ ንድሕሪት ዚኸይድ ዘሎ ይመስለካ? ንድሕሪት ይኸይድ ኣሎ ዚብል ኣረኣእያ እንተሊካ፡ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ወይ ኪኑኡ ንምስጓም ተራ ገጽ ዛራ ገጠምቲ ከመይ ዚበለ ኣበርክቶ ኪህልዋ ይኽእል? ኣብ ዛራ ዚካየድ ዕድላት ኢሂን-ምሂን ብዛዕባ ግጥሚ፡ ነተን መኣድታት ስነጥበብ ውሽጢ ሃገር ኪትክኦ ተኽእሎ ኣሎዶ ትብሎ? ዛራ ገጠምቲ ዝበረኸ ዕላሙኡ እንታይ ንምህራም’ዩ ትብል?
መም መኮነን ተስፋይ
ዝኸበርካ ኣዱሊስ ፈለማ የቐንየለይ፡ ብምቕጻል እዚ ኣልዒካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ብባዕላዊ ገምጋም ጥራሕ’የ ክዛረብ። ዛጊት ዝተገብረ ጽጹይ መጽናዕቲ ስለዘየለ ብልክዕ ከምዚ’ዩ ኢለ ክዛረብ ክሽገር’የ። ከም መኮነን እቲ ኣብ 2000 ዓም ምስ ምቕልቃል ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ምስምስራት መኣዲታት ስነጥበብ ዝፈረየ ግጥምታት ዛጊት መዳርግቲ ኣይተረኽቦን እብል። እቲ ምኽንያት ከኣ ርዱእ ኢዩ። ንገጣማይ ናጽነቱ ኣሕዲግካ ብርዒ ጥራሕ ሂብካ ግጠም ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ እንተኢልካዮ ድማ ንይምሰል ጥራሕ’ዩ ክገጥም። እዚ ምስ ምትእትታው ሃማመተኤ ኣብ መኣዲታት ስነጽሑፍ ወፍሪ እንድሪያስን መሰለቱን ምስ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ተደሚሩ ብቕዓት ግጥምታትና እናጎደለ ከይዱ’ዩ። ሕጂኸ ዝበዝሐ መንእሰይ ኣብ ስደት’ዩ ዘሎ ብኡ መጠን’ውን መብዛሕትኦም ገጠምቲ ኣብ ደገ ኣለው ትብለኒ ትህሉ። ልክዕ’ዩ እዞም ኣብ ስደት ዘለው ገጠምትና መሊኡ ዝፈስስ ናይ ምጽሓፍ ናጽነት ኣለዎም። ይኹን እምበር ስደት’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሃስያ ኣለዎ። ትገጥመሉ ዘለኻ ህዝቢ እቲ ንግሆን ምሸትን ትርእዮ ዘለኻ ህዝቢን ኣከባቢን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ብቕዓት ከንቆልቁል ተኽእሎ ኣሎ። ማሕበራዊ መድያታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ፈይስቡክ ኣብ ምዕባለ ግጥሚ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ ንባዕሉ ኣብ ብቕዓት ፍርያት ግጥምታት ሃስያ ኣለዎ። ሓደ ገጣሚ ብቐጥታ’ዩ ምስ ህዝቢ ዝራኸብ ዘሎ። ኣብ መንጎ ሓሳብ ዝህቦ ወይ እዚ ከምዚ ኮይኑ ዝብሎ ኣሰናዳኢ ወይ ካልእ ኪኢላ የለን። 2ይ ነቓፋይ በቲ ካልእ ገጣማይ ድማ በቲ ካልእ ኮይኖም ማዕረ ኣብ ግጥመይ እንታይ ኣእተወካ መን ርእይቶ ሃበለይ በለካ ግጥመይ ንሓላፊ መንገዲ ኣይኮንኩን ጽሒፈዮ ዝብሉኻ ሰባት ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎ ርሒብ’ዩ። እዚታት ንባዕሉ ካልእ ሃስያ ኣለዎ። ብሓፈሻ ክዛረብ ግን ካብቲ ቅድሚ 3 ወይ 4 ዓመት ዝነበረ ብቕዓት፡ ኣፍልጦን ተገዳስነትን ኣብ ስነግጥሚ ትግርኛ እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ብዕጽፍታት ይበልጽ። ኣብቲ ናይ ድሕሪት ምኻድ ዝብል ደፊረ ናብ ድሕሪት ይኸይድ ኣሎ ክብል ኣይክእልን፡ ደው ኢሉ ኣሎ ክብል’ውን ኣይደፍርን። ግጥሚ ዝጸሓፈሉ ዛዕባታት ኣዚዩ ውሑድ ምህላው ገጠምቲ በቲ ዘሎ ኩነታት ናይ ሃገርናን ስደትን ተጽልዮም ይጽሕፉ ምህላዎም ርዱእ’ዩ። እዚ ከኣ ምስ ግዜ ዝቕየር ነገር’ዩ። ከምቲ ዝገለጽኩልካ ይውንጨፍ ኣሎ ክብል ደኣ ኣይክእልን እምበር ብመጠኑስ ፍሑኽ ይብል ኣሎ።
