AMAN TEKESTE W.
# ሕቶ ብኣዝማሪኖ ተስፊት፤ ካብ ጫለዳታት ስነ-ጽሑፍ ሓደ ግጥሚ ኢዩ’ሞ፡ ረዚን መልእኽቲ ኣብ ምሕላፍ ወይ ከኣ ተሎ ርድኢትካ ኣብ ምስራጽ፡ ግጥሚ ዝህልዎ ኣድማዕነትን ሓለፋን ከመይ ትገልጾ፧ ምስቶም ካልኦት ዓውድታት ኣነጻጺርካ፡ ሸቶኻ ኣብ ምህራም ዘለዎ ብልጫታት ገምጋምካን እሙንቶኻን እንታይ ይመስል፧
1) መልሲ ገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት፤ ኣብ ከባቢኡ ስለ ዘለኹ፡ ካብ ካልኦት ጨናፍር ስነ-ጽሑፍ ኣብሊጸ ሰማይ ክሰቕሎ ኣይደልን። ኣድማዕነቱ፡ ማዕረኦም እንተ ዘይኰይኑ ኣይትሕትን’ዩ። ግጥሚ፡ ብንጽህና ውሽጥኻ ቀሊዕካ ንዓለም ከተርኢ ምፍታን ምስ ምዃኑ፡ ሸቶኻ ምህራምን ዘይምህራምን ብሕልምታትካን ድሌታትካን’ዩ ዝጽሎ። ተጠቃሚኡ እንተ ዘይኰይኑ ግጥሚ ሰናፍ ኣይኰነን። ዓለምካ ንኸተላሊ ኣብ እትገብሮ ቅልስ፡ ናይ ምባል ዓቕምኻ ዝፈጥሮ ደረት ኣሎ። እትሓስቦን ኣብ ወረቐት እተስፍሮን ፍልልዮም ስለ ዝረኣየካ ነውጺ ዘጋጥመሉ ኩነታት ኣይሰኣንን። ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠር ስእልን ኣብ ወረቐት ዝቕመጥን ፍልልይ ኣለዎም። ነውጺ ኣብዚ ህሞት’ዩ ዝፍጠር። ሓደ ዘየማትእ ሓቂ ግን፡ ግጥሚ ይፍኮስ ይኽበድ፡ ይንኣስ ይዕበ፡ ከም ኩሎም ስራሓት ስነ-ጥበብ ቀዳማይ ሸቶኡ ንውሻጠ ገጣሚ ሓጻጺቡ ዘንጽህ ምዃኑ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ብውሑዳት ዝዝረብን ዝስማዕን ይዅን’ምበር፡ ኣብ ስነ-ልቦና ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብዅሉ ሸነኹ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኰነን።
(05/2015)
*****
# ሕቶ ብተስፊት ዮውሃንስ፤ ግጥምታትካ ስምዒት ድዮም ርድኢት፧ ምስ ገዛእ-ርእስኻ ንኽትራኸብ-ከ ማዕረ ክንደይ ይሕግዙኻ፧
2) መልሲ ገጣሚ ያሬድ ደጀን፤ ግጥሚ ርድኢት’ዩ፣ ካብ ስምዒት ክኣ’ዩ ዝውለድ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ዓለም ኩሉ ነገር ኣሎ። መብዛሕትኡ ሕቡኡን ስውርን’ዩ። ነዚ ከተስተብህለሉ እንተድኣ ኴንካ ግን፡ ክትርደኦ ክትክእል ኣሎካ። ክትሓስቦ ኣለካ እንተ ኢለ ክጋገ ይኽእል‘የ። ከመይ-ሲ መጀመርታ እዛ ዓለም ክትፍጠር ከላ ኩሉ ተሓሲቡ ተቐሚጡልና’ዩ። ስለዚ ነዚ ዝተሓስበ ክትርዶኦ ኣለካ ማለት’ዩ። ግጥሚ፡ ገዛእ-ርእስኻ ትረኽበሉ መገዲ’ዩ። እቲ መገዲ’ቲ ንምርካብ’ዩ እምበኣር ብዙሓት ስባት ኣብቲ ጉዕዞ ዝቓለሱ። ገለን ይዕወቱ፣ ገለን ከአ ኣብ መገዲ ደኺሞም ይትርፉ፣ ገለን ድማ ክጕዓዙ ይነብሩ ማለት’ዩ። ገዛእ-ርእስኻ ዝረኸብካላ እዋን ግን፡ ሽዓ‘ያ እታ ናይ መወዳእታ ግጥሚ።
