ሓጺር ዛንታ
ዮሃንስ ኣብርሃም
ኣጣምራ ጓና ኢና ደቂስና። እግሩ ናብ ገጸይ ኣቢሉ ስለዝመጸ ንጎድኒ ተገልበጥኩ። ኣብታ ክልተ ጸበብቲ ክፍልታት ዝነበርኣ ገዛ ኣስመራ ኣርባዕተ ዓራውቲ እኳ እንተነበራ፣ ነቶም ከፋንዉኒ ዝተኣኻኸቡ ሰለስተ ስድራ ብምቾት ከደቅሳ ዝኽእላ ግን ኣይነበራን። ገጸይ ቀሊዐ ናብታ ናይ መንደቕ ሰዓት ተመልከትኩ። 1፡45 ናይ ለይቲ። ኣደይን ኣሞይን ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ኣቢለን ኣብ ታሕተይቲ ደርቢ ናይታ ደቂሰላ ዝነበርኩ ዓራት ተገምሲሰን ኔረን። ዕቡስ ፊፍታ ናይ ኣፍንጫ ጸጸኒሑ ይስማዕ ኔሩ። ኣደይ ምንባራ ኣይሰሓትክዎን። ኣቦይን ሰብኣይ ሓትነይን ኣብታ ሓንቲ ክፍሊ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ቆልዑ፣ ኣብ መሬት ኣብ ዝተነጽፈ ፍርናሽን ኣብ ሳሎንን ድማ እቶም ዝተረፉ ደቂሶም ኔሮም። ሓትነይ ግን ክሳብ ሽዑ ሓፈትፈት ክትብል ጸኒሓ፣ ኣንሶላይ ቀሊዐ ምስረኣየትኒ፣ “ኣንታ ቆልዓ ደቅስ እባ ቁሩብ የዕርፍ፣ ሰዓት ሰለስተ እኮ ኢና ካብዚ ክንብገስ” በለትኒ ነታ ሒዛታ ዝነበረት ገለ ቁጻር ፌስታል ናብቲ ክወስዶ ተዳልዩለይ ዝነበረ ገዚፍ ቦርሳ ብሓይሊ ሰጊዳ እናሸረረት።
“ንስኺ’ውን ደቅሲ ይኣኽለኪ” በልክዋ ፍሽኽታ እናፈተንኩ፣ ድምጸይ ኣትሕት ኣቢለ።
“ኣነስ ድሓን ጽባሕ ሙሉእ መዓልቲ ኣለኒ…”፣ “…እቲ ጸብሒን እንጀራን ኣብዛ ንእሽቶ ቦርሳኻ ኢዩ ዘሎ ኣብ ኢድካ መታን ክትሕዞ። ኣይተሰለሰን… ብሓፊሱ ኢዩ ዘሎ… ማይ ኣፍሊሕኩም ሰልስዎ እትው ምስ በልካ… ከይበላሾ። እቲ ኮረንሾ ኣብዚ ኣሎ፣ እቲ በርበረን ሽሮን…” ይከታተላ ኣይነበርኩን።
ልዕሊ ሚዛን ከም ዝኸውን’ኳ እንተ ገመትኩ “እንተበዚሑ ድሓን ካብቲ ኣየርፖርት ንመልሶ” ኢለን ስለዝደረቓ መጻሕፍተይ ጥራሕ ኣየጉድላሉ እምበር ድላየን ክመልኣ ሓደግክወን።
ዲክሽነሪ እንግሊዝኛ ትግርኛ፣ ትግርኛ ትግርኛ፣ ድኳን ትበርህ፣ ትጽቢት ባህጉ፣ መሳኹቲ ማይምነ፣ ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት…” ኮታስ ዝሓሸ ዝበልክዎ ሕትመታት ዝበዝሐ ክብደት ናይ ቦርሳይ’ዩ ኔሩ። ሓሓሊፎም “ክንድዚ መጻሕፍቲ!” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ኣይወሰኹን። ኣነ’ውን መግለጺ ኣይሃብኩሉን። ዘይተዛረብኩሉ ብርቱዕ ፍርሒ ኔሩኒ። ከይርስዕ። ስለዚ ኢየ ንመንፈስን ንፋስን ኤርትራ ብዝተኻእለኒ ኣብ በርሳይ ክማልኦ ዝፍትን ዝነበርኩ፣ ኣብ ውሽጠይ ዝተሰከምክዎ ንበይኑ ኣየተኣማመነንን።
