AMAN TEKESTE W.
2ይ ክፋል
መግብና ወዲእና ካብቲ ካፈ ብምውጻእ፡ ኣርከበ፥ “በሉ ኣነ ክሸይን ኢየ፣ ድሕሪ ሰዓት የራኽበና፡ ናይ ሰዓት 1፡15 ሓንቲ ናይ መወዳእታ ክላስ ኣላትኒ።” ብምባል ገዲፉና ንየማን ገጹ ከይዱ። ጸሓይ እንተ ተጸለና ብምሕላን ኣነን ገምሃሎን ኣንፈትና ናብ ‘ላቭ ስኴር’ ብምግባር፡ ጸባብ መሕለፊት መገዲ ሓሊፍና፡ ኣብታ ሕምብርቲ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝኾነት ‘ላቭ ስኴር’ በጻሕና። ኮፍ ኢልና ሓንቲ ደቒቕ ኣይጸንሐን ግን ገምሃሎ፡ ካልኦት መማህርትና ክሓልፉ ምስ ረኣየ፥ “ሕጂ ምስዚኦም ኴንካ ምጽናዕ እሕሸኒ ካብ ምሸት ምስ ብዓል ንስኻ ሓውለይቶ ቍኒን ዝብል፡” ብምባል ተፋኒዩኒ ከይዱ። ኣብቲ ፋልማይ ዓመታት ዩኒቨርስቲ፡ ቀንዲ ነጽናዓሉ ዝነበርና ቦታታት፥ ‘ኦዲተርዩም’፡ ‘ዶግዓሊ’ ወይ ‘ኒው-ሆል’ ኢዩ ነይሩ። ዳሕራይ ኣብ መፋርቕን ምዝዛምን ዓመታት ጉዕዞና ግን ኣብቲ ቀንዲ ካምፓስ ወይ ድማ ‘ላውንጅ’ ብምዃን እናተዛናጋዕና ኢና ነጽንዕ።
ንኽንምሳሕ ክንስራዕ ከለና 12:15 ድ.ቀ ከም ዝነበረ እዝክር። ተመሲሕና ወዲእና፣ ሰዓተይ ረኣኹ፡ ገና 12:55 ድ.ቀ። ነቲ ከባብየይ ደጊመ ተዓዘብኩዎ። ፊተይ፡ ‘ዶግዓሊ’ ዝብሃል ክፋል ዩኒቨርስቲ ንኮለጅ ስነ-ሕጊ፡ ስነ-ቊጠባ፡ ስነ-ጋዜጠኝነት ዝጥርንፍ፣ ብመልክዕ ፊደል “ጋ” ዝተደኮነ በዓል ክልተ ደርቢ’ዩ። ካብዚ ስፍራ ክሳብ’ቲ ኮሌጅ ናይ ልዕሊ ሚእቲ ሜትሮ ቊመት፡ ከባቢ 30-40 ሜ ድማ ውርዲ ኣቢሉ ዝኸውን ቃልዕ ቦታ፡ ብማቴነላ ዝተነጽፈ ጽሩይን ስሩዕን ኮሮደዮ ናይ መመረቒ ስፍራ ምዃኑ’ዩ። ንሸነኽ ጸጋመይ፡ መገዲ ‘ኦዲተርዩም’ ንዝብሃል ግፍሕ ዝበለ ኣዳራሽ ተዋስኦ መሰል ክላስ፡ ሜዳ ቮሊቮልን ባስኬት ቦልን፡ ቤት-መጽሓፍቲ ዓይነ-ስውራንን ይርከቡ። ዩኒቨርስቲ ከምዚ ሕጂ ብሓደስቲ ተማሃሮ (fresh) ከይጸመዎ ኸሎ፡ ሸበድበድ ‘ፍረሻት’ ዝረኣየሉ መንገዲ’ዩ ነይሩ እዚ ከባቢ። ዝገደሙ ተማሃሮ (seniors) ኣብዚ ዘሎኹዎ ቦታ ኮይኖም ነንዝጎየዩ ሓደስቲ ተማሃሮ፥ “ፍረሽ…! ፍረሽ…! ፍረሽ…! … ፍረሽ ደንባር፡ ኣርክብ ተረባረብ!” እናበሉ የጣቕዕሎምን ይሕጩጭሎምን ነይሮም። ብድሕረይ መደቐሲ ደቂ ኣንስትዮ፡ መመገቢና ካፈ፡ ‘ኮለጅ ኦፍ ኤጁኬሽን’፡ ‘ኣርትስ ኤንድ ሶሽያል ሳይንስ’ ይርከብ። ኪኖኡ ድማ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ፡ ‘ኮለጅ ኦፍ ሄልዝ ሳይንስ’፡ ‘ፋካልቲ ኦፍ ኢንጂነሪን’ ኣሎ። ብየማነይ ድማ ላውንጅ (እንዳ ሻሂ)ን መደቀሲ ዓይነ-ስውራንን ይርከብ። ካብቲ ዘሎኹዎ፡ ንስያፍ የማነይ ብመንጐ ዶግዓልን ላውንጅን ጌርካ ናብቲ ቀንዲ /‘ሜይን ካምፓስ’ ዝብሃል ዝወስድ’ዩ። እዚ ቀንዲ ህንጻ ዩኒቨርስቲ፡ ሓደ በይዝመንትን 4 ደርብታትን ዝውንን ብቅርጺ መረባዕ “ዐ” ዝተሃንጸ ኢዩ። ኮረደዮታት’ዚ ህንጻ፡ በብጽምዲ ብዝተቐመጡ፡ ካብ ሕድሕዶም ብግምት በብኽልተ ሜትሮታት ዝተፈናተቱ ከባቢ 132-136 ዓንድታት ኣሎዉ። እዞም ዓንድታት፡ ዝተጸርቡ እምኒ-ዓረ (granite) ኮይኖም፡ ቊመቶም ኣስታት ሰለስተ ሜትሮ ይበጽሕ። ካብ ቀዳማይ ደርቢ ናብ ካልኣይ፡ ሳልሳይ ክትድይብ ከለኻ፡ ዝበዝሕ መናድቕ’ቲ ህንጻ ብስነ-ጥንታዊ ስእልታት፡ ስእልታት ብዝፈጥሩ ሕንጻጻት (sketches) ዝወቀበ እዩ።
ኣዕሩኽተይ ካብ ዝገድፉኒ ደቓይቕ ሓሊፉ። እዛ ‘ላቭ ስኴር’፡ ስፍሓታ ዕስራ እመት ብዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ብራኼኣ ከኣ ሰለስተ እመት ኣቢላ እትኸውን፥ ጽምብል፡ ትልሂት፡ ምምራቕ ተማሃሮ፡ ካልእ ጥርናፈታት … ወዘተ. ዝካየደላ ቦታ’ያ። ኣብዚ ዘለኹዎ ቀው ኢለ ዝጥምቶም ዝነበርኩ መሓዙት፡ መታዓብይትን ካልኦት ተማሃሮን — ገሊኦም ዘጽንዑ፡ ዘዕልሉ፡ ዝስሕቁ፡ ሞባይሎም ዝጥውቑ … ዝነበሩ ርእየ ገለ ስምዒት ወረር ኢሉኒ። ብሓሳባት ናብ ርሑቕ ሕሉፍ ገሽኩ። ንድሕሪት ዓሰርተ ዓመት ተመሊሰ (1996)፡ ተዘክሮ ‘ሃይስኩል’ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተቐጀለኒ። ዝበዝሑ ናይ ሽዑ መማህርተይ ኣበይ ከም ዘለው ኣይፈልጥን፣ ዘይንፈላለ ዝመስለና ዝነበረ ርድኢት ዘኪረ፡ “ዓለም…!” በልኩ። ካብዚ ዘለኹዎ (2006) ኮይነ ንዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት፡ ‘ህይወት ኣበይ ኰን ተዕልበና ትኸውን?!’ ኢለ ኣብ ሓሳብ ኣተኹ።
ካብቲ ኮፍ ኢለዮ ዝነበርኩ ላቭ ስኴር፡ ጉዳይ ምስትንታን ህይወት ገዲፈ፡ ተንሲአ ሻሂ ንኽሰቲ ናብ ‘ላውንጅ’ ገጸይ መረሽኩ። ካብ ካፈ ይኹን ‘ኦዲተርዩም’ ወይ ‘ዶግዓሊ’ ብላቭ ስኴር ጌርና ናብ ቀንዲ ‘ካምፓስ’ ንኸይንኸይድ እናዓገተት ተሸግረና ዝነበረት ቦታ ‘ላውንጅ’ እያ። ብህዱእ ሙዚቃ ዝተሰነየ ሃዋህው’ታ ቦታ እንተስ ንሻሂ ወይ ንዕላል ኢልና እንተወሓደ ንሓደ ሰዓት ንፈልየላ። ኣፋፌት ‘ላውንጅ’ ምስ ረገጽኩ፥
“ፍትሓዊት – ድያ ዕድል? /ንሳ ድያ ትህብ – ንሳ ድያ ትኽልክል? /ዕድልካ ከተጸብቕ – ትበላሓት ዕድልካ ክትመርሕ /ጻማ’ሎዎ ጻዕሪ – ኣትሪርካ ትሰርሕ /ኣብየት ትጽመሞ! – ነብስኻ ትገንሕ /ኣብ ባሕሪ ሓሳብ – ተምሲ ተውግሕ!” እናበለ እቲ ኤርትራዊ ብሉጽ ዘያሚ ይዝይም ነይሩ። በቲ ዝምስጥ ቅኒት’ቲ ሙዚቃ፡ ፎኲስ ሰሓቕ ደቂ ሄዋን፡ መዝሙር ኣግራብን ጨራሩን ናይቲ ከባቢ ተቐናቢሩ ዘይፈልጦ ስምዒት ወሪሩንስ ውነይ ምስቲ ባህሪ ተወሃሃደ – ኩሉ ሓደ ኰነ። እቲ እዋን ቅነ መዓልቲ ናጽነት ብምንባሩ፡ ብመለኮታዊ ሓይሊ ውነይ ምስ ባህርይ ተቓኒዩ ሰፈፍ ይብለሉ ኣብ ዝነበርኩሉ ህሞት ካብቲ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ወጺኤ ብከባቢ ባር ትብለጽ … ዩኒቨርሳል ሆቴል … ጃልያ … ኣብ ዝባን ካቴድራለ ዓለብኩ። ኣብቲ ዝባን ካቴድራለ ኮይነ ብርሁው ሰማያት ኣስመራ፣ ሰቐጥቀጥ ዓርኮብኮባይ ኮምሽታቶ፣ መዝሙር ንፋስ ብቤት ገርጊሽ፣ ውቁባት ህንጻታት ኣርትዴኮ ኣስመራ፣ ጻዕዳ ዝኽዳነን ኣዴታት፣ ሰብ ባድላ ኳዕናናት ኣቦታት፣ ሸወንወን ኣዋልድ ኣስመራ፣ ህርመት ልቢ ነጋድያን መዓልቲ ናጽነት ….. ርእየ መንፈሰይ ስለ ዝዓገበ ብፍጥነት ብርሃን ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመለስኩ። ካብቲ ዘንሳፍፎ ዝነበርኩ ህዋ ሰለል እናበልኩ ወሪደ ናብቲ ኣብ ኣፋፌት ‘ላውንጅ’ ተዓኒዱ ዝነበረ ኣካላተይ ክትት ኢለ መላእኩዎ። ዓይነይ ምስ ከፈትኩ፡ ክልተ ኣእዳወይ ብመልክዕ ጋድም ንቅድሚት ዘርጊሐ ከም ዝነበርኩ ኣስተብሃልኩ። ነብሰይ ጠራኒፈ፡ ንሸነኽ የማን ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ዝርከቡ እምነ-በረድ ኮፍ መበሊ፡ መብዛሕትኡ በብጉጅለ ኮፍ ኢሎሞ ስለዝነበሩ ናብ ሓንቲ በይና ዝነበረት ጓል ተኣልየ፥ “ነብሲ፡ ሰብ ኣለኪ ድዩ?” በልኩዋ።
“እንድዒ ንዓይስ ኣይረኣየንን’ዩ ዘሎ፣ ንዓኻ’ኸ?” ኢላ ኮፍ ንኽብል ብኢዳ ኣመልከተትለይ። ብመልሳ ፍሽኽ እናበልኩ ተመዓድየ ኮፍ በልኩ። ማእከላይ ዝቑመታ ቀያሕ ቀጣን ኢያ። ጻዕዳን ጽገሬዳዊን ዝሕብሩ ኳድራቲ ካምቻ ምስቲ ጌራቶ ዝነበረት ጸሊም ጅንስ ስረ ነቲ ብቅርጺ ማንካ ዝተዃነየ ዝመስል ጐሎኣ – ብሓፈሻ ንቚመናኣ ኮሊዑዎ ነበረ። ጋዜጣ ተንብብ ኔይራ፣ ብእዋኑ ክዛረባ ኣይመረጽኩን፣ ኣድህቦይ ናብ የማነይ ዝነበሩ (ሓሙሽተ ተመሃሮ ኢንጂነሪን) ገበርኩ። ደገፍቲ እንግሊዛውያን ክለባት ማንቸስተር ዩናይትድን ቸልስን ምዃኖም ካብ ክትዖም ኣለልየዮም። ሓደ ገጹ ማይ እንዳ ኣቡነ እንድርያስ ዘይተሓጽበ ዝመስል (ፈጻግ) ወዲ፤ “ሞሪኖ ሰብኣይ’ዩ፣ ናይ ዓወት ሰብ እዩ። ግደፎ እንዶ…! ጥበብ ጸወታ የብሎምን ወላ ገለ ኣይትበል …! መገሰም! ዓለም ናይ ዓወት ኢያ። ኣብ ቀዳሞት ዓመታቱ ብበዓል ፈርጉሰን ተባሒቱ ዝነበረ ፕረሚየር-ሊግ …”