ዛራ ገጠምቲ ነተን መኣድታት ስነጥበብ ውሽጢ ሃገር ኪትክኦ ተኽእሎ ኣሎዶ ትብሎ? ዝብል ሕቶኻ ብዛዕባ ኣየኖት መኣድታት ስነጥበብ ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገርና መኣድታት ስነጥበብ ኣለዋ ኣይብልን። እንተልየን ከኣ ሃማማተኤ መጎሳጎሲን መብልዒ ኣበልን ዝገብርዎ ናይ ዞባታት መገሻ ጌሮም ንፕሮፓጋንዳን ዜናዊ ሃልክን ዝጥቀሙሉ’ዩ። እተ ሓቀኛታት ናይ መኣዲ ስነጥበብ ሃገርና ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት፡ ማህጸን ስነጥበብ መንደፈራ፡ መኣዲ ስነጥበብ ዓዲቐይሕን ካልእን ኣብ 2001ን 200ን ፈሪሰን’የን። ስለዚ ዛራ ነዘን መኣድታት ተኪኣተንዶ ክንብል እንተኾይና ኣብ ብዝሒ ግጥሚ ብዙሕ ዘጠራጥር የብሉን ተኪኣተን’ያ ኣብ ብቕዓትን ግን ሕጂ’ውን ደፊረ ክዛረብ ክሽገር’የ ርእሱ ዝኸኣለ መጽናዕቲ ዘድልዮ ስራሕ’ዩ።
ዛራ ገጠምቲኸ ዝበረኸ ዕላምኡ እንታይ ንምህራም’ዩ ትብል ንዝብል ሕቶኻ ኣነ እቲ ጉዕዞ ባዕሉ ክሕብረና’ዩ እየ ዝብል። እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም ዘለው ገጠምቲ ትግርኛ ምርኻብ፡ ሓድሕድ ተመኩሮ ምልውዋጥ፡ ብሓደ ኮይንካ ንብቕዓት ስነግጥሚ ምዕባይን ምብሃህልን ዝብል’ዩ ኔሩ እዚ ተሃሪሙ’ሎ እብል። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ስደት ዝነብር ኣብ ስነግጥሚ ትግርኛ ዝግደስ ሰብ ጽቡቕ ግጥሚ ከንብብ ወይ ገጠምቲ ክረክብ እንተደልዩ ናብ ዛራ’ዩ ዝመጽእ። ኣብ ዝተፈላልየ ኣጋጣሚ ዝሓበሩኒ ሓያሎ ሰባት ንግሆ ተንሲኦም ቅድሚ ናብ ስራሕ ምኻዶም ወይ ድማ ኣብ ስርሖም ጥራሕ ኮምፑተር ዝጥቀሙ እንተኾይኖም ድማ ስርሖም እትው ምስ በሉ ተቐዳዲሞም ኣብ ዛራ እንታይ ተጠቂዑ ኣሎ ወይ ዛራ እንታይ ኢላ ንምፍላጥ ፈይስቡክ ከፊቶም ዝርእዩ ብዙሓት’ዮም። እዚ ሓደ ካብቲ ዓወታት’ዩ። ዝበረኸ ዕላማ ግን እዚ’ዩ ክብለካ ኣይክእልን እዚ ገዛ ናይ ህዝቢ’ዩ እቲ ህዝቢ ብዝደልዮን ዓመት ዓመት ብዝመሓየሽ መደባትን’ዩ ዝኸይድ ዘሎ እቲ ዝበረኸ ሸቶ እንታይ ከም ዝኾነ ከኣ ኣብ ጉዕዞ ክንርእዮ ኢና።
10፡ክብሮም ዶሞዝ…
ሰላም መምህር፡ ኣብ ጥበብ ንትገብሮ ወፍርን ጻዕርን ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጸልካ ይፈቱ። ምናልባት ሓደ መምህር ተማሃሩኡ ጸብለል ኢሎም ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ዓስቢ የብሉን’ሞ ካሕሳ መምህር መኮነን ድማ እዚ ክሳብ ዝኾነ እንቛዕ ሓጎሰካ ክብለካ ይፈቱ።
ብምቕጻል ከም መስራትን ኣድሚን ቀዳሞት ዓመታት ዛራን፡ ዛራ ኣብ ጉዕዝኣ ማዕረ ዓወታታ ኣባላታ ዝዓቀበት ዶ ይመስለካ?
