ሓጻር ዛንታ
ሚካኤል መዓሾ (ወዲ ሮማ)
እቲ ምኩር መራሒ ጋንታ፡ ብቕንያቱ ምስ ሕልናኡ ኽበኣስ ሰለም ከየበለ’ዩ ቐንዩ። ክልተ ውሳነታት ሓንጺጹ’ውን ኣብ ቀራና ስምዒት ተዋሕጠ። ብሓሳቡ መሳርሕቲ ዝዀንዎ ዓሳክር ኣብ ምጕላል’ውን ተጸምደ። ኰይኑ ግና እቶም ጸግዒ ዀይኖም ክሕግዙዎ ዝሓሰቦም ሰባት ከተኣማምኑዎ ኣይከኣሉን። ነቲ ኣንቂዱዎ ዘሎ ሓሳብ ክውዕሎ እንተ ድኣ ዀይኑ ብውሕዱ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ምስ ሓሳቡ ኽሰማምዑ ኣለዎም። እንተዘይ ኰይኑ ግና ህይወቱ ኽሳብ ትሓልፍ፡ ክብጁዋ ምዃኑ ጨጐራኡ ሓጸቡ’ዩ ተበጊሱ። ንሓሳቡ ኣውሪዱን ኣደይቡ ድማ ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ክማኸር ቅኑዕ ውሳነ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ኣተኰረ። እቲ ሰብ ኣብታ ኣህዱ ብፍሉይነት ባህሪኡ ዝለለ ስቕታኛ ‘ዩ።
ሓርነት፡ ኣብ ዒራዒሮ ኸም መራሒ ጋንታ ዀይኑ ካብ ዝምደብ፡ ዝተፋላለየ ባህርያት ኣብላቱ ተዓዚቡ’ዩ። ንእድሪስ ብዘለዎ ዓቃብነትን ምስ ኵሉ ኣባል ዘይምቅዳዉን ከኣ “ከዐውተኒ ይኽእል’ዩ” ብምባል ሓጸዮ። ነቲ ዓስከር ዝዐዝሞ ግና ኾቶ ሕንቕል-ሕንልቅሊተይ’ዩ ንዕኡ። ሳሕቲ ንሓለፍቱ ብዝገብሮ ተማእዛዝነትን ኣኽብሮትን’ዩ ዝፍቶ፡ እምበር ምስ ኵሉ ሰብ ቅዱው ኣይኰነን። እቲ ግንጢ ምዃኑ ኸኣ ዝያዳ ነቲ ስርሒት ኣሕርዩዎ ይርከብ። ሓርነት፡ “ደኾን እቲ ስቕ ዘብሎ ዘሎ፡ በዚ ህይወት እዞም እስራት ስለ ዘይተሓጐሰ ይኸውን” ዝብል ግምት ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘንበረ’ዩ።
ሓርነት፡ ካብቲ ዝተዋሕጦ ሓሳብ “እሕ-እሕ” ዝብል ትዕብተኛ ቕኒት ሓለቓኡ ተቐስቐሰ። እቲ ሰብ ብማዓርግ ልዕሊኡ ምዃኑ’ዩ። ሓርነት ምስ ገዛእ ነብሱ ካብ ዝዕረቕ፡ ናይ ዘይምቕዳው መንፈስ ኣብ መንጐኦም ጕሂሩ’ዩ ኸሪሙ። ሓረነት፡ ብእኡ ትእዛዝ እንክመጾ ኸሎ፡ ገጹ ሸማዲዱ ኽቅበሎ ስለዝጀመረ ኣብ ክልቲኦም ናይ ምጕርራሕ ወጥሪ’ዩ ዓሪጉ። ኣብ ሽዓ በጺሑ ግና ገጽ ረአ፡ ውሽጡ ዝውሽጡ፡ ኣስናኑ ገሊሁ ብኽብሪ ተሲኡ ሰላም በሎ።
“እንታይ ደኣ ተርኽበ፡ ሎሚስ ገጽካ በሪሁ ሰብ ድማ ኸተኽብር ጀሚርካ፧” በለ እቲ ኢያሱ ዝተባህለ።
“በጃካ ኢለኻ ናይ ዘሓለፈ ኣይተሓዘለይ፡ ጽቡቕ ከምዘይነብርኩ እፈለጥ’የ። ሎሚ ግን ብውሕዱ እቲ ዅሉ ዝሓለፈ ዝገብረካልይ ክረኣየኒ ጸኒሑ። ኢያሱ’ኮ ኣቦ ዅሉ ኣባል ኢኻ፧” ሓረነት ልቢ ዝትንኽፍ ቓላት ኣዝነበ። ኢያሱ ዝያዳ ኻልእ መዓልቲ ባህ በሎ። ዝውደሶን ልሕስሕስ ዝብሎን ስብ እዩ ዝብረሆ።
“የምስግን! ደሓር ብጻየይ እንዲኻ፧ ካብ ቤት ትምርቲ ሳውራ ጀሚርና ዘጥረናዮ ብጻይነት እኮ’ዩ። ብዝዀነ ኣነስ እንታይ እዩ ዀይኑ ተቐይምኒ ኢለ እንድየ ኽሓስብ ከሪሚ።”
“እወ ሓቕኻ ዝዀነ ጽቕጢ ነይሩኒ…!”
