ብርሃነ ገብረሂወት
ቀዳማይ ክፋል
ታሪኽ ዓለም እኮ ታሪኽ ውግእን ኲናትን እዩ። መበገሲታቶም ድማ ስምዒት ዕጹው ርእሲ።
ኣብ ጒዕዞ ምግራም’የ ዘለኹ። ንምንታይ እግረም ኣይፈልጥን። መልሲ ዘይረኽበሎም ሕቶታት እናተመላለሱ ይርብሹኒ። ኣብ ኣመላልሳኦም ዘይዓገብኩሎም ውን ከምኡ። ስቕተኛ’የ። ናይ ሓሳብ እምበር ናይ እግሪ ተጓዓዛይ ኣይኰንኩን። ጒዕዞይ; ጒዕዞ ምእላሽ ኰንቱነት’ዩ። ኣብ ኣእምሮይ ዝተቐርጸ ከንቱ ኣተሓሳስባታት እንተ ዘይኰይኑ ግን ከንቱ ሰብ የሎን። ከንቱነት ሰብ ከኣ ኣብ ኣተሓሳስባኡ’ዩ። ኣብ ቅርጹ ወይ ሕብሪ ገጹ ኣይኰነን። ምናልባት፡ ብኣተሓሳስባኡ ንነብሰይ ኣብዚ ጽሑፍ ረኺበያ ዝበለ፡ ምሳይ ዘይኰነ ምስ ነብሱ ይበኣስ። ድሕሪኡ ውን ምስ ነብሱ ይተዓረቕ።
ሰብ ክነቅሕ ዲዩ ዝመሃር ክዱንቁር ክሳብ ሕጂ ኣይበርሃለይን። ክነቕሕ’ባ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። እግረም’የ። ኣነ ክድንቁር ከም ዝመሃር’የ ፈሊጠ ዘለኹ። መን ኣሎ ክብደሃኒ ዝኽእል? ንቕሓት ኣብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዘሎ ዝበለኸ መን እዩ? ከንቱ’ዩ። ዘይምድካም ይሓይሽ። ዘይበለ’ምበር ዝበለ ኣይሰኣንን። ኩሉ’ዩ ዝብል። እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ዝመስሉና እኮ ኣብያተ ማእሰርቲ እዮም። ክንደይ ይእሰሩሎምን ይነብሩሎምን ኣለዉ። ኬይዱ ንዝረኣዮም፡ ብሓደራ ተቐሚጦም ወይ ንዓመታት ዝተፈርዱ ዝጣበቐሎም ዝሰኣኑ ህጻናትን መንእሰያትን ክጸንሕዎ’ዮም። ኣብዞም ዘይወግዓውያን ኣብያተ ማእሰርቲ ክንደይ ይማስንን ይለምስን ኣሎ። ክንደይ ካብ ዕምሩ ይዝመት ኣሎ። ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቂ ከይእልሽ እዮም ዝዓግቱ። ነብሱ ፈቲሹ ኣከባቢኡ ከይፍትሽ እዮም ዝቕይዱ። ነዚ መን ክኽሕዶ ይኽእል? ካብ መውዓሊ ህጻናት ክሳብ ዩኒቨርሲታት ዘለዉ ‘ትካላት ትምህርቲ’ ክሳብ መኣስ’ዮም ዕድመ ሰብ እናበልዑ፡ ብዓመታዊ መቑነን ፍልጠት ንሰብ ከተዓሻሽዉ ክነብሩ ኣይፈልጥን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝህብዎ ምስክር ወረቐት ውን እንታይ’ዩ ትርጉሙ ኣይርደኣንን።
ምስ ነብሰይ ኣተሓሒዘ ክዛረብ። ኣብ ክፍሊ ዝተቐመጥኩዎ ዓመታት ውሑድ ኣይነበረን። ኣብ ቅድመ ምረቓን: ምረቓን ንዘለዉ ደረጃታት፡ እንተስ ብሰንከልከል እንተስ ደልዲለ ብምርጋጽ በጽሒዮም። ተኣሲረሎም ንምባል’የ። ካብኡ ኣይቀጸልኩን። ብሕጂ ክቕጽል ዲየ ኣይክቅጽልን ግዜ እዩ ዝምልሶ። ደጊመ ኣብዚ ዘይወግዓዊ ቤት ማእሰርቲ ንኽኣቱ ዝመርጽ ኣይመስለንን። ከምቲ ዝብህጎ ኣገባብ ኣመሃህራ ጐፍ እንተ ኢሉኒ ግን ድሕር ኣይክብልን እየ። ኣብቶም ዝሓለፍኩዎም ዓመታት ትምህርቲ፡ መማህራነይ ተተበራርዮም ካብቲ ዝበጽሕዎ ደረት ፍልጠት እናቈንጨሉ ከካፍሉኒ ብዙሕ’ዮም ጽዒሮም። ካብ ዝሓዝኩዎ ዘይሓዝክዎ ይበዝሕ ይኸውን። