ኣማረ ወልደስላሰ፡
‘ሰሓቕን ንብዓት’ን ከምኡ’ውን ‘ዕሰለ’ ዘርእስተን ክልተ ዝተፈላለያ መጻሕፍቲ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ዝፈረያ ዕዮታት እየን። ትሕዝቶአን፡ ሓጺር ዛንታ ዀይኑ፡ ደራሲአን ድማ ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል ይበሃል።
ካብ ክልተአን ቀዲማ ኣብ ኢድ ነበብቲ ዝበጽሐት ‘ሰሓቕን ንብዓትን’ እያ። ኣብ ውሽጣ ዕስራን ሓሙሽተን ሓጸርቲ ዛንታታት ኣለዋኣ። ኣብታ ድሕረኣ ዝተሓትመት ‘ዕሰለ’ ዘርእስታ ኸኣ፡ ዕስራን ሽዱሽተን ዛንታታት ይርከባ።
ደራሲ ምሉእብርሃን ተስፋገብሬል፡ ነዘን ክልተ መጻሕፍቱ፡ ካብ ንኽትርስዖ፡ ንኽትዝክሮ ዝድረኽ መደምደታ ብምክዋን እዩ ዛዚሙወን። ንሱ፡ ‘ጥዉይ መደምደምታ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዓይነት ቅዲ ጸቒጡ ብምስራሕ ንነበብቲ ምልከቱ ኣርእዩ ኣሎ።
‘ጥውይ መደምደምታ’ ዘለዎ ዛንታ፡ ሰዋጢ ባህሪ ኣለዎ። ሰዋጢ ማለት ሰርሲሩ ዝኣቱ፡ ምስኣተወ ድማ ፈጺሙ ዘይወጽእ ከም ማለት እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ካብ ብኻልእ፡ በዚ ቅዲዚ ዝተጻሕፋ ዛንታታት ንኽዝከራ ዝሓሸ ዕድል ኣለወን።
‘ጥዉይ መደምደምታ’ እንክበሃል ክልተ ዓይነት እዩ። እቲ ሓደ ምስቲ ክውሕዝ ዝጸንሐ ዛንታ ዝሳነ መደምደምታ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ግልባጡ ክኸውን ከሎ እዩ። እቲ ኻልእ፡ ግድን ግልባጡ ዘይኰነ፡ ነባቢ ፍጹም ዘይተጸበዮ ክኸውን ከሎ እዩ።
ነባቢ ፍጹም ዘይተጸበዮ ክኸውን ከሎ ዝበሃል ኣበሃህላ ግን መግለጺ የድልዮ እዩ። ደራሲ ብስም ‘ጥዉይ መደምደምታ’፡ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ክሳዕ ዝበጽሕ ንዝሓዞ ጐስዩ፡ ካልእ ዛዕባ ብምልዓል እንተ ዛዚሙዎ፡ ጥዉይ ምዃኑ ተሪፉ ልጋብ መድምደምታ እዩ ዝኸውን።
ብመሰረቱ፡ ን‘ጥዉይ መደምደምታ፡’ ከም ቅዲ ተጠቒሞም፡ ዛንታታቶም ዘካውኑ ደረስቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብነበብቲ ኣድናቖት ረኺቦም እዮም። እዚ ቅዲ’ዚ እንክልዓል፡ ጋይ ዴ ሞኖፖ፡ ኬት ቾፒን፡ ኦ ሀንሪ፡ ዝብላ ኣስማት ኣይስገራን።
ጋይ ዴ ሞኖፖ፡ ብ5 ነሓሰ 1850 ዓ.ም፡ ዝተወልደ ፈረንሳዊ ደራሲ እንክኸውን፡ ኬት ቾፒን ካብ8 ለካቲት 1950 ዓ.ም፡ ዝተወልደት ኣመሪካዊት ኰይና፡ ኣብ ምድራስን ምትርጓምን ዕዮታት ጋይ ዴ ሞፓሶ ዝነጠፈት እያ።
ኦ ሄንሪ ብ11 መስከረም 1862 ዓ.ም ዝተወልደ ኣሜሪካዊ ደራሲ ዀይኑ፡ በዚ ቕዲዚ እዅል ተመኵሮ ስለ ዘዋህለለ፡ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ዝበዝሑ ዛንታት ብምክዋን ንህቡብነቱ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዘዕረገ ኣሜሪካዊ ደራሲ እዩ።