ኣዕሩኽተይ ዝጸሓፉለይ መዘከርታታት ዝሓዘት ደብተር፣ ንዓመታት ኣብ ፈቐዶኡ ዝሰኣልክዎ ኣማኢት ደረቕ ስእልታት ዝሓዘት ሲዲ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ዓዲ ንዝቕመጡ ኣበሓጎታተይ ክፋነዎም ምስከድኩ ዝቐዳሕክዎ ቪድዮታት ኢየ ዓጢቐ ያኢ።
ኣዒንተይ ብሰመን ነቲ ዘደፋንቕ ምፍናው ከለስክዎ። ቅድሚ ሰሙን ኢና ናብ ዓዲ ምስ ኣደይ ብሓንሳብ ኬድና። ካብ ቀንዲ ጽርግያ ናብ ዓድና ናይ ሓምሳ ደቓይቕ ዝኸውን ጉዕዞ ኢዩ። ቅድሜና ለጥ ዝበለ ግራውቲ ስለዝነበረ ነታ ኣብ ዝባን ጎቦ ዝተደኮነት ዓዲ ሓንሳብ ጠጠው ኢለ ኣማዕደኽዋ። ኣብ ማእከል’ቲ ነቲ ጎቦ ጸሊም ሕብሪ ኣልቢስዎ ዝነበረ ጽዑቕ ቅንጭቢታት፣ ናይ መረብዓት ዚንጎ ሓሓሊፉ መስመስ ይብል ኔሩ። ቀውዒ ስለዝነበረ ግን በቲ ኣእማን ዝበዝሖ ዓቐብ ካብ ሩባ ማይ ንምምላእ ዝመላለሳ ሰብ ጻዕዳ ነጸላ ኣይነበራን። ሓረስቶት ኣብቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ሰፊሕ ጨዓይ ጎልጎል ተዋሒጦም ምስ ማዕጺዶም ኮፈኾፍ ከኽድዱ እንከለዎ ኣብ መንገድና እናርኣናዮም ተጓዓዝና።
ኣብታ ኣብ እግሪ ዓዲ ዝነበረት ሩባ ምስበጻሕና ቁምጣ ዝወደዩ ሒደት ቆልዑ ብቁራጽ ጃሎን ካብ ዒላ እናገለሉ ኣብ ኣብዑሮም ማይ የስትዩ ኔሮም። ሓንኮልኮል እናበልና ነቲ ዓቐብ ምስ ኣፋረቕናዮ ብድሕሬና “ኣሞይ! ኣሞይ!” ዝብል ጻውዒት ሰሚዕና ንድሕሪት ጠመትና። ንእሽቶ ስላዕ ሒዛ፣ ግርባ ዝተሰከመ ኣድጊ እናኾብኮበት፣ ጋመ ዝተቖነነት ምጭውቲ ቆልዓ ሕፍርፍር እናበለት ቀረበትና።
“ኣንታ ጓል መን ኢያ?” ሓተተትኒ ኣደይ።
“ጓል ሓውኪ” መለስኩላ። እኩያለ ካብ እትገብር ዳርጋ ዕድመይ ኢዩ ኮይኑ፣ ካብኣ ፍንትት ንዝበለ ኣይተለልን ኢያ።
“ኣንቲ መዓረይ!” እናበለት ገላቢጣ ሰዓመታ። “መኮንን ሓወይከ? ወፊሩ ድዩ ገዛሎ?” ንስለ ሕቶ ኢያ’ምበር ቀውዒ ምድሪ ገዛ ዝጸንሕ ሰብ ከምዘየልቦ ርዱእ ኢዩ።
“ወፊሩ’ምበር፣ ብሪን ኣቦይን ኢዮም ገዛ ዘለዉ” ብሪ ኣዲኣ ፣ “ኣቦይ” ድማ ንዓይ’ውን ኣቦሓጎይ ምዃኑ ኢዩ።
ዝንታ ወሓጠኒ። ናብ ርሑቕ መገሻ ኢየ ዝብገስ ኔረ – ብራሕቂ ግዜ። ምኽንያቱ መገሻ ኤርትራዊ ናብ ነዊሕ ስደት ተለዊጡ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኢዩ። ብዓይኒ መርፍእ ኢየ ዝወጽእ ኔረ፣ ኩነታት ከይተቐየረ ዝምለስ ኣይመስለንን። መዓስ ንዝብል ግን ክግምት’ውን ኣይደፍርን ኢየ። ዓይኒ ኣደይ ኣተሓሳሰበኒ። “ዳግማይ ክንራኸብ ከለና ክትርእየኒ ድያ?”