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ዝብልዎን ዝበልዎን ከም ዘለዎ ንኸይሕዞ፡ ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሱ ዝተዃቱዅኒ ሕቶታት ኔሮም። ክሳብ ሎሚ ውን ኣይተመለሱን። ገና ኣብ ኣእምሮይ ኣለዉ።
ግብራዊ ትምህርቲ’ዩ ዝብርሃኒ። ገፊሕ ዓለም እናፍቕ። ካብ ዝቐድሖ ከኣ ዝዋሰኦን ዝነብሮን። እንተዀነ ኣይረኸብኩዎን። ኣብ ሰደቓ ተቐርቂረ፡ ምስ ዝምጠወለይ ዝነበረ ስብከታዊ ፍልጠት ይቃዶ ኣይነበርኩን። ከመይ ኢለ ክቃዶ? ንዘርሳሕክዎም ጥራውዝቲ’የ ዝድንግጸሎም። ሽዑ ዝጀመርኩዎ ናይ ሓሳብ መገሻ ክሳብ ሎሚ ይቕጽሎ ኣለኹ። ኣዳም ስሚዝ፡ ካርል ማርክስ፡ ሩሶ፡ ኣሪስቶትል፡ ሼክስፒር፡ ቮልቴር፡ ጋሊለዮ፡ ፕለቶ፡ ሆመር፡ ፓይታጎራስ፡ ሶቅራጦስ፡ ቅዱስ ኣጎስቲኖስ፡ ቶማስ ሁክ፡ ፍራንሲስ ቤከን፡ ሎርድ ቤከን፡ ሲግሞንድ ፍሩዩድ፡ ዳርዊን፡ ወዘተ ወዘተ…. ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ምድግጋም ምስ በዘሐ፡ ናብ ድሕሪት ተመሊሰ ምሰኣቶም ወግዒ ጀሚረ። መማህራነይ ጸሊአዮም። ከም መርኣያ ጽልኣተይ፡ ኣስተንትኖይ ኣብ እዋኑ ክገልጽ ፈቲነ’የ።
“ኣቱም ተናፈቕቲ
ሊቃውንቲ ጥንቲ፡
ሊቃውንቲ ሎሚ
ብዘይመከኽዎ ተቐቢኦም ጠስሚ፡
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ
ኢሎም እናኣስተምሃሩ
“ከምቲ ዝበልዎ ሊቃውንቲ ጥንቲ”
እነሀለዉ የሰልችዉና
ምስ ነብስና የባእሱና።
ካብ ተባህለ ከይነምልጥ
ዳህሲስና ከይንፈልጥ
ይጋርዱና ኣለዉ
የብዙሑልና ቀይዲ
ንቐንኣልኩም ድማ
ሊቃውንቲ ጥንቲ
ምሓሸና ከምቲ ናትኩም
ብዘይመምህር ብዘይ ቤት ትምህርቲ!”
ኢለ፡ ነቲ ፍልጠት ዘይኰነ ንኣገባብ ኣመጋግባ ፍልጠት’የ ጽልኣተይ ገሊጸ። እንታይ ዝዓብስ ኮፍ’ዩ። ሰብ ዳህሲሱ ክፈልጥ ኣለዎ። ብኾፎይ፡ ንዘመነ እምኒ፡ ዘመነ ተሃድሶ፡ ዘመነ ምንቕቓሕ፡ ዘመነ መግዛእቲ፡ ኢንዲስትሪያዊ ሰውራ፡ ዘመነ ሓበሬታ ከከም መቓን ግዜኦም ክመሃሮም እንከለኹ፡ ነናቶም ጽፍዒት ኣብ ኣእምሮይ የቐምጡለይ ኔሮም። ካብ ዘመነ ምምእራርን ሃድንን ክሳብ ዘመነ ርእሰ ማልነት ንዘለዉ ፍልስፍና ናብራን ቅዲ መነባብሮን ክላለዮም ኣብ ዝፈተንኩሉ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ቅዲ ክሓስብ እጅምር ነይረ። ‘ሓቢርና ንብላዕ ወይ ሓቢርና ንድከ’ ዝጭርሕ ደምበ ማሕበርነት፡ ኣይፋልናን ‘ዝሓየለ ደኣ ይብላዕን ይሃብትምን’ ብዘድመጸ ሴፍ ርእሰ ማልነት ክሳዱ ተቐንጢቡ ክሰሓግ ረኺበዮ። ድሕሪ እዚኸ ናበይ? ዝብል ሕቶ ወትሩ የዋጥረኒ። እሓስብ። መልሲ ግን ኣይረኽበሉን።
