ቀዳማይ ክፋል
# ዛራ ገጠምቲ፤ ዕላማ እዛ መደብ ብምርዳእ ብዘቕረብናልካ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ዘተኮረ ተመኩሮኻ ከተካፍለና ድሉው ምህላውካ ብስም ዛራ~ገጠምቲን ኣዳለውቲ’ዚ መደብን ኣዚና ነመስግነካ። ብምቕጻል፡ ምስ ነብስኻ ብምልላይ ፈሊምካ፡ ድሕረ ባይታኻ ኣብ ስነ-ጥበብ ወስ በለና።
* ኣማን ተኸስተ፤ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሕቶታት ንዝተጠቅሱ ናይ ሰላምታ፡ ምስጋና፡ ኣድናቖት ወዘተረፈ ንዝያዳ ንጹርነትን ዋሕዚ ንባብን፡ ንምስጋናኹም እናኣመስገንኩ ኣልየዮ ኣሎኹ። ‘ስነ-ጽሑፋዊ ዕዮ ከተቕርብ ርኢናካ’ ኢልኩም፡ ከም ስነ-ጥበባኛ መጠን ተመኲሮኻ ኣካፍለና እንተ ኢልኩም፣ ካብቶም ኣንበብቲ ‘ስነ-ጥበባዊ ስራሕ’ ከይረኣይሎም እንከለው፡ ባዕሎም ‘ስነ-ጥበባውያን ኢና’ ኢሎም ቅጽል-ስም ዘጠመቚ ካብ ምዃን ኣገላጊልኩምኒ ስለ ዘለኹም እናመስገንኩ፡ ንጠለብኩም ሓንጎፋይ ኢለ ዝፈልጦ ከካፍል ድሉው’የ። ኣንበብቲ ባዕሎም፡ ‘ስነ-ጥበብ ርኢናልካ’ ኢሎም ክምርቚኒ እንከለው እምብዛ አገድሰኒ።
ኣነ ብዕሊ ብመምህራነይ ዝተመረቕኩሉ፡ ኣብ 2007 ብሲቪል ኢንጂነሪን ኮይኑ፡ ብዘይካ’ቲ ‘ዝሓለምካዮ ብጽሓዮ’ ዝብል ምርቓ ወለደይ፣ ብሕብረተ-ሰበይ’ውን ክምረቕ ካብቲ ዘገድሰኒ’ዩ።
ቊሩብ ዝምባለ እንተሃልዩ፡ ተበግሶን ጻዕርን ምስ እትድርዓሉ፡ ንስነ-ጥበብ ዝኸውን ኣዝዩ ልሙዕ ስነ-ጥበባዊ ባህሊ’ዩ ዘለና ኢለ’የ ዚኣምን። ሓጎሱን መልቀሱን ብኣውሎን ማሰን ወየን ዝገልጽ፣ ኣብ ተራ ዝርርቦም ምሳሌታት/ጥቕስታት ዘዘውትሩ፣ ብዓንደ-ርእሱ እቲ ቋንቋ ትግርኛ ቅኔኣዊ ዝባህርይኡ፣ ምስተን ፋልማይ ድርሰት መጽሓፍቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕተሙ፣ ፋልማይ ፖለቲካውን ፍልስፍናውን ቴማታት (Essay) ኣፍሪቃ ኣብ 1940ታት ዝዘርጉሑ ኣቦታት፣ ስነ-ቅርጻ ቈሓይቶን መጠራን፣ ብሉጽ ኣርቲዴኮ ኣስመራ፣ ብፍሉይነት ጽሕፈት ቋንቊኦም (ግእዝ) ዝሕበኑ ህዝብታት፣ ሃይማኖታዊ ዜማ ዝዓብለሎ እምነትን ባህሊን፣ ባሕሪ ባጽዕ፡ ኣኽራናት፡ ኣጻድፍ፡ ብዜማታት የማነ ባርያን ኣብርሃም ኣፍወርቂን ተኽለ ተስፋዝጊን … ወዘተ. ተኸቢብና ዝዓበና ብምዃንናስ፡ ንተምሳጠ ስነ-ጥበብ ኣብ ቀረብኡ ኢና እብል።
ወላድየይ፡ “ምስ ባህልኹም ዘራኽበኩም ዝዓበየ ነገር ቋንቋ ኢዩ’ሞ፡ ንቋንቋኹም ቀጥ ኣቢልኩም ምለኽዎ፡” እናበለና ኢና ዓቢና። ዓቢ ሓወይ ማለት፡ ዮሃንስ ተኸስተ (ጨዓይ ወዲ-ባጽዕ)፡ ጽሓፊ ስለ ዝነበረ’ውን ጽልውኡ እምብዛ በሪኽ ኢዩ ክብል እኽእል፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምቕላብ/ምስትምቓር ድርሰታት ትግርኛ (1995-98)።
ኣብ 2007-8 ሓንቲ ንደርዘን ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ-ነበር ዝሓቖፈት ጽምኢ ንባብና እነርውየላ፡ ፍኑው ትንታነታት እነውሕዘላ ‘ቡክ-ክለብ’ ነይራትና። ኣብ መኣዲ ዘተና ከኣ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ፍልስፍናዊ፡ ሃይማኖታውን ስነ-ጥበባውን ጠቀስ ጉዳያት ነቅርብ ኔርና። ብጥቕሉሉ ክርአ ከሎ፤ እቲ ካብ ቊልዕነት ዝጀመረ ሓያል ወኒ ንባብ፣ ጽልዋ ወላድን ዓቢ ሓውን፣ ምስቲ ጽልዋታት ‘ቡክ-ክለብ’ ተደሚሩዎ፣ ከምኡ ከኣ ኣብታ ንልዕሊ 1500 ዓመታት ታሪኽ ዘሎዋ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊደ፡ ብማዕበላት ኲናትን ፍቕርን ተኸቢበን ተጸፊዐን ስለ ዝዓበኹ … ወዘተ. ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ናብ ጽሕፈት ዓለም ተጸንቢረ ክብል እደፍር። ከምቲ ልዒለ ዝገለጽኩዎ’ውን፡
ስነ-ጥበብ ዝዓብለሎ ባህሊ ሕ/ሰብ ኣማእኪሉኒ’ዩ። ኣብ 2008 ከም ዝበዝሐ ኤርትራዊ መንእሰይ፥ ፖለቲካዊ ጸቅጢ፡ ቊጠባዊ ኣስሓይታ፡ ሰብኣዊ ሕስረት፡ ባህላዊ ዕንወት ምስ በርትዓኒ ንስደት ገስጊሰ። ዝዓበየ ብድሆ ስደት ግን፡ ካብቲ ስነ-ጥበብ ዝዓብለሎ ድሕረ-ባይታዊ ባህልኻ ተፈንቲትካ፡ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ከተካውን ክብድ ይብል። ብዘይክኡ’ውን፡ መዓልታዊ ደርዘን ሰዓታት እናሰራሕኻ፡ እቲ ናይ ጽሕፈት ንያት (Spirit) ንኸይዓርብ፡ ዘይሕለል ጻዕሪ ከተካይድ ትድረኽ። ክሳዕ መዓስ’ሞ ኣስኪእካ ክንበር!፧ ምስ ድጉል ስምዒታተይ ኣስኪአ ክነብር ስለ ዘይከኣለኒ ከኣ’የ፡ ብዓቕመይ ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ክጽሕፍ ተደሪኸ። ብኣካል ንዘይፈልጡኒ ድማ፡ ኣብ ዱባይ ዚርከብ እኹል ብራኸ ቊመትን እኹል ክብደት ሰውነትን ዘለኒ፡ ኣብ መንጐ ፋልማይን መፋርቕን ሰላሳታት ዕድመ ዚርከብ ምዃነይ ክሕብር እፈቱ።
# ሙሉጌታ ተስፋይ፤ “ግጥሚ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣብ ምትሕልላፍ ሓቀኛ መልእኽቲ ዓቢ ተራ ኣለዎ፡” ይብሃል። ምስ’ዛ ብህሎ ትሰማማዕ እንተኾንካ ምስ መረዲኢታቱ ኣሰኒኻ ርድኢትካ ኣካፍለና፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ሰብ ክልተ ንቚሓት ሓይልታት ይውንን፣ ልብን ኣእምሮን። ልቢ፡ ህዋሳዊ ተመኲሮታት ናብ ስምዒት፡ ከምኡ ከኣ ኣእምሮ – ርትዒ ተጠቒሙ ንዝተመኰሮ ስምዒትን ኣስተብህሎን ናብ ሓሳባት የርዕም ወይ የማዕብሎ፣ ዘይተመኰሮ’ውን ብስነ-ሞጐት የዳሉ። ስምዒትን ኣስተብህሎን ምስ ተወሃሃዱ ስነ-ጥበብ ይፈጥሩ። ሓደ ስነ-ጥበበኛ ኣብ ሓያል ተምሳጥ ክጥሕል/ ብጽባቐ ክዝቕብብ እንከሎ፡ ንስእለ-ኣእምሮኡ ብምሉእ ዓቕሙ ስለ ዝጥቀመሉ፡ ብናጽነት ክሰርሕ ባይታ ይረክብ። ጸሓይ ዕራርቦ፡ ብሓባር ዝበራ ረጋቢት፡ ማዕበል ባሕሪ፡ ኣኽራናትን ኣጻድፍን፡ ዓርሞሽሽ ህንጻ፡ ብጥሜት ዝማሰነ ህጻን፡ ብድኽነት ዝተመናንሀት ኣደ፡ ኣሰር ዕንወት ኲናት፡ ዝኽትምና ሓቂ፡ ምጽቃጥ ፍትሒ ወዘተ ምስ ተዓዘበ፡ ብጽባቐን ድንጋጸን ተዓጂቡ ኣብ ስምዒት ተነቚቱ፡ ስእለ-ኣእምሮኡ ብዝኣዘዞ ብውከላውነት (Symbolism) ከስተንፍስ ይፍትን – ይጽሕፍ። ኣብ ከምዚ ስምዒት ጠሊቚ እንከሎ፡ እቲ ህዋሳዊ ግንዛቤ ናብ ርትዒ ከየላገሰ፡ ምኽንያታዊ ርድኢት ከየማዕበለን ብሕጊ መጎት ከይተደረተን ነቲ ስምዒት ብስእላዊ መገዲ ከመሓላልፎ ይጽዕር። በዚ ሰንሰለታዊ ስነ-ስምዒታዊ ረምታ (rhythm) ድማ’ዩ፡ ግጥሚ ዝፍጠር። ገጣሚ፡ ነቲ ዝተጠንሰ ግጥሚ፡ ብናቱ ውከላዊ ኣገላልጻ ተጠቒሙ ምስ ዝፈጥሮ፡ መበቈላዊ ስራሕ ይኸውን። ግጥሚ፡ ብኸምዚ መሳልል ስለ ዝሓልፍ ከኣ’ዩ መበቈላውን ፍሉይን ክኸውን ኣሎዎ ዝብሃል። መበቈላዊ ክብሃል እንከሎ፡ ብቀንዱ ንጽሕና ስምዒት ገጣሚ ከም ማለት’ዩ።
