AMAN TEKESTE W.
# ሕቶ ብዛራ–ገጠምቲ፤ ናብ ዛራ ገጠምቲ ካብ ዝተሓወስካሉ ክሳብ ሕጂ ትህቦ ነቐፈታን እርማት ኣብ ስነ-ቋንቋን ስርዓተ-ነጥቢን ዘተኮረ እዩ። ስሕት ኢልካ’ውን ኣብ ትሕዝቶ ግጥሚ ርእይቶታትካን ህየሳኻን ተካቲት ኢኻ። ኣብቲ ፈለማ በ‘ዞም ደሓን ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብሃሉ ኣባላት ዛራ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ ጽሑፋትካ ዘይዕግበቶም ዘርእዩ‘ውን ነይሮም። ምስቲ ናይ ፈለማ ዝነበረ ሃዋሁው ኣነጻጺርካ፡ ጎሊሑ ዝተራኣየካ ኣውንታዊ ውጽኢት ዝተዓዘብካዮ ኣሎዶ፧ ንእግረ መገድኻ፡ ሓው ፋኑስ እትርከቦም ገለ ገለ ነቀፍቲ፡ ንሓንቲ ስራሓት ክነቅፉዋ ምስ ኣንቀድኩም፡ ኣብ መቅድም እትጥቀምሉ ዓጸቅቲ ቃላት ኣለው። ቀንዲ ሃየስቲ ምስ ገጠምቲ ንኸይረዳድኡ መንደቕ ኮይኑ ዝጋረዶም ዘሎ ኸኣ ሽምጠጣ ዝተሓወሶ ነቕፈታ እዩ። ልዙብ ነቀፌታ የለን ድዩ ኮይኑ፧! ብዘይ‘ዞም ዓጸቅቲ ቃላትኸ ናይ ምንቃፍ ሸውሃቶም ኣይክፈተሎምን ድዩ፧ “ነቃፊ ነቂፉ ኣሎ፡ ገጣሚ’ውን ዘድልዮ ወሲዱ ዘይድልዮ ይገድፍ” ክንዲ ምባል፡ እቲ ዘድልዮ ነቀፌታ ከካትቱ ዘይክኣል ድዩ ኮይኑ፧
14) መልሲ ገጣሚ ፋኑስ ፋኑስ፣ ግደ ሓቂ፥ ኣብ ዛራ ቅድሚ ምምጸአይ ዝተመኰርክዎም ጋህዳውያን ፍጻመታት ሒዘ ስለ ዝጸናሕኩ፣ እቶም ፈለማ ዝተራእዩ ገርጨውጨዋት «ውሑዳት ነይሮም» ክብል እኽእል። ምኽንያቱ፥ ምስ ሓያሎይ፥ መጽሓፍ ጽሒፎም ዝተፈለጡ ደረስቲ ዘካየድክዎም ዝርርባት፥ እንትርፎ ሃውጽን ነፍጽን፣ ጸኒሖም ድማ፥ ህድማ ዕቡያት፣ ካልእ ኣይረኣኹሎምን። ኣብ ዛራ ገጠምቲ እንተ መጺእና`ውን፥ ፍሉይ ሕጊ ምህላዉ፥ ኩላትና ንፈልጦ እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፥ ዋናታት ግጥሚ፥ ምስ ወሃብቲ ርእይቶታት ዝራኸቡሉ ዕድል ጸቢብ እዩ። እቲ ግርጭት ኪፍጠር ዘሎዎ ዕድል`ውን፥ ብኡ መጠን ጸቢብ ምዃኑ እግምት። ኣብ ካልኦት ገዛውቲ ግን፥ ተርእዮታት ኣሎ። እናሻዕ`ውን፥ ነጻነት ናብ ስድነት ቀዪርና፥ ክንህውትት ንረኣየሎም ቃልዓት ኣሎዉ። ይኹን`ምበር፥ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ድማ፥ ህውተታና እንተስ ተረሲዑ፣ ወይ`ውን ልቢ ኣዕብዩ፣ መንፈስ ምርድዳእ ሰፊኑ፣ ንርእየሉ እውን ኣሎ። ካብ ትመኩሮ ተበጊሰ ዝውስኾ ርእይቶ ኸኣ፥ እናሻዕ ነብሰ ምክልኻል፣ ካልእ-ሻዕ ህውተታ ኪኽሰት ምርኣየይ ኣይገረመንን። ምኽንያቱ፥ ከም`ቲ ኣቐዲመ ዝተንከፍክዎ፥ ካብ ግዳይ ጸሓፍትን ካልኦት ክውነታትን ዝኾነ ሕብረተሰብ፥ ካልእ ክጽበይ ስለ ዘይጸናሕኩ። ብሓፈሻ፥ ድምር ሕሉፍ ክውነትና ስለ ዝኾንና፥ ገርጨውጨው ምፍጣሩ ምቕባል፣ ቅድሚ ሰቑርን ወቕርን`ውን፥ ነድሊ ምህላዉ ምፍላጥ፣ ዜድልየና ይመስለኒ። ኣነ ብወገነይ፥ ዋላ`ኳ እንተ ዘይከኣልክዎ፥ ኣምራዊ ቅብሊት ክህልወኒ`ውን ብዙሕ እጽዕር፤ ዝያዳ ድማ፥ ሰባት ሓሪቖምን ነዲሮምን ክምሉሽለይ ከለዉ፥ እንድዒታት ደርዲረ ከይሃድም፥ ብዝከኣለኒ እጽዕር፤ ገለ ጌጋታት ምሳይ፣ ገለ ጌጋታት`ውን ምስ ካልኦት ስለ ዝጸንሑኒ ድማ፥ መአረምታ ኣይስእነሉን። ነብሰ-ፍወሳ አካይድ፣ እቲ ርኽበት`ውን፥ ሳላ`ምበር ሰንኪ ከይቆጸርኩ እህብትመሉ። ኰታ ካብ ሕማቕ ጽቡቕ ምውጻእ ዝመስልዎ የሎን! እወ፥ ከም`ቲ መሳሎ፥ «ደንጎላ፥ እንተ ደልይና ቤት ንሰርሓላ፣ ወይ ርእሲ-ሰብ ንፈግኣላ!» ዝብልዎ፥ ካብ`ቶም ጌጋታት ዝመሃሮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ዝምልከት ከኣ፥ ዋላ`ኳ ምሳይ ቀጥታ ኣዪኹን`ምበር፥ ኣብ ሓድሕድ ካልኦት ዝረኣዩ ድኻማት ኣለዉ። ኬረዳድእ ዚኽእል መስመር ምምራጽ ከኣ፥ ግደ እቶም ምኩራት ኣካላት ኰይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ፥ ኣብ ህዝባዊ መርበባት ንራኸብ ሰባት፥ ዕድሜና፣ ተመኩሮና ወዘተ ዝተፈላለዩ እዮም። ስለ`ዚ፥ ሕመቕናን ጽቡቕናን መምሃሪ እንተ ተጠቒምናሎም፧ ዝመሓይሽ ውጽኢት ንረክብ ኰይኑ ይስመዓኒ። ምስ`ዚ ተኣሳሲሩ ዚረአይ፥ ጉዳይ ዓቕሊ እዩ። ዓቕሊ ድማ፥ ኣብ ዓቕሚ ስለ ዚዓቅል፥ ዓቕምና ክነሐይል ዜኽእለና ጻዕሪ ክነካይድ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ`ታ ካልአይቲ ሕቶ ዘሎኒ ርእይቶ፥ ኣብ ርእይቶታትና ክንሕልዎም ዝግብኡና ከይድታት ምህላዎም እዩ። ንሳቶም ከኣ፥ ንጥቀመሎም ቃላትን ጽልውኦምን (ኣብ ስነ-ጥበብ፣ ዝያዳ ድማ፥ ደረጃ እቶም ግጥሚ ዝእንግዱ ገጠምቲ ወይ ጸሓፍቲ) ክንግምግም ምኽኣል፣ ጥበባዊ ርድኢት ዜዕብይ ትሕጃ ምሃብ፣ ተወሳኺ`ውን፥ ርእይቶ`ምበር፥ ውዱእ መምርሒ ዘይምዃኑ ምንጻር፣ ወዘተ እዮም። እቲ ምርጫ`ውን፥ ኣብ ደረጃ ገጠምቲን ትጽቢቶምን ስለ ዚምርኰስ፥ መጠን ክንደይ ይወስዱን ይጥቀሙሉን፥ ንዐኦም ዚሕደግ ይመስለኒ። ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ እምበኣር፥ ኣብ መንጎ እቶም ነዊሕ ዝተፋለጥና፥ ክንናበብ ዝጀመርና ኰይኑ ይስመዓኒ፤ ኣብ እቶም ኣጋይሽ ግን፥ እቲ ዝሓለፍናዮ ይድገም ምህላዉ፥ ድሙቕ ምልክት ኣሎ። ነድሪ ዝሓዘለ ምላሽ ከዪመጽኦም ዝጥንቀቑ፣ ጠበርቲ ርእይቶታት`ውን እናገነኑ ይመጽኡ እለዉ። እዚ ኸኣ፥ ኣንጻር ወዲቕና ክንትንስእ ዜኽእል ጻዕሪ ዚኸይድ፥ ደናሲ ከይዲ ኰይኑ ስለ ዝረኣየኒ፣ ኣይድግፎን! ካብ እቶም ብጥዑማት ቃላት ብርኪ ዝሕምሽሹ ግን፥ ሓደ-ሓደ ጊዜስ፥ ተሃን እንተ ወጸአ`ውን፥ ከም ገለ ክፋል-ጥበብ ቆጺርና እንተ ሸለልናዮ ይሓይሽ! ምኽንያቱ፥ ነገር ስልሕም፥ ጥዕና ስለ ዘዪህብ!