ኣብ ዘገምታ ሓሳባተይ፡ እናተቓተሉን እናተወራረሱን ዝመጹ ምዕባለታት ኣብ ቅድመይ’ዮም ዝግተሩ። ክልሰ-ሓሳብ ምስ ክልሰ-ሓሳብ፡ ስነ-ሓሳብ ምስ ስነ-ሓሳብ ኣብ ጥምጥም ይገጥሙኒ። ክገላግሎም እፍትን። ተዓሪቖም ዘይዕረቑ፡ ክመሖ ዘይክእል ሱር ዝሰደደ ቅርሕንቲ ዘለዎም ይመስሉ። ምትፍናን’ዩ ግርማኦም። የጸብቐሎም ዲዩ የኽፈኣሎም ይፈልጡ ዲዮም ኣይፈልጡን ኣይፈልጥን’የ። ብኣንጻሩ ውን፡ ከም ማይን ጸባን ተወሃሂዶም ዝጓነፉኒ ኣለዉ። ኣብ ዘመነ ዓውሎማ፡ ፍልስፍና ርእሰ ማልነትን መጽናዕታዊ ምርምር ዳርዊንን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም ኰይኖም ይጸንሑኒ። ብግህዶን ብውሽጢ ውሽጥን ዝካየዱ ኲናትን ወረ ኲናትን ድማ መስርሕን መሳርሒኦምን። ኣድማስ ጌጋታት ተጸፊኦም እንከለዉ ሰባት ንምንታይ ኣብ ውሽጢ እዞም ዓበይቲ ጌጋታት ንዘለዉ ናእሽቱ ጌጋታት ክኣርዩ ይፍትኑ እግረም።
ገና እቕጽል ኣለኹ። ጒዕዞይ መዕረፊ የብሉን። ስንቀይ ምግራም ጥራይ’ዩ። በዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ድብልቕላቕን ሕውስውስን ግን ብዙሕ ኣይግረምን። ኣብ ትማሊ ተገሪመ ጸጊበዮ’የ። ሎሚ ውጽኢት ትማሊ ምዃና’ዩ ትዕዝብተይ። ጽባሕ ድማ ውጽኢት ሎሚ። ንትማሊ ብግቡእ ንዝተዓዘባ ሎሚ ከመይ ኢላ ክትሕድሶ ትኽእል? ዘዛርብ ውን የብሉን። ዝነበረ እዩ ዘሎ። ብኣንጻሩ፡ በቲ ሎሚ ዝሓደሰቶ’የ ዝግረም። ከይሓሰበ ዝነግድ ክርኢ እንከለኹ እግረም። ካብ ኣፍንጫ ዘይርሕቁ ቅማረታት’ዮም ንመላእ ኣውታር ምግራመይ ዘነቓቕሕዎ። ትብዓት እውሱኹለይ። ንክትግረም ውን ትብዓት የድሊ’ዩ። ትብዓት’ዩ ጸዓት ምግራም።
ኣብ ዑናታት ኣቴና ንሓቂ ክእልሽ ብወኒ ምግራም ዘወር ክብል እንከለኹ፡ ምስ ትብዓት ሶቅራጦስ ፊት ንፊት እጋጠም። ሶቅራጦስ ብልክዕ ዲዩ ትብዓት ኔሩዎ? መን ክምልሰለይ ይኽእል? ብወገነይ እጠራጠር’የ። መለክዒ ትብዓቱ እንታይ ምዃኑ ክምልሰለይ ዝኽእል መን ኣሎ? ከም ተባዕ ንኸይወስዶ ዝዓግቱኒ ነገራት ኣይተሳእኑን። ምዃን ከኣ ደሓን። ከም ሓደ ተባዕ ውን እወስዶ። እቲ ዝተዓደሎን ዝተመስከረሉን ትብዓቱ ናበይ ክሓብኣሉ? ይዂን ደኣ’ምበር፡ ኣብ ጐደናታት ኣቴና መንእሰያት የበላሹ ምንባሩ ተወንጂሉ ኣብ ፍርዲ ብምቕራብ፡ ካብቶም ዝተዋህቡዎ ናይ ፍርዲ ኣማራጺታት፡ ንብይን ጽዋእ መርዚ ሞት እናሰሓቐ ስለዝጨለጦ ጥራይ ተባዕ ክበሃል ኣይነበሮን። ኣብ ትብዓቱ ዘሎኒ ተቓውሞ ኣብዚ እዩ ዘሎ። ኣብ ሞት ዕቑባ ክሓትት ምምራጹ መርኣያ ፍርሑዶ ኣይከውንን? ነዚ ቀጻሊ ዝደጋግሞ ሕቶ መልሲ ኣይረኽበሉን’የ። ሶቅራጦስ፡ ዝተበዐን ዝፈርሐን ንዝኸድዎ መገዲ ሞት ምምራጹ ንጒዕዞ ፍልስፍናዊ ሂወቱ ትንፋስ ከም ዝዘርኣሉ ይተኣመነሉ’ምበር ቀቲሉዎ እዩ። ሂወት ቃልሲ ሕቶን መልስን ምዃና እምነት እንተ ዝነብሮ ግድላቱ ምቐጸለ። ንዝቐረበሉ ሕቶ ብመልሲ ሞት ኣይምዓጸዎን። ከበግሶም ዝነበሮ ሕቶታት ምረሓቕዎ ኣይብልን። ግን ናብ ሞት ሃዲሙ።