እቲ ዘረባ ዘላደየና ስለ ዝነበረ ኣንፈተይ ናብቶም ጸጋመይ ዝነበሩ ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ቁሊሕ ምስ በልኩ፡ ሓደ ካብ ጸጉሪ ነጻ ዝኾነ ርእሲ ዝውንን ወዲ፤ “ትማሊ ደኣ …. ትብል ፊልም እንድያ ነይራ ኣብቲ ሃማመተኤ እምባጋሊያኖ …..”። ናብቲ ማዕዶ ጠመትኩ፥ ሰደቓ ቴንስ ዝጻወቱ፡ ብኽልተ ሰለስተ ኮይኖም ዘዕልሉ ረኣኹ። ኣብ ግዜ ፈተናታት ብዛዕባ ፈተና ዝዛረብ የለን፡ ኩላ ካልእ እያ እትዛረብ። ….. ንኽልተ ደቓይቕ ዝተፈለኹዋ ጓል ሄዋን ብምጥማት፤ “እዛ ጋዜጣ ናይ ሎሚ ድያ? እንታይ ድኣ ሓዳስ ኤርትራ ክልተ ቈጽሊ ወረቐት ድያ ኰይና?!” ፊል ፊል ዝብላ ክልተ ወረቐት ሒዛ ምንባራ እናገረመኒ ሓተትኩዋ። መጽናዕቲ ስለ ዘጽላኣኒ፡ ወይ ዝንበብ ወይ ዕላልስ ደልየ ነይረ።
“ኖ! እተን ዘገድሳኒ ክልተ ዓምድታት ብዓል ካርቱን፡ ግጥምን ገለ ኣገዳሲ ዓምዲ ዘሎወን ወረቐት ፈልየ’የ ዝወስድ። እቲ ዝተረፈ ነተን ፉል ዝሽቅጣ’የ ዝህበን።” ጸሊም ፍሬም ዘለዎ ጻዕዳ መነጽር ወድያ’ያ ተንብብ ነይራ። ኣምብሬላ ቅዲ ጸጉሪ ርእሳ ኣራንሾኒ ሕብሪ ብምውናኑ ምስቲ ካምቻኣን ገጻን ዝኸይድ ኢዩ።
“ኦኬ! ሎሚ-ኸ እንታይ ገለ ፍሉይ ነገር ኣሎዋ፡ ማለት ዝጠቕም ሓሳባት?”
“ምግራም ምንጪ መሃዝነትን ስልጣነን ምዃኑ ፈላስፋታትን ካልኦት ሊቃውንቲን ይሕብሩ፣ ንሕና ኤርትራውያን ግን ኣብ ምግራም ሓያላት ኣይኰናን፣ ክንግረም እንተ ንጅምር ኣብዚ ዘሎናዮ ጥራይ ደው ክንብል ኣይምኸኣልናን ይብል ኣሎ።” ተምሳጥ ብዘይብሉ መገዲ ኣንበበትለይ። ጠመተትኒ። ዓይኒ ንዓይኒ ተጋጠምና። ኣጠማምታኣ ርእሰ ተኣማንነት ኣሎዎ። ብዛዕባ’ቲ ዘንበበትለይ፡ ዝኾነ ክብላ ከም ዝደለየት ገመትኩ።
“እንታይ ትብሊ ንስኺ-ኸ? ማለት ብሓቂ ምግራም ጥራይ ምንጪ ስልጣነ-ዶ ትብሊ?” ንዝበዝሓ ኣዋልድ’ዚ ዩኒቨርስቲ ብማዕዶ እፈልጠን’ኳ እንተኾንኩ፡ ነዚኣ ግን ኣይዘከርኩዋን። ሻሂ ከምጽእ መዲበ’ ኳ ‘ተነበርኩ፡ ምዕላላ መሪጸ።
“ንዝኾነ ነገር መደምደምታ ዝገብር ኣይብረሃንን’ዩ። ምግራም ክንብል ከሎና ብናይ ደገ ድፍኢት ተደሪኽካ እትወስዶ ስጉምቲ እዩ። ኣነ ግን ናይ ደገ ድፍኢት ዘይኰነስ ናይ ውሽጢ ድፍኢት እዩ ዘገድሰኒ … ማለት ህንጡይነት (curiosity) ። ምሽ ኣለካ …! ዝባላዕ ዘንድድ ድልየት (will) ፡ ውጥምና፡ ህርፋን ክህሉ ኣሎዎ እብል ብወገነይ። ቅድሚ ምግራም ምባልና ህንጡይነት ንበል፣ ‘ኦብጀክቲቭ ትሩዝ’ ክንብል እንከሎና ‘ሳብጀክቲቭ ትሩዝ’ ዝብል ‘ኮንሰፕት’ ንመልኣሉ፣ ‘ራሺናሊዝም’ ክብሃል ከሎ ‘ኢማጂኔሺን’ ይዘከር። ምህናጽ፡ ምምሃዝ ክንብሎ ከሎና ምፍጣር እውን ንበል። ብርግጽ ድርኺት ህይወት፡ ሓድሽ ንምፍጣር’ዩ። ሂወት ማለት ለውጢ እንደኣሉ።”
“ኣገላልጻኺ ማራ ኬፍ ኣለዎ። ስውጠት ኣለዎ። ብዝኾነ ኣነ ጉዑላይ እብሃል፡ ኣዕሩኽተይ ወዲ ጉዑኖ እዮም ዝብሉኒ። ካብ ኢንጂነሪን ዲፓርትመንት’የ። ምስ ነብስኺ እንተ ተላልዪኒ ደስ ምበለኒ!”