“እንታይ ዘጋጠመ ኣሎ ድዩ፧”
“ፍቅሪ ሕዙኒ መስለኒ፡ ፍሉይ ፍቕሪ ብዘይ ተጸበኹዎ ሸነኽ፡” ሓርነት ሓዘንተኛ መሰለ።
“ኣሃ…ሃ! ኣሃህ…!” እያሱ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ዘይማርኽ ቐጢን ሰሓቕ ተጠቕመ። ሓርነት ከይመለሰ ርእሱ ሓኸኸ። እያሱ ዳእላ ንኸይመስል ነቲ ዅነት ኣንፈቱ ኽቕይር ሓሰበ። ነታ ተረኺባ ዘላ ሃዋሁ ናብ ረብሕኡ ከውዕላ’ዩ ዝደሊ። ምስ ሓርነት ብምፍጣጡ ዅሎም ዘርብሑዎ ብኮታት ተዓቢሰሞ’ዩም።
“ማለተይ…! ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ፧ ለኺፉካ ዶ እዚ ፍቕሪ ዝብሉዎ መርዚ፧ ትምኽሓልናዶ ኣይነብርካ፡ ፍቕሪ ሓደ እዩ እናበልካ፧” ሽዕኡ’ውን ሰሓቕ ኣቋሰየ።
“እንሆልካ ኽልተ ምዃኑ ንትምኽሕትና ባይታ ኣዝቢጡዎ።” ትሑት ቅኒት ፈነወ።
“በል ኣለኹ ኽመጽእ’የ ኣስፊሕና ኸነዕልለሉ እና። ሓደ ሓደ መበሊ ኸኣ ይዀነና’ዩ።” ኢሉዎ ናብቲ ዘሀውኾ ጕዳይ ሓዲጉዎ ኸደ። ሓርነት፡ ካብቲ ብጽልኣት ከዕልሎ ዝጸነሐ ምንጋፉ ባህታ እናተሰመዖ ኣዒንቱ ተኺሉ ኣፋነዎ። ዝሓሰቦ ኸተግብር እንተ ዀይኑ ስልቲ ንብዓት ሓርገጽ ክጥቐም ከምዘለዎ ምስ ገዛኣ ነብሱ ዘጽደቖ ውሳነ ኣለዎ።
ሓረነት ቤት ትምህርቲ ሰውራ’ዩ ዓብዩ። ኣብ ሳሕል ጭሩታት ነጻነት ካብ ዝርእይ ጀሚሩ፡ ኤርትራ ሓለፋ ዅላቶም ትብጸሖ ኰይኑ’ዩ ዝስምዕ ነይሩ። ኰይኑ ግና ድሕሪ ነጻነት እቲ ዝምከሓሉ ስርዓት ኣንፈቱ ቐይሩ፡ ምስቲ “መግዛእቲ” ኢሉ ዝኣምነሉ ሕሉፍ ግዝኣታት ገጽ ሓንቲ ሳንቲም ኰይኑዎ። ተጋዳላይን ውድብን ከም ሓደ ኣበር ዘይብሎም ፍጡራት ገይሩ ከምዘይቐረጾ። ነቲ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ቕዲ ብሕልናኡ ኻብ ዝቃወሞ ዓመታት ኣቝጺሩ’ዩ። ኣብ መንጐ እታ እትዕንብብ ስልጣኑን ሕልናኡን ግን ተቐሪቒሩን ነዊሕ እዋን ክሳለ ጸኒሑ። ድሑሩ ግና ሰሓ ሕልናኡ ኸርዊ ቢሂጉ። ነዚ ሎሚ ዝሃንደሶ ሽርሒ ኸኣ ርሑ ኸወፊየሉ ሓሊኑ። ንሱ ሓደ ኻብቶ ወልዶም ኣብ ሳሕል ብመስዋእቲ ዝተፈልዩዎ እዩ። ስነ-ሓሳብ እዚ ሎሚ ኸም ኣድጊ ዘገልግሎ ዘሎ ውድብ ከኣ ኣዕጽምቲ እቶም ዘይፈልጦም ወለዱ ዝወግኦ እናመሰሎ’ዩ ምስ ሕልናኡ እናተቓለሰ ኣሕሊፉዎ። ብሎሚ ጽባሕ ለውጢ እናተጸበየ ኸኣ ዓመት መጸ ብዝሃጐጐ ተስፋ እናነስነሱ ካብቲ መግዛእቲ ዝነበሮ ቛንቛ ጥራይ ተቐይሩዎ።
ነቲ “ዘይክማህ ጅግና” እና በለ ዝንየተሉ፡ ግን ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ምርኰኛ ዀይኑ ዝነብር ዓይነ-ስዉር ሚኒስተር፡ ቃላቱ እንኽሰምዕ ናብ ጸሓይ ኣውጸኦ ኣንቀደ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ንዕኡ ዘደስቶ ቓላት ንኽሰምዕ ከምኡ ምግባሩ ብውሽጡ ሓፈር። ጸኒሑ ግን ካብ ትሕተ ምድሪ ወጽዩ ተናፊሱ ኸኣቱ ኸምዝሕሾ ደምደመ።
እቲ ኻብ ብህጻንነቱ ጀሚሩ ኸም መልኣኽ ዝቘጽሮ በዓል ስልጣ ነበር፡ ብሰብ ክእለ፡ ኣክላቱ ብሰንኪ ዘይምንቕስቕ ዝሰንበአን ብሕሱም ጸላማት ዘዓወሩ ኣዒንቱን ርእዩ፡ ኣእዊ ዝብለ ደፋኢ ሓይሊ እዩ ዝመጾ። ንምዃኑ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከርተት ኢሉ ነጻነት ከምዘይ ኣምጽአ፡ ስለ መሰል ህዝቡ ከምዘይ ተቓለሰ፡ ስለ ወንበር ርእሰ ስልጣናት ስለ ዝተዛረቡ ጥራይ ዝተሰኽተቶ ደልሃመት ምዀኑ ኣደዕዲዑ የፈልጥ’ዩ።