ሓደ ገጣሚ ኣብ ተምሳጠ-ስምዒት ምስ ጠሓለ፡ እቲ ዝስምዖ ስምዒት፡ ብዘየወላውል ሓቐኛ ኢዩ። ካብ መዓሙቚ ነፍሱን ህዋሳቱን ስለ ዝብገስ ፍጹም ሓቂ እዩ። እዛ ስምዒት ኣብ ነፍሲ-ወከፍና ዘላ ስምዒት እያ። ፍጹም ስምዒት ከኣ’ያ። ፍጹም ሓቂ እውን’ያ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ግጥሚ ምስ ሕያውነት ባህሪ ወዲ-ሰብ ዓሚቚ ምትእስሳር ዘሎዎ ስነ-ጥበባዊ መሳርሒ ምዃኑ ክድምደም ይከኣል። ስለዚ ከኣ’ዩ፡ ግጥሚ ኣድማሳዊ መልክዕን ህላወን ዘሎዎ።
ገጣሚ ነዚ ሓቂ ብፍሉይነት ኲርናዕ፡ ረቂቕ ኣቀራርባን ምልከት ዋሕዚ ቋንቋን ኣቐናቢሩ ምስ ዘቕርቦን ኣብ ልዕሊ ኣንባቢ ሓይሊ ስምዒት ፈጢሩ ንውሽጡ፡ ብፍስሃ ድዩ ብብርቱዕ ሓልዮት ምስ ዘዝቕብቦን ስነ-ጥበባዊ ምልኣት ተፈጢሩ ንብል። ስለዚ፡ ኣብ ግጥሚ ሓቂ፡ ጽባቐ፡ ሓይሊ-ስምዒትን ኣይፈላለያን እየን። ሓይሊ ግጥሚ ኲይኖ ፍልጠትን ርትዕን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ግጥሚ ንቓላትን ድምጽን ብምሉእ ዓቕሙ ተጠቒሙ፡ እተሰሚዑካ ከም እተቕልብን ከም እተስተውዕልን ስለ ዝገብር፡ “ዝዓበየ ገላጺ ሓቂ’ዩ” እንተ ተባህለ፡ ልክዕ’ዩ እናበልኩ፣ ነቲ ከም ‘ሓኸለ ስነ-ጥበብ’ ምዃኑ ዝዝየመሉ ኣበሃህላ ዝድርዕ ኰይኑ እስመዓኒ።
ግጥሚ፥ ሕያውነት ባህርኻ፡ መግለጺ ሓቂ እንታይነትካ፡ ውሽጣዊ ጽባቐኻ፡ ንጽሕና ወዘተ እናኾነ እንከሎ፡ ሓደ ሰብ ናይ ካልእ ሰብ ግጥሚ ወሲዱ ከም ግጥሙ ከንበልብላ ምስ ረኣኻዮ፡ ማዕረ ክንደይ ንነብሱ ይጥብራ ሰብእነቱ ይሸጦ ምህላውን ተገንዚብካ፡ ብሓቂ ትዕዘም።
# ዛራ ገጠምቲ፤ ንሓንቲ ግጥሚ ንምህያስ ምስ ኣንቀድካ፡ ቀዳምነት እትህቦ ክፋል እንታይ‘ዩ፧ ሕጅስ ሃይሰ ዛዚመ ኣለኹ ኣብ ትብለሉ እዋን-ከ እንታይ መለክዒ ትጥቀም፡ ማለት ህየሳኻ ተኣማኒ ንክኸውን፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቅሰ፡ ገጣሚ ነቲ ዝተፍኦ ሃፋ ስምዒታት፡ ብፍሉይ ቅዲ ኣዘናትዋ ገይሩ ናብ ኣንባቢ ኣሰጋጊሩ፡ ተምሳጥ ምስ ዝገድፍ፡ ጽባቐ ግጥሚ በሪኹ ይረኣየና። ግጥሚ ከም ዝለዓለ መግለጺ ናይ ዝረቐቀን ሓቀኛን ስምዒት፣ ኣብ ምስትምቓር ወይ ምህያስ ግጥሚ ብቐዳምነት ዝሰርዐን ባእታታት ግጥሚ፥ ሓይልን ቅርጽን እየን። እዚ ማለት ድማ፡ ስምዒትን ፍሉይነት ኣዘናትዋን። ንእተጥቡ ኣደ፣ ብኲናት ዝዓነወን ዝዘኽተመን ሂወት፣ ንህዱእ ባሕሪ፣ ንፍጡራት ዝድንድን ማዕበል ባሕሪ፣ ፍጹምነት ከውታ ለይቲ፣ ንምሉእ ወርሒ … ወዘተ. ብምምኳሩ/ብምስትብሃሉ ዝተሰምዖ ውዑይ ስምዒት፡ ጌና ምስ ሃፉኡን ዋዒኡን እንከሎ ብመገዲ ስእልን ሓይልን ዝሓዘሉ፡ ቃላትን ቅድወት ድምጽታትን፡ ገይሩ ናብ ግጥሚ ኣሰጋጊሩ፡ ከምቲ ዝተሰምዖ፡ ንኣንባቢ ብማዕረ ውሑጅ ስምዒታት ከም ዝስምዖ እንተገይሩ፡ ብልሂ ገጣሚ ጽባቐ ፈጢሩ ክንብል ንኽእል። ዓሚቚ ግጥሚ፡ ንስምዒታትካ ጻሕቲሩ ንህላወኻ ክቖጻጸር ዝኽእል ሓይሊ እዩ። ዓሚቚ ግጥሚ – ተፈንጃሪ ስምዒት እዩ!
