ውሑጅ ስደት ግዳይ መዓት
ሕላፍ ፈተና በዓል ትብዓት
ኣለኻ ዶ ኣንታ ምስ ልብኻ?
ምስ ውኖኻ ምስ ወንኻ!
ኣሎኻ ዶ ኣንታ ምስ ሓይልኻ?
ምስ ብልሕኻ ምስ ሓቦኻ!
ቅንዕ እስኪ በል
ትርኢትካ ይምበልበል
ፍሽኽ እናበልካ ገጽካ ኣድምቆ
ራኢኻ እናሓለኻ ትዝታኻ ኣርሕቆ
ሕርን በል ኣይተስተማስል!
ሰብ ንርእሱ’ዩ ዝመስል።
ንዝጠፍአ ግዲ ኣይትግበረሉ
ምስ ግዜ ተተካኢ እንዳኣሉ
ዘይበጻሕካዮ ውን ብዙሕ ይህሉ
ዕድመ ይሃብካ ‘ምበር ተርክበሉ
ዘስተንትን የብልካን ዘቕሉ
ህላወኻ’ዩ ልዕሊ ኩሉ፡
ጎበዝ እንዲኻ
እንታይ ግድኻ
ዝግበር ምበር ኣየሕስብካ ዘይተገብረ
ኣይትጨነቐሉ ክብጻሕ እዩ በብእብረ።
እንተ እቲ ብሰባት እትሓሞ
ዓዘራ ክኾኖም እዩ’ሞ፥
ስደተኛ እናበሉ ከስቆርቁሩኻ
ሰብ የብሉን ኢሎም እንተጓነዩኻ
እንተጋየሹኻ እንተነጸሉኻ
ኣጆኻ! ጎበዝ እንዲኻ
እንታይ ግድኻ!
እንታይ ትገብር ‘ምበር
እንታይ ትበሃል ዶ ከዳኒ
ከመይ ኣለኻ ‘ምበር
ኣበይ ኣይኮነን ወሳኒ።
በርትዕ ጥራሕ
ህይወትካ ምራሕ
መልክዕካ ሒዝካ ዘዂርዕ ግርማ
እምነትካ ኣሚንካ ብንጹር ዕላማ
ሰጉም፡ ንበር
ስራሕ ክበር
በረኻ ይኹን ጎደቦ
ፍረ ጥራሕ ይረኸቦ
ኣይትተሓለል ኣይትተሃመል
ንዕቤትካ ቀጻሊ ተመልመል
ዓለምካ ንበሮ ኣብ ዘለኻ ሃሊኻ
መባልዕትኻ ይኹን ዓዲ ጥዕናኻ፡፡
ተስፉ ሓጎስ