“ኦኬ፡ ብሌን እብሃል። ስነ-ቋንቋ እየ ዘጽንዕ። ምስ ብዓል ቾምስኪ ገለ’የ ዝውዕል። ከምዚ ንስኻትኩም ነገራት ኣለጋጊብኩም ክትሃንጹ ትደልዩ፡ ንሕና’ውን ፊደላትን ቃላትን ብሕጊ ቋንቋ ምምርማርን ምድላውን’ዩ፡ እምበርከ ቋንቋ ማለት ኩሉ’ዩ፡” በለትኒ።
“እስከ … እስከ፡ እንታይ ማለትኪ’ዩ ቋንቋ ማለት ኩሉ’ዩ ክትብልኒ ከለኺ?” ብሓቂ ምጭውቲ’ያ። ፈትየያ።
“ንሰብ ሰብ ዘበሎ ግስጋሰ እንተልዩ ምፍጣር ቋንቋ እዩ። ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ፡ ቅድምን ድሕርን ኢልና ክንፈሊ እንተ ኴንና፡ እቲ መቃሊ ርእሰ-ነገር ቋንቋ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ስልጣነ ሰብ፡ ቅድምን ድሕርን ቋንቋ ኢልካ ክትረኽ ይከኣል።
“እዚ ግን ንሕቶይ ዝምልስ ኣይኰነን?!”
“ንዓለም ብመገዲ ቋንቋ ኢና ንርድኣ። ቅድሚኡ ግን፡ ኣብ መንጐ “ምግንዛብ /perceive”፡ “ምርዳእ”፡ “ርድኢትካ ምትግባር” … ኣብ ኣእምሮና ክስርሑ ከለዉ ሰንሰለታዊ መስርዕ ኣለዎም። መጀመርያ፡ ብኣዒንትናን ክልኦት ህዋሳትናን ገለ-ነገር ንግንዘብ /ነቓልበሉ። “ዝተገንዘብናዮ” ነገር ወይ ኩነተ-ዓለም ብናይ ኣእምሮ መቕረጺ ተመስሪሑ፡ ዝኾነ ቅርጺ ሒዙ “ርድኢት” ይፈጥር። ኣብ ኣእምሮ፡ ተፈጥሮኣውያን ረቛሒታት (faculties) ኣሎው፡ ንዝኾነ ዝመጽእ ግንዛበ ነናቱ ትርጉም (ርድኢት) ዝህቡ።”
“ንዓለም ብኸመይ ንርእያ ዝውስኑ ገለ ረቛሒታት ኣብ ኣእምሮና ኣሎዉ?”
“እወ፡ ባህርያዊ ረቛሒታት ኣሎው። እዞም ረቛሒታት ስለ ዘሎዉ፡ ኣእምሮ ከም መቕረጺ ወይ ከኣ ብእንግሊዝኛ ሞልድ ኢዩ ዝብሃል። ሰባት ኣብ ሓንቲ ነገር ነናቶም መንጽረ-ጠመተን ኣረዳድኣን ዝህልዎም ምኽንያት፡ እቲ መቕረጺ ኣእምሮኣዊ ሞልድ ስለ ዝፈላለ እዩ። እዚ ኣእምሮኣዊ ሞልድ ብእንምገቦ፡ እንነብሮ ኣካባብያዊ ተፈጥሮ፡ ወይ’ውን ብእንወስዶ ‘ድራግ’ ክጽሎ ይኽእል። ነቲ ገለ-ነገር፡ በቲ ዝመስለና ምስ ተረዳእና፡ ርድኢት ብወገኑ ናይ “ምምዝዛን ክእለት” ይሃንጽ። እምበኣር፡ እዚ ናይ ምምዝዛን ክእለት እዩ፡ ኣእምሮ ንዝተገንዘቦ ጸኒሑ ርድኢት ንዝኾነ፡ ኣርቲዑ ደምዳሚ ባዕላዊ ሓቂ (Subjective Reality) ዝህብ። እዚ ኣብ ዓለም ዘለና ባዕላዊ /ውልቃዊ ኣረኣእያ ከም ተመኲሮ ኮይኑ ብተግባርና፡ ጽሕፈትና፡ ዘረባና ናብ ዓለም ነንጸባርቆ። ብፍላይ’ኳ እቶም ጽሓፍቲ፡ ዝዀነ ዝጽሕፍዎ ዘበለ፡ ነጸብራቕ ውሽጦም እዩ። ስለዚ፡ ህላወናን ሓሳባትና ብቋንቋ ዝተሃንጸ እዩ። ብዘይ ቋንቋ ዝምስረት ሓቂ የሎን። ቋንቋ ንወድ-ሰብ ኩሉ’ዩ፡ መተካእታ የብሉን።”
