ኣቡዳቢ
ፋና፤ መርሓባ ወዲ ጉዕኖ ዓቢ ሰብ!
ወዲ ጉዕኖ፤ ኣህለን ወ ሳህለን ፍቕሪ ቀደም፡ ሰላምዶ፧ … ኣቲ ጓል፡ ኣብዚ ‘ፈይስቡክ’ ሰላምታ እናብዛሕክን ስእልታት ቀደም እናለጠፍክን እኮ ፍቕርኺ ምውጻእ ኣብዩኒ – እደግሰኒ’ሎ፣ ምሽ ሰለስተ ‘ባምቡሩሻት ባምቢኒ’ ወሊድክሉ ነቲ ዝመንጠለኒ ሽላ ሰብኣይኺ፣ ጠንጥንዮ እንዶ፡ ሓንሳብ ከብርዮ ኣነ፧! ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ፍቕርኺ ኣይወጸለይን ዘሎ። ወላ’ኳ ትጽቢት ናተይ ነዊሕኪ ንእኡ እንተ ተመርዓኺ፡ ሰናይ ምንዮተይ ገሊጸ ነይረ። ሕጂ ግና ብሓቂ ደልየኪ። ‘ኮይስ’ ትብልኒ እንተ ኾንክስ፡ ኣፋቲሐዶ ክምርዓወኪ፧!
ፋና፤ ኣየ ወዲ ጉዕኖ …! ክሳዕ ሕጂ ንፍቕርን ሓዳርን ትምነየኒ ምዃንካ ኩሉ ግዜ’ዩ ዘደንጽወኒ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደስ እብለኒ ክሳዕ ሕጂ ክሕተት ምኽኣለይ። ግን፡ ሓደራኻ እንዶ’ዚ ናተይን ናትካን ፍቕሪ፡ ‘ዘኢትነገር-ክዱን-ብኣፈ-ስላሴ’ ኢልና ንደምድሞ። ‘ኣጋፐ’ ፍቕሪ እዩ ኢልና ገጉዕዞና ንግበር።
ወዲ ጉዕኖ፤ እስከ ክሓተኪ፡ ምስ ነብስኺ ዘይትዕረቒ፧ ድሕሪ ሓዳርኪ፡ ጨቢጥኪዮዶ እቲ እትሓልምዮ ዝነበርኪ ጽባቐ ህይወት፧ በጺሕኪዶ እቲ ተኽእሎታት ዕብየት፧ ምስ ሰብኣይኪ ብምዃን ሓኹርክዮዶ መሳልል ሰብኣውነት፧ ….. ዘይኣኽለኪ ኣብ ዘይትዓግብሉ ምንባር፡ ፍቕረይ ተለመኒ ንዒ ናባይ። ስምዕዮ ባህግታትኪ — ኣይትዕጸውዮ መሳኹቲ ልብኺ፣ ተረድእዮ ህንጡይነትኪ — ኣይትዕበጥዮ ብሓይሊ፣ ዘርግሕዮ ራእይታትኪ — ኣይትጓዕጽጽዮ ብጐደሎ ሓዳርን ናብራን።
ፋና፤ ኣታ ወዲ! ባህግኪዶ ህንጡይነትኪ እናበልካ ኣይተተሃራርፈኒ። ንዓይ፡ እምነት – ማእከል ህልውና እዩ። እምነት፡ መትከል ህይወትን እንታይነትን እዩ ወዲ ጉዕኖ! ብእምነት ክቀውም እደሊ። ጽባቐ ህይወት – ምልኣት ፍቕሪ ዝበልካዮ፡ ኩሉ ስጋ ተላቢሱ ኣብቶም ባምብሩሻት ደቀይ ረኺበዮ። ብመትከል ምስ ሓዳረይ ደኣ! ብተስፋን እምነትን ንተኽእሎታት ህይወት ክእልሽ’የ። ስማዕ ‘ንዶ ወዲ ጉዕኖ ዘንጋር፡ ቁም ነገር ንዛረብ። ኣብቲ ኢሪትሪያን ሊትሪቸር ብኣምሆ ዝተጠቐዓ ዛንታታት ከመይ ረኺብካየን፧ ኬፍ ዘሎወን ምሽ፧! ኣነስ እቲ ርዱእን ብሩህን ምዃነን ፈትየዮ። ከምኡ’ውን እተን ክልተ-ሰለስተ ግጥምታት፡ እቲ ንጹርነተን ይምስጠካ። ኣይመስለካን፧
