ኣርኪበኪ እንተ ዝነብር
ክንደይ ምበለጸ
ካብ ኢድኪ ዝወሃብ ብዙሕ ምተረኽበ
ካብ ኣፍኪ ዝሰምዖ እልፊ ምነበረ።
ንሱ ዕድለይ’ዩ ይጽንሓልና ደሓን
ገይሸ መጽየ ኣለኹ ከነዕልል መታን።
ኩሎም ፈለጥትኺ ከመይ ከም ዝኾኑ
ኩሉ ሙሉኺ ከም ዓባይኪ እ ና በ ሉ
ኣብ ዘዝረኸቡኒ መውጽኢ ኣፎም ኮይኑ።
ካብ መልክዕኪ ብግማዖ:ካብ ሓልዮትኪ ገለ
ካብ ልቦናኺ ፍርቁ ካብ ብልሕኺ ከፊለ
ከም ዝወረስኩ’የ ተነጊረ።
ኣብታ ልግሲ ግና ምስልኺ በሊለዮ
ምምስሳልና ምልኣት ከሊአዮ።
ክፍለ ግዲ ኢሉኒ ኢደይ ምስ ተዓኹተ
ተጨቢጡ ይቕኒ።
ኣይትሓዝለይ ዓባየይ መዓረይ
ክህብ’ኮ ምፈተኹ ግና ካብ ምንታየይ፧
ይርጋኣለም ፍስሓ
- ይቕሬታ ኩቡራት ኣንበብቲ “ሕቶ ኣለኒ” ትብል ግጥሚ ይርጋኣለም ፍሳሓ ንግዜኡ ካብዚ ሰኪዔት ተኣልያ ብዓባየይ መዓረይ ተተኪኣ ኣላ።
1 Comment
ንኡድ ስራሕ ፈተያ ብሓቂ የቀንየለይ ዝሓፍተይ፡፡