ግጥሚ በየነ ሃ/ማርያም ‘ሃብቱ ነዳቃይ/ ፈቲሐ-ዶ ኪምርዓወኪ/ ከም ቈሎ መሸላ’ ዝኣመሰላ ግጥምታቱ ሓይሊ ስምዒት፡ ዕምቈት ኣስተብህሎ፡ ዕምቈት ተምሳጥ ዝገድፋ እየን። ናይ ወሓዚት ኣብርሃም ‘ሓዊ ብሓዊ’፡ ምስተን ተሳኢለን ዘለዋ ደቂ-ሄዋን፡ ብደገን ብውሽጥን ከም እትቃጸል ትገብር። ‘ኣብ ዝኽረይ’ ናይ ሄለን ኣብርሃም፡ ምስኣ ብዝኽርን ፍቕርን ኣቦ ትንቈት። ኣብ ግጥሚ ቦኽረ ገ/ዮሱስ ‘ካብ ሕማም ናብ ሕማም’፡ ስእነት ፍቕርን ከንቱነት ሂወትን ሃህ ኢሉ ክውሕጠካ እደሊ፣ በቲ ዘሕለፎ ፍልማዊ ሂወት ግን ውዕዉዕ ስምዒት ይሓድረካ። ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን ‘ሽዑ’ያ ኣስመራ’፡ እታ ብቐትሪ እንፈልጣ ኣስመራ፡ ናይ ምሸት ስእላ ኣርእዩ ብቃንዛ ከም እትሰሓግ ዝገብር ተመኲሮ የቕስመካ። መለስ ንጉሰ ‘ኣርማድዮና/ ጓል ስዉኣት/ ’፡ ምስቲ ኣርማድዮ ትቊንዞ፣ ምስታ መርዓት ጓል ስውኣት ከኣ ትነብዕ። ብርሃነ ገ/ሂወት ‘እቲ ካልእ ኲናት/ ሸዊት ዕፉን’፡ ከንቱነትናን ድንቊርናናን ማዕሙቚ ህላወካ ይቆጻጸሮ። ‘ኮምብሽታቶ’ ናይ ሃይለ ቢዘን፡ ናብ ገለ ከም ትዕዘር ትገብር። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ።
ኣንባቢ ብሓይለ ስምዒት እንተ ተነውኒዉ፡ ‘ገለ’ ተሰቚሩዎ ስለ ዘሎ’ዩ። ገጣሚ፡ ነቲ ዝተመኰሮ፡ ብተራ ሓሳባት ከረድኣና ቃላት ክጭርሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተምሳጥ ዝፈጠረሉ ሓይሊ-ውሽጢ፡ ብስእሊ-ኣእምሮዊ ውከላ ገይሩ፡ ኣብ ልቢ ኣንበብቱን ሰማዕቱን ሓወልቲ ስምዒት ኪሃንጽ ኣሎዎ። ኣንባቢ ብሓሳባት ክድብደብ የብሉን። ባዕሉ ትርጉም ወይ መልእኽቲ ንኽቀርጽ፡ ናይ ምስትምቓር ናጽነት ክግደፈሉ ኣሎዎ። ግጥሚ ምንጽብራቕ ጽባቐ እዩ፣ ስለዚ ገጣሚ ነቲ ውሽጠ-ሓይሊ ብኸመይ እበሎ ካብቲ ዘገድሰኒ እዩ። ግጥሚ ንስለ ምግላጽ ሓቂ እዩ፣ ስለዚ ምስ መዓሙቚ ሕያውነት ነፍሱን መዓሙቚ መፈጠርናን ዘላልየኒ ግጥምን ገጣምን እምብዛ አገድሰኒ።
ኣብ ህየሳ ተኣማኒ ንምዃን፡ ከምታ ግጥሚ ዘሕደረትልና ሓይሊ’ኳ እንተ ዘይገበርና፡ እንተወሓደ ግን ብዙሓት ዘየስተባህሉሉ ገለ ጭቡጥ ትርጉምን ጽባቐን ምስ እንውስኸሉ ዝያዳ ኣዕጋብን ኣድማዕን ይኸውን። ኣብ ህየሳ ተኣማኒ ንምዃን ዘኽእል ሜላታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ንጽህናን ቅንዕናን ሓይሊ ምስትምቓርን ግን ካብተን ቀንዲ ባእታታት’የን።
# በላይ ንጉሰ፤ ብዙሓት ሰባት ግጥሚ ንገጣሚኡ ይብሉ እዮም። ንስኻ-ኸ እንታይ ትብል፧ ኣብ መወዳእታ፡ ቅድሚ ገለ እዋን ኣብ ዛራ-ገጠምቲ ዝነበረ ውድድር ዳኛ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ንምፍልላዮም ዝጸገመካ ግጥምታት ነይሮም-ዶ፧ ውልቃዊ ጦብላሕታኻ ኣብ‘ቲ ውድድር ግለጸልና።
* ኣማን ተኸስተ፤ ኣቐዲመ ከም ዝተንከፍኩዎ፡ እቲ ብሓሳብ/ኣምር ክንገልጾ ዘጸግመና ተምሳጥ፡ ኣብ ግጥሚ ብመንገዲ ስእለ-ኣእምሮዊ ውከላ ንገልጾ። ሓደ ገጣሚ ኣብ ተምሳጠ-ስምዒት ምስ ተነቚተ፡ እቲ ዝስምዖ ካብ መዓሙቚ ውሽጡ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ስምዒት ኣብ ውሽጠ ኹሉ ሰብ ዘሎ እዩ። እዚ ውሽጠ-ሓይሊ፡ ሓቂ ናይ ሰብ ባህሪ’ዩ። ኣድማሳዊ ሓቂ’ዩ። ምልኣት ዘሎዎ ግጥሚ እምበኣር፡ ኣድማሳዊ መልክዕ ስለ ዘሎዎ፡ ካብ ከርሲ ገጣሚኡ ምስ ወጸአ፡ ሓርነቱ ይእውጅ’ዩ። ግጥሚ ሓቂ ድምጺ ገጣማይ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ኣድማሳዊ ባህሪ ሓቚፉ ብምህላዉ ግን፡ ግጥሚ ናይ ኩሉ እዩ። ጽቡቕ ግጥሚ፡ ልክዕ ከምታ መን ተኺሉዋ ብዘየገድስ፡ ንጽባቐን ፍስሃን እትውክል ዕንባባ፡ ናይ ኩሉ እዩ።