“ኣንስ ክሳብ ኣብዚኣ ምድሪ ዘለኹ’የ ዝእሰር! ካልኣይ ከኣ ስጋይ’ዩ እምበር፡ መንፈሰይ ኣይተሓየረን፡ ወይለኹም ንስኹም ኣካልኩም ነጻ ኽንሱ እሱራት ሕልና፡ ረሲኣን ጐሓሉት!” ወትሩ ኻብ ካብ ኣፍ’ቲ ዓይነ-ስወር ሚኒስተር ዝሰምዓ ተቓጻዒ ቓል’ያ። ልዕሊ እቲ ንሶም ዝእሰሩዎ ኸም ዝእሰር ንሱ ውን ምስ ሕልናኡ ብምፍጣጥ ዝረጋገጾ ሓቂ እዩ። ቃላቱ ኽሰምዕ ከሎ፡ ነተን ኣብ ከላሽኑ ዝተቛጸራ ዓረር ጣምጣም ኣብለን’ዩ ዝመጾ። ኰይኑ ግና ነታ ጸሊኡዋ ዘሎ ርሑ፡ ኣብ ገለ ዕላማ ኸውዕላ’ዩ ሕልሙ። ነተን ብጭካነ ዓዊሩ ዘሕለፈን እዋን እንክዝከረን ዝኽተሎ ሕማቕ ስምዒት’ውን ኣሎ። ዝሓለፋ ግዜ ኽመልሶ እንተዝኽእል ንበሰላ ሕልናኡ ሓግሒጉ ብምስንዳው መንጸሆ። ኣብታ ረፍዲ እቲኣ’ውን ኻብቲ ኸም መቃብር ዝሓስቦ ሸላ ኸውጽኦ ኸሎ፡ ዝተጻዕኖ ንገር ኣሎ። እቲ ሚኒስተር ግና በኣንጻር ብሩህ መንፈስ ኣብ ገጹ ይንበብ። ሳሕቲ ብዛዕባኡ እንከሓስብ ከኣ ይሕርብቶ’ዩ። ንኽንድዚ ዘኣክል ዓመታት ተሓዩሩ ኽንሱ፡ ዘይቕህም ተስፋ ግን ኣብ ገጹ ይንበብዩ።
ሕልናኡ ኻብ ዝመለስ ካብ ሸላ ኣውጺኡ ከዕልሎን ይደሊ ግና ኸይጥጠር’ሞ ዕላማኡ ከይሃረመ ንሱ’ውን ናብታ ጋብያ ከይስኽተት ይፈርሕ። እምበር ነቲ ልቡ ዝሰልል ሚኒስተር፡ ኣውጺኡ ኸም ወላዲኡ ኽሕብሕቦን ከኣልዮ’ዩ ባህታኡ። እቶም ከም ሓለንጊ ዝቓጽዑ ቓላት እቲ ሚኒስተር ግን ክሰምዖም ኣመና’ዩ ዝስቀቕ። ግን ከኣ ይነፍቖም። ኣብዛ ግዜ እዚኣ ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ምቁር ዕላል ኣዕለሉ። ጸኒሖም’ውን ከኽመስምሱ ጀምሩ።
ሓርነት፡ ንዕስራን ትሽዓተን ሰብባ ከውጽእ ከምዝመደበ ክነግሮ ተደናደነ፡ ድሓር ግን ነቲ ሓሳብ ኣቛረጾ። እቲ ኽውንነት ምስተዓወተሉ በቶም ሕዩራትን ምኵራትን ጋዘጠኛታት ብኸመይ ክትንተን ከም ዝኽእል ኣብ ዓይኑ ተሰኣሎ’ሞ ሃሳስ ፍሽኽታ ነጸገ። ነቲ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተዓፈነ ሞያኦም ጽምኣት ብዝነበራ ብርዖም ክትርትሩዎ ተቐጀሎ። እቲ ዅነት ንስምዒታቱ ክብ ከብሎ ተፍፈለጦ። ሓደሽቲ ሓሳባት’ውን ናብ ቖፎ ኣእምሮኡ ወሓዙ። ብኡንብኡ ነቲ ሚስተር ናብ ቦታኡ ኣእትዩ ኣብ ውዲቱ ተጸምደ።
ነታ ንእሱራት ዘምልቈላ ዕለት ከኣ ኣብ ቘጽሊ ወረቐት ኣሰፈራ። መጀመርያ ግን ነቶም ኣካልዊ ብቕዓት ከይሰንፉዎ ዝትሰከፈሎም ሚኒስተራትን ዕድመ ዝደፈኡን ሕዩራት ፖሎቲካ ከውጸኦም’ሞ ዝተርፉ ኸኣ ንጋዜጠኛታት ከውጸኦም፡ ሽዑ መስርዑ ሓልዩ ጸላም ከደኖ ናብታ ዝሃንደሳ ቦታ ኽበጽሕ’ዩ መድባቱ።
እቲ ሽግር ዝዀኖ ግን ናይ’ቶም ‘ፈትነ ህድማ ገይርኩም’ ተባሂሎም ብጽኑዕ ዝተቘለፉ’ዩ። ንዕኦም ከውጽኦም ከምዘይ ክእል ድማ ከይፈተወ ረዓመ።
ንገለ ደቓይ ኣብ ክፍሉ ዘወር በለ። ጸኒሑ ሽጋራ ወለዐ። ኵነት ኣእምሮኡ ኣብ ከቢድ ሓሳብ ከሰጥም ከሎ ዝኽተሎ ነገር እንተ ሃልዩ፡ የማነ ጽጋም ዘወር ምባል፡ ጻዕቒ ሽጋራ ምትካኽ’ዩ ዘዘውትር። ታህዋሳያኑ ምስተናቓቕሑ ኸኣ ንሓስቡ መስረዖም የትሕዞም። ኵነቱ ስምዒቱ ዝኣዘዞ ድማ የተግብር። ኣብ ውሱን ግዜ ኸኣ ብዝሕ ዝበሉ ሽጋራ የህልኽ።
ነታ ናይ መጨርሽታ ኣጥሊቑ ብምስሓብ ሓዂኹ ደበያ። ነቶም ዝተባነጨሩ ጸጕሪ ርእሱ መርጨጮም። ጸኒሑ ካብቲ ቤት ወጽዩ ናብቶም “ጋህሲ ህሉዋት” ኢሉ ዝገልጾ ኣብ ትሕተ መሬት ተደዂኑ ዝረከብ ስፍራ እቶም እሱራት ጋዜጠኛታት ኸደ። ኣብኡ’ውን እንተ ዀነ ኸቶ መንፈሱ ኽረግእ ኣይከኣለን።
ካብቲ ዘነበሮ ዅነት ክወጽእ ከኣ መሊሱ ኻልእ ሽጋራ ኣምጺኡ ኽርቢ ብምሸርጣጥ ወለዐ። ንዓኣ ወዲኡ’ውን ደጊሙ ሰለሰ። ብወገን ባሕሪ ዝመጸ ውዑይ ኣየር ንውነኡ ኸነቃቕሖ ጀመረ። ከመቅጽበት ናብቲ ምስኡ ኽሰምር ዝሓጸዮ እድሪስ ዝተባህለ ኣባሉ ኽኸይድ ኣንቐደ። እቲ ሓሳብ ስለ ዘይካፈሎ ንኽነግሮ እዩ ተበጊሱ። ኰይኑ ግና “ምስጢር ሓደ ትሕቲ መሬት፡ ምስጢር ክልተ ልዕሊ መሬት” እትብል ምስላ ኣብ ሓሳቡ ቝልጭ በለት። ንገለ ደቓይቕ ድማ ሓሳቡ ተማቓቐለ። መሊሱ ግን ነበይኑ ነቲ ስርሒት ከምዘይዓሞ ተገንዘበ። ጕዕዞኡ ኸኣ ናብኡ ቐጸለ።
