I
ዓሰርተ ሓሙሸተ’ዮም ኢሎምዎም:
ሽሕ ዕጽፍታት’ዚ ቍጽሪ ክነሶም፣
ሓመድ ተነጺፎም ተተርኢሶም እምኒ:
ቃላቶም ዕንጋሎ ከርሲ: ‘ትረፍ ንእዝኒ።
ፈሊጦም፤ ስጋ ሓላፊ ስም ተራፊ:
ንጎድኖም ክደልዩሉ ቈጽሊ መዕረፊ:
ነታ ዘንጊ ሓቂ ክዀኑ ምርኵሳ
ብቝሊ ቅንዕናኦም ተባሂሉ ኣበሳ።
II
ገለ ይብሉ: “ኣጐምጅዩዎም ኰረሻ፣
ኣይጸሓፉን: ከብዲ ብትኳቦ ከሪሻ።”
ብዓል ኣደይ’ሞ መን’ዩ ዝብለን ዓሻ።
III
ቍንጣሮ ባይቶ ድፉናት ኣእምሮ
ብስምና ርሂጾም ኣብቲ ቅበሮ-ቕበሮ:
ከም ዘይሞትና ንምግታር ጽላል ርትዒ
ቀዲምካ ምባል ‘ሓባል’ ገይሮሞ ፍትሒ።
ምስ ተበሳሰዐ ለቖታ ናይ ሓሶት ስንቂ
ክትስውድ’ያ ’ታ ዘይትስበር ዘንጊ ሓቂ፣
ክንደይ ኮን ወልደፍ ክትብልያ ሓሶት ሓዊሳ
ከም ሰገን ነብሳ ደገ: ቀቢራ ኣብ ሑጻ ርእሳ᎒
ኢለን ዳዊት
2 ሕዳር: 2012