ጽባቐኣ ኣብ ደጋዊ ትርእይታ ጥራይ ዘይኮነስ ፍልጠትን ዕምቈትን እውን ኣሎዋ፣ ደስ እትብል ሄዋን ኮይና ረኺበያ። ንስነ-ጥበብን ፍልስፍናን ትእልሽ ሄዋን እረክብ-ዶ ኾን?! ኢለ ዝምነዮ ዝነበርኩ ዝረኸብኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣርከበ ክላሱ ወዲኡ ክመጸና ተሃንጠኹ። ከምዚ ዝኣመሰለት ሄዋን ኣጋጢማትኒ እንተኢለዮ፡ “እምበኣር ኣብ ምውጉሑ’ዩ፣ እምበኣር ክወግሕ’ዩ” ከም ዝብለኒ ኣዳዕዲዐ እፈልጥ’የ። ምስ ኣርከበ ብጉዳይ ደቂ-ኣንስትዮ ብዙሕ ግዜ ተኻቲዕና ኣለና። ንዓይ፡ እተን ዝበረኸ ደረጃ ጽባቐ ፍጥረታት ዝኾና ደቂ ሄዋን ኢየን። መልክዕ ሂወት፡ ቅኒት ናብራ’የን። ኣተኣላልማ ቃላት፡ ኣተሃናንጻ ዛንታ እንተ ዚከኣለኒ ምስቲ ናይቲ ዓቢ ደራሲና እትመሳሰል ኣርእስቲ መጽሓፍ፥ ‘ጽልዋ ጽባቐ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ጉዕዞ ታሪኽን ትርጉም ምንባርን’ ትብል ምደረስኩለን። ወይ ከኣ ‘ተራ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ምጥምዛዝ ጉዕዞ ታሪኽ’።
ኣብ ትሕቲ’ቲ ሰቐጥቀጥ ዝብል ዝነበረ ኣግራብ ላውንጅ ኮፍ ኢለ ምስ ብሌን ሻሂ እናሰተኹ ነዊሕ ከዕልል ሃረፍኩ። “እንታይ ከምጽኣልኪ? ካፑቺኖ? ሻሂ ምስ ኬክ?”
“ኖ ደሓን ሻሂ ኣምጽኣለይ ‘ተደሊኻ፡ ኣቐድም ኣቢለ ኮካ ክሰቲ ጸኒሐ’የ።”
ሻሂ ከምጽእ ተንሳእኩ። ዕድል ጌረ ሪጋ ስለ ዘይጸንሓኒ ብእዋኑ ሰሊጡኒ። ሻህን ኮካን ሒዘ፡ ብሌን ከይትበረኒ ወይ ሰባት ከይምንጡሉኒ ብቕጽበት ተመለስኩ።
“ሓዚ በሊ ሻሂኺ! … ደንጉየ’ዶ?”
“ኖ ሰሊጡካ’ምበር። ሎሚ ደኣ እንታይ ወሪዱዎም!? እዚ ሻሂ፡ ናብራ … ናብራ ኤርትራ ጥዒሙ። ብዘይኩኡ ናብራ … ኲናት ኮይኑና ዘሎ።” ነቲ ሻሂ ምስ ጠዓመቶ፣ ጣዕሙ ምስ ናብራ ኤርትራ ምዝማዳ፡ ብልበይ “እዚኣስ …! ገለ ክትብል’ያ” እናበልኩ ኣርእስቲ ቀየርኩ። “ስምዒ እንዶ ብሌን! ምስ ስነ-ቋንቋ ጥራሕ ዝኸይድ መጽሓፍቲ ከም ናይ በዓል ቾምስኪ ገለ ዲኺ ተንብቢ ወይስ ካብቲ ሆራይዘን ቅሚጦኺ ተሳጊርኪ ካልእ ተንብቢ ኢኺ? ማለት ሊትረቸር ጥራሕ ዲዩ ተንብብዮ ወይስ ፍልስፍናዊ ሓዘል’ውን ልክም ተብሊ ኢኺ?”
