ብ’ዓቐን ዝሓለፎ ፡ ተባላዒ ረስኒ
ጸለሎ ከዲኖም ፡ ዳርትርኢት ንዓይኒ
ብሽታ ሕራሩ ተሃኖም ከውጽኡ
ብትርኢት ሕሰሙ ጽባቐ ክነስኡ ፡
ጉዳም’ዮም ክሓስሙ . . . . .
የሕሚሞም ክሓውዩ፡ ፍጹም ዘይጽገሙ።
እከይ ግብሮም ዘይውዳእ
ሃልሃልታ የሕሊፉስ፡ ኣብ ሞጉእ ክጉዳእ
ብ’ዲግታ ፡ካብ ቃንዝኡ ዜማ እንክፈጥሩ
ከም ክፋል ዕግበቶም ፡ ኣድራጋ እናደከሩ
ኣቤት’ወ ጭካኔኦም . . . . .
ቅጽዓተ እሳት መልክዑ ቀይሮም ፡
ሕሉፍ’ዚ ሰረቱ ታሪኽ ክፍኣት ግብሪ
ስቅያት ሃልሃልታ ፡ ስያሜ ቀያሪ
እቲ ምቕላው ፡ ምፍላሕ ተባሂሉ
ከምቲ ዝብህግዎ ምስሊ ምስ ፈጠሩ፡
ካብቲ ዘገርምን እቲ ዘደንጹን . . . . .
ሓድሕድ ይቀባበሉሉ ፡ ሰፊሮም ብዓቐን።
”ጥዑም ጥዑም”ይብሉ’ሞ፡ ፊት ፊት ምስ በልዎ
ነቲ ውሉፍ ኣእምሮኦም ግዲ መዓገስ ኮይንዎ
ግርም ግዜ ውን የሕልፉ፡ ዕላሎም ና’ደመቐ
ንሳቶም ና’ቆጸሩ ፡ ንሱ ና’ተጸንቀቐ !
ዕሽነት ከይንብሎ ተግባራቶም፡ ሰኣን ፍላጥ
ሰናይ ና’መሰሎም ልቢ ዘየሕብጥ. . . . . . .
ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ፡ ኣጋ እዋን ዕረፍቲ
ለይቲ እንተርኪቡ ተጸንቂቓ መዓልቲ ፡
ፈሊጦም’ዮም ነቒሎም ፡ ኣብ ኣጋ ምብጋስ
”ደሓን ሕደር” ኢሎም ፡ ተፋንዮሞ ንድቃስ።
ማይኮ ተኽለ
12-2013
- ኣብ ቦኽሪ ውድድር ግጥሚ ዛራ ገጠምቲ: ሓንቲ ካብ ብሉጻት 10 ኮይና ዝተዓወተት ግጥሚ።
2 Comments
Nice
Nice