* ዛራ ገጠምቲ፤ ብመጀመርታ፡ ዕላማ መደብና ብግቡእ ተረዲእኻ፡ ንኣፍቀርቲ ግጥሚ ተመኲሮ ምክፋል ሞያዊ ግዴታ ገጣሚ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ነዚ ቃል-መሕተት ፍቓደኛ ብምዃንካ፡ ብስም ተኸታተልቲ እዛ መደብን ኣባላት ዛራ ገጠምቲን እናመስገንና፣ ብሓፈሻ ምስ ስነ-ጥበብ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ግጥሚን ህየሳን ምስትምቓርን፡ ኣበይን መዓስን ከም ዝተላለኹም ከተዋግዓና።
— ሺሻይ ሹመንዲ፤
“ዓዳምን መኽበሪ፡ ኣባዪን መሕሰሪ” ከም ዝብሃል ኰይኑኒ እምበር፡ ነዚ ጽሑፈ-መጠይቕ ምቕባሉ ኣሸጊሩኒ ነይሩ እዩ። ካልእስ ይትረፍ፡ መን ኰይነ እየ እሞ ዝብል ሓሳብ ከይከበደኒ ኣይተረፈን። ብዝዀነ፡ ዛራ ገጠምቲ፡ ሓተቲ፡ ብሓፈሻ ድማ ነበብቲ ክብረት ይሃብኩም፡ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት እናተመነኹልኩም እየ ድማ። ካብቲ ኣደይ ከምዚ ትብለኒ ነይራ … ጎረቤትና ከምዚ ኣጣቒዖምለይ … ወዘተ. ዝብል ምስልቻው ከናግፈኩም፡ ተመስጦይ ንግጥሚ ምስ ምምጻእ ብሕታውያን ጋዜጣታት እዩ ተነቓቒሑ ክብል እቐለኒ። ኣብኣተን ዝወጽኡ ዝነበሩ ግጥምታት ክውለፎም፡ ጐኒ-ጐኑ ድማ ምሕንጣጥ ጀሚረ። ግጥምን ካልኦት ቅንጥብጣብ ጽሑፋትን ሰዲድካ፡ እሞ ድማ ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ንንባብ በቒዑ ክትርኢ ማዕረ ክንደይ ሞራል ይህበካ ምግማቱ ኣየሸግርን፤ ክሳብ ዝዕጸዋ ድማ ተሳልየ። ብኣካል ዝተሳተፍኩዎ ናይ ፈለማ ህያው ተመኲሮታት ስነ-ጥበባዊ ምትእኽኻብ እንተነይሩ መደብ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት ኰይኑ (ንሱ ድማ እቲ እንኰ ነይሩ) ምናልባት ካብቶም ዚነኣሱ ተሳተፍቲ ናይቲ መደባት ምስ ምንባረይ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይገብረለይን – ናቱ ህያው ዝኽሪ ስለ ዘሕዘለኒ። ተማሃራይ ኮለጅ ቢዝነስን ኤኮኖሚክስን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋናት ካብቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ጽሑፋት (ሓሬቱን ሓቒቑን ክትፈሊ ስራሕ ዘብዝሓልካ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጽእ ዝነበረ ግጥምታት ከም ኣብነት) መለሳ ክዀነኒ ምስ ናይ ካልኦት ዓለማት ግጥምታት ደስ ዘብል ዕርክነት ክገብር እፍለጠኒ። ኣብ ፋንታዚኡ፡ ህያውነቱ እናተመኰርኩሉ ድማ ክሳብ ሕጂ ንሳለ ኣለና ምስ ዓለመ-ግጥሚ። ሳልሰይቲ ካሴት ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብ ዝተዘርገሐትሉ እዋን ብ”ኮኾባይ” (ጌጋ ደኣ ይኽለኣለይ እምበር) ዝብል ስም ዝመላለስ ዝነበረ ብርዒን በዓል ዘመንፈስ ሃይለ እውን ዝነበርዎ ናይ መጀመርታ ኣስተውዕሎይ እኳ እንተነበረ፡ “ግጥምታት ደርፍታትና ሃገርና ናበይ’ዩ ኣንፈቶም፧” ዝብል ብኣማኑኤል ኣስራት ዝቐርብ ዝነበረ ተኸታታሊ ሂሳት ንደርፍታት ትግርኛ፣ ዘይርስዑ ናይ ፈለማ ሌላይ ምስ ህየሳ ነይሮም።
* ደንደን ሰለሙን፤ ብመጀመርታ ነዚ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ ብልቢ አመስግነኩም። ናብ ሕቶይ ምስ ዝሰግር፡ ገጣማይን ሃያስን ሽሻይ ሽመንዲ ከም ሽሙ ሽሻይ ዝኾነ ትሕዝቶታት ኣለዎ። ምሕንጣጥ ግጥሚ ዝኾነ ግዜን ደረጃ ስምዒታትን ከይከልከሎ ይዕየ። ህይወትና ብሓጎስን ሓዘንን ዝተመልአት ከም ምዃና መጠን፡ ግጥምታትካ ምስ’ዚ ክልተ ስምዒታት ሂወት ኣነጻጺርካ፡ ኣበየናይ ሃዋህው ዝጽሓፍካዮ’ዩ ከም ብሉጽ ስርሐይ ትብሎ፧ ስለምንታይ ከ፧ ብስምዒት ሓጎስን ሓዘንን ከይተደረኽካ /ከይተተንከፍካ ኸ ዝገጠምካዮም ኣሎዉ-ዶ፧ ሓይሎም-ኸ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ንክጥዕመልናን ክሓጽረልናን ብዘ-ልማድ ብእንጥቀመሉ ኣዘራርባ፡ ህይወት ኣብ ክልተ ስምዒታት ጥራሕ ከፊልና፣ ንካልኦት ብክብታን ለጠቕታን እናተኸስቱ ግራፈ-ህይወት ዝስእሉ ኲነተ-ስምዒታት ምጉናይሲ ንኦፔራዊ ትሕዝቶ ህይወት ብክልተ ስልኪ ክራር ምጽዋት ከይኰነና። ከም ርድኢተይ ግጥሚ፥ ዝርገሐ ከይጭበጥ፡ ስፍሓት ከይጸብብ፡ ውልቃዊ ዓንኬላትና ምስ ተመኲሮታቱ ካብን ናብን ፍጡራት፡ ድሕርን ቅድምን ግዜያት… እና’በለ ክሳብ ፈጣርነትን ተፈጣርነትን ምዃን ዘበጻጽሕ ዜማ ስለዝዀነ። በዚ መንጽር ድማ፡ ንሓይሊን