ምሉእ ብርሃን ተስፋገብሬል፡ በዘን ክልተ ዕዮታቱ ‘ህቡባት!’ ምስ ዝተሰምዩ ኣድማሳውያን ጸሓፍቲ ጸንቢሩዋ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ጋዜጣ ኤርትርያን ፕሮፋይል፡ ብ6ን 9ን ሚያዝያ፡ ከምኡ’ውን ብ26 ነሓሰ 2014 ሰፊሕ ገምጋም ቀሪቡ ነይሩ።
ሰሓቕን ንብዓትን ከምኡ’ውን ዕሰለን፡ ምስ ኣድማሳውያን ዕዮታት ዝዳረጋ እምበር፡ ትሒተን ዝርከባ ኣይኰናን። እተን ዳሕረዎት ይበልጻ እንተ ተባሂሉ፡ ንሳተን፡ ደረጃአን ብዝተሓለወለን፡ እተን ቀዳሞት ግን ደረጃኡ ንምሕላው ቍሩብ ዝተርፎ ልሳን ስለ ዝተኻወና እዩ።
ይዅን እምበር፡ ብፍላይ ዕዮታት ኦ ሄንርሪ ብኸበድቲ ኣገላልጻታት ከም ዝተኻወና ይግለጽ እዩ። ሓንቲ ኻብተን መግለጺታት ትስዕብ፦ Admittedly, some of his images can be hard to comprehend for modern readers, and the distance that time has placed between us and O. Henry’s beloved New York means that some of his verbal pictures will be harder to understand and identify with. The stories are set in New York City at the dawn of the 20th century, so there is much that is slighly unfamiliar, especially some of the language (who knows what a “masher” is, anyway?).
እዚ ሓበሬታዚ፡ Master of the ironic twist. Von Godly Gadfly – Veröffentlicht auf Amazon.com April 2002 ካብ እተሰምየ መርበብ እተረኽበ ሓበሬታ እዩ።
ሓያሎ ዛንታታ ኦ ሄንሪ፡ ጀመርቲ ይዅኑ ድኹማት ኣስተማቐርቲ ምእንቲ ክርድኡወን፡ ከም ብሓዲሽ ‘stories in easy English’ ‘ዛንታታት፡ ብፈኲስ እንግሊዝኛ፡’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ እናተዳለዋ ተዘርጊሐን ኣለዋ።
‘ሰሓቕን ንብዓትን’ ከምኡ’ውን ‘ዕሰለ’ን በዚ መዳይ’ዚ ፍሉይነት ኣንጸባሪቐን ኣለዋ። ፍሉይነተን፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ጽፍሒ ዝርከብ ነባቢ ብቐሊሉ ስለ ዝርድአን እዩ። ነዚ ክስተት’ዚ ዝተረድአ ገምጋሚ ንትዕዝብቱ፡ ኣብ ኤሪትርያን ፕሮፋይል ኣብ ገጽ— በዚ ዝስዕብ መገዲ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
