AMAN TEKESTE W.
# ሕቶ ብሂማን ኢዮብ፤ ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ንግጥሚ ክስዕብዎ ዝርኣዩ? ብቕዓቶም ከፍልጦም ዝኽእል ረቛሒታት እንታይ ክሕግዞም ይኽእል? ግጥሚ እንታይ መዕቀኒታት ምስ ኣማልአ እዩ ግጥሚ ዝብሃል? ግጥሚ ከም ህንጻ ምሕዳስ የድልዮዶ ወይ ሓንሳብ ምስ ተጻሕፈ ከምኡ ኢሉ ክነብር ኣለዎ? ዘይዓለማያን ውክልናታት ንግጥሚ ኣብ ትርጉም (ክትርጎም ከሎ) ሃስያ ኣለዎዶ? ንኣብነት፥ “ሕቖኻ ሰፊሕ ከም ሰተታ፡ ኣዴኻ ስለ ዘጽገባኻ ጸባ ሃይኮታ” — ዝብሉ ሕቶታት ኣተኣሳሲርካ ብናትካ ኣጠማምታ ከመይ ትምልሶም። የቐንየለይ !
8) መልሲ ብገጣሚ ኣማኑኤል በርሀ፤ ወይለይ፡ ወይለይ … እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ጥራይ’ያ ዓቕመይ ነይራ መስለኒ። ንግጥሚ ብዙሓት ሰባት ዝስዕብዎ ስለ ዘይፈልጥዎ’ዮም፡ ገለ ድማ ስለ ዘፍቅርዎ። ግጥሚ ምጽሓፍ ቀሊል ገይሮም ዝቆጽርዎ ሰባት ኣመና ብዙሓት’ዮም። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ግን፡ ንግጥሚ ክትቀትሎ ብዙሕ ግዜን ድኻምን ዘይሓትት ምዃኑ’ዩ። ልቢ-ወለድ ይጽሕፍ ኣለኹ ኢልካ ኣዋርሕ ላሕ ምስ በልካ፡ ዘይልብ-ወለድ ኮይኑ እንተጸኒሑካ ናይ ግዜን ጉልበትን ክሳራ ኣለካ። ግጥሚ እጽሕፍ ኣለኹ ኢልካ ዘይግጥሚ እንተሸርጠጥካ ግን ሃልኪ የብሉን። ምልኩዕ ግጥሚ ንምውላድ ደኣ’ዩ ሃልኪ ዘለዎ’ምበር፡ ምዉት ግጥሚ ንምውላድ ሃልኪ የብሉን። ህየሳን ናጻ ምብህሃልን እንተዝበዝሕ ብዙሓት ኣጸቢቖም ምተላለይዎ’ሞ፡ ሽዑ ገለ ፍቕሪ ምሓዞም ገለ ድማ ገዲፎሞ ምኸዱ።
ግጥሚ ምሕዳስ የድልዮዶ ድማ በልኪ፤ ምስ ግዜ ሕብሩ እንተሃሲሱ’ሞ እቲ ሕብሩ ድማ ቅርሲ እንተዘይኮነ እንተተሓደሰ ጽቡቕ’ዩ። ዘልኣለማዊ ጽባቐ ሒዙ እንተተፈጢሩ ግን ምሕዳስ ኣየድልዮን። እታ ግጥሚ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ምስ ግዜ ፍልስፍናኣ ስለ ዘብቅዐ ክትሕደስ ኣለዋ ኣይብልን። ብእዋና’ያ ክትምዘን ዘለዋ። እቲ ኣሪጉ ዘሎ ፍልስፍናዊ ጽባቐኣ ከም ቅርሲ ክትሓዝ ይግባእ። ኣብ ኣነዳድቓኣ እንተኾይኑ እቲ ምሕዳስ ግን፡ ገጣሚኣ ባዕሉ እንተሐደሳ ኣይጽላእን – ንስለ ጽባቐ ክብል።
ዘይዓለማውያን (ዩኒቨርሳል ዘይኮኑ ማለት እንተኾይኑ) ውክልናታት ኣብ ትርጉም ሃስያ ኣለዎ’ወ። ንባዕሉ ግጥሚ ዩኒቨርሳል ክኸውን’ዩ ዘለዎ። ኣብ’ዚ ግን ጽቡቕ ጌርኪ ሓዝኒ። ሰተታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ስለዘየላ’ሞ ብእንግሊዝኛ ምትርጓማ ከይከብድ ቢልካ ኣይትገድፋን ኢኻ። ብዓቢኡ መንፈስ’ምበር፡ ቃላት ኣይኮንካን ትትርጉም። ስለ’ዚ፡ እቲ ሕብረተሰብ ዝጥቀመሎም ምስላታት ይኹኑ መግለጺታት ሕላገቱ ስለ ዝኾኑ ሃስያ ኣየምጽእሉን እብል። እታ “ኣዴኻ ስለዘጽገባኻ ጸባ ሃይኮታ” ግን፡ ጸባ ሃይኮታ ዩኒቨርሳል ኣፍልጦ ክሳብ ዘይሃለዎ፡ እታ ግጥሚ ዶብ ሰጊራ ከምዘይተስተንፍስ’ዩ ዝገብራ። ድሩትነት ይፈጥረላ።
ኣንቲ ክንደይ ሕቶ ደኣኺ ሓቲትክኒ? ናይ በይንኺ ደርዘን ኣኺሉ። ንኺድ በሊ ደሓን … ግጥሚ ከተንብቦ ወይ ክትሰምዖ ከለኻ ባዕሉ ዝፍንወልካ ግጥማውነቱ ዝገልጽ መንፈስ ኣሎ። “ግጥሚ ኣይኮንካን” ክትብሎ፡ ዘየማልኦም ነጥብታት ክትዝርዝረሉ ትኽእል ኢኻ። ግጥሚ ኮይኑ እንተመጺኡካ ግን፡ ብኸመይ’ዩ ገጢሙ እቲ ዘይርአ መንፈሱ ጥራይ’ዩ ዝነግረካ። ንሓደ ሰብ ብኸመይ ሰብ ኮይኑ’ሎ ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኣድጊ ግን ሰብ ከምዘይኮነ ዝርዝራት ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ረምታን ናዕታን፡ ሜትርን ቶንን ስለ ዘካተትካ ግጥሚ ኣይውለድን’ዩ። ምስ ተወለደ ጥራይ ኢኻ በዞም ቀመማትን ባእታታትን እናወሳሰኽካ ምጩው ክትገብሮ ትኽእል።
(12/2015)
*****
# ሕቶ ብማይኮ ተኽለ፤ ባእታታት ቋንቋ ብግቡእ ኣጽኒዕካ፡ ኣለዉ ዝብሃሉ ምሩጻት ቃላት በቦትኦም እና’ትሓዝካ፡ ረምታን ናዕታን እናሓለኻ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ምንቅስቓስ ፈጢሩ ስምዒት ዝህብ (ጽቡቕ) ግጥሚ ክትጽሕፍ በቲ ሓደ፣
ገለ ውሑዳት ቃላት ከም ዝመጹልካ ኣኻኺብካ፡ ፍሉይን ዘይልሙድን ስግንጢራውያን ኣባሃህላታት ብምህናጽ፡ ተቐባልነቱ ብዘየገድስ ተዘካርነቱ ብቐሊሉ ዘይሃስስ (ሓያል) ስራሕ ክትሰርሕ ድማ በቲ ኻልእ፡ ዝብሉ ተወዳደርቲ ሓሳባት፡ ሃንደበት ውሽጥኻ እንተ ዝወሩኻ፡ ንመኖም ኢድካ ምሃብካ፧ ምስ ስነ-ግጥሚ ብዝተሓሓዘ’ኸ፡ ን(ጽባቐ)ን (ሓይሊ)ን ከመይ ትገልጾምን ተወዳድሮምን፧