ወዲ ጉዕኖ፤ ካብ ጉዳይ ደግሲ ፍቕሪ ዝዓቢ ቁም ነገር’ኳ ኣይነበረን። … ሓቅኪ፡ ሰሓብቲ ዛንታታት ኮይነን ረኺበየን፣ ወላ’ውን እተን ግጥምታት። ጽቡቕ ተተሪኸን፡ ጉዳይ ቋንቋ ገዲፍኪ።
ፋና፤ ንሱስ ኣብ ገለ ገለ ናይ ፊደላት ሕድገት ዝረኣኹ መሲሉኒ። ግን፡ ኣብቲ ዛንታታት ከም ዝተዓዘብኩዎ፡ ብዙሕ ካብ መሰረታውያን ባእታታት ስነ-ጽሑፍን ተክኒካዊ ቀመማትን ኣካቲቱ ነይሩ። እንተኾነ፡ ማዕረ ክንድዚ ድዩ እሩም ኣጠቃቕማ ቛንቛ ብዘይምንባሩ ነቲ ቅርጺ ሰይሩዎ ‘ትብል፧!
ወዲ ጉዕኖ፤ ምግናን ደኣ ከይመስለኪ’ምበር፡ ዋሕዚ ኣናብባይ እናተዀልፈ ንምስትምቃረይ ምሉእነት ኣይሃቦን። ዝሓለንካዮ ዛንታ ብመልክዕ ሓጺር ዛንታ ንምጽሓፍ፤ ቴማ፡ ትልሚ፡ ገጸ-ባህርያት፡ ምከና፡ ትረኻ፡ ዲያሎግ፡ ቃና … ወዘተ. ዝበሃሉ ባእታታት ስነ-ጽሑፍ ከምኡ’ውን ውስጠዘ፡ ምእማት፡ ምንጽጻር፡ ሰባዊ፡ ጥቅስታት፡ ኣሽሙር፡ ሽምጠጣ፡ ግርምቢጥ … ወዘተ. ዝብሃሉ ቀመማት ጽሑፍ – ነዞም ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ስነ-ጽሑፍ ስለ ዝተጠቐምካ “ሩፍ” ክትብል ማለት ኣይኮነን …
ፋና፤ ዝተረፈ ደኣ ጉዳይ ምቅንባር ይኸውን እምበር፧!
ወዲ ጉዕኖ፤ ኣብ መንጎ ዘረባይ ኣይትኹለፍኒ፡ ዝኾለፍክኒ ፍቕሪ ይኣክል! መጀመርታ፡ ኣዋህልሊ። … ኣብ ፈተነ ምጽሓፍ ዛንታ፡ ነዞም ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ስነ-ጽሑፍ ማለት ባእታታትን ቀመማትን ስለ ዝተጠቐምካ “ሩፍ” ክትብል ማለት ኣይኮነን። ሽሕ’ኳ ስነ-ጽሑፍ ብተበላሓትነትን ናጽነትን ዝምዕብል እንተኾነ፡ ክጉሰዩ ዘይክእሉ መትከላት ግና ኣሎው። መልክዕ ዛንታታትካ ዝውስኖ፡ ውጽኢታዊ ኣጠቃቕማ ቛንቛ እዩ። እርኑብነት ኣተሃናንጻ ምሉኣት ሓሳባት፣ እሩም ስርዓተ-ነጥቢ፣ ምዝማድን ምውሃድን ሓረጋት፣ ግቡእ ኣሰኳዂዓ ቓላት፣ ቅኔ /ዕምቈት /ስምዒት ዝፈጥሩ ቓላት ምንዳይ፣ ቃናኻ ዘንጸባርቁ ቃላት ምዝውታር፣ ቅርጥዉነት ሓሳባት፣ መጠነ ስጓመ ጽሑፍካ ንምሕላው መጐታዊ ሓሳባት ምንጻፍ… ወዘተ. ከተካውን ቀሊል ኣይኮነን።
ፋና፤ እሞ፡ ፈተነ ጽሑፍ ማለት ስነ-ጽሑፍ ሲ ዓውደ መጽናዕቲ ቛንቛ እዩ በለኒ። ለካ ቴድሮስ ኣብርሃም፡ ኣብቲ መእተዊ ጽሑፋቱ፡ እዚ “ፈተነ” ንሓጺር ዛንታ እዩ ኽብል!