ሕግታት ዛራ ኸ ኣብ ምትራሩ፡ ምንጻሩን ዘለካ ሓሳብ ወይ ርእይቶ?
ኣድሚናት ኪኖ’ቲ ብ ወለንትኦም ፍልጠትን ዓቕምን ኣባላት ንምዕባይ ዝገብርዎ ጻዕሪ እከለ ኣብ ከምዚ ይመደብ ዝብል መደብ ስራሕ ይወሃቦም ድዩ? እንተ ተዋሂብዎም ከ ብግብኡ ዓሚሞሞ ዶ ትብል? የቐንየለይ።
መም መኮነን ተስፋይ
ከባሪ ፈለማ 1ይ ዕውት 3ይ ውድድር ዛራ ገጠምቲ ምዃና ደጊመ ዮሃና እብለካ፡ ብምቕጻል ንምስጋናኻ ክብረት ይሃብለይ እብል። እዛ ዛራ ኣባላታ ዓቂባዶ ወይ ድማ ቀዳሞት ተሳተፍቲ ዛራ ኣበይ ኣለው ትብል ኣርእስቲ ብቐጻሊያ ተዛርብ። ኣነ ንቡር ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ ኣብ ጉዕዞ ገለ ሰብ ክእለዩ ሓደስቲ እናተከእዎም ክመጹ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ኩሉ ብሓደ ዝነጥፍ ዝነበረ ሰብ ብሓደ ክጽንሕ ወይ ክቕጽል ክንጽበ ንኽእል ኣይመስለንን። ደሓር እቶም ሰባት ካብ ዛራ እንተረሓቑ ካብ ግጥሚ ኣይረሓቑን። ገለ ሰብ ብናይ ባዕሉ ውልቃዊ ኩነታት ወይ ናብራ ተሳትፎኡ ከዝሕል ይኽእል። ገለ ሰብ ክመኑ ይኽእል ስለዚ ሓድሽ ነገር ሃሰስ ናብ ምባል ክኸይድ ይኽእል። ገለ ሰብ ነቶም ዘለው ንጡፋት ሰባት ጸሊኡዎም ወይ ባህ ዘይበሎ ኮይኑ ክርሕቕ ይኽእል። እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ዛራ ከም ሓንቲ ዓይኒ ማይ ኣብ ስነግጥሚ’ያ ዘላ፡ ሬድዮታት ኤስቢኤስ፡ ጠጥዕሙ ናይ ሬድዮ ኤረና ወትሩ ኣተኩረአን ኣብዚ ገዛ’ዩ። ካብዚ ገዛ ዝኸድይ ግጥምታት ኢዩ ድማ ዝበዝሐ ግዜ ዝንበብ። ዋላ እተን ካልኦት ጉጅለታት ናይ ግጥሚ ካብ ዛራ ብዝወስድኦ ግጥምታትን ተመኩሮን ካልእን’የ ጉጅለአን ዝምስርታ። ብዝኾነ ከባሪ እዛ ጉዳይ ኩሉ ግዜ ከተዛረብ’ያ ኣነ ብዙሕ ዘሻቕል የበልናን’የ ዝብል። ዋላ እቶም ደሃዮም ኣጥፊኦም ንብሎም ዘለና ገጠምቲ ካብ ዛራ ኣይረሓቑን ኣለው።
ኣብቲ ሕግታት ዛራ ምንጻሩን ምትራሩን ዝብል ሕቶኻ ቅቡል’ዩ። ኣነ ኣብ ዛራ ብዙሕ ክሽመደድ ዘለዎ ዝተጋነነ ሕግታት ኣሎ ኣይብልን ። ነዛ ሕጊ ትብል ገለ ሰባት ከም ቀይዲ ወሲዶም ኣብ ዝሓለፈ ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ ክዛረቡላ ተዓዚበ ኣለኹ። ኣብ ዛራ ንገጣማይ ኣብ ግጥሙ ዝግበረሉ ቀይዲ የለን። ድላዩ ዛዕባ ክጽሕፍ መሰሉ’ዩ፡ ከም ክፍሊ ሳንሱር እዚ ቁረጾ እዚኣ ንኸምዚ መሲላ ዝብል ሰብ የለን ኣብ ዛራ። እተን ዘለዋ ሕግታት ውሑዳትን’የ። ቀንዲ ንሰርሓላ ዝነበርና ስእልን ግጥምን ብሓደ ክጥቃዕ የብሉን ብዛዕባ ተመን ገጢምካ ስእሊ ተመን ብዛዕባ ወሓዚ ገጢምካ ስእሊ ወሓዚ ምጥቃዕ ወይ ድማ ግጥምኻ ብዝተፈላለየ መመላኽዒ ምምዕራግ ዝብል ኣብ ዛራ ቅቡል ኣይኮነን ኢልና ከምዚታት እንተመጽዩ ደው ይብል፡ ንኽንበብ ንጹር ዘይኮነ ግጥሚ ናብ ኣንበብቲ ኣይቀረብን፡ ካብ ግጥሚ ወጻኢ ዝኾነ ዛዕባ ኣብ ዛራ ገጠምቲ ኣይእንገድን፡ ገጣማይ ኣብ ግጥሙ ርእይቶ ኣይህብን እዚ ከኣ ድሒሩ ዝተመሓየሸ ሕጊ ኮይኑ ኣባላት እዚ ገዛ ዝተሰማምዑሉን ኣብ መንጎ ነቓፍን ወይ ወሃቢ ርእይቶን ገጣምን ንዘጋጥም ምትህልላኽ ንምዕጋት ተባሂሉ ዝተገብረ’ዩ። ካልእ ደቀቕቲ ሕግታት ውን ይህሉ ካብዚ ሓሊፉ እዚ ናይ ዛራ ሕግታት ንገጣማይ ናጽነት ይኸልኦ ኢዩ ዝብል እምንቶ የብለይን። እቲ ንምትራሩ ዝምልከት ዝሓተትካዮ ሕቶ ናይ ኣድሚናት ስራሕ’ዩ። ኣድሚናት ነቲ ህዝቢ ዝተሰማማዓሉ ሕጊ ክተግብርዎ ኣለዎም ሸለል ክብልዎ የብሎምን። ከምኡ እንተኾይኑ ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ ኢዩ ክኸውን እዚ ከኣ የባእስ’ዩ።
ኣድሚናት ውሽጣዊ ዝኾነ ምምቕቓል ስራሕ ይገብሩ’ዮም። እዚ ኣኣብ ዓመቱ በብዝጥዖሞም ኢዮም ዝገብሩዎ። ናይ ሎሚ ዓመት ኣድሚናት ከመይ ከመይ ኔሩ ኣሰራርሐኦም ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ክገልጹልና ይኾኑ’ዮም። ኣነ ኣብ ዝነበርኩለን ክልተ ዓመታት ኣብቲ ግጥሚ ኣፕሩቭ ምግባር ዝብል በቢ ሰሙን በቢ ክልተ ሰሙን እናበልና ኢና ንማቐሉ ኔርና። ኣብ ፎቶ ሻብ ፍሻለ ዕማም ሒዙ ነቲ ናብ ዛራ ዝተላእከ ግጥምታት ንዝበዝሐ ንጹር ብዝኾነ ኣገባብ ይሰርሖ ኔሩ። ኣሚናዳብ ከም ኡ ኣብቲ ቀዳማይ ዓመት ብዘይ ዕረፍቲ ነቲ ግጥምታት ኣብ ፎቶ ሻብ የስፍሮ ኔሩ። በዚ ኣጋጣሚ ንፍሻለን ኣሚናዳኣብን ስለቲ ዘይሕለል ጻዕሮም ከየመስገንኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን።
11፡ገሬ ሃብቶም (ወዲ ኤሪ ሳውዝ)…
መምህር መኮነን ዛራ ገጠምቲ ካብ ትምስረት ክሳብ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ መደባትን ኣካይዳን ንኽትከይድ መገዲ ጸሪግካላ ኢኻ’ሞ፡ብስም ኩሎም ኣፍቀርቲ ግጥሚ ከመስግነካ።ብምቕጻል ንዛራ ገጠምቲ ክትምስርታ ዝገበረካ ራእይ ኣብ ባይታ ሕጂ ከመይ ይርኣየካ ኣሎ?ዛራ ገጠምቲ ‘ከ ኣብ ንጥፈታታ ከም ዝሓለፈ ዓመታት’ዶ ኔራ ኣብዚ ዓመት?ማሰን መልቀስን፡ጥቕሲ ወ.ዘ.ተ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ኣብ’ዛ ዓመት ‘ዚኣ ኣይነበሩን፡መደብ ቀንዴል ብግዚኣ ጀሚራ እንሀት ድማ ኣቋሪጻ፡እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካብ ኣተሓሕዛ ኣድሚናት ድዩ ወይ’ስ ኣገዳስነትን ተገደስትን ስለዘይብሉ?