ካልእ፡ ኣብ ሓንቲ ሕቶ ዝቐረበት፤ እቶም ብዕድመን ተመኲሮን ይኹን ብብቕዓት ካባና ይበልጹ እዮም ኢልና እንኣምነሎም ስነ-ጥበባውያን፡ ተመኲሮኦም ኣየካፍሉን’ዮም ተባሂሎም ይውቀሱ’ዮም። እንተዀነ ግን፡ ተመኲሮታቶም ካብ ምክፋል ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን እዮም። መዓስ፡ ኣበይ? እንተድኣ ኢልና፡ ክጽሕፉ እንከለዉ ይብል። ንሕና ጥራይ ተቐበልቲ ወይ ኣንበብቲ ክንከውን ክንክእል ኣሎና።
(06/2015)
*****
# ሕቶ ብዛራ ገጠምቲ፤ ገጣማይ ቦኽረ፡ ግጥምታትካ ከምቲ ዕምቈት ትሕዝቶኦም፡ ኣብ ዋሕዚ ንውሓቶም’ውን ሰናፋት ኣይኮኑን። ምስጢር ምንውሖም እንታይ እዩ፧ በቲ እተንቕሎ ሓሳብ ስለ እትግደድ ዲኻ ወይስ ብእምንቶኻ ንጽባቐ ተባሂሉ ዝግበር’ዩ፧
3) መልሲ ገጣሚ ቦኽረ ገብረዮሱስ፤ እምምም…! በቲ ዘንቅሎ ሓሳብ እንተ ዝግደድ ድኣ ግርም ነይሩ። ንሓንቲ ግጥሚ ብሓሳብ ደረጃ ምስ ሃነጽኩዋ፡ ምጽሓፍ እጅምር። እቲ ሽግር ኣብኡ እዩ ዘሎ። ንዝሃነጽኩዎ ሓሳብ ብልክዕ ዝውክለለይ ቋንቋ ረኺበ’ይፈልጥን። እቲ ተጻሒፉ ንንባብ ዝበቅዕ ግጥሚ፡ ሃሳስ ስእሊ ናይ’ቲ ድሙቕ ሓሳብ እዩ። [ሓንቲ ግጥሚ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩዋ ዝስማዓኒ ዘይዕጋበት ንሰብ ክነግረሉ ዘሕፍር እዩ። ኣብ መንጐ’ታ ዝሓሰብካያን ዝጸሓፍካያን ግጥሚ ዘሎ ፍልልይ ምድርን ሰማይን እዩ። ንዝሃንደስካዮ ሓሳብ ብቓላት ኣብ ምግላጽ ዘሎኒ ናይ ጥበብ ዕርቃን ንምግላጽ’የ።] ኰይኑ ግን፡ ዝጽሕፋ ግጥሚ እናሓሰብኩ ብዛዕባ ምንዋሓን ምሕጻራን ኣይጭነቕን። ሓጻር ድያ ክትከውን ነዋሕ? ኢለ’ውን ኣይቅይስን። ብሓፈሻ ምንዋሕን ምሕጻርን ግጥሚ ከም ኣርእስቲ ብዙሕ ኣየቕልበሉን። እቲ መለክዒ ናይ ጥበብ፡ ጽባቐ ጥራይ እዩ።
ንጽባቐ ኢለ’ውን ኣየንውሖምን እየ። ነዋሕ ግጥሚ ከም ዝጸሓፍኩ፣ ጽሒፈ ምስ ወዳእኩ እየ ዝፈልጥ። ሓቂ ንምዝራብ ግን፡ ሓድ-ሓደ ግዜ ስስዕቲ ስለ ዘጥቅዓኒ እዩ መስለኒ ግጥሚ ዝነውሓኒ። ጕንዲ ናይ’ቲ ሓሳብ ትኽ ኢሉ ንላዕሊ ክወጽእ እናሓሰብኩ ብየማነ-ጸጋም ንእግረ-መንገደይ ናእሽቱ ጨናፍር እናተማላእኩ ክኸይድ እደሊ። እቶም ጨናፍር ልዕሊ’ቲ ጕንዲ ሰዊዶም ብናይ ገረብ ቅርጺ ንዝተሃንጸ ትልሚ ናይ’ቲ ግጥሚ ከየበላሽዉዎን መንገዱ ከየስሕቱዎን መዕለቢኡ ከየጥፍኡዎን ግን ክጥንቀቕ እፍትን። ስለ’ዚ ናብ ጨናፍር ዝገብሮ ምዅብላል ሓደ ጠንቂ ናይ ምንዋሕ እዩ ብምባል እኣምን። ብመንጽር ስነ-ግጥሚ ግን እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ ምንዋሕ ግጥሚ ድኽመት (ስንፍና) እዩ።
(07/2015)
*****
# ሕቶ ብሳሙኤል ሰመረኣብ፤ ሓው ኪሮስ፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ ሓደ ካብ ባእታታት ግጥሚ ናዕታ (Rhyme) እዩ። ከም ትዕዝብተይ ግን፡ ኣብ ዝበዝሕ ግጥምታትካ እዚ ባእታ’ዚ ዳርጋ ኣይትጥቀመሉን ኢኻ። ፍቱሕ ነግሒ (free verse) ኢኻ ዝያዳ ትጥቀም። ምስቲ ትግርኛ ናዕታዊ ምዃኑ መጠን፡ ግጥሚ ብዘይ ናዕታ ኣይህነጽን’ዩ ዝብሉ ሰብ ጥበብ ውሑዳት ኣይኮኑን’ሞ፡ ካብ ተመኲሮኻ ነዚ ብኸመይ ትርእዮ፧ ምስ ምንዋሕ ግጥሚ – ፍቱሕ ነግሒ ምጥቃም ንሓደ ግጥሚ ናብ ተራ ዕላል ኣይቅይሮን-ዶ ትብል፧
4) መልሲ ገጣሚ ኪሮስ ዮሃንስ፤ ሓው ሳሙኤል እዚ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ሕቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ሽሕ’ኳ እዚ ሕቶ’ዚ ነቶም ስነ-ጽሑፍ ወይ ከኣ ስነ-ቋንቋ ዘጽንዑ ዝግደፍ እንተኾነ፡ ብዓቕመይ ክምልስ ክፍትን። ሓደ ግጥሚ ኣብ መወዳእታ “ናዕታ” ስለ ዘይሃረመ፡ ቅዲ ነጻ ዋሕዚ ወይ free–verse ኢዩ ዝኽተል ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዝኸብድ ይመስል። እቲ ከመይ፡ ውሽጣዊ ናዕታ ውሽጣዊ ዜማ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣሰልቻዊ እኳ እንተመሰለ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝደጋገሙ ቓላት እውን ናይ ባዕሎም ዜማታት ይፈጥሩ’ዮም። ገለ ቓላት እውን ሃንደበት ናዕ ኢሎም ክወድቝ ከለው፡ ኣብ ከበሮ ኣእዛን ዝፈጥርዎ ድምጺ ኣሎ። እዚ ሕቶ፡ ግጥሚ ብምሉእ ሓሳብ (መስመር) ዲዩ ወይስ ቓላትን ሓረጋትን ብምጥቃም’ዩ ዝድኮን? ዝብል ዛጊት መዕረፊ ዘይረኸበ ክትዓት’ዩ ዝወስደና። ግጥምታት ትግርኛ ድማ ከም ካልኦት ቋንቋታት ዓለም፡ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ብመጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቢልካ ዳህሳስ እንተ ዝካየደሎም ሓገዝቲ ኢዮም በሃላይ ኢየ።