ዓቕምን ዕንደራ ግጥሚ ከይንድርት ሓጐስን ሓዘንን ጥራይ ክንብል ዚኣክል ኣይመስለንን። ኣብ ውሁባት ፍጻሜታት ይኹኑ ዓለመ-ተኽእሎ ዝፈጥሮም ሓሳባት፡ ነቓሴ-ስምዒት ወይ’ውን ብርቀቱ ዘዐንድር ሓይሊ ስለዝዀነ፣ ካብ ስምዒት ሓጐስ ዚዓቢ ካልእ ዘደስት ስምዒት የሎን ድዩ፧! ክንብል ኢና ማለት’ዩ! ከምኡ ድማ ካብ ስምዒት ሓዘን ዚዓቢ ዘሕዝን፧! እቶም ናፍቖት፡ ዝኽሪ፡ ትጽቢት፡ ርኽበት፡ ስእነት፡ ቅርበት… ወዘተ. እንብሎም ቊጽሪ ኣልቦ ስምዒታት ከ ኣበይ እዩ መደቦም፧ እዚኦም፥ ማዕረ ክንደይ ኣብ ነፍስኻን ሓሳባትካን ቦታ ሒዞም፣ ወይ ድማ እቲ ኣብ እዋኑን ከም እዋኑን ከም ስምዒትካ ወይ ርድኢትካ እትርእዮ ትርኢት’ውን ነቲ እንታይ ትጽሕፍ ዝውስኖ ‘መስለኒ። ኣብ ስምዒት ሓጐስን ሓዘንን እንተዘይሃልየስ ኣብ ካልእ ኩነተ ኣእምሮ ኣለኹ ማለት እንደኣሉ! ክብሃል’ውን ይከኣል። ባዕልኻ እውን፡ “ግዜን ደረጃን ስምዒታት ከይከልከሎ ይዕየ” ከም ዝበልካዮ ከምቲ ዝተፈላለዩ ተረኽቦታት ህይወተይ ዝቕበሎ፡ ከምኡ ድማ ዝወነኒ ወኒ ምእንጋድ እዩ ዓቕመይ። ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ግዜ ኩነተ-ኣእምሮይ ዚገዘአ ሓይሊ ዘስዓቦ በጨቕታ እዩ እቲ ዘስፍሮ። ንሱ ድማ፡ ሓሚቑ ጸቢቑ ካባይን ኣባይን ምሳይን ህሉው እዩ። ደረጃ ክገብረሉስ ከመይ ገይረ፧! ንእተፈጸሙ ይኹን ሓሳበይ ክዕዘሮ ንዝኽእል ርሕቀት ጒዕዞ ሓሳብ፡ ማዕረ ከም ተጨባጢ ግኡዝ ነገር ኣውሪድካ ከም ሚዛን ምግባር ከይከውን። ገሊኦም ይምህሩኒ፡ ገሊኦም ይመርሑኒ፡ ገሊኦም ይመልሱኒ፡ ገሊኦም የሕቕቑኒ፡ ገሊኦም. . . ገሊኦም ዚተዛዘሙ/ዘይተዛዘሙ፡ ዝበሰሉ/ዝገርዘሙ፡ ምስ ዕድመን ተመኩሮን ንዚተፈላለዩ ነጻነትን ንፋስን እተጋለጹ/እተዓብጡ፡ ክብደትን ምቅይያራት ኲርናዕ ርእየትን ዘግደዖም/ዚመከቱ፡ ዚሞቱ ወይ ከኣ ምናልባት ከሳልዩኒ’ውን ዝኾኑ፡ ገሊኦም ድማ ከም ገለ . . . ወዘተ. ዚመግለጺኦም እናኾኑ እንከለዉ ከም ብሉጽን ድኹምን ስርሐይ ዝብሎ ክህልወኒ እውን ኣይጽበን፡ ነበብቲ ደኣ እምበር።
* ጽገ ግርማይ፤ ሰላምን ቅሳነትን ምስ ኩሉኹም ዛራውያን! ኣዳለውቲ ዛራ ስለ’ቲ ዝሃብኩምኒ ዕድል የመስግን። ብምቕጻል፡ ሺሻይ ኣብ ስነ-ጥበብ ንእትገብሮ ኣበርክቶን ስራሕን አድንቐካ። ህየሳ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ (ግጥሚ) ዘሎዎ ኣስተዋጽኦ ርዱእ ኮይኑ፣ ኣብዚ ናትና ቋንቋ ብሓደ ሓደ ዝግበር ህየሳ፡ ዘይዕጉብነትን ዘይምቕብባልን ኣብ’ቶም ገጠምትን ሃየስትን የጋጥም እዩ። ብወገንካ፡ ካብ ዘይብስለት ሃየስትና-ዶ ወይስ ነቐፈታ ካብ ዘይምቕባል ባህርን ብስለትን ገጠምቲ ዝነቐለ’ዩ ትብል፧ የቐንየለይ!
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ከምቲ ኩልና እንፈልጦ፥ እቲ ኣበ’ስመራ ብመደብ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞት ተጀሚሩ ናብ ካልኦት ከተማታት ተዘርጊሑ ዝነበረ ምትእኽኻብን ዘተን ተዀኒኑ እምበር፣ ንእግረመንገዱ ክሃንጾ ወይ ከማዕብሎ ዝኽእል ዝነበረ ኩለንተናዊ ተመላላእነት ሃየስትን ገጠምትን ብዓይነ-ግምት ምስኣሉ ዘሸግር ኣይመስለንን። እዚ ስለዘይኰነ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ብዓቢኡ ንፕሮፖጋንዳዊ መዓላ ብኡ ኣቢሉ ድማ ክሳብ ማሕበራዊ ኣቃውማን ኣቀማምጣን ገጠምትን ሃየስትን ዝዝርዘር፣ ገጠምቲ/ ሃየስቲ ክሰርሕ፡ ከልዕል፡ ከንብር እምበር ብገዛእ ባዕሎም ክህልዉ ዘይምፍቃዱ ወይ ምቹእ ናጽነት ዘይምህላዉ ዚጠንቁ፡ ስዒቡ ዚረአ ቦታኻ ከተውሕስ ዝህለኽ ጸደፍደፍ ሓደ ካብ ምኽንያት እዚ ጸገማት ምበልኩዎ። እቲ ኣብዚ መርበብ እዚ (ፈይስቡክ) ዚረአ ጸገማት ድማ ቁራጽ መመላእታ ናቱ ኰይኑ እስመዓኒ። ከም ተወሳኺ ቀሊል ዘይብሎ፡ ኣብዚ መርበብ ክሕግዝ ዚኽእል ዚነበረ መሰነይታ ርእይቶን ብህሎን ሃየስቲ ንገጠምቲ (ከምኡ ድማ ብኣንጻሩ) ዝዀነ ድምጺ፡ ቃና፡ ምስምማዕ … ወዘተ. ብጽሑፍ ደረጃ ጥራይ ኣብ ዝግበር ዝርርባት ስለዘየለ ወይ ስለዝጠፍእ እውን (ከምዚ ናይ ደረቕ ስእሊ ካሜራኻ ድምጽኻ ዘይተውጽኦ) ዚሃሲ ዘሎ ኰይኑ እስመዓኒ። ካልኦት ነዚ ገልጣም ሃዋህዉ ዘጋድዱ ጸገማት ክውሰኹ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ጠቕላሊ ጸገም ዚብሎ ግና፡ ቦታ ደኣ ቀዪርና እምበር ብዘይቀልዓለም ዚተመናነሀ መንፈስና ንምጽጋን ክንልወጥ ስለዘይተኻእለ እዩ፤ ጌና ኣብቲ ዝጸናሕናዮ ስርዓት ኢና ዘለና። ነፍሲ ወከፍና ኣካል እቲ ጸገም ምዃንና ክንግንዘብ እንተተቢዕና፡ ቁሩብ ዶ ነብስና ክንጥምት መኽኣለና፧! ሃያሲ፡ ዘይከም ጉልቡት ዓቕምታቱ ርካሽ መጥቃዕቲ ካብ ምስንዛር፣ ገጠምቲ ኸኣ ልዕሊ ተረድኦኦም ንዝኸደ ሃያሲ ጽልኣት እናሕደሩ ካብ ምዕግርጋር፡ ኣንጨብጫቢ ድማ ብገዛእ-ጣቕዒቱ ካብ ምጽማም ከናግፍ ዝኽእል እንኰ መፍትሒ፡ ዘመንካ ባዕልኻ ሃናጺኡ ምዃንካ ምፍላጥን እጃምካ ምውጻእን ኰይኑ ግን እስመዓኒ።