መም መኮነን ተስፋይ
ሰላም ገሬ ወዲ ክብረት ይሃበለይ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ዛራ ክሳዕ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ክትበጽሕን ክሳብ ክንዱኡ ኣገዳሲት ክተውከን’ያ ዝብል ራእይ ኣይነበረንን። ክምስርታ እንከለኹ ነቲ ብዓቕመይ ዝፈልጦን ኣብ ገጠምቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ጉድለታት ንምእራምን ኩሎም ገጠምቲ ብሓደ ኮይኖም ኢሂን ምሂን ክበሃሃሉ ካብ ዝብልን’ዩ ኔሩ። ኣብቲ ፈለማ ክትምስረት እንከላ እንተዘኪርካዮ ሰባት ሓንሳብ ዕጉግ ይብሉ ሓንሳብ ድማ ህልም ይብሉ ኔሮም። ኣብዚ ሓንቲ ዘይርስዓ ፌቨን ትበሃል ሓፍትና ካብ ኖርወይ ሓንሳብ ሓንሳብ’ውን ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ግጥምታት ፎቶ ሻብ ጌራ ትሰደለይ ኔራ። እቲ ሰብ ካብ ዛራ ህልም ክብል እንከሎ ኣመና ተስፋ ትቕርጽን ንዓይ’ውን ተስፋ ዘይምቑራጸይ ትግረመለይን ኔራ። ኣነ ሽዑ ዝብላ ዝነበረኩ ሰብ ይጥፍእ ኣይጥፋእ እታ ገዛ ኣላ ርግጸኛ እየ ድማ ሰባት ንዛራ ብዝግባእ ምስ ተረድእዋን ምስ ፈለጡዋን ዚያዳ ክመጹን ክሳተፉን እብል ኔረ። እዚ ራእይ እዚ ክዉን ኮይኑ’ዩ። ዝበዝሐ ዝምስረት ናይ ፈይስቡክ ጉጅለታት ዕድሚኡ ሓጺር’ዩ። እዚ ግን ኣብ ዛራ ኣይተራእየን። ካልእ ኣብቲ ንጥፈታት ዝበልካዮ ኣገዳስነት ስለዘይብሉ ኣይብልን። ልክዕ’ዩ ገለ ዝጠፍአ ኣሎ ከምቲ ዝጠቐስካዮ ጥቕሲ ሰንበት ዮናስ ጋርዛ፡ ታደሰ፡ ፍሻለ’ዮም ዝሰርሕዎ ኔሮም ሎሚ ዓመት ኣድሚናት ሸለል ኢሎማ’ዮም ኣይዘከሩዋን፡ ከምኡ’ውን ማሰን መልቀስን ዝብል ኣነ እየ ዘቕርቦ ኔረ መደባት ኣግፊሐ’የ መስለኒ ሸለል ኢለያ። ብጀክኡ’ውን ካብ ዛራ ከዕርፍ ኣለኒ ስለዝበልኩ ብዙሕ ኣይተገደስኩላን። ቃል እኣቱ ብሕጂ ጸጸኒሐ ገለ ከበርክት። ቀንዴል ትብል መደብ ኔራ ንሳ ዳርጋ ብደርዘን ሕቶ ንገጣማይ ተተኪኣ ኢያ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ቀንዴል ሳባን ደሳለን’ዮም ሒዞማ ኔሮም።ክልቲኦም ጽቡቕ ጀሚሮማ ኔሮም ግን ኣይቀጸሉን። ደሳለ ካልኡ ስለዝገፍሖ ሸለል ኢሉና መስለኒ።
12፡ዛራ ገጠምቲ…
ኣብ መወዳእታ ንዘሃብካና ሰፊሕ መልስታት ‘ናመስገና። ምስ እቲ ተረሲዑ ከይተባህለ እሞ ክምልኦ ትብሎ ሓውዊስካ ትምለሰን ሕቶታት ኣለዋና። ኣብ ዛራ ዝወርዱ ግጥምታት ንምስናዱ እንታይ ዝተገብረ ተበግሶታት ኣሎ? መጽሓፍ ዛራ ገጠምቲ ንምሕታም መመይቲ ተመሪጾም ድሮ ስርሖም ከም ዝጀመሩ ኣብ እዋኑ ተገሊጹና። ደሃይ’ዛ መጽሓፍ ኣብ ምንታይ ተበጺሑ ኣሎ?