“And very fortunately ‘Esele’ has marketeted very simply concurred words, however even novice readers understand the message, the language and the characters are so heartedly without such laboring efforts.
ብዕድል፡ ‘ዕሰለ’ ብዝሰማምዑ ቓላት ስለ ዝተኻወነት፡ ጀመርቲ ኣንበብቲ’ውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ቛንቋኣ ክርድኡዎን ንጠባያታ’ውን ብዘይ ብዙሕ ጸገም ክፈልጥዎምን ክኢሎም እዮም ክብል ትዕዝብቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ምሉእ ብርሃን ተስፋገብርኤል፡ ‘ሰሓቕን ንብዓትን’ ከምኡ’ውን ‘ዕሰለ፡’ ንእተባህላ ዕዮታቱ እንከዳሉ፡ ኵሉ ሰብ ዝርድአን ቓላት ተጠቒሙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዛንታታቱ’ውን ብሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባት ክሃንጸን ክኢሉ እዩ።
“ኣብ ቤተ ክርስትያን ኢራኤል፡ እልቢ ዘይብሉ ህዝቢ ይሳለም ኣሎ። ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሎሚ ዕለት 22 እዩ። ንቕዱስ ኡራኤል መዓልቱ’ያ። ዝተመባጻዕኩሉ ስለ ዝሰመረለይ፡ ሞባአይ ከውድቕ’የ መጺአ። ፍግም ኢለ ሰጊደሉ።”
ኣብ ሓንቲ ሓጻር ሕጥበ ጽሑፍ፡ ሓሙሽተ ቍንጹባት ምሉእ ሓሳብት! ‘ክትራ’ ካብ ዘርእስታ ሻድሸይቲ ዛንታ ‘ዕሰለ’ ዝተወስዳ እየን። ብሓፈሻ፡ እዘን ክልተ ዕዮታቱ ልክዕ ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ብገለጽቲን ሓጸርቲን ምሉኣት ሓሳባት ዝተመልኣ እየን።
ደራሲ፡ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ሜላ ኣጸሓሕፋ ብምኽታሉ፡ ንብልጫ ትግርኛ ንኽምዝምዝ ኣኽኢሉዎ እዩ። ትግርኛ፡ ከም መጠን ግጥማዊ ልሳን ብልጫኡ ዝንጸባርቕ ቅርጡው ምሉእ ሓሳብ እንክካወነሉ ጥራይ እዩ።
‘ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን-መወከስን መምርሕን ብሚኒስትሪ ዜና’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ መጽሓፍ ንባህሪ ትግርኛዊ ምሉእ ሓሳብ፡ በዚ ስዒቡ ዝቐርብ መንገዲ ብንጹር ገሊጹዎ ኣሎ።
“ዓረፍተነገር ትግርኛ ከም ካልኦት ምዕራባውያን ቋንቋታት ብኣዛማዲ ተውላጠስምን ቅጽልን ተውሳከግስን (that,who,which,where) ተደጊፉ ኪምጠጥ ባህሪኡ ኣይኮነን። ስለዚ ብእተኻእለ መጠን ዓረፍተነገራት ትግርኛ ሓጸርቲ ክኾኑ ይግባእ።
ብተመሳሳሊ መገዲ’ውን፡ ባህሪ ኣሰራርዓ ዓረፍተነገር ትግርኛ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ብግሲ ዝውድእ ብምዃኑ፡ ብምንዋሕ ሓሳባት እቲ ግሲ ኻብቲ በዓልቤት ኣዝዩ ምስ ዝርሕቕ፡ ትርጉሙ ስለ ዘጥፍእ፡ ምጥንቃቕ የድሊ።”
