እና’ነጻጸረት
ምስ ደቂ ጐረቤት
ወላህላህ ክብለላ…
ዘህጥር ዘዕብር ብልዒ እናመሰላ፣
ነቲ ትስንክቶ
እናተመነየት ኣብ ነብሰይ ክትርእዮ
ተታሓዛዝሎ ጐጎ ኣብ ልዕሊ ጐጎ።
ኣብ’ቲ መኣዲ ከኣ ረሲዓ ንነብሳ
ከተዳርተኒ ከምቲ ብልሂ ጓሳ፣
“…ሓቅኻ ‘ንዲኻ ክትቀጥን
ጸማልያ ክትከውን
እዞም መዛኑኻ
ኩሎም ክገድፉኻ፣
“እንታይ ኢኻ ብጽፍርኻ ትሕዞ?
ኣባልዓ ጐበዝ ጉዕጽጽ ዘይተብሎ
እዚኣ’ሞ ኰልሳ
ብሓደ ጡብ ዘይዓበኻ
እዚኣ ድገማ… እዚኣ ሰልሳ…”
እናበለት፣ ዋዛ ሓዋዊሳ፣
ነቲ ዝኸሸነቶ
ከብዳ ብጥሙዩ ናብ ከብደይ ትጐንኮ።
ጾር እንከራግፉ እቶም ኣጻብዕታ
እንታይ ከም ዝብሉኒ ዕጥርጣራት ገጻ
ኣዒንተይ ልኢኸ ቀው ኢለ እጥምታ።
ነቲ ትሓብኣለይ ካብ ኣፋ ዝስእኖ
ስለ ዘግህዱለይ ነቲ ዘይተድምጾ
ጐዳጕዲ ኣዒንታ
ዝማጠጉ መዓጕርታ
እንከነጻጽሮም ምስቲ ሕሉፍ ምስሎም
ከም ነግሕታት ግጥመይ እንክደጋግሞም፣
እቲ ዘሳጽየኒ ንነብሰይ ዝውድእ
እቲ ሻቁለተይ ሽዑ’ዩ ዝመጽእ
ከይረኸበት ዓስባ
ግዜ እንክጽበ ግዜ ከየርክባ።
ብርሃነ ገ.
11/2006