(06/2016)
*****
# ሕቶ ብክፍለ ሃብተሚካኤል፤ ብመጀመርያ፡ ናብ ቦኽሪ ሕትመት መጽሓፍካ፡ መጽሓፍ “ፈውሲ ናፍቖት” ምብቃዕካ ዮሃና ክብለካ ሓጎስ ይስመዓኒ። ብምቕጻል፥ “ግጥሚ ኣነቓቓሒ እዩ። ጸገም ሕብረተ-ሰብ ንምፍዋስ ክሳብ ሰውራታት ናይ ምልዕዓል ዓቕሚ’ውን ኣሎዎ” ይብሃል እዩ። ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ምንቕቓሕ መድረኽ ወይ እዋን፡ ኤርትራዊ ግጥምታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝጻወቶ ዘሎ ተራን ጽልዉኡን ከመይ ትርእዮ፧ ግጥምታትና ኣነቓቕሓትን ኣመእዘንትን እዮም’ዶ ትብል፧
15) መልሲ ገጣሚ ተስፉ ሓጎስ፤ ሓጎስካ ኣይጉደል ክፍለ ሓወይ፡ ናብ ሕቶኻ ክቕጽል፣ ልክዕ’ዩ ግጥሚ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን። “ሓንቲ ግጥሚ ዓለም ትልውጥ” ዝተባህለ’ውን ሓይልን ጽልዋን ግጥሚ ንምምስካር እዩ። ግጥሚ ብቅርጡውን ቁጡብን ዝወሃደ ቃላት ቈይሙ ብጥበብ ዝተጨበጠ ንጹር ሓሳብን ስእልን ስለ ዘትሕዝ ጸላውን ኣነቓቓሕን ክኸውን ውን ግድን እዩ። ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ማሕበረ-ሰብ ይጸሉ፡ ሰውራ ኣልዓዒሉ ከይዱ የንህርን የቀላጥፍን። ርሑቕ ከይከድና ኣብቲ ዝሓለፈ “ሰውራ ኤርትራ” ግጥሚ ዝነበሮ ተራ’ውን ናይ ቀረባ መወከሲ እዩ። ግጥሚ ንዘይተረኽበ ነገር የረስዕ፡ ንዝጎሃየ ኣእምሮ የሳዕስዕ፡ ክንደይ ሰብ ብግጥሚ እናስተንተነ ብተስፋ ዘይነበረ፡ ብግጥሚ ክንደይ ንቃልሲ ዘይሰመረ፡ ብግጥሚ ክንደይ ናብ ዓወት ዘይሰገረ። በዝን ካልእን መገድታት ድማ’ዩ ዝልውጥን ዘማእዝንን። ኣብዛ ህሉው ታራን ጽልዋን ግጥሚ እትብል ሕቶ፥ ቅድሚ ከምዝን ከምትን ምባልና፡ “ካብ ክንደይ – ክንደይ ዝኣኽሉ ሰዓብቲ ወይ ኣስተማቐርቲ ግጥሚ ኣለዉ? ክንደይ ዝኣኽሉ ግጥምታት ይንበቡን ይዝከሩን? (ክንደይ ዝኣኽሉ ግጥምታት ክንበቡ ዕድል ረኺቦም?) ታሪኽ ስነ-ግጥሚ ሕብረተ-ሰብና ከመይ እዩ? ህሉው ኩነታቱን ከይዱንከ?” ዝብል ሕቶታትን ካልእን ክልዓል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መልሲ እዚ ሕቶታት’ዚ ብውልቃዊ ግምት እንተመሊስና፡ ገለ ግምታውን ሓፈሻውን ርድኢት ክንወስድ ንኽእል ንኸውን። ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ “ኤርትራዊ ግጥምታትን ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ጽልዋታትን” ኢልና ኣብ ውሱን ወይ ውሁብ ግዜ ብጽጹይ ንምግላጽ ግን ጌና ኣብ ከይዲ ዘሎ ጉዳይ’ውን ስለ ዝዀነ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን’ዩ ኣሕፍሽካ ንምግላጽን ንልክዕነቱን ሓጋዚ ክኸውን ዝክእል እብል።
