ይኣኽለና ሓወይ፡ ወግሐ-ጸብሐ ደብዳበ
ሓንካስ መንካስ ፊደል፡ ብቐለም ‘ተላሕመጠ
እንሀልካ ኣንብቦ፡ ስእሊ ቤትካ፡ ስእሊ ስድራኻ
ኣብ ጻዕዳ ወረቐት፡ ርአ ጉራምራ፡ ናይ ኣነባብራ!
ኣስተውዕል ኣብል’ሞ፡ ቀደም እናዘከርካ፡ ጠምታ ኣደኻ
ጐላጉል ናይ ማዳ፡ ከም ጸሊም ነጸላ፡ ተሰጢሑ ኣብ ገጻ!
ነብሳ ረሲዓ’ላ፡ “’ዞም ደቀይ” እናበለት፡ ከተካውን ናብራ
ሓሳብ ከኣ ኣለዋ፡ ከም ከቢድ ጾር፡ ረሸሽ ዘብላ!
ከምኡ እዩ በል ናብራና፡ ከም’ቲ ኣብ ስእሊ ዘሎ
እጉድ ኢልና ንተኣኻኸል፡ ምስ ግዜ ንመሓዞ
ንተሓቋቐፍ ንጣበቕ፡ ትንፋስ ንቀባበል፡ ፈውሲ ቑሪ
ንተሓላሎ ንእርነብ፡ ጸሎት ንድሕድሖ፡ ኣብ ክንዲ እኽሊ።
ኣለሊኻዮዶ ኣቦኻ፡ ወይስ ቁሩብ ድንግርግር ኢሉካ?
እቲ ቀደም’ኳ፡ ብጽላሎቱ እንዲኻ ትፈልዮ ዝነበርካ፡
ኣቕርብ ኣቢልካ ንበቦ’ሞ፡ ኣብ ሰሌዳ ገጹ
ኣብ ዓሰርተ ዓመት፡ ዕስራ ዓመት እዩ ነቢሩ።
ህጻን ሓፍትኻ’ኳ፡ እታ ሕሳስ ልደ፡ ኣፍ ዘየጽረየት
ዘመን ኣለልያስ፡ ከም ሻሙ ትዓቢ፡ ክሕንቅቕ ዘይበለት።
ወጅህና ግርም እዩ ተሳንዩ ዘሎ፡ ምስ ሰዓትን ዘመንን
ኩሉ ወዮ ምስ ኰነ፡ ስእነትን ቁራቦን።
ትዝክሮዶ’ታ ን’ቦና?
ከም በዓል ዛውያ ፋረ፡ ምስ ምሉእ ግርማኡ
ረዚን ኣንደበቱ፡ ከም ንጉስ ዝኽበር፡ ስድራ ዝግዝኣቱ፡
ተመን ጓሲሱ፡ ምስ ምሉእ ጁባኡ፡ ኩርዕርዕ ኢሉ ዝኣቱ፡
ስድራና ጉጽጉጽ ክትብል፡ ኣዕይንቱ እንተ ኣፍጢጡ!
ሎሚ ደኣ ሓናኽ እንድዩ ዀይኑ፡ ኣዕይንቲ ስድራ ጸሊኡ
ጥምት እንተ ኣቢልካዮ፡ ጥቕስ ኰይኑ መልሱ
አረ ጩራታት ኣዒንቱስ ንቑልቁል እናተተኽላ
መኣትዎ ከም ዝጨነቐን፡ ምድሪ ቤት እየን ዝፍሕራ!
ኣቤት እንተ ትርእዮ፡ ኣብ ማእከል ቤቱ፡ ስቕታኡ ከሰክፍ
ኣብ መንገዲ ኣርባዓ’ሞ፡ ብዓውታ’ዩ ዝልፍልፍ።
ኣስመረት ሓፍትኻ እውን፡ ትምህርቲ ጠንጢና፡ ወጺኣ’ያ ግዳም
እንጌራ ትምእርር፡ ኣጓብዝ ድማ ይጓየዩ ክብሉላ ዳምዳም!