* ዛራ ገጠምቲ፤ “ደረስትናን ጽሓፍትናን ጀመርቲ ምዃኖም እንተ ደኣ ኣሚንና፡ ሃየስቲ ንበሎም ነቐፍቲ ወይ ኣለበምቲ’ውን ጀመርቲ እዮም፡” ኢሉ ነይሩ ገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት። ምስ’ዛ ብህሎ ትሰማማዕ-ዶ ኣይትሰማማዕን፡ ስለምንታይ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ኣብ “እንተ” ዝተመርኰሰ ብህሎ ብምዃኑ ብዙሕ እንተታዊ ብህሎታት ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ካብ መስመር ከይሰሓት ድማ እቲ ነዚ ንክበሃል ዝመርሐ ‘ኰንቴክስት’ ክፍለጥ ጽቡቕ ምዀነ። ኣብ ዘይተጸንዐ ዘይመጽናዕታዊ ርእይቶ ከም ምሃብ ከይከውን። ብዝዀነ፡ እቲ ከምቲ ኩልና እንፈልጦ፡ ኣብ ሃገርና ሕትመት ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ደረስትን ጽሓፍትን ሃገርና ኣገልገልቲ ዘዝመጽኡ ናይ ቅልውላው መድረኻት (ፖለቲካዊ ጽልዋታት) ኰይኖም ምጽንሖም፡ ናጽነቶም፡ ሓይሎም፡ ሓላፍነቶም ዝተጠቕሙሉ ኣይመስለንን። ሓደ ካብቲ ጠንቅታት፡ ኣገባብ ‘ሰንሰርሽፕ’ን ተጽዕኖኡን ከነልዕል ንኽእል። እቶም ማዕረ ማዕሪኦም ዚለዓሉ ሃየስቲ እውን ብተመሳሳሊ፡ እኳ ደኣ እንተዘይገዲዶም። እዚ ብካብ ውልቃዊ ኩነተ-ኣእምሮ ጸሓፍትን ሃየስትን ኣትሒዝካ ክሳብ ብእኩብ – ሃገራዊ ደረጃ – ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ስእነት ሓርነት ድማ፣ ብመጠን ጽልዋኡ ንሚዛን ከይዲ ስነጥበብ ሃገርና ደፊርካ ከምዚ’ዩ ክትብሎ ኣየኽእልን። ብጥበባዊ ዓይኒ ተራእዩ፡ ተተንቲኑ፡ ተኸቲዑሉ ወይ’ውን ዝግበኦ ክግለጸሉ ዝኽእል ስያመ ኣይረኸበን። እወ፡ ድንግል-ድንግልናኡ እናተወግረ ዝሓሰመ ስነ-ጥበብ እዩ ዘለና። በዚ ምኽንያት ዚኣክል ግን፡ ስነጥበብና ጌና ጀማሪ እዩ ኢልና ክንተዓሻሾ ግቡእ ኣይመስለንን። ብንጹር ቃላት ፈልየ ክብሎ ዝኽእል፡ ሃየስቲ ወይ ነቐፍቲ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ እዋን ካብ ደረስትን ጽሓፍትን ድሒሮም ዘይርከቡ ምዃኖም ከምዝኣምን እዩ። ደረጃ ንምሃብ ኣይኮንኩን ክስትውዓለሉ እደሊ ኣለኹ፤ እንታይ ደኣ፡ ገጠምቲ ይዂኑ ጽሓፍቲ እቲ ናይ ውልቆም ውጽኢት ዝዀነ ግጥምታቶም ይኹን ጽሑፋቶም ንኣዝዩ ሰፊሕ ነባቢ እዮም ዝቕርብዎ። ብኡ መጠን ድማ ኣዝዩ ሰፊሕ ዓይነት ነባቢ፡ ክንዲ ቊጽሩን ንዓለም በብኩርናዑ ናይ ምርኣይ ግፍሓቱን ተመኲሮታቱ ኰታ እዩ ንስርሖም ዘስተማቕሮ። ሃየስቲ ብፍላይ፡ ካብ መሰረታዊ ኣገባባት ሂስ ተበጊሶም ክሳብ ብባዕሎም ዘፍለቕዎ ምስ ሓፈሻዊ ኣጠማምታ ሰፊሕ ነባቢ ዝሳነን ክርዕም ዚኽእልን ኲርናዕ ኣቢሎም እውን እኰ ህየሳታቶም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እንኰስ እቲ ባህርያዊ ቦታኡ ዚሰኣነ ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣስተማቓሪ ዘሎ ርእይቶታት ዘይተኣከበ ኮይኑ እምበር፡ ዋላ እውን ብሞጐት ገጠምቲ ልዕሊ እቲ ዘስተማቕር ሃያሲ ክኾኑ ብፍጹም ኣይኣምነሉን። እቶም ዚርካቦም እቲ መድረኽን መጉልሒ ድምጺ ዝረኸቡን ሃየስቲ ደኣ ዘይከምቲ ብቕዓቶም፡ ብንጹህ መንፈስ ዝቕርብዎ ርእይቶ ብዘይምጽንሑ ነዚ መደምደምታ ክትህብ ዘይሕግዙ ኰይኖም እምበር! እሞ ኣብዛ ብህሎስ ኣይሰማማዕን።
* ክብሮም ደሞዝ፤ ሰላማት ሽሻይ፡ ከመይ ትኸውን፧ ሕልፊ’ቶም ትጽሕፍም ግጥምታት፡ ኣብ ግጥምታት ካልኦት ኣቲኻ ከተስቈርቊር (ከተስተማቕር) ይርእየካ’የ። እዚ ንስኻ ትገብሮ ምስትምቓር፡ ካብቲ ህየሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣባና ከም ኣዕናዊ ጥራይ ገይርና ንጥምቶ፡ ብኸመይ ይፍለ፧ ህየሳን ምስትምቓርን ዘፈላሊ ወይ ዘቐራርብ ኣለዎም-ዶ፧ ካልእ ንደርፍታት’ውን ኣብ ምትንታኖም ምስትምቓሮም ትወፍር ኢኻ። ብዘይክኡ’ውን ስምካ ኣብ ናይ ገለ ሰባት ግጥምን ዜማን ብዝብል ሰፊሩ ኣንቢበ። ምስ ደርፍን ደረፍትን ዘለካ ኣበርክቶ ኣካፍለና፧ የቐንየለይ!