ብዙሓት፡ ንፍልስፍናዊ መጐትኡ ክሳብ ክሞተሉ ድሉው ምዃኑ ከርኢ ብምኽኣሉ፡ ከም መግለጺ ትብዓቱ ይርእይዎ ይዀኑ። ልሙድ ብዘይኰነን ኣብ መብዛሕትና ዘየለን፡ ንሞት እናሰሓቐ ዝገጥማ ሰብ ብምርኣዮም ተምሳጥ ዝገደፈሎም ኣይሰኣኑን። ኣብ ዓውደ ውግእ ካብ ዝተሳሕለ ‘ጅግና’ እንታይ ስለ ዝጽበዩ እዮም? ንኣይ ዝምስጠኒ ኣብ መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ ዘይርከብ ጸጋ ክውንን ምኽኣሉ እዩ። ተዋጋኣይ ኔርካ፡ ምውጋእ፡ ምቅታል፡ ምውራር፡ ምክልኻል፡ ምዝማት፡ ምዕናው ምስ ሰልቸወካ፡ ካብ ኲናትን ቋንቋ ኲናትን ወጺእካ፡ ሓቅን ትርጉም ሓቅን ክትደሊ ምቅላስ ዓቢ ትብዓት እዩ። ነዚ መን ይኽእሎ! ተባዓት ተዋጋእቲ ተባዓት ናይ ኣተሓሳስባ ተቓለስቲ ኣይኰኑን እዮም። ሳሕቲ ውን እንተዀነ ኣየጋጥምን። ሶቅራጦስ ኣብዚ እዩ ተዓዊቱ። መግለጺ ትብዓቱ ውን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ብዛዕባ ዝወዓሎ ዓውደ ውግኣት ገዲፉ፡ ብዛዕባ ትርጒም ሂወትን ጽባቐን ንመንእሰያት ከዋጥሮም ምፍታኑ እዩ ትብዓቱ። ብገበታ ሕቶታት ንመንእሰያት ክምርዝ ዘስተውዓሉ፡ ንዘይምልስዎም ሕቶታት ንምቕታል እዮም ብመርዚ ቀቲሎሞ። እናሰሓቐ ድማ ክፋነዎም ተራእዩ። ትብዓት ከምዚ እዩ!
ናይ ኲናት ‘ጀጋኑ’ ናይ ርቀት ኣተሓሳስባ ጀጋኑ ክዀኑ እንተ ዝኽእሉ፡ እዚ ሓዲሽ ወለዶ ብውዕሎ ኲናትን ዛንታ ኲናትን ኣዒንቱን ልቡን ኣይምዓወረን። ካልእ ምሓሰበ። ብዛዕባ ዝወዓልዎ ዓውደ ኲናት ዘዘንትዉ ኣእምሮኡ ኣይምዘመትዎን። መገዲ ፍትሒ፡ ውግእን ኲናትን ጥራይ ምዃኑ ኣይምሰበኹን። ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ንኽደልዩ ኣይምተጸገሙን። ኣብ ዕጹው ማዕጾ ኰይኖም ብዛዕባ ኲናት ዝዝትዩ ወነንቲ ዕጹው ኣእምሮ ንዓለም ኣይምመልኡዋን። መሃንድሳት ኲናት፡ እንታይን ስለምንታይን ንዝብሉ ሕቶታት ገጽ ዝኸልኡዎም፡ ንኽምልስዎም ዓቕሚ ስለዘይብሎም ጥራይ እዮም። ታሪኽ ዓለም እኮ ታሪኽ ውግእን ኲናትን እዩ። መበገሲታቶም ድማ ስምዒት ዕጹው ርእሲ። ዘይ ኣብቲ ቤት ትምህርትስ ከምዚታት እዮም ዝምህሩ! ሶቅራጦስ ነዚኦምን ከምዚኦምን ኣብ ጐደናታት ክምልስ ብምኽኣሉ’ዩ ትብዓቱ። ድሕሪኡ፡ ንዂናት ሕቶታት ብኲናት ኣብ ዓውደ ኲናት ክምልስ ዝፍትን’ምበር ኣብ ኣደባባያት መልሲ ክረኽበሎም ዝንቀሳቐስ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ’የ ዝግረም።
ይቕጽል . . . . .