(07/2016)
*****
# ሕቶ ብኣማኑኤል በርሀ፤ ፍልይቲ ኩርናዕ ምስ ረኸብካ ወይ’ውን ጽብቕቲ ግጥሚ ጽሒፍካ ምስ ዛዘምካ ዝስምዓካ ዕግበትዶ ይዓቢ ወይሲ ጽብቕቲ ግጥሚ ኣብ እተንብበሉ ግዜ – ብውልቅኻ ማለት እዩ።
16) መልሲ ገጣሚ ኣቤል ጉዕሽ፤ ዘኽብረካ ኣማኑኤል ከመይ ኣለኻ? ሕቶኻ “ዘይሓትት ወለዶ መን ወለዶ” ዝብል መፅሓፈይ ፅሒፈ ካብ ብዙሓት ሰባት ንዝተሓተትክዎ ሕቶ ዝመለስክዎ መልሲ ኣዘኻኺሩኒ። እታ ፅብቕቲ ፅሒፈ ዝወዳእክዋ ግጥሚ እኮ ምስ ተወደአት ኣይናተይን። ስለዚ ፅሒፈ ምስ ዛዘምክዋ ክሕጎሰላን ክሓፍረላን ዝኽእል ልክዕ ከምቲ ናይ ካልእ ሰብ ግጥሚ እዩ። ካብ ኢደይ ምስ ወፅአት ጓና ደጋዊ ተዓዛቢ ወይ ኣንባቢ እየ ዝኾነላ። ስለዚ ፅብቕቲ ግጥሚ ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ ዝስምዓኒ ስምዒት ምስቲ ፅሒፈ ምስ ወዳእኩ ዝስምዓኒ ስምዒት ተመዓራራያይ ይመስለኒ። እወ ተማዓራያይ እዩ። (ተጋግየ ዶ ድኣ እኸውን?)
(08/2016)
*****
# ሕቶ ብገሬ ሃብቶም ( ወዲ ኤሪ ሳውዝ)፤ ሰላም ፍሽ ዓርከይ፡ ኣብ ህይወትካ ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልካ። ኣብ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ኣብ ግጥሚ፡ “ኣብ ውሽጥኻ ከም ውሽጥኻ ምንባር እዩ፡” ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ካብዚ እምነት ተበጊሰ ድማ፡ ውሽጢ ናይ ገጣሚ፡ ‘ሕልና ኢዩ’ ዝብል ርድኢት ኣለኒ። ሕልና ናይ ሓደ ገጣሚ ድማ፡ ቅኑዕ ሕግታት ምስ ውጹዓትን ምስ ሓቂን እዩ። ኣብ ልቢ ህዝቢ፡ ትርግታ ልቢ ምዃን ድማ’ዩ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን ተበጊሰ፡ “ገጠምቲ ናይ ሃገርና፡ ንወጽዓ ህዝብና ብቛንቋ ትግርኛ ይኹን ብኻልእ ቋንቋታት ጽሒፎም፡ ቁጥዐ ህዝቢ ክገልጹ ብዙሕ ኣይርኣዩን ኢዮም፡” – ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ፡ መልሲ እንተረኸብካለይ፡ ምስ ተመኩሮኻን ብቕዓትካን ኣዛሚደ መልሲ ክጽበ’የ ካባኻ፣ የቐንየለይ።
