ትልኽ ትብል ነብሲ ጥሜት ዝሰዓራ
ቀዳዳ ክትመልእ ኣእዳው ዝሓጸራ
ኣየር ክትስሕቢ ትንፋስ ክትመልሲ
ህይወትኪ ቀይርኪ ሩፍታ ክትትርኣሲ
እንተበልዋ………………………………..
ጭንቃ ጭንቂ ውሽጢ ሰማዒ ዘይብሉ
ሕበጥ ሕሰም ናብራ ኣብ ከርሳ ተደጒሉ
ኢሕ ኢላ ኣይትወልዶ ዓቕማ ተጸንቂቑ
ዘፍጥጠላ ምስበዝሐ ተስፋኣ ዓሪቑ
ፍርቂ ፍራቖ ኒሕዳግማይ ተመለሰት
እግሪ ምትካል ኣቕቢጹ ፍሑኽ እንተበለት
ሓይሊ—-ሓይሊ ውሽጣ ጥፉእ ኣኸኺባ
ዕምሪ ህርመት ልባ ንፈጣሪ ኣሟዕቂባ
ክትስንጥቖ ዝወጸት ደራዕ ወዲቕዋ
ማህደርካ ሸፊኑ ከይትወጽእ ሒዝዋ
ኣባኻላ ኢሎማ……………………..
ዘይበረየት ትንፋስ ወትሩ ዝሃለኸት
ንርሑቕ ኣሚታ ኣብ ቀረባኣ ዝሓደረት
ስለዚ ኩርኳሕ ኣይትኹና መርገማ ከይወግኣካ
ማይ ዘይረወየ ሃልካ ብነጽፊ ከይወቕዓካ::
Simret Amare