“ምንባብ ብምንታይ ፈቲኺ ‘ተልካኒ፡ እቲ ዓቢ ሓወይ ኣንቢብያ ኢሉ ዝሃበኒ ‘መግዛእቲ ስኞራ’ ትብል ቁንጽብቲ ግን ጣዕመ ላዛ ዘለዋ መጽሓፍ እየ። ፍልስፍናዊ ሓዘል ሊትረቸር እፈቱ’የ። ንኣብነት፦ ኣልበርት ካሙስ ‘ዘ ስትረንጀር’፣ ጂብራን ከሊል ‘ዘ ፕሮፌት’፡ ሳርተረ ‘ኖ ኤግዚት’፡ ካፍካ ‘ዘ ሜታሞርፎሲስ’ ወዘተ. ኣንቢበ ኣለኹ። በቲ ድንቂ ብልሒ ሰባት፡ ስነ-ጥበብ ክፍጠር ከሎን ዋሕዚ ስነ-ፍልጠታዊ ምህዞታት እርደኦ ምህላወይ ደስ ይብለኒ። ንስነ-ጥበብ ግዚኡን መሃዝነቱን ዘወፊ ብሓቂ መቐረት ህይወት’ዩ – ብፍላይ ግን ጽሓፍቲ።” በለት ገጻ ብኢዳ እናደረዘት። ምዉቕ ሕቍፎ ወለዲ ከም ዘስተማቐረት ኣብቲ ልምሉም ምዕጉርታ ይርአ። ሕብሪ ዓይናን ሕብሪ ደርጊ ስናን ሓደ’ዩ – ቡናዊ።
ሓደ ወዲ ዲፓርትመንተይ ናብቶም ስግርና ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ እናምረሐ ከሎ ስለ ዝረኣኹዎ “ኢሂታ በርኔንተ! እታ መጽሓፍ ገለ ደኾን ኣብ ቦታኣ ኣይመለስካያን…?! ቁሩብ እባ ነዞም ከምዚ ኸማይ ሕለየልና።”
“‘ፍራንክሊ’ ምሳይ የላን። ቀደም ዝመለስኩዋ፣ ምስ መለስኩዋ ገሊኦም ድማ ሓቢኦማ ይኾኑ። እዛ በርኔንተ ግን ዘይትገድፋ፣ ማራ’የ ዝጸልኣ። ካብ በርኔንተ ደኣ እታ ናይ ማስተር ሽም ዘጠመቐኒ እንዶ ትሓይሽ – ገረሃርያት፡” በለ ዓርከይ። ማስተር፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ መምህር ናይ ፊዚካል ኢጁኬሺን (ስፖርት) ዝነበረ፣ ቀደም ብቮሊቮል ኣብ ኢትዮጵያ ዝጻወት ዝነበረ’ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቀንዲ ዝፍለጠሉ ግና በቲ ንዝተፈላለዩ ተመሃሮ ንምጽዋዕ ዝጥቀመሉ ኣሽማት’ዩ።
“ከም ትጸልኣ ፈሊጠ እንድየ ደኣ ዝብለካ ዘለኹ። እሞ ሻሂ ገለ ክንብል፡ ተዘይኰይኑ ኪድ ጥፋእ … ዚዓርከይ!” ሓንቲ ኣገዳሲት መጽሓፍ ናይ ላይብረሪ፡ ዓመት ምሉእ ካብ ደቂ ዲፓርትመንትና ሓቢኡ፡ ንብሕቱ ክጥቀመላ ዝረኣዩ መማህርትና፥ “እቲ በርኔንተ ደኣ ምስ ‘ዳዊቱ’ ኢዩ ዘሎ” ይብሉ።
“ፒኮሎ፡ ኣሚኮ ነዓ ንፓቨሬታ ሂወታ ሻሂ ኣስትያ።” ሂወታ መጺኣ ነቲ በርኔንተ ሻሂ ኣስትየኒ ክፈለለይ ኢላ ካባና ኣልያቶ። “ሂወታ ሽኮር፡ መቸም ንኹሉ ተማሃራይ ከም ለጋስ እያ ትፈልጦ፡ እዋን መሃያ ግዲ ዘይኣኸለ ኮይኑ’ዩ መስለኒ ነዞም መምሃራን ኣይሓተቶምን ሎምስ።” በልኩዋ ንብሌን እናጠመትኩ። ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብ1958 ብደናግል ካቶሊክ ኢዩ ተመስሪቱ። ሂወታ ኣብዚ ዩኒቨርስቲ ምስተን ደናግል ዓብያ፡ መዋእላ ኣብዚኣ’ያ። ምሉእ ነብሳ ቀያሕ ጽብቕቲ ሰበይቲ እያ። እዛ ዩኒቨርስቲ ብኩሩብኤል ዝተሓጽረት ገነት ኤደን’ያ ንዓኣ። ምሸት ምሸት ነዚ ኩሉ ክፍልታት ባዕላ እያ መብራህቲ እተጥፍኦ።
ምስ ሂወታ ምስ ከደ፡ ኣተኩሮይ ናብ ብሌን ጌረ፡ ገለ መዛረቢ እንተኾነኒ ብምባል፥ “ትፈልጢ ንሓንቲ ጽቡቕ ዝቕርጻ ተማሃሪት ‘ሄልዝ ሳይንስ’፡ ሓደ ዓርኩ ነዚኣ’ባ ንፍቕራዊ ዕርክነት ሕተተለይ ምስ በሎ፣ ‘እዋእ ተሓቲታ ሕራይ ትብል ተዀይናስ ነዓይ’ዶ እንታይ ምበለኒ’ዩ!?’ ብምባል ሓቲቱዋ። ሕጂ’ውን ተታሒዘ’የ ዘሎኹ ምስ በለቶ … እንታይ ኢሉዋ መስለኪ … ደሓን’ሞ ሬፍ ኣሎኹ (ሪጋይ ክጽበ’የ) ኢሉዋ።
“ኣሃሃሃሃ። እምባእ …! ሓደ ክሬዚ ኢዩ በለኒ!?”