17) መልሲ ገጣሚ ፊሻለ ተስፋይ፤ አመስግነካ ገሬ ዓርከይ፡ ንዓኻ’ውን ሰናይ ዘበለ እምነየልካ። ከምቲ ዝገለጽካዮ፡ ሕጊ ባህሪ ‘ሕልና’ እዩ። ኣብዛ ‘ገጠምቲ ሃገርና፡ ንወጽዓ ህዝብና ብዙሕ ክገልጹ ኣይረኣዩን’ ዝበልካያ፡ ፍልይ ዝበለ መረዳእታ ኣለኒ። ምኽንያቱ ወጽዓ ህዝቦም እንተዘይስምዖም፡ ወጽዓ ህዝቦም እንተዘየቃልሑ፡ እዞም ንልዕሊ 15 ዓመት ኣብ መሓዩር ዘለው፣ እቶም ንኣስታት 4-6 ዓመት ዝተሓየሩ፣ እቶም ካብ ሞያዊ ስርሖም ዝበኮሩ ወዘተ ግዳይ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ክስተት ኣይምኾኑን። ‘ሰማዒ ኣይረኸቡን’ እንተይልና ግን እወ፡ ንሕና ሓሚቕና ምበልኩ።
ስለዚ እቲ ጸገም ኣብ ገጠምቲ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቶም ንከይንሰምዖም ዝጸመምና፡ ኣብ’ቶም ከይፈለጥና ዝፈለጥና፡ ኣብ’ቶም ካብ ወድዓውነት ርሒቕና ኣብ ብዓቲ ምስምስ ዝተሓባእና እዩ ዘሎ። ነዚ ንምርግጋጽ ግጥሚ ናተይን ናትካን ግጥሚ ኣያታትናን ዓበይቲ ኣሓዋትን-ኣሓትን ‘ሞ ንፈትሾ፡ እቲ መልሲ ኣብኡ ክጸንሓና እዩ። መሳርሒ ስነ-ጥበባዊ‘ውን ፍቕሪ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ፍቕሪ ክሳብ ንዕረቕ፡ ዕዮታቶም ኣይክነስተብህለሉን ኢና።
(09/2016)
*****
# ሕቶ ብሰለመት ፓውሎስ፤ ኩርናዕ ጠመተ ኣብ ግጥሚ፡ ጾታዊ ዝንባለ ኣለዎ ዶ፧ ማለት ኣብ ዓለም ግጥሚ፡ ጠመተን ኣገላልጻን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ድዩ፧ ኣብ ግጥሚ ስእላዊ ኣገላልጻ ዶ ወይስ ወስጠዛዊ ኣገላልጻ ይስሕበኪ (ትጥቀሚ)፧
18) መልሲ ገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም፤ ክብርቲ ሓፍቲ ሰለመት፡ ኩርናዕ ጠመተ ኣብ ግጥሚ ጾታዊ ጠመተ ኣለዎ በሃሊት እየ። ደቂ ተባዕትዮ ዝጥምትዎን ጓል ኣንስተይቲ ትጥምቶን እትጥቀመሉ ኣገላልጻን ስእልን ይፈላለ እዩ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብዛዕባ ክብደት ነገራት ክገልጽ ምስ ዝደሊ ብማሕረስ ገይሩ ከርእየና ይኽእል፡ ወይ ክኣ ብኸግድዖ ዝወዓለ ጎባይ ብዕራዩ ገይሩ ሃላኽ ናይ ሓደ ስራሕ ክገልጸልና ይኽእል። ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ግን ክብደት ነገራት ብሕርስን ጥንስን፡ ብምጥሓንን ምልንቃጥን ክነርእዮ ንፍትን። ደቂ ኣንስትዮ ብጣዕሚ ትኩራት ስለ ዝኾና ንደቀቕቲ ነገራት ግን ክኣ ኣገደስቲ ክንገልጽ ንፍትን ኢና። ብዙሕ ዘማእክል ክኣ ኣሎ፣ ንኣብነት ፍቕሪ።
ኣብዚኣ ግን ክሰግራ ዘይደሊ ብኣወዳት ዝግጠሙ ግጥምታት ናይ ደርፊ ሰሚዐ፡ ጓል ዶ ከምዚ ትብል እያ እብል እየ። ናይ ጓል ስምዒት ጓል ጥራይ ክትገልጾ ስለ ትኽእል፡ ወዲ ግን ንሓደ ሓደ ረቀቕቲ ነገራት ናይ ጓል ክገልጽ ኣይክእልን እዩ። ጓል ክኣ ናይ ወዲ ስምዒት ክትገልጽ ይጽግማ እዩ። ስለዝስ ንኸምዚ ሕጽረታት ባዕላዊ ሓቂ ንምብዳህ፡ ረቂቕ መጽናዕቲ ወይ ምውካስ ካብ ሕድሕድ ከድሊ እዩ።