ኣብ እንዳኮይ ሓዲርና ንጽባሒቱ ቅድሚ ምምላስና፣ ኣደይ ነታ ናይ መወዳእታ ባናና ቀሪፋ ነቡኣ ሃበቶ። ኮራርምቱ ስለዝረገፈ ንዕአን ኢዩ ዝፈቱ። ቃንዛ ዘለዎ ሕማም’ኳ እንተዘይሓዞ፣ ዳርጋ ንዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ግን ጉልበቱ ኣዝዩ ደኺሙ መልሓሱ ተቖላሊፉ፣ መሓውሩ ድማ ብዘይ ዕረፍቲ የንቀጥቅጥ። ብዙሕ ግዜ ይርስዕ’ኳ እንተነበረ፣ ልቡ ግን ጌና ኣየጥፍአን። በታ ምእዛዝ ዝኣበየቶ መልሓሱ ቃላት ሰሪሑ ከዛርበኒ ክፍትን እንከሎ፣ ማዕረ-ማዕሪኡ ንሰማዕቱ ኣሳቐቐና። መልሓሱ ሒዛቶ’ምበር ፈታው ዕላልን ተዋዛይን ኢዩ። ኣዝየ ስለዝፈትዎ ትምህርቲ ወዲአ ስራሕ ምስሓዝኩ ንዕኡ ብቐዳምነት ረጓድ ጋቢ ክገዝኣሉ ኢየ ዝሓስብ ኔረ።
“ኣንታ ገረዝግሄር ክንደይ ትጽብቕ’ዛ ጋቢ!” ንሱ ድማ ባህ እናበሎ፣ “ኣይ ወዲ ጓለይ ዝኸደነኒ እንድያ!” ክብሎም፣ ኮታስ ከሕጉሶ እደሊ ኔረ። ከም ሓቂ፣ ከሕጉሶም ዝደለኹ ብዙሓት ኔሮም። ብውሑዱ፣ ኣደይ፣ ኣቦይ፣ እቲ ሓደ ኣቦሓጎይን፣ እታ ዝተረፈት ዓባየይን። ስራሕ ካብ ዝምደብ ሓሙሻይ ዓመተይ እኸይድ ኔረ። ይኹን እምበር፣ ነብሓጎይ ጋቢ፣ ነደይ ሽፎን፣ ነቦይ ድማ ሓንቲ ንጽል ካምቻ’ውን ከይገዛእኩሎም ዕለት ስደተይ ኣኺላ።
ምንፍጥፋጥ የእዳዉ ኣናሸገሮ፣ ኣፉ’ውን እናተጸያየቐ ነታ በናና ምስበልዓ፣ ኣብ ጎድኒ ዓራቱ ዘቐመጣ ቁራጽ ጨርቂ ኣቐበልክዎ’ሞ ኣፉ ደራረዘ – ኣብሓጎይ።
ብትሑት ድምጺ ብዝባነይ ተኸዊላ “ወይ ዘያይ መዓረይ! ክልተ ሳዕ ተራእዩ!” ኢላ ተስቆርቁር ዝነበረት ኣደይ ኣዒንታ ብጫፍ ነጸላኣ ትደርዝ ኔራ።
“በል ተፋነዎ ንኺድ” በለትኒ እናተሃወኸት።
“ኣቦይ! በል እገይሽ ኣለኹ’ሞ ክፋነወካ ኢየ መጺአ፣ መርቐኒ”
“ንወጻኢ’ዩ ክገይሽ…” መልአት ኣደይ።
“እ….ን-ወ-ጻ-ኢ ክ-ት-ገ-ይ-ሽ?” ሓተተኒ ብዝተኾላተፈ ኣንደበት።
“እወ ንኤውሮጳ ኢየ”
“ዓሚ ንስኻ እንዲኻ ተመርዒኻ ሓቀይ?” ምስቲ ካልእ ወዲ ጓሉ ኢዩ ኣደናጊሩኒ።
ኣደይ “ህእ!” ኢላ ገጻ ጠወየት።
ኣነ ግን ኣቕልል ኣቢለ፣
“ኖኖእ፣ ዮናስ ኢዩ ተመርዕዩ፣ ኣነስ ኣለኹ…” መለስኩ።
“ዋይ፣ እንታይ ክትህሉ! እሂናይ ዘይትምርዖ?”