ጦብላሕታይ ኣብ ዳንነት ግጥምታት ዛራ፤ ንወርሒ ዝወሰደ ስራሕ ዳንነት ግጥምታት ምስ ተዛዘመ ዘስተውዓልኩዎ እንተ ነይሩ፡ ንንጽል ግጥሚ ብተደጋጋሚ ምስ ነበብኩዎ (ልዕሊ ደርዘን ግዜ) – ነቲ መመመዪ ዝኾነና መትከላት እናተመርኮስኩ ምስ መዘንኩዎ፡ ጽባቐ ግጥሚ ጐሊሑ ይረኣየካ። ገሊኡስ ሓያል ጻዕሪ ከም ዝሓለፎ እናደጋገምካ ብሓላፍነት ምስ ነበብካዮ ይበርሃልካ። ሓላፍነት፡ ንነገራት ከም እትነቕሓሉን ከም እተስተብህልን ይገብር ከኣ’ዩ።
ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን በብውልቅና ኣንቢብና፡ ነናትና ሓሪና። ካብተን ዝቐረባ 39 ግጥምታት፡ ካብ ኣርባዕቴና ደያኑ፡ ነተን 22 ግጥምታት ዝሓረየን ኣይነበረን። ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ምምማያ፡ ዝተጠቐምናሉ መምዘኒ ብቕዓት፥ ስእላዊ ገለጻ ኣሎ-ዶ ዶስ ብተራ ዝርርባት ዝተመልአ’ዩ፧ ዝተላዕለ መልእኽቲ ብውሕልነት ተሃኒጹ-ዶ ወይስ ፈሪሱ፧ ሓይሊ ስምዒት ኣሎዋ-ዶ፧ ዝብላ ውሑዳት ቅጥዕታት እየን ነይረን። እተን ብወላ-ሓደ ዘይተሓርያ 22 ግጥምታት፡ ዘልዓለኦ ተራ ኲርናዕ ብተራ ኣበሃህላታት፣ ውዕዉዕ ስምዒት ዘይፈጠራን ኣብ’ቲ ዘልዓለኦ ርእሰ-ነገር ዘየተኲራ ዘጠቓለላ ኮይነን ረኺብናየን። ኣብተን ዝተረፋ ክልተ ሰሙን ድማ ብኮንፈረንስ ቴሌፎን ተራኺብና ዘቲና (ኩሉ ወጻኢታት ማይኮ ተኽለ ሸፊንዎ)። ነተን በብውልቅና ተሓርየን ዝተጸምቋ 17 ግጥምታት፡ ኩልና ስለ ዘይዓገብናለን፡ ናብ ካልኣይ መድረኽ ምምያ ኣእቲና ምስ ተኻታዕናለንን ግን፡ እተን 7 ሽዑ-ንሽዑ ተገሊፈን። ነተን ዝተረፋ 10 ግጥምታት ብሉጻት ንኽንመሚ ዝተጠቐምናሉ መምዘኒ ብቕዓት፥ (ሀ) እትፈጥሮ ሓይሊ፤ ኣብ መንፈስ ዝሰርጽ ስምዒት፡ መንፈስን ተምሳሌትን፣ (ለ) ሓይሊ ሓሳብ፤ ዕምቈት ሓሳብ ምስ ፍሉይ ሜላ ኣቐራርባ፡ ናይ ምእማን ሓይሊ፡ ምድግጋም ሓሳባት ዘይምህላው፡ ኣብ ቴማኻ ምትኳር፡ ዘይምትእትታው ገጣሚ፣ (ሐ) መበቈላውነት /ፈጠራውነት፤ ፍሉይ መረጻ ኲርናዕ፡ ዓሚቚን ቊጡብን ገለጻ፡ መበቈላዊ ኣገላልጻ ሓረጋት/ ውክልናታት፡ (መ) ቴክኒካዊ ብቕዓት፤ ኣካል ዘይምስባር፡ ምስ ባህርያት’ታ ግጥሚ ዚሳነ ረምታን ቅዶት ድምጽታትን፡ መረጻ ቃላት፡ ስዋሱውን ስርዓተ-ነጥብን፡ ዋሕዚ ቋንቋ፡ ስእላዊ ገለጻ፡ ባእታታት ከም ውስጠዘ፡ መሰሌታ፡ ድግመተ-ኣፈና ወዘተ (ረ) ኣድማሳውነት፤ ኣድማሳዊ ኣቐራርባ ብመልክዕ ሓቂ ሰብ፡ ተራ ኣብ ምፍጣር ኣስተብህሎ፡ ምስ እትትርጐም ትሕዝቶኣ ንዝኾነ ክርድኦ ይኽእልዶ … ምስ ወዘተረፈታቱ። ፈጠራውነት ገጣሚ ንኸይግታእ፡ ብዛዕባ ደሪስዎ ዘሎ ግጥሚ ዝምድና/ኣገዳስነት ምስ ሕብረተ-ሰብ ዝብል ኣረኣእያ ኣየእተናን። ርእሰ-ነገር፡ ብዛዕባ ኣድማስ ይገጠም ዋላ ብዛዕባ ሂወት፡ ንኹለን ብዓይኒ ጽባቐ ኢና ፈቲሽናየን።
ብዘይካ’ዚ፡
*_ ልዑል ስነ-ጥበባዊ ብቕዓት ኣለዎ ዝብሃል ስራሕ ኣብ ሓሙሽተኡ መምዘኒታት ልዑል ነጥቢ ከምጽእ ድዩ ዘለዎ፡ ወይስ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዝዩ ልዑል ብምርካብ ኣብ ካልኦት ትሑት እንተ ረኸበ እኹል’ዩ፧
*_ ኵሎም ሓሙሽተኦም መምዘኒታት ብማዕረ ኣገደስቲ ድዮም? እንተ ዘይኰይኖም ከመይ ክዀኑ ይግባእ? በዚኦም መምዘኒ ነጥብታት ክጠቓለሉ ዘይክእሉ ባእታታት ስነ-ጥበባዊ ብቕዓት ኣለዉ-ዶ፧ ዝብሉ ሕቶታት ነይሮም።