ኣብ ግጥሚ ውስጠዘ ይብርሃኒ፣ ከምዚ ግድላት ምፍታሕ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ፡ ክመራመረሉ ከለኹ ባህታ ይፈጥረለይ። ምጥቃም እኳ ውስጠዘ’የ መብዛሕትኡ ግዜ ዝጥቀም።
(10/2016)
*****
# ሕቶ ብዛራ ገጠምቲ፤ ስነ-ጥበብን ስነ-ምግባርን ከመይ ተተሓሕዘን፧ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ዲንቂ ስነ-ጥበብ ክፈሪ ይኽእል-ዶ፧ አገድሰና ዶ ኸ ንዓና ንኤርትራውያን፧
‘ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ’ ዝብሃል ቅዲ ኣሎ፡ ኣብ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ከመይ ተንጸባሪቚ ረኺብካዮ፧ አገድስ ዶ ኸ፧
ህየሳ ኸ ስነ-ጥበብ ድዩ፧ ስነ-ጥበባውያን እዮም እንተ ኢልካ፡ ከምቲ ፈጠራዊ ጽሑፋት ዘሎ ፈጠራዊ ዘሎዎ ህየሳ ኣሎ ድዩ፧ ተምሳጦም ብዝመሰሎም እዮም ዘዳልዉ እንተኢልካ ድማ፡ እሞ ንህየሳ ዝኸውን መትከላት የለን ማለት ድዩ፧
19) መልሲ ገጣሚ ሺሻይ ሹመንዲ፤ ብኣጠማምታይ፡ ስነ-ምግባር፡ ንጥበብን ኣቕረብቱን መጠረዚ መንፈሶም እዩ። ወይ እቲ ንትሕዝቶን ኣዳላውን ዘማዕርግ ጥዕና ዚመልኦ ሰብኣውነት። በዚ መንጽር፡ ስነ-ምግባር ኣብ ዝጐደሎ፡ ዲንቂ ዘበለ ክፈሪስ እትረፍ ብዓቢኡ እኳ እቲ ስነ-ጥበብ ህላውነቱ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ስነ-ጥበብ ሃገርና ትጽቢትን እምነትን እተነብረለን ብርዕታት፡ ካብቲ በቶም ዓበይቲ ሓራግጽ እተቐርሰመኦ ንላዕሊ፡ በቶም ብዘይኣምኑሉን ብድለላን ተደሪዀም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ስነ-ጥበባውያን እዚ ዘዪበሃል ግፍዒ ዝፈጸሙ ሰባት ምንባሩ እንክትሓስብ ንመረዳእታይ ጭቡጥ ትርጉም ክርከቦ ዚከኣል መስለኒ። መንፈስ ጸሓፍቲ ንምድኻም ብእተዓስቡ ገይርካ ንጽሑፋቶም ከተዕኑ ምፍታን እውን ነይሩ። ከምቲ መም/ ተኽለ ተኸስተ ኣብ ሓንቲ ካብ ግጥምታቱ ዚበሎ፥ እቲ ንላዕሊ ገጽካ ምልዓል’ውን እንተዀነ፡ ወዲቕካ ንዘይምድሓን ክኸውን ስለዝኽእል፡ ኣራግጻ ኣእጋርካ ዚመዝን ነብሰ-እደባ ክህልወካ ምኽኣል እዩ ስነ-ምግባር ንስነ-ጥበበኛ ምበልኩ። እምበኣር ስነ-ምግባር አገድሰናን ፈረቓን እብል። ዓሊ ዓብዱ፡ ማይስርዋ፡ ተወዚዕካ እንዳዜና ምእታው፡ ሃመማተኤ፡ ካድርነት፡ … ወዘተ. ዚበሃሉ ስያሜታት ኣብ ጥበብ ተሰፍዮም ዳርና ዝረኣናሉን እተፈንፈኑሉን ዘመን እዩኖ ሕጂ!