9) መልሲ ብገጣሚ ጥዑምዝጊ ተስፋይ፤ ሓይሊ፡ ንጽባቐ ካብ ዝሃንጹ ባእታታት ሓደ ገይረ እየ ዝወስዶ። ሓይሊ ግጥሚ፡ ኣብ መንፈስካ ናይ ምስራጽ ኩነት ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ንዓይ፡ ሓይሊ ይኹን ካልኦት ሸነኻት ግጥሚ፡ ጽባቐ ከድምቑ ዝላፈኑ ሕብርታት እዮም። ሕቶኻ ብግቡእ ተገንዚበዮ እንተ ሃልየ፡ ኩሉ ባእታታት፡ ቀመማት ንበሎ ሓሳባት ግጥሚ፡ ጽባቐ ንምፍጣር እዩ ዝቃመም። ብዓቢኡ ግጥሚ ናይ ስምዒትን ስእላዊ ቋንቋን ብምዃኑ፡ ንረምታ ድዩ ናዕታ፡ ከም ዜማታት ግጥሚ እወስዶም። ጽባቕ ግጥሚ ኣብ ኣበሃህላ (ግርምቢጥነት፡ ስእላዊ ቋንቋ፡ ኣጋንኖ …”፡ እንተ ሃልይዎ ድማ ኣብ መልእኽቲ፡ ኣብ ልክዕነት ቃላት፡ ኣብ ኣእምሮን መንፈስን ናይ ምስራጽ ሓይሊ … እየ ዘናድዮ።
ብሓቂ፡ ስግንጢራውነት ኣብ ግጥሚ፡ ኣመና’ዩ ዝፍተወኒ። ቅኔኣዊ ትርጉም ዘለዎም ኣመና ሓጸርቲ ግጥምታት እባ ኸኣ ይብርሁኒ። ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ግጥምታት፡ ዝበዝሕ እዋን መልእኽቲ ከቐድሙ ኣስተብሂለ ኣለኹ። ብኽልተ ወይ ሰለስተ ነግሒ፡ ክንዲ ጎቦ ኣባሓኒ ዝኸውን መልእኽቲ ወይ ሓሳባት ሰዂዖሙልካ ኩድም ዝብሉ። “… እንተ ዝወርሩኻ፡ ንመኖም ኢድካ ምሃብካ?” ኢልካኒ እምበር፡ “እንተ” ከይወሰኽካ እንተ ትሓትተኒስ ‘ምስ መኖም ከም ዝውግን ብዘይምፍላጠይ፡ ናብ’ቲን ናብ’ዚን እናቋመትኩ አዕነኒ እየ ዘለኹ’ ምበልኩኻ። ግና፡ እንተ ዝወርሩኒ እውን፡ ካብኡ ኣይምሓለፍኩን ግዲ!! ከም ቀደመይ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም ደው ኢለ መቋሰልኩዎም እምበር!!! እንድዒ በጃኻ! እንታይ ከም ዝብለካ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ!
*_ ቅዲ ግጥሚ፡ ደረት ንዘይብሎም ናይ ኣጸሓሕፋ ሜላ ዝምልከት እዩ። ኣመራርጻ ቃላት፡ ቶን ናይ ቃላት፡ ኣበሃህላ፡ ከም ናዕታን ረምታን ዝኣመሰሉ ሙዚቃዊ ሸነኻት፡ ምድግጋም ቀንዲ ሱር ግጥሚ፡ ኣሰራርዓ ቃላት ኣብ ሓደ ነግሒ፡ ትርጉም ቃላት፡ ከም ቅኔ ዝኣመሰሉ ስእላዊ ቋንቋታት፡ ሜተር ኣብ ግጥሚ፡ ውክልና … ካብ’ቶም ንቕዲ ሓደ ጸሓፋይ ዝውስኑ ውሑዳት ባእታታት እዮም። ኣተረጓጉማ ኣንበብቲ ኣብ ሓደ ጽሑፍ እውን፡ ቅዲ ናይ ሓደ ጸሓፋይ ክውስን ይኽእል። ተቐባልነት ጥራይ ርኸብ እምበር፡ ክልተ ሕንጻጽ ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ኣንቢርካ ‘ግጥሚ ጽሒፈ’ እንተ በልካ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቅዲ ሰሪሕካ ኣለኻ።