መም መኮነን ተስፋይ
ፈለማ ንሓሙሽተ ኣድሚናት ብሓባር ምስ ሙኒር ወሲኸ ከመስግነኩም ሙኒር ኣብዛ ናይ ደርዘን ሕቶታት ንገጣማይ ንማይኮ ተኽለ ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ኣበርክቶ ጌርካ እሞ ምስጋና ጥራሕ’ውን ይኣኽለካ ኣይብልን። ኣብ ዛራ ዝወረደ ግጥሚ ንምስናዱ ዝተታሕዘ መደብ ዝብል ብስሩዕ መንገዲ ዝተታሕዘ የለን። ብሕጂ ሰባት መዲብና 2 ወይ 3 ሰባት’ውን ይኣኽልዎ ኢዮም ክንሰርሓሉ ንኽእል ኢና። ገለ ካብዚ ግጥምታት ኣብ ዛራ ጥበባት ኣሎ ግን እኹል ኣይኮነን። መጽሓፍ ዛራ ገጠምቲ ንምሕታም ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ ብህዝቢ ዝተመርጸት ኮሚቴ ቆይማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናይ ምቛማ ድማ ስራሓ ጀሚራ። ዛጊት ላህመም እናበለት ትኸድይ ኣላ። ግዜ ይነውሕ እምበር ኣብ መወዳእታስ እታ መጽሓፍ ክትዳሎ’ዩ። ድሮ 1ይ ገጽ ናይቲ ዕማም ወዲእና ናብ 2ይ ገጽ ሰጊርና ኣለና። ኣብታ መጽሓፍ ናይ ሰለስቲኡ ዓመት ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ዝወጻ ግጥምታት ክኣትዋ ኢየን(ናይ 2ይ ውድድር 7 ወይ 8 ጥራሕ’የን ብሉጻት)። ዝተረፈ እታ ኮሚቴ ትመርጾም ዘላ ግጥምታት’ዮም ክኾኑ። እታ መጽሓፍ ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኸውን ግጥምታት ክትሕዝ’ያ። መማዩት ኮሚቴ ኣዚዩ ጸቢብ ብዝኾነ መስርሕ’ያ ነቶም ግጥምታት ተሕልፎም። እቲ ዝርዝርን ካልእን ኣብ ቀጻሊ ክጥቀስ ዝኽእል ይመስለኒ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣብቲ ፈለማ ምርጫ ምስ ተኻየደ እዞም ዝስዕቡ 7 ሰባት’ዮም ተመሪጾም ኔሮም። ንሳቶም ድማ
መኮነን ተስፋይ፡ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ቦኽረ ገብረየሱስ፡ ፍሻለ ተስፋይ፡ ፍቕረይ የማን፡ ግርማይ ምሑር ኢዮም። በጀካ እዞም 7 ካልኦት ተተካእቲ’ውን ኔሮም። ገለ ካብቶም ተተካእልቲ ፋኑስ ፋኑስ፡ ሩማና ብርሃኑ፡ ማይኮ ተኽለ ሳባ ኪዳነ ኢዮም ኔሮም። ምርጫ ምቛም ኮሚቴ ምሕታም መጽሓፍ ምስ ተዛዘመ ፋልማይ ርክብና ድሕሩ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ’ዩ ኔሩ። እቶም 7 ሰባት ኣብ ሓንቲ ናይ ፈይስቡክ ናይ ዝርርብ ግሩፕ ኣቲና ብዛዕባ ኣመራርጻን ስራሕን ዕማምን ዘተ ጀሚርና። እቲ ዝርዝር ብዙሕ’ዩ ከሕጽሮ ግን ገና ምምይ ግጥምታት ከይጀመርና እንከልና ብኸምይ ንስራሕን ካልእን ኣብ ዝብል ነጥቢ ፍቕረይ የማን ዕቃበታት ከም ዘለዎ እናገለጸ ይኸይድ ኔሩ ነቲ ዕቃበታቱ ድማ ብምርዳዳእ ክፍታሕ ከም ዝኽእል እናተዛረብና እንከለና ነታ ኮሚቴ ዝመርሑዋ ሰባት ንምረጽ ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣቲና ብርሃነ ገብረሂወት ኣቦ ወንበር ፍቕረይ የማን ድማ ናቱ ጸሓፊ ኮይኖም ክሰርሑ ስራሕ ኣረኪብናዮም። ፍቕረይ ናይ ጸሓፊ ስርሑ ከይጀመሮ እንከሎ ን3 ወርሒ ዝኸይድ ኮርስ ስለጀመርኩ ኣይጥዕመንን’ዩ ብኻልእ ተክኡኒ ብምባል ካብታ ኮሚቴ ከም ዝሰሓበ መልእኽቲ ጽሒፉለይ። ብድሕሪዚ 6 ሰባት ስለዝተረፍና ካብ ተተካእቲ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዘለዎ ይእቶ ብምባል ንፋኑስ ፋኑስ ኣድሚና ሲስ ማሳዋ ዕድመ ኣቕሪቡሉ ፋኑስ ፋኑስ ከኣ ናብታ መማዩት ጉጅለ ተጸንቢሩ። ፋኑስ ፋኑስ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ዝብል ሰላምታ ምስ ተለገሰሉ ስራሕና ጀሚርና። ፋኑስ ኣብቲ ናይ ዘተ ግሩብ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ወይ ሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብቲ ምምማይ ይሕግዝ’ዩ ዝበሎ ነጥቢ ከየንበረ፡ ሓድሽ ስራሕ ከም ዝጀመረ ኣብቲ ምምማይ ከም ዘይጥዕሞ ካብታ ኮሚቴ ከም ዝወጸ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ናይ ውልቂ ፈይስቡከይ ሰዲዱለይ። ኣብዚ ንፋኑስ እቲ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ሓባር መዛተዩ ኢኻ ክትጽሕፎ ኔሩካ’ምበር ኣብ ናይ ውልቀይ ዘስድድ እንታይ ኣለካ ክብል ንዝሓተትኩዎ ሕቶ ኣይመለሰን ርእዩዋ ጥራሕ’ዩ ሱቕ ኢሉ። ዝቕጽል ተተካኢ ክርከብ ስለዘለዎ ድሕሪ ፋኑስ ዝነበረት ሩማና ብርሃኑ’ያ። ንሩማና’ውን ናብታ ናይ ምምማይ ኮምቴ ክትጽንበር ኣድሚን ዛራ ገጠምቲ ሲስ ማሳዋ ሓቢሩዋ ተጸንቢራትና። ሩማን’ውን ንክልተ ሰለስተ ሰሙን ይኸውን ነቲ ኩሉ ዝርርብ እናተኸታተለቶ ሓንቲ ቃል’ውን ቡጩቕ ከይበለት ቀጺላ። ምስና ኣላን የላን ክንፈልጥ ሓቲትናያ መልሲ ኣይሃበትን ድሕሪ ኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኸውን ከኣ ሩማና ብመንገዲ ሲስ ተጸሊኡዋ ከም ዘሎ ክትሕግዘና ከም ዘይትኽእል ሓቢራትና ካብታ ኮሚቴ ኣንሳሒባ። ድሕሪዚ ተተካእቲ ዝነበሩ፡ ሳባ ኪዳነን ማይኮ ተኽለን ስለዝኾኑ ንኽልቲኦም ናብታ መማዩት ከም ዝጽንበሩ ድሕሪ ምግባር እቲ ስራሕ ቀጺሉ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ከኣ ኣብ ካላኣይ ገጽ ምምራጽ ግጥምታት በጺሕና ኣለና። ኣብዚ’ውን ሸውዓቲና ኣባላት እታ ኮሚቴ ብዝተፈላልየ ምኽንያት ዛሕልታታት ምርኣይና ኣይተረፈን እንተኾነ ዘገም እናበልና ዋላ ንኹን ካብ ስራሕ ኣይበኾርናን ዘለና።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ። ኣብዚ ገዛ ንሳተፍ ሰባት ምትእምማን ክልህወና ኣለዎ። ዘራኸብና ፍቕሪ ጥበብ’ዩ፡ ዘራኸበና ረብሓ ኣይኮነን። ክሉ እዚ ኣብዚ ዝሰርሕ ዘሎ ዝኽፈሎ ሳንቲ ቀያሕ የብሉን። ኩሉ ብወለንታ’ዩ ኣብርክቶ ዝገብር ዘሎ። ተሳተፍቲ ንኣድሚናት ክንሕግዞምን ክንርዳኣሎምን ኣለና። ኣድሚናት ይሃልኩ ኢዮም። ብጀካ ነቲ ገዛ ምክትታልን ዘዝመጸ ግጥሚ ተርኡ ሓሊኻ ኣፕሩቭ ምባልን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት መዓት መልእኽቲ’ዩ ዝመጾም። ነዚ ክምልሱ ጥራሕ ብዙሕ ግዜ’ዩ ዝሓቶም። ደሓር ሰባት ኢዮም። ዝኾነ ንእሽቶ ኣፈላልይ ክገብሩ ወይ ከኣ በቲ ግዚያዊ ስምዒት ተደሪኾም ገለ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክንርዳኣሎም ኣለና።
ካልእ ብዛዕባ ዛራ ክለዓል እንከሎ ካብ ፈለማ ዝነበረን ጸጸኒሑ በጨቕ ዝብልን ውንጀላታት ኣሎ። እዚ ገዛ ከም ናይ ውልቀይን ኣነ ድማ ከም ገባርን ሓዳግን ንዝጸላእኩዎ ሰብ ብሎክ ከም ዝገብርን ዝዛረቡ ሰባት ኣለው። ኣነ ኣብዚ ገዛ ከም ሰበይ ንምዕባለ እዛ ገዛ ይጽዕትን ይሰርሕን እምበር ዛራ ከም ናይ ውልቀይ ርእየያ ኣይፈልጥን። ከበርክተሉ ዝኽእለሉ ሜድያ ከማይ ንኻልእ ይፍጠረሉ። በጀካ እቲ ኣስታት 4000 ኣዕሩኽ ዘለዎው ናይ ግለይ ፈይስቡክ ጠዓሞት ቢንያም ዝብል ፔጅ ኣለኒ። ዛራ ጥበባት ዝብል መርበብ ሓበሬታ’ውን ከም ኣካያዲ ኮይነ’የ ዝሰርሕ፡ ካልእ ሜድያ’ውን ኣይወሓደን። ስለዚ ዛራ ናይ ግለይ ኣይኮነትን ነቶም ከምኡ ዝብሉ ከኣ ጠቐነን ሰባት ንምግጋይን ዝግበር ጸለመን’ዩ ኣይትጋገዩ ክብሎም ምደለኹ። ኣነ ኣድሚን ኣብ ዝነበረኩሉ ግዜ ብሎክ ዝተገብረ ሓደሰ ጥራሕ’የ ዝዝክር። ንሱ ከኣ ዓወት ኢያሱ ዝበሃል ኣብ ዛራ ብዙሕ ዘየድሊ ምምልላስ ምስ ኣካየደ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎ ኣይስመዐን ፈለማ ንወርሒ ተቐጺዑ ድሕሪኡ መሊስናዮ ደጊሙውን ጸርፍን ዘለፋን ቀጺሉ ሕሉፍ ሓሊፉ ዛራ ማራ ገለ ዝብል ግጥሚ ጽሒፉ ምስቶም ሽዑ ኣድሚናት ዝነበርና ሰባት ኣብ ኢንባክስ ጸርፍን ዘለፋን ቀጺሉ። እቲ ወዲ ንፍሻለ ይቐርቦ ሰለዝነበረ ተዛረቦ ኢልናዮ ክሰምዖ ኣይከኣለን በዚ ድማ ብናይ ሓባር ናይ ኣድሚናት ስምምዕ ብሎክ ጌርናዮ። ካብዚ ወጻኢ ብሎክ ዝተገብረ ሰብ ኣይነበረን። ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ንሓደ ካብዞም ናይ’ዚ ዓመት ኣድሚናት ዘስደምም መልእኽቲ ጽሒፉሉ። እቲ ሰብ ብበለካ ለኽዓካ’ምበር ኣብ ዛራ ዝሳተፍ’ውን ኣይመስለንን ገለ ካብቲ ዝበሎ “መኮነን ኣድሚናት ባዕሉ’ዩ ዝመርጾም፡ ተሪር ሰብ ኣብቲ ገዛ ቦታ የበሉን ንኣብነት ንበረኸት ጋዕሸም፡ መምህር ዮሴፍ ወዲ ወርቀ፡ ንሙሉጌታ ሓድሽ ወዘተ ብሎክ ጌሩዎም ክብል ጽሒፉሉ። ካብዞም ኣርባዕተ ሰባት ኣነ ብሎክ ዝገበርኩዎ ሰብ ኣይነበረን። ሙሉጌታ ሓድሽ ምስ ብርሃነ ገበረሂወት ምስ ተነሃሃረ’ዩ ገዲፈልኩም ገዛኹም ኢሉ ወጽዩ ጸኒሑ ከኣ ባዕሉ ተመሊሱ ። መምህር ዮሴፍ ወዲ ወርቀ ናይ ቀረባ ዓርከይን ኣብ ዓዲ ከልና’ውን ኣብ ሓደ ዞባ ንምህር ስለዝነበርና ናይ ስራሕ ብጻየይን’ዩ፡ ወዮ ደኣ እዛ ዛራ ትኸብደኒ’ያ ግደፍ ደኣ ሞኬ እናበለ ይኣቢ ኔሩ ’ምበር ናብ ዛራ ጽሑፋት ከበርክት ክንደይ ግዜ ዘይሓተትኩዎ። ብዛዕባዚ ብሎክ ምስ ኣዕለልክዎ’ውን በጃኻ ክንዛረብ ዓድመና ክብል’ዩ ተዛሪቡኒ። ኣነ ከም ኣርእስቲ ንበይኑ ፈልየ ከም ሓደ ዓቢ ጉዳይ ክዛረበሉ ኣይደለኹን፡ ሕጂ እገረ መንገዱ ምትንካፉ ግን ጽቡቕ ይመስለኒ። በረኸት ጋዕሸም ኣብዚ ገዛ ግጥምታት ከቕርብ ይዝክሮ’የ ብኸምይ ምኽንያት ንጥፈታቱ ኣዛሕቲሉ ግን ደሃዩ የብለይን።
ዛራ ገጠምቲ
ለካቲት2016