(08/2015)
*****
# ሕቶ ብሳይሞን ማሳ፤ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ግን ከኣ ብርኩታት ገጠምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ሃገርና ብምዃንኪ፡ ከም ኣብ ማእከል ዱር ዝበቘለት ፍልይቲ ዕንበባ ገይረ እንተ መሰልኩኺ ካብ ሓቂ ስለ ዘይረሓቕኩ ዓይንኻ ተደፈን ዝብለኒ ሰብ ኣይህልውን ኢዩ ኢለ እግምት። ዘልኩ ደኣ፡ ብዛዕባ ግጥሚ እንተ ተላዒሉ፡ ኣብ ብዙሕ ከም ዝተዓዘብኩዎ፣ ገሊኦም “ግጥሚ ምጽሓፍ፡ ስርዓትን ኣገባብን ኣለዎ፣ ኣካዳምያዊ ኢዩ” ይብሉ። ገለ ኸኣ፡ “ግጥሚ ኣካዳምያዊ ኣይኮነን፡ ተመኲሮ እዩ። መጠን ዝተመኰርካሉ፡ መጠኑ ኸኣ ናይ ምጽሓፍ ባህሪ እናሓደረካ ምሳኻ ተዕብዮ” ይብሉ። ሳባ ሓፍትና-ኸ፡ ካብዚ ሓሳብ እዚ ኣበየናይ ምረዓምኪ? ዶ ወላስ፡ ንኣጸሓሕፋ ግጥሚ ዝምልከት፡ ካልእ ሓዲሽ ሓሳብ ምመጠውኪ?
5) መልሲ ገጣሚት ሳባ ኪዳነ፤ ሳይሞን፡ ክብረት ይሃበለይ። ኣይተብዝሓለይ ድማ ከይዝቕብብ። እዛ ሕቶ እዚኣ ዘይበጽሕቶን ጤል ዘይጣጠመቶን ዶ ይህሉ?! ሓንቲ መዓልቲ እዛ ሕቶኻ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ቀሪባትለይ ከምዚ’ውን ኣቢላትኒ ነይራ። ኣብ ኩነት ፍልጠት ምስ እነስተውዕል፡ ውሁብን ውህሉልን (Innate and acquired knowledge) ዝብሃል ኣሎ። ውሁብ ማለት ብዘይ መወከሲ እትእክቦ ክኽውን እንከሎ፣ ውልሉል ድማ ብትምህቲን ጻዕርን ይጥረ። ሰብ ብተፈጥርኡ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልዎ ዝውለድ ህያባት፡ ክእለትን ዓቕሚን ኣለዎ። ስነ-ጥበባዊ ድማ ኣብዚ ዓንኬል እዚ ንኽዝንቢ ናይ ተፈጥሮ ግዱድ ክሳብ ዝኾነ፡ ነቲ መልኣከ ጥበብ ሕሹኽ ዝበሎ ጸጋ ጥበብ [ቊልዒ ናይ ምስጢረ ጥበብ] ናብ ጭቡጥ ወይ ረቂቕ ጥበብ ንኽምስርሖ ጻዕሪ ይሕተት። ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ብዛዕባ ጥበብ ገለ ነገር ከይሃለዎ ከመይ ኣቢሉን እንታይ ሒዙን እሞ ክጽዕር፧ ስለዚስ ዝተዋህቦ ነገር ኣሎ ማለት እዩ። ተውህቦ ከይሃለዎ ኣብ ስነ-ጥበብ እንተጸዓረ ምናልባት ኣብ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ህይወትን ወይ’ውን ኣብ ካልእ ከድምዓሉ ዝነበሮ ግዜን ሃልኪን ምብኻን ጥራይ እዩ።