ብዘይካዚ፡ ደራሲ፡ ንገላጺ ባህሪ ግሲ ትግርኛ’ውን ብዝግባእ መዝሚዙዎ እዩ። ንሓደ ምሉእ ሓሳብ ብሓደ ቓል ጥራይ ክገለጽ ዝኽእል ትግርኛ፡ ብኣዛማዲ ተውላጠስም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣነ፡ ንስኻ፡ ንሱ፡…ብእተባህሉ ኽንዲ ኣስማት’ውን ከቝጸልጸል ኣየምሕረሉን እዩ።
ኣብ ትግርኛ፡ ኣብ ክንዲ እዞም ክንዲ ኣስማት ከም ጥብቆ ኣብ ድሕሪ ሓደ ቓል ዝለግቡ ወድዓውያን ክንዲ ኣስማት ዝተሰምዩ ኣካላት ኣለዉ። ምሉእብርሃን ነዚኣተን እምበር፡ ነተን ክንዲኣስማት እተባህላ ክፍሊታት ስዋስው ብብዝሒ ኣይተጠቕመለንን።
ካብዘን ክግለጻ ዝጸንሓ ነጥቢታት ወጻኢ፡ እተን ዛንታት፡ ኣብ ክንዲ ኣሰልከይቲ መሰጥቲ ንኽዀና ዝሕግዘን ረቛሒ’ውን ኣሎ። እዚ ረቛሒዚ ካብ ንኣጠቓቕማ ቛንቋ ንጥበብ ኣጸሓሕፋ ዛንታ ዝምልከት እዩ።
ብመሰረት ጥበብ ኣጸሓሕፋ፡ ደራሲ ባዕሉ ጥራይ ካብ ዘዘንቱ፡ ንጠባያቱ’ውን ከዋስኦም እንተ ኽኢሉ፡ ንነበብቱ፡ ዝሓሸ ባህታ ይፈጥረሎም እዩ። እዚ ባህታዚ ዝፍጠር ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። እቲ ኣዘናትዋ መለሳን መብረን ብምርካቡ ደኣ እምበር።
እዘን ክልተ መጻሕፍቲ በዚ መዳይዚ ሰናፋት ኣይኰናን። ጠባያተን ፍጹም ንጡፋት ስለ ዝዀኑ፡ ነባቢ ብስእለ-ኣእምሮኡ ከም ህይወት ዘለዎም ፍጡራት እዩ ዝቘጽሮም። ነዚ ሓሳብዚ ንምርዳእ ክትራ ኣብ እተባህለት ዛንታ ንዝተኻየደ ዝርርብ እስከ ንተዓዘብ።
“ክንደይ ግዜ ንስደት ክሓስቦ ከም ዘይብሉ ምዒደዮ እንድየ። ክሰምዓኒ ኣይከኣለን። ተመስገን ኢሉ ኣብ ሃገሩ ከይሰርሕ፡ ንባዕሉ ኣብ ጸገም ኣትዩ፡ ተመሊሱ ንዓይ ለማኒ ገይሩኒ።” ብሕርቃን ጸጉሩ ነጽዩ።
“ደሓን ከምኡ ጌርካ ኣይተንጸርጽር።”
“ኤርትራውያን ኩላትና ኣሕዋት’ኮ ኢና። ንዓናስ ሓውናን ወድናን እንድዩ።”
“ገንዘብ ተዋህላላይ ‘ኳ’ዩ።”
ኩሉ ኣፉ ዘዝሃቦ ይዛረብ። ናብቶም ኣሳእል እናርኣኹ፡ ሃለዋተይ ክይስሕት ስግኣተይ ኣብ ጥርዙ በጺሑ።
“ኣታ ሓወይ፡” ኣብ ጥቓይ ዘላ መንእሰይ ቆው ኢላ ጠሚታትኒ።
“እዚ ተጨውዩ ዘሎ መንእሰይሲ፡ ቅምጥ ኢሉ ንዓኻ’ኮ’ዩ ዝመስል።”
ካብ ሕልመይ ዘበራበረትኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። “ባዕለይ እንድየ።” ተሳሒገ መሊሰላ። ኩለን ኣዒንቲ ናባይ ኣፍጢጠን።
“ብኸመይ ደኣ መጺእካ፧” ድምጻ ዝያዳ ኣበሪኻቶ።
“ኣነስ ካብ ሃገረይ ኣይወጻእኩን።”
“እዚ ሓውካ ደኣ እንታይ’ዩ ዝብል ዘሎ፧” ንዓይን ነቲ ዝልምን ዘሎን ብብተራ ጠሚታትና።
“ሓወይ ኣይኰነን።”
“ስለምንታይ ደኣ፡ እዚ ኹሉ ስእልኻ ሂብካዮ።”
“ፐርቶፍልዮይ ከም ዝጠፍኣኒ ንፖሊስ ሓቢረ እንድየ። እዚ ኣሳእል ኣብ ፖርቶፊልዮይ ዝጸንሐ እዩ።”
እዚ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ኡራኤል ዝተኻየደ ዝርርብ ጥራይ ከም ኣብነት ቀሪቡ እምበር፡ እተን ዛንታት በዚ ኸምዚ ዓይነት መገዲ ዝተዳለዋ እየን።