ኣብቲ “ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ” ዝምልከት ሕቶ፥ ከም መረዳእታይ፡ እዚ ስነ-ሞጐት እዚ ውጥም ህጥም ዝብል እምበር፡ ብርእሱ ቈይሙ ዓለሙ ከርእየና ኣይተኻእለን። ሓቂ ዘረባ ኣዝዮም ቁንጣሮ እንተዘይኰይኖም፡ ዚበዝሑ ስነ-ጥበበኛታትና ጌና ምስቲ ንማሕበራዊ ናብራ ዝደናገጽ ስነ-ጥበብ ንስለ-መልእኽቲ እዮም ዘለዉ። እዚ ክኸውን ዚኸኣለ፡ ምናልባት፡ እቲ ክውንነታዊ ሃዋህው ሃገርን ህዝብን ሓይሊ ስሕበቱን ክኸውን ይኽእል። ስነ-ጥበብ ንስለ ስነ-ጥበብ እምበኣር፡ ህላዌኡ ከይከሰበ ከመይ እንጸባረቕ ኣሎ ክንብል ዚከኣል ኣይመስለንን።
ህይወት ብዓባያ ማዕከን ጥበብ፡ ወዲ ሰብ ድማ ጉዕዞኡ ጥበብ እያ ኢሉ ንዚኣምን እትረፍ ህየሳ፣ ምስትምቓር እውን ጥበብ እዩ ክብል ነቲ ዳሕረዋይ ሕቶ። ንምንጻሩ፥ እትረፍ ስሩዕ ህየሳ፡ እቲ ዘይተኣከበ ርእይቶታት ኣስተማቐርቲ እውን እንተኾነ ከካብ ኩርናዑ ተበጊሱ ዝወሃብ መልሰ ተግባር እንደኣሉ – ኣብ መድረኽ ይብጻሕ ኣይብጻሕ። ህየሳ ከም ሓደ ዋርድያ ቈይሙ፡ ቲኬት ብቕዓት ዝርኢ ግኡዝ ነገር እዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ምስ ለውጢ ኣተሓሳስባን ቀጻሊ ምዕባለን እናተመርሐ መምዘኒታቱ ዝውስኽ/ዘጉድል፡ ዓለማዊ ባህርይ፡ ሕብረተሰባዊ ኣቃውማ፡ ውልቀሰባዊ ስፍሓት ዓቕሚ ርእዮት ተወሃሊሉ ንደቂሰባት ዝምግብ “ፍሰት ረቂቕነት” እዩ ኢለ ግን እኣምን። ስለዚስ፡ ተምሳጥ ዘፈልፈሎ ርእየታቱ ገይሩ ቀጻሊ እናተመሓየሸን እናጐልበተን ዝኸይድ ኣገባብ ደኣ’ምበር፡ ብሓንሳብ እተሓገጉ መትከላት ተቐፊዱ ዝነብር መስተኻኸሊ ኣይኮነን’ውን ክበሃል ዚኽእል ‘መስለኒ። ብሓጺሩ፥ ህየሳ፡ እቲ ኣብ ፍልቀት ዝነብር ዘይተጻሕፈ ‘ረሲፕት’ ንኣገባብ ኣሰራርሓ ግጥሚ እዩ እንተበልና’ኸ፧! ግጥምን ገጠምትን ደኣ ንባዕሎም ንምስትምቓር ሃያሲ ሸውሃቱ ከፊቶም ጋህ ዘብልዎ ከይኮኑ እምበር!
(11/2016)
*****
ድሕረ-ጽሑፍ፤ እዚ ትሕዝቶ፡ ካብቲ ወርሓዊ ብዛራ-ገጠምቲ ዝዳሎ ዝነበረ ቃለ-መጠይቓት፡ ብሃሰሰ-ለባም ተመሪጹ ዝተወስደ እዩ። እቶም ገጠምቲ ደደርዘን ሕቶታት ቀሪብሎም’ኳ እንተነበረ፡ ሓሓንቲ ሕቶን መልስን ኣብዚ ቀሪቡ ይርከብ።