“ናቱ ይሓይሽ ተታሒዘ ኣሎኹ ዝበለቶ። ሓደ ኣብዚ ዶርሚቶሪ ዝድቅስ ገብራይ ዝስሙ ተመሃራይ፡ የዕሩኽቱ ግደፍ እናበሉዎ፡ ንሓንቲ ካብዚ ኣርት ኤንድ ሶሽያል ሳይንስ ገለ ትመሃር ሓቲትዋ። ጓለያት፡ ዓቕምካ ፍለጥ ኢላቶ። ደሓር ንሱ ምስ ከደ … በቃ …! ፍርቂ ሰዓት በኽያ ኢሎማ ከም ዝመስለኒ።”
ምቅይያር ናይ ገጻ ምስ ተዓዘብኩ “በዚ ዝሓለፈሉ ድዩ መሲሉኪ!?”
“ኦኬ ቀጽል ‘ስኪ…!”
“ንጽባሒቱ፡ ወዲ ካብ ካፈ ተመጊቡ ወጺኡ ንኸጽንዕ ብላቭ ስኴር ጌሩ ናብ ዶጎዓሊ እናኸደ ከሎ፡ እታ መሓዛኣ ምስ ደቂ ዲፓርትመንታ ኮይና ኣብቲ ላቭስኴር ጸኒሖም ነዚ ወዲ ሸዲዶሞ። ወዲ፡ ነብሱን መንፈሱን ክቋጻጸር ኣይከኣለን … በቃ … ኣብ ማእከል’ቲ መገዲ ጻሕ ኢሉ ወዲቑ። ተሰጢሑ! ብማዕዶ ዝነበሩ ገለ መማህርቱ ብጉያ መጺኦም ኣልዒሎም ናብቲ ላውንጅ ገጾም ወሲዶም ርእሱን እግሩን ሓጺቦም ንፋስ ገለ ሂቦሞ። ኣይጸንሐን ድሕሪ ሳልስቲ ‘ዊዝድሮው’ ጌሩ ኢሎሙኒ። ‘ዊዝድሮዋል ሪዚን’ ተበልካስ – ‘ላቭ ስትሮክ’ … እዋእ ስሓቒ’ባ”።
“እዛ ትብላ ዘሎኻ ጓል ኣነ እየ!”
“እ…?”
“እንታይ ኴንካ ትስምብድ?! ኖእ ክብል ኣይክእልን?! ንነገራት ‘ሮማንቲሳይዝ’ ክገብሮም ኣይደልን። ንሕጂ ክበጽሖም ዝደሊ ሕልምታት ኣሎውኒ። ግደ ሓቂ፡ ንውልቀይ ኮይነ ዝነብሮ ሂወት ደስ እብለኒ። ዕርክነት ‘ሳፎኬት’ እዩ ዝገብረኒ። ሕሰቦ እንዶ፡ ካብ ምስ ዓርክኻ ከለኻ ዝስምዓካ ጽሙው ሂወት፡ ንበይንኻ ኴንካ ዝስምዓካ ናጽነትን ሩፍታን እንተልዩ፡ ንሱ ኣይበልጽን?! ምስ’ዚ ዘልዓልካዮ ሰብ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ሻሂ ሰቲና ኣብዚ። ንሱ እናዕለለኒ ኣነ ብጽምዋ እብላዕ! ዝኾነ ‘ኮኔክሽን’ ክፍጠር ኣይከኣለን፣ ከምኡ’ውን ዝኾነ ‘ኤግዛይትመንት’ ኣይነበረን። ከም ዝመስለኒ ኰኾብ ኣይተጋጠመን። ኣይኮነን ሓንሳብ፡ ኣብተን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልቲ ዝተራኸብናለን፡ ንሱ መምስ ከደ ንፍርቒ ሰዓት በኽየ። ነገራት ከምዚ ዝበልኩኻ ከሎ፡ ንምንታይ ዕላማ ምስኡ ክቅጽል እኽእል?! ከም ዝመስለኒ ብነብሰይ ምሕድርቲ ክኸውን እየ ዝደሊ። እዝን ወዲ-ኸምዝን ኣብ ግምት ኣእትየ’የ ኖእ ኢለዮ።”
AMAN TEKESTE W. — March 2014
*- ተወሳኺ ሓበሬታ፥ እዛ ጽሕፍቲ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መጽሄት ዳዕሮ ተሓቲማ ብምንባራ፡ ኣብ ፈይስቡክ ብቴድሮስ ኣብርሃም ከፊላዊ ምቅራም ተገይሩላ እዩ)