እታ ዝሓንጸጻ ዕለት እናቐረበት ብምምጻኣ ኸኣ፡ ነቶም ዘይሰኸኑ ፍጻሜታት ከትዓራሪ ኣብ ጽዑቕ ህንደሳ ተጸምደ። ንእድሪስ ድማ ዘጻጸዮ መደባት ኣረኪቡ፡ ናብቲ ብየማነይ ሸንነኽ ዝተደዀኑ ሸናጥሮታትን ዅርባታትን ንቕርጺ መሬት ክስልል ተዓዝረ። ኣብ ጕዕዞኡ ብእድሪስ እናሓሰበ መገዱ ኣፋረቖ። ሓሳቡ ቐሚሩ፡ ንእድሪስ ዝያዳ ኻልእ እዋን ፈተዎ። ንቕሓትን ድልየትን እድሪስ ፈጺሙ ከምኡ ኣይተጸበዮን። ኣብቲ ዕሩብ ሕልና ዝነብርሉ ቦታ፡ ሕልና ዘእጐመ ሰብ ብምርካቡ ኻልእ ተስፋ ጸፈየ።
ኣብ መደቐሲ ኽፍሉ ብምውሳድ ድማ ሓጸር ስልጠናታት ከቅስሞ ጀመረ። እድሪስ ዘይፈልጦም ሚስጥራት፡ ኣግባብ መርሕነትን ስልትታትን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ምስጢራትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክሰነቕ ቐነየ። ሓርነት ብመዓርግ ኰነ ብዕድመ ወላ’ውን ተመዅሮ ኻብኡ ስለ ዝበልጽ፡ ብዓንተቦኡ ነቲ ሓሳብ ልቡ ኣጥፊኡ’ዩ ኽከታተሎ’ዩ ቐንዩ። ውህደታቶም ድማ ብግብሪ ጽባቐኡ ኸሰፍን ተራእየ።
ሓርነት፡ ንእድሪስ መታን ከም ልቡ ክቘጻጸሮም ብቕንያቱ ነቲ ሰመረ ዝተባህለ ምኽትሉ ዕረፍቲ ብምስዳድ ቦታ ምኽትል መራሒ ጋንታ፡ ንዕኡ ሸይሙዎ ቐንዩ። በዚ ምኽንያት፡ መን ኣበይ ዋርድያ ይወጽእ ክልቲኦም ስለ ዝፈልጡ። ኣብታ ናይ መጨረሽታ ሰዓት፡ ንሰለስተ ወገን ብዘይ ሓላዊ ኽፉት ንኽገድፉዎ፡ ነቲ ራበዐይቲን ሓሙሸይትን ከኣ ባዕላቶም ክሓድሩወን ተባላሓቱ።
ልኽዕ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ዀነ። እቲ ኸባቢ’ውን ብፋጻ ዕንጭራርን ኻልእ ደቀቕቲ ፍጡራን ተባሕተ። ካብ ርሑቕ’ውን ናቛ ወኻሩ ሰዓበ። እቲ ሃዋሁ ኸኣ ልቢ ዝድህል ኰነ። ብለይቱ ዝረኣዩዎ ምንንቕስቓሳት ስለ ዘይነበረ፡ ሸቶኦም ክሃርሙ ምቹእ ባይታ ዀነ።
ሓርነት፡ ካብቲ ኽጸናተዎ ዝጸነሐ ተኣልዩ ናብ ኢድሪስ ዘለዎ ቦታ ኽሳጕም ፈለመ። ገለ ሸፋሕታ ዝሰመዐ መዚሉዎ ንየማነ ጸጋም ኣቅባሕብሐ። እቲ ዝተፈጥረ ድምጺ ኻብ ዝወደዮ ጫማ ምዃኑ ድማ ኣጭበጠ። እቲ ዝወደዮ ሳኣኒ ብዝተፈጥረ ቐዳድ ድምጺ የገብር ከምዘሎ ተገንዚበ። ክቕይሮ ንመደቐሲኡ ኸይዱ ብዀንጎ ቐየሮ። ቀጽጺሉ ውን ናብ ኢድሪስ ኣምረሐ።
እድሪስ ኣብ ህይወቱ ተሰሚዐሞዎ ዘይፈልጡ ነብሰ ክብርን ብልጭታ ስልጣን፡ ኣብ ከብሒ ሕልናኡ ኣንከርከሩ። ብዙሓት ሕቶታት’ውን ካብ ውሽጢ ክፍልቑ ኣስተብሃለ። ድሕሪ እቲ ፍጻመ ዘሎ ዕብየትን ክብረን ከኣ ንርእሰ ተኣማንነቱ ክብ ኣበሉዎ። ናብ መንፈሱ ነቲ ንሱ ጥራይ ዝረብሓሉ መትከል ዘራጕዱ ውስኔታት ክመጽእ ንውነኡ ኣዘዘ። ጸኒሖም ከኣ ክለዓሉ ዘልዎም ዃሕኰሕቲ ሕቶታት እናምጹ ቐልቡ ወቐሩዋ። ሰሚዑ ከምዘይ ሰመዐ ከኣ ምስ ውሽጡ ምጕት ተኸለ። ነቶም ናይ ፖለቲካ ተሞኵሮኡ ኸኣ ኻብ መኽዘን ዝኽሩ ክብርብሮም ጀመረ።
“ምናልባት ኣብ ዓለም ስለ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ዓለም ብጅግንነት ዝተዋገአ ቾጎቬራ እንተ ዀይኑ’ኳ። ንዕኡ ዝነቐፉ ፖለቲከኛታት ግን፡ “ብመሰል ሓርነትን ነጻነትን ስሙን ድጕል ረብሓታቱን ዘኻዕብት መራሒ!” እዮም ዝብልዎ። መንደላ’ውን እንተ ዀነ፡ ብሓያለን ሃገራት ምስቲ ዝተገፍዐ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደብስ ነኽምስሉ። ብዝጥዕሞም እዮም ናብ ስልጣን ኣደይቦም። ከምዝጥዕሞም ድማ ኣወሪዶሞ። ክንዮ መጋረጃ ግና ብዙሕ ከምዘሎ እዩ ዝዝንቶ። ኣቲ ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ሓዲድ ንረብሓታት ሰብስልጣን ወይ ንጥርንፉነት ሓይልታት ከምኡ’ወን ንስማውያን ሃገራት’ዩ። ስለዚ…!፧” ንሓሳቡ ኣንጠልጢሉ ሓደጎ። ፍልስፍናኡ ኣመና ደስ በሎ። በቲ ዘለዎ ዓቕሚን ብስለት’ውን ኵርዓት ተሰመዖ። ብእኡ ኣቢሉ ንውሳነኡ ኣንጸር ሕልናኡ ጸመዶ። ሓሳብ ብሓሳብ ክትካእ ከሎ፡ ኻብቲ ዝሰጥሞ ፈንጠዝያዊ ርቀት ሓርነት መጽኡ እንተዘይ ኰልፎ ዝሓደር’ዩ ዝመስል። እቲ ብውሽጡ ኽብሎ ዝጸነሐ ሓሳብ፡ ካብ ሓርነት ዝረኸቦ ብምዃኑ ከምዝሰርቐ ሰብ ቐልባዕባዕ ኣብዘሐ። መሰረቱ ነቲ ዝሰነቖ ሞያ ከም ዘልዎ’ውን ክደግሞ ኣይጸነሐን።
ዘሓንጸጹዋ ሰዓት ሸዓ’ያ። ሓርነት ነቶም ኣካላዊ ድኻም ዘለዎ ኣቅዲሙ፡ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ከውጽኦም እሞ ኣብታ ምስጢራዊ ስፍራ ኣብጺሑዎም ከኣ ናብ እድሪስ ክምለስ እዩ እቲ መደብ። ኣብቲ ቦታ ኣቐዲሙ ብጸላም ከደኖ ኣስታታ ኣርበዓ ኪሎ ዝዀኑ ሓሩጭ ኣቀሚጡ፡ ዘድሊ መሳለጥያታ ብጽፈት ወዲኡዎ’ዩ ቀን’ዩ። ከምኡ ዝስተዩን ገለ ዕሹጋት ጻባ ሳልሳይ ዓለምን። እቲ ፍጻመ ምስ ተጠናቐቐ ኸኣ ናይ ናብራ ሽግር ከም ዘይብሎም ዘተኣማምኑዎ ዅነትት ኣለዉ። ሓርነት ንእድሪስ ሓበሬታ ሂቡ ካብኡ ተፈልየ።
መጀመርያ በቲ ዓነስዉር ሚስተር ጀመረ። በብሓደ ንዅሎም ኣውጺኡ ወደአ። እቶም እሱራት፡ ነቲ ዝጋጠመ ዅነት ክፈልጡ ተሃንደዱ። እቶም ዝበዝሑ ድማ ከም ልሙድ ቦታ ዝቕይሩ መሰልዎም ኣይካበዱን። ድሓር ግን ትርእት ሓርነትን ኵነታትን ከቶ ዘመሳስል ሰኣኑሉ። እቲ ዓነስዉር ሚንስተር ነቲ ኽውነት ክፈልጥ ደጋጊሙ ሓተተ። ዝያዳ ዅሎም ድማ ብድፍረት ምሕታቱ ቐጸለ።
ሕቶታት ምስ ነወሐ ግና ሓርነት ሓጺር መምርሒ ሓበ።
“ኵልና ገጥ ንበል! እመኑ ኣይትእመኑ ክህድመኩም መዲበ ኣለኹ። ክሳብ ካብዛ ሃገር ንወጽእ ዘሎ መስርሕ ኵሉ ሓጽጸዮ እየ። ሓንቲ ካብኹ ዘደልያ ንዘበገስኩዎ ሓሳብ ክትኣምኑለይን ብኽፉት ልቢ ክትሕግዙንን ጥራይ እያ። 29 ሰባት ምሳይን ብጻየይን ከኣ 31 ሰባት ኢና። ያላ ሕጂ ንበገስ!!” ዝብል ብሕሹኽታ ዝተባዕጠ ቅዱው ቅኒት ፈነወ። ፍናን እቶም ሕዩራት ክዕምር ተራእየ። ዅሉ እሱር ንመንፈስ ሓርነት ክርዳእ’ውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ከምዚ ሓዱሽ ዝፍጠሩ ስምዒታቶም ምቝጽጻር ሰኣኑ። እቲ ፍጻመ ኽዕወት እንተ ዀይኑ ግና ኻብ ስምዒት ሓራ ኽዀኑ ነይሩዎም። ነቲ ሓጐስ ዘመንጨዎ ሓይሊኸኣ በቲ ናይ ምውጻእ ድልየት ቐየዱዎ።
ሓርነት፡ ኣብ መገዲ ዘጋንፎም ሽግራት ዘቃልል ንፍሲወከፎም ከከም ሕማሞም በስማቶ ዘዳለዎ መድሃኒታ፡ ኣኣብ ኢዶ ኣረከቦም።
“እቶም ሕማም ሽኾር ዘለኩም እዚአን ተጠቐሙ” ውን በሎም። እቲ ዅነት ክሳብ ክንደይ ተጸኑዑ ብኣጋኡ ንግምታቶም ኣርጐደ። እቲ ጕዕዞ ኸኣ ብውዕዉዕ ተሃን ተጀመረ። ዝበዝሑ ብሰንኪ ነዊሕ እዋን ብርሃን ዘይምርካብ ኣዒንቶ ከምቲ ዝደለ ዘይርእዩ ብምዃኖም፡ ሓደ ሰብ ካብ ጋህሚ ዓይኒ ደሓን ዝዀነ ሓርዩ ኣምረሐ። ካልኦት ከኣ ንዕኡ ተኸቲሎም ኽኸዱ ኣስተኻኸሎም። ንባዕሉ ኸኣ ጐኒ ጐኖም እናኸደ ኸከታተሎ ጀመረ።
ነቲ ዅርባታት ዝበዘሖ ጕዕዞ ድማ ኻብ ዝሓሰቦ ግዜ ንላዕሊ ፍጥነቶም ወሰኹ። እቲ ዘርኣዩዎ ሓይሊ ካብ ግምቶም ንላዕሊ ብምዃኑ ንባዕላቶም ኣገረሞም። ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ኸኣ ኣብታ ምስጢራዊት ስፍራ በጽሑ። ናብታ ዓማቝ በዓቲ’ውን በብሓደ ኽእትዎም ጀመሩ። እታ ስፍራ ስፍሓታን ውሕስነታን ርእዮም ኵላታቶም ተደነቁ። ንዝነብሮም ኣጭርቕቲ ኸኣ ኸንጽፍዎ ጀመሩ። ሓርነት መምርሒ ሂቡዎም ናብቶ ዝተርፉን ናብ እድሪስን ክበግስ ነቐለ። ከምቕጽበት ግን ዘይንቡር ተርእዮ ተዓዘቦ። ኣብ ፊቱ ዝንቀሳቐስ ምስሊ ዝረኣየ መሰሎ። ነቲ ምስሊ ከርጋግጽ ከኣ ኣዒንቱ ኣጽቢቡ ኻብቲ ጽልግላጎ ምስሊ ክፈለ ፈተነ። ጸኒሑ ሸፋሕታ ሰመዐ። እቲ ዝረኣዮ ፍጡር’ውን ሰብ ምዃኑ ኣጨበጠ። ዝዀነ ኽኸውን ሽጕጡ ኣውጸኣ ኻብቲ ዝነብሮ ኸውሊ ወጽዩ ኣብ ብራና’ቲ በዓት ተወጠሐ።