ነታ ሕቶ ከምዛ ዋዛ ረማዕ ኣበለለይ።
ኣደይ፣ ኣኮይን ሰይተኮይን በታ ኣጋጣሚ መልሰይ ክረኽቡ ዝተጸበዩ ይመስሉ ዓይኒ ዓይነይ ጠመቱኒ።
ሰሓቕ ተጎልቢበ እናሃደምኩ፣ “ኣማጽኣለይ ጥራሕ፣ ድሓን ሕጂ የርክበሉ” በልክዎ።
“በል ጽኑዕ የርግጽካ! ዝሓሰብካዮ የስምረልካ!” ደኒነ ሕቖይ ሃብክዎ፣ በታ ፈጥፈጥ ትብል ኢዱ ጠብጠበኒ። ኣዒንተይ ቁጽርጽር በላ። ነቦሓጎይ ተመሊሰ ብህይወቱ እንከሎ ከርክበሉ ዘሎ ዕድል ተኣምራት ኢዩ። ናይ መወዳእታ ርክብና ምንባራ ክኽሕዶ ደልየ ዘይክኣልኩ ነገር ኮነኒ። ክልቲኣቶም ኣብሓጎታተይ ጋቢ ከይገዛእኩሎም…ቁሩብ እንተዝጸንሑስ ሚእቲ ዶላር ሰዲደ…፣ ዝጀመርክዎ ጥዑም ስእልታት ኣእምሮይ ከይወዳእኩ ሽታ ካልሲ ዝነበሮ ጸልፋዕ እግሪ ሰመረ እንደገና ናብ ክሳደይ ተሰቒሉ ዘረገለይ። ሰዓት 2.30። ኮይና ተሪፋ ናይ ፍርቂ ሰዓት ድቃስ’ያ ተሪፋትኒ። እግሩ ሓፍ ኣቢለ ብልዕለይ ብምሕላፍ ናብ መንደቕ ጠሚተ ተጎልበብኩ፣ ኣዒንተይ’ውን ብሓይሊ ከደንክዎ።
ናይ ዕስለ ንህቢ ዝጥዕም ህምምታ ክስምዓኒ ጸኒሑ እናቐረበ ምስ መጸ ናይ እኩብ ህዝቢ ድምጺ ምዃኑ ፈለጥኩ። ጭርሖ ድዩ ዕልልታ፣ ኣውያት ወይስ ፈኸራ ግን ኣይተረድኣንን። ምስ ክዳን ለይተይ ብድድ ኢለ መስኮት ድሕሪ ምኽፋት ንታሕቲ ጠመትኩ። ካቴድራለ ልክዕ ኣብ ትሕተይ ስለዝነበረት ዝኸፈትክዋ መስኮት ናይ ኣምባሳደር ሆቴል ኔራ ክትከውን ኣለዋ።
ጸጉሪ ርእሲ ዝኣክል ህዝቢ ነቲ ጎደና ከም ብርቱዕ ውሕጅ የዕለቕሊቕዎ ኢዩ። ነፊረ ድየ ሰጒመ ከምቅጽበት ናብቲ ጽርግያ ወረድኩ። ንሓደ ኢዱ ዓሚኹ ዓሽ!ዓሽ! ዝብል ዝነበረ መንእሰይ ናብ ጥቓኡ ጽግዕ ኢለ፣ “ናይ ምንታይ ኢዩ ‘ዚ ኩሉ ህዝቢ?” ሓተትክዎ።
“ሒዞሞ እንድዮም! ሒዞሞ ኣብ ጥቓ ከረን ክበጽሕ እንከሎ! ሒዞሞ!” ኢሉኒ ብጉያ ናብቲ ውሕጅ ህዝቢ ከም ቆልዓ እናነጠረ ተጸንበረ። ሓጎስ ካብ ውሽጢ ልበይ ተበጊሱ እናገንፈለ ናብ መናኩበይ፣ ክሳደይ፣ ርእሰይ፣ ክድይብ ተፈለጠኒ። እናጨደርኩ በየን ኣቢለ ናብ በየን ዝነበረት ኣደይ በጺሐ፣ እንድዒ።