(01/2016)
*****
# ሕቶ ብኣጋፐ በረኸት፤ ሓንቲ ግጥሚ ንኽትጽሕፍ ክትሕልን ከሎኻ፡ መበገሲኻ ካበይ እዩ፧ ካብ መጽሓፍቲ፡ ምስላ፡ ትዕዝብቲ፡ ወይስ ባዕለ-ኣስተንትኖ ፧ ቅድሚ ኣብ ጽሑፍ ምስፋርካ ኸ፡ ኣብ ውሽጥኻ ተኳማስዖም ዶ፡ ትጎስዕ ዶ ኸ፧ እንተ ዘይዓጊብካሎም ከ፡ ትትፍኦም ዶ ወይስ “ደለ ይዂኑ ጥሜት ከሎ ‘ታይ ከይብሎም!” ቢልካ፥ ብምግዱራት ቃላትን ዘይበሰለ ሓሳብን ተጠቅሊሎም እናሃለዉ፡ ስቅ ኢልካ ትውሕጦም፧ እስከ ብስነ-ጥበባዊ ኣገባብ ሕቶታተይ ጥርንፍ ኣቢልካ ገለ በለና።
10) መልሲ ብገጣሚ ዮውሃንስ ኣብርሃም፤ እቲ ኣብ ፈለማ ግጥሚ ምጽሓፍ ክጅምር እንከለኹ ዝያዳ ካብ ውልቀ-ስምዒታተይን ውልቀ-ኣመለኻኽታይን ተበጊሰ ኢየ ዝጽሕፍ ነይረ። ምኽንያቱ ንሱ ይቐርበኒን ይቐለኒን ስለዝነበረ። ምስ ግዜ ግን እቲ ግጥሚ ናይ ምንዳቕን ቅርጺ ምትሓዝን ስራሕ ኣእምሮኻ እናተለማመዶ ስለዝኸይድ ካብ ትዕዝብቲ ከባቢኻ ይኹን ተመኲሮ ካልኦት ክትጽሕፍ ዝቐለለ ይኸውን። ትኹረትን ዕምቈትን ስነ-ጥበባዊ ኣዒንትኻ ኢዩ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝኸውን። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ተሞርኪሰ ኢየ ዝጽሕፍ፣ ዝኾነ ይኹን ግን መጀመርታ ናብ ውሽጠይ ኣእትየ ስለዘኾምስዖ ናተይ ኣመለኻኽታ ወይ ኣስተንትኖ ሒዙ ምውጻኡ ኣይተርፎን። ግጥሚ ቅድሚ ኣብ ወረቐት ምስፋሩ’ውን መልክዑ ኣብ ስእለ ኣእምሮኻ ትፈልጦ ኢኻ። ነቲ ስምዒትን ሓሳብን ብትኽክል ዝስከሙለይ ቃላት ወይ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ወይ ዜማ እንተዘይረኺበ ግን እታ ግጥሚ ፈጺማ መቐረት ኣይትህበንን። ፈለማ ንውልቃዊ ዕግበተይ ኢለ ስለዝጽሕፎ ድማ ተጸሚመ ዘይዓገብኩሉ ቃላት ዝውሕጠሉ ግዴታ የብለይን። ዝተፈላለዩ ገጠምቲ ከከም ዓቕሞም ዝፈላለ ድምቀት ጽባቐ ዘለዎ ስራሕ ከምዘቕርቡ ርዱእ ኢዩ – ኩሉ ደደረጃኡን ገግዜኡን ኣለዎ፣ ግና’ኸ ንባዕልኻ ዘይዓገብካሉ ክነስኻ ንሰብ እንታይ ከይብሎም ኢልካ ምቕራብ ክብሪ ስነጥበብን ክብሪ ነብስኻን ዘጉድል ጥራሕ ኢዩ።