“መን፧” በለ ብድፍረት ምናንልባ ጓሶት እቲ ኸባቢ ኸይዀኑ ኻብ ዝብል ሓሳብ። ሃንደበት ግና ብመትልሑ ዝተጽግዖ በዓል ብረት ከም ዘሎ ኣጭበጠ።
“ንሕና ኣታ!!” ዝብል ዓብላሊ ድምጺ እያሱ ሓለቓኡ ድማ ኣብ ኣእዛኑ ኣቃለሐ። ብኡንብኡ ብኻልኦት ዓሳክር ብጸቱ ተዓትዒቱ ተታሕዘ። ከጥቀዓሉ ዝኽእል ፈተነታት ኣክየደ። ኰይኑ ግና ፈተናታቱ ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ። ኣይደንጐየን ከኣ ኣካላቱ ብማህረምቲ ደንዘዘ። ከም ሕሱም ውን ተገርፈ። መንፈሱ ንዝመጽእ ኣደራዕ ስለ ዘእመኖ ቕንጣብ ስምዒት ከየጕደሉ ሓበሬታ ካብ መሃብ ፈጺሙ ሓከለ። ንነብሱ ሓንሳብ ከም ሞባእ “ንጹሃት ጀጋኑ” ኢሉ ዘኣምነሎም ሕዩራት ስለ ዘወፈያ፡ ንሞት ኰነ ኻልእ ድልው ኰነ። እቲ ኽገብሩዋ ዝኽእሉ ናይ መጨርሽታ ውሳኔ ኸኣ ምርሻን ምዃና ረድዩ ተቐቢልዋ እዩ። ንሱ ብዝገብሮ ከይተጣዕሰ፡ ዝወሰዶ ፍጻመ ንኻሎት ከም ኣብነት ክኽወን ከምዝኽእል መሊሱ ሓይሉ ኣባራተዐ።
“ምስ ተቓወምቲ ወይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለካ ርኸብ እንታይ እዩ፧” እቲ ጸማእ ዝገጹ በዓል ስልጣን ሓተተ።
ሓርነት፡ ከይመለሰ ብንዕቐት ሰሓቕ ደርጐሐ። ኣብ ስምዒቱ ፈጺሙ ናይ ስዕረት ምልክት ከየርእይ ምስ ገዛእ ነብሱ ቓል ኣትዩ እዩ። ኣቃጫጩ ዘናቐጾ መርማሪ ብዝሓዞ ሓለኒ ገረፎ። ምይቝትነ ከይረኣየ ኣከላቱ ጥራይ ኣትረረ። እቲ መርማሪ ድማ ክሳብ ሓይሉ ዝደኽሞ ኣንሃየሉ። ሓርነት ግን ብሰብኣውነት ክጽመም ተረኣየ። ከምኡ እና በሉ ከኣ ንዋርሕ ተራባረቡ። ድሕሪ እዚ ዅሉ ኸኣ ንኽርሸን ተፈርደ።
እታ ሓርነት ዝነብረ ስልጣን (መርሒ ጋንታ) ንእድሪስ ተዋህበቶ። ኣብታ ጋንታ’ውን ተርእዮም ዘይፈልጡ ሕግታት ክተሩ ጀመሩ። ኵሉ ኣባል ከኣ ኣብ ልዕሊ እድሪስ ጽልኣት ከሕድር ተቐሰብ። ብዓንተቦኡ እቲ ምኽትል ሓርነት ዝነብረ ሰመረ፡ ሓንደበት እድሪስ መጽዩ ነታ ንዕኡ እትግባኦ ሰልጣን ብምምንጣሉ፡ ኣብ መንጐኦም ናይ ኣነ ዶ ንስኻ ውድድር ተኸሲቱ’ዩ ቐንዩ። ብዓይኒ ቓጽያ’ውን ክተፋነኑ ወርሑ።
ሓርነት፡ ብጥልመት እድሪስ፡ ናይ ገዛእ ነብሱ ጕድለት ምዃኑ ኣማነ። እቶም እድሪስ ዝገብሮ ናይ ይምሰል ተዋሰኦታት፡ ሓደ ብሓደ እናተገንጸሉ ኣብ ስእሊ ኣእምሮኡ ሰፈሩ። ኣመራርጻ ሰብ ከምተጋገየ ኣሚኑ ኣብ መትከሉ ግና ነቕ ከይበለ ኽሳብ ናይ መወዳእታ ዝርሽንዎ ደቒቕ፡ ነቲ መግረፍቲ ክጻወሮ ኣንቀደ።
ሰንበት ንግሆ ካብ ሸላኡ ወጽዩ ናብ ግልል ዝበለ ቦታ ተወስደ። ሓርነት ብንግሆኦ ካብቲ ዝነበሮ ስቓይ ዝገላገለላ መዓልቲ ምዃኑ ነብሱ ግዲ ነጊሩዎ ተፈሲሁ’ዩ ኣርፊዱ። ብማህረምቲ ኣክላቱ ስለ ዝደንበወ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝእዝዙን ዝርሽኑን ቈይሙ ደው ክብል ኣይከኣለን። ደሓር ግና መግናሕቲ ምስ ጸዓቖ ኣስናኑ ነኺሱ ዝከኣሎ ገብረ። ኣብታ ደሙ ክትፈሰላ ዝቘመላ ቦታ ዀይኑ ምስ ስድራኡን ምስቲ ካብ ዓይኑ ዘይክወል ዓነስውር ሚኒስተርን መንፈሳዊ ዕላል ኣክየደ። ምስታ ዝፈትዎ በዅሪ ጓሉን ሰብይቱን ድማ ገለ ምቑራት ዕላልት ኣውሓዘ።
“ባባ ጅግና ኢኻ! ግን ብጃዕባና ክትሓሽብ ነይሉኻ። ጨካን ፍግሊ ውላዱ ዘይብሉ! መጃእይና እንታይ ይኩን፧ ምሽ ምዕጃው ትምህልቲ ባልጃ ክትወስዲ ክመጅእ’የ ኢልካኒ፧ ንምንታይ ትሕስወኒ፧” ድምጺ ጓሉ ብልስሉሱን ኰርታፍን ላህጃኣ ንኣእዛኑ በሓተቶ።