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ንእተቐረበ መኣዲ እንጌራ ዚተፈላለዩ ነዝዒ ጽክታትካ ገይርካ፥ ዓቐን ጦቕታኡ፡ ሕፍሰቱ፡ ጨዉ፡ ጣዕሙ …ወዘተ. ድሕሪ ምስትምቓር ኢኻ ግምገማኻ ትህብ። እዚ እንተመቂሩካ ኣወንታዊ ርእይቶኻ ትህበሉ፤ እንድሕር ዘይጠዓመ ከኣ ኣሉታዊ ጐኑ ኣመልኪትካ ኣብ ቀጻሊ ክመሓየሽ ኣለዎ እትብሎ ርእይቶኻ ትገድፍ። በዚ ርድኢት፡ ህየሳ ውጽኢት ምስትምቓር እዩ ንዓይ። ኣብዚ እንተተሰማሚዕና፡ ሓቂ ዘረባ ዚጽሕፎም ጽሑፋት ላህመታዊ ሸፈፍታ ደኣ’ምበር ብጥልቀት ስርሐይ ኢለ ዚሓዝኩዎም ኣይኰኑን (ብርዱእ ምኽንያት ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዚተፈላለዩ ህይወት ናይ ምስራዕ ክውንነት ስለ እንርከብ፡ ፍሉይ ጻዕሪ እገብረሉ ክብል’ውን ኣይክእልን። በዚ ምኽንያት እየ ድማ ኣሕዋት “ህየሳኻ” ክብሉ እንከለዉ፡ “ምስትምቓርካ” እናበሉ ክጠቕስዎ ዝሓቶም።) እቶም ዚመሰጡኒ ጽባቐታት ሓንቲ ስራሕ ምግላጽ ማለት እቲ ዘይጽባቐ ዚብሎ ብኣንጻሩ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ስለ ዝስመዓኒ’ውን፡ ብዚተኻእለ መጠን ነቲ ክብሎ ዚደለኹ ብሓዊ ሓዊ ዝጨኑ መንፈስ ጽሑፍ ገይረ ከይበጸሐለይ ክተርፍ ኣይደልን። ንገዳይም ይኹኑ ሓደስቲ ገጠምቲ ቅልዕልዕ ጅልዕልዕ ኣቢለ ኣብ ብዓንተቦኡ እተሓመሰ እንብሎ ሃዋህዉ ኢደይ እንተሓወስኩ እንታይ ፋይዳ እርከቦ፧! ዘየኽእለለይ ኣብ ቀረባ ጽባቐ ዘሎ ጉድለት ኣብ ዚረኣኹሉ እዋን፡ ወይ ድማ ርእይቶይ ክህቦ ንእተወከሰኒ፡ ይመቅሮ ይዓርዕሮ ብዘየገድስ ኣብ ውልቁ ርእይቶይ ከብጽሓሉ ወስ እብሎ እየ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ፡ እንተልዩንስ፡ ብዘለኒ ብቕዓት ገይረ ኪንዮ እቲ ጥበባዊ ትሕዝቶ ንውልቃዊ ነፍሲ ገጣሚ ንምርካብ ዝግበር ጠፋዕፋዕ አስገድግደኒ እዩ። ናይ ቢራይ ድየ ዊስከይ ባዕለይ እየ ዚኽእል፡ “ሓያል!” ክበሃል ድማ እንዳ መሓመድ ሓጎስ የለኹንኖ። ኣብ ናይ ደርፊ ዝበልካዮ፡ ኣብ ገዛውትና ኣብ ኣንጐሎታት፡ ኣስካላ እንዳ ኣቦይ ዘምህረት ዱኳን ኮይንና ንወቕዖ ዚነበርና ክራር ስርሑ ክገብር ደልዩ መስለኒ፣ ማዕረ ማዕረ ናይ ጽሑፍ ግጥሚ እጽሕፍ። ኣብ ኣጋ ምውጸአይ እውን ገለ ውሑድ ስራሓት ሰሪሐ ወጺአ። እቶም ዚሰራሕኩሎም ደረፍቲ እውን ወጺኦም። እቲ ስራሓት እውን ምሳና ወጺኡ እነሆ ፋሕ-ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ተስፋ እገብር ኣብ ሓጺር እዋን ገለ ስራሓት ወስ ክንብል። ሓንቲ ተኸይፈኒ ኣዘራርባ ናይ ስነ-ጥበባዊ ኣኽሊሉ ተስፋጼን ከም እተገድሰንን ከም ዚኣምነላን ግን ክነግረካ። ኣብቲ ብህሎ ዚተኻተተ ብዙሕ መረዳእታታተይ ስለዘሎ። ኣብ ዕላል እዩ፤
ሓታቲ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብዙሕ እዋን ምስ ሓደስቲ ደረፍቲ ምስራሕ እትፈቱ፧”
ኣኽሊሉ፡ “ንንያላ ሆቴል ሓንቲ ‘ፕያኖ’ ምውሳኽ ካልእ ንያላ ስለዘየብላ።”
* ኤርሚያስ ተኪኤ፤ ግጥምታትካ ዝጸፍየሉ ሃዋህውን ካብ ድቒ ክሳብ ሕርሲ ዘሎ ናይ ቅልውላው ህሞት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ድሕሪ ምሕራሱ-ኸ ሕማም ደሓር ኣሎዎ ድዩ ወይስ ሩፍታ እዩ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ግደ ሓቂ ከም ርድኢተይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ግጥሚ ከምዚ ዚበልካዮ “ቅልውላው፡ ሕማም ደሓር” ዚብሉ መዝገበ ቃላት ኣለዉ ኣይብልን። ምናልባት ከምዚ ሓሲብካዮ እንተኾይንካ ግን፡ ማለት፡ እቲ ክበሃል ዚተደልየ ንምባሉ ዘሎን ሓሳብካ ኣብ ጽሑፍ ንምቕያሩን ኣብ ዘሎ ሃንቃ-ሃንቃ እንተደኣ ንዛረብ ሃሊና፡ ብወገነይ ኣየሕመኒ ኣየቐንዝወኒ። ልክዕ እዩ እቲ ትብሎ ምስ ፈለጥካ፡ እቲ እትብለሉ ኣገባብ ድማ የሕስበካ እንድዩ፣ ኣገዲድካን ተጻዒርካን ክኸውን ስለዘይክእል ግን፡ ትም ኢለ ከም ዚወረደለይ እጽሕፍ። እዚ ኣገባብ ፈትየዮ እየ መስለኒ ኣየጨንቐንን ከም ልምዲ ድማ ምሳይ ዝሰርሕ። ንኣብነት ዚኣክል፥ “ምስ ተሓዋወሰካ” ዘርእስታ ዚጸሓፍኩዋ ግጥሚ፡ ኣብዚ ግሩፕ ክጥቅዓ እንከለኹ ምሳይ 12 ዓመታት ምጽንሓ፡ ተሳቕየላ ኣይፈልጥን። ኣይርደኣንን እውን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቃላታ ንዓይ ትርጉም እናሃለዎ ሓደ ዘድንቖ ሓውና ምሰካፈልኩዎ፡ ዝኾነ ከምቲ ንዓይ ዚስመዓኒ ስምዒት ብዘይምርኣዩ እውን ኣየሕመመንን። ድሕሪ ግጥመይ ኣኺሉለይ ምባልካ ዚረኣየካ ዘይዕግበት፡ ወይ ከምዚ ናይ ሓውና ብዘእምን ኣገባብ ገይሩ ካልኦት ብኸመይ ይርእይዋ ምሰርኣየኒ ዘሎ ዘይዕግበት ድዩ እቲ ሕማም ድሓር ዚበልካዮ፧ ሓሚቐ ነፊዐስ ንሳ’ያ። ካብ ምጽሓፍ እንተዘይቦኺረስ ምስ ግጥሚ ዘየተዓራርኽ የብልናን ኢለ’የ ዝቕጽል።
* ሃብቶም ግርማይ፤ ብቐዳምነት ሰላም ወ ሰናይ ንዓኻ ይኹን ክቡር ሓው ሽሻይ ሽመንዲ። ብምቕጻል ከኣ ከም ገጣምን ሃያሲን ቋንቋ ትግርኛ መጠን፡ ክትህዪስ ከለኻ ኣብ ባዕዳውያን ቃላት ምድንጋጽ ከተርኢ እዘበካ’የ፣ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ቃላት ድማ ብትግርኛ ብቐሊሉ ክትረኽበሎም ዝከኣሉ’ዮም። ተቢዕኻ ክትኩንኖም ዘይትመርጸሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብሓፈሻ ንሓንቲ ጥበባዊት ስራሕ ክትህዪስ ከለኻ፡ ኣወንታዊ ሸነኻ ጥራይ ከተጉልሖ እዕዘበካ’የ፣ ብሉጽነታ ምዝርዛር ኣኻሊ ድዩ፧ ስለ መልስኻ ብኣጋኡ የቐንየለይ!
