ብ19 ለካቲት 2009 ብሃንደበት ከካብ ዝተረኽብዎ ቦታ ዝተኣሰሩ ብስም ሬድዮ ባና ዝፍለጡ ገጠምትን ጋዜጠኛታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ሰኪዔት ሓበሬታ “ደሃይ ኤርትራውያን ቻርልታት ከ᎒” ብዝብል ኣርእስቲ ገጣማይ ብርሃነ ገብረሂዎት ዘዳለዎ ጽሑፍ ኣአንጊዳ ምንባራ ዝዝከር’ዩ። ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ ደሃይ እቶም ኣብ 2001 ዝተውስዱ ዛጊት ኣይተረኽበን ዘሎ እምበር እቶም ካብ ብጾቶም ተሪፎም ንኣስታት 2 ዓመት ኣብ ዓዲ ኣብየቶ ንበይኖም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ ገጠምቲ ማለት መለስ ንጉሰ፡ይርጋኣለም ፍሳሓን ግርማይ ኣብርሃምን ደራሲን ጋዜጠኛን በረኸት ምስግና፡ ጴጥሮስ ተፈሪ ወዲ ቐሺ ምክትል ዳይረክተር ሬድዮ ባና ተጋዳላይ ባሲሎስ ዘሞን ትማሊ 21 ጥሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናጻ ከም ዝተለቐቁ ኣብ ኣስመራ ዝስማዕ ዘሎ ደሃይ ብስራት’ዩ። ዛራ ጥበባት ብምኽንያት ምልቃቕ እቶም ብዙሕ ዝተዝረበሎም ገጠምትን ጋዜጠኛታትን ንቤተሰብ፡ ፈተውትን ኣዕሩኽን እዞም እሱራት ብፍላይ ንኣፍቃሪ ስነ-ጥበብ ኤርትራ ኸኣ ብሓፈሻ እንቋዕ ሓጎሰና ትብል።
1 Comment
😛 😛 😛 😳 😥