“‘ኪዳን ክቡር እዩ’ ዶ ትብል ኣይነበርካ፡ ኪዳንካ እንተትሕሉ ዶ ኣይመሓሸን፡ እምበኣር ክምእምንን ክሕይምን ፈሪድካኒ፧ በይነይ ደቕኻ ኸዕብየልካ፧ መን ተወቐኻ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነብሱ ፍትዩ እምበር ጠፊኡዎ ድዩ ከምኡ ምግባር!፧ እቲ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ዝርሽኑኻ ዘለዉ ሰባት ቕኑዕ ከምዘለኻ ጠፈኡዎም ድዩ፧ ግና ደቆም የፍቅሩ’ዮም። ህይወቶም ከኣ ተግድሶም’ያ። በሓቂ ተፍቅረና ይመስለኒ ነይሩ፡ ለካ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ ኢኻ፧ ኣሕሕሕሕ!!” በቲ ዝፈትዎ ድሃያ ኣብ ከብሒ ሕልናኡ ዀይና ኣጣረዐቶ። ብዅሎም ኣብ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ተራ ዘለዎም፡ ዝተጨራርሑ ድምጽታት ኣንጐድጐዱ። ሰሪቡ ዝጸነሐ ንብዓት ካብ ዓይኑ ረገፍ። ስዕረቱ ከይረአ ግና ሃሳስ ፍሽኽት ኣቛሰያ። ኣብ ቖፎ ሕልናኡ ኻልእ ሕፍስ ዝበለ ድምጺ ኣቃለሐ።
“ሓርነት! ንሕናኸ ውላድ ይብልናን ክዳን የብልናን፡ ኣብ ዕጹው ገዛ ማይ ዘቕብል ዘይብላ ኣደ፡ ዝማእመነት ሰብይቲ፡ ኣያ ዘይብሎም ኣሕዋት። ኣይገደፍናን ዲና። ከምታ ዝጀመርካያ ብጅግንነት ንዓና ምሰል። ካልኣይ ከኣ እዚ ዘይተዓወትኹ እናበልካ እትቝዝሞ ኣቋርጾ! ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ብሰንኪ ጥልመት እድሪስ ተታሒዝካ፡ እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ግን ገይርካዮ ኢኻ. ቕሰን…! ቕሰን…!” ዝብል ደሃይ ብዙሓን ንሓረኑ ሓፍ ኣበሎ። ንብዓቱ ውን ኣሻቡ ነቐጸ። ካብቲ ዝጸነሖ ሕልናዊ ምኽክር ቀርማዕማዕ ብዝብል ድምጺ ከላሽን ተዀልፈ። ናብቲ ዝትዀሰሉ ብጻዩ ከኣ ኣዒንቱ ተኸለ። እድሪስ ብጸጋም ኰይኑ ክእዝዝ ጀመረ። ምኽተል መራሒ ጋንታ ነቲ ፍጻመ ከዘይ ተቐበሎ ኣብ ገጹ ተነበ። ነታ ብጐኑ ዘንበራ ብረት ኣልዒሉ ንእድሪስ ደሙ ከፍስሶ ተራእዮ። እቲ ብሓልዮትን ምኽሪን ዀስዂሱ ዝዐዕበዮ ሓርነት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ደሙ ክፈስስ ገዛእ ሕልናኡ ክማጐቶ ጀመረ። ሓርነት ሓንሳብ ናብ ሰመረ ጠሚቱ ዘለዎ ሃዋሁ ኣንበበ። ፍሽኽታ’ውን መጠወሉ። ሰመረ ብጽንዓት ሓርነት ተሓበነ። ከምቲ ናቱ ሓረን ክህሉዎ’ውን በሃገ። ከጥሪ ከምዝኽእል ከኣ ንውሽጡ ኣነቓቐሐ። ሓርነት ዝድሕነሉ ወይ ካብቲ ኵነት ዝወጸሉ ኣብታ ሰዓት’ቲኣ ካብኡ ምዃና ነጸረሉ። ክሰርሖ ዝኽእል እንተለዎ ኣብ ከቢድ ሓሳቡ ሰጠመ። እድሪስ ግን ነታ ትእዛ ከመሓላልፋ ጀመረ። ጸጠታ እቲ ኸባቢ ሰብ ከም ዘይብሉ ሽው ሽው በለ። ንሓጺር ደቓይቕ ኣብ መጐኦም ሰቕታ ኹነ።
“ንምትዃስ ተዳሎ!” ረባሺ ድምጺ እድሪስ፡ ነቲ ጸጠታ ሰበሮ። እቲ ንኽርሽን ዝተዳለወ ዓስከር ፈጥፈጥ እናበለ ቃታኡ ኣመዓራርየ። ነታ ኻብ ትዕደሎ ሰብ ጥዒማ ዘይትፈጥ ጠበንጃኡ፡ ኣብ ደረት ሓርነት ጸመዳ። ነቲ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ተራ ዝነበሮ፡ ፍቱው መራሒ ጋንታኡ ነበር፡ ክቐትል ርእሱ ምርጋእ ኣበዮ። እታ ትእዛዝ ንኻልእ ሰብ ክትወሃብ በሃገ። ወይ ናብቲ ዝእዝዝ ዘሎ ከቕነዓ ተመንየ። ኰይኑ ዓቕሙ ተደረተ።
“ተዅስ!!” ዝብል ፍንፉን ደሃይ ካብ እድሪስ ወጸ። ኣብ ወጅሂ ሓርነት ከኣ ሓጐስን ዓወትን ደሚቑ ተነበ። እቲ ወተሃደር ግና ነቲ ቓታ ኽስሕባ ምስ በለ ኣንፈጥፈጠ። እድሪስ ካልኣይ ትእዛዝ ሃበ። ሽዑኡ’ውን ኣጽብዕቱ ክእዘዘኦ ኣይከኣላን። ቐንበይበይ ክብሉ ዝጸንሑ ንብዓቱ ኽረግፉ ተራዩ። ሓርነት ዝተጸበያ ጽዋእ ደንጐየቶ። ብዓይኑ “ተዅሰለይ” ዘተባብዕ ዝመልእኽዩ ቘላሕታ ኣሕለፈ።