“ኣደ!ኣደ! ሒዞሞ! ሒዞሞ እኮ፣ ዓሽ ተዓዊትና፣ ኡፍ!”
ዝተደናገራ ትመስል ብምልክት ሕቶ ጠመተትኒ።
“ኣንቲ ኣደይ! ሒዞሞ’ኮየ ዝብለኪ! ማሪኾሞ! ሕጂ ኣይንፈላለን ኢና! ኣይክገይሽን ኢየ! ኣይክገድፈክን ኢየ! ሓቂ ኣይነገርኩኽን እምበር፣ ትምህርቲ ደልየ ኣይኮንኩን ዝኸይድ ኔረ፣ እሃድም ኢየ ኔረ! ሕጂ ግን ናጻ ኮይንና ኢና ኣደይ!” ምስ በልክዋ ካብ ዝሰምዖ ነዊሕ ዝገበረ ዕልልታኣ እናቃልሐት ኢዳ ዘርጊሓ ተጠምጠመትኒ።
“ሳሚ!ሳሚ! ተንስእ” ዝብል ድምጺ ሓትነይ ሰሚዐ ብስንባደ ቅልዕ በልኩ። ሕልማዊ ፍስሃይ ድማ ከም ቅጽበት በነነ። ነፋሪት ትገድፈኒ ዝነበረት ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ብፍጥነት ወሪደ ገጸይ ተሓጺበ ተዳለኹ። ኩላቶም ሰነይተይ ‘ውን በብሓደ ኣዒንቶም እናደራረዙ ብድድ ብድድ በሉ። ኣደይ ክትነብዕ ከምዝሓደረት እቲ ሰሪቡ ዝነበረ የዒንታን ዝቐይሐ ኣፍንጫኣን ነገረኒ። ክሳብ ሚልክያስ መጺኡ ጥሩምባ መኪናኡ ዘድሂ ካብ ፊታ ሃዲመ ኣብ መንጎ ቦርሳታተይ ምስውስው በልኩ።
ኣብታ ንእሽቶ ሚኒባስ ዓሰርተ ሰለስተ ትንፋስ ተጸፋጺፍና ድሕሪ ጸጥ ዝበለ ናይ ዓስራን ሓሙሽተን ደቓይቕ ጉዕዞ ኣፍደገ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጻሕና። እተን ሓሓሊፈን ዝተተኽላ መብራህትታት፣ እቲ ሰፊሕ ጸላም ስለዝዋሓጠን ብርሃነን ድምቀት ኣይነበሮን። ካብ ኣስሓይታ ወጋሕታ ንምክልኻል ኣርጒዶም ዝተኸድኑ ቤተሰብን ገያሾን እንተስ ብስእነት ድቃስ እንተስ እቲ ስቕታ ለይቲ ኣሰኪፍዎም ከም ኣብ ዳስ ሓዘን ዝነበሩ ብሕሹኽታ ይዛራረቡ ኔሮም። ቆላሕታይ ልኢኸ ከም ናተይ ኣብዚሑ ዝተዓጀበ ኣይረኣኹን። ከማይ መንእሰያት’ውን ሓደ-ክልተ ጥራይ’ዮም ዝነበሩ። ካብቶም ሒደት ቤተሰቦም ስዒሞም ዝተፋነዉዎም መንእሰያት ኢየ። መብዛሕትአን ዝርኣኽወን ማእከላይ ዕድመ ዝነበረን፣ ኣብዚሐን ዘጌጻ ደቀንስትዮ፣ ንዱባይ ዝመላለሳ ነጋዶ ምንባረን ገመትኩ።