ንምዃኑ፡ ነታ ዛንታ ብምልእታ ኸየንበብካ፡ ነዘን ዝርርባት ብምርኣይ ጥራይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኡራኤል እንታይ ከም ዝተፈጸመ ምግማት ኣይከኣልንዶ፧ ይከኣል እዩ። ዝተኻእለሉ ምኽንያት፡ እተን ዛንታታት ብቐሊልን ገለጽቲን መግለጺታት ስለ ዝቐረባ እዩ።
ዕዮታት ኣድማሳውያን ጸሓፍቲ በብዓይነተን እየን። ዕላማኦም’ውን ልክዕ ከምቲ ዓይነተን ብዙሕነት ይንጸባረቖ እዩ። ዊኪፒድያ እተባህለ መርበብ ሓበሬታ ንብዙሕነት ዕዮታት ኦ.ሄንሪ ኣመልኪቱ፡ ዘቕረቦ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ።
- Henry’s work is wide-ranging, ዕዮታት ኦ ሄንሪ ሰፊሕ ዝርጋሐ ኣለወን።
ዕዮታት ምሉእ ብርሃን ሃብተገብሪኤል’ውን ሰፊሕ ዝርጋሐ ኣለወን። ክልተአን መጻሕፍቲ ንሓያሎ ዓውዲታት ተንኪፈን እየን። ታሪኽ፡ ስነ ፍልጠት፡ ማህበራዊ ህይወት፡ ስነ-ኣእምሮ፡ ፍቕሪ፡ ተረካብ ዘረባ፡ ምምስሳል፡ ስነ-ጥበብ፡ ማሪታዊ እምነትን ካልኦትን ዳህሲሰን ኣለዋ።
ነባቢ፡ እተን ዛንታታት፡ “እዚኣ ካብቲኣ ትበልጽ!” ኢሉ ንምምራጽ ክሳዕ ዘጽገም፡ ይበጽሕ እዩ። ይዅን እምበር፡ ደራሲ፡ ኣዝየን መሰጥቲ ኢሉ ንዝሓረየን ክልተ ዛንታታት መሪጹ እዩ ከም ኣርእስቲ መጽሓፉ ሓሲቡ ኣካዊኑ።
ብዘይካ እቲ ሰዋጢ መደምደምታአን፡ ዛንታታት እዘን መጻሕፍቲ መሰጥቲ ኰይነን ዝተረኽባ፡ ፈለማ፡ ኣብ አዓውዱ ንዝርከባ መተዓይይቲ ቓላት እናተጠቕሙ ዝዋስኡ ጠባያት ስለ ዘለዉ እዩ። ነዚ ንምርዳእ ን‘ዕሰለ’፡ ከም ኣብነት ንውሰዳ።
“እታ ናይ ዕሰለ ሰዓት ኣኺላ’ላ።” ሆሳእና ብውሽጡ እናሓረረ ፍሽኽ በለ። ‘ደቪቶ ዓርከይ ተዳሊኻዶ፧”
“ሓሙሽተ ደቒቕ’ሞ ክድቅስ፡ ብድሕሪኡ ከመይ ከም ዝፍተል ከርእየካ’የ።” ደቪቶ ቢራ ስለ ዝሓንፈፈ ፈዚዙ’ዩ።”
ኣብዚ ዝርርብዚ፡ ደራሲ ተራ ቓላት ኣብ ክንዲ ዝጥቀም ‘ደቪቶ፡ ዝፍተል፡ ዝሓንፈፈ፡’ ዝብላ ቓላት ኣእትዩ ኣሎ። ኣብ ሓጺር ዛንታን ግጥሚን ኣመራርጻ ቓላት ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ቃላት እንክምዘና፡ ገሊአን ኣረሳሰንቲ ኰይነን ይርከባ እየን።
ደራሲ፡ ንያቄም ዝተባህለ ሓጺር ተዋሳኣይ ‘ዴቪቶ’ ስለ ዝበሎ፡ ብዓይኒ እቲ ዴቪቶ ዝበሃል ውሩይ ተዋሳኣይ ንኽርአ የኽእሎ እዩ። ኣብ ክንዲ ሰትየ፡ ሓንፊፈ፡ ኣብ ክንዲ ክስዕስዕ ድማ ክፍተል ዝብላ ቓላት ብምጥቓሙ ድማ ደረጃ ተመስጦ ከም ዝብርኽ ገይሩ ኣሎ።
ደራሲ ነዚ ዝጀመሮ ደረጃ ተመስጦ ናይ ምብራኽ ስጕምቲ እናጸንሐ ቐጺሉዎ እዩ። ኣብ ገጽ 83፡ ንሳ ቑልቁል እናጠመተቶ፡ ንሱ ኣንቃዕሪሩ እናረኣያ፡ ገዛእ ርእሱ ክውድስ ጀሚሩ ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፍ ነዚ ዝስዕብ ግጥሚ ኣካዊኑ ኣሎ።