እድሪስ፡ ነታ ሒዙዎ ዝጸነሐ ብረት መንጢሉ ክትዅስ ምስ በለ ስመረ ኣብ መትልሕ እድርስ ሓንቲ ጥይት ኣውደቐ። እታ ተዓሚራ ዝጸነሐት፡ ሒዝዋ ምስ ወድቐ ናብቲ ከውሒ እሳታ ተፈአት። እቲ ኸባቢ ብሓያል ረጽሚ ምስ ተጋጨወ መቓልሕ ፈጠር። ብዝተቓጸለ ባሩድ’ውን ብሽታ ሃድሃደ። ሰመረ፡ ብረሃጽ ተሓጽበ። ኣስናኑ እናሓርቀመ ናብ ክልቲኦም ብጸቱ ጠመተ። ኣብ ገጽ ክልቲኦም ክቱር ስምባደ ኣንበበ። ኵነተ ስምዒቱ ኣብየናይ ጥርዚ ከምዘሎ ተደባለቖ። ናብ ክልቲኦም ድማ ብረቱ ኣውሃሃደ። ንፍሱ ወሲኹ ንዅሎም ከዕርቦም ሓሳብ ውትፍ በሎ። መሊሱ ግን ብውሽጡ ዝደፈኦ ንኽንኽታ ኣስመዕ። ንሓጺ ግዜ ምስ ነፍሱ ቅልስ ኣክየደ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ናይምግራም ስምዒት በርኸ። ሓርነት ግን እድሪስ ብምማቱ ፍጹም ዕጉብነት ሰኣነ። ነየነይ ከቐድም ኣብ ማንታ ሃዋሁ ተጸምደ። ነታ ተተዂሳ እትቐትሎ ጥይት ክትቕልጥፎ ተሃወኸ። ናይ ተዅስ መልእኽቲ ብገጹ ደጊሙ ኣዘዘ። ሰመረ ብረቱ ናብ እድሪስ ብምውራድ ኣብ ደረት ኣፍልቡ ደገሞ። ብኡንብኡ ዓገግታ እድሪስ ተሰምዐ። ከመቕጽበት’ውን ትንፋሱ ሓለፈት። መቝሕ ሓርነት ብፍጥነት ተፈትሐ። ሓርነት ካብ ሬሳ እድሪስ ጫማ ፈቲሑ ሳእኒ ወደየ። ብፍጥነት ሰለስቲኦም ካብቲ ኸባቢ ተሰወሩ።
ንዖም ንምትሓዝ ከኣ ብዙሓት ኣብላት ሰራዊ ተዋፈሩ። ኵሉ ኼላታት ብጹዕ ተረረ። ኣብ ኵሉ ከተማታ’ውን ጽዑቕ ግፋ ተፍትሽን ተኻየደ። እንትርፎ መዓልቶም ዘሕለፉ መእሰያት ግና ኸቶ ዝተረኸበ ኣይንበርን።
ድሕሪ ሰላስተ መዓልቲ ብዓዲ ቐይሕ በቲኾም፡ ጸሮና ተራእዩ። ኣብ ከባቢ ጸሮና ከምዘልዉ ድማ ብገለ ሰባት ተሓበረ። ኣብቲ ኸባቢ ኸኣ ሓዱሽ ሓይሊ ሰራዊ ተዘርአ። እቲ ኸባቢ ብጽኑዕ ክፍተሽ ጀመረ። ውሱናት ሰላየ’ውን መረብ ሰጊሮም ካልእ ፍተሻ ኣክየዱ። ግና ተስፋ ዝህብ ኣሰር ሰኣኑ።
ሓርነትን ብጸቱን ዝተሸጒጡላ ስፍራ፡ ብዝይካ ኣዕንቶም ካልእ ዘርኢ ብዘይምንባሩ ተኣማመኑ። ኣብኡ ውን ውዒሎም ሓደሩ።
ሓንደበት ድምጺ ሸፋሕታ ተሰምዐ። ሓርነት ክሳዱ ወርዊሩ ከረጋግጽ ኣቕባሕብሐ። ኣብ ልዕሊኡ ዘንጠጠየ ግሩም ወተሃደር ከም ዘሎ ኣረጋገጸ። ንኸይርእዮም ከኣ ትንፋሶም ከሓብኡ ናይ ኣጽብዕ መልእኽቲ ኣሕለፈ። እቲ ወተሃደር ንየማን ገጹ ተበገስ። ሃንደበት ተዓንቂፉ ሸተት ምስ በለ፡ ብእግሩ ዝረገሖ ደንጐላ ናብታ ዘለዉዋ ብምንዅርውራዋ ኣብ እንግድዓ ሰመረ ዓለበት፡ “ህእእ” ዝብል ዒሕታ ሰመረ ጐሊሑ ተሰምዐ። ሓርነት ብፍጥነት ናብቲ ዓስከር ብረቱ ኣቕነዐ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተፋጠጥ ኰነ። እቲ መንእስይ ንወጥሩ ናብ ፍሽሕታ ለዊጡ ኢዱ ሓፍ ኣበለ። ኢዱ ብምንሳእ ብንጹህ ልቢ’ውን ምስኦም ሓበረ። ሰራዊት ዘልውዎን ኣቃውማ እቲ ኸባብን ድማ ንጹር ስእሊ ሂቡ መርሒዎም ኣብ መሬት ኢትዮጲያ ተርእየ። ብኡንብኡ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መዕከናት ዜና ብኦም ከጋወሓ ቐንያ። ኰይኑ ግና ዝደበቕዎ ምስጢራ ነይሩ’ዩ። ንውሕስነት ህይወቶም ብምባል ዝሸሸጉዎ ድጕል ምስጢር። እቲ ፍጻመ ኣብ ኵነተ ስምዒት ሓርነት፡ ብዘይ ምልኡነት ኣጕሉ ቐንየ። ድሒሩ ግን ካልእ ተስፋ ኣቛቘመ። ብእኡ ኣቢሉ’ውን መንፈሱ ኸጠናኽር ጀመረ።
ክቡራት ኣንበብቲ፦ ንኽትጽውዖ ዝደለኻ ስምዒት፡ ንኸተበራብሮ ዝሓሰብካ፡ ድቁስ ሕልና! ዓው ኢልካ ኣይኰንካን ተስምዖ። እንታይ ደኣ ብቛንቛ መንፈሱ ወይ’ውን ሰብ ኣብ ክንዲ ብዝዕባ ቓንዛ ከትረደኦ ምፍታን፡ ከትቐንዝዎ ምኽኣል ዝያዳ ትርጕም ይህልዎ። ነዚ ተሪሩ ዘሎ ልብና ሓቂ ብዝመስሉ ግን ክትቐብሎም ዝኸብዱ ግድን ከኣ ክትቅበሎም ዘለኻ፡ ፍጻሜታት ኣብ ስምዒቱ እንተ ኣጐድካሉ ደኾን ልቢ ይርከብ ይኸውን ብምባል’የ ኣብ ጥበበይ ከምዚ ዕዮ’ዚ ዘዓየኹ። ነዚ ዝበስዕ ሓይሊ እንተሎ ከኣ፡ ጥበብ ጥራይ። ምስ ኣንበብኩማ ሕሰቡ እምበኣር ኣብ መንጎ ምእማናን ዘይምእማናን ከይትቕርቀሩ። ሕልናኹም ግን ፈትሹ። ቅድሚ‘ዚ ዘለናዮ ዓውለማ፡ ሓደ ጸሓፊ ብነዋሕቲ ኣስካላታት ናብ ሰማይ ከምትሓዅር እተዘንቱ መጽሓፍ ጺሒፉ ነይሩ። ካብታ መጽሓፍ ዝተበገሱ ሊቓውንቲ ከኣ ናብ ካልኦት ፕላኔታት ክኸዱ ኣንቐዶም’ዮም።