ወዲ ጉዕኖ፤ ስነ-ጽሑፍ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓውደ መጽናዕቲ ቛንቛ እዩ! እወ፡ እቶም ክልተ ክፍልታት ስነ-ጽሑፍ ምስዚ ጉዳይ ቋንቋ ከነላፍኖ ኣሎና። ሓጺር ዛንታ ይኹን ግጥሚ ምህናጽ ዳርጋ ‘ኤክስፐሪመንታል’ ዓይነት እዩ።
ፋና፤ ስለዚ ተውህቦ ጥራይሲ ኣኻሊ ኣይኮነን፧!
ወዲ ጉዕኖ፤ ስነ-ጥበባዊ ተውህቦ ደኣ ግድነት እንድዩ፡ እንተኾነ ጥበባዊ ብልሒ፡ ብዙሕ ንባብ፡ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት፡ ተመክሮ … ወዘተ. ካብቶም ክስገሩ ዘይክእሉ ረቛሒታት እዮም።
ፋና፤ ቋንቋ ፍቕሪ ጥራይ እየ ዝሰምዓልካ ነይረ’ሞ፡ እንቋዕ’ባ ኣይተመርዓኹኻ! ነዚኦምን ከምዚኣቶምን ከተቓምም ክትብልስ ነዓይ ቀመም ሂወት መጉደልካለይ ምነበርካ። ሓቂ ክነግረካ፡ ዝኾነ ሰብኣይ — ጸሓፋይ ይኹን መራሒ ወላ ፈላስፋ — እቲ ምሕቋፍ፡ ምስዓም፡ ምሕብሓብ፡ አፍቅረኪ’የ ምባል ኣመና ንደልዮ ኢና፡ መዓልታዊ።
ወዲ ጉዕኖ፤ ስቅ’ስከ በሊ መህረፊት! ብዝኾነ፡ ብስነ-ቋንቋ ማስተርስ ከምኡ’ውን ፒኤችዲ ክመሃር ወጢነ ስለ ዘሎኹ፡ ክሳዕ ወዲ ኣርበዓ ዓመት ዝኸውን ናይ መርዓ መደብ የብለይን’ሞ፡ ምናልባት እንተ ተፋታሕኪ፡ ኣሸበሸብ ዝሓቱ ኣይሰኣኑን እዮም’ሞ ‘ፕሪሞ’ ኣሎኹ ኣነ።
ፋና፤ ኣሃሃ … ኣላ ወዲ ጉዕኖ ሽኮር! ኣብታ ‘ላቭ ስኴር’ ክምርዖ’የ እሞ ጻዕዳ ይጽናሕኪ ኢልካ ኣፋንወኒ ክብለካ ኸለኹ፡ ዘአንፈትኩልካ ምኽንያት መፈላለይና ኣየቓለብካሉን ማለት’ዩ። 15 ዓመታት፡ ዕላማታት ክትብል’ባ እተን ‘ትፈትወን መማህርትኻ፡ ኩለን ተመንጢልካ። … እሞ ናብ መበገሲ ዘረባናዶ ክንምለስ ወዲ ጉዕኖ በዓል ዘይክማህ ዕላማታት፧ … መልክዕ ዛንታታትካ ዝውስኖ፡ ውጽኢታዊ ኣጠቃቕማ ቛንቛ እዩ፤ ከም ኣተሃናንጻ ምሉኣት ሓሳባት፡ ስርዓተ-ነጥቢ፡ ምዝማድን ምውሃድን ሓረጋት፡ ግቡእ ኣሰዃዂዓ ቓላት … እዩ ኢልካ ኔርካ፧