ያቄም ብርሃን ገጹ
ኣውሊዕ መወጹ
ናይ ዳኒ ደቪቶ ቕርጹ
ናይ ኤዲ መርፊ ላግጹ
ናይ ቢል ኮሶቢ ድምጹ
ወርቂ ርጋጹ
ጠስሚ ርሃጹ…”
እዛ ብመልክዕ ግጥሚ ዝቐረበት ትሕዝቶ ኣዝያ መሳጢት ስለ ዝዀነት ንደረጃ ተመስጦ ናብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ተዕርጎ እያ። ነዚ ቕያዚ ዝፈጸማ ኣገላልጻታት፡ ብርሃን ገጹ፡ ኣውሊዕ መወጹ፡ ወርቂ ርጋጹን ጠስሚ ርሃጹን ዝብላ እየን።
ብዘይካአን፡ ንመንቋሕቋሕታን ሃንቀውታን ነባቢ ዘበርኻ ሓበሬታታት’ውን ተመጥየን ኣለዋ። ንሳተን ዳኒ ደቪቶ፡ ኤዲ መርፊ ቢል ኮሶቢ ዝብላ እየን። ነዞም ተዋሳእቲ ዝፈልጡን ዘይፈልጡን ነበብቲ ኣብ ሓንጐሎም ዝበረኸ ስእለ-ኣእምሮ ይድኰኖም እዩ።
ኣብ ገጽ 84፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገጽ 86፡ ዝሰፈራ ትሕዝቶታት’ውን፡ ነበብቲ ውጽኢት ናይ ምርኣይ ሃንቀውታ ስለ ዝፈጥረሎም፡ ደረጃ ተመስጦኦም ንኽብርኽ ይሕግዝ እዩ።
“እንተ ደሊኺ ብኹዳ ዓረዛ፡ እንተ ደሊኺ ብእስታሊለ፡ እንተ ደሊኺ ብተወደብ፡ እንተ ደሊኺ ብተሓንበለ…ብዝደለኽዮ ቅዲ ሳዕስዒት ከገጥመኪ ድሉው ኣለኹ።”
“ኣነ ከም ዝስዕረካ ርግጸኛ እየ።” ምኩርቲ ተዋሳኢት መሲላ።
“ሎሚ መዓልቲ እቲ ግጥም ኣብ ሜዳኽን ኣብ ቅድሚ ደገፍትኽን ስለ ዝኾነ፡ ማዕረ ወይ ብጸቢብ እንተ ተሳዒረ የዋጽኣኒ’ዩ። ከመይሲ፡ ጽባሕ ኣብ ሜዳይን ኣብ ቅድሚ ደገፍተይን ስለ እንገጥም ብገፊሕ ከም ዝስዕረኪ ኣይጠራጠርን።”
ሽቶ ከም ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ፡ ብኣብራኹ ሸተት እናበለ፡ ናብ መርዓቱ ተመሊሱ። ዋላ እንተ ተላሕጸጸ ቃንዛ ኣይተሰምዖን።
ኣብ ገጽ 84 87 ዝሰፈረ ትሕዝቶ ብወገኑ ወጥሪ ብምፍጣር፡ ንነባቢ ነቲ መደምደምታ ብሃንቀውታ ንኽጽበዮ ይድርኾ እዩ።
ሰገንን ሆሳእናን ውሽጡ ሕሩር ኮይኖም፡ እቲ ጓይላ ብምዝዛሙ ጥራይ ዓቢ ሩፍታ ፈጢሩሎም። የግዳስ ሩፍታኦም ነዊሕ ኣይጸንሐን። ዓርሞሺሽ ኣጓብዝ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፡ ምሕላፍ ከሊኦምዎም። “ስለሶ’የ ሰልሶ ደኣ ይብሉኻ፡…”
ሰገንን ሆሳእናን ሓሳሮም ከም ዘይተዛዘመ ተሰቊሩዎም። ሆሳእና ሕጉስ ተምሲሉ፡ ንሰገን ካብ መንኩብ ደቪቶ ኣውሪዱዋ። “ሰልሶ’የ ሰልሶ ደኣ…” ጨጨጓሩ ንውሽጢ ገይሩ ደሪፉ ወይ ቆዚሙ።
ደቪቶ ክስልስ ፍቓደኛ ኣይኰነን። “ሸይነ ክምለስ’የ።” ኢሉዎ ንሆሳእና። ጽቡቕ ነገሩ ብርቱዕ ሙዚቃ ስለ ዘሎ፡ ብዘይካ ሰገንን ሆሳእናን ዝሰምዐ ሰብ የለን። ክልቲኦም ምሒር ሰንቢዶም።
“ሓንቲ ጓይላ’ያ ተሪፋትና፡ በጃኻ ተጸመም።” ሆሳእና ዓቕሉ ተጸንቂቑ።
ኣብ መወዳእታ እንታይ ክፍጠር’ዩ ብምባል ተወጢሩ ብተመስጦ ዘንብብ ነባቢ ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣብ ገጽ 88 ዝተጻሕፈ ትሕዝቶ ይረክብ።