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ቅኑዕ ቋንቋ ትግርኛ ኣመልኪትካ ዝበልካዮ፡ እቲ ክኸውን ዝነበሮ እሰማማዓሉ’ኳ እንተኾንኩ፣ ሓፈሻዊ ተጸኒዑ፡ ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ተኣታትዩ ብስሩዕ እትመሃሮ ኮይኑ ብዘይምጽንሑ፡ እኹል መወከሲታት ዘይምህላዉን እቲ ሓሳበይ ክገልጸለይ ዝኽእል ሰባት እውን ክርድእዎ ዘየሸግሮም ዚመስለኒ ኣገባብ እየ ዚጥቀም፡ ሓቅኻ። እቲ ዚርካቡ ንባዕሉ ብውልቀሰባት ደረጃ ጥራሕ ዝግበር ገለ ገለ ፈታቲሽካ ክርከብ ዚኽእል ተበግሶታት ድማ፣ ሓደ ማእከላዊ መረዳእታ ክሳብ ዘይተዋህቦ ከም ሕግን ስርዓትን ክወስዶ ስለዘይመርጽ። ኣብቲ ጽሑፋትካ ንኣወንታዊ ሸነኻት ጥራሕ ኢኻ እተጒልሖ ዚበልካዮ እውን ሓቅኻ። ኣብ ናይ ክብሮም ሕቶ ዝመለስኩዎ እየ ክደግም፤ ብዘይካ’ቲ ፍጊዕ ዝበለና ንዘዝተሰርሐ ስራሕ ምኽትካቱ ዚብል መርሖ ሒዞም (ንሱ’ውን ብውርዙይን ኣእማኒ ኣገባብን እንተዝነብር መዓስ ጸሊእካ!) ንዘይብቕዓት ሓደ ስራሕ ብዘይብቕዓት ኣወሃህባ ርእይቶ ተጠቂሞም ዝህይሱን ዝፋኖም ያኢ ከይቅንጠጥ ኣይትተንክፉና ዚብሉ ገጠምቲ ዘስገድግዱኒ ምዃኖም፣ ካብ ክልተ ዘገድሱኒ ነገራት ዚነቐለ ውልቃዊ ምኽንያታት ክውስኽ። እቲ ቀዳማይ፥ ኣነ ንባዕለይ እቲ ዚርካቡ ሒደት ብዛዕባ ስነ-ግጥሚ ዘሎኒ ኣፍልጦ፡ ብእተፈላለዩ ዝነበብኩዎም ጽቡቓት ግጥምታት (ንዓይ) ምንባብ ዚመጽአ ብምዃኑን፣ እቲ ካልኣይ ድማ፥ ፍጹም-ጥበብ ዚበሃል ከምዘየለ ስለዝኣምን ኣብ ዚተፈላለዩ ግጥምታት ተገቲሮም ካብ ዚርእዮም ጉድለታት፡ እንተተኻኢሉስ እቶም ተዘርዮም ዚርእዮም ጽባቐታት ምልዓሎም ስለ ዝሓሪ ወይ ኣሕጺርካ እቲ ‘ኦፕቲሚስቲክ’ ኣጠማምታ ስለዝምስጠኒ ድማ።
* ዛራ ገጠምቲ፣ ስነ-ጥበብን ስነ-ምግባርን ከመይ ተተሓሕዘን፧ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ዲንቂ ስነ-ጥበብ ክፈሪ ይኽእል-ዶ፧ አገድሰና ዶ ኸ ንዓና ንኤርትራውያን፧
‘ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ’ ዝብሃል ቅዲ ኣሎ፡ ኣብ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ከመይ ተንጸባሪቚ ረኺብካዮ፧ አገድስ ዶ ኸ፧
ህየሳ ኸ ስነ-ጥበብ ድዩ፧ ስነ-ጥበባውያን እዮም እንተ ኢልካ፡ ከምቲ ፈጠራዊ ጽሑፋት ዘሎ ፈጠራዊ ዘሎዎ ህየሳ ኣሎ ድዩ፧ ተምሳጦም ብዝመሰሎም እዮም ዘዳልዉ እንተኢልካ ድማ፡ እሞ ንህየሳ ዝኸውን መትከላት የለን ማለት ድዩ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ብኣጠማምታይ፡ ስነ-ምግባር፡ ንጥበብን ኣቕረብቱን መጠረዚ መንፈሶም እዩ። ወይ እቲ ንትሕዝቶን ኣዳላውን ዘማዕርግ ጥዕና ዚመልኦ ሰብኣውነት። በዚ መንጽር፡ ስነ-ምግባር ኣብ ዝጐደሎ፡ ዲንቂ ዘበለ ክፈሪስ እትረፍ ብዓቢኡ እኳ እቲ ስነ-ጥበብ ህላውነቱ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ትጽቢትን እምነትን እተነብረለን ብርዕታት፡ ካብቲ በቶም ዓበይቲ ሓራግጽ እተቐርሰመኦ ንላዕሊ፡ በቶም ብዘይኣምኑሉን ብድለላን ተደሪዀም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ስነ-ጥበባውያን እዚ ዘዪበሃል ግፍዒ ዝፈጸሙ ሰባት ምንባሩ እንክትሓስብ ንመረዳእታይ ጭቡጥ ትርጉም ክርከቦ ዚከኣል መስለኒ። መንፈስ ጸሓፍቲ ንምድኻም ብእተዓስቡ ገይርካ ንጽሑፋቶም ከተዕኑ ምፍታን እውን ነይሩ። ከምቲ መም/ ተኽለ ተኸስተ ኣብ ሓንቲ ካብ ግጥምታቱ ዚበሎ፥ እቲ ንላዕሊ ገጽካ ምልዓል’ውን እንተዀነ፡ ወዲቕካ ንዘይምድሓን ክኸውን ስለዝኽእል፡ ኣራግጻ ኣእጋርካ ዚመዝን ነብሰ-እደባ ክህልወካ ምኽኣል እዩ ስነ-ምግባር ንስነ-ጥበበኛ ምበልኩ። እምበኣር ስነ-ምግባር አገድሰናን ፈረቓን እብል። ዓሊ ዓብዱ፡ ማይስርዋ፡ ተወዚዕካ እንዳዜና ምእታው፡ ሃመማተኤ፡ ካድርነት፡ … ወዘተ. ዚበሃሉ ስያሜታት ኣብ ጥበብ ተሰፍዮም ዳርና ዝረኣናሉን እተፈንፈኑሉን ዘመን እዩኖ ሕጂ!
ኣብቲ “ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ” ዝምልከት ሕቶ፥ ከም መረዳእታይ፡ እዚ ስነ-ሞጐት እዚ ውጥም ህጥም ዝብል እምበር፡ ብርእሱ ቆይሙ ዓለሙ ከርእየና ኣይተኻእለን። ሓቂ ዘረባ ኣዝዮም ቁንጣሮ እንተዘይኰይኖም፡ ዚበዝሑ ስነ-ጥበበኛታትና ጌና ምስቲ ንማሕበራዊ ናብራ ዝደናገጽ ስነ-ጥበብ ንስለ-መልእኽቲ እዮም ዘለዉ። እዚ ክኸውን ዚኸኣለ፡ ምናልባት፡ እቲ ክውንነታዊ ሃዋህው ሃገርን ህዝብን ሓይሊ ስሕበቱን ክኸውን ይኽእል። ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ እምበኣር፡ ህላዌኡ ከይከሰበ ከመይ እንጸባረቕ ኣሎ ክንብል ዚከኣል ኣይመስለንን።
ህይወት ብዓባያ ማዕከን ጥበብ፡ ወዲ ሰብ ድማ ጉዕዞኡ ጥበብ እያ ኢሉ ንዚኣምን እትረፍ ህየሳ፣ ምስትምቓር እውን ጥበብ እዩ ክብል ነቲ ዳሕረዋይ ሕቶ። ንምንጻሩ፥ እትረፍ ስሩዕ ህየሳ፡ እቲ ዘይተኣከበ ርእይቶታት ኣስተማቐርቲ እውን እንተኾነ ከካብ ኩርናዑ ተበጊሱ ዝወሃብ መልሰ ተግባር እንደኣሉ – ኣብ መድረኽ ይብጻሕ ኣይብጻሕ። ህየሳ ከም ሓደ ዋርድያ ቆይሙ፡ ቲኬት ብቕዓት ዝርኢ ግኡዝ ነገር እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ምስ ለውጢ ኣተሓሳስባን ቀጻሊ ምዕባለን እናተመርሐ መምዘኒታቱ ዝውስኽ/ዘጉድል፡ ዓለማዊ ባህርይ፡ ሕብረተሰባዊ ኣቃውማ፡ ውልቀሰባዊ ስፍሓት ዓቕሚ ርእዮት ተወሃሊሉ ንደቂሰባት ዝምግብ “ፍሰት ረቂቕነት” እዩ ኢለ ግን እኣምን። ስለዚስ፡ ተምሳጥ ዘፈልፈሎ ርእየታቱ ገይሩ ቀጻሊ እናተመሓየሸን እናጐልበተን ዝኸይድ ኣገባብ ደኣ’ምበር፡ ብሓንሳብ እተሓገጉ መትከላት ተቐፊዱ ዝነብር መስተኻኸሊ ኣይኮነን’ውን ክበሃል ዚኽእል ‘መስለኒ። ብሓጺሩ፥ ህየሳ፡ እቲ ኣብ ፍልቀት ዝነብር ዘይተጻሕፈ ‘ረሲፕት’ ንኣገባብ ኣሰራርሓ ግጥሚ እዩ እንተበልና’ኸ፧! ግጥምን ገጠምትን ደኣ ንባዕሎም ንምስትምቓር ሃያሲ ሸውሃቱ ከፊቶም ጋህ ዘብልዎ ከይኮኑ እምበር!