*_ ዕምቈት ግጥሚ፤ ማዕረ ክንደይ ኢዩ ናብ መንፈስ ኣንባቢ ዝንቆት ኣብ ውጽኢት ናይ ዝተፈላለዩ ባእታታት ኢዩ ዝምርኮስ። ኩሉ ክትጭብጦ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ብሓፈሻ ግን ቅርጺ፣ ዜማ፣ ህርመት … መበቆላውነት ከምኡ’ውን እቲ ዛዕባ ምስ ሂወት ዘለዎ ቅርበት ከይተረፈ ተደማሚሩ ኢዩ ንኣንባቢ ናብ ሓድሽ ጥልቀት ነብሱ ዝወስዶ። ኣነ ብወገነይ ዕምቆት ዘለዋ ግጥሚ ረኺበ ዝብል ኣንቢበ ምስወዳእክዋ ካብቲ ዝጸናሕክዎ ክውነተ ስምዒት ኣብ ኣኽናፋ ጸይራ ናብ በሪኽ ከተዕርገኒ ወይ ድማ ናብ መዓሙቕ ከተጽድፈኒ እንከላ ኢዩ፣ ኣብ ዝነበርክዎ እንተገዲፋትኒ ግና ሓደና ዕምቆት ስኢኑ ኣሎ። ዕምቆት ስለዘይብላ ‘ጽብቕቲ’ ኣይኮነትን ማለት ግን ኣይኮነን።
(02/2016)
*****
# ሕቶ ብፍረወይኒ ሺሻይ፤ ስነ-ጥበብ ብፍላይ ግጥሚ ንማይኮ እንታይ እዩ? ብኸመይ-ከ ምገለጾ።
11) መልሲ ብገጣሚ ማይኮ ተኽለ፤ ፍረወይኒ፡ ከምቲ ጠቢብ ሰለሞን ዝበሎ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን። ጥበብ ድማ፡ ነቲ ዘይሓድሽ ነገራት ካልእ መልክዕ እናትሓዝካ ሓድሽ ነገር እትፈጥረሉ ኣገባብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህሉው ነገራት ምጥባብ፡ ነቶም ነገራት ካልእ ምስሊ ኣትሒዝካ ሓድሽ ነገር ምፍጣር ስለ ዝኾነ፡ ንዝተሰርሐ ነገር ካልእ ቅርጺ ፈጢርካ ምምስራሕ፡ ንዝተባህለ ነገር ድማ ኸምኡ ካልእ ኣበሃህላ ተጠቒምካ ፍሉይነት ምልባስ እዩ። ስለዚ ስነ-ጥበብ፡ ሓደ ካብቶም ሓድሽ ነገራት እትፈጥረሎም ዓይነታት ጥበብ እዩ ንዓይ። ስነ-ጽሑፍ፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ፡ ኣብ ሂወት ደቂ ሰብ ጽልዋ የሕዲሩ መለሳ’ውን ይፈጥር’ዩ። ግጥሚ ድማ ሓደ ካብ ዓይነታት ስነ-ጥበብ። መጠን ዓቕመይ ነቲ ሰፊሕ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ብኸምዚ ጥራይ እየ ክገልጾ ዝኽእል። ንግጥሚ ግን ፍልይ ኣቢለ ከም ዝመስለኒ ክገልጾ እንተድኣ ኾይነ፡ “እናመለኽካዮ ብዝኸድካ መጠን፡ እናፈራሕካዮ እትመጽእ ክፋል ጥበብ’ዩ።” ማለት፡ ኩሎም ካልኦት ዓይነት ብትምህርቲ ይኹን ብተመኲሮ ዝተጠርዩ ሞያታት፡ እናመለኽካዮም ኣብ እትኸደሉ እዋን ብመንጽሩ ድማ ዝያዳ እናደፈርካዮም ኢኻ እትመጽእ። ግጥሚ ግን በንጻሩ ኮይኑ ይስምዓኒ ንዓይ። ስለዚ ድማ’የ፡ “እናመለኽካዮ ብዝኸድካ መጠን፡ እናፈራሕካዮ እትመጽእ ክፈል ጥበብ’ዩ።” ኢለ ክገልጾ ዝደፈርኩ።
(03/2016)