ወዲ ጉዕኖ፤ ሓቅኪ፡ መበገሲ ዕላለይ’ውን ኣብ ባእታታትን ቀመማትን ስነ-ጽሑፍን ስነ-ደግሲ ፍቕርን ከተኲር ዘይኰነስ ኣብተን ዝተጠቕዓ ጽሑፋት፡ ገለ’ቲ ስዋስው ምትዕርራያት መድለየን ብዝብል ሕያዋይ መንፈስ እዩ። ዓቕሊ ጥራይ ተሓባበርኒ’ምበር ኣብነታት እናሃብኩ ክሳዕ ተምባህቊ ክገብረኺ’የ።
ፋና፤ ኣብሽርካ!
ወዲ ጉዕኖ፤ ንኸይትደናገሪ፡ ነቲ ቅኑዕ ስዋስው ኣብ ዕጹው ሓጹር ማለት’ዚ ምልክት []፡ ነቲ ዝተራእየ /ዝዝውተር ጌጋታት ድማ ኣብ ክፉት ሓጹር ማለት’ዚ () እናገበርኩ ክጽሕፈልኪ’የ።
ፋልማይ፡ ኣብ ስዋስው ቋንቋ ትግርኛ፡ ሓደ ምሉእ ሓሳባት (ዓረፍተ-ነገር) ከምዚ መልክዕ ኣሎዎ።
[በዓል ቤት — ተሰሓቢ — ግሲ]
ተሰሓቢ ኣካል፣ ስም /ክንድ ስም /ቅጽል ክኸውን ይኽእል። መስተዋድድን መስተጻምርን ኣብ መንጐኦም ወይ ቅድሚኦም ክኣቱ ይኽእል፡ ከከም ኣድላይነቱ።
ኣብ ቀዳማይ ኣካል ማለት ብዛዕባ’ቲ ዝዛረብ ዘሎ ኣካል እንተ ዀይኑ [እ] ከነዘውትር ኣሎና። ሳልሳይ ኣካል እንተ ዀይኑ ግና [ይ] ክኣቱ ኣሎዎ። ስለዚ፥
[ኣነ ጉዕኖ እብሃል]፣ [ንሱ ጉዕላይ ይብሃል]
ኣብዚኣ ከነስተብህለላ ዘሎና ከኣ [እብሃል /ይብሃል] ደኣ’ምበር (እበሃል /እባሃል /ይበሃል /ይባሃል) ኣይግባእን። ኣብ ክንዲ “በ፡ ባ” ዘሎ “ብ” ክዝውተር ኣሎዎ።
ፋና፤ ሕጂ ግርም! ቀጽል።
ወዲ ጉዕኖ፤
ስም ክበዝሕ ከሎ [ኣሕዋት /ኣዕሩኽ /ኣእዳው] ደኣ’ምበር (የሕዋት /የዕሩኽ /የእዳው) ኣይኮነን።
ካብ ቅጽል ወይ ግሲ፡ ስም ከነውጽእ እንተ ደሊና፡ ነታ መወዳእታ ፊደል ናይቲ ቃል ናብ ሳድስ ቀይርና “ነት” ነእቱ። ኣብነት ክኾነና [ዓለማዊ = ዓለማውነት]፣ [ስዲ = ስድነት]፣ [ናጻ = ናጽነት] … (ዓለማዊነት /ስዲነት /ናጻነት) ኣይበሃልን።
ኣዛመድቲ ቅድመ ጥብቆ [ዝ] [እ] ጠቕላላ ክርስዑ የብሎምን። ኣብነት፥
[እቶም እንምህሮም ህጻናት] ደኣ’ምበር (እቶም ንምህሮም ህጻናት) ኣይኮነን።