ብኣንጻሩ ዒራ ተውህቦ ኣሎኒ ኢልካ እንተ ዘይጽዒርካሉ፡ ረቂቕ ኮይኑ ክገሃድ ዝነበሮ ነገር ተህልኽ ወይ ኣመሪትካ ትተፍር ማለት እዩ። ቀላል ኣብነት ንውሰድ፥ ንዕንጸይቲ ወሲድና ካራ ክንሰርሓ እንተንሕተት፡ ለዓት ደኣ’ምበር ነቲ በሊሕ ክፋል ናይ ካራ ከተድምዕሲ ተውህቦኣ ኣይኮነን። “ግን ኣነ እቲ በሊሕ ክፋል ናይቲ ካራ እየ” ኢላ እንተነቂጻ፡ ምስሊ ወይ ባንቡላ ናይ ካራ ካብ ምዃን ዝዓግታ የሎን።
ሓደ ሓቂ ኣሎ፣ ነቲ ዝፈረየ ግጥምታት ብዝተፈላለየ ገጻቱ እናረኣኻ ዝግበር ዓሚቚ ትምህርቲ ብዛዕባ ግጥሚን ገጠምቲን ኣሎ። ተመኲሮ ከም ዘግሃዶ ድማ፡ ተማሃሮ ናይ ሊትራቸር፡ ግጥሚ ተማሂሮም ገጠምቲ ናይ ምዃን መሳልል ካብ ዝተተሓሓዝዎ፣ እቶም ብዘይ ትምህርቲ ብተውህቦን ጻዕርን ገጠምቲ ዝኾኑ ከም ዝበዝሑ እዩ። ግጥሚ ቅድሚ ኣካዳሚ ከም ዝነበረ ኣብነታት ምድርዳር ከም ዘየድሊ ርዱእ እዩ መስለኒ። እቲ ኣካዳምያዊ ሸነኽ ናይ ግጥሚ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲ ዓውዲ ፍቕርን ተገዳስነትን ብዘለዎም ምሁራት ይካየድ፤ ከምኒ ዶክተር ግርማይ ነጋሽ፥ ዶክተር ሙሴ ተስፋገርግሽ፡ ከማኡ’ውን ኣብርሃም ተስፋልኡልን ከምኡ’ውን ኣብቲ ዓውዲ ብተውለ ዝነጥፍ ዘሎ መምህር መኮነን ተስፋይን ካልኦትን ነቲ ግጥምታት ትግርኛ ብዓይኒ ኣካዳምያዊ ዝጥምቱ ማለተይ’የ።
(09/2015)
*****
# ሕቶ ብጡዑመዝጊ ተስፋይ፤ ኣብ እትገጥመሉ እዋን፡ ቃልን ስምዒትን ብኸመይ ተራኽቦም? ኣብ ግጥሚ – ቃላት፡ ንጽህናን (innocence) ስምዒትን እንክዋሰቡ ይሳነዩ-ዶ፧ እዚኣቶም እንተ ዘይተሳንዮም-ከ “ግጥሚ ኣሎ” ክንብል ንኽእልዶ፧
6) መልሲ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)፤ ጥዑምዝጊ ከምዚ ናትካ ምልከት ቋንቋ ትግርኛ እንተ ዝህልወንስ ክንደይ ኰን ነዛ ሕቶኻ ኣዕሚቘ ምገለጽኩልካ። ብዝኾነ፡ ንዓይ ቃላት ኣብ ግጥሚ ከም ሕብርታት ንቀባኢ እዮም። ነቲ ኣብ ስእለ-ኣእምሮይ ዝቐርጾ ተምሳጠይ ድማ ብግብሪ ኣብ ወረቐት ይስእለሎም። ብዝተኻእለኒ መጠን ነቲ ኣብ ስእለ-ኣእምሮይ ዘሎ ስእለ-ሓሳብ ዝስእሉለይ ቃላት ክጥቀም ይጽዕር’የ። ዝበዝሕ ግዜ ግን፡ እቲ ስእሊ ስእለ-ኣእምሮይ ኣብ ግብሪ ይስእኖ’ሞ ድኽመት ምልከት ቋንቋይ ይረኣየኒ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ኣንበብቲ ንግጥመይ እንታይ ትብል ከምዘላ ይሓቱኒ’ሞ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ከምዘይበልኩዎ ይበርሃለይ። ኣብዚ’ዩ ድማ ምልከት ቋንቋ ኣብ ስነ-ግጥሚ ተካኢ ዘይብሉ ብቕዓት ምዃኑ ዝረአ። ከምቲ ናይ ምምራጽን ምዉህሃድን ሕብርታት ብቕዓት ዘይብሉ ቀባኢ ዝፈሰሰ’ምበር ዘይተወሃሃደ ሕብርታት ኣብ ቅብኣኡ ዝረአ፣ ኣብ ግጥሚ ድማ ዝፈሰሱ ቃላት ኣብ ግጥመይ ይጸንሑኒ’ሞ ኣብቲ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ቋንቋ ዘለኒ ኣፍልጦ ከዕቢ ናብ ብሉጻት ፍርያት ስነ-ጽሑፍ ምንባብ ይጎዪ። “ታሪኽ ሂወት ገጣሚ ኣብ ግጥሙ ኢኻ እትረኽቦ፡ እቲ ካልእ መወሰኽታ’ዩ” ዝብል ኣዘራርባ – እዚ ቃላት፡ ንጽህናን ስምዒትን ኢልካዮ ዘለኻ ምስ ዝወሃሃድ’ዩ ሓቂ ክኸዉን ዝኽእል። ግጥሚ ናይ ስምዒት’ዩ፣ ጥልቀት ዘለዎ ስምዒት። ንጽህና ብግርህና እንድሕር ሃንዝየዮ ነዚ ጥልቀት ዘለዎ ስምዒት ከይሓባእካ ኣብ ግጥሚ ምስናድ’ዩ። ነዚ ሰነድ ክውን ዝገብሩ ድማ ቃላት’ዮም። ስለዚ እቲ ናይ ብሓቂ ታሪኽ ሂወት ገጣሚ ክስንድ ዝኽእል ግጥሚ ብዉህደት እዞም ዝጠቐስካዮም ዝፍጠር ግጥሚ’ዩ። ሮቦርት ፍሮስት’ዉን “ግጥሚ፡ ስምዒት ንሓሳባት፣ ሓሳባት ድማ ንቃላት ክረኽቦ እንከሎ’ዩ ዝፍጠር ኢሉ ኔሩ።
ንሓንቲ ሕቶ ድማ፤ ግጥሚ ጽባቐ’ዩ ንዓይ። ወይ’ዉን ኣብ ጽባቐ’ዩ ዝግደስ። ግጥሚ፡ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ኢሉ ካብ ጎደና ጽባቐ ኣይእለን’ዩ። ስለዚ’ዩ ድማ እንታይ ይብል ዘይኮነስ ብከመይ ይብሎ ዘገድሶ። ንመልእኽቲ ሓደ ፍጻሜ ዘይኮነስ ንስምዒት‘ቲ ፍጻመ’ዩ ብጽባቐ ዝትርኽ።
(10/2015)
*****
# ሕቶ ብብርሃነ ገብረህይወት፤ ኣብ ግጥምታትካ ግድፈት ዝመስሉ ግን ከኣ ብፍላጥ እትገብሮም ሕድገት ፊደላት ኣለዉ። ሚዛን ግጥሚ ብዜማን ቀለምን ንምሕላው’ዶ ይኸውን፧ ብዛዕባ ሚዛን ግጥሚ ገለ ክትብለና ምደለኹ፧
7) መልሲ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፤ እታ ሕቶ ዝመለስካያ እመስለኒ። ንምሩጓድ ግና፡ እወ ካብ ልዑል ክብረትን እምነትን’ዩ ዝብገስ! ኣንባባይ ወይ መስተማቐሪ ብቕዓት ኣለዎ መሊኡ ከንብብ፣ ዝያዳ እቲ ዘይርአ ሃጓፍ’ውን ክዘልል ይኽል’ዩ በሃሊ’የ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ነንንጽል ግጥሚ ዝግበር እንተኾይኑ፡ እቲ ቐንዲ መበገሲ፡ እቲ ዜማን ፍቕዱን ከምኡ’ውን ብህለቱን’ዩ።