ደቪቶ ብቕጽበት ሓዂሩ ኣብ መንኩብ ሰገን ተራእዩ። ሆሳእና ከይትወድቕ እናደገፋ “ወሲዳቶ ንሓላላ…” ንደራፊ መሪሑዎ።
ከም ህጻን ዝተሓንገረ ደቪቶ፡ “ወሲደያ ንሓላለይ…” እናተሰራሰረ ነታ ዳስ ዓብሊልዋ።
ተሓናጒሮም ካብ ዳስ ክውጽኡ እንከለዉ፡ ዉዑይ ሽንቲ ደቪቶ ብኽሳድ ሰገን ሓሊፉ ናብ ኣፍ ልባ ሰጊሩ።
ጸጽቡቑ እናሓሰበ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሐ ነባቢ፡ ዘይተጸበዮ መደምደምታ ስለ ዝጸንሖ ሃንደበት ይዀኖ። ይዅን እምበር፡ እናጸንሐ፡ ደቪቶ፡ “ሸይነ ክምለስ’የ።” ኢሉ ከም ዝነበረ ምስ ዘከረ፡ ነቲ ጥዉይ መደምታ ተቐቢሉ በታ ዛንታ ይዓግብ።
ምሉእብርሃን ተስፋገብሬል፡ ዘካወነን ዛንታታት ኣዛነይቲ ጥራይ ዘይኰና፡ ትምህርታዊ ዕላማ ዘለወን’ውን እየን። ከምኡ ብምግባሩ ድማ፡ መንቋሕቋሕታ ዘለዎ ደራሲ ምዃኑ ኣርእዩ ጥራይ ዘይኰነ ነበብቲ’ውን መንቋሕቋታኦም ንኽብርኽ ኣበርኪቱ’ዩ።
ኣብ ጠበብቲ ዘርእስታ ዛንታኡ፡ ንሓንቲ ቡዳታት ዘሳቐዩዋ ቘልዓ፡ “እዚ ዓይነት ሕማም ምስ ቡዳታት ዝተሓሓዝ የብሉን። ኣብ ሕክምና ዲሶሺየቲብ ኣይደንቲቲ ዲሶርደር’ ወይ ከኣ፡ ‘ማልቲፕል ፐርሰናሊቲ ዲስኦርደር ኢና እንብሎ። ነቶም ክንሰምዖም ዝጸናሕና ሰባት፡ ‘ሳፕ ፐርሰናሊቲስ’ ወይ ከኣ ኣልተርናቲቭ ፐሰናሊቲስ ኢና እንብሎም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ልዕሊ ሚእቲ ከምዞም ዝሰማዕናዮም ክህልዉ ይኽእሉ” እናበለ ዝዛረብ ጠባይ ብምፍጣር መንቋሕቋሕታ ነበብቲ ኣበሪኹ ኣሎ።
ኣብ ድንግል ነፍሰጾር፡ ዘርእስታ ዛንታኡ’ውን፡ “ጥንሲ የብልክን። ከም ቃልኪ ድንግል ኢኺ። እዚ ዝርኣየኪ ዘሎ ምልክት ጥንሲ፡ ሓኻይም ‘ሃይፓኮንድሪያሲስ’ ኢና ንብሎ። ኣብ ሓጺር ግዜ ክገድፈኪ’ዩ።” ዝብል ሓኪም ብምድላው፡ እናኣገረመ ፍልጠት ነበብቲ ኣበሪኹ ኣሎ።
ማይጸሎት እተባህለት ዘይክዉናዊ ክዉንነት(magical realism) እተንጸባርቕ ዛንታ’ውን ኣብ ጕዳይ ስነ-ጥበብ እተቕስሞ ቍምነገር ኣለዋ።
ባህልቢ ብቕጽበት ሓጥያቱ ክናዘዝ ጀሚሩ። “ኣብ ሓጺር ግዜ ህቡብ ደራሲ ናይ ምዃን ህርፋን ኣሎኒ። ስለዚ ድማ እየ ነታ ዝፈትዋ ናይ በርናርድ ሸው ‘ሃዋርያ ሰይጣን’ ዘርእስታ ትያትር ከም ናተይ ገይረ ናብ ህዝቢ ዘርጊሐያ ዘለኹ። ናይ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ‘እቲ ምሩኽ’ ዘርእስታ ግጥሚ ከም ናተይ ገይረ ብስመይ ኣብ ጋዜጣ ኣውጺአያ’የ። ብሓቂ ብዙሕ ድርሰታት እየ ሰሪቐ። ሕጂ ግን ስርቂ ድርሰት ሓጥያት ምዃኑ ተረዲእኒ ኣሎ።” ኢሉ ብምንዛዝ፡ ጠቓሚ ሓበሬታ ዝምጥው ገጸባህሪ’ውን ሃኒጹ ኣሎ።
እዘን ኣብ ላዕሊ ዝቐረባ ነጥቢታት፡ ነበብቲ ኣብ ሓጺር ዛንታ ዝህልዎም ተመስጦ ንምብራኽ ዝሕግዛ ረቛሒታት እየን። ክሳዕ ሕጂ ትግርኛ ምዕሩይ ኣጸሓሕፋ ዝበሃል ስለ ዘየተኣታተወ፡ ኣጸሓሕፋ ቓላት ከም ሓደ ረቛሒ ከይተቘጽረ ጸኒሑ እዩ።