[እታ ነዊሕ ዝመሓውራ ሰበይቲ] ደኣ’ምበር (እታ ነዊሕ መሓውራ ሰበይቲ) ኣይግቡእን።
[ምዕባለ /ስልጣነ /ፍጻመ /ውሳነ /ምጣነ] ደኣ’ምበር (ምዕባሌ /ስልጣኔ /ፍጻሜ /ውሳኔ /ምጣኔ) ክዝውተር የብሉን። ካብ ቋንቋ ግእዝ ብቀጥታ ዝተወስዱ ቃላት ግና ብ“ሓምስ ፊደል” ክውድእ ይኽእል። [ቅዳሴ /ውዳሴ /ጉባኤ /ቡራኬ]
ፋና፤ እታ ትግርኛ፡ ሓንቲ ቋንቋ ክንሳ ግን ኣብ ጽሕፈት ንምንታይ ብዙሕ ጌጋታት ይረኣይ፧
ወዲ ጉዕኖ፤ እቲ ምኽንያት ምስ ግእዝ፡ ትግረ፡ ዓረብኛ፡ ኣምሓርኛ ብዙሕ ርክብ ወይ ቅርበት ስለ ዘሎዎ ከይኮነ ኣይተርፍን።
[እናደበሉ፡ እናሳዕስዑ፡ እናፈከሩ] ደኣ’ምበር (እንዳደበሉ፡ እንዳሳዕስዑ፡ እንዳፈከሩ) ኣይኮነን። ናይ መደጋገሚ ጥብቆ “እና” ክጸሓፍ ኣሎዎ። እንዳ ገርግስ /እንዳ ማርያም /እንዳ ማንታይ ኢልካ ግን ይጸሓፍ። (እንተተሳኢንዋ /እንተተሰሚዓትኩም / ከምዝነበረት /ምስኣካፈለኩዋ) ብከምዚ መልክዕ ክጸሓፍ ኣይግባእን። [እንተ ተሳኢንዋ /እንተ ተሰሚዓትኩም / ከም ዝነበረት /ምስ ኣካፈለኩዋ] ፍንትት ኢሎም ክጸሓፉ ይግባእ። ብፍላይ እቲ ዳሕረዋይ ቃል “ግሲ” ምስ ዝኸውን። ንኣብነት፥ [ንሱ ዘይ ኮነ]
እቶም ቃላት መስተዋድድ ወይ መስተጻምር ምስ ዝኾኑ ግና ክለግቡ ኣሎዎም። ንኣብነት፥ [ዘይኮነ ኣይትግበር]
ፋና፤ እሞ፡ ፈተነ ጽሑፍ ማለት ስነ-ጽሑፍ ሲ ዓውደ መጽናዕቲ ቛንቛ እዩ በለኒ።
ወዲ ጉዕኖ፤ ትኽክል፡ ኣይተጋገኽን። እዚ ስዋስው ጥራሕ ኢና ዘርዚርና (ስዋስው’ውን ኣይተወደአን ገና) ደኣ’ምበር ንዳሕራይ ንዝርዝሮም ኣሎዉ ከም እሩም ስርዓተ-ነጥቢ፣ ምዝማድን ምውሃድን ሓረጋት፣ ግቡእ ኣሰኳዂዓ ቓላት፣ ቅኔ /ዕምቈት /ስምዒት ዝፈጥሩ ቓላት ምንዳይ፣ ቃናኻ ዘንጸባርቁ ቃላት ምዝውታር፣ ቅርጥዉነት ሓሳባት፣ መጠነ ስጓመ ጽሑፍካ ንምሕላው መጐታዊ ሓሳባት ምንጻፍ… ወዘተ.
*****
1 Comment
waw kesilwo