* ማማይ ምሕረትኣብ፤ ከም ትዕዝብተይ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስነ-ግጥምን ገጠምትን ሃገርና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጐ ገጣምን ግጥምን ዘሎ ፍልልያት፡ ክንዲ ብተናጸል ብጅምላ እንክርኣዩ ካብ ዝጅምሩ ሓያለ ዘቊጸረ ኮይኑ ይስምዓኒ። ትዕዝብትካ ምስ ናተይ ዝሰማማዕ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ንግጥሚ ዝሃሲ-ዶ ኮይኑ ኣይስምዓካ፧ ከመይ እንተዀነ-ኸ ይሓይሽ ትብል፧ ገጣሚ-ኸ ብዓንደ ርእሱ ደው ክብል ኣይክልን-ዶ፧ ዶስ ከም ንዕዘቦ ዘለና ደገፍቲ (ቲፎዞ) የድልይዎ’ዮም፧ ንሓደ ገጣሚ-ኸ ድሕረ-ባይትኡ፡ ኣብ ግጥሙ ንኣንባቢ ኣገዳነት ዘለዎ-ዶ ኮይኑ ይስምዓካ፧ እዚ ማለት ግጥሚ ርእሱ ክኢሉ ደው ካብ ምባል ኣይዕንቅፍን-ዶ ትብል፧ ብዘይካ’ዚ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎ ዜጋ፡ ብጽልዋ ህሉው ኩነታት ሃገርና ተደሪኹ ምስ ምህላዉ፡ ዘርከበ ብርዑ ከትክል ኢና ንዕዘብ ዘለና፣ እዚ ማለት ብዙሓት ግጥምታት ይፈርዩ’ኳ እንተሃለዉ፡ መብዛሕትኡ ግጥምታት ኣብ ጸቢብ ዓንኬል (ፖለቲካ) የንከራርዉ ምስ ምህላዎም፣ ስነ-ግጥሚ ሃገርና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እንከይበጽሕ፡ ብኣግኡ እንታይ እንተ ተገብረ ይሓይሽ ትብል፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ትዕዝብትኻ ትዕዝብተይ እውን እዩ። ምድግጋም ከይከውን እምበር ኩሉ ውጽኢት እቲ ዝጸናሕናዮ ስርዓት እዩ ኢለ እኣምን፡፡ ልክዕ ንምዃን ድማ፡ ውጽኢት እቲ ባህላዊ ጉዳያት እናተባህለ፣ ስርሑ ንዘድልይዎን ክጥቀመሎም ንዚደለየን ሰባት ኣብ ምስራሕ ዘተኲር “በዓል መዚ ምስራሕ ስማት” ዚነበረ ትካል። ሸፈነን ተራኣይነትን ዝረኸበ ሰብ ከተቃልበሉ ባህርያዊ እዩ። ካልእ ከምዘየለ፡ ንበይኑን ስራሓቱን ጥራሕ ኣብ ዝውጠመሉ ወይ ኣብ ዝጋዋሓሉ ግዜ፡ እቲ ኣብ ኣስተማቐርቲ ዝፈጥሮ ምስልቻው እሞ ንግደፎ፣ እቲ ጥበብ ማለት “ስምካ ኣብ ፈቖዶኡ ክርቋሕ ምኽኣል” ዝብል ድሕሪኡ ኣብቲ ዚተረፈ ካልእ ሰብ ዚዘሩቕ ድሕሪኡ ዘሎ ስምዒት’ዩ ዘሕዝነኒ። ኣብዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ግና፡ መጠን እቲ ኣብ ፎቖዶ ውራይ እተወጠምዎ ጥበባቶም ክስወር እንከሎ ዘይስትውዓል ኣይኰነን። ስለዚስ፡ ናቶምስ እንደለ ይኹን እቶም ቲፎዞ ኸ እንታይ እዩ ሽንኖም፧ ክትብል የገድድ እዩ ከምዚ ዚሓተትካዮ። ከም ርድኢተይ ግና፡ ገጠምቲ ብእተለጠፈሎም ኣስማቶም ክውዕውዑ፡ ቲፎዞ ከብዝሑ ዋላ እንተኸኣሉ፣ እቶም ንዘመናት ንበሎ ንወለዶታት ኣብ ነበብቲ ዚተርፉ እቶም ብግዜ ንበሎ ብመድረኽ ዘይተበድሁ ጥበባት ደኣ’ምበር ማንም ዝበረቐ ኣይኮነን’ሞ ዘጨንቕ ኣይመስለንን። ተስፋ ንገብር ግን፡ ካብ መድረኻዊ ተበላጽነትን ሆይሆይታን ወጺኦም፡ ግጥሚ ብነብሱ ክሓድር፡ ህላወ ጥበብ ክምስክሩ። ገጠምቲ፡ ነፍሳቶም እንተረኺቦም ጥራሕ ገጠምቲ ንምዃን ስለዚበቕዑ። ኣብቲ ካልኣይ ሕቶኻ ዘሎኒ መረዳእታ እንድሕር ኰይኑ፡ ኩሉ ቅኒትና እዋናዊ መሪር ተረኽቦና ብምዃኑ ሓይሊ ሚዛን ግጥምታትና ናብኡ ክዛዙ ዘገርም ኣይኰነን። ኣነ ዝብል ግን፡ ንሱኸ ኣኺሉ ዶ፧ ዘመኑ እስንድ ዶ ብሓቂ፧ ጭንቅና፡ ጒዕዞና፡ ሰብኣዊ ንድየትና፡ ሕስረትና፡ ካብ ቁስልና ክሳብ ሞትና ንዘሎ ሃዋህው፡ ስደትን ገጻቱን፣ ሃገርናን ብርሰትናን …ወዘተ. ገሊጽናዮ ዶ፧ ሶርያዊ ኒዛር ቐባኒ ኣብቲ ንፖለቲካዊ ኲነታት ሃገሩ ኣመልኪቱ ዚገጠሞም ግጥምታት እሞ ንርአ፡ ኣብ ግዜኡ ንዝነበረ (ከም ናትና ዝመስል) ሃዋህውን ተራ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ክገብሮ ዘለዎን ከመይ ገይሩ ኣቐሚጥዎም ኣዝዮም እዮም ዝምስጡኒ። ገጣሚ፡ ንሓደ ዝተወሰነ እዋን፡ ዚገዝኦ ወይ ዚመርሖ ዘዪሰድድ ስምዒት ክህልዎ ንቡር እዩ። እቶም ጽቡቓት እንብሎም ስሕት ኢልካ ደኣ ኰይኑ’ምበር፡ ኣለዉ እውን እኰ ካብ ግጥምታትና። ኣብ ዘዕወንውን እዋንን መንፈስ ኣብ እተጐድኣሉን፣ ብርእየቱ፥ ከጸናንዕ፡ ጌጋታት ከይድገም መርኣዪ ኣዒንቲ ዘለቅሕ፡ ብዓቢኡ ከም ህዝቢ ብፍላጥን ዘይፍላጥን ካብ ዚኣተናዮ ዓዘቕቲ ወይ ኣብ ስደት ንዘሎና ድማ ካብ ግዳያት ነጻነታዊ ዕብዳን ዘገላግል፡ ህንጸት ሰብኣዊ ክብርታት ዝዝምር፡ …ወዘተ. ግና ከም ማይ ኣብ ኣጻምእ ከም ዘድልዪና ዘይከሓድ እዩ። ዋላ’ውን ህሉው ተረኽቦና ኣጽቢቡ ‘ዲክተይት’ ይግበረና፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣቃውማና ንዘጥቀዐ ጠንቂ፡ ማሕበራዊ ገጻት ህይወትና ብምሕዋይ ጥራሕ ስለዝፍወስ፡ ሓቅኻ፡ 360 ዲግሪ ህይወት ዝጥምት ፍርያት ጥበብ አድልየና ኣሎ። እንታይ ንግበር፧ ንዝብል ሕቶኻ ግና፡ “ኣነ ክገብሮ ዚኽእል እንታይ ኣሎ፡” ቀይርናስ በብዓቕምና ሓዀት እያ እምበር።