ግናስ፡ መዓስ’ሞ ንበይና ዀይና ናብ ሽቕለት ትወፍር
ቀልብታትና ምስኣ ይነቅል፡ ትሽቕል ውዒልና፡ ትሽቕል ንሓድር።
ኣቦይ ከኣ
“ኣስመረት ጓለይ. . . ገለዶ. . .” በቃ፡ ሽቑርር ይብል ዘረባኡ ከይመልአ
ነብሱ እናወደአ፡ ቅርሺ ወዲ ቅርሺ ካብ ጓሉ እንተ ረኸበ!
ሰብኣይ ምዃን ተቐቢጹዎ፡ “እንደሊኡ” ኢሉ፡ ትም እዩ ዝብል፡
ሹም ምዃን ምስ ገደፎስ፡ ንጉስና ቀቢጽና፡ ነነብስና ንእድብ፡
ግርም ገይርካ ደኣ ጠምቶ፡ እነሀልካ ባዕሉ፡ እነሀልካ ምስሉ
ኣብ’ዚ እውን ከምኡ እዩ ዘሎ፡ ከም’ታ ዝረኣኻዮ ኣብ ስእሉ
ባህ ንኽብለካ ኢሉ እዩ’ሞ፡ ፍሽኽ ኢሉ ዘሎ
ላዕሊ-ላዕሊ ገዲፍካስ፡ ግልህልህ ደኣ ኣብሎ!
ከይትሻቐል ከኣ ሳራ ሓፍትኻ፡ ኣብ ስእሊ ስድራና ብዘይምህላዋ
“እንታይ ክረኣየሉ፡ ‘ንታይ ክሰኣለሉ” ኢላ ዕጭ ሓንፊፋ።
ኣቦኻን ኣደኻን፡ ጸሎቶም የብጽሑ፡ ናብ ክልተ ሰማዕቲ
ገሊኡ ናብ ላዕሊ – ናብ ፈጣሪ፡ ገሊኡ ናብ ስግር ባሕሪ
ከም መልኣኽ ገዛና፡ ጸጽባሕ የልዕሉኻ፡ ምስ ኣቦይ እዝጊ!
ከላ በል እንድዕሉ፡ ንሕናስ ክኢልና ኣይንዛረቦን!
ደጊም ደብዳቤ ኣይትጸበ፡ ወረቐት ዝብሎ የብሉን
እንሀልካ ስእሊ፡ እንሀለካ ምስሊ፡ ተዀይጡ ኣብ ዘበኑ
ኣዕይንቲ እናተነጽጋዶ፡ ብመልሓስ ይውርዘ ዀይኑ!
ናተይ ከኣ ክነግረካ እቲ ዘለኹዎ፡ ኣይ ረጊአ ኣይ ነቒለ
ስቕታ ኣቦን ኣደን እጸናጸን፡ ከም ሰበይ ልሳነይ ለጊመ
እንሓንሳብ ብዘይድምጺ “ሃጽ በል” ክብሉኒ እሰምዖም
እንሓንሳብ ከኣ “ኣይትግደፈና” ዝብል ምሕጽንታኦም!
አቋምተካ ኣብ ክልተ ኣንፈት፡ ኣብ ዓድን ስደትን ተገቲረ
ኣይፍለጥን እዩ’ሞ፡ ወስ እንተ በልካስ ገለ ምገበርኩ ኢለ።
ይኣኽለና በል በቃ
ይትረፈካ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ስእሊ ናይ ስድራ
ዝገበርካ ክትገብርሲ፡ ኣብኡ ኣለካ ዘረባ፡ ኣብኡ ኣለካ ዛንታ!
ደሓን ኩን ዝሓወይ፡ “ሰላም” ከኣ ይብሉኻ፡ ኩላቶም ስድራና
ደብዳበስ ይትረፍ ደሓን፡ ከመይ ከም ዘለኻ፡ ስእሊ ስደደልና።
888