ሚልክያስ ካብቲ ተቖጻጻሪ ትድፋእ ዓረብያ ኣምጺኡ ቦርሳይ ክጽዕን እንከሎ፣ ሰምሃር ጓል ሓትነይ ድማ በብጉጅለ እናገበረት ምስ ስድራይ፣ ምስ ሓትነይ፣ ምስ ደቂ ሓትነይ፣ ምስ ኣሞይን ወዳን ሰኣለትና። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ፈነዋ ምትሕቑቛፍ ንነፍሲ ወከፎም ዝብሎም ነገራት ኣሰናዲአ ኔረ። ሽዑ ግን ነታ ሓጻር ‘ደሓን ኩኑ’ ውን ከውጽኣ ኣይከኣልኩን። ኣፈይ እንተኸፊተ ብሓይሊ ቆሊፈዮ ዝነበርኩ መሳኹቲ ኣዒንተይ’ውን ከይክፈተኒ ሰጊአ፣ ከም ልማድ ኤርትራዊ ስነይ ነኺሰ ንውሽጢ መለስክዎ። ኣብታ ህሞት ስምዒት ገጽ ኣቦይ ከመይ ከምዝነበረ ፍጹም ኣይዝከረንን፣ እተን ኣዋልድን ኣንስትን ግን ገጸን ጠጠምዚዘን ኣፍንጫአን ክደርዛ እንከለዋ እርኣያኒ።
ናብቲ ኣየርፖርት ዝመርሕ ነዊሕ ኮሮድዮ እትው ምስበልኩ ሓንሳብ ግልብጥ ኢለ ጠመትኩ። ስለዝተሓዋወሱ ገጾም ካብ ናይ ካልኦት ክፈልዮ ኣይከኣልኩን፣ ኣዒንቲ ኩላቶም የሰንየኒ ከምዝነበረ ስለዘይጠፍኣኒ ግን ኢደይ ሓፍ ኣቢለ ኣወዛወዝኩ። ደጊመ ንድሕሪት ኣይጠመትኩን።
ብወረቐት ፍቓድ’ኳ እወጽእ እንተነበርኩ፣ ልክዕ ከም ናብ ናይ ጸላኢ ኬላ ይቐርብ ዝነበረ ሰላዪ ልበይ ኣበርቲዓ ትወቅዕ ነበረት። ንስኻ ድኣ መንእሰይ እንዲኻ፣ መን ካብዚ ሃገር ክትወጽእ ፈቒዱልካ? ዝብል ፍርሐይ ዝፈጠሮ ድምጺ ብድሕረይ ከይጽውዓኒ ተሸቑረርኩ። በይነይ ከምኡ ከምዘይተሰምዓኒ ካብ ተፍትሽ ወጺእና ኣብ መጸበዪ ኣዳራሽ ኮፍ ምስበልና ኢየ ፈሊጠ። ሓንቲ መንእሰይ ፍሽኽ እናበለት ጠሚታትኒ ኣብጎድነይ ኮፍ በለት።
“ንስኻ’ኸ ንጁባ ዲኻ ዝሓወይ?”
“ንኡጋንዳ ኢየ”
“ክሳብ ጁባ ብሓንሳብ ኢና ማለት’ዩ፣ እንታይ ምዃነይ እንድዒ ውሽጠይ ምርጋእ ኣብዩኒ፣ ክሳብ ንስቀል ኣይኣምንን ኢየ” ድምጻ ይቆራረጽ ኔሩ።
“ኢሂ እንታይ ኮይንኪ? ኣብዚ በጺሕና ድኣ’ሞ…”
“እዋእ ዓሻ ዲኻ! እዚኣቶም’ኮ ሰብ ኣይኮኑን! ዝሓለፈ ሰሙን ንሓንቲ ካብዚኣ መሊሶማ ክትብለኒ ጸኒሓ እታ ጓል”
ፍርሐይ ከዊለ ክምስ በልክዋ። “ኣጆኺ ሕጅስ”
ኣብቲ ትኬት፣ ናይ በረራ ግዜ ሰዓት ሽዱሽተ ይብል’ኳ እንተነበረ፣ ናብ ነፋሪት ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ኢና ኣቲና። ንመጀመርታ ግዜይ ኢየ ነፋሪት ዝስቀል ኔረ። ኣብ ጥቓ መስኮት ኢየ ኮፍ ኢለ። ጸሓይ ኣብቲ ብዝነቐጸ ሳዕሪ ተሸፊኑ ዝነበረ ለጥ ዝበለ ጎልጎል ብርሃና ምስፈሰሰ እቲ ንግሆ ምልኩዕ ወርቃዊ ሕብሪ ተኸዲኑ ኔሩ። ጎላጉል ዓዲ ጓዕዳድ፣ እምበይቶን ጸሎትን ኣትኲረ ጠመትክዎ። ድሕሪ ክንደይ ኮን እምለሶ እኸውን? እንታይ መሲሉ፣ እንታይከ ለዊጡ ይጸንሕ ይኸውን…?
ነፍሪት ሓንሳብ ፈጥፈጥ ኢላ ብርቱዕ ድምጺ ገበረት። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ድማ ንላዕሊ ክንንሳፈፍ ጀመርና። ኣብ ትሕተይ ዝነበረት ኣስመራ እናደቐቐትኒ ከደት። ፊት ንፊት እምበር ኣብ ልዑል ብራኸ ኮይነ መንበስብስታ ርእየዮ ኣይፈልጥን ኢየ። ዝበዝሑ ኤርትራውያን’ውን ኣብ ላዕሊ ኮይኖም መንበስብስታ ክርእይዋ ዕድል ዝረኸቡ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ተመሲጠ ጠመትክዋ – ንቑልቁል። ኣይ ከም ገጻን። መንበስብስታ መሪቱን ረሲሑን ኢዩ፣ ሰብኣያ ምስ ሞታ ጸጉራ ምክንኻን ዝገደፈቶ ማእምን ትመስል ኔራ። ምልክዕቲ ምንባራ ግን ብትሕቲ እቲ ማዳ ዝሸፈኖ ምስላ ንምልላዩ ኣየጸግምን። ገና ኣብ ልዕሊኣ እንከለኹ ክብህጋን ክናፍቓን ጀመርኩ። መስኪነይቲ ኣስመራ። መስኪን ኣነ። መስኪኖት ደቃ። ‘ድሓን ኩኑ’፣ በልኩ ብትሕቲ መልሓሰይ። ተራ ቃል ዘይኮነት፣ ካብ ውሽጢ መንፈሰይ ዝነቐለት ሓውሲ ጸሎት ኢያ ኔራ።
ነዊሕ ዓመታት ኣብ ጸላምን ራህድን ዝመልኣ ጸባብ ሸላ ከምዘሕለፈ እሱር፣ ሽዑ መቑሐይ ተፈቲሐ ናብ ጽሩይ ንፋስ ዝነበሮ ሰፊሕ ጎልጎል ዝተፈነኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ልክዕ ከም ኣብ ኣፍ እቶን ተዓፊኑ ዝጸንሐ ሰብ ድማ እናላህላህኩ ካብ ውሽጢ-ውሽጠይ ወፍፍፍፍ…ኢለ ብነዊሕ ኣስተንፈስኩ።