* ኤማ ወዲ ተካል፤ ብመጀመርታ ሰላምታ፡ ብምቕጻል ክሓቶ ደልየ ዘለኹ፡ ግጥሚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጥምሕ ግጥሚ-ኸ እንታይ እዩ፧ ግጥሚ ኣብ ከመይ ኩነታት እንተ ተደርሰ ይሓይሽ፧ ማለት ኣብ ሓቂነት ዘሎዎ ታሪኽ ዝተመርኮሰ-ዶ ርዝነቱ ይኸብድ ወይስ ኣብ ፈጠራዊ፧ ኣስዒበ፡ ኩሉ ዝተገጥመ ዜማ ክስረሓሉ ይክእል-ዶ፧ ማለት፡ ከመይ ዝበለ ግጥሚ’ዩ ንደርፊ ዝቐርብ/ዝምችእ፧ የቐንየለይ ዛራ-ገጠምቲ።
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ሓቂ ዘረባ ከምዚ ዓይነት ክትድርብዮ ቀሊል ግን ከኣ ዓቢይ ሕቶ ንምምላሱ ክብድ ይብል’ዩ። በበይኖም ሰባት ብበበይኑ ኩርናዕን መግለጽን መረዳእታኦም ከቐምጡ ስለዝኽእሉ፣ ናትካ እንዶ ግበር እንተኢልካኒ ግን፡ ከምዚ ምበልኩ፥ ዝደስከለ ስምዒት፡ ዝዋዕወዐ ስኽነት፡ ዚተመኰረ ጉዕዞ፡ ዝግመት መጻኢ፡ …ወዘተ ዚኣመሰሉ ውህሉላት ሓሳባት፡ ኣብ ርእዮተ ዓለም ገጣሚ ኣድበንቢኖም ብጽሑፍ፡ ብድምጺ፡ ዝዘንብ ዝናብ ክኸውን ይኽእል – ንሱ እውን ንምርድዳእ ክጥዕመና እምበር ኣየረጋገጽኩን። ጥሙሕ ግጥሚ ንዝበልካዮ፡ ብከምቲ ግጥሚ ክኾኖ እንጽበዮ እንተኾይኑ፡ ካብ ሰፊሕ ሃዋህዉ ተኽእሎ – ሓሳብ ተቖንጢሩ/ተሓፊሱ፡ ኣብ ህይወት ከይዲ ደቂ ሰባት ብዓቕሙ ዓለም ዘቃልል (ዜፋዂስ) ትሕዝቶ እመስለኒ። እቲ ጥሙሑ ንሱ ከይኰነ ኣይተርፍን በሃላይ እየ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ጥሙሑ ምስ ገጠምቱ ኣተኣሳሲርካ ክረአ እንከሎ፡ ካብ መሳርሒ “ክብል’የ” ዝብል ሰባዊ ወጣም ባህርያት ምዃን ኣትሒዝካ ክሳብ ኣብ ዘይጻውዒትካ ኣቤት ብምባል ዝሽገር ዝትሕዝቶኡ በዓል መከረኛ ጥሙሕ እውን ክኸውን ይኽእል። ግጥሚ ዚገሃደሉ ወይ ዝምቸኦ ባይታኡ፥ እቲ ግጥሚ ባዕሉ ስለዝፈልጦ ኣነ ወይ ንስኻ ክንምልሰሉ ኣይከኣለናን። ደጋጊምካ ምጽሓፍን ብሓይሊ ‘ፋንታዝያኻ’ ካብ ብዙሓት ማሕዪረ-ባዕልኻ ምውጻእ ግን ናይ ጸሓፋይ ተራ ምዃኑ እኣምን። ደቂ ሰባት ወትሩ ንዝሓሸ ህላወ ስለዝዀነ ጉዕዞና፡ ተቢዕካ ኣንጻር እቲ ዘምጸኣካ ወይ ነዚ ዘለኻዮ ክትከውን ዝገበረካ ባህርያት ከም ምስ ሕመቕካ፡ ጌጋታትካ፡ ዝፈጸምካዮ በደል፡ … ምግጣም፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ምስ ሓቂን ዋላ ብዓይንኻ ኣይትርኣያ ምስ ፍቕሪ ንምርኻብ እተካዪዶ ሃልኪ እንተልዪ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ንግጥሚ እዩ ኢለ እኣምን። ነቲ ብርዝነት ዝጠቐስካዮ፡ ሸፈነኡን ቀጻልነቱን ተርጒምካ፡ ካብ ሓቀኛ ፍጻመ ዝፍጠር ፈጠራ ወይ ድማ ካብ ፈጠራ ዝውለድ ዛንታ እውን ስለ ዘሎ፡ ብኣድማሳዊ ተቐባልነቱ፡ ነባርነቱ ኣብ ጅር ደቂ ሰባት ከስፍር እንተበቒዑ “ግጥሚ’ዩ!” ዘብል ሓባራዊ ረቛሒ ክንጠቅስ ንኽእል ይመስለኒ። ስምዒት ብ’ኣስተቲካዊ’ መልክዑ እንተ ተጨሚቱ ድዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ፧! … ኣብቲ ንደርፊ ዝኸውን ግጥሚ (ሕደማ) ኣልዒልካ ዝበልካዮ እንተመጺእና፡ ብንዕኡ ዘድልይዎ ባእታታት ዚስራሕ ናቱ ብዙሓት መሰረታውያን ኣገባባት ዘለውዎ እኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ንዕኡ ዝዳሎ ናይ ፍርቂ መሻርኽቱ ዜማ ዚህልዎ ውህደትን ተመላላእነትን ወሳኒ እዩ – ብፍላይ እቲ ኣብ ግዝኣተ ዜማ ተመርኲሱ ዚስራሕ ሕደማታት። ብስፍሓት ዝእመነሎም ቀመማት ኣብ ቦታኦም ሃልዮም፡ ሕደማ መልእኽቱ ዝጾረሉ ‘ሁክ’ ዚበሃል ክፋሉ ምንጻር፡ ተፈጥሮኣውነቱ እተጠቕመ (ብእተኻእለ መጠን ካብ ልሙድ መዓልታዊ ኣዘራርባ ዘይረሓቐ ‘ዲክሽን’ ክትጥቀም ምኽኣል)፡ እትጥቀመሎም ኣበሃህላታት ሓደስቲ ኰይኖም መሳጢን ስጡምን ዝዀነ፡ ካብ ፈትሊ ዛዕባኡ ዘዪምሕድግ ክኸውን ግና እቲ ንዓይ ዚምስጠኒ እዩ።