ኣርባዕቴና ብዝተረዳዳእናሉ ኣገባብ ድማ፡ ዝበለጻ ዓሰርተ ኢልና፡ ካብ 100% ነጥብታት ሂብና። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃታት እኳ እንተሰራዕናየን፡ ውሃ ዘበለ ብርቂ ግጥሚ ኣይገጠመናን። ምልኣት ኣይረኸብናን። ኣብቲ ዘውጻእናዮ ዓንቀጽ’ውን ሓቢርና ኔርና። ከም ኣብነት፡ እታ ቀዳመይቲ ዝወጸት ‘ማይ-ማህጸን’ ካብተን ቀሪበን ዝነበራ ግጥምታት ዝሓሸት ድምር ነጥቢ ዝረኸበት’ምበር፡ ኣዝያ ብልጽቲሲ ኣይነበረትን። ብዙሕ ሕድገት ፊደላት፡ ስርዓተ-ነጥቢ፡ ረምታ፡ ኣካራኻሪ ባህላዊ ውከላውነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ጸገማትስ ነይሩዋ። ብናይ ኣርባዕቴና ደያኑ ገምጋማዊ ነጥቢ 66% ሂብናያ። ነዘን ሓሙሽተ መምዘኒ ብቕዓት ዘርዚርና ንኽልተ ሰሙን ብዝገበርናዮ ክትዓትን ህየሳን፡ ኣርባዕተ ግጥሚ 66%፡ 63%፡ 61%፡ 58% ረኺበን [ማይ-ማህጸን፡ ዝኽሪ ፍቕሪ፡ ሕልመይ ዝወለዶ ሕልሚ፡ መዝገብ ተገንጺሉ — ብቕድም ተኸተል] ዝተረፋ ሽዱሽተ ግጥምታት ከኣ፡ ካብ 45% ክሳብ 50% ረኺበን። ኣብ ምዝዛም ቊሩብ ዘተሓሳሰበና እንተ ነይሩ፡ ካብተን ሽዱሽተ ዳሕረዎት ኣዝያ ንላዕሊ ዝተፈንተተት፡ ካብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኸኣ ድሒራ ራብዓይ ዝነበረት ‘ማህጸን ተገንጺሉ’ እትብል ግጥሚ ምስ ኣየኖት ከም እንምድባ ቊሩብ ኣሸጊሩና። መወዳእትኡ ግን ምስተን ሽዱሽተ ጸንቢርናያ፣ ማለት ሽልማት ኣይወሰደትን።
ዘኾረየትና ግጥሚ ከኣ ነይራ፡ ‘ጣቋ ቋንቋ’ ዘርእስታ ግጥሚ። ቊጡብነት ቃላትን ደሓን ዋሕዝን ዝነበራ ኮይና፡ እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ዝኣተዋ ሓደ-ክልተ ቃላት፡ ብምልእታ ግጥሚ ፈሪሳ። መልእኽቲ ከይተመሓላለፈ ተዀሊፉ! ‘ሕልመይ ዝወለዶ ሕልሚ’ ከኣ፡ “ሓደ እንከሎ ምብዝሑ፡ ኣብ ሓደ እንከሎ ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ዘማዕዱ” ዝበሎ ሓይሊ ሕልሙ፡ (ነቲ እምነትን ተስፋን፡ ጥበብን ፍቕርን ዘሎዎ ኣኽናፍ ንያት ወዲ-ሰብ) ብጽፉፍ ገሊጽዎ’ዩ። ነቲ ኣብ ኲይኖ ማዕዶ ዘሎ ሕልሙ ንምጭባጥ፡ ዘሕልፎ መስገደላት ጒዕዞ፡ ብተመዓደውቲ ሓረጋት ስእሊ (Parallelism) ብዝግባእ ከም ዝቕጀለና ገይሩ’ዩ። ነዚ መስገደል ሰጊሩ፡ ካብ ውነ ናብ ትሕቲ-ውነ ክጸድፍ እንከሎ፡ ብሓቂ ዝነኣድ’ዩ፣ ፊልማዊ እዩ ነይሩ ኮታ። መንፈስ ናይታ ግጥሚ ኣብ መንፈስካ ኣትዩ ዝፈጥሮ ስምዒት ሓያል እዩ። ስእሊ ኣእምሮ ብዝፈጥር ጥበባዊ ኣገላልጻ ተሃኒጻ ከተብቅዕ፡ ናይ መወዳእታ ነግሕታት ግን ንምሉእ ግጥሚ ኣፍዂስዎ። ነቲ ዝሃቦ ኣርእስቲ ብዝግባእ ‘ብእንዳ-ድወ-ድሺ’ ገይሩ ኣይሰሞሮን። ግጥሚ ‘ዝኽሪ ፍቕሪ’፡ ብርግጽ ፈኲስ ናዕታ ነይሩዋ። ፍሉይ ሓሳብ’ውን እንተ ዘይነበራ፡ ሓያል ስምዒት ግን ትፈጥር። ነቲ ዘልዓለቶ ርእሰ-ነገር ድማ ብዝግባእ ሰሚራቶ እያ። እቶም ዝርዝራት ብዙሓት እዮም፡ እዚ ግን ከም ኣብነት’የ ጠቒሰዮ።
# ዛራ ገጠምቲ፤ ከምቲ ሓደ ገጣሚ ንሓንቲ ግጥሙ ዝደኽመላ፣ ሓደ ሃያሲ’ውን ንሓንቲ ግጥሚ ክህይስ እንተንቂዱ፡ ማዕረኡ’ኳ እንተዘይበልና፡ ካብኡ ዘይሰንፍ ሃልኪ ይገጥሞ’ዩ። ምስ እዚ ኩሉ ግን፡ ክሳዕ ሎሚ ትደጋገም ንገጠምቲ እተሻድኖም ጥቕሲ ኣላ፥ “ሓወልቲ ገጠምቲ እምበር ሓወልቲ ሃየስቲ የሎዉን፡” ትብል። ከም ሓደ ኣብ ምህያስ ግዚኡ ዘባኽን ስነ-ጥበባዊ መጠን፡ እንታይ ምበልካና፧
* ኣማን ተኸስተ፤ “ግዚኡ ዘባኽን” ዶ በልኩሞ፧! ኣሃ! ከምዚኣ ገይራ ዘስሓቐትኒ ሕቶ ኣይገጠመትንን። ኩሉ ስነ-ጥበበኛ እኮ፡ ሃያሲ እዩ፣ ሃያሲ ጽሑፍ ዘይኰነስ፡ ሃያሲ ሂወት! ሂወት ክትመስሎ ዘሎዋ፡ ሰብኣውነት ክኾኖ ዘሎዎ ብምሕላን’ዩ ክፍውስ ዝጽዕት። ነዚኦም ሂወት ክትመስሎ ብዘሎዋ ዘንጸባርቊ ስነ-ጥበበኛታት ዝኽልሱ ድማ፡ ሃየስቲ ስነ-ጥበብ ንሰምዮም። ብሕጽር ዝበለ ሃየስቲ፡ ሕመረት ስነ-ጥበባዊ ዳይናሚካዊ ለውጥታት’ዮም። ንስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ሂወት ንዝኣመነ ሃያሲ፡ “መን’ዩ ነባሪ፧ ሓወልቲ ዶ ሂወት፧” ዝብል ኣተሓሳስባ ዘሻቕሎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ዝበረኸ ዕላማ ስነ-ጥበብ፥ ንዕብየት፡ ስልጣኔን ሕያውነትን ሰብኣውነት፡ ንስለ ምፍጣር ጽባቐ፡ ንምልኣት ወዘተ ምዃኑ ዝተሰቈሮ ሃያሲ፡ ማእከል ናይዚ ተበግሶ ምዃኑ ስለ ዝርድኦ፡ ንሕቶ ሓወልትነት ኣየካብዶን እዩ — ከም ርድኢተይ። ብድሕሪ (ኣብ ውሽጢ) ሓያል ስነ-ጥበበኛ፡ ሓያል ሃያሲ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ሃየስቲ ብዘምጽእዎ ሓሳባት፡ ንረቂቕ ስነ-ጥበበኛ ሓድሽ ርእየተ-ዓለም ይፈጥረሉ’ዩ። ክልቲኣቶም ተመላላእቲ እዮም። ነፍሲ-ወከፍ ክቡር ወርቃዊ ሓወልቲ ብሓያል ሓዊ ዝተረኽበ ውጽኢት ምዃኑ ካብ ተረዳእና፡ ነፍሲ-ወከፍ ሓወልቲ ገጣማይ/ጽሓፋይ’ውን ብሓያል ሃያሲ ዝተበጽሐ ደረጃ ሓወልትነት ጌርና ምውሳድ ዝከኣል እመስለኒ። ንሓደ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ፡ ቻርኮል ድዩ ነሓስ ወይስ ወርቂ ምዃኑ ዚፈሊ ከኣ ህየሳዊ ሓይሊ እዩ።
ብኻልእ መዳይ ንሓያል ሃያሲ ነባሪ ስራሕ ከበርክት ዝጽግሞ ኣይመስለንን። እቲ መልሲ ብልሂ ውደባ እዩ። እዚ ማለት ነባሪ ህየሳዊ ጽሑፋት ንምፍጣር፡ ኣብቲ ህየሳዊ ትንታነና ብፍሉይ ‘ዝልለ ስእላዊ ትርጉም’ ምስ ዓሚቚ ምስትምቓር ምድላው እዩ። ህየሳዊ ተመኲሮኡ ብትንታነን ክልሰ-ሓሳብን ገይሩ ብሉጽ ስራሕ (Masterpiece) ከዳሉ ይከኣል’ዩ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ጸሓፊ ናይ ተኽለ ተስፋዝጊ ምልእቲ ካሴት ምስ ሃየሳ ጥሙሕነት ደራፊ ብዝልለ ስእሊ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሃያሲ ሓያል ኣወዳድባን ኣገባብን ምስ ዝኽተል፡ ኣንፈት ስነ-ጥበብ ከማእዝን ይኽእል። መጽሓፍ ‘ትጽቢት ባህጉ’ ከም ኣብነት፡ ናይ ድርሰትን ህየሳን መንገብገብ ሒዛ እትበርር ብልሃዊት ጽሕፍቲ እያ።
ንሓድሽ ፍርያት ስነ-ጥበብ ብፍሉይ ምስትምቓር ዘቕርብ ሃያሲ፡ ኣገናዕ ዘብሎ ኩነት ክኸውን ከሎ፣ ንነዊሕ እዋናት ተሓቢኡ/ተጸቒጡ ዝነበረ ዕዮ፡ መዚዙ፡ ኣብዚ እነሀለ ‘ጻልጣ (Organic) ጥበብ’ ኢሉ ንኣንበብቲ ከም ዘስተማቕሩ ክገብር ከሎ፡ ኣገናዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ሓወልቲ ስርሓት (ማስተር-ፒስ) ዘመድቦ እዩ። ከም ኣብነት፡ ዶ/ር ግርማይ ነጋሽ፡ ኣብ መጽሓፍ ‘ዓቢዱ ዶ ትብልዎ፧’ ዝገበሮ ሓጺርን ኣድማዕን ትንተና ኪጥቐስ ይከኣል።
ዓይነታት ሃየስቲ ምስ እንምልከት – ገሊኦም ብንጹር ነቲ ጽሑፍ ዝገልጹ ኣሎዉ፣ ገሊኦም ንእወታውን ድኻማትን ገሊጾም ናቶም ሚዛን ዝገብሩ ኣሎዉ፣ ገሊኦም ድማ ንሓደ ጽሑፍ ምስ ካልኦት ጽሑፋት ብምንጽጻርን ብምምስሳልን – ቅርጹን ዓይነቱን ዘካትቱ ኣሎዉ፣ ዝተረፉ ድማ ንሓደ ጽሑፍ ከም መበገሲ ህየስኦም ተጠቒሞም ናቶም ዝልለ ስእሊ ዘዳልዉ ኣሎዉ። ከምዚኢታት ተረዲእና፡ ሓደ ሃያሲ ዘዳልዎ ሂስ “ከምዚ’ባ ከምቲ’ባ ዘየእተወሉን ዘየማልአን” ክብሃል ዝከኣል ኣይመስለንን። እቲ ሕቶ፡ እቲ ሃያሲ ኣብቲ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ሂስ፡ ቅንዕናን ዕምቈትን ንዝበለጸ ኣበርክቶ ኣሎዎ-ዶ፧ ክኸውን ይግባእ። መትከላት ስነ-ጽሑፍ ብቀጻሊ ምንባብ ከድልይ’ዩ። ከም መደምደምታ፡ ሓይሊ ግጥሚ ኣቐዲመ ስለ ዝገለጽኩዎ፡ ግጥሚ በሪኽ ቦታ ኣሎዎ። ንስነ-ግጥሚ ወይ ስነ-ጥበብ ዘማእዝኑ ሓያላት ሃየስቲ ስለ ዘለዉ ግን … እዋእ!