*****
# ሕቶ ብመሰለይ መርከብ ተስፋይ፤ ሰላም ሩማና፡ ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ጥበባትኪ ምዃነይ ኣቐዲመ ክገልጸልኪ ደስ እብለኒ። ብምቕጻል፡ ምስ ግጥሚ ዝኸዱ ዛዕባታት ብቈጸራ ዲኺ ትረኽብዮም ወይስ ኣብ ዝጠዓሞም’ዮም ዝመጹኺ፧ ወላስ ኩሉ ሳዕ ሃሰው ኢኺ ትብልዮም፧ ምስ ተራኸብኩም-ከ ቅድሚ ቅርጺ ግጥሚ ኣትሒዝኪ ትሓናጥጥዮ ንኽንደይ እዋን ኣብ የእምሮኺ ጠጅእክዮም ትጸንሒ፧
12) መልሲ ብገጣሚት ሩማና ብርሃኑ፤ ኣነን ግጥምን ጎፍታ ኢና ሓሳብ ሰባት ነንብብ። ንግዜ ይዕዘቦ፡ ንሰባት ድማ ልቦም ክሰርቖም ይፍትን። ዝበዝሑ ግጥመይ ግና እቶም ክበኽዮም ወይ ክስሕቖም ዝሓሰብኩ ስምዒታት ንሶም እዮም። ብዛዕባ ስደት እንተጽሒፈ ተሰዲደ ኣለኹ፣ ብዛዕባ ፍቕሪ እንተጽሒፈ ኣፍቒረ ኣለኹን ነይረን፣ ብዛዕባ ጥልመት እንተጽሒፈ ድማ ጠሊመን ተጠሊመን ስለ ዝልዝኾንኩ ኣይሕድሰንን እዩ። ህይወት’ውን እኮ ኣብ ወረቐት ዘይሰፈረት ግጥሚ እያ።
(04/2016)
*****
# ሕቶ ብፉጹም ብርሃነ፤ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምህያስ ዳርጋ ምብኣስ ኮይኑ ኣሎ፣ ሓያሎ ድማ ካብ ሰብ ዝኸስሩ ስቅታ ይመርጹ። ኣብዚ እንታይ ሓሳብ ኣለካ፧ ብተወሳኺ ከምቲ ሓደ ንፉዕ ገጣሚ፡ ንፉዕ ሃያሲ ዘይክኸውን ዝኽእል፣ ሓደ ሓያል ሃያሲ ድማ ዘይንፉዕ ገጣሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ንስኻ ነቲ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ክፍተት ብኸመይ ምመላእካዮ፧
13) መልሲ ብጸሓፋይ ኣማን ተኸስተ፤ ከምቲ ቅድም ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ስነ-ጥበብ ጽባቐን መልእኽትን ስለ ዘጠቓልል፣ ጽባቐ ከም መወዳእታ ዕላማ ምስ ዝረኣይ፡ ዓለም ስነ-ጽባቐ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ኣምልኾ ኣሎዎ። በቲ ሓደ መዳይ ስነ-ጥበብ ምስቲ ጽባቐ፡ ዓሚቚ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉ ዝድለየሉ እዋን ኣሎ። እቲ መልእኽቲ፥ ብጥምሩ ንንጽህናን ቅንዕናንን ዕብየትን ሰብኣውነት እዩ። ስለዚ ኣምልኾ ጽባቐ ዘይትንክፈካ፡ ዕብየት/ንጽህና ሰብኣውነት ዘይግድሰካ እንተኾይኑ፡ ስቕታ ምረጽ።