ብ—– ኤሪትርያን ፕሮፋይል፡ ንኣጸሓሕፋ ቓላት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ገምጋም ኣካዪዳ ኣላ። ትሕዝቶኡ እንሀ፡
…the Tigrigna writers has always been torn between…those who follow sads(ki kie…). Mr. Mulubrahan also followed the lately dominating way of craftin your words as they are compatible to accent and pronunciation of Eritrean highlander’s. ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ብሓጺሩ እንክቐርብ፡ ጸሓፍቲ ገሊኦም ሳልስ፡ ገሊኦም ሳድስ ይስፈር ብምባል ይዋጠጡ። ምሉብርሃን በወገኑ፡ ነቲ ነድምጾ ንጽሓፎ ብምባል ኣብ ክንዲ ብ‘ዚ’ን‘ኪ’ን ብ‘ክ’ን‘ዝ’ን ኣካዊኑ ኣሎ ዝብል እዩ።
ከምኡ ብምግባሩ እቲ ጽሑፍ proficiency; ውሕልነት ኣንጸባሪቑ ክብል ጸሓፊ ዓምዲ ንደራሲ ኣድኒቑዎ እዩ። በዚ መዳይዚ ንኣጸሓሕፋ ቓላት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምግምጋም እንተ ተኻኢሉ ብዙሕ ክበሃል እከኣል እዩ።
ፈለማ፡ ዝጥቀስ እምበኣር፡ ረባሕታ ግሲ ምዃን፡ ኣብዘን መጻሕፍቲ በቲ ግቡእ ኣገባብ ከም ዝተኻየደ ይድህሰስ እዩ። ምኽንያቱ፡ ግሲ ‘ምዃን’ እምነኵርናዕ ትግርኛ እዩ። ረባሕታኡ፡ እየ፡ እያ እዩ እዮም እየን፡ ኢኻ…እምበር፡ ኢየ፡ ኢያ፡ ኢዩ፡ ኢዮም፡ ኢየን… ኣይኰነን።
ድሕሪዚ ትዕዝብቲዚ ኣብዘን መጻሕፍቲ፡ ዕብላለ ካእብ ኣብ ልዕሊ ሳድስ፡ ዕብላለ ራብእ ኣብ ልዕሊ ግእዝ እናተባህሉ ዝርቍሑ ጌጋታት የለዉን።
ይዅን እምበር፡ ብልጫ ትግርኛ ዝዀና ተበራረይቲን ድርብን ዝበሃላ ክልተ ዓይነት ደሃያት ግን፡ ከም ኣብ ሓያሎ መጻሕፍቲ ትግርኛ፡ ኣብዚአን’ውን ኣቓልቦ ስኢነን ኣለዋ።
ንስኻ ከኣ፡ እትብለኪ ክዳን፡ በጃኺ ካልእ፡ ባዕላ ክትመርሓና፡ ዕላልና ክንቅጽሎ፡ እናጸበቐ ክመጽእ፡ ንስኻ ኸኣ፡ እትብለኪ ኸዳን፡ በጃኺ ኻልእ፡ ባዕላ ኽትምርሓና፡ ዕላልና ኽንቅጽሎ፡ እናጸበቐ ኽመጽእ፡ ተባሂለን እንተ ዝዀና፡ ሕጊ ተበራረይቲ ደሃያት ምተሓለወ።
ብተመሳሳሊ ሓጎስ፡ ጉዳይ፡ እናጎየየ፡ ቁጥዐ፡ ቁሩብ፡ ቆንጆ፡ ክቆጻጸር፡ ተኾሊዑ፡ ተባሂለ ተጻሒፈን ዘለዋ ቓላት፡ ሓጐስ፡ ጕዳይ፡ እናጐየየ፡ ቍጥዐ፡ ቍሩብ፡ ቈንጆ፡ ክቈጻጸር፡ ተዀሊዑ፡ ተባህለን እንተ ዝጸሓፋ፡ ሕጊ ድርብ ደሃያት ምተሓለወን።
ኣብ መወዳእታ፡ ደራሲ ምሉእ ብርሃን ሃብተገብርኤል፡ በተን ወሰደ ዘበላ ዛንታቱ ዝተመሰጡ ነበብቲ፡ ብዛዕባ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ኣፋፍኖት ምእንቲ ኽህልዎም ዘድሊ ዘበለ ኣማሊኡ ኸም ዝቐርብ እናተኣማመንኩ ገምጋመይ እድምድም።