# ተኽሊት ከሰተ፤ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ስዋሱው ክጽሓፍ እዕዘብ እየ። ኣብ ስዋሱው ዘተኮር ሓደ ውሱን ኣካይዳ ኣለና ድዩ፧ ማለት ሰዋሱው ዝተራዕመ ድዩ ወይ ብምሁራት ስነ-ቋንቋ ዝተሰርሐ፧
* ኣማን ተኸስተ፤ ስዋሱው ማለት ኣገባብ፡ ስርዓት ውደባ ማለት’ዩ፣ ስርዓተ-ቋንቋ። እዚ ስርዓተ-ቋንቋ፥
1) እርኑብ ኣተሃናንጻ ሓሳባት፡ ውህደት ሓረጋት ኣገባባቱ (syntax) የርእየና። ብዘይ ግሲ ሓደ ጽሑፍ ሓሳባቱ ክዓጹ ኣይከኣልን’ዩ። ከምዚ ክንዲ ዝኾነ፡ ንጽሕፎም ጽሑፋት፡ ግሲ ከነካትተሎም ከም ዝግባእ ይንጽር።
ምሉእ ሓሳብ ትግርኛ፡ ብዓል ቤት – ተሰሓቢ – ግሲ ዝብል ቅርጺ ኣሎዎ። ኣብ ቋንቋ ዓረብኛ፡ ግሲ – ብዓልቤት – ተሰሓቢ፣ ኣብ እንግሊዝኛ ድማ፡ ብዓልቤት – ግሲ – ተሰሓቢ ዝብሉ ቅርጽታት ይህነጹ። ሽሕ’ኳ ምሉእ ሓሳባት ናይ ትግርኛ በዚ መገዲ ዝህነጽ እንተዀነ፡ ንዝያዳ ውሕልነትን ኣገላልጻን ላዛን፡ ብጥበባዊ መገዲ እናቀያየርካ ሓሳባትካ ብግቡእ ከተመሓላልፍ፡ ናይ ጽሓፊ ጻዕርን ብልህን’ዩ ዝውስኖ።
ቀላል ኣብነት ብዛዕባ ሓይሊ ስርዓተ-ነጥቢ ኣብ ኣተሃናንጻ ምሉእ ሓሳብ ምስ እንምልከት፥
“እዚኣ፡ ጓል ሓፍተይ እያ።” — “እዚኣ ጓል፡ ሓፍተይ እያ።” ብሰንኪ ክልተ ነጥቢ ፍልልይ ትርጉም ምሉእ ሓሳብ ትረክብ።
“እቲ ሓበሬታ ከመሓላልፎ እጽዕር።” / “እቲ ሓበሬታ ከመሓላልፎ ይጽዕር።” — ኣብታ ቀዳመይቲ ‘ኣነ’ እየ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ዚጽዕር ዘሎኹ፣ ኣብታ ዳሕረወይቲ ግና ካልእ ሰብ እዩ ሓበሬታ ከመሓላልፍ ዚጽዕር ዘሎ። ብሰንኪ ሓንቲ ፊደል፡ ምሉእ ትርጉም ይቅየር ኣሎ።
2) እሩም ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ቃላት (morphology)፡ ከመይ ክመስል ኣሎዎ ይሕግግ። ከም ኣብነት፡ ሓደ ቅጽል = ሳድስ-ካእብ-ሳድስ (6-2-6) ጌርካ ከም ዝቐውም ምስ ዝውሰን፡ ሙኳን፡ ሙሩጽ፡ ሙማት ዘይኮነስ ምዃን፡ ምሩጽ፡ ምማት ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ምዃኑ ይበርህ።
ዝኾነ ሱር-ግሲ = ካዕብ፡ ሳልስ፡ ሓምስ፡ ሳብዕ ፊደላት የብሉን። ካብዚ ሕጊ ስዋሱው ብምብጋስ ባረኸ፡ ወርወረ፡ ደንገጸ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ብትኽክለኛ ክንጽሕፎምን ከነድምጾምን ይሕግዝ።
3) ዓይነታት ድምጽን ትርጉምን (phonology) ዚሕግግ።
ከም ተራ ኣብነት ኣምጺአዮ ደኣ’ምበር፡ ቅጽል ይኹን ግሲ ወይስ ሱር-ግሲ በየን ፊደል ጀሚሩ በየን ፊደል ይካተት፡ ንኹሉ ቅመራዊ ኣገባባት ኣሎዎ። ኣብ ትግርኛ፡ ኣብ ሓደ ቃል ሓደ ፊደል ብጌጋ ምስ ዝጽሓፍ ነቲ ትርጉም ዘረባ ናይ ምቕያር ሓይሉ እምብዛ ዕዙዝ እዩ። ኣብ ኣስመራ ይኹን ሕሞራ ወይ መቐለ ዘሎ ትግርኛ ብሓደ ስዋሱዋዊ ሕጊ ዝቘመ ክኸውን ኣሎዎ። ስለዚ’ምበኣር፡ ስዋሱው ዓንዲ ሕቈ ቋንቋ ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ብቕዓቱ ንኽቅጽል ወይ ብቕዓቱ ንምዕማቚ፡ ብሓባራዊ ዓውደ-መጽናዕቲ ምሁራን ስነ-ቋንቋ ክስራሕ’ዩ ዘሎዎ። ብዓንደ-ርእሱ፡ ስነ-ቋንቋ/ስዋሱው ብመጐት እዩ ዝቘውም። ስዋሱው ምድላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓደስቲ ቃላት ናብ ቋንቋ ንኽትጽንብር እውን ብሓባርዊ ስምምዕ ምሁራን ቋንቋ እዩ ዝጸድቕ።
ሚዛናዊ ስርዓተ-ቋንቋ ግድነት ኪህሉው ዘሎዎ’ዩ። ብኣባ ያቆብ፡ ኣባ ማቴዎስ፡ ህ.ግ.፡ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ተክአ ተስፋይ፡ ወዘተ ዝተዳለዉ ስርዓተ-ቋንቋ እኳ እንተሃለዉ፡ ሓደ ዝተወደበ ሃገራዊ ትካል ቋንቋ፡ ብስነ-ሞጐት ርእዮም ንኹሉ ዘማእከለ ቋንቋ ትግርኛ ክእውጁ እዩ ዝግባእ፡ ግን ኣይተገብረን።