ካብ መትከላት ስነ-ጥበብ፡ ቅንዕናን ትብዓትን ናጽነትን ዓቢ ቦታ ኣሎዎም። እምበኣርከስ፡ ሓደ ሃያሲ ንስለ ምሕዝነት ኢሉ፡ ነዞም መትከላት ስነ-ጥበብ ዝጎስዮም እንተኾይኑ፡ ጌና ሃያሲ ኣይበቕዐን ኣሎ ምባል ይሓይሽ። እቲ ተነቂፈ/ተሃይሰ ኢሉ ዝኹሪ ወይ ዕርክነት ዝበትኽ’ውን፡ ጌና ስነ-ጥበበኛ ኣይበቕዐን። ምኽንያቱ፡ ንዓለም ስነ-ጥበብ ኣይተገንዘቦን ኣሎ። ብዛዕባ ስነ-ጥበብ ሰፈፍ ክትብልን ዓሚቚ መረዳእታ ክህልወካን በበይኑ እዩ። ንስነ-ጥበብ ከም ፍልስፍና ህይወት ንዘይርኢ ሃያሲ/ገጣሚ፡ ምሕዝነት ይዓብዮ፡ ብሓቂ ድማ ምሕዝነታቱ እንተ ኣሐየሎ ይሕሾ። እቲ ስነ-ጥበበኛ ድኻም ኣተሓሳስባ፣ እቲ ሃያሲ ድማ፡ ዘይምርዳእ ሓይልን ሓላፍነትን ስነ-ጥበብ የንጸባርቚ ስለ ዘሎዉ፡ ስነ-ምግባርን ስነ-ጽባቐን ናይ ስነ-ጥበብ ከንብቡ ምምኸርኩዎም።
ትብዓት ዘይብሉ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ፡ ሓቂን ጽባቐን ይጎድሎ’ዩ፣ ናጽነትን ዕንደራዊ ሕልምታትን’ውን የብሉን። ፍጹምነትን ምልኣትን ክህልዎ ድማ ዘይሕሰብ’ዩ። ሓደ ስነ-ጥበበኛ ግን፡ ኣይኮነን ዕርክነት ከይብተኾ፡ ሓጢኣት’ውን ክፈርሕ ኣይግብኦን’ዩ። እከይ ግብሪ ንኽዘርእ ክፈርሕ የብሉን ዘይኮነስ፡ ንስለ ሓቂን ጽባቐን ናጽነትን ግን፡ ወትሩ ደው ክብል ኣሎዎ። ስነ-ጥበብ ብፍቕርን ብሓቂን እዩ ተዘሪኡ ዝበቊል። ኩሉ ገጣሚ ድማ፡ ሓያል ኣፍቃሪ እዩ።
ኣብ ስነ-ጥበብዊ ህየሳ ቋንቋ ትግርኛ፡ ስነ-ኣገባባት (Set of Standards) ብዘይ ምድላውና ዘምጽኦ ዘሎ ስነ-ጥበባዊ ደንበርበር/ምድንጋር ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ስነ-ጥበብ ብናጽነት ዝዕየ ዓውዲ እኳ እንተኾነ፡ ቅጥዒ-ኣገባባትን መትከላትን ክህልዎ ኣሎዎ።
ኣብዚ ፈይስቡክ ካብ ዘስተውዓልኩዎ ንሓደ ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታ፡ ነዊሕ ዛንታ – ብ14 ዓይነታት ቅርጺ ህየሳ ከም ዝትንተን ወይ ዝዳሎ ዘይግንዘቡ ጸሓፍቲ ኣሎዉ። ኣብ ቅርጺ ኣድሂቡ ዝትንትን፣ ብመንጽር ኣንስታዊ ውክልናታት ዝርኢ (ፈመኒስት ክርቲስዝም)፣ ኣብ ሞራላዊ መልእኽቲ ዘተኩር፣ ብዓይኒ ማሕበረ-ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝትርጒም፣ ብመንጽር ታሪኻንው ሃይማኖታውን ምልክታት ዝፍትሽ፣ ፈናጢሑ ዝምርምር (ዲኮንስትራክሽን)፣ ደራኺ ምኽንያት ገጸ-ባህርያት’ቲ ድርሰት፡ ኩነተ-ኣእምሮኦም ዚምርምር (ሳይኮሎጂካል ክርቲስዚም) … ወዘተረፈ ዓይነታት ህየሳን ሃየስትን ኣሎዉ። እቲ ሃያሲ፡ ካብዞም ዓይነታት ህየሳ ንሓደ ወኪሉ ምስ ዝጽሕፍ፡ “ከምዚ’ባ ዘየእተኻ ከምቲ’ባ” እናበልካ ተመሊስካ ንዝተሃየሰ ካብ እትነቅፍ፣ ነቲ ፈጢርዎ ዘሎ ‘ትርጒም ዘሎዎ ስእሊ’ ከተለልዮ ይግባእ። ዝኾነ ህየሳ፡ ካበየናይ ኲርናዕ ዓይነታት ህየሳ ምዃኑ ተረዲእካ፡ ኣብታ ዝተኸተላ ኲርናዕ እንታይ ኣጒዲሉ ኣሎ ምንቃፍ ይከኣል። ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ኣረዳድኣን ስለ ዘሎዎ፡ እቲ ዝተራእዮን ዝተሰምዖን ብሰናይ ተበግሶ ንዝጸሓፈ ሃያሲ፡ “ብናተይ ዓይኒ ዘይትርኢ፡” ብዝዓይነቱ፡ ብርዖም ከስሕሉ ዝደልዩ፡ ጥበብ ኣይኮነን እሞ ናብ ጥበብ ንመለስ እብሎም። ንዝበለጸ ውጺኢት ግን፡ ካብ ንዝተሃየሰ ምህያስ፡ ነቲ ቀንዲ ስራሕ ስነ-ጥበብ ብኻልእ ጠመተ ኣልዒልካ ምጽሓፍ ይበልጽ። ዓይነታት ህየሳ፡ ዓይነታት ግጥሚ፡ ዓይነታት ሓጺር ዛንታ፡ ቴማታት [ብሓፈሻ ስነ-ኣገባባት ኢለዮ ኣሎኹ] ክንርድኦም ይግበኣና። ነዚ ከይተረድኡ ንዝተሃየሰ ክነቕፉ ዝጓየዩ፡ ልቢ ንጹሃን ጀመርቲ ኣዕንዮም፡ ጽሑፎምን ነብሶምን ከይዓነዉ እንከለዉ፡ ዝግ ኢሎም ከስተባህሉ ይምረጽ።
ነቀፌታ፡ ህየሳ፡ ምስትምቓር፡ ምልብባም ክፈላልዩ ዘይክእሉ ጽሓፍቲ፡ ብስም ምስትምቓር ንሓንቲ ግጥሚ ክመናንሁ ምስ ረኣኻ፡ “ሓደ-ዶ ተሳኢኑ ኣገባብን መትከላትን ጽሒፉ ዓይኒ ኹልና ዝኸፍት፧!” ትብል።
ኩሉ ሃያሲ – ገጣሚ ክኾነሉ ዝድለየሉ ምኽንያት ኣይተበራሃንን፣ እቲ ሓሳብ’ውን ኣይዓጀበንን። ምናልባት፡ ግደ ሃያሲ ኣብ ምዕባይ ገጣሚ/ ስነ-ጥበብ ኣቃሊልካ ስለ ዝተራእየ ድዩ፧! ኣብ መንጐ ሃያስን ገጣምን ዘሎ ክፍተት እንተዘይተመልአ ይምረጽ በሃላይ እየ። ብዝምባለኦምን ብብቕዓቶምን ገይሮም እናተመላልኡ፡ ብስነ-ጥበብ ይፈውሱና ምበልኩ። ሃያሲ ግድነት ክገጥም ምስ ዝደሊ ግና፡ ሓያሎ ግጥምታት ድሕሪ ምንባብን ምህያስን ድሕሪ ግዜ፡ “ግጠመኒ ወይ ኣገጣጥመኒ” ዝብል ሓያል ስምዒትን ሓሳብን ፈንጺጉ ክሳዕ ዝትፋእ ብዓቕሊ ይጸበ። ክሰምረሉ ከኣ ምተመነኹሉ!
(05/2016)
*****
ይ ቕ ጽ ል
ድሕረ-ጽሑፍ፤ እዚ ትሕዝቶ፡ ካብቲ ወርሓዊ ብዛራ-ገጠምቲ ዝዳሎ ዝነበረ ቃለ-መጠይቓት፡ ብሃሰሰ-ለባም ተመሪጹ ዝተወስደ እዩ። እቶም ገጠምቲ ደደርዘን ሕቶታት ቀሪብሎም’ኳ እንተነበረ፡ ሓሓንቲ ሕቶን መልስን ኣብዚ ቀሪቡ ይርከብ።