* ፊሽ በየነ፤ ብመጀመርታ ንኣዳለውቲ’ዚ መደብን ንገጣሚ ሹሻይን ሰላምታይ የቐድም። ብምቕጻል ግጥሚ ባህሪ ድዩ፧ ማለት እትሓዝነሉን እትሕጎሰሉን ትኽእል ሓቀኛ መልኽዕ ወይስ ብከውሊ ዝዕየ ፈጠራ’ዩ፧ የቐንየለይ! ግጥሚ ፍሉይነቱ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ ከም ሓኸለ ስነ-ጽሑፍ ዝዕየር፧ ማለት ብሓቂ ካብ ፈጠራዊ ስነ-ጽሑፍ፡ ካብ ድራማዊ ስነ-ጽሑፍን ቴማዊ ጽሑፋትን ዝበልጸሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፤
ብክግለጹ ዘይክእሉ ግዙፋን ባህርታት ኣብ ዚመልአት ወይ ኣብ እተወሃሃደት ዓለም እናነበርና፡ ንግጥሚ ባህሪ ድዩ፧ ኢልካ ምሕታትካ፡ ንመረዳእታይ ክጭብጦ ድየ ክመጥጦ ኣይፈለጥኩን ኣለኹ – ንሱ’ውን ዓቕሚ እንተ’ልዩኒ። ብልክዕ ካበየናይ ነጥቢ ተበጊስካ ነዚ ግዙፍ ቃል ዚሓዘ ሕቶ ኣበጊስካዮ ኣረጋጊጸ ክፈልጥ ስለዘሸግር። ንባዕሉ እቲ “ባህሪ” ዝብል ቃል ንምንታይ እውክለልና ምፍላጥ ከድሊ እመስለኒ። ባህሪ፡ ነቲ ከም ጠባያዊ መግለጺ እንወስዶ ትርጓሚኡ ዲኻ ሓሲብካዮ፧ ወይስ ንባዕሉ ኣካል ግዙፍ ህላወ ገይርካ ኢኻ ተጠቂምካሉ፧ ክንጽረለይ ምፈተኹ። ብዝኾነ፡ ክሳብ እቲ መረዳእታይ፡ ከምቲ ቀዳማይ እንተኾይኑ ሓሳብካ፡ ግጥሚ ሓደ ናቱ መሰረታውያን ባህርታት/ጠባያት ኣማሊኡ ዝስራሕ፡ ዝምዕብል፡ ምስ ፈጠራን ዕንደራን ስፍሓት መረዳእታ ሓፈሻዊ ሓሳባትን መነባብሮን ደቂ ሰብ ፍልቀት እናርኣየ ዝኸይድ ጻውዒት እቲ ክፉት ተኽእሎ እዩ ምበልኩ። ምናልባት ነቲ ዳሕረዋይ፡ ማለት ከም ኣካል ግዙፍ ህላወ ዶ ምተቖጽረ ዝብል ከም ሕቶ ኣልዒልና ክንርእዮ እንተኾይኑ ከኣ፣ መን ይፈልጥ! ኣብ ዘይከውን ዝኸውን ተኽእሎታት ኣብ ክገሃዶ ዝኽእል ዓለም ኢና ንነብር ዚብል ሓሳብ ስለዚኣምን – ይኸውን – ክብለካ ይቐለኒ። ባህሪ ምስ በልካ’ባ፡ ማዕሪኡ “ባህሊ” ዚብል ቃል ውትፍ ኢሉኒ ነይሩ እሞ፡ ነቶም ናይ ብሓቂ ገጠምትስ ዚወራረስ ባህሊ ወይ ከም ክስቶ ክኸውን ኢልካ እትዀኖ ዘይምዃኑ ግን ክንስሕቶ ኣይግባእን – “ንባህሪ ይቐርብ!” በል መጺኡኒ። ገጠምቲ ይፍጠሩ እምበር ይውለዱ ኢለ ስለዘይኣምን! ኣብቲ ንግጥሚ ምስ ካልኦት ጥበባት ኣረኣኢኻ ክበሃል እተደልየ ሕቶኻ ምስ እንመጽእ፡ ኣብ ዚተፈላለዩ ስድራቤታት ስነ-ጥበብ ዝተፈላለየ ኣድናቖትን ተመስጦን ብምህላዉ ሓዲኦም እበልጽ ክብል ኣይክእልን። ክሳብ ሕጂ ብመጽናዕቲ ተበጺሑ ከም ዘሎ ግና፡ ግጥሚ እቲ ዝጠንተወ ጥበብ ደቂ ሰባት ምዃኑ ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ክጠቅስ እደሊ።
* ዛራ ገጠምቲ፤ ሓው ሺሻይ ስለ’ቲ ሰፊሒን ኣዕጋብን መሃሪን መልስታትካ ደጊምና እናመስገና፣ ምስቲ ተሪፉ’ሎ ዘይተተንከፈ’ሞ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክብሎ’የ ትብሎ ሓዊስካ ሓንቲ ሕቶ ክነልግበልካ። ዛራ ገጠምቲ ትኽተሎ ኣካይዳን ዘለካ ሃናጺ ነቕፈታን ስክፍታን ምገልጽካልናዶ ፧
ሺሻይ ሹመንዲ፣
ዝተረፈ እኳ እንታይ ክህሉ ኢሉ፡ ንኣካይዳ ዛራ ገጠምቲ ብዚምልከት ግና፡ ንእሽቶይ ክብል። ኖኖኖ ኣሕፊሽካ ዚበሃል የሎን። ዛራ ገጠምትን ዘካዪድዋ ውልቀሰባትን ፈላሊኻ ክረአ እንተተኻኢሉ፡ መን ይጽይቕ መን ከ የዐሪ ስውር ኣይኰነን። ብገለ ገለ ውሑዳት ውልቀሰባት፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ኪሕ ዘበለና ስድነት ገለን ክላመዶ፡ ገለን “ኣነ ኣይጠዓምኩን” ብዘምስል ክምኰሮ ክፍትን፡ መወዳእታኡ ከኣ ክዓኑ ክትርኢ እንከሎኻ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኣብዝን ኣብትን ኣይንበር ደኣ’ምበር ዘይረአኹ ኣይኰንኩን። ኣካል እቲ ጸገም ንዘይምዃን ድማ እግሮም ካብ ዚሰሓቡ እየ። ፍርድን ቅድመ-ፍርድን ኣወጊድካ ንሰብኣውነት፡ ናጽነት፡ ረቂቕነት ተፈጥሮ፡ ፍቕሪ፡ ሓቂ፡ …ወዘተ. ዚኣመሰሉ ጽባቐታት ካብ ሓሳባዊ መቖሚኦም ናብ ዚፍለጠካ (‘ፊል’ እትገብሮ) ቅርጾም ዝቕይር፣ ከም ህዝቢ ዝኸሰርናዮ ትሕትናዊ፡ ነጻነታዊ፡ ሰላማዊ ርእዮተ ነገራት ዝድህስስን ዘዘኻኽረናን ሃዋህዉ ንምፍጣር ዚሓሸ ኣበርክቶ ክትዋጻእ እምነ። እዚ ዚኸውን ግና፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ተራኡ ምስዘልዕል ጥራሕ እዩ ኢለ ግን እኣምን። ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመት እናበልኩ፡ ንመላእ ኣባላት ዛራ ገጠምቲ ዘዝበለጸ እምነ!!
ገጣሚ Shishai Shumendi ስለቲ ሰፊሕን ገላጺን መሃርን መልስታትካ ደጋጊምና ‘ናኣመስገና፣ ርሑስ ዓድሽ ዓመት 2017 ነዓኻን ንሰድራ ቤትካ ፈተውትኻን ብስም ኣባላት ዛራ ገጠምቲን ኣዳለውቲ እዚ መደብ ንመነልካ።
ዛራ ገጠምቲ
ሕዳር2016