ሚዛን ግጥሚ? እንድሕር ብልክዕ ሒዘካ ኾይነ፡ ንልክዕነት ወይ ምሉእነት ግጥሚ እነረጋግጸሉ መዐየሪ ሃሰው ንብል ዘለና እመስለኒ። እንድሕር ኣብዚ መልስታተይ ኣስተብህሎ ተገይሩ፡ ብፍላጥ እቶም ‘literary terms’ ዝበሃሉ የለዉን። እቲ ክልተ ምኽንያት፡ ብትግርኛ ዝተማእኸለ ንጹር መንነታዊ ትርጉም ስለዘይሓዙ፣ ምስ ባእታት ግጥሚ ቋንቋና ስለዘይረዓሙን’ዩ።
ካብቲ ብቓላት ዝፍጠር ሕልኽላኽ ርሕቕ ኢልና፡ እስከ ብጽባቐ(1) ንጀምር። ጽባቐ ግጥሚ ኣብ ውህደት ኣገላልጻን ዝፈጥሮ ሕብርን፡ ጽባቐ ፍሰት ቋንቋን ዘበረብሮ ሓሳበ-ስእልን፤ ሓይሊ(2) ኣብ ምጽሕታር ስሚዒት፡ ኣብ ምግንፋል ተመስጦ፡ ኣብ ምልዕዓል ተሃንን ምሕቋን ስምዒትን፤ እዞም ክልተ እንተ ተጸምቢሮም ከኣ ፍስሃ(3) ይፈጥሩ። ተክኒካዊ ብልጸት(4) ማለት እታ ግጥሚ ብኸመይ ከም ዝተሃንጽትን እቶም ሓሳባት ብኸመይ ከም ዝቐረቡን፣ ቁጡብነትን ሚዛናዊነትን ሓሳብን ቃላትን ተደሚሩ ዝፈጥሮ ቕጅለትን ተምሳጥን ከ? ዜማን ፍቕዱን(5) ስሩዕን ስጥሙን ድዩ? ኣብቲ ‘free verse’ እውን እንተኾነ ቃላት ንሓድሕዶም ንፍሰት ዘሳኒ ዜማ ከምዘድልዮም ምግንዛብ የድሊ። ብሃውሪ ዝርብረቡ ቃላት የለዉን። ስኑይ ፍሰትን ዜማን(6) ዝፈጥርዎ ንዝረትን ነቲ ዝፈጥርዎ ስእለ-ስምዒት ሓይሊ ይህብዎ’ዶ? ውሽጠ-ድምጸት ሓደ ቃል (ኣነ ከም መፍቀዲ ዝጥቀመሉ) ውህደቱ ምስቲ ካልእ ቃል፣ ድምጸ-ድግምጋማቱ ዝፈጥሮ ሓሳብን ውህደቱን፤ ቅርጽን ፍሰትን(7) ብረምታን ብቕልጣፈን ተለኪዑ ምስቲ ሓሳብ ሰመረ’ዶ? ሕርያ ቃላትን ልክዕነቶምን(8) ዜማ ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምትሕላፍ ሓሳብን ንቈለ ገጣሚ ተዳሪግዎ’ዶ? እዚ ኹሉ ምስተደማመረ፡ ሓይሊ እቲ ግጥሚ ጦብላሕታ ፈጠረ’ዶ? ምስ ደም ተሓዊሱ ዘወርወር’ዶ ክብል ከኣለ? ካብኡ ሓሊፋ ኣብ መኽዘን ዝኽሪ(9) ሰፈረ’ዶ? ዘይስገር ኣገዳሲ ሕቶ ከኣ’ባ – መበቆላዊነት(10)? ኣጠቓቕማ እቶም ቃላት፡ ሓረግን መግለጺን መበቖላዊ ድዩ? ኣብ መጨረሽታ፡ ግድፈትን ጌጋትን ኹሉ ተለቒሞሙ ተወልዊሉ(11) ማሕማሕ በለ’ዶ? እዚኦም ንመብዛሕቱ ዝምልሱ እመስለኒ።
(11/2015)
*****
ይ ቕ ጽ ል
ድሕረ-ጽሑፍ፤ እዚ ትሕዝቶ፡ ካብቲ ወርሓዊ ብዛራ-ገጠምቲ ዝዳሎ ዝነበረ ቃለ-መጠይቓት፡ ብሃሰሰ-ለባም ተመሪጹ ዝተወስደ እዩ። እቶም ገጠምቲ ደደርዘን ሕቶታት ቀሪብሎም ዝነበረ’ኳ እንተዀነ፡ ሓሓንቲ ሕቶን መልስን ተመሪጹ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።